Placeholder Picture
Placeholder Picture
Commemoration of the 59th Historic Operation of Togoruba

15/03/2023 02:26 AM

ዝኽሪ መበል 59 ታሪኻዊ ስርሒት ቶጎሩባ፡

Commemoration of the 59th Historic Operation of Togoruba.

(15.03.1964 - 15.03.2023)

Commemoration of the 59th Historic Operation of Togoruba (15.03.1964 - 15.03.2023).

ዝኽሪ መበል 59 ታሪኻዊ ስርሒት ቶጎሩባ
Commemoration of the 59th Historic Operation of Togoruba.
15.03.1964 - 15.03.2023

ብፖለቲካዊ-ስትራተጂካዊ ኣረኣእያ፡ ኣብ ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነጥበ መቐይሮ ዘመዝገበ ዓቢ ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ውግእ ቶጎርባ (15 መጋቢት 1964) እዩ። እቲ ውግእ ብዓቐኑ ከምኡ’ውን ብኣቃውማ ናይቶም ኣብ ክልቲኡ ጫፋት ናይቲ ውግእ ዝነበሩ ወተሃደራት ዘደንቕ እዩ ነይሩ። ብወገን ኤርትራ፡ እቶም ተጋደልቲ ነቲ ቅድሚኡ ዝገጥሙዎ ዝነበሩ ሓይሊ ፖሊስ ዘይኮነስ፡ ምስ ጦርሰራዊት ሓይሊ ኢትዮጵያ ንፋልማይ እዋን ዝገጠሙሉ ውግእ ነይሩ። ከምቲ ሽዑ ኣዛዚ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ መሓመድ ዓሊ እድሪስ ("ኣቡርጀላ") ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዝገለጾ፡ እቲ ኣጋር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣህጉራዊ ኲናት "ኮንጎን ኮርያን" ተሳቲፎም ብዝተመልሱ ወተሃደራት ዝቖመ ኮይኑ፡ ምስ ዝለዓለ ናውቲ ዝተዓጠቐን ናይ ኣህጉራዊ ኲናት ተሞኩሮ ዝነበሮን ሰራዊት ኢዩ ነይሩ።
እዚ ፍሉይ ደማዊ ውግእ፡ ብዙሕ ክሳራታት ዝነበሮ ክኸውን ከሎ፣ ድሕሪ'ቲ ውግእ፡ ዘስካሕክሕ ትርኢታት ተራእዩ። ብመሰረት ነዚ ዌብሳይት ዝሰነደ ዓምር ስ. ሓጎስ፡ ምንጪ (መጋቢት 15, 2019) "ኣብዚ ውግእ 84 መኮንናትን ወተሃደራትን ብወገን ጸላኢ ከምዝተቐትሉ፡ 22 ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም መብዛሕትኦም ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ሞይቶም። ካብ ጀጋኑ ሰራዊት ኤርትራ 18 ተጋደልቲ ተሰዊኦም፡ 3 ካልኦት ቆሲሎም። እቲ ዝተሳዕረን ፈራህን ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንሬሳታት ጀጋኑ ሰማእታት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክሳብ ዝብስብስን ዝቆራረጽን ሰጢሑዎ፡ ሬሳታት ናይ 6 ሰማእታት ኣብ ከተማ ኣቑርደት ተሰቒሉ፣ 6 ኣብ ከረን፣ 3 ኣብ ባረንቱ፡ 2 ድማ ኣብ ሃይኮታ ሰቒሉዎ።"።
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ቶጎርባ ዝረኸቦ ወተሃደራዊ ዓወት ነቲ ሚዛን ፖለቲካዊ ሓይሊ ናብ ረብሓኡ ኣሰጋጊርዎ። ሞራል ተጋደልቲን ህዝብን ከምዝዓቢ ገይሩዎ፣ ንኢትዮጵያ እውን፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ናይ ምውጋእ ብቕዓት ከምዘለዋ ክትግንዘብ ኣኽኢሉዋ። በቲ እተመዝገበ ዓወት ተተባቢዖም፡ ካብ ዝተፈላለያ ዞባታትን ብሄራትን ኤርትራ ሓደስቲ ተዓለምቲ ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢሮም፣ ቁጽሪ ተጋደልቲ ኸኣ ኣብ 1965 ኣስታት 1000 በጺሑ።
Source:
ERITREA Nationhood and Sovereignty:
THE RISE AND FALL OF THE ERITREAN LIBERATION FRONT (ELF)
P.115-116


ውግእ ቶጎሩባ፡

ብዙሓት ከም ዝዝክርዎ ውግእ ቶጎሩባ፡ ኣብተን ቀዳሞት መዋእል ሰውራ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ኢትዮጵያውያንን ካብ ዝተራእየ ጉሉሕ ግጥም እዩ ነይሩ። ኣብቲ ውግእ እቲ ኢትዮጵያውያን ነቲ ልሙድ ናይ ኣጋር ሓይሊ ዝበሃልን ፖሊስ ኤርትራን ዘይኮኑስ፡ ኣዝዩ ግዙፍ ምዱብ ሰራዊት ብምውፋር፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ንሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንምድምሳስ ኢዩ ዕላምኦም ነይሩ። ኣብቲ ካብ ባረንቱ ብሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ ቶጎሩባ እተኻየደ ውግእ፡ 84 ኢትዮጵያውያን ወተሃደራት ተቐቲሎም ብዙሓት ድማ ቆሲሎም። ካብ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኸኣ 19 ተሰዊኦም። እዚ ብዕለት 15 መጋቢት 1964 ዝተኻየደ ውግእ ቶጎሩባ፡ ብተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ እድሪስ (ኣቡ ሪጀይላ) ኢዩ ተመሪሑ።
Source: From the Experiences of the Eritrean Liberation Army (ELA)


ቶጎርባ፡ ዕዙዝ ቦትኣ ኣብ ታሪኽ ቃልስና።
ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽለ።
Togoruba: its Historical Heritage in our Liberation Struggle
Discussion with: veteran Tesfay Tekle


Part 1/3:፡  Part 2/3: ፡  Part 3/3:


ዝኽሪ መዓልቲ ቶጎርባ፡ ዓባይ ሓበን!
Remembering 'Togoruba' Our Pride!
ገዲም ተጋዳላይ ኣቶ ኑሪ መሓመድ ዓብደላ
veteran Mr Nouri Mohamed Abdella


ዝኽሪ መበል 57 ታሪኻዊ ስርሒት ተጎሩባ
By: Mr Ali Mohammed Saleh.

ዝኽሪ መበል 57 ታሪኻዊ ስርሒት ተጎሩባ


قناة سبتمبر 61





See also related:
ምስዚ ዝተኣሳሰር ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: