ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 8ይ ክፋል

08/03/2018 13:57 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

8ይ ክፋል

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 8ይ ክፋል

ናብ ጉዕዞ መሰረተ-ትምህርቲ ባዓል ኣደይ ክወስደኩም። እቲ ካልእ ፍጻሜ የዕዋፍ ገዛውትና መሰረተ-ትምህርቲ “ማህይምነት የማጥፍት ዘመቻ” ተኣዊጁ ትምህርቲ ጀሚረን ነበራ። ናይቲ እዋን መማሃራን ክብርኣብ ተስፋሚካኤ፣ ሚካኤል ወልዳኣብ፣ ብርሃነ ወረደ፡ እዮም ኔሮም ምናልባት ካልኦት እውን ኔሮም ይኾኑ ግን ረሲዔዮም። እቶም ዝናኣስና ድማ ሓገዝቲ ኣብ ገዛ (Tutorial at home) ተባሂልና ክንሕግዝ ትእዛዝ ተመሓላለፈ።

ሓንቲ ካብተን ተማሃሮ ዘይርስዓ ኣደይ የሹ ዝተባህላ እየን ኔረን። እቲ ዝገርመኒ ኣጸናንዓ ሜላ ድማ፡ ነተን ቀሌቤት ዘለወን ፊደላት ማለት ክቢ ቀለቤታ፡ ንእንዳ ማርያም፣ ወይ ድማ ንመስጊድ ገጻ፡ ኢለን የጽንዓኣ ኔረን። ሓደ እዋን ብርእሰ መምህር ክብርኣብ ተስፋሚካኤል፡ ኣብ መንደቕ ዝተጻሕፈ ዝረኸበኦ ጺሒፈን ክመጻ/ጹ ንተማሃሮ ዕዮ ገዛ ተዋህበን። እቲ እዋን፣ እዋን መንግስቱ (ሰሻሊዝም) ስለዝነበረ። ኣብ ዝኸድካዮ መናድቕ ናይ ኣብዮት መፈክራት እዩ ዝነበረ። እተን ተማሃሮ ድማ ዘዝረኸበኦ ጺሒፈን መጻ። ንኣብነት ኣብዮታዊት ኢስጦብያ ወይ ሞት፣ ተማሃሮ ድማ ደድሕሪ ነባቢት ይደግመኦ ወይ ድማ ይፍክራ ነበራ። ሓንቲ ፍልይቲ ድማ፣ ዝባን መንግስቲ ኣብ’ዚ ከይትሸኑ/ና ዝብል ጺሒፋ ሓደ ሰብኣይ ሒዞም መጹ። እምበርከ እቲ ገዛውትና ምሸት-ምሸት ሽቓቕ እዩ ኔሩ ብፍላይ ድሕሪ ገዛና፣ ከምኡ እውን እንዳ-ኣደይ ኣበራሽ (ምስ ኣደይ ኣበራሽ ምሸት ንዕረቕ ቀትሪ ድማ ብሰንኪ ኩዑሶ ክንቀልዕ ድቃስ ስለ-ንኸልኤን ንባኣስ ነበርና)።

ቤተ-ሰብ ካንሸሎና፣ ኣደይ ኣበራሽ፣ ኣደይ ቀደስ፣ እንዳ ኣቦይ ሽቃ ረዳእ (እንዳ ነጋሽ) ካብቶም ሓለዋ ቀጽል ዘይነቋርጽ ቤተሰብ እና ኔርና ምሸት-ምሸት፡ ገዛና ንሽንቲ ቤት ከይጥቀሙሉ ክንሕሉ።

ተማሃሪይ ዝባን መንግስቲ ኣብ’ዚ ከይተሸኑ/ና ኢሉ ነበበ። እቶም ዝተረፉ እዝጊ ነይሽነና ክብሉ/ላ መለስሉ።

ንካንሸሎና ክወስደኩም፡ ኣደይ ዘውዲ ደሞዝ ዕባይ ኣባሻውል መሓዛ ብሻት እየን። መስተ ምስ ሰተያ ደቀን ንቁልቁል ስለዝሓዘለኦም፡ ሓብተን እየን ወሲደን ደቀን የዕብየናለን። ምሽት-ምሸት ድማ ስዋ ሰትየን ሙውቕ ኢልወን እየን ዝመጻ ዝነበራ። ጎይላ ይትከል ክራረን እንዳሃረማ ይደርፋልና ኔረን፣ ሓደ-ሓደ ጊዜ እውን ባእሲ እውን ይተክል ኔሩ እዩ፡ ብፍላይ ምስ ዑጡቅ ናይ ደርጊ ዝነበረ ጎሬቤትና ገብሪሂወት (ጓድ ጥበቓ ዝባሃሉ ኣብቲ እዋን)፡ ዳርጋ ምሸት ምሽት ዳዕዋ (ዕግርግር)) እዩ ኔሩ፣ በርበረ ብጽቢጸን እየን ዝጽበየኦ ክግስመኦ ዓይኑ፣ ግን ንጉሆ ድማ ተዓሪቖም ቡን ብሓደ ክሰትዩ ይጸንሑኻ፡ ከም-ሎሚ ዘቐመጥካሉ ዝጠልመካ፣ ዘለቐሓካዮ ዝኽሕደካ፣ ዝሓገዘካ ዝወራዘየልካ፣ ተካል ወለዶ ዘይኮነ!

ይቕጽል ናብ 9ይ ክፋል

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡   3ይ ክፋል (16/01/2018)፡   4ይ ክፋል (24/01/2018)፡   5ይ ክፋል (01/02/2018)፡   6ይ ክፋል (08/02/2018)፡   7ይ ክፋል (08/03/2018)፡  8ይ ክፋል (08/03/2018)፡  




ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

Eritrean music 2018 Trhas Mehari ''wegeney'' ትርሓስ መሓሪ 'ወገነይ'