ዝኽሪ እታ ዑፈይ

26/12/2017 13:48 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

መእተዊ (Introduction)


ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


ዝኽሪ እታ ዑፈይ

መእተዊ

ዝኸበርኩም ኣዑሩኩን ቤተሰብን ተኸታተልቲ ፈይስ ቡክ ገጻት (Face book): ምስ ተሞኩሮ ውልቓዊ ሂወተይ ኣተሓሒዘ፣ “ዝኽሪ እታ ዑፍይ” ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ ብተኽታታሊ ኣብ ቐረባ እዋን ደብክ ክብለኩም እየ እሞ: ሃየ ሰናይ ንባብ።

ነዚ ከቅርበልኩም ዝዋደደሉ ዘለኹ ንኩለን ኣዴታት ኤርትራ፣ ነቶም ስለ ፍትሒ ክብሉ ተሓዮሮም ዘለው ጋዜጠኛታት፣ ብፍላይ ነቲ መተዓቢተይ ኣቦ ብርዒ ኣማኑኤል ኣስራት መዘከርታ ትኩነለይ። እንተ ሰሚሩለይ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ዝኽሪ ኣባ ብርዒ ኣማኑኤል ዓርከይ ኣብ ንእስነቱ ዝብል ኣርእስቲ ከቕርበልኩም ቓል ይኣቱ።

ክሳብ ሙሉእ “ዝኽሪ እታ ዑፈይ” ትሕዝቶ ዘቅርበልኩም ነዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ link ፣ ናይ ኣምሓርኛ ደርፊ ብሙሉጌታ ተስፍዬ ዝተደርሰት ብኣበበ ተካ ዝተደርፈት ኣዝያ ብልጽቲ/ጥዕምቲ ናይ ጊዜ ንእስነትያ እያ እሞ ይጋብዘኩም። ካብ’ዛ ደርፊ እየ ድማ ተብጊሰ ነቲ ነዊሕ ገዲፈዮ ዝጸናሕኩ ስነ-ጽሑፍ ዝንባልየይ ከበራብሮ ዝተበገስኩ።

ጭራ-ጭራ፣

ጭራ-ጭራ፣ የምታደነው፣ ጭራ- ለቅማ የምታደነው (2)፣
እንዴት ኣስናቐችኝ። ቀድማ ጎጆ ወጥታ እኔም ጎጆ ኣስተማረችኝ
ጎጆዋ ጎጆ ቤት እኔም ውፍትዋ ኣስቐናችኝ

እሀ እሀ ምነው ባደረገኝ የስዋ ጋሻ ጃለ
እኔም እንደምንም ብየ ጥረ ግረ
ያገዳ ጎጀየ ባቖምኩዋት ማግረ
ኣሁን በቃኝ ዓይኔን ኣይቶ ገምቶ
ወይ ሞልቶ ላይሰላ ጆሮችን ሰምቶ
እንዴት ጎጆ ይቅር ኣይቶና ሸምቶ

ገመና ከታቸው የሳር ቤት ያማረሽ
ምስጥረ ማሎኮት ማነው ያስተማርሽ (2)
ካፈር ከንዳን፣ ጎጆ መሬቱን ፈልፍሎ
ከሰማይ ቤት እጥሽ ማን ከፍሎ በሰጥኝ (2)

እኔን እኔ ዓይኔን እኔን ይብላኝ (2)
የቀን ሰው ኣፍር.. .. ልብ ሩቅ ኣሳቡ
ቅርብ ኣድሮ ጆጎቻው ስደፍር፣
ምን ነበር ቢቖጨው ጎጆቸው ከማፈር

ፈጣሪዋን ኣምና ያፈውን ፍረ ስጥታ
ለጭሮ ኣዳር ውሎ በዝማሬ ሆታ
ኣዳም ኤንደት ያጥቓት
ፍርድና ዳኛ ኣጥታ

ኣጣሁ … ብላ እንደሰው ባይከፋት
ምጽዋት ባትለምን …. ባንደግፋት
ጎጆዋ በቻላት ምን ነበር ባንደፍት

ታምኝ ትንስፋት ኣጥርዋት፣ ደክማ ስታጣጥር
ማን ያቅናት ይሁን ውለታ ሳይቆጥር (2)
ወልዳ ማሳደጉ ቡዙ ሰው ብያውቅበት
ያፉ ማን ይሰጥታል የጁ ሲርቅበት (2)

እዛ ዓሙቅ ትሕዝቶ ዘለዋ ድርፊ እንዳሰማዕኩ እየ ድማ ዛንታይ ክጽሕፍ ዝወሰንኩ፣ በሉ ነዛ ደርፊ ክትሰሞዑ ኣንከለኩም ዝተሰማዓኩም ስሚዒት ንተከታትልቲ ኣካፍሉና ምስ ሂውትኩም ከመይ ትተኣሳስር? እንታይ ዝኽርታት ኾን ይህልወኩም/ን? ክሳብ ናተይ ሒዘልኩም ዝቐርብ።


ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-

Abebe Teka Wefitu አበበ ተካ ወፊቱ