ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 6ይ ክፋል

08/02/2018 16:57 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

6ይ ክፋል

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


6ይ ክፋል

እቲ ስእነት መግቢ እንዳገደደ ስለዝመጸ፣ ኣደይ ምስ ኣዴታት ገዛውትና (ከም በዓል ኣደይ ኣስካሉ፣ ሮማ መንገሻ፣ ኣደይ ጸሃይቱ ሰማይነሽ ሰይቲ ኣቦይ ፍሰሃየ …ወ.ዘ.ተ ) ተኣኻኺበን ንዓንሰባ ይኸዳልኩም መሸላ ክሽምታ ሙዃነን እዩ። ሸሚተን ክምለሳ እንከለዋ ግን ተ.ሓ.ኤ ዝተሰከመኦ የሕዲጎመን ባዶ ኢደን ገዛ ይመጻና። እዚ ኾይኑ ግን መረረ የለን ኩሉ ጊዜ ምስጋና ጥራይ ምንም ሻቕሎት የለን። እቶም ደቅና ኸ እንታይ እሞ ክበልዑ ኢለን የመኽንያሎም። እኔሆ ሎሚ ድማ “ቡሩህ ተስፋ ዶ ጸልማት ዝብሉ” መንእሰያት እተን ባዓል ኣደይ ኣዴታት ሸፋቱ ይብልወን፣ ገድሊ ሽፍትነት እዩ ኔሩ ክብልዎ ይገርመካ፣ በሉ ኣነስ ህዝቢ ኤርትራን ህ.ግ.ሓ.ኤ ተጠሊሙ ኢየ ዝብል።

ኣነን ንስኹምን ዝተጠልመ ክንመልስ እንታይ ክንገብር ኣለና ኢልና ምሕሳብ የድልየና ኣሎ እንተበልና ምሓሸ ምበልኩ። ካብቶም ነቲ ገድሊ መሪሖም ዝኣተው ክንደይ ኣልው ኣብ መሪሕነት እንተልና ባዶ ሙዃኑ መልሱ ርዱእ እዩ፣ ናይ 70ታት ተጋዳላይ ምሳይ ዶ ምተሰደ ኣይፋል፣ ኣነ እዚ ኩሉ ሙሁሮ ተማሂረ ምተሰደድኩ ዶ ኣይፋል ሙኾነ መልሱ።

ናብ ዝኽሪ ዑፈይ ክምለስ፣ ነዚ ከቢድ ጸገም ንምፍታሕ፣ ምብልሓት ይሓትት ነበረ። ተስፋይ (ቆሎ)ን ገብርኤላን ናይ ቀበሌ ማይ-ሂወት ዱካን ሰብ መዚ ነበሩ (managing directors ሙኻኖም እዩ)። ወለንተኛ መንእሰይ ይድለይ ነበረ፣ እቲ ስራሕ ባኒ ካብ እንዳ ፎርኖ ኣምጺኡ ዝሸይጥ እዬ እቲ ስራሕ ኔሩ። ነዚ ስራሕ ድማ ሙሉጌታ ገብራይ ቡቑዕ መንእሰይ ኾይኑ ተመሪጹ። ወዲ ካህን ሙዃን ጹቡቕ እዩ፣ ገዛውትና እውን ክብረት ይህቦ ኔሩ ንገዛና ብፍላይ ንኣቦይ ኣገልጉሎት መንፈሳዊ ሂወት ኣዳላዪ እዩ ኣብ እዋን ወጥሪ። ኣነ እውን ከም ተሓጋጋዚ ክሰርሕ/ክሳተፍ ተፈቕደለይ።

ባኒ ብዘለካ ቁጽሪ ቤተሰብ እዩ ዝዕደል ዝነበረ። ኣነን ሙሉጌታን ግን 10-ባኒ ውዕለትና ተፈቒዱልና ንወስድ። ዝተረፈ እንተልዩ እውን ተወሳኺ ክንምቐል ተፈቕደልና። እተን ዝረኸብኩወን ባኒ ሸይጠ መኽሰብ ኽረክብ ገዛ ከዐንግል ኣኽኢልኒ እዩ።

ቅድሚ ናብ ካልእ ምግስጋሰይ ዶባት ጸሓይ በርቅን፣ ማይ-ሂወትን ከዕልለኩም። ማይ-ሂወት ካባቢ 500 ኩፖን ዝነበራ ቀበሌ ኾይና፣ ምስ ጎረቤታ ቀበሌ ጸሓይ በርቂ ኣወዳዲርካ ከባቢ 2000 ኩፖን ዘለዋ ኣብ ምምቃል ባኒ ሪጋን መኽሰብ ኔርዎ።

ወዲ ማይ-ሂወት ሙዃንካ ብውሑዱ ሪጋ ይውሕደልካ። እቲ ቅርጺ ጎደና ገዛውቲ ስለዘየፍቅድ ኣብ ሓንቲ ካንሸሎ ዶብ ትፈሊ። እታ ካንሸሎ ድማ እንዳቦይ ሰመረ (መምህር ትርሓስ) ንጸሓይ በርቂ፣ ማዕዶ ገዛ ባዓል ወደባን እንዳኸየ ንማይ-ሂወት ትመልሰካ።

ማይ-ሂወት ሰላማዊ ህዝቢ ኣለዋ፣ ጸሓይ-በርቂ ድማ ብሪጋ ባኒ ይኹን ማይ ኩሉ ጊዜ ዕግርግር ቆይቒ ዝበዝሖ ቦታ እዪ ኔሩ። እታ ሓንቲ መኽሰብ ስፓርት (ኩዕሶ) ግጥም ኩሉ ጊዜ ብዓወት እያ ትኣትው እንዳጨደረት ትምለስ፣ ማይ-ሂወት ድማ ኣሰልጣኒ ኣብርሃ ምስ ሓለቓ ጋንታ ተኽለ ኣብርሃ ጉህያት፣ ስዕረት ንዘይምቕባል መምኽነይታ ምምሃዝ ከም ልማድና ጌርናዮ ኔርና።

ይቕጽል ናብ 7ይ ክፋል

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡   3ይ ክፋል (16/01/2018)፡   4ይ ክፋል (24/01/2018)፡   5ይ ክፋል (01/02/2018)፡   6ይ ክፋል (08/02/2018)፡  




ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

ጸገም ዝስተ ማይ ኣብ ሙሉእ ከተማ ኣስመራ Drinking Water Crises in Asmara (23 Feb 2017)