ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 5ይ ክፋል

01/02/2018 19:55 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

5ይ ክፋል

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


5ይ ክፋል

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘክዎ ንኩሉ ቡሩህ እዩ እሞ፣ ናብ’ታ ናተይ “ዝኽሪ ዑፈይ” ክመልሰኩም።

እቲ እዋን ኣስመራ ኣብ ፍጹም ከበባ ተጋደልቲ ኣትያ ከላ እዪ፣ ህዝቢ ኣስመራ ናብ ገጠራት እዩ ተዓቑቡ ኔሩ። ገዛና ግና ኣይወጸትን እቲ ምኽንያት ድማ ህድሞና ብደብዳብ ነፈርቲ ፈሪሱ ስለዝነበረ ኣይተኻእለን።

እቲ ዓጸቦ ከቢዱና ምኽኣል ስኢናዮ ጃ ተዋሊእና ቁርሲ ምስ በላዕካ ንጽባሒቱ ድራር ጥራይ ምጽባይ እዩ ኔሩ። ነዚ ክብደት ዝገመተት ዓባየይ ካብ ሃገረ-ሰብ እኽላ ተሰኪማ ነዊሕ መንገዲ ተጓዒዛ ደበኽ በለትና። የግዳስ እኽሊ፣ ክጣሓንን ክህንኮታን ጌዜ ኣይወሰደለንን። እምበርከ ኣጉባዝ ገዛና መግቢ ዝኣኸለ ኣይኣኽሎምን እዪ ዝነበረ። ሓንሳእ ካብ መኣዲ ምስ ኣልዓልካ ኢድካ ኣፍካ በጺሑ ክሳብ ዝምለስ መግቢ ተሃንኲቱ እዪ ዝጸንሓካ። እቲ የእዳዎም ዶዘር ዘይግሕጦ እዮም ዘልዕሉ ዝነበሩ። ምሸት እውን ድራር ኣሎ ወይ የለን ከም-ዕድልካ እዩ ኔሩ እዋኑ። ብፍላይ ከምዚ ናተይ ዱኹም ሽውሃቱ ኣጻብዕተይ እውን ቡዙሕ ከልዕል ዝኽእል ኣይነበረን። ስለዝኾነ ድማ የዒንቲ ጥራይ ተሪፈ (Suffering from malnutrition) ብስእነት ዝተመጣጠነ ዝመጽእ ሕማም ሓሚምካ መቓብር ምምራሕ ጥራይ እዩ ኔሩ እቲ ዕጫ። ነብሰይ እውን ክሳብ ሕጂ ክድርብ ጸገም ዘለኒ። ሓደ ዓርከይ ወዲ ቀሺ ኣብ ማህጽን እዩ ተዓንቒፉ እዩ ዝብለኒ ዝነበረ።

ዓባየይ ነዚ ዝተዓዘበት ንሹቅ ወሪዳ እንዳ-ሻሂ ትኸደልኩም። ኣሳሳይ ድማ ቕርብ ኢሉ እንታይ ክእዘዝ ኣደይ ይብላ። ዓባየይ ድማ ዋና ዳኣ ጸዋዓለይ ትብሎ እሞ፣ እዚ ወደይ ስራሕ ደልየ ትብሎ።

ባዓል-ሻሂ፣ ንዓኽን ድዩ ኣደይ ይብላ

ዓባየይ፣ ኣይፋልን ንደቂ ጓለይ፣ ሰለስተ ኣጉባዝ ኣለው ትብሎ።

ባዓል-ሻሂ፣ ሕጂ የብለይን ዝመጽእ ሰሙን ግና እንተመጹ ንሓደ ከስርሖ ይኽእል እየ በለ።

ዓባየይ፣ እዚ ወደይ ደሞዝ ኣይንሓተካን፣ ጥራይ ከብዶም ምልኣልና በለቶ። እዚኦም ኣይኮነን ሸቂልካ ሓሪስካ ኣይካኣሉን እዮም፣ ጓለይ ጸገም ረኺባ እዚ ወደይ ሓግዘና በለቶ፣ እዝም ኣጉባዝ ኣይኮነን ሜዳ ኤርትራ ሜዳ ኮንጎ እንተተሰለፉ እውን ኣየኽፋኣሎምን እዩ፣ ገድሊ ድማ ስልጣን ድኻ ሓረስታይን፣ ድኻ ሸቃላይ እዩ ዝሕዞ ዝብሃል ዝነበረ።

ይቕጽል ናብ 6ይ ክፋል

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡   3ይ ክፋል (16/01/2018)፡   4ይ ክፋል (24/01/2018)፡   5ይ ክፋል (01/02/2018)፡  




ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

Eritrea: ድምጺ ደሊና ፡ ፍሉይ መደብ: ትማሊ ሎሚ ኾይኑ 07 ለካቲት 2015