ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 2ይ ክፋል

08/01/2018 19:23 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

2ይ ክፋል

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


2ይ ክፋል

ስምኦን ምንኣሰይ ሓወይ በቲ ሓደ ድማ ሕሳስ ልደ (መወዳእታ ካብ ኣወዳት) በቲ ድማ ውዑይ ፈታዊ ኣማባጋሮ (ባእሲ)፣ እቲ ካልእ እውን ሰዋ ጨሊጡ ርስን ኢልዎ፣ “ሰንከልከል እንዳለ ኣነ እኮ ሰብኣይ ዘይፈርህ ሰብ እኾ እየ ክብል” ቅጂል ይብለኒ። መቸም ብሰንኪ መስተ ኣመል ንበሎ ድፍረት ኣይፈልጥን ቤትማሰርቲ ዳርጋ ለሚድዎ፣ ከምዚ ኣበይ ዳኣ ከይዱ ኢልካ ምስትሓትት ሰብ እንዳሓወብኡ/ሓትንኡ ሓዲሩ ዝብልካ። ዳርጋ ኣብ ሸሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ንቡር ኾይኑ ንሕና እውን ለሚድናዮ።

ኣደይ ግና ወላዲት ብሙዃና ኣዛይዳ ትሻቀለሉ፣ እንዳመሰየ ምስዝከይድ ኣይትድቅስን፣ ኣባይ ግና ብእዋኑ ሰዓት ሸሞንተ ዳርጋ ሕልሙ ወዲኡ ዝባራበረሉ ጌዜ በጺሑ ኣሎ፣ ኣደይ እውን ሰብኣያ ኣደቒሳ፣ ብየእማን ዝተደገፈ ካንሻሎና ትኸፍተሉ፣ ገና ኣብ ደገ እንከሎ ዝሑል ማይ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሳ ከተደቅስ ትንፋሳ ክትወጽእ ትሓድር ዝነበረት፣ ሓደ እዋን እባ ረሲዓልኩም ኣደይ ቀቢጻ ግንቡው ኢላ ድቃስ ወሲድዋ ኔሩ፣ ወዲ ዳርጋ ወጊሑ ማዕጾ እውን ተዓጽዩ ከዘልል ይጋደል፣ ኣቦይ ድማ ንቤተ-ክርስትያን ክከይድ ክጋደል ይርእዮ፣ ኣንታ ወደይ ወጊሑ እንድዩ በል ንዓ'ኳ ከይትስበር ብኣፍደገ እተው ኢልዎ ከይዱ እብለኩም። ኣየ እዛ ኣደይ እምንቲ ዑፍ ዶ የብላ ሓቀይ?

እንተ ኣነ እሞ ሕርቃነይ ገንፊሉ ይቐንእ፣ ኣነ’ዚ ፈታዊ መጽሓፍ ኣብ መጽናዕቲ ተጸሚዱ ዝሓድር ወላድኪ ክንሰይ (መጽናዕቲ ብመዓልቲ ዘይምኣኸለካ ሱኑፍ ኮንካ እንዳኣልካ፣ ለይቲ ተውስኽ፣ እንተትብለኒ ከ እንታይ ኮን ምበልኩ?)፣ ዳሓር ድማ ብወገነይ ዝመጽእ መዘዝ ዘየለ ኣንቲ ኣደይ፣ ስለምንታይ እኺ ክንድዚ ብስምኦን ትርበጺ ኢለ ካብ ምሕታት ዓዲ ዊዒለ ኣይፈልጥን። ኣንታ ባህገይ እስኻ ደኣ ምሳይ እንዲኻ ዘለኻ ኩሉ ናተይ ድማ ናትካ እኮ እዩ፣ ብሓውኻ ምሽቃል እሞ እንታይ ሓጥያት ኣለዎ፣ እንተኪኢልና ምሓገዝካኒ ድማ፣ እስኻ ከምኡ እንተትኸውን ድማ እቲ ሻቑለት ድርብ ሙኾነ እንዳኣሉ በለትኒ። ቀጺላ ሓውካ ክብኣስ ድፍእ እንተበልዎ ንዓና ኣይጹቡቕ፣ ንመባኣስትና ድማ ኣይጥዑምን በለትኒ፣ እሱስ እወ ኢለ ተረቲዐ ስቕ በልኩ።

ሓደ እዋን ቡዙሓት (group) ኾይኖም ይባኣሱ ሓደ ብዕደመ ዝናኣሰ ይከኣሎ (ወዲ ወዶም እንዳቦይ ባይረ) ይተሓዘልኩም እሞ፣ ስምኦን ግብሩ ፈሊጡ ምስ ደሳለ ጎንደየ ዝተባህለ ዓርኩ ክሓድር እየ ኢሉ ፍቃድ ተዋሂብዎ እታ ለይቲ ኣብ ገዛ ኣይነበረን (ደሳለ ካብቶም ብህጻንነቱ ኣዲኡ ዝሰኣነ ዘኽታም መንእሰይ፣ ኣዴታት ገዛውትና በብተራ እንዳ-ቀለባ፣ ክዳኑ ሓጺበን ዘዕበየኦ መንእሰይ፣ ወዲ ማሕበር ገዛማንዳ ሓበሻ እዩ ኔሩ)።

እቲ እዋን 1990 እዪ ኔሩ ካንሻሎ ገዛና ሰባር ብምንባሩ ብቀጥታ ንሓሙሽተ ቤተሰብ ካንሻሎና ውታደራት ከቢቦም ገዛና ሃጀሙዋ እሞ ተፍትሽ ተገብረ፣ ብጃማ ለቢሰ ድማ ኣነ ወጻኩ። ኣቦይ እዩ ቀዲሙ ዝወጸ። እንታይ ተረኽበ ክብል ኣቦይ ይሓትት። ወዱኹም ነዚ ሕብረተሰብ ሰላም ከሊእዎ፣ ምስ ውንቤዴ ዝተሓባባር ዜጋ እዩ ክብል እቲ ወታደር ንኣቦይ ሓበሮ።

ናይዛ ሎሚ ኦፓረሽን ሓላፊ ኣነ ሻለቃ ዘለቀ ይብሃል ኢሉ ነብሱ ኣላለየ ወታሃደር። እቶም ተራ ወታሃደራት ንዓይ ኣእዳውይ ንድሕሪት ብካቴና መቑሕ ተኣሲረ ብዘይ ዝኾነ ዘረባ። ብሰለፍ ጠብንጃ እንዳተሃረምኩ ንቀበሌ ማይ-ሂወት ተወሰድኩ። ክሳብ ካልኦት ዝእረዩ ድማ ኣብ ቀበሌ ጸናሕኩ፣ ድሕሪ ቁሩብ ተመስገን ተወልደ (ባርያ) ድማ ተጸንበረኒ፣ እዋኑ ከተማ ምጽዋዕ ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣትያ ብምንባራ ደርጊ ሪዒዱ እዩ ኔሩ።

እቲ ሽዑ ጊዜ ወጣት ማሕበር ተመዝጊበ ገና ቆልዓ ኾይነ ብመንገዲ ረዳእ ኪሮስ (ወዲ ሃለቃ) ጥቆማ፣ ብጸጋይ መለስ (ኣቦ-ወንበር) ተሓጽየ፣ ብሙና ዓብደልዓሊም፣ ሙሉጌታ ገብራይን መሓመድብርሃን (ኣቡ ከላም ተዋሳኣይ) ሙሉእ ደገፍ ረኺበ በታ ናይ ሽዑ ዲሞክራሲ ኣገባብ ዝበሃል ዝነበረ፡ ከም ተሓጋጋዚ ጸሓፊ (መዝገብና ዘገባ) ኾይነ ተመሪጸ ከገልግል ዝጀመርኩሉ ጊዜ እዩ ኔሩ። ከምዚ ናይ ሕጂ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኣመነ ይኹን ዝኻሓደ ብሴፍ እዩ ኔሩ እዋኑ።

እቲ ኩነታት እንታይ ሙኾኑ ኣይፈለጥኩን። ኣደይ እውን ኣብ ኣፍ-ደገ ቀበሌ ተዓኒዳ ደው ኢላ ነበረት ኣብ ኣፍ-ደገ ቀበሌ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ግዳይ ጽፍዒትን ሰለፍ ጠበንጃን ካብ ሙኻን እውን ኣይደሓነትን። ተመስገን (ባርያ) ምስ መጸኒ ግን እንታይ እኹም ጌርኩም ኢለ ሓተትኩዎ ባርያ ድማ “ተካሲምና” በለኒ ቁልቁል ዝኣፍ። እቲ ናይ ሽዑ ናይ ቀበሌ ሊቀ-መንበር ዓብዱልራሕማን (ወዲ ሸክና) ይመጽእ እሞ፣ እዚ ኣይኮነን ዝድለይ ዘሎ ሓው እዩ ክብል ንሻለቃ ዘለቀ ይሕብሮ። ሻለቃ ግን ዝተዋህበና ስም እሱ እዩ። የቄስ ልጅ (ወዲ ቀሺ) ጥራይ እዩ ዝብል ዘሎ። ስለዝኾነ ድማ ተጠርጣሪ ተባሂሉ ኣብ ማእሰርቲ ይጸንሕ ኑጹህ እንተኾይኑ ድማ ሓቅነቱ የውጸኦ በለ። ሓው ድማ ክሳብ ባዕሉ ቀሪቡ “እኔ” ገበነኛ ነኝ (ኣነ ገበነኛ እየ) ዝብል ኣይወጽእን እዩ ኢሉ ንኣኽርያ ቤትማእሰርቲ ተወሰድኩ።

ንጽባሒቱ ንግሆ ስምኦን ሓወይ እቲ ጉዳይ ፈሊጡ ባዕሉ ስልጣንያ ተሰኪሙ ንቤት-ማእሰርቲ መጸ እሞ፣ ንተራኛ መኮንን ድማ፣ ሓምሳ-ኣለቃ- መሓሪ ገብረ ዝተባህለ። ኣነ እየ እቲ ገበነኛ ንሓወይ ስደድዎ ንዓይ እሰሩኒ በሎ። ተረኛ መኮንን (ሓምሳ-ኣለቃ- መሓሪ ገብረ) ኤርትራዊ ብሙኻኑ ክብደት ምእማን ገበን እውን ስለዝፈለጠ። ነዚ ቃል ምስ ሰምዐ ሰንበደ። ኣንታ ቆልዓ ጽሉል ዲኻ። ባዕልኻ እንተኣሚንካ ደኣ ትኽ ኣቢሎም “ሰንበል ቤት-ማእሰርቲ” ከእትውኻ እዮም። ሓውካ ይኹን እቶም ካልኦት “ኣሉ ቀጣን ጥራይ እያ ተዋጸኦም” ንዓ ሕጂ ካልኦት ላዕለዎት ሰብ-መዚ ከይሰምዑ እሞ ኣብ ከቢድ ጸገም ከይትኣትው ሕጂ ስቕ ኢልካ ጥፋእ ካብ’ዚ ኢሉ ኣሰናበቶ።

ድሕሪ 48-ሰዓት ግን ብዋሕስ ወጻእኩ። ብዘይፈጸምኩዎ ገበን እውን ጉዳይና ናብ ቤትፍርዲ ወረዳ ሹቅ ከባቢ ዕዳጋ እኽሊ ክቐርብ ቆጸራ ተዋሂቡኒ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ወጻእኩ። ጠበቓ ኣቑምና ጉዳይና ኣብ ደገ ኾይንና ክንሞጉት ተፈቕደልና።

ኣብ ዘመን ህ.ግ.ደ.ፍ ከ ድሕሪ 48 ሰዓት ክትፍታሕ ዝኽእል ባዓል ጉዳይ ዶ ኮን ይህልው?፣ ገዛኢ ደርጊ ድሕሪ 48 ሰዓት መሰል ዋሕስ ካብ ኣፍቀደ ኣብ ናትና መንግስትና ይሕዋትና ደቅና እንብሎም ከ እንታይ ክንሓትት ይግባእ ኔሩ? ከም መሰል፣ እሞ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብጎሓላሉ ውሑዳት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣይተጠልመን ዶ ትብሉ? ነቲ ዝበኾረ መሰል መን ይሕተቶ? ኣነ፣ ንስኻ፣ ንስኽን ዶ ኣይኮናን መዓስ ከ ይተሓተት እንተበልና ኸ? ሎሚ፣ ጽባሕ ዝባሃሎ ጉዳይ ኣይኾነን፣ እምበር ከ እቲ ዝወደቐ/ት ጅግና/ዋዕሮ ንመሰል ኽክበር ዳኣ እምበር ንምሕያል በተረ-ስልጣን ውልቀ-ሰባት ኣይኾነን፣ ዳሓር ድማ ደም ካብ ረሃጽ ይሓፍስ፣ ሎሚ ርሃጽና፣ ጉልበትና፣ ገንዘብና፣ ፍልጠትና፣ ክንህብ ንሓተት ኣለና እሞ፣ ነቲ/ነታ ኣብ ሊብያ ትዕመጽ፣ ነቲ/ነታ ኣብ ኤርትራ ትእሰር ብርሃን ነውጻኣሎም።

ይቕጽል ናብ 3ይ ክፍል

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡  




ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

The legendary Oqbagabr - n Kubur Meseley

ን ኩቡር መሰለይ