ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 13 ክፋል

06/06/2018 23:23 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

ኢንተርናሽናል መገሻ ዑፈይ

13 ክፋል

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 13 ክፋል
ኢንተርናሽናል መገሻ ዑፈይ

ሓደ ዓርከይ ካብ ኣስመራ ንወላዲቱ ንለንደን ሒዝወን ይገሸልኩም። ኣየር ምስ ዓለበት ካብ ነፋሪት ኣይወረደን Wheel Chair ክመጾ ይጽበ ነበረ።

ኣደ ኣብ Wheel Chair ኮፍ ኢለን ጉዕዘኤን ይጅምራ ኣውቶማቲክ ማዕጾ ኤርፓርት ይዕዘባ እሞ፡ ሰብ ዘይብሉ ባዕሉ ክኽፈት ክዕጸው ኣስተውዓላሉ። ወዲ ሓደ ሓሳብ መጸሉ፣ ኣደይ ይብለን ድማ ንወላዲቱ እዛ ኣፍ-ደገ ክትክፈት -ክትዕጸው ዶ ትዕዘቢ ኣለኺ? ክብል ሓተተ። ወላዲት ድማ እወ ገሪሙኒ እኮ እዩ ዘሎ በለኦ። በሊ እዞም ኣፍ-ደገ ዝኽፈተሎም ዘሎ ሓጥያት ዘይብሎም ቡጹኣን እዮም ሓጥያት እንተልዩኪ ግና ማዕጾ ክትልኮተና እያ፡ ስለ’ዚ ሕጂ ምንዛዝ ወይ ምንሳሕ ከድልየኪ እዩ በለን።

ነብሲ ተፈራረድ ኾነት፣ ሃየ ሓጥያትኪ ተናዘዚ በለን። ወላዲት ኣንታ ኣነ ድኣ ምስ መን ከ ዘይተባኣስኩ፣ ዘይተቐያየምኩ። ኣንታ ወደይ ነዚ ክትብል ኢኻ ኣምጽእካኒ? ኣነስ ወደይ ኣይሓልፍን፣ ይትረፈኒ በላ።

ኣደ ኣጆኪ ግዲ የብልክን ተዓሚትካ ምሕላፍ ይሓይሽ፣ ሓጥያት እንተልዩ ድማ ምንዛዝ ጥራይ እዩ እኮ እቲ መድሃኒቱ በለን። ሰበይቲ በል ልበይ ምድጋፍ ከድልየኒ እዩ፡ ድግዲጊተን ተዓጢቐን፡ ኣብ ኣፍ ልበይ ደግፈኒ ኢለን፡ ጉዑዞኤን ጀመራ ዘይተርፍ። ኣፍ ደገ ድማ ተበጹሑ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ተኸፈተ። ወላዲት ዕልልተኤን ደርጎሖኦ ሓጎስ-ብሓጎስ ኾነ፣ ኣነ ወላዲትካ በጀካ ዋዒ እንታይ ዶ ኣለኒ! ክብላ ንነብሰን ንጽህቲ ሙዃነን ባህታ ተሰሜዔን!!።

ኣነ እውን ነዛ ጉዳይ ብካልእ መልክዕ ክጥቀመላ ወሰንኩ፣ ኣደይ ናሚብያ ክትበጽሓኒ ትመጸልኩም፣ ኣነ እውን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከሰንያ ተበገስኩ። ካብ ግብጺ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣይተፈለጣን፡ ለይቲ ብምንባሩ ደቂሳ ስለዝመጸት፣ ናብ ናሚብያ ግን ነዕልል ነበርና ነፋሪት ናብ ሰማይ ክትንቆት ልባ ስውር በላ፣ ኣንታ እንታይ ዘልዎ ኣውቲስታ ብመሬት ዘይወስደና ልብና ክነቑተና እንታይ ክረክብ! በለት።

ከተማ ዊንድሁክ ምስ በጻሕና ካብ ሰማይ ንመሬት ተማዕድወልኩም ምስኪነይቲ ወላዲተይ ካብ ገዛውቲ ደቂቕ መቓብራ ደኣ ኾይኑ ተራእያ። ኣንታ እዛም ዓዲ ተወዲኦም ክንደይ ደኣ ይበዝሕ መቓብሮም ብሓቂ ቡዙሓት መንእሰያት እዮም ኸፊሎም፡ ናይዞም ሃገር ብሓቂ ስውኣቶም ቡዙሓት እዮም ካብ ናትና ከይበዝሑ ኣይተፍን በለትኒ። ምስኪነይቲ ወላዲት መስዋእቲ መሊኡ ሓንጎላ።

ብመኪና ካብ ኤርፓት ንገዛይ ይወስደልኩም፡ ሰብይቲ እዚኣ መኪና ናተይ እያ ምስ በልኩዋ፣ ዕልልታ ነቕነቐቶ፣ እዚ ወደይ ጽባሕ ንገዛና በዛ መኪና፡ በጃኻ እዚ ወደይ ኩሉ ገዛማንዳ ሓበሻ ክሕጎሰልካ እዩ፡ እቶም ብድኽነትና ዝንዕቁና ድማ ባህ ኣይብሎምን። እቶም ብዓወትካ ዝሕጎሱ ድማ ባህ ይብሎም በለትኒ።

ገዛ ምስ ኣተና ቀዳማይ ትዕዝብቲ ኣደይ ስእሊ እዩ ኔሩ። ናተይ ኣብ ኾሞዲኖ ኾፍ ኢሉ ኔሩ። ናይ ባዓልቲ ቤተይ ድማ ኣብ መንደቅ ተሰቒሉ ነበረ። ብዝገበረት ጌራ ተጸሚማ ሓደረት እሞ። ኣነ ስራሕ ምስ ከድኩ፣ ንዒ እስከ እዛ ጋለይ ምሳይ ኾፈሊ በለታ። ከመይ ደኣ እዩ ነገሩ ሰብኣይ ኣብ ታሕቲ ሰበይቲ ኣብ ላዕሊ ትስቐለሉ ስለምንታይ ክትብል ትሓታ። ሰበይተይ ድማ ሰሓቐት እዚ እውን ዝገደደ ኣሕረቓ።

ኣነ ካብ ስራሕ ክሳብ ዝመጽእ ዘረባ ኣይጸንሔንን፣ ጃ ተዃርየን ጸንሓኒ። ኣደይ ከመይ ውዒልኪ በልክዋ፣ ዘለዋ መረረ ነገረትኒ። አረ ከመይ ዘለት ሰብይቲ እኻ ኣኪብካ፣ እስኻ ኸ ዑኑድ ኣይተስተውዕልን። ኣነ ኣይተረደኣንን ኣየናይ ኣደይ በልኩ። እዚ ኣሳእልኩም ጹቡቕ ኣሎ? በለት። ዳሓር ግን እቲ ፍሬም ስእሊ ከም ዝፈላለ ኣርኣክዋ እሞ ቡኡ ዓገበት።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ክንዛወር ንከተማ ሒዘያ ይወጸልኩም። ናምብያውያን ደቒ ኣንስትዮ ኣዝየን ገዘፍቲ እየን ኣደይ እዚ እውን ካብቲ ኣዝዩ ዘገርማ ነገር ነበረ። ረኤያ እሞ እዛ ጓል ክትገዝፍ ክትብል ንድሕሪት ግልጽ በለት። እታ ገዛፍ ጓል እውን ኣከዳድና ኣደይ ኣገሪምዋ ቑሊሕ በለት። ኣነ ብወገነይ ድማ ነታ ኣጋጣሚ ክጥቐመላ ወሰንኩ። በሊ ኣደይ ሰሚዓትኪ ክብል ነገርክዋ። ኣደይ ድማ ሰንቢዳ እንዳጎየየት ተመሊሳ ኢዳ እንዳሰዓመት እዛ ጓለይ ይቕረታ ግበርለይ ኣይንዓኽን እየ ክትብል ተማሕጸነታ። እቲ ኩነታት ስለዘይተረደኣ እታ ጓል እውን ሰንበደት፡ ኣነ ኣብ መንጎ ከይደ ጓለይ ትመስሊ እያ ትብለኪ ዘላ ኢለ ኣተዓረቕክወን።

ደጊም ህዝቢ ኤርትራ “ዘመን ተቐይርካኒ ስደተኛ ኾይነ” እንዳበልና እንዳስተማሰልና ዶ ንንበር ወይስ “እሞ ኸ ደኣ ሕጂ እንታይ ይገበር?” ኢልና ነዚ ዘሎ ሽግር ኩልና መፍትሒ ከነናዲ እጅጌና ሰብሲብና ንበገስ። እንድዒ

ሰማዒ እዝኒ ደኣ ኣይረኸቡን እምበር ኩሎም ነብያታት ኤርትራ ስነጥበባዊያና ከምዚ ሎሚ ኣንጭዋ ኣብዘይትሰፍሮ ጉድጓድ ከይሰፈሩ ከለው፡ ልሳን ህዝቢ ኾይኖም ብብሕታውያን ጋዜጣታቶም ኣቢሎም ነዚ ሎሚ ዝኽሰት እዝጊ ግዲ ኣርኢዎም ኾይኑ፡ ብርዖም ኣንቢዖም የእውዮም ኔሮም። ግን ሰማዒ እዝኒ ሲኢኖም። ሽዑ ይዝኸረኒ ሓደ ፈታዊ ስነጥበብን ጋዜጣን ዝኾነ ሰብ፡ ዝለመዶ ሓበሬታ ምስሰኣነ ስነጥበባዊያን ተሓይሮም ምስ ሰምዐ ኩሉ ነገር ጸልመቶ እሞ ከምዚ ኢሉ ኣልቂሱ ኔሩ። እቲ መልቀሱ ኩልና ከነልቅሶ ዝግባኣና እዩ ኔሩ ግን ኣይገበርናዮን፡

“ወካርያ መሲልዎም፡ ኣንበሳ ኣሲሮም
ሓቂ ትጠፍእ፡ ብኡ መሲልዎም
ንብዓል ብርዒ፡ ጉድጓድ ኣስፊሮም
ንባዓል ቅዋም፡ ቐይዶም ኣሲሮም
ክነብሩ ንዘልኣለም፡ ልዒሎም ነጊሶም
ክገዝኡ ኣርዒዶም፡ ረጊጸም
እንተ ሰነጥበብ ሞይታ፡ ደጊም ኣኺልዋ
ዘበት ደጊም! ኣላዪ ጓሳ ነይብ'ላ
ኣንቱም ሰባት ንዑ፡ ሕጂ ነልቅሰላ
ኣሎ መልእኽቶም፡ ኣይተቐየደን ምስኦም
እወ እነሆ የድምጽ፡ የእውይ ይግዕር
ኣይሃሰሰን ይረኤ እነሆ፡ ርጋጽ እግሮም ኣሰር
ውዒሉ ሓዲሩስ ልሳን ውጹዕ ይስዕር
ወይልኡ ጠላም፡ ዘይጸንዕ ዘይተርር”

ኣይገርመክን ሳላም፡ ራህዋ፡ ቅሳነት፡ምፍቅቃር ሕዞም ዝመጹ መሲሉና ሚሕር ኣሚናዮም ካብ ዝግበኦም ንላዕሊ ኣክቢርናዮም ሃገርና ከነልምዕ ተዓጢቅና ተበጊስና ግን ተጠሊምና። ኩናት ኣንጻርና ኣንጻር እዚ ሓድሽ ወለዶ ደኣ ተአወጁ እምበር ኣንጻር ወያኔ ኣይበረን። እዚ ዘዕንውዎ ዘለው ኣብ ልዕሊ ሃገሮምን ህዝቦምን ኤርትራዊ ብገንዘብ ክግመት እንተዝኽኣል ብሊዮናት ሙኾነ ኔሩ። ኤረ ስቅ ኢለ ደኣ መጠን ኣቐሚጠሉ እምበር ክግመት ኣይካአልን ኢልካ ስቅ ይሓይሽ። ካብ ኩሉ ኽጽገን ዘይኽእል ሞራላዊ ዕንወቶም ይበዝሕ።

ሞትና ፡ ስቓይና ፡ ማእሰርትና ፡ ስደትና ፡ መከራና ሳዕሪሩ ፤ ኩሉ ነገር ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ኣሎ ፤ እነሆ ክብርና ተቐንጢጡ፡ መሰልና ተጋሂሱ ፡ ንብዓት አደ ንውላዳ ኮይኑ ዘመኑ። ቁጠባዊ ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ሰብኣዊን መሰልና ፍጽም ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ክንሱ፣ ከም ዜጋታት ንሃራዊ ረብሓ፣ ሃገራዊ ዕርቒ፣ ተራና ክንጻወት ሕጂ ንሕትት ኣለና።

ተፈጸመ

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡   3ይ ክፋል (16/01/2018)፡   4ይ ክፋል (24/01/2018)፡   5ይ ክፋል (01/02/2018)፡   6ይ ክፋል (08/02/2018)፡   7ይ ክፋል (08/03/2018)፡  8ይ ክፋል (08/03/2018)፡   9ይ ክፋል (27/04/2018)፡   10ይ ክፋል (18/05/2018)፡   11 ክፋል (18/05/2018)፡   12 ክፋል (06/06/2018)፡   13 ክፋል (06/06/2018)፡




ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

Osman Abdurehim - ወላዲተይ