ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 12 ክፋል

06/06/2018 23:23 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

ዘይደክም ቃል-ኪዳን

12 ክፋል

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 12 ክፋል
ዘይደክም ቃል-ኪዳን

ካብተን ኣብ ሕልናይ ዘይጠፍኣ ፍት-ንፍት ገዛና ዝቅመጣ ዝነበራ ደቂ ንኣስትዮ ገዛውትና፣ ባዓል ሓረጉ፣ ቡዙ፣ ኤዴን ብሓባር ዝቅመጣ። ነብሰን ሸይጠን ዝናበያ መንእሰያት እየን ኔረን። ቀትሪ ክሳብ ዝረፍድ ፍርቂ መዓልቲ ዝድቅሳ የሕዋት እየን ኔረን።

ቡን እንዳ-ንከሽከሻ ምስሔን በልዕን ዓይኒ ምስ ሓዘ ድማ ንስራሕ ይወፍራ ዝነበራ። ኣነ ድማ ካብቶም ህጻውንቲ ቆልዑ ዝላኣኣከን ምሳሕ ድማ ስጋ ዝረኸበላ እንኾ ኣጋጣሚ ስለዝኾነት ካብ ትምህርተይ ቀልጢፈ ወጸ፣ ገለ ዝላኣከን እንተሎ ኢለ ይሓትት። ንዓይ ዝኸውን ስራሕ ድማ መሊኡ።

ኣባይ ድማ ኣዝዩ ይፈትወን፣ ንገዛ ክኣትው ድማ ይምርቐን፣ ይባርኸን፣ ኣባይ ብማዕዳ ምስ ዝርእየኦ ድማ ክስሕበኦ ዝጸንሓ ሽጋራ ክሓብኣ ትንፈሳን እየን ዝወጻ ዝነበራ።

ሓደ እውን ኣነ ንወላዲየይ ሕቶ ይሓቶ፣ እቲ ሕቶ ድማ፣ ኣንታ ኣባይ እዘን ኣዋልድ ዓለም-ብዓለሙ ዝፈልጦ ሓጥያት እንዳሃለውን ከም ኣባት ነብሲ ክትደግመለን፣ ወይ ክትጽልየለን ዝግባእ ኣይመስለንን ኢለ ኣብዘን ዕድል ዘይገበራ የሕዋተይ ፍርዲ ሃብኩ። ኣባይ እዚ ወደይ ስማዕ ጸላም ተጎልቢቡ፣ ማዕጻ ዓጹ፣ ከግበር ዝውዕል ዝሓድር እንቓዕ ኣይፍለጥ።

እዘን ደቀይ እዝኤን ሓንቲ ሓጥያት ጥራይ እያ ዘላተን፣ ዓለም ስለዝፈልጦ ድማ ኣምሪረን፣ ብሓጥያተን መዓልቲ-መዓልቲ ይነብዓ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ልበን ኣንጺሄን ዝልማና እዝኤን ኣየን ክብል ጹቡቅ መረዳእታ ሃበኒ።

ሓንታ ካብ’ኣን ሓረጉ እያ ኔራ፣ ሓረጉ ብመልክዕ ዝወጻ ዘይብላ፣ ገና መርዓት እንከላ ድማ ባዓል ቤታ ጠንጢንዋ ንሜዳ ተሰለፈ። ብሞላ ይፍለጥ ኣዝዩ ጉልቡት፣ሓያል ተዋጋይ ከምዝኾነ ድማ ኩሉ ዝምስኽረሉ መንእሰይ እዩ ኔሩ። ግና ባዓልቲ ኪዳኑ ኣብ ሕማቅ ምውዳቓ ምስ ሰምዐ ካብ ሜዳ ኢዱ ሂቡ ኣተወ። በዓልቲ ኪዳኑ ድማ ክትምለሶ ሓትታ፣ እሳ ግና ጃ ሞታለቃ ተስፍየ ዝብሃል ኣኪቦቶ፣ ሓደ ካብ ሞላ፣ ሓንቲ ጎል ድማ ካብ ሞታለቃ ተስፍየ ሕዛ ደቃ ተኣሊ ነበረት። ንቀዳማይ ባዓልቤታ ድማ ክትምለስ ኣቅበጸት፣ ቡዙሕ ሰብ እውን ለማና፣ ሕጂ እውን ኣቅበጸት። ልመና በዝሕዋ ካብ ዓይኑ ክስወር ንባጽዓ ኣምረሔት፣ ሞላ ኣይቐበጸን ተከታተላ። ኣብ ባጽዕ ግና ሕራይ ኢላ ተመለሰቶ ግን ኣብ ምሕራር ባጸዕ ብደብዳብ ነፈርቲ ክለተ ደቃ ስእና፣ እቲ ዘገርም።

ምህዳን እታ ዑፈይ

እቲ ካልእ ካብ ኣእሙረይ ዘይወጽእ ምህዳን እታ ዑፈይ በሰላ ኣለኒ። እዛ ሓጸር ኣቢለ ዘዝንትወልኩም። ብፍላይ ምትሓዝ ብበደዊ መንእሰይ ፍጽም-ኣብርሃ መሓሪ ምስ ሰማዕኩ ተትንኪፈ።

እዋኑ 1990 ዓስራይ ናይ ኢትዪጵያ ኣብዮት ባዓል ዝኽበረሉ ዝነበረ እዩ፣፣ ኩሉ ቤተሰብ ድማ ሰብኣይ ሰበይቱ ናብ ኣብዮት ኣደባባይ ክጽንብል ተግዲዱ ንጎደናታት ክወጽእ ዝተገደደሉ ጊዜ እዩ ኔሩ።

ኣብቲ ሰንካም ዘመን ባዓል ጎዳይፍ ሰንበል ተፈናቒሉ እንዳዘመድ ተዓቑቡሉ ዝነበረ እውን እዩ። ኣስመራ ብፍላይ ከባቢ ኤሬፓርት ብዘይ ዕረፍቲ ክድብድብ ኔርዎ ደርጊ ኣቕሩቦት ንምክላእ እዩ ኔሩ።

እታ የካቲት-1990 ንግሆ ግን ፍሊቲ እያ ኔራ፣ እቲ ከቢድ በረት ዕላማ ገርዎ ዘሎ ኤርፓርት ዘይኾነ ቀበሌታት እዩ ኔሩ። ናይቲ ደብዳብ ግዳይ ድማ ቀዳማይቲ ዕላማ ቤተሰብ እንዳ ኣብርሃ መሓሪ እዮም ኔሮም ብሓንቲ ንጉሆ ድማ ሰይቲ ኣብርሃ መሓሪ ምስ ደቓ ግዳይ ናይዚ እከይ ተግባር ደኣ ኾነት፣ ክልተ ደቓ ክትስእን እንከላ ኣለም (ሰይቲ ኣብራሃ) ድማ ብከቢድ ቆሲላ ኣብ ሆስፓታል ተዓቑባ ኔራ። ሓጂ ድማ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ ፍጽም ኣብርሃ መሓሪ ኣብ ልብያ ተታሒዙ ሓጉዙና ዝብል ጻዊዕት ምስ ረኤኩ ተገሪመ ጥራይ ዘይኾንኩ ሓዚነ ከብደይ ብልዑኒ እዞም ስራድ እዝኣ። እቲ ዘገርም ኣብርሃ ወዱ ኣብ ገድሊ ዝሰኣነ፣ ሓው ምስ ሙሉእ ቤተሰቡ ዘሰለፈ ዜጋ እዩ ኔሩ። ብርግጽ እዚ በሰላ ስእሊ ካብ ሓንጎለይ ዘይርስዐ ዘይሕከክ በሰላ ናይ ንእሰነተይ እዩ። ብተመሳሳሊ ሽዑ ኣብ ዕዳጋ ዓርብን መደበርን እውን እዝክር። ኣየ ኩናት፣ ሓቑ እንዳኣሉ ኣማኑኤል ኣስራት ኣበሳ ኩናት ኢሉ ከምዚ ኢሉ ዝገጠመሉ።

ኣዝመራ ኵናት እቲ ኣበሳነቱ ንብዓት ኣደ ንውላዳ
ንብዓት እንዳ ነታ ርስታ
ንብዓት መሬት ንመሬታ
ውሒዙ ውሒዙ ምስ ዛረየ
ባይታ ምስጨቀወ ምስጠልቀየ
ናውቲ ሸሚሙ
ንኹሉ ሰሊሙ... ምስራሰየ
ኣሻቡ ፈርዩ ባዴላ ኣፍራዛ
ኣሻቡ ፈልፊሉ መግነዚ ቃሬዛ
የግዳስ...
ኣሻቡ ድማ ይሃልኽ ኩሉ ይሻመዎ
ኩልና ንደልዮ ኩልና ንውንኖ
ነገር ኵናት እቲ ክፋኡ...
ኣዝመራኡ ከይደለኻዮ ምስዝበጽሕ
ፈንጤጋር መቓልሑ ማዕጾኻ ምስ ዝኹሕኩሕ
ሽዑ እዩ ኣበሳ ኵናት ኣበሳ ዘገማድሕ
ግና...
ከይፈተኻ ተሳስዮ
ከይደለኻ ተሳልዮ
ኣርሒቑ ክሃጥም ግን ኣ..ቤት ትጽልዮ!።

ይቕጽል ናብ 13 ክፋል

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡   3ይ ክፋል (16/01/2018)፡   4ይ ክፋል (24/01/2018)፡   5ይ ክፋል (01/02/2018)፡   6ይ ክፋል (08/02/2018)፡   7ይ ክፋል (08/03/2018)፡  8ይ ክፋል (08/03/2018)፡   9ይ ክፋል (27/04/2018)፡   10ይ ክፋል (18/05/2018)፡   11 ክፋል (18/05/2018)፡   12 ክፋል (06/06/2018)፡  




ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

Eritrean music 2018 Trhas Mehari ''wegeney'' ትርሓስ መሓሪ 'ወገነይ'