ትራኣየኒ

15/07/2017 00:05 AM

ትራኣየኒ

by Kiki Tzeggai

ትራኣየኒ

ሓርበኛ ብርሃነ ተስፋማርያም፡
ቅድሚ 39 ዓመት ኢትዮጵያ ዝቐተለቶ በዓል ኪዳነይ።

ኣብዛ ተካል ማዓልቲ ትራኣየኒ። ኣነ ክበኪ፡ ንስኻ ግን ጸኒዕካ ኢደይ ሒዝካኒ።

ክሓተካ ደልየ፡ ብርሂን ክኸዱ ድዮም? ቆልዑት እዋን ምሳሕ ቀሪቡ ክብለካ ዕድል ስኢነ።

ኢደይ ሒዝካኒ ጸቒጥካ ደጋጊምካ፡ ኣጆኺ ኢልካኒ።

ምብዋ!! ሎሞ ብሰላም ተሲእና። እዚ ከይበልና ገዛና ተወሪራ። ክንደይ’ከ ይበዝሑ!

ጸዋዓዮም እቶም ተጋደልትና ብርሂን፡ ጸዋዓዮም እባ! ክብለካ ምደለኹ፡ ግን ወሲዶምኻ።

ሓደ ዓፋኝ ሹጉጡ ኣብ ድሕሪ ክሳድካ፡ ክልተ ጦርሰራዊት ካላሺኖም ኣብ ጎድንኻ ። ድምብርጽ ኢሉካ ድዩ ብርሃነ ተስፋማርያም ንብዓት ቁጽርጽር ዝበለካ፡ ጓልና ከም ገለ ኢላ ኣብ ጥቓኻ በጺሓ ሓደ ጦርሰራዊት ተሰኪሙ ምስ ደርበያ ኢዩ።

“ቆልዑት ከይርስዑኒ ፍቕረይ፡ ካብ ሕጂ ናዓኺ እያ ትኸፍኣኪ” ኢልካኒ። “ዓለም ኣይክትርሳዓካን ኢያ” ኢለካ፡ ፍሽኽ ኢልካ። እቲ ዓፋኝ ኣብ ድሕረኻ ኮይኑ ሹጉጡ የዐሚሩ፡ “ ዝም በል (ሱቕ በል)” በለካ። ሕጂ’ውን ጭራፍ ፍርሒ ኣየርኣኻን። ዕድል ረኺብካ እታ ቴለፎን ቁጽሪ ሓቢርካኒ። እንዳ ወሰዱኻ ንጋንታኻ ሓሲብካ ኣድሒንካ። ሎሚ ደቆምን ደቂ ደቆምን ሓቊፎም ሳላኻ። ሳላ ጽንዓትካ። ሳላ ፍቕርኻ ነዛ ኤርትራና። ትራኣየኒ ኣብዛ ጸልማት ዓለም። ኣካይዳኻ፡ ፍሽኽታኻ፡ ሕቑፎኻ፡ ሙቁር፡ ከንፈርካ ኩሉ ናፊቐ። ናትካ ጽንዓት ናፊቐ።

my love

ኣብ መርዓ ጓልና ክትስዕስዕ ተራኢኻኒ። ንብርሂን ንእሽቶይ ምስ ሓዉ መጽሓፍ ከተንብበሎም ትራኣየኒ።

ከመይ ኢያ እታ ምስጢር፡ ዕረፍቲ ክንህበካ ብርሂን ናተይ? ምስጢር ኮይናትኒ እንዳ ሃደመትኒ።

ኢደይ ሒዝካ ኣጆኺ ኢልካኒ። ተጋደልቲ ኣብ ገዛና መጺኦም፡ የሕዋትና እዮም ኢልካኒ፡ ተጋደልቲ ኤርትራ ንበሎም ኢልካ ሚሂርካኒ። ሎሚ እታ ዝሰለምካዮም ስም መሪጾም “ሓርበኛታት ኤርትራ” ኢሎም ይጽዉዑ። ሓደራኹም ሓዚሎም። ኩሉ ኣጣማሚርካ ብመስዋእትኻ።

ሓበን ኣውሪስካና። ትሕትና ሚሂርካና። ዝገደፍካልና ውርሲ ናይ ቢሻ ወርቅን ዘይትን ክኸፍሎ ዘይክእል ንዘልኣለም። ብርሂን ንስኻን ስዉኣትናን ልብና ደቢስኩም።

ናብራና ይራኣየኒ። ናይ ብሓቂ ኣሐንቂቕካኒ፡ ብሓቂ ናፊቐ! “ኣነን ንስኺን ብፍቕሪ ምሃብ ከምኡ እውን ንድኽነት ካብ ኤርትራ ክነጥፍእ ንዋዳደር፡” ኢልካኒ። ይፍትን ኣለኹ፡ ብርሃነ ተስፋማርያም ግን መራሒየይ ወሲዶሙለይ። ንዓኻ ርእየ ኣይተንበርከኽኩን፡ ክደክም ከለኹ ቆልዑትናን ህዝብናን ኣጆኺ ይብሉኒ። “ ኤርትራውያን በይንና ኣይኮንናን” ኢልካኒ፡ ሓቅኻ!! ” ኣይምረርኩም ክሓልፍ ኢዩ” ኢልካና ሓቅኻ!! ብሓንሳብ ጠጠው ኢልና ንሰግሮ ኣለና። ሕልምና ይራኣየኒ፡ ሓዋዊሰዮ ኩሉ ሙሉ።

our blessing

ኣሪግና ብኢደይ ሒዝካኒ ክትመርሓኒ ትራኣየኒ። ዓሮምሮም እንዳበልኩን ደቅናን ደቂ ደቅናን ገዛና መጺኦም ጣዓሞት ክበልዑን ይራኣየኒ።

ኣምላኽ ዲዩ ተቓጺጹኒ፡ መንጢሉኒ ብርሂን??

ትራኣየኒ ኣብ ወጋሕታ ሕልሚ፡ ኣብ ጽምዋ ገዛይ። እዛ ሂወት ትጓዓዝ፡ ኣነን ንስኻን ግን ኣብኣ ጠጠው ኢልና ኣብታ July 15, 1978! ሕልሚ ጥዑም፡ ውርስኻ ሙቁር። 39 ዓመታት ኮይኑ፡ ንዓይን ንዓኻን ግን ትማሊ ይመስለና። ሓድነትና ምስክር ነጻነትና ኢልካኒ።

ነቶም ዝተመልሱና ሓርበኛታት እፎይታ ኮይንካዮም፡ መሪሕካዮም ሓሊኻዮም።

ብርሂን፡ ድሕሪ ናጽነትና ኣብ መቓብር ኮሎኔል ዘነበ ከይደ ናብ ኣዲስ ኣበባ። ንሻምበል ሰለሙን ደልየ ናብ ኣለምበቃኝ ቤትማእሰርቲ ከይደ።

ዘነበ ሞይቱ፡ ኣብ መቓብሩ ከይደ ስኢለ ጡፍ ኢለዮ፡ ክንደይ ጡፍ ዘይበለካ።

ሰለሙን ተጸሊሉ ብደርጊ ተኣሲሩ ፈቐዶ ቤተክርስትያናት ኣዲስ ኣበባ ኮለል ይብል ኢሎሙኒ። ደሊናዮ ስኢንናዮ።

ጸላኢ ኣዕጽምትኻ ሰይሩ፡ ትንፋስካ ሓኒቑ፡ ግን ተተሪኹ ዘይጽንቀቕ እዩ ታሪኽካ።

ሓደ ካብቶም መራሕትና “እንተ ትረኽቢዮም እንታይ ምገበርኪ?” ኢሉ ሓቲቱኒ። “ኣነ ኳዓቱ ምበልኩዎም፡ ብርሂን ግን ቤትፍርዲ ኣቕርብዮም ምበለኒ፡” ኢለዮ።

ኣብዛ ኣብ ልበይ ዝፈጠርኩዋ ዓለም፡ መሰለይ ጌረያ ንዘልኣለም ከንብረካ። ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዜ መለክዒ ዝተሳእኖ ፍቕሪ ናተይ ኢለካ። ንዓኻ ረኺበ ከሲበ።

እንታይ እሞ! ትራኣየኒ ወግሐት ዓረበት!!

our blessing

ከምኡ እውን በዛ ጽሕፍቲ:-

ንመንግስቲ ኤርትራና ናዓኻን ንኹሎም ስዉኣትናን ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ሕነን ክብረትን ሓልዩ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ናይ ዓለም ቤትፍርዲ ጸዊዑ፡ ኣብ ሕጊ ዓለም ኣቕሪቡ፡ ደርግ ዝገደፎ ፋይላት ከረክብ፡ ንሕና እውን ስድራ ስዉኣት ኾይና ክንምስክር፡ መስኪርና ቅሳነት ክንረክብን ሓዘንና ክንዓጹን።

ነተን ከማይ ዝኣመሰላ ኣብ ቅድሚ ዓይነን ቃል-ኪዳነን ዝተመንጠላን ነተን ኣዴታትና ካብ ሕቅፎአን ደቀን ዝተወስዱወንን፡ ነቶም ኣቦታትና እንዳራኣዩ ደቆም ዝረሸኑሎም፡ ንሕበር! ይብል ኣሎኹ። ግዜ ነዊሑ። ኢትዮጵያ ግብራ ትእመን። ሓላፍነታ ነፍልጣ፡ ስዉኣትና ቅሳነት ይርከቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ወኪላትና፡ ፋይላት ስዉኣትና ሓቚፋ፡ "ህዝቢ ኤርትራ ንዑናይ" ትበለና። ንሕና ድማ ስእሊ ናይ ስዉኣትናን ደቅናን ደቂ-ደቅናን ሒዝና ንበገስ። ግዜ ነዊሑ። መስጣ ክይኾነና።

ኣነ ብስመይን ብስም ደቀይ፡ ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ደጋጊመ ጽሒፈ ሓቲተ። መልሲ ኣይረኸብኩን። ሕጂ እውን እንተዋሓደ ቅዳሕ (ኮፒ) ፋይል ማእሰርቲን ቅትለትን ባዓል ቤተይ ብርሃነ ተስፋማሪያም ይሓትት ኣሎኹ። መንግስቲ ኤርትራ ክውክለኒ ካብዘይደለየ ግን፡ ሕልናይ ተወኪለ ንኢትዮጵያ ቤትፍርዲ ዓለም ከቕርባ መሰለይን መሰል ደቅናን ስለዝኾነ፡ ይሓትት ኣሎኹ።

መስጣ ከይኮነና፡ ናትካ (ክቡር በዓል-ኪዳነይ)ን ናይ ኩሎም ስዉኣትናን ኣውያት። ትም ናትና ናይ ኢትዮጵያ ዓወት ኣይንግበሮ፡ ዓቢ ብድሆ ከይኮና ነዛ ኤርትራና።

ካብ ቃል ኪዳንካ Kiki Tzeggai (ፍቕረይ ዝበልካኒ)

15 July 2017 – USA

* * * * * * * *

"መልእኽቲ ብርሃነ ናብ ኪኪ" Credit to the singer Abrehet Berhane (ብ'ድምጻዊት ኣብርሀት ብርሃነ).

our blessing


"Of all the forces that make for a better world, none is so powerful as hope. With hope, one can think, one can work, one can dream. If you have hope, you have everything."

" Peace is a wall we will all create by building it brick-by-brick together". (Trade mark)

Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ሓገዝ ንኣካለ-ጽጉማን (ውጉኣት) ሓርነት (ጨንፈር-ከሰላ ሱዳን) Fundraising Call for ELF Disabled Veterans - in Kassalla- Sudan.b>

ጉዳይ ጀጋኑ ስንኩላን ኤርትራውያን

Eritrean Veterans Day website መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንምዝካር ዝቖመ ወብሳይት:

 

See also recent Articles by Kiki Tzeggai: