ተራ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውሻል ዶ ዕርፊ?

12/03/2018 01:22 AM

ተራ ናይ ወጻኢ ሓይልታት
ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውሻል ዶ ዕርፊ?

ሎሚ ጉምብሕ ጉምብሕ እንተዳኣ ኢልና፡ ጽባሕ በጠበጥ ኢና ክንከይድ። ” ነብሰሐር ስዩም ዑ/ሚካኤል

ብ'ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም

ነብስሔር ስዩም ዑ/ሚካኤል


ተራ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውሻል ዶ ዕርፊ?
“ ሎሚ ጉምብሕ ጉምብሕ እንተዳኣ ኢልና ፡ ጽባሕ በጠበጥ ኢና ክንከይድ። ” ነብሰሐር ስዩም ዑ/ሚካኤል
ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ታሪኽ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 130 ዓመታት: ታሪኽ ኣንጻር ዓመጽ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበሮ ቃልሲ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ብውሕዱ ኣርባዕተ ወሎዶታት ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ውግእን ረጽምን ንመሰሎምን ክብሮምን ካብ ባዕዳውያን ተጻባእቲ ንምክልኻልን ኣንጻር ናይ ውሽጥ ዓመጽን ኢዮም የሕሊፎሞ። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ ነብሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ቤተ-ሰብ ህያው ታሪኽ ኢዩ። ንኣብነት ብናተይ ዕድመ ዘለና ቤተ-ሰባት እንተወሰድና፡ ኣባሓጎታትና ኣንጻር ናይ ትግራይ መሳፍንትን ኣንጻር ጣልያንን፤ ኣቦታትና ኣንጻር ጣልያንን ኣንጻር ኢትዮጵያን፤ ንሕና ኸኣ ኣንጻር ኢትዮጵያ ተዋጊእና ኣብ መጨረሻ ልዕላውነት ኤርትራ ተረጋጊጹ። ድሕሪ ናጻነት እንተኾነ’ውን ደቅና ንሉዕላውነት ኤርትራ ካብ ግዳማዊ ተጻቦኦታት ኣብ ምክልኻል ተዋጊኦም ገና’ውን እቲ ናይ ግዳም ወስታ ስለዘይቃሃመ ኣብ ምክልኻል ኣለዉ። እዚ ንወሎደታት ዝቐጸለ ቃልሲ ብመሰረቱ ንኤርትራዊ መሰልን ክብርን ንምርግጋጽን ንምክልኻልን ዝተገብረ ቃልሲ ኢዩ። ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ዓሌትን ሃይማኖትን ብሓደ ኮይኖም ኣንጻር ዓመጽትን ጎበጥትን ዝተሰውእሉን ዝተዋድቕሉን ቃልሲ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ንህዝቢ ኤርትራ ብዓሌት፡ ብወገን፡ ብሃይማኖት፡ወ.ዘ.ተ. ከፋፊሎም ከዳኽምዎን ክገዝእዎን፤ በቲ ካልእ ሸነኽ’ከኣ ህዝቢ ኤርትራ እምቢ ንመግዛእቲ፡ እምቢ ንዓመጽ፡ እምቢ ንምክፍፋል ኢሉ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝተቓልሰሉ መዋእል ኢዩ። ስለዚ ኤርትራውነት ብናይ ቡዙሓት ኤርትራዊ ወሎዶታት የዕጽምትን ደምን ዝተነድቐ ኽቡር መንነት ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ምዕቃብ ኤርትራውነት ኣብ ዝኾነ ኩነት ኣብ “እንተን ግንን” ዘይኣቱ ክሳዳዊ-ዓላማ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓይሊ ክኾውን ይግባእ። ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር፡ ነብሰሐር ስዩም ዑ/ሚካኤል ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣባባ ፡ ኢትዮጵያ፡ ኮይኑ “ ባድመ፡ ትማሊ ኤርትራዊት፡ ሎሚ ኤርትራዊት፡ ጽባሕ ኤርትራዊት ኢያ ” ዝበሎ ተባዕ መልሰ-ግብሪ ካብዚ መተከል እዚ ዝብገስ ኣብነታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ኤርትራዊ ወሎዶ ክዝንግዖ ዘይግባእ ኢዩ።

ዓመጽን በደልን ብግዳማዊ ሓይልታት ጥራሕ ዝመጻ ግን ኣይኮናን። ናይ ውሽጢ ዓመጽትን መሰል ጎበጥትን’ውን ነይሮምን ኣለዉን። ብዓብይኡ ከኣ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ምልካዊ ስርዓት ተመንዚዑ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ከምኡውን ፖለቲካዊ መሰላቱ ተገፊፉ ኣደዳ ከርፋሕ ናብራን ዘይብሩህ መጻእን፡ ኣደዳ ማእሰርትን ስደትን ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ኤርትራ ናይ ህዝቢ ሂወትን ንብረትን ዝሰርቕን ዝምንዝዕን ስርዓት ተተኺሉ ዉሑዳት ጉጅለ ዝቖጻጸርዋ ሃገር ኮይና ኣላ። ኤርትራ ንህዝብን መንግስትን ክገዝእ ዝክእል ዓንደ-ሕጊ ዘይብላ ሓደ ውልቀ-መላኺ ከም ፊንትኡ (ቃሕትኡ) ዝገዝኣ ሃገር ካብ እትኾውን እኒሆ 20+ ኣመታት ተቖጺሩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ መቀራቑሮ’ዚ ንምውጻእ ዝገብሮ ቃልሲ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳሓየለ ይኸይድ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን’ምበር ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓት ውሽጣውን ግዳማውን ብዶሆታት ካኣ ይገጥምዎ ኣለዉ።

ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ድሕሪ ውድቀት መላኪ ስርዓት ትትከል ኤርትራ ሓደ ናይ ሓባር ራኢን መትከልን የብሉን። ስለዝኾነ’ከኣ ኣታሃላልውኡ ፋሕ ዝበለ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ነንሕዱ ዝናኸስ ካብ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ዝገብሮ ቃልሲ ኣንጻር ነንሕድኡ ዝገብሮ ቃልሲ ናይ ምትህልላኽ ይበዝሕ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ 2 ዓሰርተ ዓመታት ነዚ ፋሕ ዝበለ ኣታሃላልዋ ተቓውሞ ንምጥርናፍን ሓደ ዑኹኽ ዝበለ ናይ ተቓውሞ ዉዱባትን ሰልፍታትን ናይ መቃለሲ ባይታ ንምምስራት ተባሂሉ ብዙሕ ፈተነታት ዳኣ ይገበሩ’ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ዝጻዓየ የልቦን። ስለዝኾነ፡ ደምበ ተቓውሞ ምልኪ ኣብ ምልጋስ ይኹን ዲሞክራስያዊ ባህልን ጠባያትን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ምንጋስ ዘበርከቶ ተራ ዳርጋ የለን እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ እዃ ዳኣ፡ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንቕድሚት ከይስጉም ሓሊኾም ካብ ዝሓዝዎ ረቛሒታት ብቐዳማይ ደረጃ ዝርቛሕ እዚ ባህርን ጠባያትን ደምበ ተቓውሞ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኽልተ መሰረታዊ ፍልልያት ዘለዎም ኣተሓሳስባታት ኣለዉ። ኣብ መሰረታውን ክሳዳውን መትከላት ማለት ኣብ ሕቶ ሃገርነት፡ ሕቶ ዲሞክራስያ፡ ሕቶ መሰረታዊ ጸላኢ ኣብ ምልላይ፡ ኣብ ሕቶ ኣገባብ ቃልሲ፡ ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ሕቶ ተራ ናይ ግዳም (ወጻኢ) ሓይልታት (the role of foreign forces) ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዲያመትሪካዊ ኣንጻር ዝኾኑ መርገጺታት ኣለዉ። ንብነት፡ ኣብ ተራ ናይ ኢትዮጵያ እንተወሰድና፡ በሓደ ሸነኽ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ክንገብር ንኸእል ኢና፣ ብዘይ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቐጥታው ምትእትታው ( እንኮላይ ወታሃደራዊ ) ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከመጽእ ኣይክእልን ኢዩ፣ ወዘተ ኢሉ ዝኣምን፤ በቲ ካልእ ሸነኽ ካኣ ኣይፋል፡ ሃገራዊ ረብሓናን ረብሓ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ስለዝኾኑ፡ ስትራተጅካዊ ምሕዝነት ክንገብር ኣይንኸልን ኢና፣ ህዝቢ ኤርትራ ተቃልሱ ዲሞክራሲ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ፡ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ምትእትታው ኣይነፍቕድን፣ ዝኾነ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ርክባት፡ ኣብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ማእከል ዝገበር ክኾውን ኣለዎ፣ ወዘተ ኢሉ ዝኣምን። እቲ ሓቂ ኣየናይ ሸነክ ኢዩ ዘሎ? ሚዛን ንምቕማጥ፡ ከም መዐቀኒ (መምዘኒ) ክንጥቀመሉ ዘለና፡ “ ሃገራዊ ረብሓ ” ብኸመይ ኢዩ ዝረጋግጽ ዝብል ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣንበብቲ ከ እንታይ ትብሉ? እዚ ምስ እንታይነት “ኤርትራዊ ሃገርነት” ዝተኣሳሰር ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ከምዝፈልጦ፡ ከምቲ ሓደ ሓደ መራሕቲ ክብልና ዝፍትኑ (ብናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ድሌት ኢዩ ናጽነት ተረኺብ ብዘስምዕ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1991/93 ኣፍልጦ ኣይህብን ኢየ እንትዝብል ነይሩ፡ ናጽነት ኣይንተረኽበን፡ ወዘተ”፡ እዳተባህለ ዝጋማዳሕ ናይ ጥዑሳት ዘረባታት) ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቃልሱ ኤርትራዊ መንነትን ናጻ ሃገርን ፈጢሩ ኢዩ። ስለዚ፡ ኤርትራ ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር (Sovereign Nation State) ኢያ፡ ምስ ኩለን ልዑላውያን ሃገራት ዓለም ካኣ ብናጻ ክትዋሳእ መሰላ ኢዩ። ዝለዚ፡ ካብ 1993 ንዳሓር፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ዝኾነት ሃገርን፡ ኢትዮጵያ ወስኽካ፡ ዝህሉ ዝምድና/ርኽባት፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ልዑላውያን ሃገራት ዝህሉ ዝምድና ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ሰረት ዝገበሩ፡ ንዕኡ ዝገዝኡ ሕግታትን ልምድታትን ካኣ ኣለዉ። ካብ ቡዝሓት ውሕዳት ንምጥቃስ ዝኣክል፦

" ዝኾነት ሃገር፡ ሃገራዊ ረብሓኣ (National Interest) ኣብ ምርግጋጽ ማእከል ዝገበረ ዝምድና ኢያ ትገብር።

" ኣብ ዓለምለኻዊ ዝምድና (International Relations )፡ ቀዋሚ ሃገራዊ ረብሓ (Permanent National Interest እንተዘይኮይኑ፡ ቀዋሚ ዓርኪ (Permanent Friend) ዝባሃል ነገር የልቦን።

" ከይብሉኒ ወይ ናይ ጽድቂ ዝባሃል ነገር የልቦን። ኩለን ሃገራት ነናይ ገዛእ ርእሰን ሃገራዊ ረብሓታት ከርጋግጻ ኢየን ዝጽዕታ። ሓንቲ ሃገር ካብቲ ትገብሮ ዝምድና እንታይን ክንደይን ትረክብ ዝውስኖ፡ ኣብቲ ዘለዋ ናይ ሓይሊ (ቁጠባዊ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ወዘተ) ሚዛን ኢዩ ዝምርኮስ።

ስለዚ፡ ዝኾነ ኣካል (መንግስቲ፣ ውድብ፣ ሰልፊ፣ ምንቅስቓስ፣ ዋላ’ውን ውልቀ-ዜጋ) ንሃገሩ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ምስ ናይ ካልእ ሃገር ኣካል (መንግስቲ፣ ውድብ፣ ሰልፊ፣ ምንቅስቓስ፣ ዋላ’ውን ውልቀ-ዜጋ) ክዝቲ ከሎ፡ ኩሉ ጊዜ እንተነት ብዘይብሉ (wihout iffs and buts) ናይ ሃገሩ ሃገራዊ ረብሓ (National Interest) ንምርግጋጽ ኢዩ ክጽዕት ዘለዎ። እዚ ዘግነታዊ ሓላፍነትን ግዴታን ኮይኑ፡ ንሃገራዊ ረብሓ የሕሊፍካ ምሃብ ይኹን፡ ንሃገራዊ ረብሓ ዝሃሲ ተግባራት ምግባር፡ ከም ክሕደት ምፍጻም (Committing Treason) ኢዩ ዝቑጸር።

ነዚ ሓቂ እዚ ኣቐዲሞም ካብ ዝተርድኡን፡ ንሃገራዊ ረብሓ ኣብ ሕምብርቲ ነቲ ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ዝጓነጽ ሓይሊ ኮይኖም ብትብዓት ካብ ዝተቓኣለሱን ልሉያት ኤርትራውያን ተቓለስቲ፡ ነብሰሐር ስዩም ዑ/ሚካኤል ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኢዩ።

ነብስሔር ስዩም ዑ/ሚካኤል

ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣባባ ኮይኑ፡ ባድመ፡ ትማሊ ኤርትራዊት፣ ሎሚ ኤርትራዊት ጽባሕ’ውን ኤሪትራዊት ኢያ፡ ኢትዮጵያ ክትወጽእ ኣለዋ፤ ሎሚ ጉምብሕ ጉምብሕ እንተዳኣ ኢልና፡ ጽባሕ በጠበጥ ክንከይድ ኢና፤ ናይ ወጻኢ ሓይልታት (ኢትዮጵያውያን) መራሕትና ንኽመርጹልና ኣይፈቅድን፤ ወ.ዘ.ተ. ዝበለን፡ ብትብዓት ንሃገራዊ ረብሓ ሃገሩ ዝተቓለሰን ዘቃለሰን ብሉጽ ኤርትራዊ ተቃልሳይ ጥራሕ ኢዩ ነይሩ ዘይኮነስ፡ ግዳይ ጽዩእ ኢዩ’ውን ኮይኑ። ንሱ ሓሊፉ፡ “ ንሃገራው ረብሓ ኤርትራ ኣሕልፈ ኣይህብን ” ዝብል መተከሉ ካኣ ከም ዓንዲ-ማእከል መትከላት ሰዲህኤ (EPDP) ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ሰዲህኤ ውላድ - ኣእምሮ እዚ ባዓል ምዑት ዓምዑት ዝነበረ ኤርትራዊ ተቓላስይ ኮይኑ፡ ናይ ህልውን መጻኢ ወለዶታት ኤርትራ “ ውርሻ ” ኢዩ ። ስለዝኾነ’ውን፡ ሰዲህኤ ባህሪ ምሳሌ (the epitome of) ናይ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ሓይሊ ኢዩ።

ካብ እምነ-ኹርናዕ ኣተሓሳስባታት ናይዚ ሓይሊ እዙይ፡ ካብ ቡዙሓት፡ ነዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይካኣል፦

" መሰረታዊ ጻገማት ኤርትራ ምልኪ ዝመበገሲኡ ካብ ፍትሕን ሕግን ምጥፋእ (ዘይምህላው) ዝነቐለ ስለዝኾነ መፍቲሒኡ ከኣ ምልኪ ኣልጊስካ ፍትሕን ሕግን ዲሞክራስን ብሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ቃልሲ ምትካል ኢዩ ኢሉ ይኣምን።

" ፍትሒን ሕግን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ንምትካል፡ መጀመሪያ ሃገረ-ኤርትራ ክትህሉ ስለዘለዋ፡ ሉዕላውነት ሃገር ምዕቓብን ምክልኻልን ከም ቀዳምይ ዕማሙ ይሰርዕ። ብዋጋ ክብርን ሉዕላውነትን ኤርትራ ዝትከል ዲሞክራሲ ክህሉ ኣይክእልን ዝብል ይኸውን።

" ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝመርሑ ቑንጣሮን፡ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ጸረዲሞክራስያውን ሓይልታት እምበር እቶም ከም’ቲ ካልእ ሰፊሕ ህዝቢ ተጠሊሞም ዘለዉ ሓይልታት ምክልካል፣ ፖሊስ፣ ሲቪል ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ወ.ዘ.ተ. ስለዘይኮኑ ኣንጻር እዚ’ኣቶም ዝቐንዐ ዝኾነ ጎነጻዊ ቃልሲ ፍትሓውን ሕጋውን ዲሞክራስያውን ኣይኮነን ዝብል እምነት ከኣ ይህሎዎ። ብኣንጻሩ ነዞም ሓይልታት እዚኣቶም መታን ኣብ መስርዕ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ተጸንቢሮም ጉቡእ ኣበርክትኦም ኽገብሩ ኣገባብ ቃልስና ሰላማውን ዲሞክራስያውን ክኸውን ከምዘሎዎ ይኣምንን ይሰርሓሉን።

" ጸገማት ኤርትራ ብኤርትራዊ ናይ መፍትሒ ዋንነት ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ። ብባዕዳውያን ተቓሚሙን ተዓሺጉን ናብ ኤርትራ ዝስደድ መፍትሒ ክህሉ ኣይክእልን ጥራሕ ዘይኮነስ ብመሰረቱ’ውን ናይ ባዕዳውያን ቀጥታዊ ይኹን ተዘዋዋሪ ኢድ ምትእትታው ናይ ሕጅን ናይ መጻእን ናይ ኤርትራ ሃገራዊ መስልን ክብርን ዝግህስ ስለዝኾነ ብትብዓት ይምክቶ።

" ብሃገር ደረጃ ተወዲብካ ናይ ‘ህዝቢ ሓይሊ (ትርናዐ) ማዕበል’ (People Power Movement) ዝሕመረቱ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ምክያድ እቲ እንኮ መንገዲ ናብ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምንጻፍ ናይ ሰላማዊ ቅብብል ስልጣን ባህልን ዋሓስ ቀጻልነት ፍትሕን ዲሞክራስን፡ ምዕባለን ብልጽግናን ኣብ ኤርትራ ኢዩ። ንብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዘየንጸባርቕ ኣተሓሳስባ ይኹን ኣወዳድባ ሕቶ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክምልስ ስለዘይክእል፡ ምትብባዕ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ዝተደረተ ውደባ ንረብሓ ኤርትራ ከምዘይኮነ ይኣምን። ብኣንጻሩ ከም’ዚ ዓይነት ኣወዳድባ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኣርሕቑ ኣብ ጎድኒ ስርዓት ህግዲፍ ከምዝስለፍ ገይሩዎን ይገብሮን ኣሎ። ወ.ዘ.ተ.

ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም


Share with friends: 



ELF 3rd National Congress 1989 P3
 


See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-

See also past seminars and interviews with Dr. Gebre. Gebremariam: ምስ ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም ዝተገብረ ዕላላትን፡ ዝተዋህበ ኣስተምህሮኣዊ ሰሚናራትን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡-