ተሞኩሮ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ፡ መምሃሪና ኢዩ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

08/01/2020 23:45 PM

ተሞኩሮ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ፡
መምሃሪና ኢዩ

(Eritrean Yiakl Movement North America is our Learning Platform)

ብ`ዮውሃንስ ጸጋይ 08 January 2020

ተሞኩሮ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ፡ መምሃሪና ኢዩ

ተሞኩሮ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ፡ መምሃሪና ኢዩ። ብ`ዮውሃንስ ጸጋይ።
(Eritrean Yiakl Movement North America is our Learning Platform), by Mr. Yohannes Tseggay.)

ክቡራት ተኻታተልቲ ጽሑፋተይ!

ብቐዳምነት፡ ንኹልና ኤርትራውያን፡ ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2020 ክኾነልና ትምኒተይ ወሰን የብሉን። እዛ ሓዳስ ዓመት፡ መኸተምታ ስርዓተ-ምልኪን ሓሳረ-መከራን ኤርትራዊ ከም እትኸውን ድማ ጥርጥር የብለይን። ከመይ እንተይልኩም፡ ሃገራዊ ንቕሓት ህዝብናን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ተበጺሑ ዘሎ ድሉውነትን፡ ኣብ ዝበረኸ ደራጃ በጺሑ ስለዝርከብ ኢዩ። ነዚ ድማ ዕላምኡ ካብ ምውቃዕ ዝዓግቶ ሓይሊ የብሉን።

ሎሚ፡ ብዛዕባ ከዋህልሎ ዝወራሕኩ፡ ተሞኩሮ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ፡ ከምኡ`ውን ምስኡ ኣተኣሳሲረ፡ ንህሉው ኩነታት ደምበ ደላይ ፍትሒ እናዳህሰስኩ፡ ርእይቶታተይ ፈይ ከብል ኢየ። ሰናይ ንባብ!

ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት፡ ብፍላይ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ናይ 2019፡ ብዛዕባ "ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ --- ባይቶ ይኣክል ሕመኣ" ዘይተባህለ ኣይነበረን። እቲ ሰማዒ፡ ኣብ ግዚኡን እዋኑን፡ እቲ ኣድላዪ ዝበሃል ሓበሬታ ስለዘይበጽሖ፡ ተናዊጹ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ጉዳይ ዳርጋ ከም ኣንፈቱ ዝሰሓተ ኾይኑ እውን ተወሲዱ ነይሩ። ስለምንታይ ከምኡ ኾይኑ? ብኸመይ ከ ክተሓዝ ነይሩዎ? ነዚ፡ ብኢሂን ምሂን ዝኣልዩ ለባማት ድዮም ተሳኢኖም? ብዙሕ ሕቶታት የላዓዕለልካ። ነቲ ዝነበረ ጸገም፡ ኣብ ከብዲ-ዓዲ እናሃለዉ፡ ኣብ ሚድያ ወጺኦም ብዛዕባ`ቲ ተራእዩ ዝበሉዎ ድኻማትን ጸገማትን፡ ምድረ-ሰማይ ከምዝተገልበጠ ዘስምዕ ኣቀራርባ፡ ክዛረቡ ተዓዚብና። እቶም ብቐረባ ጉዳዩ ዝምልከቶም ባይቶታት ናይ ከተማታት ኣመሪካ ግን፡ ብኣንጻሩ ዓው ኢሎም ብዘይምዝራቦም፡ ነቲ ብማዕዶ ኾይኑ ዝሰምዕ ከምዚ ኸማይ፡ ገሪምዎ። ንምዃኑ`ኸ፡ እቲ ኣብ ባይታ እናወረደ፡ ግዚኡ፡ ገንዘቡን ድኻሙን ከይጸብጸበ፡ ዝሳተፍን ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለስ ዘሎን ኤርትራዊ`ስ፡ ብሓቂ ከምቲ ዝበሃል፡ ኣብ ምጉጅጃል ህዝቢ፡ ረብሓ ክህልዎ ይኽእል ዶ!? ኢልካ ንነብስኻ መመሊስካ ትሓትታ። እዚ መድርኽ ዚ፡ ኢደይ ኢድካ ንሓድሕድና ክንማላላእ ዘገድደና ኩነታት ኢዩ። ዋላ እቶም ጌና ካብቲ ምልካዊ ስርዓት ዘይተጋላገሉ ኤርትራውያን እውን እንተኾነ፡ እናኣተባባዕና ከምዝሕወሱና ጻዕሪ ክንገብረሉ ዝግባእ እዋን ኢዩ። ኩሉ ሓይልናን ጎስጓስናን ድማ፡ ኣብ ምኹስኳስ ሓድነትን ሰሚርካ ምቅላስን ኢዩ ከተኩር ዝግባእ። እቶም ሜድያ እንውንን ኣካላት፡ ኣድላዪ ዘይኮነ ንፋስ ካብ ምእታው፡ ነብስና ምግታእን፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ውን፥ ነቶም ጉዳዩ ዝምልከቶም፡ ብኣካል ይኹን ብኻልእ ኣገባብ ብቀጥታ ተራኺብካ ነቲ ሓቂ ምፍላጥ፡ ካብኡ ነቒልካ ኸኣ ኣድላዪ ማዕዳን ምትብባዕን ምልጋስ፡ ኢዩ ክግበር ዝነበሮ። ብኣንጻር`ዚ ግን፡ እቲ ካብ መራኸቢ ብዙሓን ዝወጽእ ዝነበረ፡ ናይ ውልቀሰባት ኮነ ትካላት ሓበሬታ፡ ኣናዊጹና ኢዩ ወሪሑ። ኣይደገም!!!! ከይዱ ከይዱ ድኣ፡ እቲ ማዕበል ሃዲኡ`ምበር። እቲ ቆሲሉ ዝነበረ ተስፋና ዳግማይ ምብርባሩ ድማ፡ ዘሐጉስ ኢዩ።

ተሞኩሮ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ፡ መምሃሪና ኢዩ።

ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ፡ ከም ፈላሚ ምውድዳብ ምዃኑ መጠን፡ ጉድለታት ክርከቦ ባህሪያዊ ኢዩ። ንጉድለታቱ መርሚሩ፡ መፍትሒታት እናናደየ፡ ንቕድሚት ክስጉም ምኽኣሉ ኸኣኣ፡ ከሐጉሰናን፡ ክንመሃረሉ ዝግባኣናን ኢዩ።

ኣብ ካልእ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓላት ይኣክል፡ እቲ ዝሓልፎ ዘሎ ተሞኩሮታት ከካፍልን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን ድማ ከምዝማሃሩሉ ክገብርን፡ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ከምቲ ጥዋፍ ኣብ ገንኢ ኣትያ ንከባቢኣ ዘይተብርህ፡ ካብ ገንኢ ምስ ወጸት ግን ንኹሉ ብርሃና እትፍኑ፡ ንሕና እቶም ፍትሒ ንምምጻእ እንቃለስ ኤርትራውያን ድማ፡ ነቲ ንሓልፎ ዘሎና ተሞኩሮ፡ ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ደቂ ሃገር፡ ክንመኻኸረሉ፡ ንሓድሕድና ክንማሃሃረሉን ኢዩ ዝግባኣና።

ኣሳታፍነት ባይቶታትና፡ ንብዙሕነትና ብኹሉ መልክዓቱ ዝውክሉን ዘንጸባርቑን ንክኾኑ፡ ዝግባእ ጻዕሪ ክንገብርን፡ ኣብ መደብ ኣእቲና ክንሰርሓሉን፡ ክንሰግሮ ዘይግባእ ረቛሒ ኢዩ። ልክዕ`ዩ፡ ህዝባዊ ጥርናፈን ውደባን ክበሃል ከሎ፡ ክእለትን ተሞኩሮን ዝሓትት ጉዳይ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ`ዚ ድማ፡ ኩልና ሓደ ዓይነት ርድኢትን ዓቕሚን ክህልወና ኣይክእልን ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃታት ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታት ከምዝውንን ፍሉጥ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ በዚ ጸጋ`ዚ ዝተዓደለ ምዃኑ ከነስተብህል ኣሎና። እቲ ዘድሊ እምበኣር፡ ነዞም ባእታታት እዚኣቶም ሃሰስ እናበልናን እናኣተባባዕናን፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ`ውን ዘሎና ፍልልያት እናተጻዋወርናን፡ ንሓድሕድና እናተኻባበርናን፡ ኣብ ምምራሕን ምእላይን ናይቲ ክንዕወተሉ እንደሊ ዘሎና ምንቅስቓስ ይኣክልን፡ ኣብ ዓድና ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲን ከምዝሳተፉ ክንገብር ይግባኣና፡ ከም ህዝቢ።

ብሰሪ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ (ህግደፍ ክብል`ኳ ኣይደፍርን፡ ምኽንያቱ እቲ ህግደፍ ዝበሃል ውድብ፡ ካብ ዝለምስን ተኣኪቡ ካብ ዘይፈልጥን ልዕሊ 20 ዓመታት ኣቑጺሩ ስለዘሎ፡)፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ-ጭንግራሕ ኣትዩና፡ ኣብ መላእ ዓለም ተባታቲንና፡ ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ውቅያኖሳትን በሪስናን ኣብ ምብራስን ኢና ንርከብ ዘሎና። እታ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝኸፈልናላ፡ ከም ብሌን ዓይንና እንጥምታ ወላዲትናን ኣዴናን ሃገርና ኤርትራ፡ ብወደባታን ባሕራን ዓይኖም ደም ዝመልኦም ገዛእትና-ነበር ሕጂውን እንተኾነ ከምቧህቑን፡ ነቲ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ዝፈጠረሎም ኤርትራ ናይ ምብራስ ዕማም፡ ልዕሊ ፍርቁ ስለዘፋኾሰሎም፡ ከመስግኑዎ ንሰምዕ ኣሎና። እምበኣር ሃገርና፡ ካብ ኩሉ ዝሓለፈ ዓመታት ንላዕሊ፡ ኣብ ብናህሪ ዝሕምበብ ዘሎ ሓደጋ ኢያ ተሸሚማ ዘላ። ካብዚ ሓደጋ`ዚ ንምድሓና ድማ፡ ኤርትራውያን፡ ምስ ግዜ ክንቀዳደም ኢዩ ዘሎና።

ብሰንኪ እቲ እንነብረሉ ዘሎና ሃገራት ናይ ስደትና፡ ብቐሊሉ ብኣካል ክንራኸብን ክንላለን ዘሎ ዕድላት ስጡም ወይ ቀሊል ኣይኮነን። ሳላ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግን፡ እቲ ዘሎና ናይ ቦታ ራሕቂ፡ ተቓሊሉ ይርከብ ኣሎ። እቶም ኣብዚ ንጥፈታት ዚ በብዓቕሞም፡ ህዝቢ ንምርኻብ ክሰርሑ ዝጸንሑን ዘለዉን ውልቀ-ሰባትን ትካላትን (ንኣብነት ኣብ ፌስቡክ፡ ዩቱብ፡ ፓልቶክ፡ ሬድዮ፡ ተለቪጅንን ወብሳይታትን)፡ ዝለዓለ ምስጋና ይግብኦም። ንሶም ውን እንተኾነ፡ ናይ ሓድሕዶም ተሞኩሮ ብምልውዋጥ፡ ንዘለዎም ኣሰራርሓ፡ ብመንጽር ረብሓ ህዝብና ጠሚቶም ንክብርታት ህዝብና ዓቂቦምን ክሰርሑ፡ እዋኑ ዝጠልቦ ዘሎ ናይ ጻውዒት ናይ ህዝብና ኮይኑ ይስማዓኒ። ንኣገዳስነቱ ዝያዳ ኹሉ ዘጉልሕ ድማ፡ ዝኾነ ብማሕበራዊ መራኸቢታት (ሚድያ) ዝዝርጋሕ ሓበሬታ፡ ንእሽቶ ኣሉታዊ ሓበሬታ ምስ ዝፍኖ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ናይ ምንቛት ጠንቂ ክኸውን ስለዝኽእል ኢዩ።

ኣብዚ `ዘይንቡር ህይወት ይኣክል!` ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ተራና ከም ህዝቢ፡ ክመይ እንተኾነ ይሓይሽ?

ነዚ ሕቶ ዚ ንምምላሽ፡ ህዝብና በብምድባት ከፋፊልካ ምግላጹ ዝቐለለ እመስለኒ።

ስሙያት (Elite group)

ብዘለዎም ልቦና፡ ሞያን ትምህርቲን፡ ተሞኩሮ ኣብ ቃልሲን፡ ኣብ ኣብያተ እምነታትና ዘለዉ መራሕቲ፡ ንፖለቲካዊ ውድባትናን በርጌሳውያን ማሕበራትን ትካላትን ዝመርሑ ዘለዉ ኤርትራውያንን፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉን፡ ኣብቲ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ሕብረተሰብና ዝስርዑ፡ ስሙያት (Elite group) ኣካላት ኢዮም። ንኣብነት ዝኣክል፡ ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ወልደኣብ ወልደማሪያም ካብ ቀዳሞት፡ ካብ እዋን ሰውራ ድማ፥ ጅግና ሓምድ እዲስ ዓዋተ፡ ዓብደላ እድሪስ፡ ተስፋይ ተኽለ፡ ኢብራሂም ዓፋ፡ በርሀ ጻዕዳ፥ ክንጠቅስ ንኽእል፡ ኣብዚ ዘሎናዮ ፍትሒ ንምምጻእ እነካይዶ ዘሎና መድርኽ ቃልሲ ድማ፡ ብዙሓት ብሉጻትን ብቑዓትን ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና።

እዞም ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ንቃልስናን ንሕብረተሰብናን ክኣልዩን ክመርሑን ዝኽእሉ፡ ስሙያት (Elite group) ኣካል ሕብረተሰብና እምበኣር፡ ቀንዲ ዕላማ መጥቃዕቲ (ታርጌት) ናይ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኢዮም። ንሳቶም ዝጽምበሩዎ ህዝባዊ ቃልሲ ኣድማዒ ስለዝኸውን፡ ብዝተፋላለየ ምኽንያትን ጠቐነን፡ ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ከምዝንጸሉ ንምግባር፡ ሓያል ግሁድን ስዉርን ዘመተ፡ ኢዩ ዝካየድ። ንሕና ከም ፍትሒ እንጠልብ ህዝቢ ኸ፡ ነዚ ተንኮል`ዚ ብዝግባእ ንግንዘቦ ዲና? ነቲ ብስዉር ዝፍኖ ቤላቤለውን ፕሮፓጋንዳን ምልካዊ ስርዓት፡ ከምዘለዎ ተቐቢልና ኣብ ምስርሳር ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና እዋናት፡ ነነብስና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ብሰንኩ፡ ፍትሒ ንምርግጋጽ ክንገብሮ ዝጸናሕና ቃልሲ፡ ኣዝዩ ንድሕሪት ተጎቲቱ ከምዝጸንሐ፡ ከነስተውዕልን ዳግመ-ግምት ክንገብርን፡ ኣገባባትና ከነማሓይሽን እዋኑ ዝጠልቦ ሕቶ ኢዩ። ከምኡ ውን ብሰንኪ እቲ ከይተፈለጠና ክንክተሎ ዝጸናሕና ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ዝፈጠረሎም ስክፍታ፡ ኣብቲ ቃልሲ እጃሞም ካብ ምብርካት ቦኺሮም ዝርከቡ፡ ብዙሓት ኢዮም። ሕጂ ምስ ምምጻእ ምንቅስቓስ ይኣክል ግን፡ ዕድል ዝተፈጥረሎም ይመስል፡ ናብ መድርኽ ክወጽኡ ድማ ንዕዘቦም ኣሎና። እዚ ኩነት ዚ፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣዝዩ ኣርዒዱዎ ከምዘሎ ድማ ብሩህ ኢዩ። ብዝግባእ መሊኦም ንክወጽኡን ዓቕሞም ከበርክቱን ግን፡ እቲ ግቡእ መድርኽ ክንህቦም ከምዘሎና፡ ከም ህዝቢ ሓላፍነት ናይ ኩልና ኢዩ። ኣብዚ መዳይ ዚ ንቑሓት ክንከውን ኢዩ ዘሎና።

መንእሰያት (The Youth)

ኣብዚ ምድብ ዚ ከጠቓልሎም ዝደሊ ዘሎኹ ኣካል ሕብረተሰብና፡ እቶም ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ 1991፡ ዕድመኦም 10 ዓመት ዝነበረን፡ ብሙሉኣቶም እቶም ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተወልዱ ኤርትራውያን መንእሰያትን፡ ማለተይ ኢየ። እዚኦም ኣብዚ እዋን ዚ፥ ብዕድመ ክጥመቁ ከለዉ ናብ 39 ዓመቶም ተጋማጊሞም ኣለዉ።

እዚ ጉጅለ መንእሰይ`ዚ፡ እቲ ኣዝዩ ገዚፍ ክፋል ናይ ኣብ ስደት ዝርከብ ሕብረተ-ሰብና ኾይኑ፡ ዳርጋ ኹሉ፡ ብፍላይ እቲ ኣብዘን ዝሓለፋ 10-15 ዓመታት ዓዱ ሓዲጉ ክስደድ ዝተገደደ፡ ህዝቢ ኢዩ። ኣብዚ እዋን ዚ፡ ዳርጋ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ኤርትራውያን እቶም ክልተ ኤርትራውያን፡ ኣብ ስደት ኢና ንነብር ዘሎናጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፥ ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ጥራይ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኤርትራዊ ኣብኣቶም ከምዝተመዝገበ ኢዩ ዝሕብር። እቲ ዘይተመዝገበ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኣብዚ ቁጽሪ ዚ ኣይኣተወን። ብሸነኽ ሱዳንን ዶብ ኢትዮጵያን፡ ክሳብ ሕጂ፡ በማኢታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ መዓልታዊ ዓዶም ሓዲጎም ይስደዱ ምህላዎም ዝተፈላለዩ ናይ ዓይኒ ምስክር ጸብጻባት የመልክቱ ኣለዉ። ሓደ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ክሕጭጭ ከሎ ሎም ቅነ ሰሚዕኩሞ ትኾኑ፡ "ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ይበዝሕ፡ እዚ ድማ ንዓና ጽቡቕ ዕድል ኢዩ። እቲ ናትና ዝብሉዎ ስርዓት ኢዩ ኸኣ ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ዝገብረልና ዘሎ፡ ኣነ ኣይኮንኩን..." ከምዝበለ ሰሚዕናዮ። እንታይ ማለቱ ምዃኑ እውን ኣይሓብአን፡ "ንኤርትራ ድላይና ክንገብራ ምቹእ ዕድል ኢዩ ተፈጢሩልና ዘሎ፡" ማለቱ ምዃኑ እውን ብግልጺ ኢዩ ዝዛረብ። ስለዚ፡ ፍልሰት መንእሰያትና፡ ሕጂውን ይቕጽል ኢዩ ዘሎ (ጸብጻብ ኣልጀዚራ) ርአ።

ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ካብ ንእስነቶም፡ ሕቑፊ ወለዶም ዝተነፍጉ፡ በቲ ብቕዓት ከምዘይብሉ ዝምስከረሉ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሓለፉ፡ ኣብ ሃገረ-ስደት `ሀ` ኢሎም ትምህርቲ ክጅምሩ ዝተገደዱ፡ ካብቲ ስርዓት ዘሕደረሎም ምእዙዝ ኮይንካ ናይ ምኻድ ጸቕጢን፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝገጠሞም ኣስካሕካሒ ስቅያትን፡ ዝወረዶም በሰላታት፡ ብቐሊሉ ካብ ኣእሙሮኦም ክወጸሎም ዘይከኣሉ፡ ብዙሓት ኢዮም። ካብኣቶም ድማ ኣብ ጭንቀትን ነብሰ-ቅትለትን ዝበጽሑ ኣለዉ። ናብ ንቡር ንክምለሱ፡ ኩሉ መዳያዊ ናይ ሕብረተሰብና ደገፍን ምኽሪን ዘድልዮም ኢዮም።

መንእሰያትና እዚ ኹሉ ሽግር እና ሃለዎም ግን፡ ነቲ ናይ ወለዶም ሽግ-ሓርነት ኣልዒሎም፡ ሕጂ ውን ይኣክል! ዝብሉ ዘለዉ ንሳቶም ኢዮም። ስለዝኾነ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ካልኦት ረብሓ ዘለዎም ሓይልታትን፡ እዞም መንእሰያትና ካብ ኣያታቶም ምኽሪ ንኸይረኽቡን፡ ቃልሶም ኣድማዒ ንኸይከውንን፡ ብዙሕ ውዲት (ሸርሒ) ኢዩ ተኻይዱሎም። ብሰንኩ ኣብ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራውያን፡ ተፈጢሩ ዝነበረ ምክፍፋላት፡ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ምስክር ኢዩ። ብዝተፋላለየ መልክዓት፡ ማእዝኖም ንምስሓትን፡ ከም ናይ ኣግኣዝያን ዝኣመሰሉ ስነሓሳባት፡ ካልኦት ሰውራ ኤርትራ ኣድላዪ ኣይኮነን ዝብሉ ጎስጓሳትን፡ ካብኡ ሓሊፉ ውን፡ ብኣውራጃ፡ ብሔርን ሃይማኖትን ንሓድሕዶም ከምዝጋጨዉ ኣብ ምግባርን፡ ተሰሪሑሉ ኢዩ። ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን ግን፡ እዚ እናተማሓየሸ መጺኡ፡ እቲ ንቕሓት መንእሰያትና ድማ ማዕቢሉ፡ ዘተባብዕ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ክንብል ንኽእል። እዚ ምዕባለ ዚ ናብ ድሕሪት ንከይምለስ ግን፡ ክንከላኸለሉ፡ ናይ ኩልና ግደ፡ ምክትታልን ናብዮትን ይሓትት። ሓያል ንቕሓት ዘይወነነ መንእሰይ፡ ዕላምኡ ክወቅዕ ስለዘይክእል፡ ነዚ ንቕሓት ዚ ንምሕያል፡ ናይ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ኤርትራዊ ስራሕን ኣበርክቶን የድሊ።

መራሕቲ ኣብያተ እምነታትናን ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋን

ክቡር ባህሊን ወግዕን ሕብረተሰብና፡ ሃገራዊ መንነትና ኣብ ምዕቃብን ምውርራስን ዝህልዎ ተራ ኣዝዩ ዕዙዝ ኢዩ። ነዚ ዝኾኑ ኣቦታትን ኣዴታትን ድማ፡ ዋላ ኣብ ስደት እውን እንተኾነ ኣለዉና። ሕብረተሰብና ብግቡእ ክጥቀመሎም፡ ነቲ ብሰንኪ ምብትታንና እናሃሰሰ ዝኸይድ ዘሎ ክብርታትና ንምምላስን፡ ነዞም ወለዲ`ዚኣቶም፡ ብኽብሪ ኣለሊናን ፈሊጥናን፡ ብስሩዕ ምኽሮም ዝህቡሉን ዘዘንትዉሉን መድርኽ ክንከፍተሎም ኣሎና። ብኹሉ ሰኒድና ድማ ህሉው ወለዶና ከምዝጥቀመሉ፡ ከምኡውን ንመጻኢ ትውልዲታት ከምዝሰጋገር ክንሓስበሉ ኣሎና።

መራሕቲ ሃይማኖትና፡ ኣካል ናይዚ ምድብ ዚ ጌርካ ክውሰዱ ይከኣል። ንሳቶም ኣብ ስነምግባርናን ክብርታትና ዝጻወቱዎ ተራ፡ ኣብ ሓድሕድ ምቅርራብ ህዝብና ዘለዎም እጃምን፡ ኣዝዩ ወሳኒ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ስደት፡ ነዚ ዕድል ዚ ከምቲ ዝግባእ ኣይተጠቐምናሉን። ኣብያተ እምነታትና፡ ብሰንኪ ምትእትታው ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓደ እምነት ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ተኻፋፊሉ ይርከብ። ብሓደ ድምጺ፡ ዓገብ! ክበሃል ዘለዎ ከኣ ኢዩ። ብሰንኩ፡ ሳዕቤናቱ ኣብ መንእሰያትናን ደቅናን ዝበጽሕ ዘሎ ዘሕዝን ተርእዮታት ካብ ቅድሚ ዓይንና ዝተኸወለ ኣይኮነን። እዚ ኩነት ዚ፡ ክመሓየሽ ኣለዎ። ንመራሕቲ እምነታትና፡ ግቡእ መድርኽ ሂብና፡ ብስሩዕ ካብኦም ክንመሃር ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ ኣብያተ እምነት እናኸድና ጥራይ እኹል ኣይኮነን፡ እቲ ዝበዝሕ ህዝብና፡ ካብቲ ኣብያተ እምነታት ወጻኢ ስለዘሎ። መራሕቲ እምነታትና፡ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሎም ንህዝብና ክበጽሑዎን ብዛዕባ ክብርታቱ ክምዕዱዎን ኣድላዪ ኢዩ። ብሰንኪ`ቲ ካብ 1967 ጀሚሩ ኣብ መታሕት ኤርትራ ብመግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ግፍዕታት፡ ኣማኢታት ኣሽሓት ህዝቢ መታሕት ናይ ኤርትራ፡ ናብ ሱዳን ምስ ተሰደ፡ ሕጂ ሰለስተ ወለዶኡ በጺሑ ኣሎ፡ ናብ ዓዱ ድማ ኣይተመልሰን። ካብኡ፡ ናብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝሰገረ እውን፡ ቁጽሩ ውሑድ ኣይኮነን። ሕጂ ኣብ ዘበነ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ካብዚ ቁጽሪ ዚ ዝተዓጻጸፍ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብ ስደት ከምርሕ ተገዲዱ ኢዩ። ክልቲኡ ዓይነት ስደተኛ ኤርትራዊ ኣብ ስደት ብሓባር ይነብር ኣሎ። እንተኾነ፡ ብሰንኪ እቲ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ስደት ዝፈጠሮ ሳዕቤን፡ ብዙሕ ናይ ቋንቋን ባህልን ጸገማት ኣብ መንጎኡ ምህላው ፍሉጥ ኢዩ። ኣብቲ ሓቢርና ምእንቲ ፍትሒ እንገብሮ ቃልሲ፡ እዚ ጸገም`ዚ ዓንቃፊ ረቛሒ ንኸይከውን፡ ብልቦና ጠሚትካ ናይ ምእላዩ፡ ናይ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ወለድናን ሓላፍነት ኢዩ ዝብል፡ ልዑል እምነት ኣሎኒ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘርኣዩዎ ጻዕሪ እናኣሞጎስኩ፡ ካብኡ ዝበለጸ ጻዕሪ ክገብሩ፡ እጽውዕ።

ኣብ መደምደምታ እምበአር፦

ኣብ ዓድና ስርዓተ ምልኪ ቀልጢፉ ከብቅዕ፡ ፍትሒ ክነግስ፡ ናይ ኩሉ ህዋሳትን ኣካላትን ሕብረተሰብና ምውሳእን ምውህሃድን የድሊ። እቶም ኣብ ዝተፋላለየ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ተሰማዕነትን ጽልዋን ዘሎና ኤርትራውያን፡ ነቲ ዘጥረናዮን ዘሎናን ናይ ክብሪ ቦታ ኣብ ማሕበረሰብናን ከባቢናን፡ ብቅኑዕ ሕልና ክንሰርሓሉን፡ ህዝብና ኣብ ምቅርራብ፡ ሓቢሩ ንክሰርሕ ከነተባብዖን ክንመርሖን፡ እዋኑ ዝጠልቦ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዘሎና ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ኣብ ሓድሕድና ንምንቛት ዝባኽን ግዜ (ሰኬንድ ውን ትኹን) ክትህልወና ኣይግባእን። ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዝግብኦ እንተኾይኑ ውን፡ ሸለል ክንብሎን ምእንቲ ህጹጽ ሃገራዊ ረብሓና፡ ውልቃዊ ኾነ ጉጅላዊ ረብሓና፡ መስዋእቲ ክንከፍል፡ ናይ ግድን ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብታ ፍትሓዊት ኤርትራ፡ ንኹሉ ሕቶታትና ንምምላስ ዕድልን ወሳንነትን ስለዝህልወና። እዚ እዋን ዚ፡ እዋን ናይ ሃገራዊ ምትሕልላይን ንሓድሕድና ምጭንናውን ስለዝኾነ፡ ተጻዋዊርና፡ ነዛ ግዜ ክንሓልፋ ይግባእ።

ዋላ ውን ጉድለታት ኣብ ኣሰራርሓ፡ ወይ ምዝንጋዕ እንተጋጠመ፡ እቶም ነዚ ዘስተውዓሉ ዜጋታት፡ ብቕኑዕ ሕልና ነቒሎም፡ ምስቲ መደብ ዘውጽእ ኣካል ወይ ተግባሪ ኣካል፡ ክላዘቡን ኣብ እዋኑ ክሕብሩን ኢዩ ዝግባእ። ኣብዚ መዳይዚ፡ ንሓድሕድና ክንተሓላለን ህዝብና ኣብ ኣድላዪ ዘይኮነ ምጥርጣራትን ክርክርን ንከይኣቱ ክንጥንቀቐሉን ይግባእ። እዚ ዝብሎ ዘሎኹ ሓላፍነት፡ ንውልቀ-ሰባት ኣብ ሜድያ ወጺኦም ዝዛረቡ ይምልከት፡ ብዓቢኡ ድማ፡ ነቶም ዝኾነ መልክዕ ውዳበ ዘለዎም ኣካላት፡ ምሁራት፡ ከምኡውን መራሕቲ ማሕበረ-ኮማት ኤርትራውያን (Community leaders) መራሕቲ ሃይማኖትን (Religious leaders) ለባማትን (Elders) ሕብረተ-ሰብና ይምልከት።

ብዙሓት ፍጻሜታት (ኣኼባታት፡ ሰሚናራት፡ ኣስተምህሮታት፡ ምምኽኻራት ወይ ምኽሪ) ከምኡውን ብኤርትራውያን በብሃገሩ ዝካየዱ ንጥፈታት፡ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ተሓጺሮም ክተርፉ ምርኣይ፡ ብሰፊሑ እንዕዘቦ ተርእዮ ኢዩ። ከምኡ ክኸውን ኣይግባእን። እዚ ከምዚ ዓይነት ንጥፈታት፡ ኩሉ ህዝቢ ክረብሓሉ ኣለዎ። ብመልክዕ ቪድዮ፡ እንተሓመቕና ኸኣ፡ ብመልክዕ ድምጺ፡ እዚ እንተዘይተኻእለ ድማ ብጽሑፍ፡ ብመራኸቢ ብዙሓንና ከምዝዝርጋሕ ክግበር ኣለዎ። እዚ ዘሎናዮ መዋእል፡ ናይ ተክኖሎጂ መዋእል ስለዝኾነ፡ እታ ዝተሓተት ሞባይል (ተንቃሳቓሲት) ቴለፎን፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ናይ ምስናድ ሙሉእ ብቕዓት ኣለዋ። እቲ ሕቶ፡ ኣድላይነቱ ተገንዚብና፡ ኣብ መደብ ኣእቲና ክንሰርሓሉ ምብጋስ ጥራይ ኢዩ። እቲ እንገብሮ በብከባቢና ኾይኑ፡ ኣተሓሳስባና ግን ናብ ዝሰፍሐ ክጥምት ኣለዎ (Act Locally, Think Globally)።

ነቲ ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓን ድሕነት ህዝብናን ዝውሰድ ዘሎ ሓባራዊ ተበግሶታት፡ እገናዕ! (Well done!) ክብሎ እደሊ። ካብኡ ገለ ክጠቅስ (ብዘይ ቅደም-ተኸተል)፥-

(1) ተበግሶ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ENCDC)
(2) ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ሃገርን ህዝቢን
(3) ብ`ሰዲህኤ (EPDP) ዝተወስደ ዕዉት ውድባቶም ናይ ምስማር ስራሕ፡
(4) ብ`ሓዲለ (UDC) ዝተበጽሐ ውድባትካ ኣፍሪስካ ካልእ ሓድሽ ንኹሉ ዘአንግድ ውድብ ምፍጣሮም፡
(5) ስኒት ኤርትራዊ መጽናዕታዊ ጉጅለ (ESSG) ዘፍረዩዎ መጽናዕታዊ ስራሕን ዘካየዱዎ ንስኒት ኤርትራውያን ዝድግፍ ጎስጓሳትን፡
(6) ኤርትራዊ መድርኽ ንሃገራዊ ዘተ (መድርኽ) ዘካየዶም ጻዕርታት፡
(7) ኤሪ-ፕላትፎርም (Eri-platform) ዘካይዶም ሶምፖዝዩማትን ኣሳተፍቲ መደባትን፡
(8) ፎካስ ኤርትራ (Eritrea Focus) ዘካይዶም መናዕታዊ ኮንፈረንሳት
(9) መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን ሚነሶታ፡ ዝወስዱዎ ዘለዉ ናይ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ንጥፈታት ምውህሃድ መደባት፡
(10) ህዝባዊ ምልዕዓላትን ጽላላትን በብሃገሩ ቆይመን ዝነጥፋ ዘለዋ፡
(11) ንጋባእ (Ngabae)
(12) ዓለምለኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምልዕዓል (GI)
(13) ንኹሎም ምእንቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን፡ ደው ዝበሉን ዝበላን ኤርትራውያን ትካላትን ውልቀሰባትን፡ ዝለዓለ ምስጋና ይግብኦም።
(14) ንኹሎም ናይ ሜድያ ትካላት፡ ብፍላይ ከኣ ነተን ምስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ዘራኽባና ዘለዋ ናይ ራድዮን ተለቪጅንን ትካላትን ኣባላተንን፡ ምስ ኩሉ ዘጋጥመን ናይ ፋይናንስ ኮነ ካልእ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ዕንቅፋታት ሰጊረን፡ ዕዉት ስራሕ የርእያ ብምህላወን፡ ሓለፋ ኹሉ ከሞግሰን ይደሊ።
(15) ብ'ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም 16 ኤርትራውያን ሞያውያን፡ ዝቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘዳለዉ፡ ሃብታም ሓሳብ ብምቕራቦም ከመስግኖም ደስ ይብለኒ።
(16) Legal Analysis of Potential Threats to the Sovereign Independence and Territorial Integrity of the State of Eritrea. (ERITREAN LAW SOCIETY (ELS) 24 May 2019)

ዓመት 2020 ንኹሉ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ኣበሳና ሓቢሳ፡
ኣብ ሃገርና ራህዋን ስኒትን ከተስፍነልና ዘሎኒ ትምኒት፡ ወሰን የብሉን።

ርሑስ ሓድሽ ዓመትን
ኣውደኣመትን ንኹሉኹም!

ሓውኹም፡ ዮውሃንስ ጸጋይ
ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ
08 January 2020


Share with friends:


ካልእ ጽሑፋት ብ`ዮውሃንስ ጸጋይ...Other articles by Yohannes Tseggay


ስራሕ ዘይብሉ፡ ጠበቕ ይሃድን፡ ዕዳ ዘይብሉ፡ ቆልዑት ይኸድን - AN IDLE MIND...by Redi Kifle Bashay (Snitna 01-Jan-2020)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: