እፎይ እንተንብል!

17/02/2018 22:23 PM

እፎይ እንተንብል!

ግጥሚ ብ'መሲናስ


Champions-of-Africa-Misana-and-Mekseb

 

እፎይ እንተንብል!

እዚ መኽሰብ ደበሳይ ምስ ሞሳና ሓውቱ
ሓበን ናይዛ ሃገር ኩርዓት ስድራ-ቤቱ
ንምልእቲ ኣህጉር ብትብዓት መኪቱ
ኣርሓ ኣፍሪቃ ኮይኑ ጨቢጡ ዓወቱ!

እዞም ደቂ ደበሳይ ክልተ ጎባልል
ብቕዓቶም ከርእዩ ምስ ረኸቡ ዕድል
ናይ ምሉእ ኣፍሪቃ ደፊኦሞ ኣክሊል
ኣህጉር ብምልእታ ኢላትሎም ዕልል!

ደቂ ብሩኽ ማህጸን ናይዛ ኤርትራና
እንቋዕ ኣሐጐሰኩም እንቋዕ ደስ በለና
ቅሳነትን ራህዋን እንተ ዝህልወና
እፎይ እንተንብል’ወ ሓርነት ረኺብና
ንዓለም ዘደንቕ ክንደይ ምሰራሕና!

ነቲ ትዕድልቶና ናይ ተፈጥሮ ብልሒ
ኣብ ሰላምን ራህዋን ብሕጊ ብፍትሒ
ፍጹም ዘቕስነና ኣውጺኡ ካብ ፍርሒ
ሰብ እንተንረክብ ናብ ጽቡቕ መራሒ
ነዛ ጸልማት ዓለም ምኾናላ ወርሒ!

ካብ ራዕድን ሽበራን ኣደራዕ ናይ ምልኪ
ካብ ግፋን ታዕሊምን ፍረ ኣልቦ ሃልኪ
ናጻ እንተ ዝኸውን’ወ ኤርትራ ውላድኪ
ናብ ሰማይ መዕረጎ ብዓወታት ስምኪ!

ኣብ ሽግር ከሎ’ኳ ቅሳነት ዘይብሉ
ጾሙ እናተጓዕዘ ቁራስ ተዓንጊሉ
ምስቶም ከብዲ ምላሽ ክበልዑ ዝውዕሉ
ኣብ ሜዳ ገጢሙ ኣካኺቡ ሓይሉ
ዓወት ዚጨበጠ ባንዴራ ኣንበልቢሉ
እንተ ዝርህዎ ደኣ ህይወት ሓሊፉሉ
ተኣምር ምፈጠረ ዓለም ትዀርዓሉ!

ኣይተዓደለን ግን ዕጫኡ ከፊኡ
ድያብሎስ ነጊሱ ካብ በረኻ መጺኡ
ፋሕ ጭንግራሕ ኣቢሉዎ ካብ ቤቱ ኣውጺኡ
ኣብ ምልእቲ ዓለም ብምልኪ ተዘሪኡ
ስደትን መከራን ኮይኑ’ቲ ናብራኡ!

ሓንቲ መዓልቲ ግን እንጽበያ ኣላ
ኣንበሳ ነጊሱ ምስ ተኣልየ ተዅላ
ሕሰምን መከራን ኣደራዕ ዘይብላ
ሓንሳብ ንሓዋሩ ሰላም ንረኽበላ
ጸሓይ ሓርነትና ብምሉእ ትበርቀላ
ኣብ ቀረባ ርሕቀት ትረኣየኒ ኣላ!

ዮሃና ንጐባልል ኣፍሪቃ ኤርትራውያን ሞሳናን መኽሰብን ደበሳይ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 17/02/2018

Share with friends:



ጻውዒት ንመንእሰይ ኤርትራ


See also recent articles by Mesinas. ካልእ ናይ ቀረባ እዋን ጽሑፋት ብ'መሲናስ፡-

See more ተወሳኺ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ርአ፡-