ደድሕሪ ደቅኻ!

03/11/2017 20:15 PM

ደድሕሪ ደቅኻ!

ግጥሚ ብ'መሲናስ


ደድሕሪ ደቅኻ

 

ደድሕሪ ደቅኻ!

እነዉ ተላዒሎም ደቂ ኢብራሂም ሱልጣን
ህዝቦም ከውጽኡዎ ካብ መከራን ጣጣን
ግብግብ ገጢሞም ምስቲ ርጉም ሰይጣን፡
ክሳዱ ሓኒቖም ከቕርቡዋ ኣብ ፍርዲ
ኣላህ ወኣክበር ኢልኩም ቀልሱዎም ቃዲ!

ደቂ ሓርበኛታት’ወ ጀመርቲ ናይ ሰውራ
ኢድን ጓንትን ኮይኖም ከምዛ ሓንቲ ስድራ
ይኣክል ክብሉዎ ንዓማጺ ጭፍራ
ሓርነት ከንግሱ ኣብ መላእ ኤርትራ
ጀሚሮሞ ኣለዉ ኣብ ከተማ ኣስመራ!

ኣንታ ውጹዕ ህዝቢ ኣብ ጸላም ዘለኻ
ጸሓይ ትበርቀሉ ጩራ ካብ ረኣኻ
እቲ ኣብ ቤትካ ዘሎ ህያብ ጸላእትኻ
ለጒምካ ተበገስ ደድሕሪ ደቅኻ
ማእሰርትን ቅዝፈትን ከይከውን ዕጫኻ!

እዚ ርጉም ፍጥረት ሰይጣን ዓዲ ሃሎ
ትንፋስ ኣይትሃቦ ተዳሂሉ ከሎ
ብረት ተጻወደ ፈቐዶ ኣንጎሎ
ንህዝባዊ ማዕበል ኣበይ ከይክልክሎ
መንእሰይ ኣኽርያ ጀሚሩ’ሎ ንቕሎ
እግሪ እግሩ ሰዓብ ሃየ ተኸተሎ!

መከራኻ ኣብቂዑ ራህዋ ክዓስለካ
ብደበና ኣዝመራ ተመሪሕካ
ብታህዲድ መለኽቲ ከየተጠራጠርካ
ተድድሕሪ’ቲ ውሕጅ እንተደኣ ሰጒምካ
ሰቲኻ ክትረዊ ጽምኣት ሓርነትካ
ግድን’ዩ ናብ ለምዒ ክመርሓካ!

ኣቱም ብድያብሎስ ተላኢኽኩም
ዓረር ትትኩሱ ናብ ኣሕዋትኩም
ደም ሓደ ሰብውን ይኹን እንተፍሲስኩም
ጽባሕ ናብ ርእስኹም ከም ዝምለሰኩም
ደም ሰብ ከምዘይምሕር ክትፈልጡዎ ኣለኩም!

ካብ ምስቲ ድያብሎስ ግዝያዊ ዕንደራ
ምስቲ ውጹዕ ኩኑ ምስ ህዝቢ ኤርትራ
ራህዋ ክትቅይሩ ንሽግር መከራ
ናይቶም ዝሓለፉ ኣሎኩም ሓደራ!

እልበት (ሓሳረ መከራ) ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ዕርበት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 01/11/2017

Share with friends:


See also recen articles by Mesinas. ካልእ ናይ ቀረባ እዋን ጽሑፋት ብ'መሲናስ፡-

ትርጉም መንግስትን ባንዴራን፡ መበል 23 ክፋል(10/09/2017)፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-