ትርጉም መንነትና ሃገርና ኤርትራ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

04/01/2020 19:55 PM

ትርጉም መንነትና ሃገርና ኤርትራ
ፍጹም ዘይሃስስ`ዩ ዝዓዘዘ ፍቕራ
ሃየ! ብሓድነትና ንምለሶ ልዑል ክብራ!!!
ቅዋም ወረቐት ኣይኮነን፡ ልብና`ዩ ሰፈሩ!!!

ብ` ኣቶ ዑቕባይ ገብረመድህን( ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሕ.መ.ኣ.)
ታሕሳስ 31፡ 2019
ብምኽንያት ሓዲስ ዓመት 2020

ትርጉም መንነትና ሃገርና ኤርትራ፡

ትርጉም መንነትና ሃገርና ኤርትራ፡ ፍጹም ዘይሃስስ`ዩ ዝዓዘዘ ፍቕራ፡ ሃየ! ብሓድነትና ንምለሶ ልዑል ክብራ!!! ቅዋም ወረቐት ኣይኮነን፡ ልብና`ዩ ሰፈሩ!!!
ኣቶ ዑቕባይ ገብረመድህን( ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሕ.መ.ኣ.)
ታሕሳስ 31፡ 2019 ብምኽንያት ሓዲስ ዓመት 2020

********

ካብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ጀሚሩ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ናይ ዕንወት ሃገርናን ምጽናት ህዝብናን ተግባሩ ኣብ ኣፈርክቡ ኣብ ዘብጸሓሉ ህሞት ንርከብ ኣለና፡፡ ``ንበዓል ነጐዳ ሓዊ ተኵሶ`` ከም ዝበሃል፡ ``ኣይከሰርናን``፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ`ዩ ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ`ዩ`` ክብል ነታጒኡ ምስ ፈንጀረልና ከይተረፈ፡ እቲ ምሉእ ህዝቢ ከም እሳተ ጎመራ ክንቍጣዕ ዝግብኣና ክነስና፡ ኣብ ልኡምን ብዝግባእ ዘይተወሃሃደ ብናይ ይኣክል መልሲ ንጐዓዝ ብምህላውና፣ቀጺሉ ዘይተጸበናዮን ዝኸፍአን፡ ``እቲ ናይ ሰለስተ ወለዶታት ቃልሲ ጌጋ ኢዩ ነይሩ`` ብምባል፡ ኣብ ዓለም ዘይተራእየ ናይቲ ንናጽነትን ፍትሕን ዝወሓዘ ንጹህ ደምናን ዝወደቐ ኣዕጽምትናን፡ ክሕደቱ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ ኩነታት ኢና ነዚ ናይ መበለ 2020 ልዳት ሓዲስ ዓመት ንኣትዎ ዘለና። እምበኣር፡ ካብ ማንም ጊዜ ሎሚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣንፈትና ብዕቱብ እንምርምረሉን ከም እሳተ ጎመራ ነዲርና ንመላኺ ፍጹም እነጥፍኣሉ ወዓል ሕደር ዘህይብ ሓላፍነት ምዃኑ ከዘኻኽር እደሊ።

ኣርሒቕና ከይንጥምት ፍርሃት ዓፊኑና
ዘይባህሊ ኣቦታትና ሕመቕ ወሪሱና፣
ገበን እናረአና ሕልና ዓሚትና
ሃገርና እናተዘምተ ትም ምባል መሪጽና።

ዝኽሪ ስዉኣት ከሎ ሓርነት ብምትካል
ዓመት መጸ ሽምዓ ወሊዕና ምባል
ርብዒ ዘመን ሓሊፉ ብርእሰ ምትላል።

ኣይብቑዕን ክትነብሮ ዘይተመርመረ ህይወት
ውሽጥና ምምርማር`ዩ ዝፈጥረልና ዕግበት
ምሉእ ትርጉም ዝህበና ዘይሃስስ ክብረት።

ራህዋ ሰላም ወትሩ ንምነያ
ትብዓት ምስ ኣጥፋእና ሓቂ ስኢናያ
ኣደ ሓርነት ምዃና ፍጹም ረሲዕናያ።

እዛ ሰላም ወትሩ እንብህጋ
ናይ ህይወት ከላ ዝዓበየት ጸጋ
ህውከት ፈጢርና ባዕልና ንዘርጋ
ክንዲ ንሓቝፋ ኣርሒቕና ንሰጓ።

ሓቂ ተባሪራ ዘኽቲማ ሓርነት
ናጽነት በሊዓ ኣእላፍ ህይወት
ልዳት ረጊጻ ቤት ከይኣተወት
ውርሻኣ ኮይኑ ጐረፊ ስደት።

ይኣክል ዝበሃሎ ዕድላት ሓሊፉ
ጀጋኑ ስንኩላን በሕዋቶም ኪረግፉ
ሓደኳ ኣይነበረን ዚኸፈተ ኣፉ።

ብስቕታ ተጐሲዩ ጃምላዊ ቅትለታት
ሃገር ኰይና ማእሰርቲ ንጹሃት
ሰኣን ስኒት ሰኣን ስሙር ጽንዓት።

ኣበይ ኣሎ ዓንዲ ሕቖ ሃገር
ወናኒ ጽንዓት ህዝቢ ገጠር
መዝገብ ባህሊ ልቦና፡ ናባሪ ቁምነገር።

ሃብቲ ሃገር ነይሩ ሎሚ ከይዓበረ
ዋልታ ሃገር ኮይኑ ጸላኢ ዘባረረ
ንቓልሲ ጋመ ጽንዓት ዝኣሰረ
ደቀይ ብዝበሎም ሎሚ ከይሓሰረ።

ጀጋኑ ደቁ ስኢኑ ፍቕሮም ከይጸገበ
ባህጊ ናጽነቱ ተቐጺዩ ከይዓምበበ
ሃየ ነድሕን ህዝብና መሬት ከይዓረበ።

ሃብታም ኤርትራ ክትከውን ረመጽ ህዝባ
ተፈሪዳ ክትዛሪ መከራ ጸበባ
ሃየ ነድሕና ጥፍኣት ከይጐልባባ።

ውልቀመላኺ ኢሳያስ ደጊም ተቓሊዑ ጉዱ
ኤርትራዊ መንነትና ኪጅልሕ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ
``ኣይከሰርናን`` ድሕሪ ምባል ከንፈሩ ቀዲዱ
ዕርቃን ጥልመቱ ዘግሃደ ዳሕራዩ ገዲዱ
``ቃልሲ 3 ወለዶታት ጌጋ`ዩ ነይሩ`` ኢሉና ኣግሂዱ
ንወለዶታት ዝሰርሓሉ`ዩ ኣይኮነን ዓቢዱ።

ዝወሓዘ ንጹህ ደምና ፍጹም ኣራኺሱ
ተግባረ ዕንወቱ ኣሰኒዩ ብመርዛም መልሓሱ
ኣብ ዓለም ዘይተራእየ ክሕደቱ እንታይ ኢዩ ፈውሱ?!!!!

ስልጡናት ዝበሃላ ሃገራት ከይተወልዳ
ሰላም ግዝኣተ ሕጊ ናይ ጥንቲ ልማዳ
ትመሓደር ነይራ`ያ ኤርትራ በብዓዳ።

ባርነት ኣምጺእና ብሓድሕድ ምንቛት
ግዝኣተ ሕጊዩ ዝተክል ሓርነት
ፍትሒ ዝነግሰሉ ዘውሕስ ቅሳነት
የድልየና`ሎ ትንሳኤ መትከላዊ ስምረት።

ከይዘራእካ ኣይሕፈስን ምህርቲ
ብስቕታ ኣይስበርን ኣርዑት ናይ መግዛእቲ
መርኣያ ምርጫ ህዝቢ`ዩ ዚትከል መንግስቲ።

መሰልካ ዚገፍፍ ስርዓት ምስ መጸካ
ትም ኢልካ ክትሓልፎ እናረገጸካ
መንዩ ተሓታቲ ኢድካ ብምሃብካ?!

ቅዋም ይተግበር ክትብል ዓመታት ምጭዳር
ሰኣን ምሕሳብ ኣዕሚቝካ ምምርማር
ሰኣን ምዝታይ ክትርዳእ ብሓባር።

ብፍትሒ ግዝኣተ ሕጊ ኪምራሕ ንሓዋሩ
ህዝቢ ዘቲዩሉ ቀዳሞት ዘኪሩ
ቅዋም ወረቐት ኣይኮነ ዘውሕስ ሰፈሩ
ልቢ ህዝቢ`ዩ ነባሪ ማህደሩ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ተስፋ ሃገር
ህዝብኻ ንምድሓን ሃየ ተባራበር
ሕድሪ ብምፍጻም ኣብ ታሪኽ ክትዝከር።

ፍትሒ ኪኸውን ንወትሩ ነባሪ
ቅድሚ ጸሎት ሓገዝ ካብ ፈጣሪ
ስምረት ይሓትት ኣብ መትከላዊ ግብሪ።

መሬትና ክንረግጻ ብሓልዮት ትሕትና
ምቕሉላት ንኹን፡ ጥንታዊ ባህልና
ሓቂ ጨቢጣ ክትምዕብል፡ መሬት ፍትሒ ኮይና
ትንሳኤ ሓርነት ክትለብስ ኤርትራ ሃገርና።

ስቕታና ጠንቂ ጥፍኣትና ምዃኑ እንነቕሓሉ፣
ናይ ይኣክል ቃልስና ኣብ ዓወት እነብጽሓሉ፣
ፍቕርን ስኒትን እነማዕብለሉ፡ ልዳት ርሑስ ሓዲስ ዓመት ይግበረልና።

ብመትከላዊ ግብሪ ይዘከሩ ስዉኣትና!
ሓርነትን ፍትሕን፡ ራህዋን ሰላምን ንውጹዕ ህዝብና!!


Share with friends:


See also past articles and seminars by Mr. Ogbai Ghebremedhin.
ካልኦት ብ' ኣቶ ዑቕባይ ገብረመድህን ዝተጻሕፉ ጽሑፋትን ሰሚናራትን፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


"ዘረባኹም: እወ እወ: ኣይኮነን ኣይኮነን ይኹን" ኣቦና ወልደኣብ ወልደማሪያም


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: