ኣብ ምንታይ ሰማይ ክኣቱ!?

19/03/2018 13:52 PM

ኣብ ምንታይ ሰማይ ክኣቱ!?

ብ'መሲናስ


ቅትለት-ሰብኣውነት

 

ኣብ ምንታይ ሰማይ ክኣቱ!?

“መዓልኪ ሚዛን ሓብተይ?”
“ደሓንዶ ውዒልኪ ዘነበሽ ሓውተይ? እተዊ”
“ሕራይ፣ ቈልዑ ደኣ ኣይኣተውንድዮም?”
“ኣትዮም’ምበር”
“እዋእ! ናበይ ደኣ ከይዶም እሞ ንበይንኺ ሕልምልም ትብሊ ኣብ ሳሎን?”
“እህም! እንታይ ደኣ ሓዲሱኪ ዘነበሸይ? ተቴለፎኖምን መመጻወቲኦም ኮምፒዩተርን ሒዞም ኣብ ከክፍሎም ምስ ተሸርቡ ዘይቅልቀሉና! ነታ ድራሮም ክበልዑ’ኳ ለሚንና ኢና ነምጽኦም!”

“ደሓን ግደፍዮም ይጻወቱ፣ ዕድለኛታት ኮይኖም ግዜኦም ዝሃቦም ዕድል ይጠቐምሉ!”
“ክሊ ስቕ በሊ! እንታይ ዕድለኛታት ደኣ እዚኣቶም ጓለይ ቅርሱሳት’ምበር! እቲ ንሕና ዝዓበናዮ ፍቕሪ ስድራቤት ዝተሓርሞም፡ ኣዝማዶምስ ይትረፍ ወለዶምን ኣሕዋቶምን ዘየፍቀሩን ዘይግደሱን፡ ፈተውቲ ነብሶም ኮይኖም ተሪፎም! እዚዶ ዕድል’ዩ!?”
“ንሱስ ሓቅኺ ኢኺ ሚዛን ሓብተይ፣ ግን ከም ሰቦም ኢለ’የ እምበር ፍቕርን ክብርን ስድራቤትስ ጠፊእ’ያ! እዚ ንእሽቶይ ወደይ ትማሊ ካብ ክፍሉ ጸዊዐ ንዓ ማይ ኣቐብለኒ እንተበልኩዎስ ‘እግርኺ ሓሚምኪ ዲኺ?’ ኢሉ እኮ’ዩ ማይ ምቕባል ኣብዩኒ ሚዛን ሓብተይ! ነዛ ንጎሮሮና ማይ ከቐብሉና ዘይክእሉ ቈልዑ ኢና’ኮ ነዕቢ ዘለና!”
“ወሪዱና፡ እንታይ ጌርናሎም ኢልክዮም ኢኺ፡ ዕድመ ይሃቦ መንግስቲ ሆላንድ ዘዕብዮም ዘሎ ቈልዑ! ምግቢ ሰሪሕና ስለ ዝቐረብናሎምን ዓራቶም ስለ ዘንጸፍናሎምንዶ ምዕባይ ሓሲብክዮ ኢኽI?”

“እዋእ! እንታይ ኴንና ዘይንገብረሎም ጓለይ፡ ኣይወለዶም እንዲና! ኣንቲ መምጽእየይ እንዶ ግዳ ረሲዐ ጸኒሐ ኣዘኪርክኒ፡ ‘ነዚ ጽባሕ ኣብ ደንሃኽ (ዘ ሄግ) ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ምግቢ ኣዳልዋ’ ኢሎሙና ስለ ዘለውስ ኣነ እንጌራ ክገብር ንስኺ ከኣ ሩዝ ስርሒ ክብለኪ እኮ’የ መጺአ፡”
“እንታይ ኢኺ ትብሊ ኣንቲ!? ንመን ክትቃወሚ ኢልኪ ደኣ ናብ ደንሃኽ ክትከዲ!?”
“ክንቃወም ዘይኮነስ ነቲ ዝዕመጽ ዘሎ መንግስትና ክንድግፍ ኢና ክንከይድ!”
“ንመንግስትና ደኣ መን ዓሚጹዎ!?”

“እዋእ! እንታይ ኢኺ ትብሊ ኣንቲ ሚዛን ሓብተይ!? እዚ ዜናታትዶ ትከታተልዮ የለኽን ኢኺ? መንግስቲ ሆላንድ መሓዛ ኣመሪካ ስለ ዝኾነ ነቲ ኣምበሳደርና ሰጒጉ ንሰሎሞን ከኣ ክኣስሮ’ዩ እንድዩ ዝብሃል ዘሎ! ሰሎሞን እንተተኣሲሩ ከኣ ጉዳያትና ዘሳልጠልና ሰብ’ኮ የለን!"
“ኣንቲ ዘነበሽ ሓውተይ ኣነስ ለባም’ያ፡ ኣዛዊራ ትሓስብ’ያ፡ ኩነታት ተመዛዝን’ያ ወዘተ. ኢለ’የ ዝግምተኪ ነይረ፡ ሓቀኛ እያ’ኳ ክብለኪ ኣይክእልን’የ ምኽንያቱ፡ ንሕና ኤርትራውያን ንሓቂ ኣዕሚቚና ካብ ንቐብራ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ስለ ዘሎ! መንግስቲ ሆላንድ ግን እንታይ ከም ዝበለ ኣብዛ ተለቪጅኑዶ ኣጋጣሚ ብሓደ ኴንና ኣይሰማዕናዮን።"

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ‘ወላ’ኳ ካቢነ ሆላንድ እቲ ንህዝቡ ብሓይልን ብግዴታን ኣብ ውሽጢ መሬት ሆላንድ ኮይኑ 2% ክኸፍሉ ዝቕስብ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ኤምባሲኡ ክዓጽዎ እንተ ኣዘዘ፡ ኣነ ግን እቶም ኣብዚ ዓዲ ዘለዉ ኤርትራውያን ጉዳያቶም ንምስላጥ ናብ በልጅምን ናብ ካልኦት ኤምባሲ ኤርትራ ዘሎወን ጎረባብቲ ሃገራትን ከይዶም ከይሽገሩ ብምባል ኣብ ክንዲ ኤምባሲ ምዕጻው ነቲ ላዕለዋይ ወኪል ናይቲ ስርዓት ክሰጉጒ ወሲነ ኣለኹ’ ኪብል ብእዝንና ሰሚዕና ብዓይንና ምስ ረኣናዮዶ ‘ኣየ ሓልዮት ህዝቢ!’ መራሒኻስ ከምዚ እንተዝኸውን ብምባል ኣመስጊንናዶ ኣየድነቕናዮን? በየናይ ሕጓ ኮይኑ ደኣ ሕጂ ንሰባት ክኣስር ርኢኽዮ ጓለይ!? ኣብዚ ዓዲኸ ከም ናይ ኤርትራ ብዘይገበን ዚእሰር ሰብ ኣሎድዩ!?
“እወ ግን መንግስቲ ሆላንድ ብኹሉ ነገራቱ እንተ ርኢኽዮ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ስለ ዝወገነ እኮ’ዩ ንመንግስትና ዝጻብኦ ዘሎ። ነዚ ከኣ ከም ኤርትራውያን ትም ኢልና ክንርእዮ የብልናን ሚዛን ሓብተይ!”

“ኣንቲ ዘነበሽ ሓውተይ፡ ወዮደኣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ንሕና ኤርትራውያን ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ጸገማት ካብ ሓቂ ካብ ንርሕቕ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝገበረን ብቐጻሊ ስለ ዝሰራሕናሉን ንምስሉይነት ከም ልሙድ ወሲድናዮ ኢና’ምበር ብሓቂ እንተርኢናዮ ደኣ እቲ ንኣናን ንደቅናን ብሰላም ዘናብረና ዘሎ መንግስቲ ሆላንድ’ዩ መንግስትና”
“እዋእ! ኣንቲ ኣይደሓንክንዲኺ!? ከመይ ኢሉ’ዩ መንግስቲ ሆላንድ መንግስትና ዝኸውን!?”
“ጽቡቕ፣ ኣነን ንስኽን ብዙሓት ከማና ኤርትራውያን ኣሓትናን መንግስቲ ሆላንድ ከመይ ኢሉ መንግስትና ከም ዝኾነ እኹላት ኣብነት ኢና። ኣነን ንስኽን ደቅና ሒዝና ኣብ 1982 ዓ.ም. ኢና ናብ ሆላንድ መጺእና ምሽ?”
“እወ”

“ሽዑ መንግስቲ ሆላንድ ከምዚ ሎሚ ካምፕ ወዲ ካምፕ ስለ ዘይነበሮ ከም ኣጋይሹ ብኽብሪ ተቐቢሉ፡ ንኹልና ኣብ ሆቴል’ዩ የእትዩና ነይሩ። ብድሕሪኡ ከኣ ብዙሕ ከይደንጐየ ከከም ብዝሒ ደቅና ዝተፈላለየ ክፍልታት ዘሎዎ ገዛ ምስ ምሉእ ኣቑሑቱ ሂቡ ደቅኽን ኣዕብያ ኢሉ ብልዓ ስተያዶ ኢሉና ሓቀይ?”
“እወ ኢሉና”

“ግርም፡ ንኣብነት ንስኺ ሰለስተ ቈልዑ ስለ ዝነበሩኺ ኣርባዕተ መደቀሲ፡ ሳሎን፡ ክሽነን ባኞን ዘሎዎ ገዛ ተዋሂብኪ፡ ኣነ ከኣ ክልተ ቈልዑ ስለ ዝነበሩኒ ካብ ናትኪ ሓንቲ መደቀሲ ኣጒዲሎም ከምቲ ናትኪ ከመይ ዝበለ ገዛ ሂቦሙኒ። ደቅና ኣቚሪስና ናብቲ ብናጻ ዝመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ንግሆ ንግሆ እናብጻሕና ከኣ ሓንሳብ ኣብ ገዛኺ ንሓንሳብ ድማ ኣብ ገዛይ ቡን ቀሊና እናሰተና ክሳዕ ደቅና ካብ ትምህርቲ ዝምለሱ ከነዕልል ንውዕል ኔርና”
“እወ ግን ሚዛን ሓብተይ ናበይ ናበይ እዩ ዘብል ዘሎ እዚ ዘረባኺ?”

“ሓንሳብ ኣወድእኒ ዘነበሽ ሓውተይ? ነታ ቀቢርናያ ዘለና ሓቂ ብኸመይ ከም ዝቐበርናያ ከዘኻኽረኪ’የ ደልየ። ዘነበሸይ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ከኣ ደቅና ናብ ትምህርቲ ኣፋኒና ኣብ ገዛ ኣሳፊሕና ቡን ክንሰቲ ምውዓል ስለ ዘጽላኣና ከኣ ብጸሊም ዝኽፈል ተሓቢእካ ዝስራሕ ስራሕ ጽርየት ረኺብና፡ ኣብ መዓልቲ ናብ ሰለሰተ ኣርባዕተ ገዛውቲ ዜርና ኣናኣጽረና ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ሆላንድ ገዛ ክራይናን ኩሉ ወጻኢታትናን ከቲቱ ንመግብናን ንኽዳውትናን ኢሉ ዝህበና ገንዘብ ተወሳኺ ብሕቡእ ክንዲ ዕጽፉ ከነአቱ ጀሚርናዶ ሓቀይ?”
“እወ”
“ንሱ ግን ኣይኣኸለናን፤ ሰብኡትና ኣብ ሜዳ ንናጽነት ይጋደሉ ኣለዉ ኢልና ሓሲና ኣመዝጊብናዮም ስለ ዝነበርና፡ ድሕሪ ግዜ ካብቲ ዝነብሩሉ ዓዲ፡ ማለት ካብ ስዑድያን ኩዌትን ናባና ምስ መጹ ‘ሰብኡትና ካብ ገድሊ ሃዲሞም መጺኦም’ ኢልና ንመንግስቲ ሆላንድ ብምንጋር ናብ ንጹፍ ዓራትን ናብ ማሙቕ ገዛን ናብ ደቆምን ናብ ኣንስቶምን ከም ዝኣትዉዶ ጌርና፡ ብድሕሪኡ ሰብኡትና ንገለ ሰዓታት ቋንቋ ሆላንድ እናተማሃሩ ከኣ ስድራቤታት ተኣኪብና ብዘይጸገም ክንነብር ጀሚርናዶ ሓቀይ?”
“እወ ጀሚርና”

“ብድሕሪ’ዚ ኹሉ እንደገና እቲ ካብ መንግስቲ ሆላንድ ተሓቢእና ሰሪሕና ነእትዎ ገንዘብ ስለ ዝመቀረና፡ መሊስና ካልእ ሓሶት ምሂዝና ምስ ሰብኡትና ተፋቲሕና ኢልናውን ክልተ ደሞዝ ክንወስድ ጀሚርና! ደሞዝ ሰብኣይና፡ ደሞዝና፡ ብጸሊም እንሰርሖ ገንዘብን ንደቅና ዝወሃብ ገንዘብን ኣኻኺብና ድማ ኣብ ኣስመራ ቢላን ሰርቪስን ከምውን ርሻን ኣስሪሕና! ንስኺ ካብቶም ቀዳሞት ስለ ዝኾንኪ ተዓወትኪ ኣስሪሕኪ’ምበር ኣነስ ኣምላኽ ናይ ኢደይ ፈዲዩኒ እቲ ካብ መንግስቲ ሆላንድ ዝሰረቕኩዎ ገንዘብ መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ካብ ዝዘምተኒ 12 ዓመታት ገይሩ ኣሎ፡ ገዛ የለ ገንዘብ የለ ጥራየይ ተሪፈ ኣለኹ!
እዚ ከይኣክል ከኣ ሎሚውን መንግስቲ ሆላንድ ነቶም ኣብ ዓዶም መንግስቶም ምንባር ዝኸልኦም ደቂ ኣሕዋትናን ደቂ ዓድናን ብሰላም ተቐቢሉ ዕቊባ ሂቡ፡ ልክዕ ከምቲ ናትና ወላዲ’ኳ ዘይገብረልካ ሰናይ ግብሪ እናገበረ፡ ብናጻ ገዛን ንብረትን ሂቡ ሓዳሮም ብምውጻእ፡ ስድራቤታት ክበታተና የብለንን ብምባልውን ነቶም መንግስቲ ኤርትራ ዝበታተኖም ስድራኦም ይኣኻክበሎም ኣሎ። መሰልካ ሓልዩ ንኣኻን ንህዝብኻን ብሰላም ንዘናብረካ ዘሎ መንግስቲ ክትቃወም ምውጻእ ማለት ከኣ ነብስኻ ምቕታል ማለት’ዩ ዘነበሽ ሓብተይ! ወላ ሽሕ ሕልናይ ይሽጥ ከኣ ናይዚ ኹሉ ሓጥያተይ ኣምላኽ ገለ ከየውርደለይን ዝኣትዎ ሰማይ ከይስእንን ግን ሎሚ ንዘኾለሰትኒ ኢድ ክነክስ፡ ንዘብላዓትኒ ጻሕሊ ክሰብር ኢለ ናብ ደንሃኽ ከይደ ኣይቃወምን’የ። ኣብ ምንታይ ሰማይ ክኣቱ!?”

“ሚዛን ሓብተይ ገንዘብኪ ከፊልኪ ከምዚ ናትና ገዛ ዘይምውናንኪ ሕጉስቲ ከምዘይኮንኪ ይርደኣኒ’ዩ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ግን ንሃገርክን ንህዝብኽን ከምዞም ብወያነ ተዓሲቦም ንመንግስቶም ዝቃወሙ ዘለዉ ኣሕዋትና ክትኮኒ ብፍጹም ኣይደልየክን’የ።”

“ዘነበሽ ሓውተይ ከምኣቶም ንበደል መንግስቲ ኤርትራ ዓገብ ክብል ትብዓትን ዓቕምን የብለይን፣ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ርእዩዎ ዘይፈልጥ ሓሳረ መከራ ዘውርደሉ ዘሎ መንግስቲ ግን ካብ መዓስ’ዩ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኮይኑ!? ነቲ ጸይቂ ስራሑ ምቅዋም ማለትስ ንህዝብን ንሃገርን ምቅዋም ማለት’ዩ!? ፈሊጥኪ ዘነበሽ ሓውተይ፡ ንሕና ኤርትራውያን ካብ ድንቁርናን ክፍኣትን ናጻ ኔርና እንተንኸውን መዋእልና ክንስደድን ክንበታትንስ ይትረፍ ንስደተኛታት ተቐቢልና ከነዐቁብን ከምዞም ሕጂ ዝቕልቡና ዘለዉ ክንቅልብን ዘኽእል መሬትን ባሕርን ኣምላኽ ስለ ዝዓደለና መዕቈብቲ ሽጉራት ምኾንና ኔርና።
ብሰሪ ክፍኣትናን ድንቁርናናን ግን እንሆ መወዳእታ ኣብዘይብሉ ድኽነትን ስደትን ምንባርና ከይኣክል ኣብ ሃገርና ንዘዝመጸ ሓያል እናተንበርከኽናውን ተረጊጽና ንነብር ኣለና! ካብዚ ዝኸፍእ ነገር የለን ዘነበሽ ሓውተይ! ንዓማጺኻ ምድጋፍ ክልተሳዕ ሞት’ዩ! ስለዚ፡ ኣነ ንናይ ሓሶትን ናይ ጥፍኣትን ጓይላ ዝኸውን ሩዝ ኣይሰርሕን’የ። ናብ ዓደይ ምምልላስን ስድራይ ምርኣይን መታን ከይከልኡኒ ግን ኣፈይን እግረይን ኣኪበ ክሳዕ ዝወግሕ ትም ክብል’የ። ንስኺ ግን ምርጫኺ ትገብሪ ዘነበሽ ሓውተይ፡ ሕውነትና ከም ቀደምና።”
“ሕራይ ደሓን ሚዛን ሓብተይ፡ ከይደ በሊ ደሓን ኣምስዪ”
“ሰናይ ምሸት ዘነበሸይ”

መንግስቲ ሓላፊ ህዝቢ ነባሪ’ዩ እዩ’ሞ ብዝሓልፍ መንግስቲ ሕልናና ቀቲልና፡ ንዘይሓልፍ ሕውነትና፡ ምሕዝነትናን ፍቕርናን ኣይነበላሹ!

ብኾፍካ ቀሊቡ፡ መሰልካ ሓልዩ፡ ብሰላም ንዘናብረካ ዘሎ መንግስቲ ክትቃወም፣ መሰልካ ረጊጹ ክብረትካ ግሂሱ፡ ንዝበታትነካ ዘሎ ስርዓት ድማ ክትድግፍ ምፍታን ዕርበት ሕልና ጥራይ ዘይኮነስ ቅትለት ሰብኣውነት እውን’ዩ!

እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 17/03/2018

Share with friends:



ሳልሳይ መልእኽቲ፡ ሕልናና ንመርምር ነቲ ዝተሰርቅናዮ ሃገራዊ ሰላማ ንምለስ


See also recent articles by Mesinas. ካልእ ናይ ቀረባ እዋን ጽሑፋት ብ'መሲናስ፡-

See more ተወሳኺ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ርአ፡-