40 ዓመታት ኮይኑ

15/07/2018 01:45 AM

40 ዓመታት ኮይኑ

by Kiki Tzeggai

40-years-today

ሓርበኛ ስዉእ ብርሃነ ተስፋማርያም፡
ቅድሚ 40 ዓመት ኢትዮጵያ ዝቐተለቶ በዓል ኪዳነይ።

ብርሂን፡ ሰባት፡ ድሮ 40 ዓመት ኮይኑ እናበሉ ኣሃዛት ይቖጽሩ ኣለዉ። ንዓይ ግን እትረፍ ኣርባዓ ዓመት፡ ኣርባዕተ ሰዓት፡ ኣርባዕተ ደቒቕ እውን ኣይመስለንን’ዩ - ኣይኮነን ከኣ። ብርግጽ ኣይኮነን - መዓስ’ዶ ተፈላሊና ኢና ብርሂን፡ ብሓሳብን ዝኽርን እኮ ወትሩ ብሓንሳብ ኢና።

ኣይሃስስን ዝኽረይ ፡ ኣብታ ጸባብ ብፍቕሪ ዝማሞቐት ቤትና፡ ምስ ደቅና ኣብ ሓደ መኣዲ ዘሕለፍናዮ ሂወት። ብዛዕባኡ እሓስብ እሞ መመሊሰ እናፍቐካ። ኣብ መኣድናን ጸሎትናን ከአ ወትሩ ምሳና ኣለኻ - ፈጺምካ ኣይተፈለኻናን።

ኣብቲ ሕሱም እዋን፡ ህዝብና ክርህዎ፡ ክቐስን፡ ሰላምን ፍቕርን ክወርዶ፡ ብኹሉ እትኽእሎ ክትቃለስ : እዝክረካ። ግን ነታ ሕስምቲ እዋን’ሲ፡ በጃ ሓሊፍካላ’ምበር፡ ኣይወጻእካያን።

ብርሂን፡ ኣብ ንእስነተይ ብፍቕሪ፡ ኣብ ሕቕፎኻ ማሚቘ ክነብር ብሂገ፡ ሓሪኻኒ ሓርየካ - ተመርዕየካ ። ግን ከም ዝተመነኹዎ ኣይኮነለይን። ካብ ደቅኻን ሓዳርካን፡ ንህዝብኻ ኣቐዲምካ፡ ካብ ፍቕርን ንእስነትን፡ ንሃገራዊ ዕማም ሓሪኻ፡ ንሓደ ፍቱዉ፡ ብሩኽ፡ ቅኑዕን ለጋስን ሰብ ከኣ፡ ሰብ ጥራሕ ኣይኮነን ዝሃርፎን ዝብህጎን፡ ፈጣሪ እውን ይመርጾ እዩ፡ ተመሪጽካ።

ዋላ’ኳ በቶም ጨካናት ገዛእትና ብግፍዒ ህይወትካ እንተሓለፈት፡ ብኣካልን ብመንፈስን ኣይተፈለኻንን። ምስልኻ ከም ድሙቕ ቀስተ-ደመና ኣብ ሰማይ ደሚቑ እርእዮ። ድምጽኻን ቃላትካን በትረይን ምርኩሰይን ኮይኑ የጸናንዓኒ። ኩሉ ሳዕ ምሳይ ኢኻ ብርሂን!

ኣብ ገዛና፡ ምስ መቓልስትኻ ብጾት ኰንካ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ፡ መከራ፡ ሃድንን መቕተልትን እናልዓልኩም ክትዝትዩ እዝከረኒ። “ እዚ ህዝቢ እዚ ንሕና በጃ እንተዘይሓሊፍናሉ፡ ዝተጋህሰ መሰልናን ክብረትናን ክንመልስ እንተዘይተወፊናን፡ ወትሩ ኣብ ጸልማት ክነብር እዩ! ” ኢልኩም ክትሕርኑ ከሎኹም ወትሩ ይራኣየኒ ብርሂነይ።

“መሰል ህዝበይ ይረጋገጽ፡ ዓመጽን ግፍዕን ይእከል” ኢልካ ዝመከትካዮም ገዛእቲ ስርዓት ደርግ፡ ካባይ ካብ በዓልቲ ቤትካን ዕሽላት ደቅኻን መንዚዖም ኣብ ናይ ጦርሰራዊት ጂፕ መኪና ጽዒኖም ወሲዶም ንሓዋሩ ሰዊሮሙኻ ብርሂን። ንዓኻ ንሓደ ብርሃነ፡ ንዓኻ ንሓደ ጅግና ኤርትራዊ ክደልዩ ኣስታት 80 ዝኾኑ ዕስለ ወተሃደራትን ዓፋኝን ናይ ኢትዮጵያ ንገዛና ክወሩዋ፤ ንዓይን ንደቅኻን ብፍሽኽታ ክትፍለየና፡ ትብዓትካን ጀግንነትካን ወትሩ ኣብ ሕልናይ ተቐሪጹ ኣሎ። ኣብ ዘለኻዮ ቦታ ክሳብ ዘርክበካ ኸኣ፡ ወትሩ ምስ ደቅና ብሓበን እዝክረካ ኣለኹ።

እቶም ዓፋኝ ክወስዱኻ እንከለዉ ናይ ሞራል ፍሽኽታ ኣስኒቕካና ክትፋነወና እንከለኻ፡ ፈጺመ ኣይርስዖን። ነቲ ክሳብ መስዋእቲ ክትከፍለሉ ኣሚንካ ዝተሰለፍካሉ ዕላማ፡ ዋላ እውን ሞት እናንጸላለወካ፡ ኣይደነንካን። “ ኣጆኺ ትብዒ!” ስለዝበልካኒ ብድሕሬኻ ተቢዐ፡ ጽዒረ። ብመንፈስካን ኣብ ኣእሙሮይ ብዝተቐርጸ ቃላትካን ተተባቢዐ እስጉም ኣለኹ። ሽምዓ ህዝቢ ኢኻ እሞ ብርሂነይ ብቐንዴልካ ንጓዓዝ ብምህላውና አመስግነካ። ሓንቲ መዓልቲ ከኣ ንኹላትና ብሓባር ክርህወና እዩ።

ትምህርትን፡ ምዉቕ ሓዳርን ዕምበባ ደቅኻን ሓዲግካ፡ ምእንቲ ህዝብኻ፡ ቃልስን መስዋእትን ኣቐዲምካ፤ ቀለቤት ኪዳንካ ከይተረፈ ንሃገር ከፊልካዮ ብርሂን - ንከስተንፍስ ነዛ ቃል እዚኣ ሎሚ የውጽኣ ኣለኹ።

ብርሂን፡ ንሓለፍትኹም፡ ብፍቕሪ፡ ግን ከኣ ብትብዓት ትነቕፉዎምን ትእርምዎምን ክምዝነበርኩም’ዶ ክነግር። እወ እቲ ዝፈልጦስ ንሰማዒ ክነግሮ ኣለኒ። ክሳብ ሎሚ እኳ፡ ተቓለሳይ ብጾቱ ደኣ ይነግሩሉ እምበር ዝፈጸሞ ጀግንነት ኣይዛረበሉን እዩ፡ እትብል ዘረባ ወትሩ እያ ንድሕሪት ክትጎትተኒ ጸኒሓ። ሎሚ ግን እቲ ዝፈልጦ ክብሎ ውሽጠይ እደፋፍኣኒ ኣሎ። ካባይ ካብ በዓልቲ ቤትካ ንላዕሊ እቶም ናይ ምስጢር ብጾትካ እዮም ዝፈልጡኻ እሞ ወዮ ደኣ ዳርጋ ኩሎም ብመስዋእቲ ስዒቦሙኻ እዮም እምበር፡ እቶም ውሑዳት ዝተረፉ ነቲ ዝፈልጡዎ ክዛረብሉ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እላበዎም።

ሓቂ ዘቐደመ ሰብ ኣይፈርሕን እዩ - ኣብ ቅድሚ ጸላአቲ ኣይፈራሕካን ኣይጃጀኻን፡ ምእንቲ ህዝቡ በጃ ዝውፈ ንዝኾነ ዝመጽኦን ክመጽኦ ዝኽእል እዩ ዝውፈ እሞ ተወፊኻ - ርግጸኛ እየ ድማ ብትብዓትካን ጽንዓትካን ጸላእትና እውን ተደኒቖም እዮም። ካብ ኣብ ዓውደ ኩናት ፊት ንፊት ገጢምካ ክትስዋእ፡ ኣብ ኢድ ጸላእቲ ወዲቕካ ምስጢርካ አሕሊፍካ ንከይትህብ ንኹሉ ዘሰቅቕ መርመራን ማህረምትን ጸይርካ መስዋእቲ ምምራጽ፡ እቲ ካብ ኩሉ ዝኸበደ ተወፋይነት እዩ።

ኣብ ገዛና፡ “ጀብሃን ሻዕቢያን ከይበልና ንሃገራዊ ዕላማን ናጽነትን ብሓባር ንስራሕ፡ ንሕና ኣብ ኣፍንጫ ጸላኢ ኮይንና ጀብሃ ሻዕቢያ ክንብል ኣይንደልን ኢና። መራሕቲ እውን ኣብ በረኻ ነዚ ስምዒት እዚ ይኣርምዎ። ጸላኢና ጀብሃን ሻዕቢያን ኢሉ ኣይፈላልን እዩ፤ ኩላትና ኢና ጸላእቱ። ህዝብና ከም የማናይን ጸጋማይን ዓይኑ እዩ ዝርእየና። ስለዚ ንምንታይ ኢና ፍልልያትና ኣወንዚፍና ሓቢርና ዘይንሰርሕ” ኢልካ ክትንድር ስለዝዝክር ክምስክረልካ እደሊ ብርሂን ሓወይ።

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሉኹም እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ፡ ዛጊት ዘይተነግረ ክንደይ ዘደንቕ ቅያ ፈጺሞም ብጀግንነት ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ብጾትካ ብጾተይ ክዝክሮም እደሊ ብርሂን።

Photo of Martyrs’ cemetery
by Haile/Duruee (August 2001)

ኣብታ ጸባብን ምውቕትን ገዛና ምስ በዓል ቫይናክ (ገፊሕ ጁባ) ፈዳይን መሳርሕትኻ ክትመክር መኺርካ ከተተግበር እዝክሮ። ደድሕሪ ዝተፈላለየ ስርሒት ንሓንሳብ ብትሑት ድምጺ ኣብ ሓድሓድኩም፡ ንሓንሳብ ብሓባር ወጃዕ እናበልኩም ሞትን መስዋእትን ንዝሓትት ከቢድ ዕማም፡ ከም ተራ ስራሕ ክትዛረቡሉን ክትመኽርሉን እውን እዝክር። ንዓኻ ክቡር ፍቕረይ እናዘከርኩ ከኣ፡ ከማይ፡ ኣሚነን ተሰዊኡወን ዝዘኽተማ፡ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኮይነን ደቀን ዘዕበያ ሰብ-ቅናት ጀጋኑ ዕጡቓት ኣሓተይ ይዝክረን፡ ብዝሓለፍኩምን ብእንስዕበኩምን ምቃል ጎድንኹም እሕበን ኣሎኹ ብርሂነይ።

ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዱዎ ግፍዕን በደልን ብቓላት ገሊጽካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ንዓኻ እናኽዝክር ንድሕሪት ንሰብዓታት ይምለስ እሞ ዓፋኝ ንከተማ ኣስመራ ብደምን ራዕድን ከናውጽዋ፡ ንስኻ፡ በዓል ቫይናክ፡ ኣለም/ሻዕቢያ፡ እስቲፋኖስ፡ በዓል ደሱ ብጾትካ፡ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኰንኩም ንድሕነት ህዝብኹም ከይደቀስኩም ክትሓድሩን ጸላእትኹም ከተባህርሩን እዝክር። ንኹሎም እቶም ኣብ፡- እንዳ ኣፍራስ፡ ሓዝሓዝ፡ ሰምበል፡ ኣብ ኤክስፖን ማርያም ግምቢን ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሃገራውያን፡ ታሪኽኩም ኣብ መዝገብ ክብሪ ተሰኒዱ ስለዘሎ፡ ቅሰኑ ክብለኩም እደሊ።

ቃልሲ ሓፋሽ ተጎሃሂሩ፡ ገሌኹም ተኣሲርኩም፡ ኣብ ማእሰርቲ ብጅግንነት ሓሊፍኩም፡ ገሌኹም ንሜዳ ገሌኹም ንስደት ፋሕ ፋሕ ኢልኩም። ግን ብመንፈስን ሕልናን ኣይተፈላለኹምን፡ ዝበዛሕኩም ብኽብረት ሓሊፍኩም።

ብርሂን፡ “ ፍቕሪ ተባዕ እዩ!” ዝብል ናይ ወትሩ ቃልካ ከም ሕሱም እዩ ኣትቢዑኒ። ኣብቲ ጸልማት፡ ቀንዴል፡ ኣብቲ ሽግር ድማ ተስፋ ኮይኑኒ ኣሎ።

ድሮ ኣርብዓ ዓመታት ኮይኑ ካብታ July 15, 1978!! እቲ ኣርብዓ ዓመታት ግን ንዓይ፡- ኣርባዕተ ዓመት ኣይኮነን፡ ኣርባዕተ መዓልቲ እውን ኣይኮነን፡ ኣርባዕተ ደቒቕ እውን ኮይኑ ኣይስመዓኒን፡ ወትሩ ካብ ዝኽረይን ሓሳበይን ተፈሊኻ ስለዘይትፈልጥ፡ እንቋዕ ናተይ ኮንካ ብርሂን - ህያበይ ክብረተይ!

ቅሰን! ወትሩ ኣብ ልበይ ህያው ኢኻ። ክብርን ሓበንን ንዓኻ ጅግና ብርሂን ተስፋማሪያም!

ቀንዴል ጸልማት - ብርሃን ልቢ - ብርሂን ሓበነይ!!

ካብ ኣፋ ወትሩ ዘይተውድቐካ: ትናፍቐካን በዓልቲ ኪዳንካን፡ ኪኪ ጸጋይ!! (ፍቕረይ ዝበልካኒ)
July 15, 2018

Kiki and Berhane


"Of all the forces that make for a better world, none is so powerful as hope. With hope, one can think, one can work, one can dream. If you have hope, you have everything."

" Peace is a wall we will all create by building it brick-by-brick together". (Trade mark)


Share with friends:


ቅሰኑ ሰማእታትና!


See also Related:


See also recent Articles by Kiki Tzeggai:



Share with friends: