Home  About us   Contact us

Copyright © www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

October 2017 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና



31/10/2017 19:55 PM

BREAKING NEWS ሓድሽ ሓበሬታ

ASMARA (ኣስመራ)

ሎሚ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017፡ ከተማ ኣስመራ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ብወተሃደራት ዝተፈነወ ተኹሲ ተናዊጻ ውዒላ።

Live Gun-shots stormed by Eritrean Military, against protesters, stirred the peaceful atmosphere in Asmara today, 31 October 2017.

ኣባትርን ኣእማንን ሴፍን ዝሓዙ Moslem ካብ እኽሪያ ተኣኻኺቦም ብዙሕ ህዝቢ ኣብ መንገዲ እንዳ ተሓወሶም ሕጂ ሰዓት 5፥00 ድ፡ቐ ንመስጊድ ጃምዕ(ሜዳ ኤርትራ) ብምምጻእ ነቲ Micro phone ናይቲ መስጊድ መንጢሎም ኣንጻር መንግስቲ ንለዓል፡ጭቆናና ያኣክል፡ ኣላህ ዋኣክበር! እንበሉ ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ክኣትዉ ፈቲኖም፡ብዝሒ ዘሎዎም ሰራዊትን ኣባላት ጸጥታን መጺኦም ከተማ ብቶኽሲ ኣጸልሚቶማ ኣለው! እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ሎሚ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017፡ ድሕሪ-ቀትሪ፡ ብ facebook messenger፡ ክዝርጋሕ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኢዩ። መንግስቲ ኣመሪካ እውን፡ ነዚ ናዕቢ ኣመልኪቱ፡ ዜጋታቱ ክጥንቀቑ ሓበሬታ ኣውጺኡ ኣሎ (ኣብዚ ጠውቑ)። ኣብ ህይወት ዝወረደ ጉድኣት ጋና ዝተረኽበ ሓበሬታ ወይ ጽንጽንታ የለን።

     እነሆ ድማ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝመጸ ናይ ሞባይል ቪድዮ ሓበሬታ (Mobile Video Evidence)፡-

 Vodeo-1: Video-2: Video-3: Video-4: Video-5:

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



31/10/2017 00:15 AM

ህዝባዊ ሰሚናር Public Seminar

ኣብ ኤርትራዊ መንነት ኣንጠልጢሉ ዘሎ ፍርሒ - ኣራዳድኣኡን ኣፈታትሓኡን።

Threats to the Eritrean National Identity - Concepts and Processes.

by Memhr Zen AlAbdin Shokay.

ብመምህር ዜን ኣልዓብዲን ሾካይ።

ኣብ ቢርሚንግሃም Birmingham (11/11/2017):

ኣብ ሎንዶን London (12/112017):

ኩልኹም ክትሳተፉ፡ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣሎኹም። All are cordially invited to attend. Read more




29/10/2017 12:06 PM

ጸሎተ-ፍትሓት

ነፍስሔር ወ/ሮ ኣበባ ተኽለ


ጸሎተ-ፍትሓት ነፍስሔር ወይዘሮ ኣበባ ተኽለ፡ ንሰሉስ ዕለት 31/10/2017 ኣብ ሰዓት 11፡00 ቅድሚ-ቀትሪ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል (ኣድራሻ፡- 78 Edmund Street, London SE5 7NR ) ክካየድ እዩ። ፍትሓት ምስ ተዛዘመ፡ ኩልና ናብ’ቲ ንሳልስቲ ሓዘን ዝተኻየደሉ ኣዳራሽ ማለት፡- ናብ Fenwick Hall, 28 Wellington Road, London SW9 9NN  ብምኻድ፡ ናይ መፋነዊ እንግዶትና ክትቋደሱ ብኣኽብሮት ንሕብር።

ኣቶ ቴድሮስ ተኽለ፡ ምስ ሙሉኣት ስድራቤት

ሙሉእ ሓበሬታ:- ኣብዚ ጠውቑ Read more




28/10/2017 23:454 PM   

ተራ ኣወንታዊ መሪሕነት ኣብ ቃልሲ

ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ::

The role of Positive Leadership in the Struggle for Democratic Transition in Eritrea.

Seminar by Dr G. Gebremariam

ብ’ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም

[Hdri Jeganuna Paltalk Room ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና]

ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም፡ ወትሩ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና፡ ስሩዕ ወርሓዊ  ኣስተምህሮ ዘቕርበልና ዘሎ ምሁር ኤርትራዊ ኢዩ። ኣብዚ ናይ ቀዳም ዘቕረቦ ኣርእስቲ፡- ተራ ኣወንታዊ መሪሕነት ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ: ዝብል ኢዩ። Dr. Gebre Gebremariam’s monthly Seminar at Eritrean Hidri Jeganuna Official Paltalk Room, this Saturday, focuses on: The role of Positive Leadership in the Struggle for Democratic Transition in Eritrea.

 1ይ ክፋል (28-Oct-2017)፡  2ይ ክፋል (28-Oct-2017)፡  

 3ይ ክፋል (28-Oct-2017)፡  4ይ ክፋል (28-Oct-2017)

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



28/10/2017 18:41 PM

Sheila B. Keetharuth (Special Rapporteur on Eritrea) at the Third Committee, 32nd meeting - General Assembly, 72nd session

26 Oct 2017 -  Remarks by Ms. Sheila B. Keetharuth, first Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea, at the 32nd meeting of the Third Committee.

መግለጺ ፍልይቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ጸብጻቢት፡ ወይዘሮ ሸይላ ኪታሩት፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብ 3ይ ኣኼባ ሽማግለ፡ መበል 32 ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መበል 72 መጋባእያ፡ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2017፡ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ኢዩ። Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-




28/10/2017 17:26 PM

ERITREAN UNITY FOR JUSTICE – UK  ሓድነት ኤርትራዉያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ

ጋዜጣዊ መግለጺ

ጋዜጣዊ መግለጺ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ - ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ህጹጽ መጸዋዕታ `ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ሕዝባዊ ምንቅስቓስ።`

 ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ “ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ሕዝባዊ ምንቅስቓስ” ዜውጽእዎ፥ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ዘተኮረ ህጹጽ መጸዋዕታ ኩላትና ርኢናዮ ኣለና። ንኹላትና ኤርትራውያን ወኪሉ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝነጥፍ ኣካል ንኽፍጠር እጃምና ከነበርክት ከምዝኾንና ደጋጊምና ገሊጽና ኔርና ኢና። እዚ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ሕዝባዊ ምንቅስቓስ ኣውጺኦምዎ ዘለዉ ህጹጽ መጸዋዕታ ድማ፥ ነቲ ካብ ነዊሕ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና ዕላማ ኬተግብር ዝሃቀነ መጸዋዕታ ስለ ዝኾነ፥ ሓንጎፋይ ኢልና ተቐቢልናዮ ኣለና። ንምዕዋቱ ድማ ዝካኣለና ክንጽዕር ምዃና ከነረጋግጽ ንፈቱ።  Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-




24/10/2017 15:45 PM

Interview with Eritrea President Isaias Afewerki. ለመሕትት ምስ ፕረ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

 (October 7, 2017).

[ERi-TV]

ኣብዚ ቃለመሕትት’ዚ፡-ረ. ኢሳይያስ፡ ንኩነታት ቁጠባ፡ ኩነታት ባጤራ ናቕፋን ሓዋላን፡ ኩነታት ብሕታዊ ቁጠባ ከመይ ይመስል ኣሎ? ንዕኡ ንምትብባዕ’ከ እንታይ ዝግበር ጻዕሪ ኣሎ? ክወጹ ዝጸንሑ ፖሊሲታትን ውጽኢቶምን’ከ ከመይ ይግምገም? ወዘተ ዝምልከቱ ሕቶታት ኣልዒሉ መልሲ ሂቡሎም ኣሎ።

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-





24/10/2017 14:47 PM

ናይ ሳንታ ሮዛ ኤርትራውያን ባርዕ-ሓዊ

ረድኤት ወፈያ ዝምልከት ጻውዒት

Santa Rosa Wildfire Eritrean Relief Fund

ብሰንኪ ናይ ተፈጥሮኣዊ ባርዕ-ሓዊ ዝተላዕለ ብዙሓት ቤተሰባት ኣብ ንብረቶም ይኹን ሂወቶም ጉድኣት ከምዝበጽሖም ኣብ ቴለቪጅን ይኹን ካልእ ናይ ብዙሓን መራኸቢ ተቓሊሑ ኢዩ። ካብዞም ግዳይ እዚ ሓዊ ከኣ ተፈናቒሎም ኣብ ዓቢ ሽግር ወዲቖም ስለዘለዉ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዮም ርዱእ ኢዩ።...በዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሓበሬታ ብምውካስ ነዞም ኤርትራውያን የሕዋትና ንምሕጋዝ ንበገስ። እቲ ሰናይ ዝኾነ ብኽብሪ ክዕቀብ ዝግብኦ ናይ ምትሕግጋዝ ባህልን ሃብትን ናይ ኣቦታትና ንመጻኢ ወለዶ ንኽመሓላለፍን ንኽውረስን አእጃምና ነበርክት። Read more

Santa Rosa Wildfire Eritrean Relief Fund.

Entire neighborhoods were scorched beyond recognition in and around the city of Santa Rosa, California since October 10, 2017. 9 Eritrean Family homes were lostdge, to the fire. Several Eritrean families have also been displaced with their apartments burned down. Concerned Eritreans have formed this Fund in collaboration with the Santa Rosa Wildfire Victims Committee and in partnership with Eritreans at Large with a goal of raising $120,000 for the displaced families.Read more




22/10/2017 12:30 PM

ዕላል ምስ ኣቶ እምነቱ ተስፋይ።

መመሊሱ ዘደንጹ ተወፋይነት ኤርትራውያን!

Interview Librarian Emnetu Tesfay.

(his support to EPLF. Historical projects during the struggele.) (Part-3)

[TV-Sened Eritra ቲቪ ሰነድ ኤርትራ]

ኣቶ እምነቱ ተስፋይ፡ ኣብቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝካየድ ዝነበረ እዋን ቃልሲ፡ ዓቢይ እጃም ዝነበሮ፡ ሕጂ ድማ፡ ታሪኽ ህይወት፡ ናይ ፍሉይ ታሪኽን ኣበርክቶን ዝነበሮም ፍሉጣት ኤርትራውያን፡ ኣብ ምስናድ፡ ከይተሓለለ! ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን ሓው ኢዩ። ፍርያቱ: ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ እምነቱ.ኮም (www.Emnetu.com) ብምስናድ፡ ንኹሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ተነባቢ ከምዝኸውን ገይሩዎ ኣሎ። ሃብታም ተመኩሮኡ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ጠቓሚ ስለዝኾነ፡ ብጽሞና ክንከታተሎን ክንመሃረሉን ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ታሪኽ'ዚ፡ እቶም ምንም ታራ ዘይነበሮም ዝመስሉ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ክሳብ ክንደይ ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝነበሮም፡ ከነስተውዕል ዝሕግዘና ኣጋጣሚ ኢዩ።   1ይ ክፋል (29-Apr-2017)

 2ይ ክፋል (14-Oct-2017)፡  3ይ ክፋል (22-Oct-2017)




21/10/2017 20:18 PM

ምምሕዳር ትራምፕ

ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት መደብ ከምዘለዎ ይሕበር ኣሎ።

ዛጊት እንታይ ተገይሩ ኣሎ፤ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ናበይ ገጹ ኪቐንዕ ይኽእል።(1ይ ክፋል)

[EriMedrek]

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ጽልዋ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብህዝባዊት ሪፑብሊክ ቻይና ይዕብለል ኣሎ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሑ ምህላዉ ይሕበር።

     እቲ ገምጋም መንግስታት ጅቡቲን ኢትዮጲያን ንቻይና ልዕሊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ይሰርዓኣ ኣለዋ፡ ዝምድናታተን ቀዳምነቱ ምስ ሪፑብሊክ ቻይና ጌረነኦ ስለዘለዋ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸንሓ ጽልዋ እንዳሃሰሰ ኪኸይድ ጸኒሑ ኣሎ ዝብል ኢዩ።

     ካብዚ ስትራተጂካዊ ገምጋም ብምብጋስ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብህጹጽ ካልእ ኣማራጺ ኪትረክብ ይግባእ ዝብል ናይ ሃገራዊ ድሕነት ስትራተጂ ክትክተል መሪጻ ኣላ። እዚ ማለት እቲ ኣብ 2002 ዝወጸ ንኢትዮጲያን ኬንያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘቐመጠ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ይቕለስ ኣሎ ማለትዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ መደምደምታ ኢዩ ድማ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ኪምስርት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘተ ተጸሚዱ ዘሎ። Read more




21/10/2017 20:18 PM

ብቅልውላዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝዘተየ ዋዕላ ብራሰለስ

[BBC-Tigrinya ቢቢሲ ትግርኛ]

ኤርትራውያንን ኣህጉራውያንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ትማሊ 19ን ሎሚ 20 ጥቅምትን "ኤርትራን ቅልውላው ስደተኛታትን" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቤልጂም፡ ብራስለስ ዋዕላ ኣካይዶም።

ኣብቲ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጽኡ ኣስታት 100 ዝኣኽሉ ኤርትራውያንን ኣህጉራውያንን ተሓለቕቲ ስደተኛታት፡ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ፓርላመንት ሕብረት-ኤውሮጳን መሻርኽትን ዝተሳተፉዎ ዋዕላ፡ Read more:

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-




21/10/2017 18:13 PM

መርድእ

ክብርትን ፍትውትን ሓፍትና ወይዘሮ ኣበባ ተኽለ፡ ብዝሓደራ ውሽጣዊ ሕማም ንነዊሕ እዋን ኣብ ሆስፒታል ክትሕከምን ክትእለን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብኹሎም ቤተሰባን ፈተውታን ተኸቢባ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 20 ጥቅምቲ (ኣብ መበል 79 ዕድሜኣ) ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብሰላም ዓሪፋ። በዚ ምኽንያት’ዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝካየድ ናይ ምብጻሕን ምጽንናዕን መደባት ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣድራሻን መዓልታትን ሰዓታትን ተዳልዩ ከም ዘሎ ብኣኽብሮት ንሕብር።

ኣቶ ቴድሮስ ተኽለ፡ ምስ ሙሉኣት ስድራቤት

ሙሉእ ሓበሬታ:- ኣብዚ ጠውቑ Read more



20/10/2017 03:57 AM

ምሕደራ ባጤራ ናቕፋን ማሕበረ-ቁጠባዊ ስምብራቱን

Eritrean currency, Nacfa, its Administration and socioeconomic impacts

ብ'ዶር ገብረመስቀል ገብረማሪያም by Dr. Gebre Gebremariam,

VirginiaTeck University, Department of Economics.


መቸስ፡ ባጤራ እንታይ ኢዩ ኢለ እንተዝሓተኩም፡ “ምስራኣናዮ ንፈልጦ”፡ ኣርእና’ሞ ክንነግረካ ከምትብሉን ኣይጠራጠርን ኢየ። ባጤራ ዳኣ፡ እዚ “ናቕፋ፣ ዶላር፣ ዩሮ፤ የን፣ ቅርሺ፣ ሪያል፣ ዲናር፣ ፐሶ፣ ራንዲ፣ ፓውንድ ኢስተርሊንግ፣ ክሮና፣ ወ.ዘ.ተ.” ዝባሃል ‘ወረቐት ወይ’ውን ሓጻውን’ ዶ ኸ ኣይኮነን’ውን ትብሉ ትኾኑ። እወ፡ ኣይተጋገኹምን፡ እዚኦም ኩሎም ኣስማት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ባጤራታት ኢዮም። ባጤራ ግን እቲ ‘ወረቐት ወይ’ውን ሓጻውን’ ዘይኮነስ፡ እቲ ብድሕሪኦም ዘሎ ሳይንሳዊ ሓሳብ/ጥበብ ኢዩ። ወዲ-ሰብ ንኣሻሓት ዓመታት ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ዘሎን ጥበብ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ-ሰብ እቲ ዝበልጸ ሳይንሳዊ ምህዞ (the greatest invention ever) ኢዩ እንዳተባህለ ኢዩ ዝግለጽ። ኣብዚ ነዊሕ ታሪኻዊ ጉዕዞ፡ Read more





19/10/2017 01:55 AM

STOP

ERITREAN DEPORTATIONS NOW!

ጻውዒት ንድሕነት 700

ኣብ ሓደጋ ምስጋግ ዝርከቡ ኤርትራውያን

ኣብ ኣመሪካ።


We – Americans of Eritrean descent – are calling for the U.S. government to save 700 of our fellow Eritreans who are here in America from imminent torture or death at the hands of the brutal, dictatorial regime that rules Eritrea.

     On September 13, 2017, the Department of Homeland Security (DHS) issued a directive to expedite the deportation of approximately 700 Eritreans from the U.S.  Those 700 – mostly law-abiding residents – appear to be at immediate risk of being sent home to Eritrea,

Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-




18/10/2017 17:26 PM

Eritrean orthodox tewahdo

ቃለ መሕትት ምስ

ዲበ ኩሉ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

2ይ ክፋል (14 Oct 2017)

 1ይ ክፋል (15-May-2017)፡  2ይ ክፋል (14-Oct-2017)




17/10/2017 13:21 PM

THE RISE AND FALL

OF SAN GIORGIO SCHOOL

AN APPEAL FOR RESTORATION AND RENNOVATION

ትንሳኤን ውድቀትን ቤት-ትምህርቲ ሳንጆርጆ።

ንምዕቃባን ንምሕዳሳን ዝግበር ዘሎ ጻውዒት።

by Dr, Tesfa G. Gebremedhin,

West Virginia University

እዚ ብ'ዶር ተስፋ ገብረመድህን፡ ዌስት ቪርጂኒያ ዩኒቨርሲቲ ሕ.መ.ኣ. ንኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያንን ፈተውቲን ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ኮይኑ፡ ነዚ ሰናይ ተበግሶ’ዚ ንምዕዋት፡ ኩልና ኤርትራውያን ክንተሓባበር ስኒትና (snitna.com) ትምሕጸን።  

Dear Brothers and Sisters,

Greetings to you from the Mountain State of West Virginia. I have to come back to you for an important concern. Allow me to send you the attached article I wrote on an appeal for the restoration and renovation of San Giorgio School. It is evident that some of you or at least some members of your immediate family or your relatives are former students of this school. The school is in bad shape. Its situation is the great concern of all of us because we all believe in advancing education in Eritrea. The story of San Giorgio School touches the life

Read more




16/10/2017 21:48 PM

I love Asmara because

by Kiki Tzeggai

I love Asmara for its’ own counterparts.

I love Asmara because I see me, a girl in mini skirt walking with her friend wearing hijab.

I love Asmara because it is not Europe, nor Middle East, nor Africa but a blend of all…the Red Sea included.

I love Asmara because we acted as if we were going to live forever. Read more




15/10/2017 21:10 PM

ድምጺ ኤርትራ (Voice of Eritrea) - ናዝ የማነ

Interview with Veteran Tesfay Temnewo

ምስ ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ

Voice of Eritrea presents Veteran Tesfay Temnewo, on Sunday, 24 September 2017. Tesfay TEMNEWO is a Veteran revolutionist of 1971- 78  with EPLF and the author of the book called "The Hidden Secrets of 40 years". At  present  Veteran Tesfay  lives in exile. All are cordially invited to participate. ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ፡ ካብ 1971 - 1978 ኣብ ህግሓኤ ተሰሊፉ ዝተጋደለን፡ ደራሲ ናይታ "ንኣርብዓ ዓመታት ዝተቐብረ ጉድ!" ዘርእስታ፡ ተመኩሮኡ ዝሰነደላ  መጽሓፍን ኢዩ። ኣብ ገበር መጽሓፉ፡ "ሕ/ሰብኣዊ ሽግር ብናይ ሓባር ቃልሲ'ዩ ዝፍታሕ" ክብል ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቀሪቡ’ውን ተመኩሮኡ ኣካፊሉ ኢዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገረ-ስደት ዝነብር ተስፋይ ተምነዎ፡ ጽባሕ ሰንበት ኣብቲ ልሙድ ሰዓት ኣብ ራድዮ ቀሪቡ ተመኩሮኡ ከካፍለና ተዳልዩ ኣሎ። ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ።

 1ይ ክፋል (24-Sep-2017)፡  2ይ ክፋል (01-Oct-2017)

 3ይ ክፋል (15-Oct-2017)

 ንምስታፍን ዝሓለፈኩም ንምስማዕን፡ ኣብዚ ጠውቑ




16/10/2017 01:22 AM

ተዘክሮታት ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡

ብማዕዶን ቀረባን

[BBC-Tigrinya ቢቢሲ ትግርኛ]

ኣብርሃም ኣፈወርቂ ካብዛ ዓለም ብሞት ካብ ዝፍለ 11 ዓመቱ ኮይኑ ኣሎ። ከም ብዙሓት በብእዋኑ ዝሓለፉ ህቡባት ድምጻውያን ከኣ፡ ብቐረባን ርሕቑን ብዝፈልጡዎ ሰማዕትን መሳርሕትን ን11 ዓመታት ይዝከር ኣሎ። እቶም ብርሑቑን ቀረባን ዝፈልጡዎ ከኣ ከከም ቅርበቶምን ኣፍልጦኦምን ነናይ ገዛእ ርእሶም ትዝታን ዝኽርን ኣለዎም። Read more






16/10/2017 01:22 AM

10 ናይ ምምኽኻር ነጥብታት

[EriMedrek]

ህዝቢ ኤርትራ ዳርጋ ንፍርቂ ዘመን ቅድም ብፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ደሓር ህይወት ኣእላፍ ኣሸሓት ብምኽፋል እዩ ናጽነቱ ጨቢጡ። እቲ ከቢድ ዋጋ ዝሓተተ ናጽነት ግን እቲ ህዝቢ ዝተመነዮ ሓርነት ወዲ ሰብ ኣየረጋገጸን ። እቲ ንሰውራ መሪሑ ዝኣተወ ውድብ ተልእኾኡን ህላዊኡን ብዉሑዳት ጉጅለ ስለዝተመንዘዐ፡ ዕላምኡ ተጨውዩ ጉዕዙኡ ኣንጻር ናይቲ ዝተበገሶ ማእዝን ሒዙ። ክንድዝኾነ ህዝቢ ካብታ ዝፈትዋ ሃገር ተሰዲዱን ተበታቲኑን እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ምንባር ጥራይ ዘይኮነስ ክብሪ ሙሟት ውን ተኸሊኡ ይነብር ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ህዝቢ’ዩ። ንዓመጽን ግፍዕን ተንበርኪኹ ዝቕበል ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ... Read more



14/10/2017 12:12 PM

ዛዕባ ጉዳይ ስግረ-ዶብ-ሃገራት ሰንጢቖም ዝሓልፉ ማያትን ወሓይዛትን፡ ንዕኡ ዝገዝኡ ውዕላትን።

Country-crossing-waters and Governing Treaties

[EriMedrek]

ሃገራት-ሰንጠቕ ማያትን ንዕኡ ዝገዝኡ ኣህጉራዊ ውዕላትን፡ ኣብ ዞባና ማለት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጺን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪን፡ ግደ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ’ዚን፡ ዝትንትን ኣዝዩ ኣገዳሲ መጽናዕታዊ ሓበሬታ ኢዩ። In this clip, information is given on Country-crossing-waters and Governing Treaties, and special emphasis is given to the Nile-River based rows between Ethiopia and Egypt and the handling of the issue by the neighbouring countries including Eritrea. ሙሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ listen full show፡-

         ራድዮ መድርኽ (EriMedrek Radio 13-Oct-2017)

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-





08/10/2017 21:36 PM

ድምጺ ኤርትራ (Voice of Eritrea) - ናዝ የማነ

ናይ Sunday 08 Oct Show መደብ

Naz - Open Mic with Asmarinos

ክፉት ዕላል ናዝ የማነ - ምስ ደቂ ኣስመራ

ክፉት ዕላል፡ ተዘክሮታት ኣብታ ናይ ቀደም ኣስመራ። ኣስመራ እወ እታ ኣደ ኹሉ፡ ኣደ ፍቕሪ፡ ሰሓቕን ስኒትን፡ ኣደ ስነጥበብን ጩራ ምዕባለን፡ ሓበን ናይ ኩልና ኤርትራውያንን ኢያ። ኤርትራውያን ከምኡ’ውን እቶም ኣብኣ ዝዓበና፡ ዝዓበናላ፡ ዝሰራሕናላ፡ እንዝክራን ናፍቖታ ዘሎናን፡ ብዙሕ ተዘክሮታትን ዕቑር ዛንታን ከምዘሎና ፍሉጥ ኢዩ። ብዙሓት ክዝከሩ ዝግብኦም ፍሉጣትን ኣብነታዊያንን ግለ-ሰባት፡ ኣዘናጋዕቲ ወዘተ እናዘከርና፡ ነቲ ዝኽሪ ናብዚ ሓድሽ ወለዶ ነመሓላልፎ። Reflections, memories and stories of our old days' Asmara. There is a lot to share with our young Eritrean generation and with those all who loved Asmara, our beloved Asmara. Let's remember all notable individuals and share stories about them!

 1ይ ክፋል (08-Oct-2017)

 ንምስታፍን ዝሓለፈኩም ንምስማዕን፡ ኣብዚ ጠውቑ



08/10/2017 16:21 PM

ዓምዲ ታሪኽ፡-

ሓጺር ታሪኽ ህይወት፡

ሓርበኛ ስዉእ ትኩእ ይሕደጎ

ኤርትራ፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት፡ ኣደናቒን ዘሐብንን ታሪኽ ዘለዎም ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ነይሮማን ኣለዉዋን። ምስ ታሪኽ ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ደቂ ሃገር ምልላይን ምፍላጦምን፡ ሓደ ኣካል ናይቲ ታሪኽናን ባህልናን ንምዕዛዝ እነካይዶ ስራሕ ኢዩ። እምበኣር፡ ኣብ ምምርማርን ምእካብን ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰነዳት ከይተሓለለ ዝጽዕር ዘሎ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ኣብ እዋን ቃልሲ ዕዙዝ ሃገራዊ ግቡኡ ዘበርከተ ኣያና እምነቱ ተስፋይ ኢዩ። ኣብቲ ንሱ ዘቖሞ ወብሳይት፡ (www.Emnetu.com) ብዙሕ መሃሪ ትሕዝቶ ሰፊሩ ኣሎ። ሎሚ፡ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ናይ ሓርበኛ ስዉእ ትኩእ ይደጎ ሒዙልና ቀሪቡ ኣሎ። ትኩእ ይሕደጎ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (Eritrean Liberation Movement)፡ ማለት፡ (ሓራካ) ዝነበረ ኾይኑ፡ ካብቶም ብእዋኑ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፎም ሃገራዊ ግቡኦም ዝኸፈሉ ሓደ ኢዩ። ዝርዝር ታሪኹ፡- ኣብዚ ጠውቑ Read more

See also Related ምስዚ ዝመሳሰል፡-



08/10/2017 16:21 PM

Pain and empathy

When the ant looks down at the elephant

by Kiki Tzeggai

When I go through a rough time in my life (too many to list and most uncalled for), I think of where empathy can be found.

We all think about empathy because it dribbles into each of us one time or the other.

In my life as an Eritrean woman and refugee with the advantage of having right to an European passport by birth, I never stopped watching other women struggling in the West as much as Eritreans. Some with health conditions, children, financial strain and husbands imprisoned for decades back home. Language barrier one of the most hunting obstacles. If I think about myself, I analyze the way I internalizes pain and try to give it a new understanding. Read more




05/10/2017 21:20 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

ብ’መሲናስ  24 ክፋል


‘ብዙሓት ካብቶም ኣባላት ባይቶ፡ ናብ ባይቶ ምእታው ማለት ንህዝቢ ምውካል ምዃኑ ኣይፈልጡን ዝነበሩ። ኣብ ባይቶ ምህላዎም ሽመት ወይ ጒትነት ኮይኑ’ዩ ዝረኣዮም ነይሩ። ሓድሽ ምርጫ እንተ ዝግበር ድማ፡ ኢትዮጵያ ብሰልዲ ዝግዝኡ ሽመት ዝደልዩ ዕሱባት ኣይምሰኣነትን። ሻቡ ሰልዲ ዘስድዖ መሊኡ’ዩ ዝነበረ።’ ቃል ኣባል ባይቶ ኤርትራ ነበር ኣቶ ዑመር ኣኪቶ

‘ኤርትራውያን ጉዳይ መጻኢ ዕድሎም የገድሶም ኣይነበረን። ልምዲ ኤርትራውያን ደድሕሪ ዝተዓወተን ደድሕሪ ሃብታምን ምጉያይ ጥራይ እዩ! ንዝኾነ ብገዛእቱ ዝተወሰነሉ ድማ ብልኡምነት ዝቕበል ህዝቢ’ዩ። ካብ ስልጣኔ ኤውሮጳ ዝረሓቐን ዘይርድኦን ከምኡውን ክምራሕ’ምበር ክመርሕ ዘይክእል፡ ኣብ ድሑር እምነታት ጥሒሉ፡ ግዜኡ ብኸንቱ ዘባኽን ናይ ምምሃርን ናይ ምስጓምን ተኽእሎ ዝተሓረሞ ህዝቢ’ዩ።’ ቃል እንግሊዛውያን ኣመሓደርቲ ኤርትራ ኣብ 1941 ዓ.ም.።...Read more



05/10/2017 21:20 PM

Global church body to intervene

in Ethiopia – Eritrea border dispute

[africanews]

ልኡኽ ዓለምለኻዊ ሕብረት ኣብያተክርስትያን፡ ጉዳይ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምፍታሕን ሰላም ንምምጻእን፡ ጸሎት ክገብርን ክሰርሕን ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ልኡኽ ኣብያተ ክርስትያናት ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ ኢዩ። Eritrea in its address to the United Nations 72nd General Assembly in September 2017 called for an end to what it said was Ethiopia's continued occupation of sovereign Eritrea. Eritrea described the act as a security risk to the entire Horn of Africa ...Read more

See also ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-




05/10/2017 02:29 AM

ERITREA:

URGENT NEED FOR NEW MODELS OF STRUGGLE AGAINST TYRANNY

By

A joint statement by “Our Voice” and

The New Eritrea Movement  

Introduction:  The Truth about Our Situation

Saying that “Eritrea is in an aferkubu situation” has now become a cliché.  But, there is some truth in it.    Most people will mention the needless impoverishment of the population, absence of civil liberties, no freedom of the press, no constitution, no independent judiciary, no parliament, etc.  The list is long.  To this should be added the loss of so many lives through wars, drowning at sea, deaths in the Sahara Desert or in the hands of the Rashaidas and the Bedouins and in the notorious prisons of EFDJ.   Read more

See also ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



04/10/2017 21:03 PM

ዓለምለኻዊ ተበግሶ: ንምድንፋዕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ።

ህጹጽ መጸዋዕታ!


15 ሕዳር 2017፡ ምልካዊ ስርዓት ንምውጋድ መናሃርያ ንግበራ

Read more




See also ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-




03/10/2017 01:45 AM

4ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ኤርትራውያን

ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱሳ (ኢጣልያ)

03 ጥቅምቲ 2013.

4th Anniversary of Eritrean Victims

in the sea of Lampedusa, 03 October 2013.


ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ብሓበራ!

ኣርባዕተ ዓመት ከምዚ ሎሚ (03 October 2013)፡ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ፡ ቆልዓ ሰበይቲን መንእሰያትን ዝርከቡዎም፡ ልዕሊ 350 ዝሓዘት መርከብ ብምጥሓላ፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ኣዝዩ ዘሰንበደ ፍጻሜ ኢዩ ነይሩ።

ሃገራት ዓለም ከምኡውን ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ነታ መዓልቲ፡ መዓልቲ ሓዘን ገይረን ዘኪረንኣ ውዒለንን ቀንየንን። ናይ ሓንቲ ምስ ዕሸላታ ዝጠሓለት ኣደን፡ ካብ ማህጸን ወጺኡ ገና ግን ብዕትብቲ ምስ ወላዲቱ ተላጊቡ ዝተረኽበ ህጻንን ምስረኣየ መላእ ንህዝቢ ዓለም ኣዝዩ ሰንዲዱን ኣስካሕኪሑን። እወ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ሰሚዕናዮን ርኢናዮን ዘይፈልጥ ፍጻሜ ኢዩ። ኤርትራዊት ወላዲት ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ሓሪሳ። ብኡ ኣቢላ ምስ ውላዳ ብዕትብቲ… Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-





02/10/2017 21:20 PM

Eritrea - Minister for Foreign Affairs addresses General Debate, 72nd Session of the General Assembly of the UN

(New York, 19 - 25 September 2017)

[UN Web-TV]

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፡ ኣቶ ዑስማን መሓመድ ሳልሕ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ውሕሃ፡ መግለጺ ኣቕሪቡ። ጽሟቕ ትሕዝቶኡ፡ መደብ ኤሪ-ቲቪ: ኣብ ታሕቲ ክስማዕ ይከኣል።

Osman Mohammed Saleh, Minister for Foreign Affairs of Eritrea, addresses the general debate of the 72nd Session of the General Assembly of the UN (New York, 19 - 25 September 2017).

See also Related:




01/10/2017 00:29 AM

ተጻብኦታት ኣብ ርእሲ ኤርትራዊ መንነትን ክብርን::

Threats to the Eritrean Identity & Respect.

by Dr G. Gebremariam ብ’ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም

ዕለት 30 September 2017

[Hdri Jeganuna Paltalk Room ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና ]

ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም፡ ወትሩ ስሩዕ ኣስተምህሮ ዘቕርበልና ዘሎ ምሁር ኤርትራዊ ኢዩ። ኣብዚ ናይ ቀዳም ዘቕረቦ ኣርእስቲ፡- "ሃገራውን (ውሽጣዊን) ጂኦ-ፖለቲካውን ተጻብኦታት ኣብ ርእሲ ኤርትራዊ መንነትን ክብርን" ዝብል እዋናዊን ኣገዳሲን ኣርእስቲ ኢዩ። Dr. Gebre Gebremariam’s Seminar focuses on “National and Geo-political Threats to the Eritrean Identity and Respect.

     1ይ ክፋል (30-10-2017)2ይ ክፋል (30-10-2017)

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print