4ይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱዛ

03/10/2017 01:45 AM

4ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ኤርትራውያን

ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱሳ (ኢጣልያ)

03 ጥቅምቲ 2013.

4th Anniversary of Eritrean Victims in the sea of Lampedusa, 03 October 2013.


4th Aniversary Lampedusa victims

 

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ብሓበራ!

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ከምዚ ሎሚ (03 October 2013)፡ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ፡ ቆልዓ ሰበይቲን መንእሰያትን ዝርከቡዎም፡ ልዕሊ 350 ሰባት ዝሓዘት መርከብ ብምጥሓላ፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ኣዝዩ ዘሰንበደ ፍጻሜ ኢዩ ነይሩ።

ሃገራት ዓለም ከምኡውን ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ነታ መዓልቲ፡ መዓልቲ ሓዘን ገይረን ዘኪረንኣ ውዒለንን ቀንየንን። ናይ ሓንቲ ምስ ዕሸላታ ዝጠሓለት ኣደን፡ ካብ ማህጸን ወጺኡ ገና ግን ብዕትብቲ ምስ ወላዲቱ ተላጊቡ ዝተረኽበ ህጻንን ምስረኣየ መላእ ንህዝቢ ዓለም ኣዝዩ ሰንቢዱን ኣስካሕኪሑን። እወ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ሰሚዕናዮን ርኢናዮን ዘይንፈልጥ ፍጻሜ ኢዩ። ኤርትራዊት ወላዲት ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ሓሪሳ። ብኡ ኣቢላ ምስ ውላዳ ብዕትብቲ ተታሓሒዛ ናብ ዓዲ እዝግሄራ ተዓዚራ፡ ምስ ካልኦት በራውር ውሉዳታ። እቶም ካብዚ መዓት ንስክላ ዝወጹ መላስ ኣውያት ኤርትራውያን ግዳያት፡ ክንደይ ካብኦም ውነኦም ኣጥፊኦም፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ናይ ዝኽሪ ምብህራር ይርከቡ ኣለዉ። ኣእምሮኦም ዝሰሓቱ ካብኦም ወይ ውን ካብ ቤተሰቦም እውን ኣይሳኣኑን።

እዚ ኹሉ ክኸውን ከሎ፡ ሃገረ-ኤርትራ፡ ከም ካልኦት ህዝቢ ዓለም፡ መዓልቲ ሓዘን ናይዞም ግዳያታን ደቃን ኣይኣወጀትን። ብመራሕ ብሔርና (ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ) ንስድራቤታት ግዳያት፡ ወግዓዊ መጸናንዒ ኣይተዋህበን። ብኣንጻሩ፡ እታ እንኮ ናይ ኤርትራ መራኸቢ ብዙሓን (ኤሪ-ቲቪ) ነዞም ግዳያት "ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት" ብምባል ኢያ ገሊጻቶም (ራድዮ ኤረና ስማዕ)። ህዝቢ መላእ ዓለም፡ ቤተሰብን ኤርትራውያንን ግን እቶም ግዳያት ኤርትራውያን ምዃኖም ኣረጋጊጹን ኣልቂሱሎምን ኢዩ። ሬሳታት እዞም ግዳያት ኤርትራውያን ናብ ሃገሩ ኣትዩ፡ ንቡር ስርዓተ-ቐብሪ ከይግበረሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝተፈላለየ ምስምሳት ስለዝገበረ፡ ሬሳታቶም ናብ መሬት ዓዱ ኣትዮ ንቡር ግብኣተ-መሬትን ቀብሪን ክግበረሎም ኣይተኻእለን። ክሳብ ሕጂ፡ ንኣርባዕተ ዓመት! እቲ ሬሳታት ድማ ኣብ ግዝያዊ ጋህሲ ኣብ ሃገረ-ኢጣልያ ኢዩ ተኸዚኑ ዝርከብ ኣሎ።
ዓገብ!

ራድዮ ኤረና ምስ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ዘካየደቶ ቃለመጠይቕ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኩነታት ብዝግባእ ይገልጾ ኢዩ፡-

እዚ ኣብ ላምፐዱሳ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢጣልያ ዘጋጠመ ብምዃኑ ደኣ ዓለማዊ ተፈላጥነት ረኺቡ'ምበር፡ ቅድሚኡን ድሕሪኡን'ሲ፡ ኤርትራውያን ዝሓዛ መራክብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒለን ነይረን ኢየን። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ውግእ ሊብያ፡ 400 ኤርትራውያን ዜጋታት ዝሓዘት መርከብ ብተወንጨፍቲ ተወቒዓ ምጥሓላ ዝዝከር ኢዩ። ብድሕሪኡ ድማ ዓመት መጸ፡ ብኣእዛንና ክንሰምዖ ዘቐንዙ፡ ዕረፍቲ ዘይብሉ ኣውያት ካብ ምስማዕ ኣይዓረፍናን። ንኣብነት ገለ ስእሊ ክኾነኩም፡ ጸብጻብ ዓለማዊ ውድብ ስደተኛታት International Organization of Migration (IOM) ከምዘመልክቶ፡- ኣብ 2015 ጥራይ፡ ብዓለም ጀረጃ፡5400 ስደተኛታት: መብዛሕትኦም ዶብ ወይ ባሕሪ ክሳገሩ ደሃዮም ጠፊኡ (ኣብዚ ርእ)። እቲ ካብ 2003 ዓም ኣቢሉ ምጽብጻብ ዝጅምር IOM: ክሳብ መወዳእታ 2015 ዓም፡ 496,598 ኤርትራውያን ከም እተሰዱ ይሕብር። ኣብተን ዝሰዓባ ዓመታት (2016 - 2017)፡ ማአከላይ ባሕሪ ቆሪጾም ናብ ኢጣልያ ዝኣተዉ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ እንምልከት፡ 20,718 ስደተኛታት ኣብ 2016፡ 5,325 ስደተኛታት ኣብ 2017 (ክሳብ 02 August 2017) ከምዝነበሩ ንርኢ። መሬት ከይበጽሑ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ወይ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ድማ ብዙሓት ኢዮም፡ (ዝርዝር ኣብዚ ተመልከት)።

ከም ግቡእ፡ ዝኾነ መንግስቲ ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ፖለቲካዊ መርገጺኦምን ካልእ ጉዳያቶምን ብዘየገድስ፡ ከም ዜጋታት ጥራይ፡ ኣብ እዋን ጸገሞም፡ ምእንቲ ድሕነቶም ደው ክብል፡ ክሕለቕን ክጣበቕን ኢዩ ዝግባእ። ኤርትራውያን ግን፡ ነዚ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰል ኢና ስኢንናዮ ዘሎና።

እምበኣር፡ እነሆ ሎሚ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2017፡ራብዓይ ዓመትና፡ ንጥፍኣት ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ላምፐዱሳ ብሓዘን ንዝክራ ኣሎና። እዛ ዕለት'ዚኣ ግን፡ ንኹለን እተን ቅድሚኣን ድሕሬኣን ክሳብ ሕጂ ህይወት ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ባሕሪን ሰሃራን ዝቕዘፈለን ዘሎ ዕለታት፡ እተዘኻኽረና መዓልቲ ኢያ። ስለዝኾነ፡ ኩልና ኤርትራውያን፡ ብሕልናን ብጸሎትን ክንዝክራ፡ እግዚኣብሔር ድማ ንኹሎም ስድራቤት ግዳያት ክበጽሖምን ከጸናንዖምን ክንልምን ይግባኣና።

እወ፡ ናይ ኣምላኽ መፍትሒ እቲ ዝዓበየን ልዕሊ ኹሉን ኢዩ። ነቲ እግዚኣብሔር ዝዓደለና ሕልና ኸኣ፡ ንቕኑዕን ንፍትሓዊን ዕላማ ክንጥቀመሉ ኢዩ ዝግባእ። ዝተጨኮኑን ዝተገፍዑን ሓራ ንክኾኑ ክንሰርሕ፡ ንገፋዕቲን ገበርቲ-እከይን ድማ ክንኩንን፡ ኣብ ጎኒ ፍትሒን ሰላምን ደው ክንብልን ክንውፈን ይግባእ።

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ደው ክብል ዝኽእል፡ ነቲ ሱር ወይ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ዝኸውን ዘሎ፡ ራዕዲን ሽበራን ዝመልኦ ምልካዊ ምሕደራ ናይ ሃገርና፡ ብናይ ሓባር ቃልሲ ምስዝእለ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ቦትኡ ድማ፡ ከም ሕልሚን ባህጊን ህዝቢ ኤርትራን ሰማእታቱን፡ በቲ ፍትሒን ርትዒን ዘረጋግጽ ቅዋማዊ ስርዓት ክንትክኦ ኣሎና። ሽዑ ኢዩ ሃገራዊ ክብርታትና፡ ኩርዓትናን መስተርሆትናን ዝረጋገጽ። ጸገም ሃገርና ከም ጸሓይ-ቀትሪ ድሙቕ ኢዩ ዘሎ። ስለዚ ጓል-መንገዲ ገዲፍና ናብቲ ናይ ሓባር ሸቶ፡ ማለት ምትካል ቅዋማዊ ስርዓት፡ ሓቢርና ክንጎዓዝ ይግባእ። እዚ ድማ ዘየላቡ ህጹጽ ዕማም ኢዩ።

ኤርትራዊ ሕልና ዘለዎ ሰብ፡ ሕጆውን ዳግማይ ክለዓልን ሬሳታት ናብ ዓዱ ተመሊሱ ክቕበርን ክጠልብ ኣለዎ።

ኤርትራ፡ ልባ ዝምልሰላን ንደቃ ካብ ጥፍኣት ዘድሕንን ስርዓት ይፍጠረላ።

ሰላም ንኹልኹም ደቂ ዓደይ ኤርትራውያን

ሓውኹም ዮውሃንስ ጸጋይ

ሎንዶን (03 October 2017)

Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-