GI-ህጹጽ መጸዋዕታ ንኩሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን

04/10/2017 21:03 PM

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

ህጹጽ መጸዋዕታ ንኩሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን

15 ጥቅምቲ 2017 – ምልካዊ ስርዓት ንምውጋድ መናሃርያ ንግበራ

01 ጥቅምቲ 2017


For Arabic version please click here

For English version please click here


GI ህጹጽ ጻውዒት

 

ክቡራት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፦

ከም ደለይቲን ተቓለስትን ንፍትሒ መጠን፣ በቲ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዝርከብ ኣሰቃቒ ኩነታት ከም ትሳቐዩን ትጉህዩን ጥርጥር የብልናን። ክብርቲ ሃገርና ህዝባ ተጓሕጉሑ ፣ ኣፍረይቲ ደቃ ካብ ሃገር ሃጽ ኢሎም ከም ዝጠፍኡ ይግበር ኣሎ። እቶም ካብ ሃገር ከምልጡ ዝኸኣሉ ከኣ፣ ናብ ኣሰቃቒ ሓደጋታት ክሳጥሑን፣ ኣብቲ ድሕሪ ክንደይ ስቓይ ክበጽሕዎ ዝኸኣሉ ናይ ምዕራብ ሃገራት ከይተረፈ ሰፍ ዘይብል ጸገማትን ምረትን የጓንፎም ኣሎ። እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ፣ ኩነታቶም እናጸልመተን ኣብ ጽቕጥቅጥ ቤት ማእሰርትታት ብኣሰቃቒ ኣገባብ ክዳጎኑን ክቕጥቀጡን ክስወሩን፣ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት ተቖሪኖም ይሳቐዩ ኣለዉ። ናይ መንእሰያትናን ስቓይን ባርነትን፣ ናይ ኣዴታት ኤርትራ ቃንዛን ብኽያትን፣ ናይ መላእ ሕብረተሰብና ጭቆናን መግዛእትን ንኸብቅዕ፣ መላእ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ምድሓን ሃገርናን ህዝብናን ብህጹጽን ኣድማዕን ኣገባብ ክንብገስ ንጽዋዕ ኣሎና።

እቲ እንወስዶ ህጹጽ ተግባራዊ ስጉምቲ ኣፍራዬ ንክኸውን፣ ብኣድማዒ መንገዲ ኣብ ዘዘሎናዮ ቦታ ህዝባዊ ትካላት ክንውድብን፣ ኣብ በቦታና ዝለኣኹና መራሕቲ ክንመርጽን ንሕዳር 15 2017 ስቓይ ህዝብን ከብቅዕን- ናይ ምልካዊ ስርዓት ምውጋድ መናሃርያ ክንገብራ ኣሎና። እቲ ቀንዲ ሽቶ ህዝባዊ ትካላት፣ ብህዝቢ ዝተመርጹ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንምፍጣር እዩ። እዚ ንምግባር፣ ብዝሒ ዘለዎም ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡሉ ከባቢታት፣ ቦታዊ ባይቶ – ባይቶ ዓዲ – ምቛምን ወከልቲ ምምራጽን እዩ። እቶም ንቦታ ዝውክሉ ከኣ ናይ ዞባ/ሃገር ባይቶ ብምቛም ናይ ዞብ መራሕትን ኣወሃሃድትን ይኾኑ። እቶም ካብ ኩሉ ክፍለዓለማት ዝተወከሉ ድማ ዓለምለኻዊ ባይቶ ብምቛም ንዲሞክራስያዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝመርሕ ፈጻሚ ኣካል ይምዝዙ።

እዚ ስራሕ እዚ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ንዝርከቡ መላእ ኤርትራውያን ጽዑቕ ጎስጓስን ምልዕዓልን ይሓትት። ስለዚ ከኣ፣ ኩሎም ግዱሳት ተቓለስቲ ንፍትሒ፣ ተበግሶ ወሲዶም፣ ነዚ ናይ ምልዕዓልን ምውዳብን ስራሕ እተካይድ ሽማግለ ብምቛም ኣብ ከባቢኦም ንኹሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዘሳትፍ ኣኼባ ክጽውዑ ይግባእ። ዕማም ወዳቢት ሽማግለ ፣ ቦታ ኣኼባ ምድላውን፣ ቅድሚ ሕዳር 15 መዓልቲ ኣኼባ ምውሳንን ኮይኑ፣ ናብ ኩሎም ኣብቲ ኣከባቢ ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ፣ እስላምን ክርስትያንንን፣ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን፣ ናብ ኩሎም ኢትኒካዊን ብሄራውን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝቐንዐ ጽዑቕ ጎስጓስ ምክያድ እዩ። ኩሎም ብዛዕባ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝግደሱ ኤርትራውያንን ብፍላይ ድም እቶም ናይ መራኸቢ ብዙሓን ከም ኢንተርነት ዘይጥቀሙ ኣካላት ፍሉይ ጻዕርታት ብምግባር ምሉእ ሓበሬታ ክረኽቡ ይግባእ። መጸዋዕት ናይ ሰፊሕ ህዝባዊ ኤኼባ ብኹሉ ቋንቋታት ማለት ዓረብኛ፣ ትግርኛን እንግሊዝን ወይ’ውን ኣብቲ ከባቢ ዝውቱር ዝኾነ ክጻሓፍ ይግባእ። እቲ በራሪ ናይ መጸዋዕታ ወረቐት ኣብ ኤርትራውያን ዝርከቡሉን ዝእከቡሉን ቦታታት ከም እኒ መሳጊድ፣ ቤተክርስትያናት፣ ማሕበረ-ሰባዊ ማእከላትን ቤት መግብን ቤት ሻሂን ክዝርጋሕ ኣለዎ። ብዝተኻእለ እቲ መጸዋዕታ ብጅምላዊ ተሌፎን፣ ሬድዮ፣ ሰሚናራትን ናይ ፓልቶክ መራኸብ ክቃላሕ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣኼባታት ነቶም ተሳተፍቲ ብዝርድኦም ቋንቋ ምክያድ ይግባእ።

ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ኣከባቢኦም ወከልቲ ምስ መረጹ፣ ዝስዕብ ስጉምቲ እቶም በብቦትኡ ዝተመርጹ ተኣኪቦም ናይ ሃገር/ዞባ ወከልቲ ይመርጹ፣ እቶም ንናይ ዞባ ባይቶ ዝተመርጹ ወከልቲ ዞባዊ ባይቶ የቑሙ። እዚ መስርሕ እዚ ኣብ ኩሉ ክፍላተ-ዓለማት ይካየድ። ንዞባዊ ባይቶ ናይ ምቛም ናይ ግዜ ገደብ ምስ እተን ዝቖማ ቦታዊ ባይቶታት ብምምኽኻር ይውሰን።

ናይ መወዳእታ ስጉምቲ፣ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኤሮፓ፣ ኣውስትራልያ፣ ኢስያ፣ ኣመሪካን ዝተወከሉ ኤርትራውያን ዝጋብኡሉ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ምክያድን ኣህጉራዊ ባይቶ ምቛምን እዩ። እቲ ኣህጉራዊ ባይቶ ብሸነኹ ፈጻሚ ኣካል ክመርጽ እዩ። እቲ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ድሕሪ ምቛም ዞባዊ ባይቶታት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ክካየድ ይህልዎ።

ግደ ኤርትራዊ ኣህጉራዊ መሪሕነት፦

እቲ መሪር ሓቂ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ፋሕ ኢልና ዘለና ኤርትራውያን፣ ኣብ ሃገርና ኣወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ነጢፍና ካብ ምስታፍ ዓጊቱና ዘሎ ጉዳይ፣ ንኹልና ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንነብር ኤርትራውያን ጠርኒፉ ዝውክለናን፣ ንኩሉ ጻዕርታትናን ዘወሃህድን ዘስምርን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝቖመ ትካላታን ዝተመርጸ መሪሕነትን ብዘይምህላው እዩ ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ፋሕ ኢልና ናይ ዘለና ኤርትራውያን ትሕዝቶን ሓይልን ጸጋታትን ዘደንፍዑን ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ብኣድማዒ መንገዲ ዘውዕሉን ትካላትን መሪሕነትን የድልዩና።

ቀንዲ ግደ ዓለምለኻዊ መሪሕነት፣ ምስ ድለይቲ ፍትሒ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፣ ሓይልታት ለውጢ ኣብ ውሽቲ ኤርትራን ብምትሕብባር፣ ንምልካዊ ስርዓት ምልጋስን፣ ንሃገርና ህዝባን ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘሰጋግር ኣድማዒ ስትራተጂ ምስኣል’ዩ። ዓለምለኻዊ መሪሕነት ናይ ኣህጉራዊ ማሕረሰብ ተፈላጥነትን ረዲኤትን ንምርካብ ይሰርሕ። ብኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተመርጸ ብምዃኑ፣ ሕጋዊን ዕላዊን ወኪል ኤርትራውያን ኮይኑ ይዛረብን ይሰርሕን። ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ሕጋውን ፣ ዲፕሎማስያውን ጽዑቕ ጎስጓስ ብምክያድ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ኣድማዒ ጸቕጢ ንኽገብር ይጽዕር። ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ናይ ለውጢ ኣካላት፣ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ንጡፍ ግደ ንኽጻወቱ ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ የበርክት።

ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፣ ሕጋዊ ቅቡልነት ዘለዎም ብህዝቢ ዝተረመርጹ ኣህጉራዊ መሪሕነት ንምቛም፣ ናይ ኩሎም ደለይትን ተቓልስቲን ንፍትሒ ንጡፍ ተሳትፎን ኣበርክቶን ይሓትት። ስለዝኾነ ከኣ፣ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ደላይ ፍትሕን ሓርነትን ዝኾነ ኤርትራዊ ኩሉ ዘይተቖጠበ ምሉእ ግዲኡ ክገብርን፣ ኣብ ምቛም ህዝባዊ ትካላትን ሓጋውያን መሪሕነትን ንጡፍ ተርኡ ክጻወት ብኽብሪ ንጽውዕ። ብፍላይ ከእ፣ መንእሰያት ፣ ደቀንስትዮ፣ ኣርቲስትን ሙዚቀኛታት፣ ምሁራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መራሕቲ ፖለቲካዊን ሲቪካውን ማሕበራትን ኣባላተንን፣ ኤርትራዊ ኣካየድቲ መርበብ ሓበሬታን ረዲዮታትን ፓልቶክን፣ ነዚ ተበግሶዚ ምሉእ ምትሕብባር ክገብሩሉ ብክብሪ ንጽውዕ።

እቶም ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ለውጢ ንምምጻእ ዝተጠርነፉን ኣብ ከባቢታቶም ዝነጥፉን ዘለዎ ህዝባዊ ኣካላት ዘለና ዓቢ ክብርን ሞጎስን እናገለጽና፣ ነዚ ካብ ቦታዊ ናብ ኣህጉራዊ ደረጃ ዝተኣሳሰረ መስርሕ ምቛም ህዝባዊ ትካላትን ምቛም ኣህጉራዊ መሪሕነትን ምስ ዓለምለኻዊ ተብግሶ ኤርትራውያን ኣብ ምድልዳልን ምድንፋዕን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ግዲኦም ክጻወቱ ንጽውዕ።

ዝያድ መብሪሂን ሓበሬታን ንምርካብ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ተወከሱ፡-

gieegm@googlegroups.com

ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ኣዝዩ ኣስቃቒ ሓደጋ ኣብ ዝተሳጥሑሉ እዋን፣ ኩልና ብህጹጽ ነቲ ኣሰቃቒ ሓደጋ ንምግጣምን ንምውጋድን ተራና ንምብርካትን ስሙር ቃልሲ ንምዕዋትን ኣብ ከከባቢና ባይቶና ብምቛም ወከልትና ንምረጽ።

15 ሕዳር 2017 ስቓይ ህዝብና ከብቅዕ – ምልካዊ ስርዓት ናይ ምውጋድ መናሃርይ ንግበራ

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፍዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

ጥቅምቲ 1, 2017


 

Share with friends:


ዝሓለፉ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ንምርኣይ፡-