Home  About us   Contact us

Copyright © www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

October 2016 - Archive

Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print
Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና



30/10/2016 23:49 PM

መደብ ድምጺ ኤርትራ - ናዝ የማነ Voice of Er itrea show

Sunday 30 October 2016 show መደብ

ዕላል ምስ፡- መምህር ዘርኡ የዕብዮ

Voice of Eritrea hosted Memhr Zeru Yebio – Author of a book titled "መመዘክርና እንተንግንጽል meaning: Had We Opened Our files". He talks about the ELF and EPLF conflict and the involvement of Weyane in the conflict for dismantling ELF from the field. መምህር ዘርኡ የዕብዮ፡ ደራሲ "መመዘክርና እንተንግንጽል" ዘርእስታ፡ ኣብ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዝተመርኮሰት መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ተሓኤ'ን ህግሓኤ'ን ዝነበረ ኩናት ሕድሕድን፡ ምትእትታው ወያኔ ኣብቲ ን'ተሓኤ ናይ ምጽራግ ወፍሪን፡ ኣተኲሩ ኣዕሊሉ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ፡ ምስ መምህር ዘርኡ የዕብዮ፡ ዝተኻየደ ዕላል፡-

 1ይ ክፋል (15 Feb 2015)፡ 2ይ ክፋል (22 Feb 2015)፡

 3ይ ክፋል (15 May 2016)፡  4ይ ክፋል (23 Oct 2016)፡

 5ይ ክፋል (30 Oct 2016)፡

ዝሓለፈ መደባት ንምስማዕን ንምስታፍን፡ ኣብዚ ጠውቑ

Past shows or to listen: click here



30/10/2016 12:24 PM

"ድሕሪ ነዊሕ ለይቲ፡ ነዊሕ ቀትሪ ኣሎ፡ ንሱ'ዩ እምነተይ" ገጣሚት ሩማና ብርሃኑ"

[ SBS Radio 26 May 2015 ]

ሓርበኛ ሩማና! ስለ’ቲ ኣዝዩ መዓዲን ምስ ህሉው ኩነታትናን ህይወትናን ድማ ዝኸይድን መልእኽትኺ ኣገናዕ ! (ስኒትና)

Read more ናይ ሩማና ብርሃኑ ፈይስቡክ፡ ኣብዚ ጠውቑ




28/10/2016 23፡24 PM

ንሓድሕዳዊ ምክብባር ዝጠቕም ትምህርቲ

ደራሲ ብእንግሊዝኛ፣ ዶር/ ተስፋ ገብረመድህን

ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፣ መም/ተኽለ  ስብሃቱ ተስፉ


ኣኽብሮት ማለት ክብረት  ንዝግበኦ  ክብሪ ምሃብን፡ ክብረትን ሓድነትን ኣብ ሰብ ማለት  ኢዩ። ምክብባር እንተድኣ ኣልዩና ንህይወት ካብኡ ንላዕሊ ዘገድስ ነገር የለን።ኣኽብሮት  ብፍላይ በቶም ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ተመክሮ ዝደለቡ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ወይ በቶም  ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ትምህርቲ ግዜኦም  ዘሕለፉ ምሁራት ሰባት ግቡእ ክብሪ ረኺባ ኢያ። ምኽንያቱ  ኣብ ጉዕዞ ህይወት፣ ፍልጠት፣ኣርሒቕካ ምሕሳብን ልቦናን ብብዙሕ ጻዕሪን  ብቕጻሊ ትምህርቲ ናይ ስነ ስርዓትን (ስነ-ምግባር) ዝርከብ ኢዩ። ንምክብባር ከም ሕያውነት  ወይ ጽቡቕ ጠባይ ምኹስኳስ ማለት ንኹሉ…Read more





28/10/2016 23፡24 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

ብ’መሲናስ 

ሳልሳይ ክፋል

መጋባእያታት ባይቶን መንግስትን ኤርትራ፡ ንህዝቢ ክፉትን ግሉጽን ስለ ዚነበረ፡ ኣባላት ባይቶን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተድላ ባይሩን ተኣኪቦም፡ ብቐጥታን ብግልጽን ብጉዳይ ህዝቢ ኪካትዑን ኪዛተዩን ይረኣዩ ስለ ዚነበሩ፡ ህዝቢ ብድሕሪ ኣኼባ ኣብ ኣፍደገ ባይቶ እናተጸበየ፡ ነቶም ጸገማቱ ኣልዒሎም ኪጣበቑሉ ዚወዓሉ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኪውድስን ከመስግንን ስለ ዚጀመረ፡ ኣብ መንጎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፕረዚደንት ተድላ ባይሩ፡ ጸግዒ ህዝቢ ናይ ምሓዝ ውድድር ተራእየ።

     ገለ ኣባላት ባይቶ ብግልጺን ዓው ኢሎምን፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣማረሩ፥...Read more  

  1ይ ክፋል (12.10.2016)፡  2ይ ክፋል (20.10.2016)፡

  3ይ ክፋል (28.10.2016)፡ 4ይ ክፋል (05.11.2016)፡




27/10/2016 22:06 PM

ጸብጻባት ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ 27 Oct 2016፡

Highlights New York Demo 27 October 2016

ሎም መዓልቲ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2016፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብ ጀነቫ ዝጸደቐ ጸብጻብ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ፡ ኣብ ከተማ ነውዮርክ፡ ቀጽሪ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰፊሕን ዕዉትን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ብተወሳኺ፡ ናይ ኣሽሓት ኤርትራውያን ክታም ዝተነብረሉ ናይ ደገፍ ጸብጻብን ዕላማ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊን ዝገልጽ ጽሑፍ፡ ንዋና ጸሓፊ ውሕሃ ሚስተር ባን ኪ ሙን ኣቕሪቦም ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ርእዩ ውሳኔ ክወስድ ትጽቢት ይግበር።

Special Rapporteur Report to UN click here. ጸብጻብ ሺላ ኪታሩት ኣብዚ ጠውቑ።

Eritrean Gov’t representative Mr. Yemane Gebreab report to UN click here. ጸብጻብ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ (ኣቶ የማነ ገብርኣብ) ኣብዚ ጠውቑ

ርእይቶ ወከልቲ ሃገራት ኣብ ውሕሃ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠውቑ

ንሰላማዊ ሰልፊ ዝምልከት ናይ ሞባይል ቪድዮን ካልእን ጸብጻባት፡-

(1) ድምጺ ኣመሪካ (VOA) (2) Tesfom Mehari (fb)

(3) Abdulrahim Osman (fb) (4) Antonio Tesfay (fb)

(5) Eritrean News Network (fb) (6) Tekle Tewelde (fb)

(7) Public Seminar ህዝባዊ ሰሚናር ENN (fb)


Read more ተወሳኺ ሓበሬታ




21/10/2016 22:46 PM

ጻውዒት ንሰላማዊ ሰልፊ፡ ኒውዮርክ፡

27 October 2016 - New York

NYC Demonstration in Support of the UN COI Report on Eritrea. ጻውዒት ንሰላማዊ ሰልፊ፡ ኒውዮርክ፡ 27 ጥቅምቲ 2016፡ ንደገፍ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ




20/10/2016 20፡10 PM

ሰፊሕ ዕላል፡ ምስ ገዲም መራሒን ተጋዳላይን፡ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ። Interviews with Eritrean Senior Veteran and Author of a Book -  Mr. Herui Tedla Bairu.

ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ገድልን መንግስትን ኤርትራ ጎሊሑ ዝረኤ ኣስተዋጻኦ ነይርዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክሳብ ሕጂ ከይተሓለለ ንደሞክራሲያዊት ኤርትራ ዝዓዪ ዘሎ ተቓላሳይ ኢዩ። ኣቶ ሕሩይ፡ ብእንግሊዘኛ ዝደረሳ ሓዳስ መጽሓፍ፡- Eritrea and Ethiopia: A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution፡ ኣብ 2016 ንኣንበብቲ ተዘርጊሓ ኣላ። ብዛዕባ ታሪኽ ሂወቱ፡ ተመኩሮኡን፡ ብዛዕባ'ታ ጽሑፉዋ ዘሎ መጽሓፉን፡ ዝምልከት፡ ምስ፡- ቲቪ-ሰነድ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ምስ ድምጺ ኣሰና ሰፊሕ ዕላላት ገይሩ ኣሎ። ነዚ ታሪኽና ንምድህሳስን ንምፍላጥን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕላል፡ ብጽሞና ክንከታተሎን ክንሰምዖን ስኒትና.ኮም ትላቦ።

Tv-sened Eritra:- 1ይ ክፋል(21 Aug 2016): 2ይ ክፋል(28 Aug 2016): 3ይ ክፋል(11 Sep 2016): 4ይ ክፋል(02 Oct 2016):

Assenna.com:- 1ይ ክፋል(18 Oct 2016):




16/10/2016 23:23 PM

ANALYSIS ON ERITREAN ECONOMY & POLITICS. ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ትንታነ ኤርትራ፡

DR GEBRE GEBREMARIAM  ብ'ዶር ገብረመስቀል ገብረማሪያም።

ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም፡ ብዛዕባ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ-ዘመን ሰፊሕን ዝርዝራዊን ትንተና ኣቕሪቡልና ኣሎ። Dr. Gebre Gebremariam gives a detailed analysis of the economic and political dynamics that has transpired in Eritrea during the last a quarter of a century. ...Read more




15/10/2016 12፡46 PM

ሽማግለ ማሕበር ሓድነት ኤሪትራውያን ንፍሒ - ኒውዮርክን ከባቢኣን፡

ዕድመ ንህዝባዊ ኣኼባ፡ 23 ጥቅምቲ 2016

ኣኼባ ተቓለስቲ ንፍትሒ ኒው ዮርክን ከባቢኣን (NY, NJ &CT) ንዕለት 23 ጥቅምቲ, 2016 ልክዕ ሰዓት 2:00 ድ.ቀ. ክልተ ኣጀንዳታ ንምዝታይ፡ ተሳተፍቲ ንኽትኮኑ ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር ሓድነት ኤሪትራውያን ንፍሒ ኒውዮርክን ከባቢኣን፡  ብኣኽብሮት ትዕድም። ቦታ፡ Orange Elks, 475 Main St. Orange, NJ 07050 ሰዓት፡ 2:00 ድ.ቀ - 5:00 ድ.ቀ።

 Read more





14/10/2016 01፡36 AM

JOINING WOMEN IN THE STRUGGLE FOR THE LIBERATION OF MEN

Dr. Tesfa G. Gebremedhin

West Virginia University

March 8 is International Women’s Day. We all have an obligation to celebrate and cherish this important day in memory of our daughters, sisters and mothers who have fallen and disabled for independence, equality and social justice. It is evident that Eritrean women made an extraordinary sacrifice...Read more




14/10/2016 01፡36 AM

ህጹጽ መጸዋዕታ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን፦

ብጥርኑፍ ክንቃለስ ብዘይምኽኣልና ፡ ኣብ’ዛ ንነብረላ ዓለም ናይ ኤርትራውያን መቕዘፍትን፡ ስቓይን፡ ሓዘንን፡ ጸበባን ወዘተ መዛረቢ ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ። ደለይቲ ፍትሒ ተፈላሊና ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ብመጠኑ ኣወንታዊ ውጽኢት ይሃልዎ’ምበር ነቲ ንደልዮ ዓወት ግን ክንጭብጦ ኣይከኣልናን። ብስሙር ቃልሲ ተጠርኒፍና ብዝሓጸረ መንገዲ፣ ብናይ ነብሲ ወከፍና ተሳትፎን ኣበርክቶን ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን ንኽእል ኢና ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣሎና። ካብዚ እምነት እዚ ብምብጋስ ህዝብና ሃገርናን ብስሙር ቃልሲ ንምድሓንን ንኩሉ ኤርትራዊ መንገዲ ዝኸፍት ተበግሶን ናይ ቃልሲ ኣገባብን ክጻፍፍ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ናህሪ እናወሰኸ ይምርሽ ከም ዘሎ ከነበስር ንፈቱ።  Read more

ተወሳኺ ሓበሬታ፡-




14/10/2016 01፡36 AM

Shoot-to-kill victim - Eritrea

ከሰተ ወልዳይ፡  ግዳይ ርሸና ብወተሃደራት ኤርትራ

They Shot me to Die, but God Brought me Back to Life" - Kesete Welday Eritrea - Shoot-to-kill victim, shares the horrible story with voice of Assenna.




12/10/2016 23፡59 PM

Eritrean Journalists cut in the Bud –

the case of seyoum Tsehaie

By Petros Tesfagiorgis

[ Assenna - ኣሰና ]

23 September 2016. Network of Eritrean women carried out “Taped mouths protest for the jailed prisoners of conscience in front of the Kings Cross Train Station – London. The silent vigil which started at 3.00pm and lasted over an hour was part of the world wide commemorations of   the day (18 September 2001) the top Government officials known as G-15 and the editors of private newspapers were incarcerated without trial and remained in communicado   for over 15 years. 

Read more



See also Related ምስዚ ዝዛመድ:-





12/10/2016 23፡59 PM

LESSONS TO LEARN

TO RESPECT EACH OTHER

Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.


Respect is honoring the worth, dignity and integrity in a person. If we have respect, nothing else matters in our life. Respect is merited particularly by those (our elders) who have gained many years of life experience and by those (our scholars) who are highly educated, because knowledge, insight and wisdom often are hard won through a lifetime of discipline and constant learning. Read more




09/10/2016 21:20 PM

ድምጺ ኤርትራ (Voice of Eritrea) - ናዝ የማነ

Sunday 09 October 2016 show

ሜሮን ስመዳር Meron Semedar

2016 One Young World Summit - Ottawa  

"ኣኼባ ሓንቲ ናይ መንእሰያት ዓለም 2016፡ ኦታዋ ካናዳ"

Mr. Meron Semedar is participant and who raised the flag of refugee for the first time in front world leaders, at the 2016 One Young World Summit in Ottawa. ሜሮን ስመዳር፡ ኣብ “ኣኼባ ሓንቲ ናይ መንእሰያት ዓለም 2016፡ ኦታዋ ካናዳ”፡ ዝተገብረ ዋዕላ ኣብ መድርኽ ተረኺቡ፡ ቃል ዘስምዐን፡ ከምኡውን ኣብ 24 መስከረም 2016፡ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ (ኣመሪካ) ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ክነጥፍ ዝጸንሐ መንእሰይ ኢዩ። ብዛዕባ ክልቲኡ ንጥፈታት፡ ኣብ ስቱድዮ ቀሪቡ ተሞክሮኡን ሃብታም ርእይቶኡን ኣካፊሉና ኣሎ።


1ይ ክፋል (09 Oct 2016)፡ 2ይ ክፋል (09 Oct 2016)፡   ሜሮን ኣብ ኣኼባ ዘስምዖ መግለጺ


 ናይ ኮንፈረንስ መካየዲ ዘጋጠሞ ክሳራታት ንምሕዋይ ድጋፍ ይሓትት ስለዘሎ፡ ድጋፍ ንምግባር ኣብዚ ጠውቑ

ዝሓለፈኩም መደባት ንምስማዕ ድማ፡ ኣብዚ ጠውቑ

To listen Past shows: click here




09/10/2016 15:13 PM

ኣድማሳዊ መሰላት ደቂ-ሰብ

Universal Declaration of Human Rights

     ብቐዳምነት ምስጋና ን’Asmarino.com (ኣዝማሪኖ) ነዚ ኩሉ ኤርትራዊ ክፈልጦ ዝግባእ ኣድማሳዊ መሰል ደቂ-ሰብ፡ ብቪድዮ መልክዕ ንህዝብና ከቕርቡዎ ምኽኣሎም። እዚ መሰላት'ዚ፡ ንኹሉ ሰብ፡ ክንፈጎ ዘይግባእ ባህሪያዊ መሰል ደቂ-ሰብ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት፡ ወይ ብዝኾነ ይኹን ምስምስ ድማ ክጉዕጸጽ ኣይግባእን። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ኣብ መጋባእያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ’1948 ብኣዋጅ መልክዕ ተደንጊጉ፡ ኩላተን መንግስታት ድማ ነዚ ኣዋጅ'ዚ ከተግብራኦ ሓላፍነት የሰክመን። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ መሰልን ድሕነትን ደቂ-ሰባት፡ ኣብ ሓደጋ ምስዝወድቕ ድማ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ብመሰረት አዚ ኣዋጅ'ዚ፡ ድሕነትን መሰልን ደቂ-ሰባት ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ መሰላት’ዚ ምስዘይህሉ ድማ፡ ህዝቢ ብቃልሱ ከረጋግጾ ክለዓል ኣለዎ።




09/10/2016 15:13 PM

ጻውዒት ንሰላማዊ ሰልፊ፡ ኒውዮርክ፡

27 October 2016 - New York

NYC Demonstration in Support of the UN COI Report on Eritrea. ጻውዒት ንሰላማዊ ሰልፊ፡ ኒውዮርክ፡ 27 ጥቅምቲ 2016፡ ንደገፍ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

 ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ጠውቑ። More information click here.




08/10/2016 02:20 AM

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ (ካናዳ)፡ ንጉዳይ ብኤርትራውያን፡ ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ነቭሱን ዝቐረበ ክሲ፡ ኣብ ሃገረ-ካናዳ ክቕጽል ምዃኑ ወሲኑ። Eritreans' case against Nevsun can proceed in Canada

[ MINING.com ]

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ (ካናዳ)፡ ንጉዳይ ብኤርትራውያን፡ ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ነቭሱን ዝቐረበ ክሲ፡ ኣብ ሃገረ-ካናዳ ክቕጽል ምዃኑ  ወሲኑ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ብወከልቲ ኩባንያ ነቭሱንን፡ ብወኪል መንግስቲ ኤርትራን፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ ትካላት ፍትሒ ኤርትራ ክቐርብ ወይ ክተሓዝ ኣለዎ ዝብል ሙጉት ብሙሉኡ ነጺጉዎ።  “There is a real risk that the plaintiffs could not be provided with justice in Eritrea," said Justice Patrice Abrioux in a ruling that allows three refugees to proceed with a civil lawsuit against Vancouver-based Nevsun Resources. In an unprecedented ...Read more



See Related news ምስዚ ዝዛመድ ዜናን ሓበሬታን:-





03/10/2016 18፡55 PM

ሰለስተ ጥቅምቲ!

ብ'ሓውኹም መሲናስ

ሰለስተ ጥቅምቲ!

ታራኻዊት ዕለት ሰለሰተ ጥቅምቲ

ኣብዚ ጸሊም ማህደር ታሪኽ ኣጋንንቲ

ስምኪ ተሰምዩ ናይ ህልቂት መዓልቲ

ኣርማ ቅዝፈት ኴንኪ ናይ ጸላም ሓወልቲ!

Read more





02/10/2016 23:58 PM

ድምጺ ኤርትራ (Voice of Eritrea) - ናዝ የማነ

Sunday 02 October 2016 show

ዕላል ምስ፡- ዘካርያስ ሃብተ  - 2ይ ክፋል

ELF veteran, Zekarias Habte, share his experiences, bout the war of Senafe, the hunting of "Fulul", and his Journey from ELF to EPLF. ኣብዚ ናይ 2ይ ክፋል ዕላል፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝጀመሮ ዕላል ብዛዕባ ውግእ ሰንዓፈ፡ ከምኡ'ውን "ፋሉል" ተብምባል ብተሓኤ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ናይ ምህዳን ተግባራትን ንሱ ዘስዓቦ ጉዕዞኦም ናብ ህግሓኤ'ን ዘጋጠሞም ተመኩሮን ኣዕሊሉ ኣሎ።

  1ይ ክፋል (04 Sep 2016)፡ 2ይ ክፋል (02 Oct 2016)፡   3ይ ክፋል (02 Oct 2016)፡

ዝሓለፈ መደባት ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠውቑ

To listen and participate: click here





01/10/2016 23:53 PM

ሕቶ ቋንቋን ህንጸት ሃገርን ኣብ ኤርትራ

The Language Question and Nation Building in Eritrea.

EMDHR Seminar - 01 Oct 2016

ሕቶ ቋንቋን ህንጸት ሃገርን ኣብ ኤርትራ፡  ብ’ዶ/ር ጨፈና ሃይለማሪያም። Public Seminar The Language Question and Nation Building in Eritrea,

By Dr. Chefena Hailemariam.

  1ይ ክፋል (01 Oct 2016)፡ 2ይ ክፋል (01 Oct 2016)፡






01/10/2016 16:02 PM

Eritrea - Minister for Foreign Affairs Addresses General Debate, 71st Session

26 Sep 2016 - Osman Mohammed Saleh, Minister for Foreign Affairs of Eritrea, addresses the general debate of the 71st Session of the General Assembly of the UN (New York, 20-26 September 2016).


Follow current discussions on Eritrea, at the UN General Assembly, here: ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ፡ ኣብ መጋባእያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ንምክትታል፡ ኣብዚ ጠውቑ