Placeholder Picture
Placeholder Picture

August 2024 - Archive << Back

ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO — ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ (By Membr Zeru Gebreyesus) - ቀዳም Saturday, 31 August 2024

ደምበ-ተቓውሞ ተኸኣኢሉ ኣብ ሓደ ግንባር ኮይኑ ኪቃለስ፡ እንታይ ይገበር?
ጋሻና፡ ተቓላሳይ ዑቕባዝጊ ድቡስ ኢዩ።
(What should be done to ensure the opposition-camp acts together, as one front?
Our guest is the Activist veteran Oqbazghi Debus.)

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

ገዲም ተጋዳላይ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ፡ ኣብ ስዉር ማሕዩር ስርዓት ህግደፍ ከሎ፡ ኣብ 79 ዕድመኡ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2024 ዓሪፉ።

Veteran Minister Berhane Abrehe dies in PFDJ prison, age 79, August 2024.

ሓርበኛ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ፡ ንምልካዊ ስርዓት፡ ኣብ ውሽጡ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኾይኑ፡ ብትብዓት ነቲ ብኣይተ ኢሳይያስ ዝምራሕ ጨፍላቒ ስርዓት ኤርትራ ዝኾነነን ዘቃልዐን ኢዩ። ሰብ ሓላፊ ኢዩ፡ ጽቡቕ ታሪኹ ግን ንዘለኣኣለም ነባሪ ኢዩ። Read more

ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO — ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ (By Membr Zeru Gebreyesus) - ቀዳም Saturday, 24 August 2024

ዘይምክእኣል ደምበ ተቓውሞ፡ ስልጣን ዲዩ፡ ዘይብቕዓት?
(Discord of Eritrean opposition camp: Power or Incompetence?)

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

Snitna Network event: (ቀዳም Saturday, 17 August 2024)
Eritrean Veterans' Day 2024
መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2024
عيد المحاربين الإريتريين 2024

ኣብዚ ናይ ሎሚ 9ይ ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት 2024 መደብ፡ ብዶ/ር ሳምሶን ማእከለ እናተኣልየ፡ ብርክት ዝበሉ ኣርእስትታት ተዘትዩሎም፦

ንዝርዝራቱ፡ ኣብ ቪድዮ ክትሰምዑዎ ንዕድም።

ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO — ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ (By Membr Zeru Gebreyesus) - ቀዳም Saturday, 17 August 2024

ናይ ኤርትራ ዳያስፖራ ተቓውሞ፡ ዘየሰማምዑዎ ቀንዲ ምኽንያታት፡ ኣየኖት እዮም?
ጋሻና፡ ተቓላሳይ ዑቕባዝጊ ድቡስ ኢዩ።
(Eritrean Diaspora Opposition: What are the main reasons for their disagreement?
Our guest is the Activist veteran Oqbazghi Debus.)

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

ዋዕላ ዉድባት ኤርትራን ዝሓንጸጾ መደባትን፡
ዝርርብ ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ
[SBS Radio]

ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ተገይሩ። ኣብዚ ጽላል፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተሳተፉ ተገሊጹ፡፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ነቲ ናይቲ ጽላል መሰጋገሪ ክመርሕ ዝተመርጸ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕን መደባቶምን ክገልጸልና ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ኣብዚ ቐሪቡ ኣሎ። Read more

ፖለቲካ ኣውራጃውነት መን እዩ ዋንኡ?
(Dehay Eritrea)

ዘተ ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን፡ ኣቶ ኣሰይድ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽምን ኣቶ ሰንጋል ወልደትንሳኤን

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ስደት ኣብ ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ሕቶ ኣውራጃውነት ኣዘራራቢ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ። እዚ ዛዕባ እዚ መን እዩ ዋንኡ? ስለምንታይ’ከ ኣብ ግዳም ክዝራእ ይድለ ኣሎ? ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን እቲ ኣብ ልዑላዊት ኤርትራ ዝተሓቚፈ ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይመሓደር ነይሩ? ንዝብል ዛዕባ ምስ ዶር መብራህቱ ኣተወ ብርሃን ኣሰይድ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሺምን ሓው ሰንጋል ወልደንሰአን ተዘራሪብናሉ ኣሎና።

ንሓደ ደምበ ተቓውሞ ክልተ ደምበ ከተምስሎ ምፍታን፡ ምኽንያታውን ሓላፍነታውን ኣይኮነን።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) — Democratic Front For Eritrean Unity

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ክልተ ደምበ ተኸፊሉ ይርከብ። ደምበ ጸላእን ደምበ ፈታውን ድማ ይበሃል። ደምበ ጸላኢ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ምስ ኩሎም ናይ ጥፍኣት ትካላቱን ማሕበራቱን ማለት፡ ብሓይልታት ምክልኻል ዝፍለጡ እኩባት ሰብ ብረት፣ ብሃገራዊ ድሕነት ዝጽውዑ ንድሕነት ስልጣን ሓደ ሰብ ዝከላኸሉ ቀተልቲ፣ ብኣምባሳደራት ዝፍለጡ ቀንዲ ዋኒኖም ምእካብ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ኮንትሮባንድን ዝገበሩ ልኡኻት፣ ብማሕበረ ኮማት፡ ኣባላት ህግደፍ፡ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ (ስነ-ጥበብ)፡ ኣክቲቪስት፡ ሃማመተኤ፡ ሃኮሰኤ፡ ሃማደኤ፡ ዋልታ ሃገር፡ 4ይ ግንባር ….ወዘተ ዝብል ቁጽርጻር ኣስማት ዝጽውዑ’ዮም። Read more

ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO — ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ (By Membr Zeru Gebreyesus) - ቀዳም Saturday, 10 August 2024

ውግኣት ከባቢናን ዓለምን፡ ኣንፈት ኢሳያሳዊ ምልኪን። ፍቱሕ ህዝባዊ ዘተ።
(Global and regional conflicts & the Isaias’ regime's trajectory.)

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) — Democratic Front For Eritrean Unity

ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ወጽዓ ስለ ዘለና ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ሓሳብ ዝድገፍ ‘ምበር ዝኾነን የብሉን። እቲ ሓሳብ ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ’ዩ ዝብል ግን ክንጸር ይግባእ። ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ዘረባ ኣብ ውሽጡ እንታ’ዩ ሓቚፉ ዘሎ። ብሓቂ ፍትሓዊ ድዩ? ብሓቂ ደሞክራስያዊ ድዩ? ብሓቂ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝኣምን ድዩ? ብሓቂ ግሉጽነት ዘለዎ ድዩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ክለዓሉን መልሲ ክረኽቡን ኣለዎም። ተላፊንካ ንምስራሕ ህላወ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዝጠልብ ኣየተሓትትን። ነዚ ተግባራዊ ክኸውን ዘይክኸውን ዝውስኖ ከኣ፡ ኣብ መንጎቶም ክልተን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ናይ ስነ-ሓሳብ፡ ስትራተጂን ፖሊስን ፍልልያት ዘሎ ሕድሕድ ኣፍልጦ፡ ማዕርነታዊ ኣጠማምታን ከመይነት ደሞክራስያዊ ምሕደራን እዩ። Read more

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ - ፖሓኤ፡ ኣብ ድሮ ዋዕላን ፈስቲቫልን

ዲሞራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራን ሰልፊ ዲሞራሲ ህዝቢ ኤርትራን ክዋስእሉ ዝጸንሑ ጽላል ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ነሃሰ 2024 ናብ ሓባራዊ ዋዕላን ፈስቲቫልን ክኣቱ እዩ። እቲ ዋዕላ ነቲ ዝጸንሔ ኣካይዳ ናብ ምቛም ወግዓዊ ጽላል ዘሰጋግር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ፈስቲቫል ድማ ውጽኢት ናይቲ ዋዕላ ዝብሰረሉ እዩ። ናይ ክልቲኡ ኣገደስቲ መድረኻት ኣሰናዳእቲ ሽማግለታት ድማ ምድላዋተን ኣጻፊፈን ኣለዋ። Read more




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: