Placeholder Picture
Placeholder Picture
ድኻም ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

22/08/2022 19:33 PM

ድኻም ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

ብ'መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ, Ph.D, PDS

ድኻም ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

ድኻም ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላትን ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ
መንግስተኣብ ተስፋዮሓንስ, Ph.D, PDS

መተሓሳሰቢ

እዚ ጽሑፍ ናይ ጸሓፊ ነጻ ኣታሓሳስባን መርገጽን ዝምርኮስን ዘንጸባርቕ እዩ። ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣታሓሳስባ፣ መርገጽ፣ ፍልስፍና፣ ወይድማ ናይ ፕሮግራም መርገጺታት ዝውክል ኣይኮነን።

ድኻም ንኣሽቱን፣ ስድራቤታዊ ትካላትን፣ ዋኒናዊ መሃዝነትን ኣብ ኤርትራ

1. መእተዊ

ብዙሓት ግዱሳትን፣ ለባማትን፣ ፈላጣትን ኤሪትራውያን ሃገራውያን ኣብ ብዙሕ ማሕበረ ቁጠባዊን፣ ፖሊቲካዊን፣ ባህላዊን፣ ታሪኻዊን፣ ስነፍልጠታውን ተርእዮታት ኣተኲሮም ብበሊሕ ኣእምሮ ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን። ብቐጻሊ ድማ ብዙሕ ሃናጺን፣ ኣገዳስን፣ ርሑቕ ዝጠመተ ምኽርን፣ ትንተናን፣ ለበዋን ይህቡናን፣ ይሕብሩናን የስተምህሩናን ኔሮም ሕጂውን ይቕጽልዎ ኣለው። እቲ ዝድለን ነዚ ብሉጽ ምኽሮምን፣ ፍልጠታዊ ኣስተዋጽኤኦምን ነቲ ሓጹራትን፣ ኣደናጋሪ ህውተታን ሰጊርካ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ካብኡ ምኽሳብን ምጥቃምን እዩ። እቲ ቀንዲ ዓላማ ድማ ምእንቲ ስልጥንትን፣ ብልጽግትን፣ ምዕብልትን ሃገር ንምፍጣርን ንምውናንን እዩ። ካልእ ብልሓትን ሚስጢርን ድማ የልቦን። ብተወሳኺ፣ ንኹሉ መዳያዊ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ሃገሩ ብላዕለዋይ ኢድ ብብቕዓት ዝወነነ መሃዝን ዕውትን ዘብየታዊ (በዓል ዓደቦ ወይድማ በዓል መረበት) ስልጡንን፣ ተዓጻጻፍን፣ኩሩዕን፣ ብሉጽን ህዝቢ ንሓዋሩ ነታ ሃገር ምእንቲ ክህልዋ እዩ።

ኣብዚ ኣነ ብሕጽር ዝበለ ክዝትየሉ ደልየ ዘለኹ ድማ ብዛዕባ እቲ ብናእሽቱን ስድራቤታዊ ትካላት ዝፍለጥ (Small and family businesses or ventures) እዩ። እዚ ሓደ ዓቢ ኣካል ናይቲ መዳርግቲ ኣልቦ ተራ ዘለዎ፣ ብብሕታዊ ጽላት ዝፍለጥ ቁጠባ ሃገር እዩ። እዚ ክፍለ ጽላት እዚ ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክነሱ፣ ስጋብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ብዘሕዝን፣ እቲ ዝግባእ ኣቓልቦ በቶም ዝምልከቶም ቀለስትን ወሰንትን ኣማሓደርቲ ሃገር ኢና ዝብሉ፣ በብምሕዳራዊ መሳልል ተጸፍዮም ዘለው፣ ዝተሓረመ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፣ እዚ ክፍለ ጽላት፣ ቀንዲ መንኮርኮር ዲናሚካዊ መስርሕ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ምዃኑ ምርዳእ ይድለ። ተራ ናይተን ንኣሽቱን ስድራቤታውያንን ትካላት ኣብ ኩለን ቁልጡፍ ምዕባለ ንምምዝጋብ ብዕቱብ ዝነጥፋን ዝጽዕታን ዘለዋ ሃገራት ዕዙዝ ምዃኑ ብብዙሕ ጭብጥታት ክፍለጥ ዝከኣል ኢዩ ። ኣዚ ዘመልክቶ ድማ እዘን ትካላት ኣብ ፈጣን ናህሪ ኩሉ መዳያዊ ሃገራዊ ምዕባለ፣ ብፍላይ ድማ ቁጠባዊ ምዕባለን ብራኸን ዘለወን እጃም መዳርግቲ የብሉን (Stel, et al, 2005; Acs, et al, 2008; Abor, & Quartey, 2010)።

ኣብ ብዙሓት መጽናዕትታን ምርምራዊ ስራሓትን ብንጹር ከም እተግልጸ፣ ካብ ብሕታዊ ቁጠባ ሃገር ብገፊሑ፣ እጃም ናይዘን ንእሽቱን ስድራ ቤታዊን ትካላት ካብ ተስዓ ሚእታዊ ንላዕሊ እዩ (Tesfayohannes, 1998; Edmiston, 2007; Gamidullaeva, et al, 2020)። እዚ ድማ ኣብ ዝማዕበላን ከምኡውን ኣብ ምምዕባል ዘለዋን ሃገራት ብሰፊሑ ክውንነትዊ ተርእዮ እዩ። ብኡ ምኽንያት እዩ ድማ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣብቲ ቀንዲ ናይ ሃገራዊ ምዕባለ ኣጀንደአን ብፍሩይ ሰሪዔንኦ ዘለዋ። እዘን ንኣሽቱን ስድራ ቤታዊን ትካላት፣ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ ዝፈጥረኦ ናይ ስራሕ ዕድላትን፣ ማእቶታዊ ኣድማዕነትን፣ ድንፋዔ ሰብኣዊ ጸጋን፣ ተኽእሎን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዓርሞሸሽ ኣብርክቶአን ኣብ መስርሕ (ከይዲ) ሃገራዊ ህንጸት (State building process) ከኣ ዕዙዝ እዩ። ከም በዓል ደቡብ ኮረያ፣ ጀርመን፣ ታይዋን፣ ሲንጋፖር፣ መክሲኮ፣ ኣብ ፋርሳዊ ወሽመጥ ዘለዋ ንኣሽቱ ሃገራት፣ ማለዥያ፣ ወዘተ፣ ሳላ ነዘን ትካላት ዘማዕበላን መሪሕ ተራ ንኽጻወታ ስለ ዝገበራ እየን፣ ዓርሞሸሽን ዲናሚካዊን ሃገራዊ ቁጠባ ክሃንጻን፣ ሕኑን ምዕባለን ከመዝግባ ዝኸኣላ። ካለኦት ሃገራት ከም በዓል ቬትናም፣ ታይላንድ፣ ኢንዶነሽያ፣ ካምቦድያ፣ ባንግላደሽ፣ ብተወሳኺ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳን ከምኡውን ናይ ቀደም ሕብረት ሶቭየት ኣካል ዝነበራ ሕጂ ነጻ ሃገራትን እውን ኣይሓመቓን (World Bank, UNDP, Reports, 2020)።

ኣስተዋጽኦ ናይዘን ትካላት ብሓፈሻ፣ ኣብ ድንፋዔ መሃዝነትን ማእቶታዊ ንጥፈትን ሓፋሽ ህዝቢ (grassroots) ድማ ፍሩይን ሓያልን እዩ። ብተወሳኺ፣ ኣበርክቶን ተራን ናይዘን ትካላት ኣብ ምስፍሕፋሕን ምስራጽን ተግባራዊ ሞያዊ ክእለትን፣ መሃዝነታዊ ምልከትን፣ ዋኒናዊ መሃዝነትን (Entrepreneurial innovation at the grassroots level)፣ ክገብር እየ በሃላይነትን (Adventurous sprit and passion)፣ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ጽባሕ ቀላሲ መንእሰይ ወለዶ መዳርግቲ ዘይብሉ ተራ እዩ ዘለዎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብኣብነት ዝጠቐስኩዎ ድማ ብጭብጢ፣ ኣብተን ኣብ ዓለምና (እንኮላይ ኣብ ኣፍሪቃ) ዘለዋ ኣብነታውያን ዕውታት ሃገራት ጐሊሑ ይረአ ኣሎ። ካለኦት ብዙሓት ሃገራት እውን ካብተን ዝተዓወታ ኣብነታውያን ሃገራት ትምህርትን ተሞክሮን ብምቕሳም፣ ብዝተዋሃሃደን ዝተዋደደን መርሓ መንገዲ (Roadmap) ነዘን ትካላት እዚኤን ንምድንፋዕ ብቐጻሊ ይነጥፋ ኣለዋ (Abisuga-Oyekunle 2020)።

ብተወሳኺ እተን ኣብላዕሊ ዝጠቐስኩወን ኣናብር ሃገራት፣ ካብ ኣፍሪቃ እውን ከም ባዓል ጋና፣ ናይጀርያ፣ ኣልጀርያ፣ ሞዛምቢክ፣ ቦትስዋና፣ ሞርሴሽ፣ ካሜሩን፣ ሩዋንዳ፣ ኡጋንዳ፣ ሰነጋል፣ ኮት ዱቯር፣ ከንያ፣ ግብጺ፣ ሞሮኮ፣ ቱኒዝያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ናሚብያ፣ ወዘተ ይጥቀሳ። ስለዚ ነዘን ትካላት ቀዳምነት ሂብካ ምትብባዕን፣ ሓጋዚ ትሕተ ቅርጽን ልዕለ ቅርጽን ኣዋዲድካን፣ ኣጣዓዒምካን፣ በቲ ዓቕሚ ዘፍቅዶ ብሕኑን ንምምዕባለን ምሕጋዝ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ብዘይ ዝኾነ ቀሚሽ ኣደይ ሕንኩሉኒ፣ ውዓል ሕደር ዘየድልዮን ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ግድነታዊ ሃገራዊ ዕማም እዩ።

ኣብ ምዕባለ ሃገራዊ ቁጠባ ብዝምልከት፣ ጽፉፍነትን፣ ኣድማዕነትን፣ ናይ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ቅርጻዊን መሳልላውን መንግስታዊ ምሕደራ ዝምዘን ድማ ኣብ መትኒን መሰረትን ሓፋሽ ዝኾና ትካላት ኣብ ዝግበር ንጥፈታት እዩ። ብሓጺሩ፣ ኣድለይቲ ዓቕምታትን ጸጋታትን ሃገር በቲ ዝድለ መቓንን ዝከኣል ወፍርን ተበግሶን ክህነጽን ክስውድን እንተድኣ ዝድለ ኮይኑ፣ ኩሉ መዳያዊ ናይ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ሓፋሽ ህዝቢ ተሳታፍነት፣ ኣስተዋጽኦን ብኹሉ መድያትን መእዝናትን ክታባባዕን ናይ ግድን ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ውላድ ሃገር እውን፣ ፖለቲካዊ መትከሉ ብዘየገድስ፣ ዲሞክራሲያዊ ማዕጾን ክኽፈተሉ ኣለዎ። ብሓጺሩ ሓፋሽ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ፣ ነጻ ዝኾነ ኣታሓሳስባን፣ ቀላሲ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን ብውሕስን ብሓልዮትን ክህሉ ኣለዎ። እዚ ምስ ዝግበር እዩ እቲ ኩልና እንትምነዮ፣ ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሃገር ብሕኑን ፍጥነት ክምርሽ ዝኽእል። ኣብ ዕውታት ሃገራት ከም ዝተመስከረሉ ድማ ዝፈተወ ይፍቶ፣ ዝጸልኤውን ይጽላእ እምበር፣ እዚ እዩ እቲ እንኮ ምርጫ በቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓልን ዝሕልንን ውልቀ ሰብ ይኹን እኩብ ክርዓም ዝግበኦ።

2. ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ንእሽቱን ስድራቤታዊን ትካላት

2.1. ድሕረ ባይታ

ንዋኒነ ንግድን ትካላዊ መሃዝነትን ኤርትራውያን በቲ ውድዓዊ ዓቕሚ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዙሕ ጊዜ ዝደጋገም ብሂል ኣሎ። ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ባዓል ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳን፣ ወዘተ ብዙሕ ይነጥፉን ኣብ ብዙሕ ትካላዊ ዋኒናት ይዋስኡ ኔሮምን ኣለውን ተባሂሉ ካብ ዝሓለፈ 85 ዓመታት ጀሚሩ ብኹርዓት ይንገርን ይጋዋሕን እዩ (Killion, 1996; Biziouras, 2013; Weldeghiorgis, 2004; African Research Bulletin, 1996; Mesghenna, 2003) ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመንጽር ንህዝብና ዝህቦ ጠቕሚ ክምዘን ከሎ ግን ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኢዩ (Department of State, 2014; World Bank Report, 2020; Miner, 2022)። ካብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወጻኢ ኰንካ ምውንጫፍ፣ ኣብ ሃገርካ እቲ ቀንዲ ትካልካ ደኲንካ ክትነጥፍ ተመራጺ እዩ ነይሩ። ከከም ኣድላይነቱ ብዝኽፈት ዕድላት ድማ ኣብ ካለኦት ሃገራትውን ብዝተኻእለ መጠን ማልካን (ካፒታልካ) ትካላዊ ክእለትካን ኣብቲ ከርባሓኒ ይኽእል እዩ እትብሎ ካብ ሃገርካ ወጻኢ እውን ክትነጥፍ ትኽእል ይከእል እዩ። ግን እቲ ሱርካ ኣብ ዓድካ ክኸውን ኣለዎ። እዚ እዩ እቲ ዝድለ።

ግን ብሰንኪ ሕማቕ ደፋእቲ ረቛሒታት ማለት እዚ የማሓድር ኣለኹ ዝብል ዘሎ እህግደፋዊ ስርዓት፣ ንቑጠባ ሃገር በቲ ናይ ትካላዊ መሓውራቱ ፈጺሙ ንኽግብትን ክቆጻጸርን ክብል፣ ብዝተኸተሎ ኣዕናዊ ቁጠባዊ ምሕደራ ምኽንያት፣ ተሓግሒካ ካብ ዓድኻ ወጺኢካስ፣ ኣብቲ ዝተሰደድካዮ ሃገር ኮንካ ከተስፋሕፍሕን፣ ክትንቃሳቐስን፣ ከተመስርሕን ከምኡውን ኣብ ዋኒነ መሃዝነት (Entrepreneurial Innovation) ክትነጥፍን ከለኻ፣ ነተን ትነብረለን ዘለኻ ሃገራት ኣዝዩ ጠቓሚ እኳ እንተኾነ፣ ንሃገርካ ግን ከምቲ ዝድለ ኣየርብሕን (Miner, 2022)። ነቲ ዓድኻን መበቆልካን ዝኾነ ሃገር ብዙሕ መዳያዊ ሃስያ ድማ ኣለዎ። ዛጊት ኣዕናዊ ውጽኢቱን፣ ኣሉታዊ ጽልዋታቱን ድማ ብግሉጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማሕበረ-ቁጠባ ኤርትራ ንርእዮ ኣሎና (Müller, 2022; Hirt, 2021)።

ንዝኾነ ትካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ንጥፈታት ናቱ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ተመጢጡ ዝተሓሓዝን ዝዋሃሃድን ኩሉመዳያዊ ቁጠባዊ ርክባትን ተኣሳሰርነትን ኣሎዎ (backward and forward economic link and interactions)። ንኣብነት ሓደ ናይ መገጣጠምን ሰንዓን ትካል ምስ ዝምስረት ወይ ዝጣየስ፣ ነቲ መስርሕ ዘድሊ ቀረባት ዘመስርሓ፣ ዘዳልዋ ከምኡውን ዘቕርባ ተማላላእቲ ትካላት ከድልያ እየን። ምህርታዊ ውጽኢታት ናይቲ መገጣጠሚ ትካል ዝደልያ (ገዛእቲ) ትካላትውን ክህልዋ እዬን። ነቶም ኣብተን ትካላት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት እውን ንመነባብሮ ዘድልዮም ኩሉ ዘቕርባ ኣመስራሕትን፣ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ትካላት ክህልዋ እየን። ንቕድሚትን ንድሕሪትን እንዳተታሓሐዘ ድማ ንኩሉ መዳያዊ ቁጠባ ሃገር ብቀጻልነት ብዘህጥር ኣገባብ ይቕጽል (Strategic Value Chain and Eco-system of the economic productivity process)። እዚ ናይ ቁጠባዊ መስርሕ ስርርዕ ምስ ዘይህሉ፣ እቲ ዝድለ ቀጻሊን ሕኑንን ቁጠባዊ ምዕባለ ኣይህሉን። እቶም ናይ ቁጠባዊ ኣድማዕነት መሃዝትን ቀለስትን እውን ከምቲ ዝድለ ኣይስስኑን። ናይ ትካላዊ መሃዝነት ብቕዓትን፣ ተመኩሮን፣ ከምኡውን ዕቑር ጸጋን ክእለትን ዝውንኑ ኣብ ሃገር ምስ ዘይህልው፣ ንኹሉ መዳያዊ ምዕባለ ማሕበረ-ቁጠባ ሃገር ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። እቲ ማህሰይቲ ድማ ናብቶም ተስፋ ከነንብረሎም ዝግባኣና ተካእቲ ወለዶ ይበጽሕ እሞ ውሽጣዊ ዓቕምን ብቕዓትን ጸጋን ተኽእሎን በቲ ዝድለ ከምዘይጥረ ይገብር። እዚ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ መሪር ሓሞት ብሰፍነግ ምስታይ ማለት እዩ። ነቲ ክኣሊ ኩሉ ዝኾነ ሓፋሽ ዓቕምን፣ ጸጋን፣ ተኽእሎን ብቕዓትን ንኸየጥሪ ምግባር ማለት እንታይ ማለት ምዃኑን፣ እንታይ ኣዝዩ ጎዳኢ ስምብራት ከምዝገድፍን፣ ካብ ኩሉና ዝስወር ኣይኮነን። የሕዝን ድማ።

ርኣይዎን ተዓዘብዎን እሞ፣ ናይቲ ሓፋሽ ህዝቢ (grassroots) መሃዝነትን፣ ንጥፈትን፣ ኣብተን ብስደት ንነብረለን ዘለና ርቡሓት ሃገራት፣ ዓርሞሸሽ ዕብየትን ምዕባለ ከምዝፈጠረ። ብኸመይ ማእከል ስሕበት ንክኾና ከምዝሓገዘን። ካብተን ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ብዙሓት ብምሉእ ዓቕመን ይጽዕራ ከምዘለዋ ንዕዘብ ኣለና (Peprah,& Adekoya, 2020)። ካብቲ ዝተሓተ ዋኒናዊ መሃዝነት ንጥፈታት ከም ኣደይ ኩሉ ብሓሙሸት ሳንቲም ኣለክን ሸቐጥ ኣብ ህዝባዊ ፍኑው ዕዳጋ፣ ከምኡውን ስጉርፈኦ ተሰኪሞም ገዛ ገዛ ብምኻድ ኮሚደረን ካልቕ ሸቐጥን ካብ ምሻጥ ስጋብ ዘመናውያን ንእሽቱ ትካላት ኣብ ምምስራትን ዝበጽሑ ብቋልያ ዋኒነ መሃዝቲ ኤርትራውያን (Eritrean loacal and survivalist Entrepreneurs)፣ ኣብ ዓዶም ዕድል ተነጊፉዎም፣ ካብ ዓዶም ርሒቖም እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለው ኣብተን ዕድል ክረኽቡለን ዝኸኣሉ ሃገራት ተሰዲዶም? (Heilbrunn, & Rosenfeld, 2019)። ዕድለኛታ ከም በዓል ደቡብ ሱዳን፣ ኣንጎላ፣ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዱባይ ብፍሩይ ክጥቀሳ ይኽእላ። እወ፣ ህርኩታት ኤርትራውያ ኣብኤን ተቐሚጦም ይነጥፉ ስለ ዘለው። ካብዚ ዝኸፍእ በሰላ ዝገድፍ ውርሻዊ ተርእዩ ኣሎ ድዩ? ብኸምዚ እንተቐጺሉኸ እንታይ እዩ ክኸውን እቲ ናትና ነገር ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመትን ድሕሪኡን? ሕሰብሉ ድኣ ደቂ ሃገር። ሃገር ማለት ህዝቢን ኩሉ ምስኡ ዝኸይድ ባህሉን፣ ዘይተበረዘን ዘይተኸለሰን ታሪኹን፣ ክብሩን፣ ያትኡን ምዕባሌኡን፣ ማሕበራዊ መነባብሮኡን እዩ። ሃገር ጎቦን ስንጭሮን፣ እምንን ሓመድን ባሕርን ጥራይ ኣይኮነን።

2.2. ውርሻዊ ባህሊን ማሕበራዊ ናብራን ኣብ ኤርትራ

ከም እንፈልጦ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ክሊማዊ ኣቀራርጻን ምድሪ ኤርትራ ኣዝዩ ተባሃጊ እዩ። ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበንን ቅድሚኡን ጀሚሮም ገዛእቲ ሓይልታት ብተዳጋጋሚ ኣርዑት መግዛእቶም ንኽጸውርን፣ ግዳይ ምዝመዛኦም ንኽኸውንን ንህዝብና ኣገዲደሞን፣ ኣዋርዶሞን፣ ድሂኸሞን እዮም (Lusini, 2006; Bereketeab, 2000))። ርግጽ ኢዩ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብኣጠቓላሊ ክምዘን ከሎ፣ ኣብቲ ግዝኣቱ ነበር ዝገድፎ ብዙሕ መዳያዊ ክፉእን ሕማቕን ውርሻዊ ተርእዮ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፣ ግን ሓደ ሓደ ንጽቡቕ ተወራራሲ ዝኾነ ሓድግታትውን ይገድፍ ኢዩ (Killion, 1996)። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ብሰፊሑ ካብ ዝተወርሱን ዝተኣታትተውን ጽቡቕ ሓድግታት ሓደ-መንቋሕቋሕታ ናይ ንኣሽቱን ስድራ ቤታውን ዋኒናዊ መሃዝነት (Small and familty Businesses and Grassroots Entrepreneurial Innovation and acumen) ኢዩ። እኹል ኣብነታት ናይዚ ሕላገታት ብቐሊሉ ኣብ ኤርትራ ይረኤ ኔሩ እዩ።

ህዝቢ ጥልያን ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ ብቐንዲ ዝፍለጠሉ ማዕበያን ባህላዊ ኣምርን ኣለዎ። ንሱ ድማ ምውናን ክእለትን ብቕዓትን ኣብ ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ዋኒናዊ መሃዝነት ኢዩ (Ruggieri, et al, 2014; Jerven, & Weisdorf, 2021)። ኢጣልያዊያን ወለዲ ንደቆም ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ዝመሃርዎ ዝያዳ፣ ኣብ መንበሪ ገዘኦም ዝምህርዎም ተግባራዊ ስነ ጥበባትን መሃዝነታዊ ክእለታትን ይበዝሑ። ንኣብነት እቶም ወለዲ ኣብ ስርሓት ንግዲ ዝነጥፉ ወይ ዝተዋፈሩ እንተኾይኖም፣ ነቶም ደቆም ገና ብንእስነቶም ከለዉ በቲ ዝግባእ ስልጠናዊ መንገዲን፣ ተግባራዊ ተመኩሮን ከምዝዋስኡ ይገብሩ እዮም። ብተግባር ድማ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝሰልጠንሉን ዝዓበይሉን ተግባራዊ ሞያ ናብ ደቆም በቀጻሊ ከም ዝሰርጽን ከምዝውረስን ይገብሩ። ኣብ ኤርትራውን ብትሑት ዓቕሚ ድኣ ይኹን እምበር እዚ ሞያዊ ባህሊ’ዚውን በብደርጅኡ ይዓኩኽን ይትግበርን ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ዋኒናዊ መሃዝነትን ኢደ ጥበባዊ ክእለትን፣ ካብቲ ዝዓበየ ስጋብ’ቲ ዝነኣሰ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኬድካ ኣብ ክፍሊ ኮፍ ኢልካ፣ ተማሂርካ፣ ዲፕሎማን ዲግሪን ዓቲርካ ጥራይ ዝውነን ዝመስሎምን፣ ብጌጋ ዝርድኡን ብዙሓት ሰባት ኣሎው። ዋኒናውን ሞያውን ክእለት ዝጥረን ዝሰርጽን ካብ ብዙሕ ረቛሒታት ኢዩ። ካብ ልምድን ተሞክሮን፤ ከባብያዊ ጽልዋን፣ ሓድግታትን፣ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠት፣ ከምኡውን እቲ ፍሉጥ ስሩዕ ኣካዳሚያውን፣ ሞያዊ ስልጠና፣ ወዘተ። እንተስ ብማዕበያ፤ እንተስ ብውርሻ ንሕና ኤርትራዊያን’ውን ብኢደ-ጥበባዊ ዋኒነ ስራሓት ብልጫታት ኔሩና ኢዩ ብመንጽር ከባቢና ክረኤ እንከሎ። ናይዚ ሓቅነት ዝምስክሩ ብዙሓት ታሪኻዊ ጭብጥታትን ውጺኢታትን ኣለው እንተላይ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ንምዕባለ ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላት ብመንግስታዊ ምሕደራ ዝተወስደ ብቑዕን ኣድላይን ስጉምቲታት ከምቲ ዝድለ ዘዕግብ ኣይኮነን (Haile, 2013; Negash, 1998; Malamulo, 2019; Belloni, & Jeffrey, 2019)። እዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ ምድኻም እዘን ንኣሽቱን ስድራቤታዊ ትካላት ኣሉታዊ ኣስተዋጻኦ ብቐጻሊ ይገብር ኣሎ። እዚ ዘይቅቡል ዝሕታለ ድማ ነቲ ዝመጽእ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ብብዙሕ መዳያት ጐዳኢ እዩ። እቲ ከም ወራሲ ኮይኑ ነቲ ስድርኡ ዝገደፍሉ ትካል ከማዕብል ዝግብኦ መንእሰይ ወለዶ ክወርስን ዋኒናዊ ሓድጊ ወለዱ ብዚያዳ ከማዕብልን፣ ዕድል ኣይረክብን ዘሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ድማ፣ ጉድእቱ ንሃገርን ህዝብን ፍሉጥ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘለው ሃጓፋትን፣ ዘየተባብዑ ደፋእቲ ረቛሒታትን (Internally instigated push factors) (Fitsum, et al, 2016; Müller, 2022)። ብተወሳኺ እውን፣ ካብ ሃገር ወጻኢ (ብፍላይ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት) ብሕልማዊ ምቁር ሕብስቲ ዘወናዉኑ ሰሓብቲ ረቛሒታት (Externally instigated pull factors) ምኽንያት ብዙሓት መንእሰያት ብብዝሒ ነታ ዝፈትዉዋ ዓዶም ራሕሪሖም ስለ ዝተሰደዱን ዝተበታተኑን፣ እተን ንኣሽቱን ስድራ ቤታውያን ትካላት ንግዲ ርኡይ ጉድኣት እዩ በጺሕወን። ካብቶም ትጉሃት ወለዲ ናብቲ ዝመጽእ ወለዶ ብምምሕልላፍ እንዳ ዓበያን እንዳ ሃጠራን ሰሰናን ኣብ ክንዲ ዝኸዳን ተዳኺመን። ንሃገራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት በቲ ዝድለ እውን ኣየበርክታን። ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብአን በሪሰንን፣ ነድዬንን፣ ተዓጽየንን ከምዘይነበራ ኮይነን ኣለዋ (Hirt & Mohammad, 2013፡ Müller, 2022; Ghebremeskel & Assefaw, 2018)። ነዚ ዕንወት ባዕሎም ካብቶም ኣማሓደርቲ እንተስ ብፍላጥ፣ እንተስ ብዘይፍላጥ የፍእሙልና ኣለው። እወ እዚ ጸገም ብሓቂ ብውድዓውነት ክምዘን ከሎ፣ ከቢድ ሃስያ እዩ። ዛጊት ኣብ ባይታ ኣምጺኡዎ ዘሎ ጉድእት እውን ከቢድ እዩ።

እቲ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ብዝለዓለ ብቕዓት ተኸሺኑን ተዳልዩን ከምኡውን ካብቲ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ ሕኑን ማዕበላዊ ግስጋሰ ሰኒቑን፤ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ከምቲ ዝድለ ተቛዲሱን፤ ካብኡ ተጠቒሙን እንተዘይዓብዩ፣ ብቕዓቱ ይውሕድ። ዝገብሮ ኣስትዋጽኦ እውን ምህሙን ይኸውን። ነተን ወለዱ ዝሃነጽሉን ዘጽንሑሉን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ብዝያዳ ኣማዕቢሉን፣ ኣህጢሩን፣ ኣስፊሑን ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ህንጸት ፍሩይ ኣስተውጽኦ ክገብር ዕድላትን ተኽእሎታትን ይውሕዶ። ብዝኾነ መንገዲ ድማ ኣየድምዕን።

2.3. ዘይምምዕባል ጸጋታትን ተኽእሎታትን ሳዕቤናቱን

ንነብስና ኣማዕቢልናን ዓቕምታትን ጸጋታት ተኽእሎን ኣጥሪና ከም ደቂ ሃገር ቀጺልና ድማ ኣጋይሽና ንቀበል ዝብል ግብራዊ ኣምር ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ኣንተዘየስሪጽና፣ እቲ ዝህሉ ሕማቕ ኣማራጺ ድማ ንኻሎኦት (መጻእተኛ) ሰብ ዓቕምን፣ ሃብትን፣ ብሉጽ ፍልጠትን ዝበለጸ ጸጋ ምድርኻ ኣረኪብካ ኣብ ገዛእ ዓድኻ አገለጋሊኦምን ጊሊያኦምን ኮንካ ተረፍ መረፍ መኣዶምን፣ ርፍራፎምን ምጽባይ ኢዩ ። ብተወሳኺ ነቶም ብሃብቶም፣ ብትካላዊ መሃዝነቶምን ብሞያኦምን ትካላት ክምስርቱን፣ ክነብሩን፣ ክሰርሑን ምስ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣውፈርትን ሰብ ላዕለዋይ ሞያን ተወዳዲርካ፣ ካብቲ ጸጋ ሃገርካ በቲ ዝድለ ተቛዳሲ ንክትከውን ከሸግር ኢዩ። ብሰንኪ ዘይቕርዑይ ምሕደራ፣ ነዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ (legacy) ንሃገሩን ንህዝቡን ዝሓልን ዝሓምምን ሃገራዊ ከሰክፍ ይግባእ።

ኣብ ገዛእ ዓድኻ ናይ በላዒ ስብሒ መሬትካ ተመልካቲ ምዃን ማለት ክጽወር ዘሸግር መሪር ኢዩሞ ካብዚ ናይ ዘመናዊ ባርነት ሂወት ኣብ ገዛእ ዓድኻን መረበትካን ይሰውረና። ንኽስውረና ድማ ኣድላይ ኩሉ መዳያዊ ስጉምቲ ምውሳድን፣ ምጽዓርን ሓባዊ ጻዕሪ ምግባርን የድልየና ኣሎ ኣብዚ እዋን እዚ። እወ ብውድዓውነት ንዘለናዮ ኩነታት ንርኣዮ። እዚ ማለት ከም ወዲ/ጓል ሃገር መጠን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብብቕዓት ዓብሊሉ፣ ነቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ከምቲ አብ ኩለን ሃገራት ዝድለ ብላዕለዋይ ኢድ ወኒኑን ኣማሓዲሩን ክነብርን ብናቱ ክብርታት ተማእዚዙ ኣጋይሹ ድማ ክቕበል ኣይክእልን። እዚ እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ ሳዕቤን ንኽትሓሰቦ ዘሰቅቕ ኢዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡን ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሞንጎ ደቂ ዓድን፣ ዕውታት ወጻእተኛታት ዋኒናዊ መሃዝቲን ኣውፈርትን ዝተራእየ ቅንኢ ዝወለዶ ፍኑው ኣዕናዊ ተግባራት፣ ኣራሚ መጠንቀቕታ እዩ። ብፍላይ ነቶም ካብ ናይጀርያ፣ ጋና፣ ኢትዮጵያ፣ ዚምባብወ፣ ሞዛምቢክ መጺኦም ጽዒሮም ኣብ ብዙሕ ቦታታት ደቡብ ኣፍሪቃ ትካላት ዝሃነጹ ዋኒነ መሃዝቲ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ነቲ ጽዒሮም ዝሃነጽዎ ትካላቶም እቶም ደቂ ደቡብ ኣፍሪቃውያ ኣብ ክንዲ ምስኦም ዝጽዕሩ፣ ኣዕንየምሎም። እዚ ናይ በሓቂ ዘሕፍር ናይ ዘይቅዱስ ቅንኢ ተግባራት ኣዩ። ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ እውን ጉህይሉን ሓፊሩሉን እዩ። ብኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና እውን ብዝኸፍኤ መልክዑ ተቓሊሑ ኔሩ እዩ። ኣቐዲሙ እውን ኣብ ዩጋንዳ (ኣብ ጊዜ ውልቀ መላኺ ኢዲ ኣሚን ዳዳ) ናይ ኤስያውያን ብጃምላ ናይ ምስጓግ፣ ሕማቕ ታሪክ ምስዕንወቱ ተሰኒዱ ኣሎ። እቲ ዝቐርብ ምኽንያታት ድማ ፍሉጥ እዩ። ብሰንኪ መጻእተኛታት ተወዳደርቲ፣ ናይ ተወሪስና፣ ብቑጠባ ተዓብሊልና፣ ኣብ ገዛእ መረበትና ናይ በላዒ ተመልካቲ ንኽንከውን ተፈሪድና ዝብል እዩ። እቲ ዝድለ ምግባር እዩ እምበር ነቶም ብጉልበቶምን፣ ፍልጠቶምን፣ ማሎምን ኣዋፊሮም ዕውታት ዝኾኑ ወጻእተኛታት ዋኒነ መሃዝቲ ብድንቁርናዊ ቅንኢ ምጥቓዕ፣ ብጀኻ ዕንወትን ዝሕትልና ቁጠባ ሃገር፣ ካልእ ዘምጸኦ ፋይዳ የብሉን።

እቶም ኣብ ኢትዮጵያን ካለኦት ሃገራትን ኣብ ኩሉ ሕሱርን ዘይምጥኖምን ስራሓት ተዋፊሮም ዘለው ኤርትራውያን መንእሰያት ዓቢ ናይ ኤርትራ ክሳራ እዮም። ከምኡ ዲና ኔርና ንሕና ኤርትራውያን። መን ድዩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ትካላዊ መሓውራት ኣብ ምህናጽ ዓቢ ተራ ዝተዋጽኦ? ብሓቂ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ የንጸላልወና ኣሎ። ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ዘሕዝን ናይ መጻኢ ተርእዮ ክንቋጻጸሮን ከነውሕዶን ንኽንክእል ሕጂ ብሓባር ምስ ሓፋሽ ህዝብና ኮይና ንትልሞን ንገብሮን ወሳኒ ቅድመ ኩነት ኢዩ። እዛ ዓለምና ኣዝያ እንዳጸበበት ትኽይድ ኣላ። ህዝቢ ዓለም ነንሕድሕዱ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ይራኸብን ይዋሳእን ኣሎ። ንኣብነት ብቁጠባ፣ ብማሕበራዊ ናብራ፣ ብፖለቲካ፣ ብተክኖሎጂካዊ ስነ-ፍልጠትን፣ ብባህሊ፣ ብዶብ ኣልቦ ሓብሬታዊ ተክኖሎጂ፣ ከምኡውን ብኻሎኦት ወሰንቲ ረቛሒታት እዚ ርክባት ኣንዳ ደንፈዔ ይኸይድ ኣሎ። እወ ሳላ ዘቀራርበና ዘሎ ዘይተኣደነ ዓውሎማዊ ናይ ሓበረታ ተክኖሎጂ፣ ኩሉ ዜናታትን ፍጻሜታትን ዓለምና ብደቓይቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛና ንኽብጽሓና ኩሉ ትኽእሎ ኣብ ቅድሜና ተዘርጊሑ ኣሎ። እቲ ከነማልኦ ዝግባኣና ኣድለይቲ ረቋሒታት ንረብሓና ንጠቐመሉ።

ፍልጠትን ሓበሬታን ብቐሊሉ ኣብ ኮምፒተርና ከም ወሓዚ ዛራ ይመጸና ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ግን ኮነ ኢልካ ብመንግስታዊ ምሕደራ እዚ ዕድል እዚ ብዘይ ምኽኑይ ተሓጺሩን ትኾሊፉን ኣሎ። ብስእነት ወፍሪ ከይንብሎ፣ ሎሚ ፍልጠት ንምድላብ ብዙሕ ዘኽፍሎ ዋጋ የብሉን (knowledge is cheap and ubiquitous everywhere)። እቲ ለይትን መዓልትን ክንሓስቦ ዘለና ከም ህዝቢ ድማ፣ ካብቲ ዘይተኣደነ ባሕረ ጸጋ ናይ ስልጣነን ዕብየትን ዓለምና ከምቲ ዝድለ ከመይ ጌሩ ንረብሓሉን ንኸስበሉን ኢዩ። እዚኸ መን እዩ ከዋድዶ ዝግባእ? ንሕና እውን ነቲ በዚ ስርዓት ብቐጻሊ ዝግበር ዘሎ ማሕልኾታት ንጉዳእ ኣለና ብዘይ ቃልዓለም። እቶም ዕቁር ጸጋታት ናብ ረብሓና ክንቅይሮም ክንክእል ኣለና ኢልና ብጻዕቒ ክንሓስብን ብውልቃዊ ይኹን ብእኩብ ብተግባር ክንጽዕረሉ ይግባእ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ክእለትን ጸጋን ድማ ተደሚሩ ሃገራዊ ጸጋታት ክምዝፈጥር ፍሉጥ እዩ።

ኣቲ ጻዕርናን ተባላሓትነትናን ናብ ቅርዓት ከነውጸኦ ክንክእል ኣለና። ንገብሮዶ ኣለና? ብናተይ ውልቃዊ ትዕዝብቲ፣ ዛጊት ኣይካኣልናን ዝሕታለና’ውን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኮይኑ ኣሎ ኣብዚ እዋን እዚ። እዚ ድማ ብሰንኪ ናይ ነብሲ ወከፍና ዝግባእና ዘይምግባር፣ ብዓቢኡ ድማ ናይ መንግስታዊ ምሕደራ ጉድለታት፣ ብቑዕ ሰብ ኣብ ወሰንቲ መንግስታዊ ምሕደራ ትካላት ዘይምህላው፣ መጠኑ ዘሓለፈን ዘየድልን፣ ኣነ ከይፈለጥኩዋ ኣይትሕለፍ፣ ዝብል ሕሉፍ ማእከላዊ ቊጽጽርን ገባትነትን፣ ብዘምጸኦ ዘይንቡር ኩንታት ብዝተፈጥሩ ተገቲሮም ዘለው ማሕለኻታትን ሓጹራትን ድንፋዔ ውልቀ ጻዕርን መሃዝነትን ኢዩ። ኣብዚ ብዙሕ ክጥቀስን ክትንተንን ይካኣል ግን እቲ ነገር ኣብቲ ዘሎ ነባራዊ ኩነት ስለ ዝኾነ ምድጋሙን ምዝርዛሩን ኣየድልን። እዚ ዝሕዝን ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘምጸኦ ዘሎ ሳዕቤናት እውን ብግሉጽ ንርእዮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ፣ ብጀካ ውሑዳት ካብዚ ኢና ከምዚ ኢና ዝብሉ ሰብ ፍሉይ ጉንዖ ዓንገልቲ እቲ ገባቲ ስርዓትን፣ ብኹሉ መለኪዕታት ንድሕሪት ተመሊሱ። ዝጠፍአ ዕድላትን ክሳራታትን፣ ምስቲ ድጉል ጉድኣቱን ስምብራቱን፣ ደረት ተሳኢኑዎ የሳቕየና ኣሎ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ ንኣሽቱን ስድራ-ቤታዊ ትካላዊ መሃዝነት ድማ እቲ ቀንዲ ህዝቢ ኤርትራ ብልጭኡን ተዋዳዳሪ ብሉጽነቱን ከርእየሉን ብዘየላቡን፣ ብቐዳምነት፣ (ወላውን ኣብ በተዛማዲ ጽንኩር ኩነንታትን) ከማዕብሎ ዝግባእ ቁጠባዊ ጽላት ክኸውን ነይሩዎ። እቲ ዘሕዝን ድማ፣ ጥጡሕ ባይታ ዛጊት ብዘይምፍጣሩ፣ እቲ ማዕበያዊ ብልጹነት ህዝቢ ብቀጻሊ ብዘሰንብድን ነበረያ ነበረ ይኸውን ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብሰፊሑ ዝተራእየን፣ ዕውት ውጺኢት ዝሃበን፣ ዝህብ ዘሎን፣ ህዝቢ ኤርትራ እውን ምረብሓሉ። እቲ ዕቑርን፣ ውህሉልን፣ ዝተመስከረሉ ተወፋይነት ህዝቢ ኤርትራ እንብሎ እንተድኣ ዘተባብዕ ሃዋሁው ዘይተፈጥረሉ፣ ውጽኢት ኣልቦ እዩ ክኸውን። እዚ ማለት ድማ ምርማስ፣ ምዝሕታል ኣብነት ናይ ሕማቕ ሓድጊ ምዃን እዩ እቲ ካልእ ህሞት። ኣዚ ከይከውን ድማ ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ የድሊ። ብኸመይ ነተግብሮ? ግድነታዊ ዕዮ ገዛ ኩሉ ንሕዝቢ ኤርትራ ቀጻሊ ሰናይን ምዕባለን ዝትምነን ዝደልን እዩ።

በሰላ ሕማቕ ሓድጊ ማለት ድማ፣ ከምቲ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (African National Congress or ANC) ሲርል ራማፖዛ ሕጂ ፐረዚደንት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝበሎ ኢዩ። እጠቅስ፡-“ነቲ ን400 ዓመታት ዝተወጸዔ ግን ከኣ ብቁጽሪ ብገፊሕ ዝዓብለለ ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ መበቆላዊ ህዝቢ ብቁጠባ ምሕያል (Balanced Economic Empowerment) ዘሸግረና ኣይኰነን። እዚ እቲ ዝቐለለ ኢዩ ንዓና ነዞም መራሕቲ። እቲ ዝዓበዬ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ ግን፣ እቲ ንኣስታት አርባዕተ ክፍላተ ዘበን ዝኣክል ነቲ ምስኪን ጸሊም ደቡብ አፍሪቃዊ፣ ምሉእ ሰብ ኣይኮንካን፣ ንዓና ንጸዓዱ ከተገልግል ኢኻ ተፈጢርካ፣ ቁጽሪ፣ ሳይንስ፣ ወዘተ ከምህረካ ዘኽእለካ ናይ ተፈጥሮ ባህርይን፣ ክእለትን ኣይተዓደልካን፣ ፍርቂ ወይ ሓውሲ ሰብ ኢኻ፣ ብስነፍስጠት ተዓጂብካ ክትምህዝን ከተማዕብልን ዘኽእል ዓቕሚ ክትውንን ብተፈጥሮ ኣይተዓደልካን፤ እንዳተባህለ ብቀጻልን፣ሰራምን፣ ነውራምን ስነ ኣእምሮኣዊ ዘመተ ተጌርሉ ዝተዳህለን ከምኡውን ወኑን ርእሰ-ተኣማንነቱን ከምዘጥፍእ ንዝተገብረ ህዝቢ፣ ሱር በተኻዊ ብዝኾነ መንገዲ፣ ነዚ ክፉእን ረማስን ዝኾነ ውርሻዊ ተርእዮ ኣወጊድካ ብኸመይ ርእሰ ተኣማንነቱ ትመልሰሉ ኢዩ።” እዚ ማለት ድማ፣ ካብቲ ጻዕዳ ዜጋ ብዘይንእስ ከድምዕን ክዳረግን ይኽእል ኢየ ኢሉ፣ ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ምእንቲ ክነብር ማለት እዩ።

እዚ ንዓና ኤርትራውያን ዓቢ ምኸሪ ኢዩ። ሕማቕ ውርሻዊ ሓድጊ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዓንቃፍን ጐዳእን ከምዝኾነ ፍሉጥ ኢዩ። ዓቕምን ትሕዝቶን (ጸጋታትን) ሃገር ዝድንፍዕ ድማ ናይቲ ውልቀ ሰብ ዓቕምን ዕቑር ጸጋን ምስ ዝድንፍዕ እዩ። ግን እዛ ዝበልናኩም ግበሩ ወይ ጽደፉ (Our way or the highway) እትብል ተመዛዚት ሓረግ ኣይተዋጽእን እያ እሞ፣ ነቶም ሓይልን ስልጣንን ኣለና፣ ንግብት ኢና ዝብሉ፣ ንዑ ግደፉ እንተድኣ ህዝቢ ኤርትራ ክስልጥን፣ ክነፍዕ፣ ክህብትም፣ ክኾርዕን፣ ክስውድን ዝድለ ኮይኑ፣ እቲ ዝግበር ፍሉጥ እዩ ክብሎም ኣለዎ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ነዞም ዝምለከቶም ከኣልቲ ኩሉ ሰማይ ሓንፊጥና ነማሓድር ኣለና ዝብሉና ዘለው። ንሕና ኢና ክኣልቲ ኩሉ፣ ካባና ዝበልጽ የልቦን። መንግስትናን ውድብና ካብቲ ወዲ ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል ዝተራቐቐ እዩ፣ ሕሉፍ ተመኩሮና ኢንታ ዘይርከቦ ዝበለጸ ኢዩ። ምትሃታዊ ባህልና እዩ እንታይ ክወጾ፣ ተዓዊትናሉ ኢና፣ ተኣምር ንሰርሕ ኣሎና፣ ምባል እንታይ ከም ዝወለደን ብዝግባእ ክርዳእ ዝኽእል ኤርትራዊ ይዕዘቦ ኣሎ። ብቐጻሊ ዘምጸኦ ዕንወትን፣ ብርሰትን እውን ንኽትግምቶ ዘየሸግር ስለዝኾነ፣ ካብዚ ዘይንቡር ኩነት ኣእምሮን ተግባርን፣ ናብ ንቡር ክምለሰ ኣለዎ ናይ ግድን። እዚ ኣማራጺ ዘይብሉ ግድነታዊ ዕማም ህዝቢ ክኸውን ኣለዎ።

ልክዕ እዩ ንሕሉፍ ተመኩሮ ኣዳቒቕካ ምፍላጥን፣ ጸጽብቑ ምውሳድን፣ ሰናይን ኣወንታውን እዩ። ግን ኣብ ጊዜን፣ መንኮርኮር ምዕባለን፣ ዝተማእዘነ ዳይናሚካዊ መስርሕ ክንጎስዮ ዘይንኽእል፣ ግድነታዊ ናይ ምዕባለ ሕጊ ስለዝኾነ፣ ክንክተሎ ግድነታዊ ሓላፍነትና እዩ። ኣድማዒን፣ ዘመናውን፣ ትካላዊን፣ ዲሞክራሲያዊን መንግስታዊ ምሕደራ ካብ ላዕሊ ስጋብ ታሕቲ ኣብ ዝወርድ ጽፍሕታት ክህሉ ኣለዎ። ምስ ግዜን ዲናሚካውን ሞዕባለን ድማ ተዓጻጻፍነት ከርኢ እውን ኣለዎ። እንተ ዘይኮይኑ ግን ኣብ ክንዲ ኣሳላጢ፣ ዓንቃፊ፣ ኣብክንዲ ንጽቡቕ ውጽኢት ደፋኢ ዝኸውን፣ ሓንኳሊን ደራትን፣ ይኸውን ማለት እዩ። ስለዚ ኣብቲ ዝመጽእ ጊዜ፣ ንቡር ዝኾነ ንሕዝቢ ሓይልን ዕድልን ዝህብ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ካልእ ኣማራጺ የልቦን ብጀካ ንነብስኻ ምጥባርን፣ ንህዝኻን፣ ኣዝዩ ጎዳኢ ስምብራት ምግዳፍን። ንዓኻውን፣ ኣታ ብጸባብ ነዃል ትጥምት ዘላኻ ብዓል ጊዜን፣ ተበላጽን፣ ዕቡይን ውዒሉ ሓዲሩ ከርክበልካ እዩ። ዘይተርፍ ዘገምታዊ ተርእዮ ስለ ዝኾነ።

ኣብ ታሪኻዊ ህቡብነትካ ተመርኲስካን ሕሉፍ ጅግንነትካ ምድማቕ ሰናይ እዩ። ግን እቲ ሕጂ ዘሎን፣ ብሕጂ ዝመጽእን ብናይ ስነፍልጠታዊን ዲያለክቲካዊን ናይ ሞዕባለ ሕግታት ተቐይዱ ስለ ዝኸይድ፣ ግድን ምስኡ ምኻድን ነቲ ዘምጸኦ ግድነታዊ ለውጢ በቲ ሓፋሽ ዝረብሓሉ መርሓ መንገዲ ምርዓምን ከድሊ እዩ። ነዚ ዘይምግባር ማለት ግን ብሃገርን ህዝብን ምጥላዕ ማለት እዩ። ውጽኢቱ ድማ ኣሹንኳይ ንፈታዊኻስ ንጸላኢኻ እኳ ዘይትትምነየሉ ብርሰት ህዝብን ሃገርን፣ ብዝኸፍኤ መልኽዑ የስዕብ።

መንኮርኮር ምዕባለ ሃገር ኣወንታዊን ኣድማዕን ዝኸውን ዝተፈላለዩ ተራጸምቲ ግን ንምዕባለ ሃገር ዝሕልኑ ኣታሓሳስባታትን ኣራኣእያታትን ምስ ዝህልውን ዝታባብዑን ጥራይ እዩ። ብሓጺሩ፣ ተዓጻጻፍነትን ውድዓውነትን ዘይጉሰ ግድነታዊ እዩ፣ ኣብ ናይ ሃገራዊ ናይ ምዕባለ መስርሕ። ደሞክራሲያዊን ንኹሉ ብማዕርነት በጽሖ ምዕባለ ዝረጋገጽ፣ ንማዕርነት ዞባታት (Promoting Regional Socio-Economic Balance)፣ ብፍላይ ብመንጽር ሕሉፍ መጉዳእቲ ናይቶም ዝተለለዩ ከባቢታት ኣለልዩን፣ ብትኩሩነት ጠሚቱን፣ ዝሰላሰል ጠርናፊ ምዕባለ ሃገር እዩ፣ ሕኑንን ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ሃገር ዘምጽእ። ናይ ብዙሓት ሃገራት ሕሉፍ ተመኩሮ ከም ኣብነት ምውሳዱ ካብኡ ምምሃሩን ጽቡቕ እዩ። ከምቲ ፈላስፋ ዳርዊን ዝበሎ፣ ‘እቶም ምስቲ ብቐጻሊን ተለዋዋጢን ዝኾነ ውድዓዊ ናይ ምዕባለ ተርእዮን፣ ለውጥን ብተዓጻጻፍነት ተዋሃሂዶም ዝምርሹ እዮም እቶም ዝበለጹ ዝኾኑ’። ብሓቂ ክሕሰበሉ ዘሎዎ እዩ ከም ዘይጉሰ ኣማራጺ። ንሓፋሽ ዘይምእዘዝን፣ ሓፋሽ ዘየማእከሎን፣ ዘይደሞክራሲያዊን፣ ብሓላፍ ዘላፍ ናይ ምዕባለ መቓን መስርሕ ዝዝወርን፣ ምሕደራ ሃገርስ፣ ናበይ እዩ ክበጽሕ ብጀካ ከም ዓሳ ንርእሱ ኣበስቢሱ ነቲ ካብ ላዕሊ ስጋብ ታሕቲ ዝዝርጋሕ ሰንሰለታዊ መሳልላዊ መሓውር ምሕደራ ሃገር ምምራዝን፣ ዘይጽፉፍን ዘይኣድማዕን ምግባር እንተዘይኮይኑ። ካብ ዓርሞሸሽ ጸጋን፣ ሓይልን ተኽእሎን ኣብ ኩሉ ጫፋት ሃገር ዘሎ ሓፋሽ ዘምልጥ ኣሎ ድዩ? ሕዝቢ ኤርትራ እኮ እንኮ ዝነጸፈት ሓምራ ላም ኣይኮነን፣ ብቐጻሊ ዝፍልፍል ንጹህ ዛራ ማይ እምበር።

3. ዕቑር ተዋዳዳሪ ብሉጽነት ኤርትራ (The Competitive Advantage of Eritrea)

ሚካኤል ፖርተር (Michael Porter) ዝተባህለ ናይ ተወዳዳሪ ስትራተጂን ትካላዊ ተወዳዳሪ ብሉጽነት ሊቅ፣ ኣብታ ናይ ሃገራት ተዋዳዳሪ ብሉጽነት (Competitive Advantage of Nations፣ 2011) እትብል ህብብቲ መጽሓፉ ከምዚ ይብል፣ እጠቅስ “ተወዳዳሪ ብሉጽነት ናይ ሓደ ሃገር ዝረጋገጽ በቲ ዘማዕበለቶን ዝወነነቶን ኩሉ መድያዊ ጸጋታትን ዓቕምታትን፣ ተኽእሎታትን ብቕዓትን እዩ። ንሱ ድማ ብብዙሕ መዳያዊ መቓን (standard and objective parameters) ክምዘንን ክግለጽን ይካኣል ኣዩ”። እቶም ብገፊሑ ዝድለዩ ጸጋን፣ ተኽእሎን፣ ዓቕምን፣ ብቕዓትን ድማ ብንጹር ክግለጹ ኣለዎም። ናይ ሃገር ጸጋታት ዝባሃሉ ዘለው ኣብ ሽዱሸት ከፊለዮም ኣለኹ። ነንሕድሕዶም ድማ ዝተታሓሓዙን ዝማላልኡን እዮም። ሀ) ኣበርካቲ ሰብኣዊ ጸጋ (ብፍላይ ዝሰልጠነን፣ ዝተኸሸነን)። ለ) ንዋታዊ ጸጋ ኣብ ትሕቲን ልዕሊን መሬት ዘሎ ኩሉ ዝሓቖፈ። ሐ) ገንዘባዊ (ፊናንሳዊ) ጸጋ ምስኩሉ ትሕዝቶታቱ። መ) ትካላዊን ምምሕዳራውን ዋኒናውን ጸጋ። ሰ)ተክኖሎጂካውን መሃዝነታውን ስነፍልጠታውን ጸጋ። ረ) ሓበሬታዊን ህቡብነታውን ጸጋ (Reputational resources)። እዚኦም ጸጋታት ኣብ ብዙሓት ክፋላት ተኸፋፊሎምን፣ ተበቲኖምን፣ ዝግለጹን ዝትንተኑን እዮም። ምትንታኖምን ብሰፊሑ ምግላጾምን እውን ቀሊል መስርሕ ኣይኮነን። ውሁድን፣ ተማላላእን፣ ጻዕሪን ፍልጠትን ይሓትት። ብዕቱብን ብብቕዓትን ክስራሓሎም ድማ ኣለዎ። ሓንቲ ሃገር ፈጣንን ቀጻሊን ምዕባለ ከተመዝግብ እንትድኣ ደልያ፣ ነዚኦም በብጽላቶም (clustered) ተገሊጾም ዘለው ጸጋታት፣ ብልዑል ኣድማዕነትን ጽፉፍነትን፣ በቲ ዝድለን ንኹነታት ብዝጥዕምን፣ ብብልሓታዊን ውጺኢታውን መንገዲ ከተጥርዮምን ክትጥቀመሎምን ኣለዋ ማለት እዩ። ግን ብብዝሒ ናይ ዕቑር ጸጋታት ምሩቕ ወይ ዓርሞሸሽ ምዃን (abundance of endowments) ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን። ከምኡ ኔሩ እንተዝኸውንሲ፣ ከም በዓል ዲሞክራቲክ ረፓብሊክ ኮንጎ፣ በርማ (ሚያማር)፣ ዚምባብወ፣ ቨንዚወላ፣ ኣንጎላ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣይቮሪኮስት፣ ሞንጎልያ፣ ወዘተ፣ ካብ ካለኦት ዝበለጻ ሃብታማት ምኾና። ግን ምስ እዚ ኩሉ ዕቑር ጸጋታተን ዝተረግመ ኮይኑወን (Resource curse)፣ ብድኽነት ኣይምተቛራመዳን። ስለምንታይ? እቲ ምኽንያት ፍሉጥ እዩ። ነቲ ዕቑር ጸጋታተን ብግቡእ ንምዕባለን፣ ዲናሚካዊ ሃገራዊ ቁጠባ ንምፍጣርን፣ ዘኽእለን ብቕዓትን ተኽእሎን ስለ ዘየማዕበላን ዘይወነናን እየን። ስለዚ ብቕዓትን ተኽእሎን ብሃገር ደረጃ ነቲ ሓፋሽ (grassroots) ብወለንታዊ ነጻነትን፣ ብህዝባዊ ሓልዮትን፣ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ኣማኢኪሉ ምስቲ ዘሎ ዕቁር ጸጋ ብጽምዶ እንተ ዘይተጠርዩ፣ ወላ ዘይተኣደነ ዕቑር ጸጋ እንተሃለው ናብ ዝተረግመ ጸጋ (destructive resource curse) እዩ ዝቕየር። ተፈጥሮ ሃጓፍ ስለዘይትፈቱ ድማ ናይ ካለኦት ሽሻይ ኮይኑ ይተርፍ። እቶም ደቀባት ድማ ይውገኑ። ኣብ ገዛእ ዓዶምን መረበቶምን ድማ ጽግዕተኛታት ወሰንተኛታት ይኾኑ። ብኣልማዝ ዕደና ቀዳመይቲ ዝኾነት ቦትስዋና፣ ነቶም ሞትስዋና (ደቀባት)፣ ኣልማዝ ሒዝኩምዶ ወይ ርኢኹምዶ ትፈልጡ ኢልካ እንተ ሓቲትካዮም፣ ሒዞምን ርእዮምን ስለዘይፈልጡ ብኣሉታ እዮም ዝምሉስልካ። እዚ ኣብዛ ዓለምና ብተግባርን ብጭቡጥን ዝረኤ ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ እዩ። እብ ኤርትራ እውን እዚ ኣሰምባዲ ምስ ዕደና ዝተሓሓዝ ናይ ገዛእ ሃብትኻ ጓና ናይ ምዃን ሓደጋ፣ ዘድሊ ዘብየታዊ ዓቕምን ተኽእሎ እንተ ዘይተጠርዩ፣ ኣፉ ከፊቱ ይጽበየና ኣሎ፣ በዚ ዘለናዮ ኩነታትናስ ዝያዳ የሰክፍ። እወ ብርዱእ ምኽንያት። ወላውን እቶም ኣብ መሪሕነት መንበር ተቐሚጦም ዘለው መራሕቲ እውን ብንጹር ክዳረግ ዝኽእል ብቑዕ ሰብእዊ ጸጋ ከምዘይብልና ይገልጹልና ኣለው (ዝተፈላለዩ ፕረዚዳንታዊ ቃለ መሕተታት ምውካስ ይካኣል እዩ ዓላምኡ ብዘየገድስ)።

ኤርትራ ኣይኮነን’ዶ ነዚ ውሕድ ህዝባ ዝኸውን፣ ንኻልእ’ውን ምኣኸለት። ብክሊማኣ፣ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኣን፣ ኣንተ ማዕቢሉ ድማ ንበጻሕቲ መስሕብ ዝኸውን ተፈጥሮኣዊ መሬታዊ ኣቃማምጣኣ፣ ብታሪኻን፣ ያታኣን፣ ባህላታታን ክብርታታን፣ ብዕቑር ትሕተ መሬታውን ጸጋታታን፣ በቲ ካብ 1200 ኪሎ ሜተር ዘይንእስ ካብ ሽሕ ንላዕሊ መራኽብ ንመዓልቲ ዝማላለሳሉ መትረብ ቀይሕ ባሕሪ ስትራተጂካዊ ኣፍደገ ባሕራን፣ ምስኩሉ ዕቑር ጸጋታቱን፣ ካብ ኩሉ ድማ በቲ ዝተመስከረሉ ህርኩት ህዝባ። ካልእስ ይትረፍ፣ እቲ “ድንጋይ ነው ኣገራችሁ” ኣእማን እዩ ዓድኹም እናተባሃልና በቶም ናይ ኢትዮጵያ መስፍናውያንን ሰብ ሓለፋታት ነፍጠኛን ንሕመየሉ ዝነበርና፣ ጸሊም እምኒ ዓረን እምነ በረድን (Basalt and Ignious Rocks)፣ እኳ ክቡር ዋጋ ከውጽእ ንርእዮ ኣለና። እዞም ኣብዘን ምዕቡላት ሃገራት ንነብር ዘለና ንርእዮም ኣለና፣ ተጸሪቦም (ፋቻቢስታ) ብኣሽሓት ዶላራት ክግዝኡን ንመመላኽዒ ህንጻታት ክድለዩን። ብጠሓንቲ ጸጸር (ፈረንታዮ) ተጣሒኖም እውን እቶም ዝበለጹን ዝደልደሉን ጽርጊያታት የመስርሑ ኣለው። ንኤርትራ ድኣ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዝዝርግሑ ገፋሕቲን ምዕባለኦም ዝሓለው ናይ ቅጥራን ጽርግያታ ብውሑድ ዋጋ ምተሃንጹ፣ በዞም ዘለውና ኣብኩሉ እምኒ ዓረ እኻውሕ። ንመንበሪ ገዛውቲን ህንጻታትን መስርሒ ዝኾኑ ከም ሑጻ፣ ምሩጽ ሓመድ፣ ኖራ፣ ወዘተ፣ ወዘተ ኣብኹሉ ቦታት ኤርትራ ኣለው። እቲ ዝዓበየ ብልጹነት ድማ ሩሑቕ ቦታ ከይተጓዓዝካን ምህላዎም እዩ። ካብቲ ንስሚንቶ ፋብሪካታት ምቹእ ዝኾነ ናይ ጥቓ ባሕሪን፣ ጎላጉልን፣ ካልእ ጥጡሕ ቦታታት እውን ንሕሰቦ። ዋእ፣ ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ እዩ እሞ። ብሓጺር ጊዜ ምዕብልትን ብልጽትን ክትከውን ተኽእሎ ኣለዋ ክንብል ከለና ሓቂ ብሓቂ። ንዓና ኣኺላስ ንኻለኦት ጎረባብቲን ኣሕዋትን ህዝቢ እውን ናይ ጽምዶን ምትሕግጋዝን ዕድላት ምስፈጠረት። ኣብዚ ዝሓለፈ 31 ዓመታት ብዘይ ምግናን፣ ካብቲ ዝነበረቶ ካብ 20-25 ዕጽፊ ንላዕሊ ክትምዕብል ምኸኣለት። ስልጡንን ተዓጻጻፍን እንካን ሃባን ዝፈልጥ፣ ናይ ሓፋሽ ልዕልነትን፣ ዲሞክራስን፣ ነጻ ኣታሓሳስባን ዝማእከሉ፣ ስልጡን መንግስታዊ፣ ምሕደራን ዲሞክራሲያዊ መንግስታዊ ትካላዊ ኣሳራርሓን ስለ እትሓረማ ግን ህዝባ ብልኡምነት ናይ ብዝበልናካ ግበርን ኣፈጻሚ ትእዛዛትን ግዳይ ንክኸውን ስለ ዝተፈርደ እዩ።

ካብ ክልተ ሚልዮን ዝበዝሑ ማለዥያውያን ኣብ ጎረቤቶም ሲንጋፖር ከይዶም እንዳሰርሑ ንዔኦምን፣ ነታ ኣእንጋዲት ሃገርን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለው። ደቂ ኣውስትርያ ኣብ ስዊዝዘርላንድ፣ ደቂ ሆላንድን በልጁምን ኣብ ላክሰንበርግ፣ ካብ ክልተ ሚልዮን ንላዕሊ ደቂ ካናዳ ኣብ ኣመሪካ፣ ኢጣልያውያን ኣብ ጀርመን፣ ደቂ ዚምባብወ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ደቂ ሞዛምቢክ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ደቂ ቱርኪ ኣብ ጀርመን፣ ደቂ ኢንዶነዥያ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ወዘተ። ናይ በሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ክስውድ፣ ክምዕብል፣ ብግብሪ ክኾርዕ ዝደሊ ወዲ/ጓል ኤርትራ ነዚ ብዕቱብ ይሕሰበሉ። ኣብ መበል 21 ክፍላ ዘበን ብኸምዚ ምሕሳብ፣ ዘይጉሰ ምርጫና ክኸውን ኣለዎ። እንተዘይኮነ ግን ምስ መንደቕ ምግጫው እዩ። እቲ ጉድኣቱ ድማ መሪርን ኣኽሳሪን እዩ፣ ሰዓርን ተሰዓርን ዘይትኣደነ ጉድኣትን ዕንወትን ስለዝበጽሖ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልኩዎ፣ ክደግማ፣ ናይ ሃገሩ ጸጋን ተኽእሎን ብላዕለዋ ኢድ ወኒኑ ኣጋይሹ ዘይቅበል ህዝቢ ከመይ ጌሩ እዩ ክኾርዕ? ደሓን ንግዜ ንግደፈሉ። እቶም ለባማት ኤትራውያን ሓለይቲ ህዝቦም ግን ኣቐዲሞም ይመኽሩናን ይነግሩናን ኣለው ጊዜ ከይሓለፈ ንስማዓዮም ናብ ነብስና ንመለስ።

3.1. ኤርትራ ዘላቶ ኩነታትን ዝዋሃብ ምስምሳትን/ዘየዕግብ ዕባራ ምኽንያታትን

ተደጋጊሙ፣ ንኽትግብት ምእንቲ፣ ዝዋሃብ ዕባራን ምኽንያታት ኣሎ። ልዑላውነትናን ሃገራዊ ህንጸትና መስገደላት ኔሮሙና፣ ማሕለካታት ኔሮሙና፣ እታ ናይ ትግራይ/ወያኔ መመሳመሲ ካርድ እውን ኣላ፣ ወዘተ፣ ወዘተ። ግን ኣብዛ ዓለምና ብዙሓት ንመፍትሒ ሽግራት ዝኾኑ ፍቱናትን ዝተመስከረሎምን ብልሓታት ኣለው። ካብ ብቐጻሊ ጎዳእትን ኣብረስትን ዕንደራታት ወጻኢ። እዚ ስርዓት ብዝጻሕተሮ ይኹን፣ ብዘይጻሕተሮ፣ ብሕመቕ ይኹን ብቶንኮል፣ ብምዕብላል ይኹን ሓለፋታት ብምድላይ፣ ብዘምጸኦ ሽግራት ብዘሕምም ብዘየማትእ ተጎዲእና ኣለና። እዚ ግን ክቕጽል የብሉን። ጋሻ ውሕጅ እንዳስሓቐ እዩ ዝወስደካ። ዘድሊ ዓቕምን፣ ጸጋን ከይወነንካ፣ ብዳንኬራን፣ ፈኸራን ዝውጻእ ነዊሕ እምባ የልቦም።

ሕራይ እስከ፣ ልኡላውነትና ከነውሕስ ኣሎና ክባሃል ከሎ ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎ ሓፋሽ በታቲንካ፣ ኣዳኺምካን ካብ ሃገር ዘባርሩ ደፋእቲ ረቛሒታት ፈጢርካ ዘይኮነስ፣ ብእንጻሩ እዩ። እዚ ድማ ናይ ኩሉ ወዲ ሃገር ጉዳይ ከምዝኾነ ምፍላጥን ምቕባልን ይጥለብ። እቲ ዝበለጸ፣ ዘመናዊን፣ ብልሓታዊን ኣማራጺ ፈጢርካ ምዕያይን ምጽዓትን እዩ። ብዝኸሓነ ጽልእን፣ ሓላፍነት ዝጎደሎ እህህታን፣ ዘይኮነስ፣ ንርሑቕን ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ሓሲብካ ምራቕካ ውሒጥካን እዩ። ናይ ስነፍልጠታዊ ናይ እንካን ሃባን ኣምራት ተኸቲልካ እዩ። እኹል ሃናጺ ተሞክሮ ኣሎ ኣብዛ ዓለምና። ካብ ኩሉ ዝድለ ድማ ንሓፋሽ ህዝቢ ንንጡፍን ኩሉ መዳያዊ ተሳታፍነት ዕድል ብገፊሑ ምኽፋት እዩ። ኣድማዒነት ናይዚ ኣካይዳ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስኽፍታት የልቦን፣ ባዕሉ ሓፋሽ ህዝቢ እቲ ሽግር ክገጥሞን ክዕወተሉን እዩ። ሓፋሽ ዘማእከሎ ናይ ነጻነትና ተጋድሎን ውጽኢት ዓወትን እኮ ርኢናን ኣንቢብናን ኢና። ናይ ትማልን ሎምን ህያው ታሪኽ ስለዝኾን። ሓፋሽ ህዝቢ ሪቕ ናይ ኩሉ ዕቑር ጸጋታት ስለዝኾነ፣ ዕድል ሂብናዮ እንተንኸውን፣ ብናተይ ኣራኣእያ ኣብ ከም ሰንሰለት እናተታሓሓዘ ዝኽይድ ደረቱ ዝሓለፈ ብድሆን፣ ቀጻሊ ሽግርን፣ ማሕንቖታትን ኣይምኣተናን። ኣብዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘለና ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት እውን ኣይምበጻሕናን።

ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምንታይ ኢያ ትፍለጥ፣ ትምዘን፣ ትውገን፣ ከምኡውን ትግለጽ ኢልና እንተ ሓቲትና፣ እቲ መልሲ ፍሉጥ እዩ ዳርጋ ንኹሉ ዝግደስ። ብጀካ እቶም ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘለው ዓይኖም ብናይ ህግደፍ ኣታሓሳስባታት (Denial, Nostalgic, Arrogance (DNA)) ዝተበከሉ ብጸባብ ነዃል ዝርእዩን ሓለፋታት ዝጽበዩን ውሕዳት ገዲፍካ። ንዓና ንኤርትራውያን ዓደቦና እያ። ግን እንታይ እሞ ክንገብር ፈቲና ጸሊኢናስ ብስነፍልጠታዊን፣ ብውድዓዊን ክትግለጽ ኣለዋ። እወ እንታይ ንግበር ኣይንሕሱን።ነቲ ሓቂስ ክንጋፈጦ ኣለና፣ ምሁራዊ ጠለብ ንሱ ስለዝኾነ። እምበእርከስ ኤርትራ በቲ ዘሎ ናይ ምዕባለ ውድዓዊ መቓንን፣ በቲ ውድዓዊ ዘይሻራዊ ሓቅታትን፣ ተርእዮታትን ብኸምዚ ትግለጽ?

a. ኣብ ዓለም ካብተን ኣዝዩ ትሑት ናይ ሰብ ጸጋ ምዕባለ ዘለወን ዓሰርተ ሃገራት ትምደብ (Extreme Low levels of human capital)። ናይ ብዙሓት ሰብኣዊ ምዕባለ ምንጪ ሓበሬታት ምውካስ ይካኣል እዩ። ናይቲ ስርዓት መራሒ እውን ብግሉጽ ብዛዕባ ሰብእዊ ጸጋ ድኽመት ዝተዛረቦ ኣኻሊ እዩ (ፕረዚዳንታዊ ቃለ መሕተታት ተመልከት)።

b. ካብ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውይን ብዝሕወል ሓዋላን፣ ናይ ማዕድናዊ ኣቶትን፣ ከምኡውን ብኻልእ ዘይንጹር እቶትን፣ ብቀንዱ ዝተመስረተት ኮይና ተነካእን (vulnerable)፣ ውሕስና ዘይብሉ ሃገራዊ ቈጠባ እያ ትውንን ከምኡን ተንቃሳቐስን (Remittance, some mineral extracting, and some other unidentified based economy)። እቲ ዝተረፈውን ውሕስና ዘይብሉ ዘይ ዕላዊ ቁጠባ (Informal Economy) እዩ። ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብ ዘይዕላዊ ሃገራዊ ቁጠባ ተመርኲዙ ዝነብረሉ። እዚ ማለት ድማ ኮሚደረ፣ እንቋቁሖ ሸጥካ (ናይ ቁሩብ ቁራቦ ቁጠባ)፣ ወዘተ።

c. ሓደ ዓቢ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ እቲ ከበርክት ዝኽእል፣ ላህመት ሃገር ዝኾነ ክፋል፣ ካብ ሃገር ዝወጻላን ዝተሰደደላን (ዘልገሰላን)፣ካብ ዶባታ ወጻኢ ዝነብረላ እያ። ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዘሎ ብፍላይ እቲ ኣብ ከባቢ ዶባትን ከምኡውን ካብኡ ንውሽጢ ብመጠኑ እቱው ዝበለ ከይተረፈ ብምዝንባል ዝሳቐ ህዝቢ ዘለዋ እያ ( Internally and externally displaced population)።

d. ሃገር ብምልእታ ናብ ወታሃደራዊ መዓስከር ዝተቐየረትሉን ብናይ ኩናት ቁጠባ ቅዲ እትካየድን (War Economic Management) እትምራሕን (Militarized population and war economy ad hoc management) ሃገር ኣብ ዝኾነትሉ ህሞት እያ ትርከብ።

e. ኣዝዩ ዘይብቑዕ፣ ኣብ ባዶ መኽዘን ብዝተመስረተ ትዕቢትን፣ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ንነብስኻ ምትዕብባይን ዝተመስረተ፣ ናይ ብሕመቕን፣ ተንኮልን፣ ክፍእትን፣ ኣኽሳሪ ድርቅናን ዝተማእከለ ዲፕሎማሲያዊ ኣካያድያታትን እትኽተል። (Poor, inept and reckless foreign diplomatic relations)።

f. ኣዝዩ ዘይብቑዕን፣ ዓምጻጺን፣ ዓምጣሪን፣ ገባቲን፣ ብፍጹምነት ዘማህምን፣ ካብ ንቡር ዝወጸ መንግስታዊ ስርዓተ ምሕደራን እትኽተል። ኣዝዩ ድሑር ዝኾነን ንህዝቢ ዘየሳትፍ ህንጸት ሃገረ ዳውላ ከምእተካይድ ብዕላዊ እትፍለጥ (Poor and inept governance and nation building process)።

g. ብቐጻሊ ኣብ ጽልእን፣ ሕነ ምፍዳይን፣ ዕግርግርን፣ ነባሪ ጽልኢ ኣብ ዝዘርእ ዘፈልፍልን ጋብላ ተሸኺልካ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ምስቲ ናይ ቀረባ ጎረባብቱ ብፍላይ ምስ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዶባት ዝዝርጋሕ መላምንቲ ሓዊ ዝኾነ ጎረቤቱ ህዝቢ ትግራይ፣ ተሓባቢሩ ብሰላም ከይነብርን፣ ተሓጋጊዙ ኣብዚ ስትራተጂካዊ ዞባና (Economic hub) ከይምዕብልን ምትፍናን ብዝፈጥር ስርዓት እተዓብለለትን እተገበተትን።

h. ከምኡውን ብቀዳምነት ዋኒን ምዕባለ ማሕበረ ቁጠባ ኣትኩሮ ከይግበር ምእንቲ፣ ብዕንደራን ብማእለያ ዘይብሎም ምስምሳት ተዓብሊልካ ስልጣንካ ንምግባትን ንምቕጻልን፣ ብናይ ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ መናውራታትን ስትራተጂታትን ተማእኪልካ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክወጾ ዘይክእል ዓዘቕቲ ንምእታው ለይትን መዓልትን ናይ ዝጽዕሩ፣ ግዳይ ከምዝኾነት ሃገር እትግለጽ። (Lack of concern for peaceful coexistence and socio economic collaboration with immediate neighbors particularly with the people of Tigray)።

እቲ ኣዝዩ ከሰንብድ ዝግበኦ ድማ፣ ብኣደብ ዘይብሎምን ኣነወርትን ድሑራትን፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብን ህዝብታትን (Inter and Intra)፣ ወላ ብማይ ቤታዊን እውን ከይተረፈ፣ ብዘይ ንቡር ጽልኢ ምዝራእ እዩ። እዚ ባህርያት ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። እቲ ብዙሓት ምሩኻት ናይ ደርግ ወታሃደራት ነበር ኩሉ ጊዜ ከም ዝምስክርዎ፣ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ከም እካል ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ዝኾርዑሉ ማዕበያ ውርሸኦም ብምምርኳስ፣ ኣብ ኣታሓሕዛ ምሩኻት ናይ ደርግ ወታሃደራት ነበር ዘርኣይዎ መዳርግቲ ዘይብሉ ሕልናዊ ምሕብሓብን ሓልዮትን፣ እነሆ ንቡዙሓት ምሩኻት ነበር፣ ንኤርትራ ከምዝጋደሉን፣ ኣብ ኤርትራ እውን ከም ማንም ኤርትራዊ ክነብሩን ናብረኦም ከጣጥሑን ኣኽኢልዎም እዩ። ምስጋና ንዘይጸዓድ ህዝብና። ህዝቢ ኤርትራ በባህሉን ክብርታቱን ንህልኽን ሕዱር ቅርሕንትን ዘሳውር ኣይኮነን። ስለዚ ናይዞም ብድንቁርና ስሚዒትን ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ነባሪ ጽልኢ ንምፍጣት ዝህንደዱ ዘለው ክእደቡ ኣለዎም። እቲ ናይ ሓዋሩ ውጺኢቱ ጎዳኢ ስለዝኾነ። ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ፣ብፍላይ ክፋል ህዝቢ ናይዚ መናወራታት ገንሸል ከይከውን፣ ብሃገር ደርጃ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ወላኳ ዘሌቔታዊ እንተዘይኮነ ጊዚያዊ ጉድኣት ከኸትል ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብቐጻሊ ንዕዘቦ ኣለና። ኣነ ኣዝዩ ዝገርመኒ ግን፣ ንሃገር ይሓልን ንልዑላውነት ይሕሉ ኣለኹ እንዳበልካ፣ እንዳእማሳመስካን፣ ብድሑራትን ቂመኛታትን ጸበብቲ ሃሱሳትን መጋበርያ እንዳተጠቐምካ እንታይ ዓይነት ቀጻልነት ዘለዎ ሰላም እዩ ክፍጠር ዝድለ ዘሎ? ኣነስ እንድዒ ኣብ መበል 21 ክፍላ ዘበን ምህላውና ምርሳዕ እዩ። ካልእ ሽም ክወሃቦ ኣይከኣልን። እቶም ዝምልከቶም ምዕብልቲ ሃገር ክትህልወሎም ዝትምነዩ እንተ ኾይኖም ብኣንጻሩ ክሓስቡ ኣለዎም። ነቲ ህዝቢ እውን ብዘይ ሓላፍነት ከጋግይዎ የብሎምን።

ብሓፈሽኡ፣ በዚ እያ ትግለጽ ዘላ ዓደቦና ኤርትራ። ወረ ገለ ግዱሳት ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተማራመርቲስ፣ ቤተ መዘክር ናይ ዘመናዊነት ታሪኽን ብወታሃደራውነት ዝልለ ናይ ሃገርነታዊ ምዕባለ መስርሕ ተላሒጋ ዘለ ሃገር ኢሎም እዮም እጠሚቖማ ዘለው (De Waal, 2015)። እዚ ድማ ንሰማዒኡ ሃገራዊ ኣዝዩ የሰክፍ። ኣይንሕባኣዮ ድማ። ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ ዝባሃል ብሂል ኣሎ። ዝተዘርበ እንተተዘርበ፣ ዝትማህዘ ተንኮል እንተተማህዘ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከምህዝቢ ማዕቢሉን ሰዊዱን ክነብር እንተኾይኑ፣ ንሕና እዞም ሕልና ኣለና ንብል ዝበዛሕና ኤርትራውያን መፍትሒ ክንደልየሉ ኣለና ብህጹጽ። ከምቲ ዝበልኩዎ እዞም ነማሓድረኩም ዝብሉና ዘለው እውን ነቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘለዎ ግድን ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም። ምኽንያቱ ናይ ሃገርን ህዝብን ህላውነትን ምዕባለን ኣብ ክንዲ እምባ ዝኸውን ምልክት ሕቶ ዘእቱ ዕንደራታት ኣብዚ እዋን እዚ ብፍሉይ ንዕዘብ ስለ ዘለና።

እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኢና እንዳበሉ፣ ነቲ ስርዓት ዝድግፉን ዝደናገጹን፣ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዝብሉ፣ እውን ዳሕራይ ዘመኽንይዎ ከይጠፍኦም እጂ ክሓስብሉ ብትሕትና እላወቦም። ብዝኾነ መንገዲ ዋላ ክንሸፋፍኖ እንተፈተና፣ እዛ ዓደቦና ኤርትራ ኣብዚ ደረጃ እዚ እያ ወዲቓ ዘላ። እቲ ዘሕዝን ድማ ይግባኣዶ ኔሩ ንዝብል ሕቶ፣ ፈጺሙ ኣይግባኣን እዩ እቲ መልሲ። እወ፣ ፈጺሙ ብዝኾነ መለክዒ ኣይግባኦን እዩ ነዚ ህርኩትን ሓላልን ህዝቢ ኤርትራ። ሕዝቢ ኤርትራ እኮ ካብ ዝሓለፈ 150 ዓመታት ብብዙሓት ውግኣት ዝሓለፈ፣ ዝሰርሖ እምበር ዝበልዖ ኣቐዲሙ ዘይጥምት ሃብሮም ህዝቢ ምዃኑ ምግንዛብ ኣድላዪ እዩ።

3.2. ስለምንታይ ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ድኹም ኩነታት ወዲቓ? እንታይከ ክግበር ኣለዎ?

እዚ ድማ ስለምንታይ ኮይኑ ንዝብል ሕቶ እቲ ምኽንያታት ኣዝዩ ግሉጽን ፍሉጥን እዩ። ረቂቕ ስነፍልጠታዊ ትንተና ዘድልዮ እውን ኣይኮነን። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ገምጋማት ድማ ብንጹርን፣ ርጡብን መለኪዕታትን፣ ጭብጥታትን ተሰንዩ ብግሉጽን ብሰፊሑን ክግለጽ ዝከኣል እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ፣ ባዕሉ ኣቲ መራሒ ናይ ኤርትራ እውን ብግሉጽን ብዕላዊን (ስለምንታይ? እንታይ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ እዩ ብዘየገድስ)፣ ኣብቲ ተደጋጋሚ ቃለ መሕተቱ ብንጹር ዝጋወሖን ዝገለጾን እዩ። “ኣብነት ከምዚ ዝባሃል ኔሩ ኣበይ ኣሎ ሕጂ፣ ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ኔራ፣ ሕጂ ሉል ኣይኮነት ገለ ኣይኮነት፣ ወዘተ፣ ወዘተ፣ ወዘተ። ዘገርም እዩ። እቲ ዓዲ ዝመርሕ ብግልጺ ይብለና ኣሎ ብቀጻሊ። እዞም ሃገር ሰልጢና፣ ማዕቢላ፣ እንዳበሉ ሕልማዊ ምቁር ሕብስቲ ዘቑርሱናን ዘምስሑናን ዘድሩርናን ዘለውስ እንታይ ኢና ክንብሎም? እዞም ጌሊኦም ኤርትራውያንሲ ብሕሉፍነት ነዚ ጸሓይ ዝወቕዖ ውድዓዊ ሓቂ ክከኻላኸሉሉን፣ ኩሕሊ ምሕሊ ክቐብኡዎን፣ ላሕ ምባሎም እዩ። እዚ ድማ ዘሰንብድ እዩ። እቲ ዘይርደኦም ዘሎ ግን፣ እቲ ከምዚ ሽግር ኣሎ፣ ሃገር ከምቲ ዝግባኣ ኣይኮነትን፣ ዝብል ዘሎ ኤርትራዊ ኩሉ እቲ ንህልውናን ምዕባለን ህዝቡን ሃገሩን ልዕሊ ኩሉ ሰሪዑ ዝጭነቕን፣ ዝግደስን ምዃኑ እዩ። እወ ከምቲ ምስሉይ ሃገራዊ እየ እንዳበለ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ሑሕ ዝብል ኣምሰሉ (Pseudo) ኣይኮነን። ከምቲ ስሱዕን ጸቢብን በለጸኛን ኣእምሮ ዝወነነ፣ እንታይ ገደሰኒ፣ ኣነን መቕርበይን ንርባሕ ምስቲ ገባቲ ተጸጊዕና ዝብል ኣይኮነን። እወ ንሱ እዩ እቲ ሓቀኛ ከይደቀሰ ዝሓድር ፈታው ህዝቡን፣ ዓዱን፣ መረበቱን። እንሆ ድማ ብኹሉ መስዋእቲ ከፊሉን፣ ይኸፍልን ኣሎ። እወ፣ እታ ክውንነታዊ ሓቂስ ክትመጽእ እያ። እቲ ከምዚ እንድዩ ከምቲ እንድዩ እንዳበለ ሃገር ኣብ ምዕናው ዘጣቕዕን፣ እምንን ሞደሻን (ማሳ) ዘቐብል ዘሎ ድማ ናይቲ ዘሳወሮ ውጽኢት ጽቡቕ ድዩ ሕማቕ ሓቢርና ምስጊዜ ክንርእዮ ኢና።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ደገፍቱን እቲ ኣታሓሳስበኦም ዘገርም እዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፣ ፖሊቲካዊ ኣራኣእይኡ ብዘየገድስ፣ ንኤርትራ ዝሓሊ ምዃኑ ምርሳዕ፣ ዘይምፍላጥ፣ ወይ ክትርዳእ ዘይምድላይ ወይ ድማ ዘይምፍታን፣ ዘምጸኦ ግጉይ ኣታሓሳስባ ዝተበከለ ኣእምሮ ዝወነኑ እዮም። የገርሙ ድማ። ኣብዚ ዘመነ ዓውሎማዊ ጉያ፣ ተክኖሎጂካዊ ሱር በተኻዊ ምህዞታት (Ground breaking killer apps) ወርሓዊ ኮይንሉ ዘሎ ጊዜ ኣብ ከምዚ ምቁምጣዕ እንታይ ኣድለየ? ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ መትከሉን ኣራኣእያኡን ብዘየገድስ ሃገራዊ እዩ። ንሃገሩን መረበቱን ህዝቡን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ይሓልን ይሕልውን፣ ይፈቱን ምዃኑ ምርሳዕ ማለት ዘገርም እዩ። እነሆ ድማ ብዙሓት ሆሆ ዝብሉ ኣምሰሉ ሃገርውያን፣ ናብ ዕዳ ሃገር (liability) ዝልወጥሉ ዘለውሉ መስርሕ ብምግራም ንዕዘብ ኣለና።

ኣብ ካለኦት ሃገራት ብኸምዚ ናይ ኤርትራ ዝሓለፋ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ሽቶታት እንዳወቕዓ ኢየን በጺሔንኦ። ኣብነተን ንከተል። ከም ባዓል ጀርመን፣ ሲንጋፖር፣ ኮረያ፣ ሊባኖስ፣ ወዘተ ህልዋት ምሰክር ኢየን። ግን ሎምስ ኣብ ኩለን ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት፣ በቲ መንግስታዊ ብመሳልል ምሕደረአንን፣ ምስቲ ተዘርጋሒ ማሕውራቱ ኣቢለን ነቲ ዓርሞሸሽ ደፋኢ ናይ ሓፋሽ ሓይሊ ብዘድምዕ ከምዝሳተፍ ብምግባር፣ ንሕኑን ምዕባለን ዕብየትን ይነጥፋ ኣለዋ። እዚ ማለት ካብ ሃገራዊ ባይቶ ጀሚሩ፣ ካቢነ ምኒስተራት እንዳበለ ስጋብ እቲ ዝተሓት ኮማዊ መንግስታዊ ምሕደራ ብግሉጽ ብመራኸቢ ሓፋሽ በቲ ዝግባእ መንገዲን፣ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብን፣ ተግባራቱን ውጥናቱን ብዕሊ ንሓፋሽ የፍልጣን ይትንትናን፣ የሳትፋን ይገልጻን ኣለዋ።ከምኡ’ውን ምኽሪ ካብ ሓፋሽ በቲ ዘሎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ተኸቲለን ይሓታን ኣስተዋጽኦ ይቕበላን ኣለዋ። ወላ እተን ዝሕመያ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት፣ ከም ባዓል ናይጀርያ፣ ጋና፣ ቦትስዋና፣ ከንያ፣ ሞዛምቢክ፣ ሰነጋል፣ ሞሮኮ፣ ካሜሩን፣ ወዘተ፣ ነዚ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን ንሓፋሽ ኣሳታፊ መንግስታዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምህናጽ፣ ብገፊሑን ብቀጻልን ይሰርሓሉ ኣለዋ። እዚ ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ብዙሓት ቅልጡፍ ምዕባለ ብቀጻሊ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት።

ንሕናውን በቲ ባህልናን፣ ያታናን ክብርታትናን ተሓጊዝና ክንገብሮ ክንክእል ኔሩና፣ ሕጂውን ኣይመሰየን፣ ግድን ክንገብሮ ኣለና ። ንሱ እዩ እቲ ዘዋጻኣና። ታሪኽናን ቅርስታትናን ያታዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብናን ነባሪ ምስክርን ጠቓምን እዩሞ ኣይንጉሰዮ። ከምቲ ስነ ጥበባዊ በረኸት መንግስተእብ ኣብ ሓደ ቃለ መሕትት ዝበሎ እጠቅስ፣ “ንኻለኦት ዘውረስናዮምን ካባና ካብ ሰሜን ንደቡብ ዝኸዱ እምበር ናባና ዝመጽኡስ ናይ ባህላውን ያታውን ናይ ምዕባለ ኣምራት ዳርጋ የለውን” ዝበሎ፣ ታሪኽ መስካሪ እዩ፣ መታሕትናን ከበሳናን ነቲ ያታና፣ ክብርታትናን፣ ተቓራራቢን ቋንቋታትናን፣ ወዘተ ንሓብሕቦ፣ ነማዕብሎ፣ ንኹራዓሉን፣ ንርባሓሉን ድኣምበር ብክለሳ ታሪኽ መናወራታት ኣይህሰስ። ድርዒን ሕላገትን ናይ ህዝቢ ርእሰ ተኣማንነት ከም ዝኾነ ህዝቢ ከፈልጦን ክሕበነሉን ኣለዎ።

ኣይንረስዕ ፍልማዊ ምዕባለን ስልጣነን መሃዝነትን ካብ ጥቓ ባሕርን ቀንዲ ፈለጋትን እዩ ዝጅምር። ቀይሕባሕሪ፣ ጸሊም ባሕሪ፣ ማእከላይ ባሕሪ፣ ካስፕያን ባሕሪ፣ መጻብቦ ባሕሪ ቺና፣ ካብ ፍሊፒንስ ጀሚሩ ስጋብ ሆንግ ኮንግ ዝዝርጋሕ መጻብቦ ፓሲፊካዊ መመሓላለፊ መጻብቦ (Pacific Rim)፣ ምብራቓዊን ምዕራባውን ገማግማትን፣ ከባቢ ዓበይቲ ቀላያት ሃገረ ኣሜሪካ። መትረባት ፓናማን፣ ስወዝን፣ ደቡባዊ ምብራቕ ቺና፣ ምዕራባዊን ምብራቓውን ህንዲ። ከምኡን ናይ ቁጠባ ማእከል ስሕበት ኣፍላጋት፣ ኒል፣ ኤፍራጥስ፣ ጥግሪስ፣ ያንግተዝ፣ ብጫ (ቻይና)፣ ራይን፣ አልበ፣ ቮልጋ፣ ብራሃማፑትራ፣ ኮሎራዶ፣ ሚሲሲፒ፣ ዳንዩብ፣ ወዘተ ወዘተ። ከምቲ ኣብ ዘበን ግርምቢጥሲ ማይ ንዓቀብ ከምዝባሃል ግን፣ ኣንጻር እቲ ክኸውን ዝግበኦ ኢና ንጓዓዝ ዘለና ሳላ ዘሰክፍ ድሕረትናን፣ ሳላ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት (ይቕረታ ኣበርቲዔሉ እንተኾይነ)። እወ ነዚ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮን ኣዕናዊ ቀጻልነትን ንዕዘብ ኣለና። ኣየባ እዚ ቦታናስ እንታይኮን ምኾነ ኣብ ጥዑይን፣ ንሓፋሽ ዘማእከለ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ስልጡንን ኣድማዕን መንግስታዊ ትካላትን እንደዝህሉ። እወ እዚ ቦታና ማእከል መሃዛዊን፣ ዲይናሚካዊ ቁጠባ ምኾነ እምበር። ድሓን ግን ህዝቢ ኤርትራ ለባማትን ኣርሒቖም ዝሓስቡን ደቂ ሃገር ኣለውዎ። ካብ ዘለዎ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ጩራ ብርሃን ከምዘምርሕ ተስፋ ክንገብር ኣለና። (There will be a light at the end of the deep and dark tunnel)።

ኣነ ዝገርመንስ ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ዝኣኽሉ ኤርትራውያን፣ ብፍላይ መንእሰያት፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለው ክባሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ? እቲ ዘገርም ድማ ነዚኦም ዝበዝሑ መንእሰያት ንምዕንጋል ኣብዛ ንህዝባ እኳ በቲ ዝግባእ ሃብታ ኣማራቒሓ ክትዕንግል ዘይከኣለት፣ “ምስተሾመ ዘይበልዔስ ካብ ሽመቱ ክእለ ይጣዕስ” ምኽነታዊ ምሕደራ ህዝባ ዝሳቐ፣ ብዕግርግርን፣ ብመን ገበተ፣ ትሕመስ ዘላ፣ ካብዝን ካብትን ተሰፋፍያ ሃገር ዝኾነት፣ ኢትዮጵያ፣ ግርም ደገፍ ኮይኖማ ኣለው። እዚ ድማ ኣብ ውጹእ ክሳራ ናይቲ መስኪናይ ለይትን መዓልትን ጽዒሩ ዝሕውለሎም ዘሎ ዲያስፖራ ኤርትራዊ እዩ።

ብርዱእ ግምታዊ ገምጋም፣ ካብ ኤርትራውያን ብዝሕወል ኣስታት $350 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣዛ ዕድለኛ እናት ኢትዮጵያ ዓመታዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ትረክብ ኣላ (ከይንርስዕ እዚ ኣሃዝ ብሕዋላ ዝለኣኽ ጥራሕ እዩ)። እቶም ካብ ኤርትራ ንሕክምና ዝማላለሱ፣ ደቆም ከመርዕው ከምኡውን ንኻልእን ዘይተኣደነ ገንዘብ ሒዞም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዙን፣ ከምኡውን ንኤርትራ ክኣትው ዘይክእሉ ደለይቲ ፍትሒን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጥፍኡዎ ገንዘብን፣ ካብ ወጻኢ ንኢትዮጵያ ዝበጽሑ ዘለው ኣምሰሉ ሃገራውያን ኢና በሃልቲ ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ተደናገጽቲን፣ ዝሕሽሽዎ ዘይተኣደነ ዶላራት ኣብ ግምት ከየእቶኻ እዩ። እቲ ናይ ሱዳንን፣ ኡጋንዳን፣ ደቡብ ሱዳንን፣ ካለኦትን ተመሳሳሊ ኩነታት እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። ዋእ ክትሓስቦ ከለኻን መንጸሮር ይሕዘካ። እንታይ ኢና ክንብሎ ብጀካ ዓጀብ።

ገምትዎ እሞ ክንዲዚ ዝኣክል መጠን ገንዘብ ነታ ምጭውቲ ከተማ ክረን፣ ወይ ደቀምሓረ፣ ወይ መንደፈራ፣ ወይ ዓዲ ቐይሕ ኣፍሪሱ ከም ብሓዲሽ ብዘመናዊነት ምስ ሃነጸ። ክንደይ መንእሰያት ብዋኒነ መሃዝነት ምስተጫጭሑ (Entrepreneurial Incubation)። ሰብ ትካላትን ጸጋን ኮይኖም ተማላሊኦም ንሃገር ብኹሉ መዳያት መማዕበሉ። ንኻለኦት ናይ ዕቁር ተመኩሮ ኣብነት ምኾኑ። እዞም ሕጂ ብዓለም ደረጃ ህቡባት ኮይኖም ዘለዉ ዋኒነ መሃዝቲ (Successful Global and local Entrepreneurs) ካብ ብጣዕሚ ትሑት ዓቕሚ እዮም ጀሚሮም። ግን ዕድላት ተኸፊቱሎም ንዓለምና ኣብ ምቕያር በጺሖም። ጠምትዋ እሞ ነታ ምጭውቲ ዝነበረት ግን ናብ ዑና ተቐይራ ዘላ ዝዓበኹላን ዝተማሃርኩላን ከተማ ኣስመራ። ከምኡውን እታ ህብብቲ ባጽዕከ እንታይ ኮን ምኾነት? ብሉስከ ኣብ ዓመት ብኣማኢታት ሚልዮናት ካብ ዲያስፖራ ዘሎ ክፋል ህዝቢ ገንዘብ ፈሲሱለንስ እንታይ ኮን ምኾና? ካብ ጎላጉል ጋሽ ባርካ ጀሚሩ ስጋብ ጎላጉል ሃዞሞ፣ ለምለም ማይ ጻዕዳ ምስ ቆሓይን፣ ምርኡይ ሰመናዊ ባሕሪ፣ ህጡር ደቡባዊ ባሕሪ፣ ምስ በዓል ታሪኽ መጠራን ሰንዓፈን፣ ሊባን ሓበላን፣ ጀራዲን ሩባ ጋሽ፣ ወዘተ፣ ወዘተ እንታይ ኮን ምኾኑ? ናባኻትኩም ናብ ለባማት እገድፎ።

ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። እዛ ዓለም ብፈጣን ዳናሚካዊ መስርሕ ትሓልፍ ኣላ። ሱር በተኽ ተክኖሎጂካዊ ምዕባለ ወርሓዊ ተርእዮ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ዓለምና ኣዝያ ትጸብብ ኣላ። ሕጂውን ክደግሞ፣ ህዝቢ ኣብ ወሳኒ ጉዳይ ሃገሩ ብዝለዓለ እጃም ተኻፋሊ ንክኽውን ርሒብ (ገፊሕ) ኣፍደገ ወይ ማዕጾ ክኽፈተሉ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ ዘሎ ምሕደራን ኣካያይዳን ውጺኢቱ ዝሕቱል እዩ ዝኸውን። እዚ ድማ ምኽንያት ናይ ዘይተኣደነ ህዝባዊ ፍልጠትን ኣስተዋጻኦን ምኽሳር ኣዩ ካልእ ፋይዳ የብሉን። እዚ ድኹምን፣ ድሑርን፣ ኣብ ህልኽን ዝተመስረተ ምሕደራ፣ ድማ ሃገራዊ ልምሰት ንነዊሕ ከየኸትል ምጥንቃእ። ብፍላይ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ካብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ተጠቒሙ ኣብ ኤርትራ ማሉን (ገንዘቡ) ተኽእሎኡን ከዋፍርን፣ ብገፊሕ ኣስተዋጽኦ ክገብርን ዕድላት እንደዝኽፈተሉ ክንደይ ሰናይ ምኾነ። እዚ እዩ ተነፊጒዎ ንዓቕሚ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ። ኣየባ ሓንጎፋይ ተባሂሉ ነዚ ህርኩት ህዝብና ገፊሕ ዕድላት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ እንተ ዝኽፈተሉስ እንታይ ተኣምር ኮን ምስተሰርሔ?

ነዚ ኣብ በዓል ኣንጎላ፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዱባይ፣ ሱዳን፣ ሱዑዲያ፣ ቀጠር፣ ኣውሮጳ፣ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ከምኡውን ኣብ ካልኦት እንዳነበረ ዓዲ ሃገር ዘሰልጥን ንዘሎ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፣ ሰሓቢን ዲሞክራሲያዊ ሃዋህውን፣ ምሉእ ደገፍን እንተ ዝፈጠረሉስ፣ ኣቤት ክንደይኮን ምረብሔት እዛ ዓደቦና ኤርትራ። እቲ ዝነበረና ብልጫታትና እውን ነበረያ ነበረ ከይኮነ ምስተጠቐምናሉ።

ሓደ መንቋሕቛሕታን እንዶን ናይ ዋኒናዊ መሃዝነት (Entrepreneurial Innovation Passion) ዘሎዎ ኤርትራዊ ካብ ሃገር ምህዳም ማለት፣ ክንደይ ኣሉታዊ ሳዕቤን ንናይ ሃገር ተደላዪ ዋኒናዊ መሃዚ ዓቢ ብኽነት ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ። እቲ ካብ ሀገር ዘህድሞ ዘሎ እቲ ካብ ሃገር ዝስደድ ዘሎ፣ እቲ ንዋታዊ ሃብቲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ናይ ዋኒናዊ መሃዚነት ተመኩሮን ተኽእሎን እዩ (National Entrepreneurial Acumen)። እዚ ንርእሱ ሕማም ርእሲ ዘኸትል ምብራስ ሃገራዊ ሃብቲ እዩ። እቲ ብዓል ተስፋ ኤርትራዊ ዋኒነ መሃዚ፣ እውን ንዕኡ ማዕቢሉስ ንኻለኦት እውን ኣራኣእያን መሃርን መጫጭሕን ምኾነ። ንሱ ኣብ ሃገር እንተዘየሎ ግን ንላዕልን ታሕትን ተመጢጡ ዝኸይድ ቁጠባዊ ማእቶታዊ ድንፋዔን ብኸቢድ ይጉዳእ። እዞም ኣብ ወጻኢ ንነብር ዲያስፖራ ብዓይንና ዕለታዊ ንርእዮ ኣለና እቲ ዘይተኣደነ እስተዋጸኦ ኣብ እዘን ንነብረለን ዘለና ሃገር ዘምጸእ።

እቲ ዛጊት ዝጠፍኤ ዕድላት ክግመት ከሎ፣ ኣብ ዓመት ሚልዮናት ዘይኮነ ቢልዮናት ርእሰ-ማል ናብ ኤርትራ ምውሓዘ ኔሩ። ብፍላይ ኣብ ደገ ዘሎ ዓቢ ክፋል ህዝብና፣ ካብታ ዝረኽባ ሓንቲ ዶላር፣ ፍርቃ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ መዋፈራ። ብሕታዊ ትካልና እውን ብተዓጻጻፍነት ምደንፈዐ። ህዝብና እውን መሃዝን ቀጻልን ዲናሚካዊ ሃገራዊ ቁጠባ (Sustainable creative and dynamic economy) ናይ ምህናጽ ክእለት ብዝበለጸ መጥረየ። ኣብዝሓለፋ 31 ዓመታትሲ ካብዚ ዘሎ ብዝበለጸ፣ ክንደይ ህንጻ ምስተሃንጸ? ክንደይ ምዕባለ ኣብ ገጠራዊት ኤርትራ መስተራእየ። ክንደይ ትካላት ምስተተኽለ? ክንደይ ተማላላኢ፣ ተታሓሓዚ ቁጠባዊ ምዕባለ ምስተራእየ? ክንደይ ሆቴላትን ናይ ቱሪዝም ትካላት (ናይ በጻሕቲ ሃገር መስሕብ) ኣብ ዝተፈላለዩ ሰሓብቲ ቦታታት ምስተጣየሰ? ክንደይ ብቁዕ ኣብያተ ትምህርትታትን ሞያዊ መሰልጠኒታትን፣ ውልቃውያን ትካላት ምስተመስረተ። ክንደይ መንእሰያት ሰብ ዋኒን ወይ ወነንቲ ትካል (national entrepreneurs) ምስተጫጭሑ? ክንደይ መንእሰያትና መሃዛዊ ተእምር ምሰርሑ?

እዚ ኩሉ ከሎስ ቁርብ ቁራቦ ወርቂን በሩርን ክንረክብስ ጐዳጉዲ ምኹዓትን ከባቢያዊ ብከላ ምፍጣርዶ ምሓሸና (environmental degradation due to mining residuals)። ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ዝሓስብ ውላድ ኤርትራ ነዚ ጥፉእ ዕድል (lost opportunity) ክሓስብ ከሎስ እንታይ እዩ ክስመዖ? ንህዝቢ ኤርትራ ንፈቱን ንሓዋሩ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ንሓስብ እንተድኣ ኮይና፣ ነቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ንኽንመልሶ ድኣ ንጽዓር እምበር ከም ኣብ ንእሽቶይ ጥርሙስ ዝኣተው ዓሳ ፈንጠርጠር ምባል ውዒሉ ሓዲሩ ጎዳእን ኣብራስን ምኻኑ ንፍለጦ። ብፈኸራን፣ ዳንኬራን፣ ኩራዕ ወዲ ሃገርዶ ገለዶ እንዳበልካ ብውሑድ እኳ ዓቕምን ብቕዓትን ጸጋን ከየጥረኻን፣ ነቲ ናይ ዓርሞሸሽ ጸጋን ተኽእሎን ዝወነነ ሓፋሽ (Grassroots) ኣወጊንካስ ናበይ እዩ ክብጻሕ? እቲ ገጠራውን ከተማውን ናይ ምዕባለ መስርሕ ድማ ክልቲኡ ተታሓሒዙ፣ ተማላሊኡ፣ ተደጋጊፉ፣ ተጠራኒፉ እዩ ዝኸይድ። እቲ ዝፍጠር ጸጋን ተኽእሎን እውን ውጽኢት ናይ ክልቲኡ እዩ። ንረብሓ ክልቲኡ ድማ ይውዕል (Regionalized and Balanced Economic Growth and Development Approaches). እዚ እዩ ናይ ዝተመስከረሉ ናይ ቁጠባ ስነ ፍልጠት ኣሳራርሓ።

እቲ ናይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ስነ ፍልጠት መስርሕ ክልወጥ ኣይክእልን እዩ። ልክዕ ከም እዛ መሬትና ግድነታዊ ዑደታ ከምዘይትልውጥ፣ ካልእ ኣማራጺ የልቦን። ናይ መዋእል ዓንኬል ዳናሚካዊ መስርሕ (life cycle dynamic process) ኣብ ኩሉ ኣሎ። ግድነታዊ ኢዩ ድማ። ስለዚ ግድን እቲ ዝኣረገ ብሓድሽ ክትካእ፣ እቲ ዝሓመቐ ብዝሓሸ ክቕየር፣ እቲ ኣብቲ ግዜኡ ኣድማዕን ብቑዕን ዝነበረ ድማ በቲ ናይ ሕጂ ወድዓዊ ኩነታት ዝጠልቦ ክቕየርን ክመሓየሽን ዘይገሃስ ናይ ተፈጥሮኣዊ ዲያለክቲካዊ ሕጊ ኢዩ ። ዘይቅየር ብሉጽ ተሞክሮና፣ ብሉጻት ኢና፣ ብተሞክሮና ዘምጻእናዮ መሎኮታዊ ተኽእሎን ሓይልን ኣለና፣ ወዘተ ብዝብሉ ኣቑጸልጸልቲ ሓረጋት ብዘይ ክውንነት እንዳ ኣጋዋሕካ ምቕጻል ኣየዋጽእን። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፣ ካብ ምስ ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ናይ ለውጢ ሕግታት ምግጫውን፣ ኣብ ሃገርን፣ ህዝብን ብቐሊሉ ዘይሓውን ዘይጠፍእን ጉድኣት ካብ ምምጻእ ከምኡውን ክፉእ በሰላ ካብ ምግዳፍ ዝኸፍእ ንህዝብን ሃገርን በደል የልቦን።

ተፈጥሮ ሃጓፍ ኣይጻወርን እዩ፣ ኣንታይ ድኣ ካብ ዘምጸኤ ኣምጺኡ ይመልኦ ዝባሃል ሓቂ ኣሎ። ዝናብ (ማይ) ኣንተ ዘነበ (እንተ ሃረመ) ብመጀመርያ እቲ ማይ ኮረር እንዳበለ ነቲ ኣብቲ ጽርግያ ዘሎ ጐዳጉዲ እዩ ዝመልእ። ሕጂ ድማ ንህዝና ሰፊሕ ተኽእሎን ዕድልን ሂብና ነቲ ሃጓፍና ምምላእ እዩ ዘዋጽእ፣ እንተ ድኣ ንህዝቢ ብዘይ ሓለፋታት ከይፈላለናን፣ ነዚባ፣ ንቲባ ከይበልና፣ ነቲ ብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላትና ንኸነማዕበሎ ዘኽእል ብዘይ ጥርጥር ዕቑር ጸጋታትን ተኽእሎታትን ኣሎ። ብፍላይ ነተን ንእሽቱን ስድራቤታዊ ትካላትን ኣንዳ ኣማዕበልና፣ ዘቤታዊ ተኽእሎናን ጸጋታትናን ምዕባይ እዩ እቲ እንኮን ኣማራጺ ኣልቦ ስጉምቲ። ዳግማይ ምፍጣር እቲ ነብሪ፥ ድግማ ዓርሞሾሻዊ ምዕባለ ሲንጋፖር ኣብ ኤርትራ ዘይድገመሉ ምኽንያት የልቦን። እታ ሓባሪት ኮምፓስና ጥራይ ነተዓራርያን። ናብ ንቡር ክውንነት ነማእዝና።

ዳሕራይ ድማ ከምቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ክግበር ዝድለ፣ ኣጋይሽና (ናብ ዓድና ቁጠባዊን ሞያውን ወፍሪ ክገብሩ ዝመጹ ሰብ ሃብትን ፍልጠትን) ድማ በቲ ሕግታትና ስርዓትናን ዝጠልቦ መቓን ብህርፋን ንቀበል። መጺኻለይዶ፣ መጺኻለይዶ ክቕበለካ፣ ኣብዚ ለምለም ዳስና ሰቲ ረገጸ፣ እንዳበልና ብዘወናውን መስሕብ ነቲ ዘውፍር በዓል ዓቕሚ ንቀበሎ። ከምኡ እዩ ኔሩ እቲ ባህልናን፣ ክብርታትናን ማዕበያናን ብጡርኑፍ ከምህዝቢ። ነዚ ንኽንገብር ኣንተ ዘይኪእልና ወይውን እንተድኣ ተዳናጒና ግና ኣቲ ኣማራጺ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ኣብላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ክደግማ፣ ጊልያን፣ ተቐባል ርፍራፍ ናይ ገዛእ ሃብትኻን ብመስኮት ተሰንድዩካ ምልቃም እዩ ዝኸውን። እወ፣ ካላኣይ ዜጋን ተጸባዪን ኣብ ገዛእ ዓድኻ ምዃን እዩ። ግን ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻ ኣንቃሓዮ ንኽፈልጦ ከምዝባሃል ንሕሰበሉ ድኣ። ዘሕዝን ተመኩሮ ኣሎ ኣብዛ ዓለምና። ናይ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ሃገራት፣ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ፣ ካለኦትውን ክንውከስ ንኽእል ኢና።

በቲ ተባዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ፣ ኤርትራ ነጻ ካብ እትኽውን እነሆ 31 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ብመንጽር ብምሉእ ሓይሉ ብናይ መንኮርኮር ፈጣን ምዕባለ ተወሃሂዱ፣ ተማላሊኡ፣ ምብሉእ ዲሞክራሲያዊ ሃዋሁው፣ ንዝምርሽ መንግስትን ህዝብን ሃገርን፣ 31 ዓመታት ቀሊል ኣይኮነን። ብዙሕ ኣድማዒ ስራሕ ክስርሓሉ ይካኣል ኢዩ ወላ ምስቶም ኣለው ተባሂሎም ዝንገሩና ብድሆታትውን እንተኾነ እውን። እኹላትን ውድዓውያንን ዝኾኑ ተሞኩሮታት ኣብዛ ዓለምና ኣለው። ንሶም ክዕወትሉ ዝኸኣሉ ድማ፣ በተኣምር ዘይኮነስ ብዝሓንጸጽዎን ብዘማሓደርዎን ብዘተግበርዎን ወፍርታትን፣ ነቲ ዘለዎም ዓቕምን ትሕዝቶን ጸጋታትን በቲ ዝለዓለ ብቕዓት ጌገኦም እንዳኣረሙ ምስ ህዝቦም ኢህን ሚሂን እንዳተባህሉ፣ ሰለ ዝተጠቕምሉን ኢዩ። ብዝላዓለን ዝማዕበለን ዓቐን ንህዝቦም ነንሕድሕዱ ከም ዝማሃሃርን ከም ዝስልጥንን ስለ ዝገበሩ እውን ኢዩ። ከምኡውን ንጡፍ ናይ ሓፋሽ ተሳታፍነት ኣብ ኩሉ መዳያዊ ዕማማት ስለ ዘውሓሱ እዩ። ነቲ ናይ መንእሰይ ወለዶ ዓቕሚ ንምዕባይ እውን ብዙሕ ጻዕርን ሰብኣዊ ወፍርን ስለ ዝገበሩ ኢዩ። ካብ ኩሉ ብዝበለጸ ድማ ንቐጻሊ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ኣገዳስነት ናይ ናኣሽቱን ስድራ-ቤታውያን ትካላት ዕዙዝን ልዑልን ኣተኩሮ ሂቦም ስለ ዝሰርሑሉን ዝተዓውትሉን ኢዩ። እተን ንኣሽቱን ስድራ-ቤታውያንን ትካላት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሔንስ መለለዪ ኣንዱስትራያዊ ሓያልነት ናይዘን ተዓወቲ ሃገራት ኣብ ምዃን በጺሔን ገናውን ይበጽሓ ኣለዋ።

ከም በዓል ጀርመን፣ ኮረያ ሩዋንዳ፣ ካምቦድያ፣ ቬትናም ዝኣመሰላ ሃገራት ገሊኤን ካብ 85% ፍጹም ዕንወት (ካልእይ ውግእ ዓለምን ከቢድ ውግእ ሓውሲ ዴሴት ኮረያ) ገሊኤን ድማ ካብ ፍጹም ብርሰትን ዓውዲ ኩናት ናይ ተተፋናኒ ኣታሓሳስባታት (ideology) ኮይነን ዝነበራ እየን። ብዝተኸተለኦ ስልጡን፣ ተዓጻጻፊን፣ ፖሊቲካዊ ብልሓትን፣ ማሃዛዊ ትካላዊ ኣሳራርሓን፣ መንግስታዊ ምሕደራን እነሆ ናይ ዝገበረኦ ጻዕሪ ፍረ ጻመአን ረኺበንን፣ ብቐጻሊኣብ ምርካብን ኣለዋ። ንኤርትራ ድማ ካብዚ ዘለናዮ ዘይክውንነታዊ ህሞት፣ ናብ ውድዓዊ ክውንነት ለዊጥና ንዔአን ነምስላ ነዛ ከም ኩሕለይቲ መርዓት ተበሃጊት ሃገርና። መሊሰ ክደግማ፣ ንህዝቡን ሃገሩን ዝፈቱ ሰብ፣ ንህዝቡ ዝሓሊ ውላድ ሃገር፣ ን ኩሉ መዳያዊንን ዲሞክራሲያውን ምዕባላ ህዝቢ ኤርትራ ክዕጠቕን ብግብሪ ክጽዕትን እዩ ዘለዎ። ካብዚ ወጻኢ ዕዳ ህዝብን ሃገርን ምዃን እዩ። ብኣፍን ዋልታን ጭማራን ሒዝካ ብፍላጥ ኮነ፣ ብዘይ ፍላጥ፣ ወይ ድማ ንግዚያዊ ረብሓን ኣነ እበልጽ፣ ኣነ እዬ ብዓል ጊዜ እንዳበልካ ኣይኮነን። ንሱ እሞ ክንደይ ሃገራት ዘየኽሰረ። እቲ ክንገብሮ ዘለና ድማ ኣብ ተግባር ብዝከእል ምንጣፍ እዩ።

4. መደምደምታ

ኣብዚ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ድማ እቶም ብውድዓዊ ስትራተጂካዊ ቅርጽን ትሕዝቶን ተሰሪቶም፣ ብዕቱብ ክፍለጡን፣ ክልለዩን ክግለጹን፣ ዘለዎም ኣስተብህሎ ክግበረሎም ከምዝግባእ እዩ። ውድዓውያንን፣ ክውንነታውያንን ሓቅታትን፣ ጭብጢታትን፣ ዛዕባታትን ኣብኩሉ ህሞትን፣ ኣጋጣምን ኣለው። ነዚኦም ብቅርጽን ትንተናን (Contents and form) መቓን ምእንቲ ክምዘኑ ኣቲ ብኣድላይነት ዘምጽኡዎ ስትራተጂካዊ ጥቕምን ጉድኣትን ክፍተሽ ይግባእ። ነዚ ዘይምትንካፍ ማለት ድማ ካብ ሃገራዊ ናይ ሕዝቢ ሓላፍነት ምህዳምን ወይ ድማ ምጥላምን ማለት እዩ። ብፍላይ ክስትውዓል ዝግበኦ ድማ፣ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝብል ኣዕናዊ ኣታሓሳስባ ናብ ቅድሚት ምምጻእ እዩ። እዚ ድማ፣ ስጋብ ክንደይ ንህዝብን ሃገርን ኣጽናትን ኣዕናውን ምዃኑ ኣብ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ተረድኦን ፍልጠትን ንኽሰርጽ ይድለ። እዚ ድማ ሓፋሽ ከይጋገ ኣንጻር ናይ ነዊሕ ዝጠመተ ረብሕኡ፣ ብጊዚያዊ ሃልክን፣ ስምዒትን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእቱ ብፍላይ በቶም ዝምልከቶም ቀለስቲ ዝባሃሉ ሰብ ብቕዓትን ተኽእሎን ደቂ ህዝቢ ብቐጻሊ ክሕሰበሉ ኣለዎም።

እምበእርከስ በቶም ዛጊት ዘሎው ዓቕምታትን፣ ጸጋታትን ተኽእሎታትን ተማእኪሎም ክትግበሩን ክዕመሙን ዝግበኦም ናይ ማሕበረ-ቁጠባዊ መሰረታት (foundations) ክንብል ከለና እንታይ ማለትና እዩ? ብሓጺሩ ንሓፋሽ ህዝቢ ነሔይሎ፣ ነቲ ዓርሞሸሽ ዕቑር ኩሉ መድያዊ ዓቕምታት ሓፋሽ ውጺኢታዊ ጽልውኡ ንጠቐመሉ ማለት እዩ። ሃገርን ህዝብን ብዘይ እዚ ዕቑር ጸጋን ክእለትን ክምዕብሉ ኣይክእሉን እዮም። ወላ ብሃውሪ ዝፈከርና እንተፈከርና፣ ካብ መንደላይ ሓሊፍና ንጉስ ኮብራ ኢና እንዳበልና ህዝቢ እንተኣስከርና እውን እንተኾነ። እዚ ባሕረ መኽዘን ዕቑር ጸጋን ተኽእሎን ብዝግባእ ክተሓዙን ንዝያዳ ጥቕሚ ሃገር ብዘደንፍዕን ዘሕይልን ብልሓታትን ቅድታትን ንኽህነጹ መኣዲ ምፍጣርን ምውዳድን ግድነታዊ እዩ። ብኸምዚ ተግባራዊን፣ ክልሰ ሓሳባውን ሞያን ስነፍልጠትን ክጥረ ይግባእ፣ ንሱ ስለዘዋጽእ።

ነዚ ዕቑር ጸጋን ተኽእሎን ንናቱ ሓይልን ዝናን፣ ንሕሱም ውልቀ መላኽነት ከውዕሎ ዝህቅን በዓል ሓይሊ ግን ጽባሕ ንጉሆ እቲ ዕንወት ኣብቲ ውጹዕ ተበዳሊ ሓፋሽ ጥራይ ዘይኮነ ዝድረት፣ ንዕኡ ነቲ ተበላጻይን ገባታይን እውን እዩ ብሕሱም ዝልብልቦ። ንጊዜኡ ስልጣን ኣለኒ፣ ሓይሊ ኣለኒ፣ ብሒም ዝበለ ይተሓጎም እንዳበለ ዝህድድን ንህዝቢ ዘዕኑን ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ዋጋ ክፉእ ተግባሩ ከምዝፍደ ፍሉጥ እዩ። ናይ ጊዜ ሕቶ ጥራይ እዩ። ነዞም ነማሓድረኩም ኣለና ዝብሉና ዘለው ሰባት ድማ ብትሕትና ብኸምዚ ከነዘኻኽሮም ግዴታና እዩ። ሓፋሽ በቲ ዝድለ ስፍሓትን ዕምቈትን ዘየሳተፈ መንግስታዊ ምሕደራ ዕዳ ሃገር እዩ። ንግዚኡ ኩሉ ገቢትካ ንሓፋሽ ህዝቢ ክትዕምጽጽ፣ ክተደንቁር፣ ከተዕሹ፣ ከተታልል፣ ክትፈላሊ፣ ክትእስር፣ ወዘተ ትኽእል ኢኻ። እቲ ውጽኢቱ ግን ፍሉጥ እዩ፣ ናይ ሃገርን ህዝብ ጥፍሽና (bankcraptcy) ምስቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ጉድኣቱን ምምጻእ እዩ። ንመን እዩ እሞ ክምሕር?

ኣብዚ ነቲ ዝምልከቶ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ድማ እዚ እዩ። ክልተ ምርጫታት ኢየን ኣብ ቅድሜና ተገቲረን ዘለዋ። እዚአን ድማ፡ ወይ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዝጠቅም ስራሕን ተመኩሮን ገዲፍካ ብሕጊ ተፈጥሮ ምሕላፍ ወይ ድማ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝሕመረቱ ሕማቕን ሃሳይን ኣዕናውን ሓድጊ ገዲፍካ ምሕላፍ። ንህዝቡ እሓልን እፈቱን ዝብል ናይ መንግስታዊ ምሕደራ መሪሕነት፣ ነታ ቀዳመይቲ ህዝባዊት ምርጫ ኢዩ ዝደሊ። ግን ድልየትን ክውንነትን ነንበይኖም ክኾኑ የብሎምን። ክሳነዩ ኣለዎም። ዝምልከቶ ኩሉ ነዚ ብዕቱብ ክሓስበሉ እላቦ። ተስፋይን ምንዮተይ ድማ ምእንቲ እቲ መንእሰይ ወለዶ እቲ ዘይንቡር ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘለዎ ጸቒጠ ምትሕስሳብ እዩ። ሃገርን ህዝብን ምፍታው ድማ በዚ ዕቱብነት ኢዩ ዝምዘን።

ቀጻሊ ውግእ፣ ዕንወት፣ ድኽነት፣ ስደት፣ ጥፍኣት ይፈጥር። ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ፣ ወይ ዓመት፣ ወዘተ፣ ውልዕ ውልዕ ዝብላ ዝነበራ ከም በዓል ዩክረይን ዝእመሰላ ሃገራት እንታይ ኮይነን ኣለዋ። 600 ኪሎ ሜትር ምስዝዳወበና ህዝቢ ትግራይ ተተፋኒናስ ከመይ ጌርና ኢና ክንስልጥን ንሓስብ። እዚ ክውንነት ድዩ? ህዝቢ ክጠፍእ ይኽእል ድዩ? ነባራዊ ታሪኽና እሞ ንፈትሾ። ጽልኢ ካብ ምዝራእ፣ ናብ ንቡር ኩነተ ኣእምሮ ንመለስ። ናይ ጽልኢ ዕንደራ ረመጽ ድማ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ እዩ ክጸሮ ዝግደድ እሞ፣ እቶም ለባማት ኤርትራውያን ይሕሰብሉ ጽባሕ ዘይኮነስ ሕጂ። ነገራት ክለዋወጥ ጊዜ ኣይወስድን እዩ። ነቲ እትደልዮን ብዘሌቐታ እትዕወተሉ ዘኽእለካ ናይ ሓባራዊ ህዝባዊ ረብሓታት ዝሕመረቱ፣ ኣገባባትን ኣማራጺታት ስለ ዘሎስ ጸማም ሓደ ደርፉ ዘይምዃን።

ከምቲ ኣቶም ክቡር ደቡብ ኣፍሪቃዊ በዓል ናይ ሰላም ኖቬል ተሸላሚ ተቓላሳይ ኣቡነ ደዝሞንድ ቱቱ ኣብ ሩዋንዳ ምስበጽሑ ዝበሉዎ እጠቕስ “ህዝብታትን፣ ዓሌታትን፣ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣነ እበልጽ፣ ኣነባ እንዳበሉ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ እንዳተዳራረቡ ኣብ መጨረሻን መዕለቢ ዘይብሉ መከራን ጥፍኣትን እዮም ንህዝብታትቶም ዘትርፉሉ” ኢሎም። ብሓቂ ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፣ ንዓሻውን ኣጥቢቕካ ንገሮ ክስወጦ (ክርደኦ) እዩ። እቲ ንቀጻልነትን ምዕባለን ስውድናን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓስብ፣ ሓቀኛን ለባምን ሃገራዊ፣ ነዚ ንርእዮ ዘለና ናይ ስነ ኣእሙራዊ ንድየት ዘምጸኦ ሓጎጽጎጽን ፕሮፖጋንድዊ ዕብላኸ፣ ዋእ፣ ከመይ እዩ እዚ ነገር እንዳበለ ብንጹህ ኣእምሮኡን፣ ብልበ ብርሃኑን ከስተንትኖ ንዕኡ አገድፈሉ።

እንደገና ኣብዚ ብኽልተ ሕንጻጽ ሓንጺጸ ክብሎ ዝደሊ ድማ፣ ነቲ ሓፋሽ ህዝቢ ብፍላይ ነቲ ብዙሕ እንጽበዮ መንእሰይ ወለዶ ከምዚ ኢኻ፣ ከምቲ ኢኻ፣ ሰማይ ክትሕንፍጥ ትኽእል ኢኻ፣ ፍሉይ ኢኻ፣ ኩሉ እትኽእል ጸሊም መልኣኽ ኢኻ፣ ወዘተ፣ እንዳበልካ ብዳንኬራን፣ ፕሮፖጋንዳን፣ ታህዲዳትን ወዛል ቃላታትን ኣንዳተጠቐምካ ዝግበር ዘሎ ናይዚ እዋን እዚ ፍሉይ ዘይውድዓዊን ዘይክውንነታዊን፣ መጠኑ ዝሓለፈን ዘመተ ዘምጸኦ ዘይሓላፍነታዊ ተግባርን መዘዙን እዩ።

እቲ ዘገርም ድማ ሃገራዊ ፈስቲቫል ክባሃል ከሎስ ንጽል ዓላማ (monolotic objective) ጥራይ ድዩ ዘለዎ? ሃገራዊ ፈስቲቫላት ክባሃል ከሎስ፣ ህዝቢ ኣብ ምዕባለ መበቆል ሃገሩ ዘሎ ኩነታት ክፈልጥ፣ ዝተፋላለዩ ውልቀ ሰባትን ውዱባትን ዝተፋላለየ ኣታሓሳስበኦም ዝማያየጥሉ፣ ብክኢላታት ብኸመይ ከም ዝሕግዝን ዘበርክትን ኣፍልጦን ኣስተምህሮን ምሃብ፣ ናይ ባህሊታትን፣ ናይ ወፍሪ ዕድላት ብዝምልከቶም ኪኢላታት ምፍላጥን ምልላይን፣ ወዘተ፣ ወዘተ እዩ። ጌርና ዝባሃል እንተኾይኑ ኣይምጥንን እዩ ከምዝተዓዘብናዮ። ግን ካብ ተጀሚሩ ስጋብ ዝውዳእ ኣብ ነባሪ ጽልኢ ንምዝራእ ዘይተኣደነ ናይ ህዝቢ ሃብትን ጸጋን ኣፍሲስካ ሆ ምባልስ እንታይ ክባሃል ይካኣል? እቲ ውጽኢቱኸ እንታይ ዓይነት ንድየትን ነባሪ ቅርሕንቲ እዩ ከኸትል? ካብ ኩሉ ዘሳቕቕ ድማ ናይ ክቱርን ዘላቕን ጽልኢ ናይ ምስዋር መናውራታት፣ ንለፍሊፎም ሓደርቲ ዓዲምካን ኣምጺኢካ፣ ኣብቲ ብዙሕ ቁምነገር ክግበረሉ ዝግባእ ህዝባዊ ፈስቲቫላት ኣብ ሞንጎ ናይ ቀረባ ጎረቤት ህዝብታት መርዚ ምዝራእሲ ምስ ምንታይ ይቑጸር? እቲ ለባም ህዝቢ ኤርትራ እውን ይዕዘብ እዩ ዘሎ። ዋእ፣ ኣዚ ከም ናይዚ ሎሚ ድንቁርናን ጽላለን ከም ፍሉይ ህሞት ተቖጺሩ ዝዝከረሉን ዝሕፈረሉን ዝጠዓሰሉን ጊዜ ከምዝመጽእ ርጉጽ እዩ። ሽዑ እንታይ ሽም ኢና ከነውጻኣሉ? እንድዒ,………., ኣብ ታሪኽና፣ ዘበነ ኣካሒዳ፣ ዘበነ ትሪፑሊ፣ ግዝኣተ ትሩኪ፣ ዘበነ ውቤ፣ ዘበነ ኣንበጣ፣ ዘበነ እዚ፣ ዘበነ እቲ ዝባሃሉ ፍሉያት ናይ ዘይጽቡቕ ፍጻሜታት ኣስማት ኣለው። ነዚ ናይሎሚ ህሞትከ እንታይ ሽም ኮን ከነውጻኣሉ ኢና? ነሕቶ ክትምልስዎ ንዓኹም እገድፈልኩም።

መወከሲ ሓበሬታ (References)

Abisuga-Oyekunle, O. A., Patra, S. K., & Muchie, M. (2020). SMEs in Sustainable Development: Their Role in Poverty Reduction and Employment Generation in Sub-Saharan Africa. African Journal of Science, Technology, Innovation and Development, 12(4), 405-419.

Abor, J., & Quartey, P. (2010). Issues in SME Development in Ghana and South Africa. International Research Journal of Finance and Economics, 39(6), 215-228.

Acs, Z. J., Desai, S., & Hessels, J. (2008). Entrepreneurship, Economic Development and Institutions. Small Business Economics, 31(3), 219-234.

African Research Bulletin (1996). Eritrea: Birth of a Market Economy: Africa Business Research. (Feb.16- March 15, 1996) pp. 12482-83.

Bereketeab, R. (2000). Eritrea: The Making of a Nation 1890-1991 (Doctoral Dissertation, Acta Universitatis Upsaliensis).

Biziouras, N. (2013). The Genesis of the Modern Eritrean Struggle (1942–1961). The Journal of the Middle East and Africa, 4(1), 21-46.

De Waal, A. (2015). The Real Politics of the Horn of Africa: Money, War and the Business of Power. John Wiley & Sons.

Department of State, USA,( 2014), Investment Climate Statement on Eritrea, Washington, DC Gov. Publications.

Ghebremeskel, F. G., & Assefaw, B. A. (2018). Factors Influencing the Growth of Small Enterprises: a Survey of Hair Dressing Industry in Asmara, Eritrea. Journal of African Interdisciplinary Studies, 2(9), 73-85.

Hirt, N., & Mohammad, A. S. (2013). ‘Dreams Don't Come True in Eritrea’: Anomie And Family Disintegration Due to the Structural Militarisation of Society. The Journal of Modern African Studies, 51(1), 139-168.

Jerven, M., Strangio, D., & Weisdorf, J. (2021). A Case of Its Own? A Review of Italy's Colonisation of Eritrea, 1890-1941. The Journal of European Economic History, 50(1), 99-132.

Killion, T. C. (1996). The Eritrean Economy in Historical Perspective. Eritrean Studies Review, 1(1), 91-118.

Lusini, G. (2006). The Early History of Eritrea: a new perspective. Loquentes Linguis. Studi Linguistici E Orientali In Onore Di Fabrizio A. Pennacchietti, 447-54.

Mesghenna, Y. (2003). The Impact of The 1935-1941 Economic Boom on The Eritrean Labor Market. Africa: Rivista Trimestrale Di Studi E Documentazione Dell’istituto Italiano Per l’Africa E l’Oriente, 58(1), 89-100.

Porter, M. E. (2011). Competitive Advantage of Nations: Creating and Sustaining Superior Performance. Simon and Schuster.

Miner, R. (2022). The Effect Of Economic Shocks on Religious Freedom Violations: Evidence from Eritrea, Ethiopia, Nigeria, and Sudan.

Müller, T. R. (2004). ‘Now I Am Free’—Education and Human Resource Development in Eritrea: Contradictions in The Lives of Eritrean Women in Higher Education. Compare: A journal of Comparative and International education, 34(2), 215-229.

Ruggieri, R., Pozzi, M., & Ripamonti, S. (2014). Italian Family Business Cultures Involved in the Generational Change. Europe’s Journal of Psychology, 10(1), 79-103.

Stel, A. V., Carree, M., & Thurik, R. (2005). The Effect of Entrepreneurial Activity on National Economic Growth. Small Business Economics, 24(3), 311-321.

Tesfayohannes, Mengsteab, (1998), Promoting SMEs Financing as a Contribution to Industrial Deveopment-The Case of Eritrea, Postdoc, Dissertation, Alexander von Humboldt/ Bayreuth Universitate, Germany.

Weldeghiorgis, K. Y. (2004). Performance measurement practices in selected Eritrean manufacturing enterprises (Doctoral dissertation, University of the Free State).

World Bank, UNDP, (2020), Country Report: Eritrea, Washington, DC, WB Publications


Read in PDF: ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ፦




ፖሎቲካዊ ለውጢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ : ተኽእሎታትን ብድሆታትን

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: