Placeholder Picture
Placeholder Picture
ዋላ ሓደ ኦም የለን ንፋስ ዘይነነዎ - ዋላ ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ የለን ጉጅለ ህግደፍ ዘይተንኮፎ

16/12/2022 23:55 PM

“ዋላ ሓደ ኦም የለን ንፋስ ዘይነነዎ"
ዋላ ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ የለን ጉጅለ ህግደፍ ዘይተንኮፎ።

ኣዳለውቲ ዶር.ኢንጅነር ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሎ
ኣባላት ምንቅስቓስ ንፍትሒ ኤርትራ ኣብ ዲያስጶራ

ዋላ ሓደ ኦም የለን ንፋስ ዘይነነዎ - ዋላ ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ የለን ጉጅለ ህግደፍ ዘይተንኮፎ።

“ዋላ ሓደ ኦም የለን ንፋስ ዘይነነዎ"
ዋላ ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ የለን ጉጅለ ህግደፍ ዘይተንኮፎ።
ኣዳለውቲ ዶር.ኢንጅነር ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሎ
ኣባላት ምንቅስቓስ ንፍትሒ ኤርትራ ኣብ ዲያስጶራ

“ዋላ ሓደ ኦም የለን ንፋስ ዘይነነዎ" ዋላ ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ የለን ጉጅለ ህግደፍ ዘይተንኮፎ።

ሰላም ኩሉኹም ኤርትራውያ ንፍትሒ እትቃለሱ፡ እነልዕሎ ኣርእስቲ “ ዋላ ሓደ ኦም የለን ንፋስ ዘይነነዎ ’’ ዋላ ሓደ ዜጋ ኤርትራዊ የለን ጉጅለ ህግደፍ ዘይተንከፎ፡ ክንብል ኮሎና እዚ ካብ ክውለድ ጀሚሩ ምቕዛፍን ምጥፋእን ኤርትራዊ ዜጋታት ዝጀመረ ኢሳያስ፡ ኣብ ግዜን ኩነትን ዝላዋወጡ ግጅሉኡ፡ ዕላማኡ ንምትግባር ስልጣኑ ዘይትንከፍ ንምግባር፡ ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዃን ሕልሙ ግብራዊ ንምግባር፣ ንሕስያ ዘይብሉ ጨካን ሓሳድ ዝባህርያቱ፡ ንኹሎም ዝቃወምዎ ዝቐዝፍ፣ ንኽዋዳደርዎ ይኽእሉ እዮም ዝበሎም ዘጥፍእ፡ ንህዝቢ ብ-እምነቶምን ዝቕመጥሉ ቦታን ትውልድን እናፋላለየ ዘናቚት፡ ንሃገር ኤርትራ ከም ወናኒኣ ናይ ሕልምታቱን ዝጠጅኦም ቅዲ ወይ ንድፊ ንምትርጓምን፣ ናብ ዝደለዮ ክወስዳን ክሸጣን ዝህቅንን፣ ንህዝባ ከም ናቱ ጉዙእ ወይ ዑሱብ ገይሩ ዝቖጽሮም፡ ስጋብ እዛ እዋን እዚኣ ገታኢ ዘይረኸበ ከም ድልየቱ ቸይ-ቸይ ዝብለላ ሃገር ኮይና እያ ዘላ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክጋላገል ካብ ቃልሲ ናብ ቃልሲ ብምስግጋር ባዕዳውያን ጸላእቲ ካብ ምብዳህን፣ ካብ መሬቱ ሓግሒጉ ኣውጺኡ ናብቲ ዝመጽእዎ ንኽምለሱ ዝገበሮ ጻዕሪን ዝኸፈሎን ዋጋ ሓፍ ዘይብልን ከቢድን እኳ ይኹን’ምበር፣ ከምዚ ኣብ ሰውራ ኤወርትራ ሰሊኹ ኣትዩ (sceptre) በትረ-ስልጣን ዝዓተረ ደስቡጣ ኢሳያስ፡ ካብ እቶም ኩሎም ባዕዳውያን ገዛእቲ፣ ዝኸፍአን ዝገደደን ኮይኑ፣ በቢ ቁሩብ ህዝብና ምጽናትን ፣ ስድራቤታት ፋሕ ከም ዝብላ ምግባርን፡ መሰረታውያን ማሕበራዊ ቁጠባታት ምዕናውን፣ ህዝቢ ረጊዑ ሓድነቱ ኣጠንኪሩ መሰላቱ ከይሓትት ምእንቲ፡ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ካብ የመን ጀሚትካ ሱዳን፣ ጁቡቲ፣ ኢትዮጱያ ብዝተፋላለዩ ምኽንያታት ውግኣት ብምኽፋት፡ ኤርትራ ባይታ ህውከትን ውግእን ኮይና ክተርፍን ጠንቂ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ፣ብሓፈሻ ኣፍሪቃን ዓለምን ክትኸዉን ኣብቂዑዋ ፡፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዝተመኮረሉ ምጽናት ህዝብን ምዕናው ማሕበራዉን ቁጠባውን ትካላት፣ ኣብ ጎረበትናን ሓውናን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ይደግሞ ምህላዉ ክኣ ዓለም’ውን ዝዛረበሉ ህሞት እዩ፡፡

እዚ መርዝን ስሚን ህዝቢ ኤርትራን፣ ሓደጋ ኻልኦት ህዝብታት ዝኾነ ኢሳያስ ጉጁሉኡን ልክዕ ከምቲ ሂትለር ንዓለም ኣብ ትሕቲ መግዛእቱ ንምእታው ምስ ፋሽሽት በኒቶ ሙሶሊኒን ንጉስ ወይ ምምሕዳር ጃፓን ዉዑል ዝኣተወ፡ መሳርሕቱን ሰጥ ኢሉ ዝእዘዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጱያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ውዑል ብምኽታም፡ ስትራተጂታቶም ኣዋሂዶም ንህዝቢ ትግራይ ኣጽኒትካ ወይ ከም ዝምብርኸኽ ጌርካ፣ ንህቢ ኢትዮጵያ ’ውን ብጥምየትን ድኽነትን ሎጒምካ፡ እታ ሓንቲ ካብ ጥምየት ከተጓንፈካ እትኽእል ምዕስካር ከም ዝኾነት፣ መገዲ ብምኽፋት፡ ከም ንህቢ ዝዓስልን ኣብ ዘይደለዮ ዘይግብኦን ውግእ ብምእታው፣ንሓዉን ወዲ ሃገሩን ክሊትግራይ ንምጥፋእ ተዋፊሩ፡ ከም ሃመማ ይረግፍን ብ-ኣሻሓት ክማረኽን ኢዱ ክህብን፣ ብምድያ እንርእዮን እንዕዞቦን እንካታተሎን ዞሎና እዋን እዩ ዘሎ፡፡

እዚ እንርእዮን እንዕዞቦን ዘሎና ጽንተት ህዝብታት ጠጠው ንኽብልን ፈጺሙ ክጠፍእን እንተ ኾይኑ፣ እዞም ጠጃእቲ ስትራተጂ ጽንተት ህዝብታት፡ ክልተ-መራሕቲ ካብ መሬት ዓለም ምስ ዝጠፍኡ ጥራይ ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብቐዳምነት. ምስ ህዝቢ ትግራይን ሲዒቡ ምስ ኩሎም ኣንጻር እዞም ደስቡጣታት ስርዓት ዝትንስኡ፡ ህዝብታት ኢትዮጱያ ኮንካ ክትቃለስ ግዴታን ጉቡእን ይኸዉን፡፡ ደገፍን ሓገዝን ፍትሓዊ ቃልስን ናይ ምንባር መሰላት ዝቃለሳን ዝታሓባበራን ሃገራት ዓለም፣ ኣብ ጎንኻ ክኾናን ንዋታዉን ሞራላዉን ሓገዝ ንኽህባኻ ዘድሊ ሓቤረታን ዘመተን ጎስጓስን ክትገብር’ውን ትግደድ፡፡

እቲ ኣውራን ምንጪ ሓይሊ ኣንጻር ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዱስቡጣዝውያን ስርዓታት ግን፣ እቲ ኣብ ርእሲኡ ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕን ዓመጽን ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ተወዲቡን ሓድነቱ ኣጠንኪሩን ምስ ዝልዓል ይኸዉን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብነት ክኾነሉ ዝኽእል፣ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ዲሞክራስያዊ ኣሳራርሓ ክህሉ ዝኽእል ፍልልያት፣ ወጊዱ ብ-ፖለቲካዊ ይኹን ወተሃደራዊ፣ ማሕበራዊ ሓቢርካ ምቅላስን ሙኡክሉን ዱልዱሉን ትካላዊ ኣሳራርሓ ብምክያድ፡ ነዚ ብሓይሊ ብረት ኣንጻር’ዞም ጨካናትን ኣጽነትን ግብረ-እከይ ዝኾኑ ክልተ ስርዓታት፡ግጅለ ህግደፍን ብልጽግናን፣ ደገፍቶምን ዝቃለስ ምክልኻል ሰዳዊት ትግራይ (T.D.F.) መንጸፎም ኣብ ውሽጢን ኣብ ዲያጶራን ዘለዉ ህዝቦም፡ ምዃኑ መጠን ዘይ-ነጽፍን ዘይ-ዕጸፍን ህዝባዊ ቃልሲ ከካይዱ ይርከቡ፡፡ ኣብ መጠረሽታ ህዝባዊ ቃልሲ ከም ዝዕወት’ውን ታሪኽ ዝምስክሮ ስለ ዝኾነ፡ ምጽናት ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ኢሉ ቀጻልነቱ ዝራጋገጽ፣ ህዝባዊ ቃልሲ ብምክያድ፡ ዓወቱ ዘመስክር ርእሰሰ ውሳኔኡ ዘራጋግጽ ክኸዉን ግዴታ እዩ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ቀጻልነቱን ልእላዉነት ሃገሩን ሓድነት ህዝቡን ዘሪኢ፡ ከመይ’ዩ ክኸዉን ዝብል ሕቶ ንምምላስ፤ ስጋብ በዚ ሰንካም መርዚ ስሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ደስቡጣ ስርዓት ኢሳያስን ጉጅሉኡን፡ ዘተኣታተዎ ፈላሊኻ፣ ኣጥሚኻ፣ ማሕበራዊ ሂወት ዘሪግካ፣ ስልቲ ከም ንፍትሒ ዝቃለሱ ኣምሲሎም ኣብ ውሽጥኻ ኣትዮም ዘዳኽሙኻ እንተ-ኺኢሎም ዝዘርጉ ሃሱሳት፡ ብ-ሓይሊ ፍትሓዊ ህዝባዊ ቅያዊ ቃልሲ፣ ተበሊሎም በብኒ-ሓደ ተመምዮም ዝወጹን ዝፍዱሑን፤ ህዝባውያን ምንቅስቓሳትን፣ ውድባትን፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን፣ ቀዳምነት ሃገራዊን ህዝባዊን ቃልሲ ሰሪዐን ፣ ዱልዱሉን ጡንኩሩን ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ኣቚመን ክቃለሳ ምስ ዝኽእላ ጥራይ እዩ ዝኸዉን፡፡ ምጥርጣር ተሪፉ ምትእምማን ክህሉ፣ ምንጽጻግ ተሪፉ ሓቢርካ ምስራሕ ምስ ዝጅመር፡ ናተይ ናትካ ተሪፉ ናይ ሓባር ምስራሕ ምስ ዝጅመር፡ ጠቕመይ ጠቕምኻ ተሪፉ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ምስ ዝቕድም፡ ኩሉ ዜጋ ኤርትራዊ ባይታ እሱ ዝኽእላን ዓቕሙ ዝፈቕደሉን ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ሓልዮት መበቱ ክህብ ምስ ዝጅምር፡ ቅድሚ ኩሉ ክስራዕ ዘለዎ፣ ሃገርን ህዝብን ኮይኑ፡ ዲሒሩ ዝመጽእ ኩሉ ዲሞክራስያዊ፣ ሰብኣዊ፣ ሲቪካዊ፣ ፖለቲካዊ፣ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ፣ መሰላት ኣብታ ፍትሒ ዝተራጋገጸት ሃገር ምዃና ኣሚኑ፡ ኣብዛ እዋን’ዚኣ ሓቢርካ ምቅላስን ንኹልኻ ዝጥርንፍ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ምቛምን ልክዕ ከምዚ ኣሕዋትና ትግራዎት ዘርእይዎ ሓድነት፡ ክህልወና ምጽዓርን፣ ነዚ ናይ ሓባር ጸላኢ ብ-ናይ ሓባር ስትራተጂካዊ ቃልሲ ክንጥቀም ቁሩባት ምስ እንኸዉን እዩ ዓወትና ናይ ግድን ዝኸዉን፡፡

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንምብጻሕን ህዝባዊ ዓወት ክራጋገጽን እተን ክልተ ዓበይቲ ወይ ዝላዓላ ሕልምታት ደቂ ሰባት ሞራልን ፖለቲካን ብዝግባእ ምስ እንጥቀመለን እዩ ዝኸዉን፡፡

ሞራል ወይ ስነ-ምግባር ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቂ ሰባት ብ-ሕላናዊ መገዲ፣ ናብ ግብሪ ክትርግሞም እንኮሎኻ፣ ነቲ ኣወንታዊ ማሕበራዊ ሂወት ቅኑዑዕን ሓቃዊን መገዲ ዘትሕዝ መስርሕ ክኅሉ እንከሎ፡ ፖለቲካ ክኣ ጥበብ ወይ ብልሓት ልዝብ፣( compromise) እንካን ሃባን ሉዑል መስርሕ ማሕበራዊ ምምሕዳር ዝጠቅም፣ ምዃኑ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ወይ ፍላስፋታት ዘስተምሃርዎን ዝጻሓፍዎን እዩ፡፡

ን-ኣብነት ካንት( Kant) ይብል፣ ሓንቲ ሱጉምቲ ንቕድሚት ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ እንተ ድኣ ኣብ ቅድሚት ሞራል ዘይሰሪዕካዮ፡፡ ሓቂ ኣብ ምንዳይን ናጽነት ናይ ምጒንጻፍን እተን ቀዳሞት ደቂ ሰባት ዝደልይወንን ዝቃለሱለንን ምዃነን፡ ን-ዕአን ንምጭባጥን ምብጻሕን ስጋብ ሂወት ከም ዝኽፈል ይሕብር። ነዘን ክልተ መሰረታውያን ትምኒትን ባህግን ደቂ ሰባት ንምጉንጻፍ በቢ-ዓይነቱ ቃልስታት ክካይዱ ከም ዝኽእሉ ታሪኻት ይሕብሩ እኳ ይኹኑ’ምበር፣ እቲ ናይ ማሕበውራዊ ሂወትን ሲኒትን ፍትሓዊ ማሕበራዊ ናብራ፣ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕጊ ንምብጻሕ ግን ህዝቢ ሓቢሩ ምስ ዝቃለስን ሓድነቱ ኣደልዲሉ ምስ ዝሕዝን፣ ነቓዕ ንጸላእቲ ክህበሉ ዘይኽእል ዱልዱልን ስጡሙን፣ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ትካላዊ ኣሳራርሓ ክህልዎ ምስ ዝኽእል ምዃኑ መብዛሕትኦም ንፍትሒ ዝቃለሱ ፍላስፋታት ዘስምርሉ እዩ፡፡

ከምዚ ካብ ኮነ እቲ ክሳዓብ ዘለዎ መርሃ ጎደና፡ እዚ ኤርትራዊ ደምበ ፍትሒ መዓስ ድኣሉ ኩሉ ፍልልያቱ ኣወንዚፉ ቀዳምነት ሃገርን ህዝብን ብምስራዕ ሓቢሩ ዝቃለሰሉ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ክሃንጽ ዝኽእል። ፖለቲካዊ-ሞራል ወይ ሕልና ዝደረኾ ህላወ ውዳበ ሃልይዎ፣ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ብምስራዕ ናይ ሓባር ቃልሲ ክካይድ፡ ታሪኽን ብ-ግፍዒ ዝሳቐ ዘሎ ናብራ ሂወት ህዝቡን፣ ይግድዶ ጥራይ ዘይኮነስ ጽባሕ’ውን ተሓታቲ ከም ዝኾነ ክዝክርን ክሓስብን ይግባእ፡፡

እዋኑ ተጠሚርካ እትሰርሓሉ ኣነ እዚኣ ክግበር ይኽእል እትብለሉ ን-ሕልናኻ ዕረፍቲ ክህብ ምእንቲ ሃገርካን ህዝብኻን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ናብራ ሂወት፡ ን-ህላውነቶም ንምርግጋጽ እትዓየሉ ድኣ’ምበእር ካልእ ክኸዉን ዝኽእለሉ ነገር ከም-ዘየለ ምግንዛብን ምዝካርን የድሊ፡፡

“ህዉኽ ዝብኢ ቀርኒ ይነክስ፡ ህዉኽ ኣንጭዋ ዱሙ ይልሕስ “ ዝብል ቢሂል ምስ እንምልከት፡ ንገብሮ ንግበሮ ዘይ-ኮነስ እቲ ቀዳምነት ክስራዕ ዘለዎ ነዚ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ምጥፋእ ዝተዓጥቀ፡ ንጎረቤትና ህዝቢ ትግራይ ንምብርካኽ ኢሉ ደቅናን የሕዋትናን ኣሓትናን፣ ሽማግለታት ከይተረፉ ተባዕታይ ኣንስታይ ጾታ ከይፋላለየ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጱያ ዘጽንቶም ዘሎዉ ዜጋታትና፡ ብ-ቐዳምነት ካብ ስሩሚሕና ክንድርብዮ፣ ሲዒብና ሩጉእን ኡሩሙን ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘሳትፍ ምስግጋር ስርዓት ካብ ውልቀ መላኽነት ናብ ዲሞክራሲ ዘብጽሕ መስርሕ ትራጌቶ ሃልዩ፡ ፍትሓዊ ግዝኣተ-ሕጊ ዝህነጸሉ ሉዙቡን ሉኡሙን ስኒት ህዝብታትና ዝሓለወ ጹፉፍ ህዝባዊ ቃልሲ ክነካይድ ይግባእ፡፡

እዚ መስርሕ ክግበር ይኽእል’ዩ እወ ይካኣል እዩ፡ ድልየትን ተበግሶን እቲ ሓቃውን ሉዑሉን ፖለቲካን ምስ ሞራልን ሕልናን ኤርትራዊ ኒሕን ዝተሓዎሶ ምስ እንጥቀምን እነዘውትርን ይኸዉን።

ሃየ ሓቢርና ንኹላትና እንቃለሰሉ ባይታ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንምብጻሕ ንቃለስ፡ ምስ ኩሎም ኣንጻር ደስቡጣ ኢሳያስን ሰዓብቱን መሻርኽቱ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ወዲቖም ከም ዘይትሱ ንምግባር ሓቢርና ንቃለስ፡ ህዝቢ ዝማእከሉ ቃልሲ ከነካይድ ጉዱዳት ኢና።

ኣዳለውቲ፡- ዶር.ኢንጅነር ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሎ
ኣባላት ምንቅስቓስ ንፍትሒ ኤርትራ ኣብ ዲያስጶራ


Read in PDF  

Recent Articles by Fitui Kifle ዝሓለፉ ጽሑፋት ብ'ፍትዊ ክፍለ'ን ብዙ ቡቱኞሎ'ን  

Past Articles by Fitui Kifle  




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: