Placeholder Picture
Placeholder Picture
ወተሃደራዊ ዑደት ልኡኽ ኤርትራን መልእኽቱን

17/04/2023 23:35 PM

ወተሃደራዊ ዑደት ልኡኽ ኤርትራን መልእኽቱን

ብ'ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም: ሎንዶን

ወተሃደራዊ ዑደት ልኡኽ ኤርትራን መልእኽቱን

ኣብ ዝሓለፈ ምዓልታት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከምዝተኸታተልናዮ ብመሪሕነት ብ/ጄ ኣብርሃ ካሳ (ኣዛዚ ሃገራዊ ድሕነት) ዝተመርሔ ዑደት ትዓዚብና። ኣብርሃ ካሳን ኣባላት እቲ ዑደት ዝኾኑ ሞኮንናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘውረዱዎ ስቃይን ውርደትን ስሞም ኣሸባሪ ሙኻኑ ንኹሉ ኤርትራዊ ፍሉጥ ኮይኑ ማሕበረ ሰብ ዓለም እውን ከም ገበነኛታት ቆጺሩ ኣብ ምክትታሎም ይርከብ። እዚ ኮይኑ እቲ ዝተገብረ ዑደት ብዙሕ ኣቃልቦ እካ እንተ ዘይተገብረሉ እንኮላይ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ክሽፍንኦ ኣይተራእያን። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣማኻሪ ዲክታቶር ኣስመራ ዝኾነ የማነ ገብረመስቀል ከም ኣገዳሲ ዑደት ብሙቅጻር ከተሓለለ ከዕልለሉን ክጽሕፈሉን ምቅናዩ ን ጉጅለ ህግደፍ ምስ መሪሕነት ኢትዮጵያ ዘለዎም ምሕዝነት ንምርኣይ ዝዓለመ ሙኻኑን ዋላ ድሕሪ እቲ ንእሰይያስ የሕፊሩ ኣብ መንጎ መሪሕነት ኢትዮጵያን መሪሕነት ትግራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተብጽሐ ስምምዕን ኣብ ኢትዮጵያ እሰይያስ ዘይብሉ ሃዋህው ሰላም ምንጋሱን፡ ጉጅለ እስየያስ ጋና ኣብ ጽቡቅ ምሕዝነት ምስ ኣብይ ኣሕመድ ከምዘሎ ዝዓለመ ዑደት ሙኻኑ ንጹር እዩ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ነቲ ኣደዳ ሞትን ጥምየትን ዝኾነ መሪሕነት ትግራይ ተሻራኺ መሪሕነት ኢትዮጵያ ከምዝኸውንን ንኽልል ትግራይ ድማ እቲ እንኮ መራሒ ሓይሊ ከምዝኸውን ምግባሩ ንመሪሕነት እሰይያስ ከምዘይተዋሕጠሉ ብሩህ ኮይኑ ዕረ እንዳ ጣዓሞ ይዕዘብ ኣሎ።

ኣብዚ ክንጸር ዝግባእ ድማ፡ ዑደት ኣባላት እስይያስ ድሕሪ እቲ ብመሪሕነት ክልል ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ዑደት ሙኻኑን፡ ኣብቲ ዑደት ድማ ብዙሕ ኣወንታዊ ስምምዓት ኣብ መንጎ መሪሕነት ትግራይን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ መሪሕነት ትግራይን ክልል ኦሮምያ ዝተበጽሐ እስትራተጂካዊ ስምምዓት ንመሪሕነት ደክታቶር እስይያስ ድቃስ ዝኸልእ ብሙኻኑን ብዘብዘብ እዚ ዝተጠቅሰ ዑደት ከምዝግበር ኣዚዙ።

ነዚ ሙርኩስ ብምግባር እዚ ሃንደበታዊ ቱርጉም ኣልቦ ዑደት ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ጻዕሪ ንምዝራግን ነቲ ገና ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ሓይሊ ኤርትራ ንምሽፋንን ዝኣለመ ኮይኑ ፡ጋና ኣብ መንጎ እስይያስን ኣብይ ኣሕመድን ዘሎ ናይ ውሻጠ ስምምዓትን ዘነጽር ኮይኑ፡ እቲ ዑደት ብደግኡ እካ ሚዛን እንተ ዘይነበሮ ምኽንያቱ እቶም ልኡኻት ምስ ዓበይቲ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዘይምርኻቦምን ምስ መዛንኦም ወተሃደራውያን መራሕቲ ጥራይ ምርኻቦምን ብዙሕ ኣድህቦ ናብቲ ዙረትን ተገዳስነትን ዘይምንባሩ፡ እቲ ዑደት ብድሌት ዲክታቶር እሰይያስ ዝተወጠነ ምንባሩን ከምቲ ዝተገልጸ፡ ኣለና ንምባል ዝዓለመ ዘይስሩዕ ዑደት ሙኻኑ እዩ።

ብወገን ዲካታቶር ኣስመራ ካብዚ ዑደት ከመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ኣብዘን ዝስዕባ ሓሙሽተ ነጥብታት ክትንተን ይክኣል።

1- ንማሕበረሰብ ዓለም ጋና ኣብ ጽቡቅ ምሕዝነት ምስ ኣብይ ኣሕመድ ከምዘሎ ንምርኣይን ኣብቲ ኣብ ጎድኒ ኣብይ ኣሕመድ ኮይኑ ዝገበሮ ወራር ትግራይ ኣገዳስን ምሕዝነታውን ሙኻኑ ንምርግጋጽ።

2- ንናይ ዞባና ሃገራትን ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግድብ ሕዳሴ ምስሕሓብ ዘለወን ሃገራት፡ ኤርትራ ኣገዳሲ ሓይሊ ኣብቲ ዞባ ሙኻናን ንዝኾነ ብምኽንያት ግድብ ወይ ዲጋ ሕዳሴ ዝግበር ወረራ፡ ኣብ ጊድኒ ኢትዮጵያ ደው ከምትብል ዘመልክት መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ሙኻኑን፡ ኢሰይያስ ነዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት ንሓይልታት ትግራይ ይሕግዛ ምህላወን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ገሊጹዎ ምንባሩን ጋና ኣብ መርገጺኡ ምህላዉ ንምንጻር።

3- እቲ ቀንዲ ተልእኾ እዚ ዑደት ድማ እሰያይስ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ምሕዝነቱ ንምምሕያሽን ኣብ ሑቅፊ ሃገራት ምዕራብ ንምምላስ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ከምዘለዎ ምንጭታት ይዛረቡ ብምህላዎም፡ ኣብ መንጎ ኣብይ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ብሊንከን እዚ ናይ መንጎኝነት መስርሕ ንስርዓት ኢሰይያስ ካብቲ ዘለዎ ተጻባኢ ፖሎቲካዊ መስመር ተመሊሱ ምእዙዝ ዝኾነሉ መንገዲ ንምድላይ ክኸውን ከምዝኽእልን፡ እዚ ዝተገብሪ ዑደት ድማ መሪሕነት እስየያስ ካብቲ ኣብ መስመር ሩስያ ሒዛቶ ዘላ ልፍንቲ ብምግዳፍ ኣንጻር ኣመሪካ ትገብሮ ዝነበረት ገበታ ዘመተ ጸርፊ ብሙግዳል ነቲ ዝድለ ዘሎ ምምሕያሽ ምሕዝነት ምስ ኣመሪካ ንምግምጋም ዝዓለመ ኽኸውን ይኽእል።

4- እሰይያስ ንምልሻታት ኣምሓራ ዝገብሮ ዝነበረ ሓገዝ ከም ጸቅጢ ዝጥቀመሉ ዝነበረን፡ እዚን ምልሻታት ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ጎነጽ ድሕሪ ምእታዎምን ልኡኽ እሰይያስ ንምሕዝነት መንግስቲ ፈደራል ንምሕላው ምስቲ ምልሻ ዝነበሮ ምትእስሳር ደው ከምዘበሎ ንምግላጽን ኣብ ጎድኒ ኣብይ ኣሕመድ ምህላዉ ንወተሃደራዊ መሪሕነት ኢትዮጵያ ንምግላጽ ዚዓለመ ሙኻኑ ይግምገም።

5- እቲ ዑደት ዝፈጸመ ልኡኽ ንጉዳይ ዶብ ኣብ ኣጀንድኡ ዘይምግባሩ ንኻልእ እዋን ክዋጠጠሉ ክጥዕሞ ብምባል ሙኻኑን፡ ዋላ እካ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ብስምምዕ ኣልጀርስ ዝትሓንጸጸ መሬት እንተሃለወ፡ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ምልሻታት ኣምሓራ ዘለዎ ጎነጽ ድሕሩ ምውዳእ ነዚ ጉዳይ ዶብ ከየልዓሎ ኣይተርፍን እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ነዚ ናይ እስይያስ ምንቅስቃሳት ኣብ ምቅላዕ ክንሰርሕን ንኩሉ ኤርትራውን ማሕበረሰብ ዓለምን ሽርሕታት ዲክታቶር ኣስመራ ኣብ ምፍላጥን ክንጎይይ እዋኑ እዩ።

ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም
ሎንዶን




See also more articles by Ali Mohammed Saleh:
ካልኦት ብ'ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

VOICE OF ASSENNA: Book Launch
ተዘክሮታትን ታሪኽን - ኣብነታት ካብ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ
ብ ዓሊ መሓመድ ዓሊ።

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: