ኣብ ልብና እዩ ሰፈረን፡ መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት እዩ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

04/05/2020 23:55 PM

ኣብ ልብና እዩ ሰፈረን፡
መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት እዩ

You always remain in our hearts
Sacrifice is the price of Liberty

ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ by Solomon Yohannes

ኣብ ልብና እዩ ሰፈረን፡ መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት እዩ
ስዉኣት፦ ኮፍ ዝበለት ኣበራሽ ምልኩ፡ ደው ዝበለት ደሃብ ተስፋጼን - Martyrs: Aberash Melke (left) Dehab Tesfazion (right)

ኣብ ልብና እዩ ሰፈረን፡ መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት እዩ (You always remain in our hearts; Sacrifice is the price of Liberty)
ጽሑፍ ብ 'ሰሎሞን ዮውሃንስ

እቲ 1961 ዝጀመረ ሰውራ ኤርትራ ኣብ እግሪ ተኽሉ እንከሎ ሰውራና ንኽዕወት ደቅንስትዮ ክሳተፍኦ ኣለወን ዝብል ናይ መጀመሪያ ሓሳብ ኣብ መፋርቅ 60ታት ዘቅረበ ተጋዳላይ ተኽለ ዓንዶም እዩ እንተ ኾነ ተተሪኹልና ኣይፈልጥን እዩ። ድሕሪ እዚ ሓሳብ ድማ እታ ናይ ፈለማ ጓለ ኣንስተይቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝተሰለፈት ራሕማ ሳልሕ ካብ ከባቢ ሰንዓፈ ተወሊዳ ዝዓበየት እያ ነይራ። ኣብ መፋርቕ 1967 ካልኦት ክልተ ደቅንስትዮ ጅምዓ ዑመርን ረውዳ ሳልሕን ዝተባህላ ናብቲ ሰውራ ተጸንቢረን።

ድሕሪ ምስላፈን ኣብቲ ሰውራ ዝነበረ ኩነታት ይትረፍ ንደቅንስትዮ ንደቅተባዕትዮ እውን ንጋዳ ምንባሩ ሰብ ውዕሎ ታሪኽ የዘንትው። እንተ ኾነ ግን በቲ ዝነበረ መስርሕ ምግምማዕ ሰውራ ኤርትራ ንዋሕዚ እዘን ዋዕሮታት ተቃለስቲ ደቅንስትዮ ጠጠው ኣየበሎን። ታሪኽ ኣለዋ ምዕራፍ እናብልኩ ኣባይና ዝሰወረን ጀጋኑ ስውኣት ተቃለስቲ ደቅንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ልብና እዩ ሰፈረን።

ስውእቲ ተጋዳሊት ደሃብ ተስፋጼንን ስውእቲ ተጋዳሊት ኣበራሽ ምልኩን ካብተን ቀዳሞት ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝተሰለፋ ተጋደልቲ እየን ነይረን። እንተ ኾነ ግን በቲ ዝነበረን ዝኣመናሉን እተስለፋሉ ውድብ ዝነበረን ገስጋሲ ኣራኣእያ ዝጉዕጽጽ ብምንባሩ ኣብ ልዕለእን ዘይፍትሓዊ ናይ ሞት ስጉምቲ ብላዕለዋይ መሪሕነት ኣብ ልዕሊ ዘን ንጹሃት ደቅንስትዮ ተጋደልቲ ተወሲዱ። በቲ ዝተሰለፋሉ ውድብ ዝተቀንጸላን ዝተኻሒደን፤ ጀጋኑና ድሕሪ ባይተን ከም ዚ ዝስዕብ እዩ።

ስውእቲ ደሃብ ተስፋጼን ካብ ኣዲኣ ጽገውይኒን ኣቦኣ ተስፋጼን ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝነበሩን ኣብ 1975 ድማ ናብ ሰውራ ኤርትራ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ኣሰር ጓሎም ካብ ዝተስለፉ ሓርበናኛ ኣቦ ዝተወልደት እያ ነይራ። ደሃብ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ኣውራጃ ኣኮለግዛይ ብናይ ሎሚ ኣጸዋውዓ ድማ ዞባ ደቡብ ተወሊዳ። ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርታ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ፤ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ድማ ኣብ ኢተገመነን ቤት ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ወዲኣ። ድሕሪ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብ 1ይ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ማሕበራዊ ዕዮ ተማሂራ። ጎኒ ጎኒ ትምህርታ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝባን ሃገራን ዝነበራ ልዑል ሃገራዊ ፍቅሪ ብምስጢር ተወዲባ ተቃሊሳ። ኣብዚ ከይትሓጽረት ነቲ ተፍቅሮ ህዝባናን ሃገርና ኤርትራን ክትብጆ ምስ ገለ ብጾታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብብረት ንክትቃለስ ናብ ሜዳ ተሰሊፋ።

ስውእቲ ደሃብ ተስፋጼን
ብ1971 ኣብ ዝነበረ ናይ ተማሃሮ ምንቅስቃስ ብምሲጥር ተውዲባ ክሳብ 1973 ተቃሊሳ። ኣብ ሚያዝያ 1973 ድማ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተሰሊፋ 1974 ድማ ብምኽንያት ደምክራሳዊ ምንቅስቃስ (መንካዕ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ፋሕ ተኣሲራ. ኣብ መጀመርታ 1979 ድማ ተረሺና

ስውእቲ ኣበራሽ ምልከ
ካብ ኣቦኣ ወትሃደር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኮይኑ ናይ ኮሎኔል ማዕርግ ዝለበሰ ኮሎኔል ምልከ እያ ተወሊዳ። ዝተወለደትሉ ቦታ ብርግጽ እንተ ዝይፈለጥኩዎ ግን ኣብ ጎንደር ወይ ኣብ ትግራይ ተወሊዳ ዝብል ግምታት እዩ ዘሎኒ። ዝዓበየትሉን ዝተማህረትሉን ድማ ኣብ ጎንደርን ትግራይን እዩ ነይሩ። ዝቀጸል ትምህርታ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ስነ-መሬት (Geologist) ተማሃሪት ነይራ። ጎኒ ጎኒ ትምህርታዊ ንጥፈታታ ምስቲ ዝነበራ ፖሎቲካዊ ንምንቅስቃስ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንኸትቃለስ ጽልዋ ሓደራ። ካብ ትምህርታዊ ዓለም ወጺኣ ምስ ከምኣ ዝኣመሰላ ቀዳሞት ኣርባዕተ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝነበራ ደሃብ ተስፋጼን ትርከበን ናብ ሓርነታዊ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ተሰሊፈን።

ስውእቲ ኣበራሽ ምልከ
ኣብ ሚያዝያ 1973 ድማ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ተሰሊፋ 1974 ድማ ብምኽንያት ደምክራሳዊ ምንቅስቃስ (መንካዕ) ተኣሲራ። ብ1979 ግዳይ ናይ ምርሻን ኮይና።

ሎሚ ቅድሚ 47 ዓመት ንናጽነት ሓርነትን ኤርትራ ተስላፈን ከብቅዓ ሎሚ ታሪኸ ዘይብለን ኮይነን ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዝተረሳዓ ግን ኣብ ልብና እዩ ሰፈረን። ይኹን እንበር ኣብ ልቢ እቲ ዘይከሰረ ኣብ ኣዋሳ ከይዱ ልቡ እናሃረመ እተሰራሰረት ዑቡድ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ኣፍወርቂን እቶም ምስኡ ኮይኖም ንሕና ንሱ ብሃልቲ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ኣብ ልቢ እቲ ውጹዕ እተቃለሳሉ ህዝቢ ኤርትራ ግን ነባሪ እዩ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ ጽሑፈይ ንምንባብን ምስማዕን ዕድል ዝረኸብኹም ኣሓተይን ኣሕዋተይን እዚኤን ጀጋኑ ኣሕዋትና ጥራይ ተረሲዕን ተገፊዕን ንምባል ከም ዘይኮንኩ ብትሕትና ክትርዱኡለይ ብስም ኩሎም በዚ ስርዓት ዝተካሕደን ዝተረስዕ ዜጋና ይምሕጸነኩም። እቲ ሓቂ ቀዳሞት ደቅንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ እተሰለፋን ጥራይ ዘይኮነስ ቀዳሞት ግዳይ ናይ ዝተሰለፋሉ ውድብ ቀዳሞት ብምኻነን እየ። ጉዕዞ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሜዳ ቀጸላታት ናይ ውድባት ገይሩ ኣብ ነንሕድሕድካ ስነ-ሓሳባዊ ረጽሚ ፈጢሩ። ከም ውጺኢቱ ድማ ንገለ ዓበይቲ መራሕቲ ሰብ ራኢን ተቃለስቲ ዝነበሩ ብጉልባብ ንሕናን ዕላማናን ብዝብል ተንክኮለኛ ተልእኾ ተበሊዖምን ተኻሒዶምን። ካብ ዚ ቄናን መንገዲ ብዘይ ምምሃርና ሎሚ ካብ ኦም ዝተረፉ ተርትኦም ኮይኑ በሊዕዎም ኣለው። ንዝተሰግረ ዓመጽ ሓዋዋዊሶም ታሪኽና ዘጨበጡና ግን ውጽኢቱ እዚ ሎሚ ኣብ ጎደና ውድቀት ንጓዓዞ ዘለና ቀጻልነት ንህላወ ሃገርና ሓደጋ ምኻኑ እዩ ምባል ግን ሎሚ ርእሰይ ዝሓከሉ ምኽንያት የብለይን።

ምዓስከር ብሊቃትን ፋሕን መሰረት ጽንዓትን ጥፍኣት ናይ ቁኑዓት ተጋደልቲ ገይረ ክገልጻ እፈቱ። ካብ ብሊቃትን ፋሕን ናብ ማይህመት ዘውረደ ሩባ ዝዓስከረ ኣቃውማ ኣሃዱ ካብ ግዜ ህዝባዊ ሓይልታት ዝጀመረ ዝነበሮ ንመልከት፡

• ፋሕ ወትሃደራዊ ቤት ጽሕፈት
• ድምጺ ሓፋሽ
• ወትሃደራዊ ታዕሊም ናይ ካንቦድያን ፊቶውራሪን
• ክፍሊ ገንዘብ
• ኣብዚ ቦታ ሰለስተ እስርቤት ነይሩ ሓንቲ ካብኣተን እስርቤት ናይቶም ብመንካዕን የሚንን ዝፍለጡ ዝተኣሰሩላ ነይራ

ካብ ዘን ኣብዚ ቦታ ዝነበራ ኣሃዱታት ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኩወን ብጀካ ሓንቲ ኩለን ንሰውራና ኣብ ምህናጽ ዓቢ ተራ ዝነበረን እየን። ምስ ምትእትታው ሕብረት ሶቨት እቲ ዝነበረና ሚዛን ሰውራ ካብ ላዕለዋይ ኢድ ናብ ምዝላቅን ምክልኻልን ኣቲና። ኣብዚ እዋን እተትኽለት ማዕበል ፈነወ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ንህላወና ኣብ ንቃለሰሉ ዝነበርና ዝገበረቶ ኣስተዋጽኦ ኣዝዩ ዓቢ እዩ ነይሩ። ሕጂ ኣተኩሮ ጽሑፈይ ድማ ንሓንቲ ካብኣተን ዝኾነት መደበር እስርቤት ወይ ብሓለዋ ሰውራ ትፍለጥ ዝነበረት እያ። ከም ንፈልጦ ንጥፍኣት ኑጹሃትን ቁኑዓትን ተጋደልቲ ዝንበሮም ታሪኽ ክትድምስስ ሰረት ዘሕደረት ቦታ እያ ነይራ። እዚ ማለት በቲ ሽዑ ግዜ ኣብ እዛ ጸባብ ሩባ ፋሕ ብሰለስተ እስርቤት ዝጀመረት ሎሚ ድማ ሰሲና 370 እስርቤት በጺሐን ኣለዋ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ እስርቤ ኮይኑ ኣብ ዓለምና ናይ ቃዳማይ ቀዳማይ ይገብሮም። እዚ ማለት ድማ ብዘመዝገብቶ ዕቤት እስርቤት ወይ ክብሪ ውሰን ብምስባራ ናይ እስርቤት ሰንጋፑር ዘብል ኣጸያፊ ቅጽል ስም ሃገርና ሒዛ ትርከብ ኣላ። ኣብዚ ናይ ሎሚ እስርቤት ብጭካንኦም ዝፍለጡ ብዙሓት ደቂ ከበደ ፈርዮም ኣለው።

ሓለዋ ሰውራ ካብ ዝተመስረተሉ እዋን ኣትሒዙ በብግዚኡ ብኣታሓሕዞኦምን ጭካንኦምን ዝልለዩ ዝነበረ ሓላፊ እታ እስርቤት መሓመድ ሲዒ ዓፋ እዩ። እዚ ጸይቂ መጋበርያ ሕብእቲ ሰልፊ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ኑጹሃት ተጋደልቲ ንዘወርድ ግፍዒ መጋበርያ ንክኽውን ዝተጠቀሙሉ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብልዕሊ እዚ ግፍዒ በቲ ዝሳዓበ ምቅይያር ሚዛን ሓይሊ ጸላኢ ንዘኸተሎ ወራራት ካብ 1ይ ወራር ክሳብ 4ይ ወራር ዝነበረ መስርሕ ኣብ ሰውራና ከቢድ ምዝንባል ኣኸቲሉ ነይሩ። ከም ሳዕቤኑ እተን ዝነብራ ኣሃዱ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዝዓስከራሉ ናብ ሓድሽ ቦታታት ምጥያስ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ተሓሊፉ። ብፍላይ ንእሱራት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ እተሰወረ ቦታ ንምሓዝ። ኣብዚ ግዜ ሜዳ ኤርትራ ንኽልተ ውድባት ጸይሩ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብቲ ጹንኩር ግዜ ወራር ጸላኢ ናቱ ሽግር ነይርዎ። ወፍሪ ቃልሲ ሰውራና ንሓደ ህዝቢ ንሓንቲ ሃገር ኣንጻር ሓደ ባዕዳዊ ጸላኢ ምቅላስ እዩ ዝነበረ። ሎሚ ከምዚ ምባለይ ምስቲ ሸዑ ኣባይታ ዝነበረ ኩነታት ገምጊምካስ ዓሻ ዶ የቁጽረኒ ይኸውን፧ ድሓን ኣይትሰከፉ መልሱ ባዕለይ እወ ኢለ ከቀምጦ እየ። ምኽንያቱ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ወራር ጸላኢ ኣብ ክንዲ ሓቢርካ ምምካቱ ዝርአ ዝነበረ ናይ ውድበይ ውድብካ መንፈስ ሳዕሪሩ ቦታይ ቦታኻ ኣይትቅረበኒ እዩ ዝነበረ። ኣብዚ እውን ኣየብቅዐን እንታይ ድኣ ኣንጻር ቀዳማይ ጻላኢ ምምካት ተወንዚፉ ንዕላማ ኢሳያስ ዘሳሲ ነንሕድሕድካ ምትህንዃት ኮይኑ። እዚ ድማ ድኽመት መንገዲ ናይ እቶም ሽዑ ኣብ ክልቲኡ መራሕቲ ውድብ ዝነብሩ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ መሪሕ እቲ ኣነ ዝነበርኩዎ ውድብ ህዝባዊ ግንባር። ምኽንያቱ እቶም ዓሽዮም ዘዕሸውና መራሕትና ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣዋትና ዝተወሰደ ካብ መሬት ኤርትራ ተገዲዶም ምውጽኦም ከም ዓወት ቆጺርናዮ ነይርና። ሚዛን መለክዒ ድኽመት መራሕትና ድማ ኣብቲ ዝስዓበ ወራር ተመስኪሩ። መስራቲት ውድብ ሰውራ ኤርትራ ኣሕዋትና ዝነበርዎ ውድብ ደፊእና ኣውጺእና ንጓና እሞ ኽኣ ሓዊ ጸላኢና ሓቁፍና ኣንጻር ጸላኢና ን6ይ መኪትና። ኣብ ዚኣ እሞ ልቢ ንበል! ለባም ድዩ ተሳኢኑ፧ ጸላኢና ንሰውራና ክድምስ ብሰፊሑ እንዳ ተዳለወ ከምይ ኢሉ እዩ እቲ ናይ 1981 ኩናት ሕድሕድ ምርጫ ኾይኑ፧ እሞ ኽኣ እቲ ዓሻ ንብሎ ጸላኢ ነንሕድሕድና ክንዋዳ ሓጋዚኡ ረኺቡ ኣእዳው ጠሚሩ ኣጽዋሩ ዓቂቡ ክሳብ ንዋዳእ ምተጸበየና ነይሩ፧ ኣብ ኩናት ሕድሕድ መን ተዓዊቱ፧ መልሰይ ንሓደ ህዝቢን ንሓንቲ ሃገርን ዝዕላምእን ውድባት ዝተገብረ ኩናት ሕድሕድ ግን እቲ ተዓዊተ ዝብል ጥራይ እዩ ዓሻ። ኣብ ዚ ክነጽሮ ዝደሊ ተራ ናይ ቶም ኣነ ዘይነበርኩዋ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ዝነበሩ ገለ መራሕቲ እቲ ውድብን ተራ ተጋደልቶምን እዩ። ነቲ ኣብ ልዕልኦም ዝተኸፍተ ናይ ጥፍኣት ኩናት ሕድሕድ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጸውርን እዩ ዝብል መትከል መላኪ ኢሰያሰ እዩ ነይሩ። እቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዕላማን ኣንጻር ቃዳማይ ጸላኢ ብብረት ውሽጣዊ ግርጭት ግን ብዘተ ዝብል ዕላማ እዩ ነይርዎም። ብረትና ድማ ኣንጻር ኣሕዋትና ኣይነቅንዕን ዝብል መትከሎም ብምጽናዕ ንዝተቃለስሉ ህዝብን ሜዳ ኤርትራ ደም እንዳ ጥዓሞም ገዲፎም ምውጽኦሞ እዩ። እቲ ዝወስድዎ ምርጫ ድማ ዓወት ናይ ህዝብን ሃገርን እዩ ኮይኑ። ሰውራ ዝጀመረት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እዚ ምርጫ እንተ ዘይትመርጽ ነይራ ነንሕድሕድና ተሃናኹትና ምተረፍና ነይርና። ካብ ዚ ዝተረፈን ሰራዊት ኤርትራ ድማ በቲ ብሕብረት ሶቨት ክሳብ ዓንቀሩ ዓጢቁ ዝጽበየና ዝነበረ ስርዓት ደርጊ ከም ሕልሚ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ሰውራ ኤርትራ ከም ናይ ሃገረ ሰረላንካ ዝነበረ ውድብ ታይሚል ታይገር ኮይኑ ምተረፈ ነይሩ። ስለዚ እቲ ናይ ዓወት መትከል ዝጨበጠ እዩ። እዚ ቄናን መትከል ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ የዕንትና ዓሚቱና ነቶም ኣብ ሓደ ውድብ ዝነሩ ቡዙሓት ኑጹሃት ተጋደልቲ ብዓል ደሃብን ኣበራሽን ዝርከብኦም እና ኣጽነተ ክንርኢ ኣይካአልናን ነይሩ ንገልኤ ውን ገና ኣሎ።

ውግእ ሓድሕድ ኣብ መጀመርታ 70ታት ዝጀመረ ብዙሓት ዓበይቲ ሰብ ተስፋ ሃገር ኣጥፊእና። ንኣብነት ኣብ ሓደ መዝገብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ነበር ካብ ዝረኸብኩዎ፡

ዝኽሪ ጀጋኑ ስውኣት ብጾትና ትብል ጽሑፍ፡ ኣብ ሓደ ዕለት ኣብ ክልተ እተፈላለየ ቦታ ዘጋጠመ
“እድሚ 44 ዓመት ሰንበት 11/08/1974 ኣብ ክልተ እተፈላለየ ቦታ እተገብረ ውግእ ሕድሕድ እተሰውኡ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ስውእቲ ዘስፈረ መዝገብ እዩ ነይሩ። ኣስማቶም ድማ ከም ዚ ዝስዕብ ስውእቲ ኣለም መስፍን፡ ስውእ ሑሴን ምሓመድ ኣብ ቃረ ወርሕ ስውእ እስራኤል ምስግና፡ ስውእ ኣልኣሚን ኣደም ርኩት ኣብ ማይ ላባ….ብጅግንነት ተሰዊኦም ኣብዚ ኣጋጣሚ ብጻይና ተጋዳላይ ተኽስተ የውሃንስ ተወጊኡ ተማሪኹ ተጋዳላይ እድሪስ ወጺኡ። ኣይረሳናኩምን ዘላኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና” ትብል ጽሕፍቲ ናይ ተጋዳላይ መስፍን መንግስቱ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኩዎ ጸቅጢ ወራራት ጸላኢ ዝፈጠሮ ምዝላቅ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምቹእ ዝኾነ ንኡሱራት ቦታ ምርካብ ከቢድ ምኻኑ ንኸትርድኦ ኣሸጋሪ ኣይነብረን። ምኽንያቱ ኣይኮነን ንኡሱራት ካብ ሓለዋ ሰውራ ወጻኢ ዝነበራ ካልኦት ኣሃዱ ምቹእ ማይ ዘለዎ ቦታ ንምርካብ ኣሸጋሪ እዩ ነይሩ። እዞም ካብ 1974 ጀሚሮም ብመንካዕን ዙንቡላት የሚንን እናተባህሉ ዝተኣስሩ ካብ ፋሕ ንወጀባ ካብ ወጀባ ብ1980 ንዓራግ ግዒዞም። እዚ ቦታ ኣቀድም ኣቢሉ ብተጋድሎ ሓርነት እዩ ተታሒዙ ጸኒሑና። ኣጋጣሚ ካብ ዝነበረ ሕማቅ ታሪኽ ከይወጻእኩ ኣብ ሓደ ፍሉይ ሰብ ኣተኩረ ክዛረብ ክፍትን እየ። ተጋዳላይ ሞጎስ ፋሲል ተኣሲሩ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ክሳብ ምህዳሙ ኣብዚ ቦታ ማለት ዓራግ እዩ ነይሩ። ሞጎስ ፋሲል ገዲም ተጋዳላይ ኣባል ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበረ ወዲ ኣስመራ ስድራ ቤት ገዛ ከንሻ እዩ። ምስ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ናይ ገዛውቲ-ገዛ ከኒሻ ክንደይ ቅርበት ኣለዎም፧ ብዝኾነ ኣብ ዚ ነስተውዕል ተጋዳላይ ሞጎስ ምስ ዞሞ ኣብ ዛ ናይ መንካዕን የሚንን ዝርከቡላ ቦታ ተኣሲሩ ነይሩ። ካብቲ ዝነበረ ጹኑዕ ማእሰርቲ ናብ ፎኪስ ሓለዋ ብዘይ ብረት (ኮለይ) ኣብ ምግብና ከባቢኣን ምስ መጋቦ ንምውዓል ማለት ናብ ምሉእ ናጻ ውይ ብከቢድ መጠንቀቅታ ትፍትሓሉ መሳጋገሪ ዓይነት እዩ። እዚ ዕድል ድዩ ወይ ጉርሒ ሞጎስ ፋሲል ዝርከቦም ካልኦት 5ተ ወይ 6ተ ዝኾኑ ንጹሃት ተጋደልቲ ወጺኦም ብዘይ ሓለዋ ናብ ዛ መሰጋጋሪት መድረኽ ተፈንዮም ነይሮም። እንተ ኾነ ግን ተጋደላይ ሞጎስ በይኑ ካብ ዚ ኦም ተፈልዩ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበረት ኣሃዱ ተጋድሎ ሓርነት ሃዲሙ ኢዱ ሂቡ። እቲ ድራም ኣብዚ ኣየብቀዐን። ቀጺሉ ድማ ናብ ኢትይጵያ ብምእታው ኣብ ኣስመራ ስታድዩም (ቺቾሮ) ኣብ ቅድሚ ዝትኣከበ ህዝቢን ሬድዮ ኢትዮጵያ ተዛሪቡ። ሞጎስ እዚ ኩሉ ሰጊሩ ንኣስመራ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣይገድፍ ኣብ ግዜ ዝርጊ ውልቀ መላኺ ኢስያስ ኣይተረፈ ከም ድላዩ ንኣስመራ ካብ ኣመሪካ እንዳ ተመላለሰ ይረግጻ ኣሎ እዚ ሕልና ኣልቦ ሞጎስ።

እቶም 5ተ ወይ 6ተ ምስኡ ኣብ ትሕቲ ኮለይ ሓለዋ ወጺኦም ዝነብሩ ኸ እንታይ ኮኑ፧
መልሱ ድማ ብምልኦም ተረሺኖም። ምርሻኖም ግን ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት ዶ ነይሩ ይኸውን፧ኣይመስለን! ንዝነበሮም መቅጻዕቶም ወዲኦም ናብ ኣሃዱኦም ንምምላስ ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ እንክለው ናይ ሞጎስ ምህዳም ከመይ ኢሉ ናቶም ጌጋ ኾይኑ ዝተረሸኑ፧ ብዓል መን ከ እዮም ነይሮ መርመርቲ ገበን፧

እቲ ዝገርመኒ ልብና ንጓና ዝርህርህ ኣብ ሓውና ንጭክን እዩ ኮይኑ ዘሎ። ብ1984 ንመጀመርያ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ናይ ውግእ ነፋሪት ሚግ 23 ተወቂዓ ፓይሎታ ዝነበረ ሻለቃ በዛበህ ጰጥሮስ ድማ ተማሪኹ። ኣብ ዓንበርበር ኣብቲ እንዳ ስለያ ኣብ ደገ ኣብ ትሕቲ ገርብ ሓንቲ ኢዱ ብጆሶ ተሓኪሙ ንኽዛናጋዕ ሓንቲ ልቢ ወልድ መጽሓፍ Jaws by Peter Benchley እንዳንበበ እየ ዝርኣኹዎ። ወይ ጉድ! ንቀታሊና ነዛናግዕ ንተጋደልትና ድማ ብኸምዚ ሽርሒ ናይ መታኣሰርቲ ሞጎስ ፋሲል ዝነበሩ ካልኦትን ኣዘንጊዕና ነጥፍእ። ይገርም እዩ “እዛ ቡርኹታ እምኒ ኣላታ” እዩ ነገሩ። ኣይኮነን ካብ እስርቤት ሃዲምካን ኣብ ኣደባበይ ወጺእካ ካብ መደርካ ሞጎስ ፋሲል ድኣ መን ኮይንካ ኢኻ ብውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ሓራ ዝወጻእካ፧ ኣይኮነን ሃዲምካ ወጺእካስ፡ ካብ ሱዳን ብምጭዋይ ዶ ኣይኮኑ ኣሕዋትና ንሜዳ ኣትዮም ዝጠፍኡ ዝንበሩ።ተስፋንኪኤል ጆርጆ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቀንጺሉ ካልኦት ውን ቡዙሓት።

እዚ ጉዕዙይ ስርዓት ንብዓል ሞጎስ ሕልና ኣልቦ ንኣስመራ ክማላለሱ የፍቅድ ነቶም ንጹሃት ዝረሽኖም ድማ እታ ቅንጣብ ወረቀት መንነቶም ትገልጽ ውን ተኻሒዶም ኣለው። ደሃብን ኣበራሽ ግን ካብተን ስመን እውን ትኹን ፍጹም ክዝክረን ዝይደልየ እየን ነይረን። ሎሚ ግዜ ናይ ኩሎም ጀጋኑ ሰማእታትና ንዝክረሉን እዩ። ንነቶም ኣብ 370 ዘሎ እስርቤት ዘለው ድማ ካብዚ ናይ ዝቀደም ጌጋ ተማሂርና ስቃዮም ኣብ ምሕጻር ብሓድነት ንኽንቃለስ ንበገስ። ነቶም ብሓላፍንታዊ መንገዲ ሓቀኛ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ እተቅርብ ድማ ብልቢ የምስግነኩም።

እሞ ሕጅ ኸ ካብዚ ሕሉፍ ተመኩሮ ተማሂርና ሃገርና ኣብ እዚ ሕማቅ ግዜ ንኸይንደግሞ ብምስትውዓል ክንብገስ ሓጋዚ እዩ። “ዓወት መትከል ናይ ዝጨበጠ እዩ! እንበር ቦታ ወይ መሬት ናይ ዝሓዘን መትከሉ ዝስሓተን ስርዓት ህግደፍ ኣይኮነን።” ምስዋእቲ ዋጋ ሓርንት እዩ ብልኽዕ መትከሉ ንዝጭበጠ ስርዓት። እንተ ኾነ ግን መስዋእቲ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዋጋ ባርንት እንበር ዋጋ ሓርነት ከምዘይ ኮነ ኣነ ዝብሎ ዘይኮነስ ኣባይታ ንነብሮ ዘለና ምስክር ዘየድልዮ እዩ። ከምዚ ኸማይ ቡዙሓት ነታ ተቃሊስና ዘምጻእናያን ተኻላኺልና ዝጽናሕናያ ሃገር ገዲፍና ኣብ ስደት ነንብር ምርጫ ህግደፍ ኮይኑ። ገለ ድማ ኣብ ውሽጡ ኣብ ዘን ልዕሊ 370 ጎዳጉድ እስርቤት ብዘይ ፍርዲ ህላዊኦም ኣጥፊኦም ኣለው። ነዚ መስዋእትነት ናይ ሓርነትና ናብ ባርነት ዝጨወየ ስርዓት ህግደፍ ንኸነልግስ ሓቢርና ንገስግስ እናበልኩ ፍትሕን ስላምን የውርደልና ፋጣሪ።

ውድቀት ንዓማጺ ስርዓት!!
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!

ሰሎሞን የውሃንስ
ዓባይ ብሪጣንያ
02 May 2020


Share with friends:


See also past articles Mr. Solomon Yohannes.
ካልኦት ብ' ኣቶ ሰሎሞን ዮውሃንስ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Eritrean Music 2019
By Andit Teklehaimanot - Hto Aleni
ሕቶ ኣሎኒ ኣነ፡ ብ`ድምጻዊ ዓንዲት ተኽለሃይማኖት።



Share with friends: