20/04/2024 23:52 PM
ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡
ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ by Democratic Front For Eritrean Unity.
ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡
መሪሕነት ህግሓኤ /ህግደፍ/ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ ዘሎ ሓያሎይ ዓመታት፡ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ተራ ዝተጻወቶ እንተነበረ፡ ሃገራዊ ነጻነትናን ልዑላውነትናን ኣብ ሕብረተ ሰብ ዓለም ተፈላጥነት ክረክብ ኣብ ምግባር ዝተጻወቶ ኣወንታዊ ተራ ጥራሕ እዩ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ከባቢ 31 ዓመታት ግን ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን መሓውራት /ትካላት/ ብምጥያስ ናብ ገዛኢ ጨቛኒ ደርቢ ነብሱ ብምስግጋር ኩሉ ድሌቱ እምነቱን ስጉምቲታቱን ኣንጻር ድሌት፡ መሰልን ጠቕምን ናይ ህዝብታትና ብምቕናዕ፡ ነቲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበጽሖም ዝነበረ ጭቆናን ምዝመዛን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣጠናኺሩ ብምቕጻል፡ ህዝብታትና ሓሳረ መከረኦም ክርእዩ እናገበረ እዩ መጺኡን ዝቕጽል ዘሎን፡፡
እዚ ካኣ ህዝብታትና ከም ዘይተቓለሱን መስዋእትነት ከም ዘይከፈሉን ኣብ መስርሕ ቃልሲ ብዙሕ ሓሰረ-መከራ ከም ዘይረኣዩን ዘይተሳቐዩን፡ ብዋጋ ናይ ቃልሲ መስዋእቶም ክረኽብዎ ዝግባእ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ከይረኽቡን ከይጥቀሙን ተኣጊዶም፡ ብዛዕባ መሰሎምን ጥቕሞምን ኣመልኪቶም ክሓቱ ይኹኑ ክሓስቡ‘ውን ተኸልኪሎም መሰል ኣልባ ክዀኑ ተገይሮም እዮም፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ህዝብታትና፡ ገባቲ መንግስቲ ህግደፍ ብዝሓሰበሎምን ብዝመደበሎምን ጥራሕ ክጓዓዙ እናተገደዱ ናይ ሕልናን ኣካልን እሱራት ብምዃን ነዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ብጉልበቶም፡ ብውላዶምን ሃብቶምን ብግዴታ እናኣገልገሉ፡ ንድኽነትን ንተጸባይነትን ተሳጢሖም ኣብ ዝተነጸለትን ሕግን ፍትሕን፡ ልምዓትን ምዕባሌን ዝረሓቓን ቤት ማእሰርቲ ናይ ህዝብታታ ዝዀነት ናብ ውድቀትን ፍሽለትን ዘአንፈተት ብቐትሩ ዝጸልመታ ሃገር እናተሳቐዩ ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብታት እዮም ኢልካ ምግላጽ ዝካኣል እዩ፡፡
እዚ ናብ ልዕሊ ህዝብታትና ዝወርድ ዘሎ መዳየ-ብዙሕ ጭቆና፡ ምዝመዛን ሓሳረ መከራን ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ኮይኑ እናሃለወ፡ ጸላኢ /ህግደፍ/ ገበናቱን ክፍኡን ንምኽዋልን ንምድንጋርን ክብል፡ ነዚ ኣብ ዓለምና ዝረአ ዘሎ ፖለቲካውን ዲፕ/ውን ምስሕሓብን፡ ዘሰክፍ ንጥፈታት፡ መልክዕ ናይ «ዝሑል ኲናት» ዘንጸባርቕ ምትእስሳራት ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ ዘቤታዊ ወጽዓታትን ጸገማትን ንምድብዛዝ ቀልብን ሃምን ናይ ህዝብታትና ንግዳም ክቐንዕ ብምግባር ንክጥቀም ሓደስቲ ዓሰብትን መወልትን መንግስታት ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ይርካብ ኣሎ፡፡
መደቡ ንምዕዋት ድማ ንምቹእነትን ሰሓብነትን ናይ ባሕርናን ወደባትናን ንምክራይ ናብ ዕዳጋ ብምውራድ ክጥቀም ሃንደፍደፍ ኣብ ምባል ይርከብ፡፡ በዚ ኣቢሉ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ሰላምን ምርግጋእን ንከይርከብ እናገበረ ክጥቀምን፡ ብስም «ናይ ከባቢና ሰላምን ምርግጋእን ተራና ክንጻወት ኣለና» ዝብል ኣስካርን መደናገርን ፕሮፖጋንዳ እናቃለሐ እቶም ዝተረፉ መንእሰያትና ናብ ዘይቅኑዕን ኣብራስን ውግእ እናነቖተ ንብላሽ ክሃልቁን ክስንኩሉን ብምግባር ክጥቀም ኣብ ምጽዓር ይርካብ ኣሎ፡፡
እዚ ኣብራሲ ውጥን‘ዚ እንተሰሊጡዎ ህዝብታትና ካብ ዝጸንሑዎን ዘለዉዎን ኩሉ-መዳያዊ ጸገማትን ሓሳረ-መከራን ብዝያዳ ክጽገሙን፡ ናብ ናይ ውድቀት ሓደጋ ብዝያዳ ክሳጥሑ ክገብር ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ ፖለቲካዊ ዕላማ ናይ ህግደፍ ንህዝብን ሃገርን አወንታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ዘብቀዐን ዝነደየን ኮይኑ እናሃለወ፡ እዚ ገባቲ ስርዓት‘ዚ ግን ኣብ ህዝብታትና ኣወንታዊ ተራ ምጽዋት ገና ከም ዘይወደአ፡ ልዑላውነት ህዝብን ሃገርን ናይ ምኽባርን ምውሓስን ተራ ይጻወት ከም ዘሎ ኣምሲሉ ንህብታትና ብሓይሊ ክኣምኑን ክቕበሉን ንምግባር የገድድ ብምህላዉ ዝተሓሳስብ ተርእዮ እዩ ዝቕጽል ዘሎ፡፡
እዚ ብገባቲ መንግስቲ ህግደፍ ዝቕጽል ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ወጽዓን በደላትን ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ነዚ ዝነደየን ኣብራስን ዕላማን ምሕደራን ናይ መ/ህግደፍ ብኣወንታ ዝርእዩን ዝቕበሉን እምነትን ዝምባለን ምርኣዩን፡ ዝተወሰኑ ኣካላት ድማ ምስ‘ዚ ዝነደየ ስርዓት ናይ ምትዕራቕ ርእይቶን ዝምባለን የንጸባረቑ ብምህላዎም፡ ኣንጻር ጸላኢ ተወሃሂድካ ኣብ ምቅላሰ ንህዝባዊ ቃልስና ዘይናዓቕ ኣሉታዊ ብድሆ ዝፈጥር፡ ንጸላኢ ድማ ግዝያዊ ተስፋ ዝህብ ኩነታት ስለ ዝዀነ፡ ህዝባዊ ቃልስና ተኣማሚኑን ተወሃሂዱን ንከይቃለስ ዝጻባእ ኣሉታዊ ፖለቲካ ንምውጋዱ ተወሳኺ ቃልሲ ከነካድ ዝሓትት ኢዩ፡፡
ነዚ ብጸላእን ደገፍቱን ዝግለጽ ዘሎ ዕላማ፡ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ሜላን ተቓሊስና ንምስዓር ድማ፡ ኣብ ጭቁናት ህብታትና፡ ገባቲ መ/ህግደፍ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ዕላምኡን ተግባሩን ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ከም ዝነደየን ዘብቀዐን፡ እቲ ኣብዚ ግዜ‘ዚ ዝፍጽሞ ዘሎ መጠነ-ከቢድ ጭቆናን ምዝመዛን፡ ኣደናጋሪ ፕሮፖጋንዳን ድማ መርኣያ ናይ ንድየቱን ኣሉታዊ ተግባራቱ ምዃኑ ንምርዳእን፡ ተረዲኡ ክቃለስ ዘብቅዕ ቀጻልነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ስራሕ ከነካይድ ዝሓትት ፍሉይ መድረኽ ናይ ቃልሲ ኢና እንርከብ ዘለና፡፡ ስለ ዝዀነ ፖለቲካዊ ዕላማ ናይ ህግደፍ ምልክትን መግለጽን ናይ ኣረሜንነቱን ክድዓቱን እምበር ናይ ቅንዕንኡን ሃገራውነቱን ስለ ዘይኮነ፡ ህዝብታናን ተቓወምቲ ሓይልታቶምን ከም ውጹዓት መጠን፡ ዘለና ብሕታዊ መማረጺ ካብዚ ዝነደየ ስርዓት‘ዚ ክንዲ ፍረ-ኣድሪ ትኸውን ኣወንታ ከይተጸበና ኣንጻሩ ምቅላስን ምቅላስን ጥራሕ ምዃኑ ፈሊጥና፡ ሃገራዊ ዓቕምታትና ኣበራቢርናን ኣወሃሂድናን ብንቕሓትን ብቕዓትን ክንቃለስ ኢዩ ዘዋጻኣናን ናብ ኣፍደገ ዓወት ዘምርሓናን፡፡
እዚ ክንገብር እንተዘይበቒዕና ግን እቶም ጸረ ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ጨካን ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብታትናን ሃገርናን ዝፍጽሞም ዘሎ ዝተፈላላዩ ጭቆና፡ ምዝመዛን በደላትን ክድዓትን ህያው ኮይኖም ክቕጽሉን ህዝብታትና ናብ ዝኸፍአ ናይ ውድቀትን ምብትታንን ሓደጋ ዘሳጥሕ ኩነታት እዩ ክዓብን ክቕጽልን ዝኸውን፡፡ ነዚ ናይ ኩሉ መዳያዊ ወጽዓን ሓደጋ ውድቀትን ምብትታንን ጠንቂ ዝዀነ ዝነደየ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ኣብ ህዝብታትና ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ክረጋገጽን ክምዕብልን ዘኽእል ፖለቲካዊ ስራሕ ብዘይ ምቁራጽ ምስራሕ ብሓደ ገጽ፤ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ዝቀላቐል ዘሎ ናይ ዝተወሰኑ ኣካላት ናይ ተዓራቕነት ፖለቲካዊ እምነት ብቃልሲ ንምስዓሮምን መውጋዶምን ዘኽእል መድረኻዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣሓይልና ከነካድ ክንበቅዕ እዩ ዝህልወና፡፡
ናይ ህግደፍን ንምትዕራቕ ዝሓልሙ ዘለዉ ደገፍቱን ጭቡጥ ፕሮፖጋንዳን ተደሚሩ፡ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ኣወንታውን ሓላፍነታውን ተራና ኢና እንጻወት ዘለና ይበሉ ዳኣምበር፡ ሺሕ ግዜ ከደናግሩ እንተፈተኑ ንህዝብታትና ሓቅን ተኣማንነትን ከረጋግጽሎም ኣይክእሉን እዮም፡፡ ምኽንያቱ ህግደፍ ብባህርያዊ መስርሕ ኣወንታዊ ተርኡ ምብርካት ካብ ዘብቅዕ ዓሰርተታት ዓመታት ዘቝጸረ ስለ ዝዀነ፤ እቶም ምስኡ ንምትዕራቕ ዝሓልሙ ዘለዉ ኣካላት ድማ ካብ ናይ ጸላኢ ዝፍለ ዕላማ ስለ ዘይብሎም ተቐባልነት ናይ ምርካብ ዕድሎም ብኣግኡ ዝመኸነ እዩ፡፡
ስለዚ ህግደፍ ከምቲ ፈረስ-ቀሺ /ቅሽነቱ ዘፍረሰ/ ክቕድስ ኣይክእልን ኣይፍቀደሉን ዝበሃል፡ ህግደፍ‘ውን ናብ ጸላእነት፡ ጭቋንን ከዳዕን ስለ ዝተሰጋገረ ሕጂ ተመሊሱ ሓርበኛ ውድብ/መንግስቲ ክይኑ፡ ሰላምን ምርግጋእን ከስፍን፡ ፍትሕን ርትዕን ከረጋግጽ፡ ናይ ልምዓትን ዕቤትን ኩነታት ክፍጠር ክሰርሕን ክመርሕን ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ባህርያቱን እምነቱን ዘየፍቅደሉ ስለ ዝኾነ፡፡ ስለዚ እቲ ዘዋጽእ ብሕታዊ መማረጺ ናይ ቃልሲ፡ ውህደት ሃገራዊ ሓይልታትና ብምፍጣር መንግስቲ ህግደፍ ንምውጋድ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና ኣጠናኺርና ምቕጻሉ ጥራሕ እዩ፡፡
ህግደፍን ዝነደየ ዕላምኡን ኣምለኽቱን ንምስዓር ንቃለስ!
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
See also more articles by Democratic Front For Eritrean Unity
ካልኦት ብ'ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018). - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)