ተዘክሮ ብጻይ ጎይትኦም በርሀ ኣብ ቅንያት ብዓል ናጽነት

26/05/2020 14:28 PM

ተዘክሮ ብጻይ ጎይትኦም በርሀ
ኣብ ቅንያት ብዓል ናጽነት

(ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኢል 23/05/2020)

ተዘክሮ ብጻይ ጎይትኦም በርሀ ኣብ ቅንያት ብዓል ናጽነት

ተዘክሮ ብጻይ ጎይትኦም በርሀ ኣብ ቅንያት ብዓል ናጽነት
(ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኢል 23/05/2020)

ለንቅነ ሓደ ዘገርም ኣጋጣሚ ተረኺቡ። እዚ ናይ ንኣሽቱ ኢዩ ኢለ ዝንዕቆ ዝነበርኩ `ፈይስቡክ` ለካስ ዓቢ ጥቕሚ`ውን ኣሎዎ። ወዲ ሓብተይ ብተሌፎን ደዊሉ ኣብ `ፈይስቡክ` ብዛዕባ ጎይትኦም በርሀ ዝርርብ ተላዒሉስ ምሳኻ ዕርክነት ከምዝነበሮ ጠቒሰ ነይረ። ነዚኣ ዝርኣየ ዘመድ ጎይትኣኦም በርሀ ኢየ ዝብል በጃኻ ኣራኽበኒ ስለዝበለኒ ቁጽሪ ተሌፎንካ ክህቦዶ? ኢሉ ይሓትኒ። ኣብ ታሪኽ ጎይትኦም ኣነውን ዘይፈልጦ ገለ ሃጓፋት ስለዘሎኒ ነቲ ሓታታይ ብታሕጓስ ከዛርቦ ከምዝደሊ ሓቢረ። ብቕጽበት ክኣ ናይ ተሌፎን ጻውዒት ካብ ወዲ ጓል ሓወብኡ ንጎይትኦም ኢየ ዝብል ሰብ ይረክብ። ብዙሕ ኣዕሊልና ብዙሕ ሓበሬታ ክኣ ተለዋዊጥና።

ጎይትኦም በርሀ ሓደ ካብቶም በላሕቲ ምሁራት፥ ኤርትራ ሃገርና ክትጥቀመሎም ዕድል ዘይረኸበት ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዮኒቨርሲቲ ብናይ ሕጊ ትምህርቲ ምስ ተመረቐ ብዙሕ ከይጸንሐ ኢዩ ንሓርነት ኤርትራ ክቃለስ ኢሉ ናብ ሜዳ ኤርትራ ከይዱ። ብዛዕባ ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ዝወጹ ጽሑፋት ጎይትኦም በርሀ ይጥቀስ ኢዩ። እዛ `ብጻይ` ትብል ቃል ኣብ ናይ ተቓለስቲ ቋንቋ ተፈላጢት ክትከውን ብምግባሩ ክኣ ከም ሳጓ ናብኡ ተለጢፋ ብ`ብጻይ ጎይትኦም ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ።

ብጻይ ጎይትኦም ኣብ ዝኣምነሉ መትከሉ ጽኑዕ ከምዝነበረ መቓልስቱ ይምስክሩሉ ኢዮም። ብዛዕባ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ሰብኣዊ መሰላትን ጽሒፉ ንተጋደልቲ ከነቓቕሕ ስለዝጀመረ ክኣ ኢዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሕሱም ግፍዒ ተታሒዙ ጸኒሑ ኣብ መውዳእታ ክኣ ዝተቐትለ።

ጎይትኦም ናይ ግዜ ንእስነት ዓርከይ ኢዩ ነይሩ። ኣብሻይ ኣስመረት፥ ኣዲኡ ንጎይትኦም፥ ንወዲ ሓወቦይ ንኣያ ኣስገዶም ገብርኣብ ተመርዕያ ንጎይትኦም ወዳ ሒዛ ኢያ ናብ ዓድና ናብ ኣማድር፣ ወረዳ ጽልማ፣ ኣትያ። ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ኣያ ኣስጎዶም ክልተ ቆልዑ ምስ ወለደላ ኢዩ ብሞት ተፈልይዋ። በዚ ምኽንያት ኣብሻይ ኣስመረት ናይ ናብራ ሽግር ነይሩዋ። እዝከረኒ ኣብ ሰልሳይ ክፍሊ ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቲ ከሎና ንዓዲ ኣቡኣ ንደንበላስ ተሰዲዳ ሓግያ ኣብቲ ጊዜ ዘራእቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክኣ ንዓዲ ተመሊሳ። ጎይትኦም ካብቶም ምሉእ ዓመት ዝተመሃርና ጥራዘውትና ወሲዱ ቀዲሑ ኣጽኒዑ ኣብ መወዳእታ ዓመት ብልጫ ክወስድ ዝኸኣለ ናይ ትምህርቲ ተውህቦ ዝነበሮ በሊሕ ቆልዓ ኢዩ ነይሩ። በቲ ናይ ቁልዕነት ኣተሓሳስባ፣ ኣብሻይ ኣስመረት ሰበይቲ ወዲ ሓወቦይ ስለዝነበረት ን`ጎይትኦም ከም ዘመደይ ገይረ ኢየ ዝወስዶ ነይረ። ብዝበለጸ ግና ዕርክነትና ኣዝዩ ደልዲሉ ስለዝነበረ ዓርከይ ጎይትኦም ኢለ እጽውዖ ነይረ ንሱውን ከምኡ።

ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ምስ በጻሕና፥ ምናልባት ጎይትኦም ወዲ 12 ዓመት ኢዩ ዝኸውን ነይሩ፣ ሓደ ኣብቲ እዋን`ቲ ጓሂ ዘሕደረለይ ነገር ተፈጢሩ። ዓርከይ ጐይትኦም ኣብ ዓዲ ብናብራ ስለዝተሸገረ ናብ ኣስመራ ዝርከቡ ቤተ ሰቡ ከይዱ ተባሂሉ። ኣነ ዝኣምኖ ዓርከይ ብምስኣነይ ናይ ብሓቂ ተሰሚዑኒ።

ኣብ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሰ ክልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክምሃር ከሎኹ ጐይትኦም ኣብቲ ጎኑ ዝነበረ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሾምናይ ክፍሊ ይምሃር ስለዝነበረ ስሕት ኢልና ኣብ መንገዲ ንራኸብ ኔርና። ብገለ ናይ ናብራ ሽግር ሓደ ዓመት ኣጥፊኡ ምንባሩ ኣዝዩ ስለዝተሰምዓኒ ከልዕለሉ`ውን ኣይደለኹን። ኣነ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ኣስመራ ተማሂረ ብድሕሪኡ ዝነበረ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከይደ ወዲአ ኢየ ኣብ ዩኒቨርሲትይ ኣትየ። ድሒረ ከም ዝተረዳእኩዎ፡ ጎይትኦም ካብ ሻሙናይ ክፍሊ ናብ ናይ መምህርና መሰልጠኒ ኣትዩ ተማሂሩ ንገለ ዓመታት መምህር ኰይኑ ኢዩ ሰሪሑ።

ኣደይ ወላዲተይ ሓደ እምነት ነይሩዋ። ናይ ኩሉ ሰብ ዕድል ክውለድ ከሎ ጀሚሩ ዝተጻሕፈ ኣሎ፡ ካብታ ጽሑፍቱ ክኣ ሰብ ኣይወጽእን ኢዩ ትብል ነይራ። ኣነን ጎይትኦም ዓርከይን ከከም ጽሑፍና ተጓዕዝና ኣብ መጀመርታ 70`ታት ኢዩ መስለኒ ኣብ `ኣራት ኪሎ፥ ኣዲስ ኣበባ፥ ብኣጋጣሚ ተራኺብና። ንዓመታት ዝሓለፈና ዕላል ኣልዒልና ንነዊሕ ተዛሪብና። ኣብቲ መወዳእታ ዕላልና ግና ጎይትኦም “እሞ እዝጊሄር ኢዩ ተራኸቡ ኢሉና ሎሚ ንምንታይሲ ኣነ ኣርሒቐ ክገይሽ ኢየ” ኢሉኒ። ኣነ ጎይትኦም ብርቱዕ ሓንጎል ከምዘሎዎ ስለዝፈልጥ ንትምህርቲ ነወጻኢ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ ኢለ ስለዝሓሰብኩ “ጽቡቕ ዓርከይ ጎይትኦም፣ ኣሳልጦ ይሃብ” ዝኣመሰለ ኣዎንታዊ ዘረባ ብምሃብ ኢየ ተፋንየዮ።

ጎይትኦም ኣብ ምምህርና እንከሎ ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ መአተዊ ፈተና ወሲዱ ብዝልዓለ ነጥቢ ሓሊፉ ኣብ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ኣትዩ ድሕሪ ምምራቑ ኢና ተራኺብና። ከመዮ ኣደይ ዝበለቶ ግና እቲ ጽሑፍ ዘይተርፍ ኰይኑ ለካስ መደብ ጎይትኦም ንላዕለዋይ ትምህርቲ ዘይኰነስ መንገዱ ንኽቃለስ ንኤርትራ ክኸይድ ኢዩ ነይሩ። ናይታ መዓልቲ እቲኣ ርክብና ክኣ ንዘልኣለም ኣብ ተዘክሮይ ተቐሪጹ ይነብር ኣሎ።

ተሰዊኡ ዝብል ቃል ኣብዘይቦትኡ ንጥቀመሉ ኢና። ዓርከይ ጎይትኦም ተሰዊኡ ድዩ ክብሃል ዘሎዎ ወይስ ተቐቲሉ? ኣብቲ ጊዜ ቃልሲ ኣብ ሓደ እኼባ ክሳተፍ ንኤርትራ ኣትየ ስለዝነበርኩ፡ ብዛዕባ ኣዕሩኽተይን ቤተ ሰበይን ክሓትት ጀሚረ። “ዘይምልከተካ ኣይትሕተት” ዝብል ናይ ህዝባዊ ግንባር መምርሒ ከምዝነበረ ኣፍልጦ ነይሩኒ ግናኸ ሕልናይ ኣየፍቀደለይን ክሓትት ጀሚረ። ሓደ ተጋዳላይ `ብጻይ ጎይትኦም ተሰዊኡ ኢዩ` ኢሉኒ ከብቅዕ `ግን ብዙሕ ኣይትሕተት` ይብለኒ። ስለዘየደቀስተኒ ግና ከጻሪ ጀሚረስ፣ ኣብ ናይ ኣውራጃነት ኣትዩ ምስ መሪሕነት ዘይምቅዳው ፈጢሩ ከምዝነበረ ዝብል ሓበሬታ ረኺበ። ኣነ ወዲ ግርሂ ልባ “እሞ በዚ ምኽንያት ተቐቲሉ” ኢለ እንተሓትትኩ “ኖ ተሰዊኡ ኢዩ” ተባሂለ። ክሳብ ናጽነት ነዛ ነገር ቆርጢመያ ጸኒሐ ድሕሪኡ ግና ኣብ ልዕሊ ጎይትኦም ዝወረደ ግፍዒ ኩሉ በጺሐዮ። ብመትከል ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ስለዝተማጐተ ኢዩ ተቐቲሉ። ኣብ ደም ብጻይ ጎይትኦም ኣውራጃነት ዝብሃል ድሑር ኣታሓስባ ከቶ ክነበር ኣይምኸኣለን።

ጎይትኦም ናይ ቁልዕነት ዕድሚኡ ኣብ ዓደይ ኣብ ኣማድር ኢዩ ነይሩ። ለንቅነ ምስ ሓደ ቤተ ሰቡ ዝኾኖ ምስ ተራኸብኩ እየ ዓደቡኡ ኣብ ዓዲ ጎዶ፡ ሃዘሞ፡ ኣብ ከባቢ ማይ ዓይኒ፡ ምዃኑ ዝፈልጥ ዘሎኹ። ደሕሪ ኣብሻይ ኣስመረት ኣቦይ በርሀ ካልእ ሰበይቲ ተመርዕዮም ከምዝወለዱን ዓርከይ ጎይትኦም ዓቢ ቤተ ሰብ ከምዘሎዎ ምስምዐይ ክኣ ኣሐጕሹኒ። ብወገን ኣብሻይ ኣስመረትውን እንተዀነ፥ ካብ ኣያ ኣስገዶም ወዲ ሓወቦይ ክልተ ኣወዳት ነይሮማ፥ ሓደ ተጋዳለይ ነይሩ ተሰዊኡ ኣቲ ሓደ ግና ብሕማም ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዓሪፉ። ክልቲኦም ግና ውላድ ገዲፎም ኢዮም። ኣብሻይ ኣስመረት ኣብ ኣማድር ተቐሚጣ ካብ ሓደ ወዲ ዓዲ ሰልስተ ኣወዳት ወሊዳ ኢያ። ስለዚ ኣማውታ ብጻይ ጎይታኦም መሪር እኳ እንተዀነ በቲ ዝነበሮ ሃገራዊ ተገዳስነትን ብናይ መትከል ቃልሱን ክዀርዑ ዝግብኦም ብዙሓት ቤት ሰብን ኣዕሩኽን ኣሎዉ።

ምሕጽንታ፥ መቃልስቲ ብጻይ ጎይትኦም ዝነበርኩም ተጋደልቲ ዘሎኩም ስእሊ፡ ተዘክሮታትኩም ወይ ብጽሑፍ ወይውን ብድምጺ ቀዲሕኩም ክትሰዱለይ ሓደራ እብለኩም። ሓንቲ ተምሳል ብጻይ ጎይትኦም ዘይብላ ስእሊ ተዘርጊሓ ነይራ ስለዚ እቲ ሓቀኛ ስእሉ እንተዝርከብ ከመይ ጽቡቕ ምዀነ።

ኩነታት ኣቃትላ ብጻይ ጐይትኦም ትፈልጡ ብህይወት ዘሎኹም ሰባት ትህልዉ ኤኹም። ስለዚ ብሽም ቤተ ሰቡን፣ ኣዕሩኽቱን ኩሎም ናይ ቀረባ መቃልስቱን ክኣ እቲ ትፈልጥዎ ብዕሊ ክትነግሩ ትሕተቱ ኣሎኹም። ታሪኽ ብጻይ ጎይትኦም በርሀ ነባሪ ኰይኑ ክተርፍ ክጽዓረሉ ስለዝዀነ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንዝትሓባበር ኩሉ ኣቐዲመ ከመስግን እፈቱ።

ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኢል 23/05/2020
E-mail: berhanewoldemichael@yahoo.co.uk


Share with friends:


See also Recent Articles by Dr. Berhane Woldemichael / ኣቐዲሞም ብ’ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል ዝወጹ ጽሑፋት፡-


አብ 70ታት ንቃልሲ ወፊሮም ዘይተመልሱ
(Voice of beserat)

እዚ ታሪኻዊ ቃል ማሕተት ሎሚ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ኣብ መዓልቲ ነጻነት ዝፍኖ ዘሎ ቃለ ማሕተት ። እዚ ኮሪዕና ክነስተማቅሮ ዝግባእ ነጻነት ናብ ባርነት ዝተቀየረሉ መኽንያት መፈለምታ ውልዶ ኣረሜናዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ መዓስን ክመይን ክም ዝፈለመ ዝገልጽ ጭልፋ ተረክቦታት ኢዩ ። ብሓደ ሽነኽ ዝኽርን መብጽዓ ስውኣትና ንምዕቃብ ብኻልእ ሽነኽ ድማ ንዝመጽእ ወለዶ ዝመሃሩሉ ውርሻ ንምውራስን ንዘልኣለም ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ክነብር ዝዓለመ ኢዩ ። ብትገዳስነት ክትክታተልዎ ብኽብሪ ንዕድም ሰናይ ምክትታል።

Part-1:   Part-2:    Part-3:    Part-4:    Part-5:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: