Placeholder Picture
Placeholder Picture
ተዘኩሮታተይ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ስውእ መሓመድ ብርሃን ሓሰን

15/12/2022 17:55 PM

ተዘኩሮታተይ ምስ ገዲም ተጋዳላይ:
ስውእ መሓመድ ብርሃን ሓሰን።
ሓርበኛ ኣይነብርንዩ፡ ታሪኹ እዩ ዝነብር!

ብገዲም ተጋዳላይ፡ መሓመድ ብርሃን ብላታ።
14-12-2022

ተዘኩሮታተይ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ስውእ መሓመድ ብርሃን ሓሰን

ተዘኩሮታተይ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ስውእ መሓመድ ብርሃን ሓሰን
ብገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ።
14-12-2022

ሓርበኛ ኣይነብርንዩ፡ ታሪኹ እዩ ዝነብር!

ገዲም ተጋዳላይ ናይ ሓምሳታት ስልሳታት መሓመድ ምብርሃን ሓሰን፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ኣስመራ ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድሜኡ ብዕለት 10 – 12 – 2022 ካብዛ ግዝያዊት ዓለምና ብሞት ክፍለ ከሎ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዓቢ ክሳራ ከም ዝኾነ ኣብቲ ዝተናውሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሞርኮሰ ናይ ቃልሲ ድሕረ-ባይትኡን ኣወንታዊ ተርኡን ዝምስክሮን ዘረጋግጾን ሓቂ’ዩ ክበሃል ይከኣል።

መሓመድ ብርሃን ሓሰን፡ ቀንዲ መበቆል ዓዱ ኣብ ዞባ ደቡብ ትርከብ ዓዲ ገደላ ኮይኑ፡ ኣብ ከተማ መንደፈራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኤርትራዊ ዜጋ ክኾውን ከሎ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ከም ሃገር ትሃሉዶ ኣይትሃሉ ዝብል ናይ መጻኢ ዕድላ ኣብ ናይ ምውሳን ኣብ ዝነበረሉ ግዝየ፡ በቶም ዓበይቲ ኤርትራውያን ሓያል ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኣብ ዝነበረሉ ግዝየ፡ መሓመድ ብርሃን ሓሰን ካብ ንእስነቱ ካብ ሸዊት ዕድሜኡ ጀሚሩ ሓደ ካብቶም ብዙሓት መንእሰያት ኤርትራዊያን ኣብቲ ብሽም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ማሕበር ሸውዓተ ዝብል ሽም ሒዙ ዝተመስረተ ምስጢራዊ ውድብ ተጸንቢሩ እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ቃልሱ ከም ዝጀመሮ ይፍለጥ።

መሓመድ ብርሃን ሓሰን ሓደ ካብቶም መስረትን መሪሕነትን ኮይኑ እቲ ናይ ፈለማ ጉዕዞ ሃገራዊ ቃልሱ ክጅምሮ ከሎ ኣካል ናይቶም ፖሎቲካዊ ዕማም ክይኑ ብዝተሓንጸጸ መደብ ዕዮ ሒዙ ካብ ኣስመራ ጀሚሩ ኣብ መብዘሕተአን ክተማታት ኤርትራ ዑደት እንዳገበረ ዕላማ ናይቲ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ሓርነትን ዝመበገሲኡ ስለ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳዩ ዝለዝኾነ ሓላፍነቱ ወሲዱ መታን ከዕውቶ ኣብ ምንቕቓሕን ምውዳብን ንጥጡፍ ተራ ሃልይዎ ኣወንታውን ኣድማዕን ግደ ከም ዝተጻወተ፡ ኣብ ድሕሪ ባይትኡ ዝተሞርኮሰ ሰነዳትና ዝምስክሮ ሓቂ ኡዩ።

እቲ ምንቅስቓስ ዳርጋ ኣብ መላእ ኤርትራ ተዘርጊሑ ዕብየቱ እንዳራጋገጸ ብህዝቢ ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ፡ እቲ ቓልሲ ጉሁድ ኮይኑ ኣብ መንእሰያት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ተማሃሮ ናይቲ ውድብ መጽሔት ኣብ ምዝርጋሕን ኣብ መናድቕ ምልጣፍን ናይ ተማሃሮ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ስለ ዝጀመሩ፡ እዚ ምንቅስቓስ`ዚ ንመግዛእታዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ሃንደበት ኮይኑዎ ነቲ ሃገራዊ ማዕበል ብኣግኡ መታን ክዓግቶ ኣጽዒቑ ኣብ ምክትታልን ናይ ምእሳር ስጉምቲ ክወስድ ስለ ዝጀመረ፡ ብዙሓት ኣባላት ናይቲ ምንቅስቓስ ክእሰሩ ክሎዉ ሓደ ካብቶም ዝተኣስሩ መሓመድ ብርሃን ሓሰን ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ኣብቲ ግዜ’ቲ መንግስቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ (ብኣርቲኮሎ 10) ዓንቀጽ ዓሰርተ ዝፍለጥ ሕጊ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኣዋርሕ ይእሰሩ ከም ዝነበሩ፡ ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ካብቶም እሱራት ገለ ክወጹ ክሎዉ ሓደ ካብኦም መሓመድ ብርሃን ሓሰን ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ጸላኢ ነቶም ዝጠርጠሮም ኣብ ዓንኬል ናይ ምክትታሉ ወላ እንተኣእቶዎ፡ መሓመድ ብርሃን ሓሰን ካብ ጽኑዕ ሃገራዊ እምንቶኡ ተበጊሱ ብቆራጽነትን ተወፋይነትን እቲ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓሱ ብዝለዓለ ደረጃ ስለ ዝቐጸሎ፡ ብጸላኢ ውን ስለ ዝተፈልጠ ንኻላኣይ ግዜ ምስ መብዝሕተኦም ኣባላት መሪሕነት ናይቲ ምንቅስቓስ ዝነበሩ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ብትእዛዝ ስርዓት ሃይለስላሴ ናብ ኣዲስኣበባ ተወሲዶም ኣብቲ ብኣለም በቃኝ ዝፍለጥ ጸልማት ቤት ማእሰርቲ ከእትዎም ከሎ ሓደ ካብኣቶም መሓመድ ብርሃን ሓሰን ከም ዝነበረ ውን ይፍለጥ።

ይኹን እምበር ወላ እዚ ሓደገኛ ናይ ምፍርራሕ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ እንተ ተወስደ፡ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ እንዳሓየለ ብፍላይ መንእሰያትን ተማሃሮን ብዝተወደበ ኣብ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ብቐጻሊ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ስለ ዝነበረ፡ ንስርዓት ሃይለስላሴ ከምቲ ዝሓስቦ ስለ ዘይኮኖሉ ኣብ ማእዝን ናይ ምስሓት ውን ስለ ዝኣተወ፡ በቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ተገዲዱ ዳርጋ ድሕሪ ክልተ ዓመት ካብ ኣለም በቃኝ ነጻ ከውጸኦም ከሎ፡ ናብ ሃገሮም ኤርትራ ክም ዝተመልሱ ይፍለጥ።

መሓመድ ብርሃን ሓሰን ሓደ ካብቶም ናይቲ ምንቅስቓስ መራሕቲ ከም ዝኾነ ጸላኢ ስለ ዝጠርጠሮ መሓውር ናይ ስለያታቱ ኣዋፊሩ ብጽዑቕ ይክታተሎ ስለ ዝነበረ ምስቶም ናይቲ ምንቅስቓስ ኣካየድቲ ብጾቱ ተላዚቡ ኣብ ቦትኡ ካልእ ተተኪኡ፡ መሓመድ ብርሃን ሓሰን ናብ ወጻኢ ከይዱ እቲ ቃልሲ ክቕጽሎ ስለ ዝተመርጸ፡ ናብ ሃገረ ግብጺ ከተማ ካይሮ ከይዱ ኣብኡ ስሩዕ ትምህርቱ ክጅምር ከሎ፡ ኣብኡ ነቲ ዝጀመሮ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ ምስ ኣብኡ ዝነበሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ተማሃሮ ብዝሓየለ ዕዉት ምንቅስቓስ የካይድ ከም ዝነበረ ውን ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ሰላማዊ መንገዲ ዝተሞርኮሰ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ዝኽይድ ዝነበረ በዚ ኣገባብ ቃልሲ’ዚ ከምቲ ዝድለ ናብቲ ቀንዲ ዓላማኻ ካብ መግዛእታዊ ስርዓት ተጋላጊልካ ናብ ናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ክትበጽሕ ምስ ስርዓት ሃይለስላሴን ደገፍቱን ከምዘይካኣል ስለ ዝተብጽሐ፡ ከም መተካእትኡ ብብረታውን ፖሎቲካውን ቃልሲ ክቕጽል ከም ዘሎዎ ኣብ ዕግበት ስለ ዝተብጽሐ፡ ኣባል ናይቲ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ ዝነበረ ጅግና ስውእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 1961 እቲ ናይ መፈለምታ ብረታዊ ቃልሲ ተጀሚሩ'ስ ኣብ ህዝቢ ተቐብልነት ረኺቡ ዕብዩቱ ክረጋገጽ ምስ ጀመረ ብዙሓት ኣባላት ናይ ውድብ ሓርነታዊ ምንቅስቕስ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ዲያስፖራ ዝነበሩ ብዝሓየለ ንምቅላስ ናብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢሮም ኣባልነቶም ኣረጋጊጾም ክቃለሱ ኣብ ዝጀመሩሉ ግዜ፡ መሓመድ ብርሃን ሓሰን ሓደ ካብቶም ብዙሓት ነቲ ዝተኣወጀ ብረታዊ ቃልሲ ዝተቐበሉ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ከባቢ ናይ 1964 – 65 ናይ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መራሕቲ ላዕለዋይ ባይቶ ብዝገበሮ ጻዕርታት፡ ኣብ ገለ ሃገራት ዓረብ ምስቲ ካልእ ንሰውራ ዝወሃብ ዝነበረ ደገፍ ንኤርትራዊያን ተማሃሮ ዕድል ስለ ዝተዋህበ፡ መሓመድ ብርሃን ሓሰን ካብ ካይሮ ናብ ሃገረ ዒራቕ ከይዱ እቲ ኣካዳሚያዊ ትምህርቱ ክቕጽሎ ክሎ፡ ነቲ ክበጽሖ ኣሎኒ ኢሉ ዘበገሶ ትምህርታዊ ዕላምኡ ናይ ዓወቱ ምልክት ካብ ናይ ሃገረ ዒራቕ ከተማ ባቕዳድ ዩኒቨርሲቲ፡ ብፖሎቲካል ስነፍልጠት (Political Science) ብዝለዓለ ደረጃ ክምረቕ ከሎ ሓደ ካብቶም ውፉያት ናይ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ምንቅስቕስ ስለ ዝነበረ እቲ ዝተዓወተሉን ዝብጽሖ ደረጃን ትምህርቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኩርዓትን ሓበንን እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

መሓመድ ብርሃን ሓሰን ትምህርቱ ወዲኡ ነቲ ብኣግኡ ዘጅመሮ ሃገራዊ ቃልሲ ንኽቕጽሎ ናብ ኤርትራ ናብ ውድቡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ: ናብ ሜዳ ኣትዪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሲዱ ጉዕዞ ቃልሱ ክቕጽሎ ከሎ፡ ኣብ 1973 - 74 ብዙሓት መንእሰያት ዝስለፉሉ ዝነበሩ ግዝየ ኣብ ሞጎራይብ ባርካ መደበር ታዕሊም ቆይሙ ስለ ዝነበረ 1. ብርሃን ሓሰን 2. መ፡ስዒድ ሳብር 3. ዮሃንስ ሃብተስላሴ: ሰለስቲኦም ኣብ ተመኩሮ ሰውራ ዝተሞርኮሰ ሓያል ኣገባብ ቃልሲ ዘጠቓልል ፖሎቲካዊ ትምህርቲ: ነቶም ሓደሽቲ ተሰለፍቲ ክምህሩ ሓላፍነት ወሲዶም ከም ዝነበሩ: ነቶም ሓደሽቲ ተሰለፍቲ ከምቲ ዝድለ ንኹሎም ዘጋጥሙ እንተታት ዘጠቓለለ ኣብቲ ወተሃደራውን ፕሎቲካዊን ትምህርቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝነበረ: ባዕሎም እቶም ተዓለምቲ ዝገለጽዎ ሓቂ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

መሓመድ ብርሃን ሓሰን ኣብ ሜዳ ኣብ መደበር ታዕሊም ከይተሓጽረ በቲ ዝውንኖ ዝነበረ ትምሃርታዊ ዓቕሙ ኣብ ዝተፋላለዩ ክፍልታት ከም ናይ ኣገደስቲ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ ኣብ ታሪኽን ተረኽቦታትን ዝተሞርኮሱ ሰነዳት ንምእካብ ብተወፋይነት ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ኣብ 1975 ዝተኻየደ ናይ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ መሓመድ ብርሃን ሓሰን ናብ ወጻኢ ዝምድናታት ክምደብ ከሎ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሱርያ ዶማስቆስ ተመዲቡ ብሓላፍነት የገልግል ከም ዝነበረ ውን ይፍለጥ። ካብኡ ቀጺሉ ካብቲ ዝውንኖ ዝነበረ ብቕዓት ብምብጋስ ናብ ቤት ጽሕፈት ግብጺ ከተማ ካይሮ ተቐይሩ ብተወፋይነት ክም ዘገልገለ ውን ተመኩሮኡን ድሕረ ባይትኡን ዝምስክሮ ሓቂ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ድሕሪ ኣብ 1981 ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተፈጥረ ሓድሽ ኩነታት መሓመድ ብርሃን ሓሰን ከምቶም ካልኦት ብዙሓት ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ናብ ስደት ዘምርሑ ንሱ ውን ናብ ሃገረ ሹወደን ከይዱ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ፡ ተቕባልነት ረኺቡ ናይ ሃገረ ሽወደን ዜግነት ክረክብ ክሎ ምስ ብዙሓት ኤርትራዊያን እቲ ሃገራዊ ፖሎትካዊ ምንቅስቓስ ኣየቋረጾን።

ኣብ 1991 ጸላኢ ተባሪሩ ናጽነት ምስ ተረጋገጸ፡ መሓመድ ብርሃን ሓሰን ሓደ ካብቶም ብታሕጓስ ዝተቐበሎ ክኸውን ከሎ ኣብ 93 ረፈረንዱም ክካይድ ከሎ፡ ሓደ ካብቶም እወ ንናጽነት ኣይፋል ንመግዛእታዊ ስርዓት ኢሉ ብዕግበት ዘድመጸን ናይቲ ዝድለ ናይ ረፈረንዱም ንምዕዋት ሓደ ካብተን ዝቖማ ሽማግሌታት ከምዝነበረ ውን ይፍለጥ።

መሓመድ ብርሃን ሓሰን እቲ ንነዊሕ ዝተቓለሰሉ ሃገራዊ ዕላማ ስለ ዝተዓወተ ናጽነት ስለ ዝተራጋገጸ ካብ 1994 ጀሚሩ ናብታ ዝፈትዋን ዘኽብራን ሃገሩ ክመላለስ ምስ ብዙሓት መቓልስቱ ዝነበሩ ክራኸብ ኤርትራ ከመይ ክትከውን ኣሎዋ? ንልምዓታን ዕብየታን ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ናይ ህዝቢ ተሳትፎኡን ኣበርኩቶኡን፡ ጻዕሪ ዝተሓወሶ ርኡይ ክህሉ ኣለዎ ዝብሎ ዓበይቲ ዛዕባታት እንዳልዓለ ምስ ብዙሓት ናይ ቀደም መቓልስቱ ብቐጻሊ ይዛረበሉን የተባብዕን ከም ዝነበረ ብዙሓት ዘረገግጹዎን ዝምስክሩዎን ሓቂ እዩ ክበሃል ይከኣል።

መሓመድ ብርሃን ሓሰን ካብቲ ናይ ነዊሕ ናይ ሃገራዊ ቃልሱ ተበጊሱ ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይኑ ካብ ፈለማ ናይ ውድብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ተመኩሮ ትገልጽ መጽሓፉ ናብ ህዝቢ ከበርክታ ከሎ ኣገዳሲት ስለ ዝነበረት፡ ተቐባልነታ ዓቢ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

መሓመድ ብርሃን ሓሰን ኣዝዩ ውፉይን ምቕሉልን ንሃገርን ሕብረተሰብን ቀዳምነት ዝሰርዕ፡ ምስ መቓልስቱ ኣነ እየ ፈላጥ ከይበለ፡ ንኹሉ ክምህርን ክመሃርን ክላዘብን ከሎ፡ ምቕሉል ሕያዋይ ከም ዝነበረ ኩሉና ንምስክሮ ሓቂ እዩ ክበሃል ይከኣል።

መሓመድ ብርሃን ሓሰን ንማሕበራዊ ሂወቱ ዝምልከት ኣቦ ኣርባዕተ፡ ንሳቶም ክልተ ኣወዳትን ኣዋልድን ኮይኖም ኣስማቶም፡ 1. ስሚራ መሓመድ ብርሃን ሓሰን 2. መርየም መሓመድ ብርሃን ሓሰን 3. ሳሚ መሓመድ ብርሃን ሓሰን 4. ነቢል መሓመድ ብርሃን ሓሰን ክኾኑ ከሎው፡ ኣብ ሃገረ ሹወድን ይነብሩ ከምዘሎዉ ይፍለጥ። ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ሓሰን ካብ ግዜ ንእስነቱ ናብ ካልእ ከይተዋፈረ ንብምሉእ ጉዕዞ ሂወቱ፡ ንኤርትራ ክብል ኣብቲ ዝተኻየደ ንናጽነትን ሓርነትን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኹሉ ዘጋጠመ ሽግራት ብትብዓት ካብቶም ዝበደሁን ናብ ዓወት ዘብጸሐን ክም ዝነበረ፡ ታሪኹ ዝምስክሮን ዘረጋግጾን ሓቂ ክኸውን ከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾርዓሉን ዝሕበነሉን ስለ ዝኾነ፡ ከምቶም ዓበይቲ ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ሃገራዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፉ እሞ ታሪኽ ኣመዝጊቦም ዝሓለፉ ፖሎቲካዊያን ኤርትራዊያን፡ መሓመድ ብርሃን ሓሰን፡ ተዘኩሮታቱ ንውሉድ ወለዶ ኣብ ልቢ ነፍሰወከፍ ኤርትራዊ ዘይሃስስ ቀንዴል ኮይኑ ክዝከር እዩ።

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና፡

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ።

ናይ ቀረባ ብጻዩ፡ መሓመድ ብርሃን ብላታ።




See also more articles by veteran Mohammed Berhan Belata.
ካልኦት ብ'ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

ዓምዲ ታሪኽ፡- ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይን መራሒን፡ መሓመድ ብርሃን ብላታ። Interview with veteran leader, Mr Mohammed Berhan Belata. ምስ ቲቪ ሰነድ ኤርትራ (TV Sened Eritra)
ተጋ/መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ካብ 1963 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቃልሲ ዝርከብ ሓርበኛ ኣቦና ኢዩ። ሓደ ካብቶም ክቡር ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክውርሱና ዝግብእም ኣያታትና ስለዝኾነ፡ ኣብ ታሪኽ ዝተሞርክሰ ሓበሬታኡ፡ ኣገዳሲ ሰነድ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ክንእክቦ ዝኽኣልና፡ በኸምዚ ዝስዕብ ክትሰምዑዎን ካብኡ ክንመሃረሉን፡ ስኒትና.ኮም ትላቦ፡-

ሙሉእ ክፋላት ናይዚ ምስ ቲቪ ሰነድ ኤርትራ (TV Sened Eritra) እተኻየደ ተኻታታሊ ዕላል፡ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መላግቦታት እናጠወቕኩም ክትሰምዑዎ ትኽእሉ ኢኹም፡-

1ይ ክፋል (21 April 2012)፡    2ይ ክፋል (22 April 2012)፡    3ይ ክፋል (5 may 2012)፡    4ይ ክፋል (6 may 2012)፡    5ይ ክፋል (19 may 2012)፡    6ይ ክፋል (20 May 2012)፡    7ይ ክፋል (17 Jun 2012)፡    8ይ ክፋል (09 Feb 2013)፡    9ይ ክፋል (23 Feb 2013)፡    10ይ ክፋል (9 March 2013)፡    11 ክፋል (15 June 2013)፡    12 ክፋል (22 June 2013)   

ብዛዕባ ስዉእ ኪዳነ ክፍሉ ኣብ 9ይ ክፋል ዝተጠቕሰ፡ ሓጺር ታሪኽ ህይወት፡ ስዉእ ኪዳነ ክፍሉ (ብ’እምንቱ ተስፋይ እተዳለወ መጽሓፍ)፡ ኣብዚ ጠውቑ።

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: