Placeholder Picture
Placeholder Picture
ቅልዕቲ መልእኽቲ ናብ ኣምባሳደር ፍስሓጽዮን ጰጥሮስ መንግስቱ፡

18/04/2024 23:45 PM

ቅልዕቲ መልእኽቲ ናብ ኣምባሳደር ፍስሓጽዮን ጰጥሮስ መንግስቱ፡

ካብ ምንቅስቓስ ይኣክል ሃገረ ጥልያን፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን (18/04/2024)

An Open Letter from Global Yiakl to Eritrean Ambassador in Italy (18/04/2024)

ቅልዕቲ መልእኽቲ ናብ ኣምባሳደር ፍስሓጽዮን ጰጥሮስ መንግስቱ፡

ቅልዕቲ መልእኽቲ ናብ ኣምባሳደር ፍስሓጽዮን ጰጥሮስ መንግስቱ፡
ካብ ምንቅስቓስ ይኣክል ሃገረ ጥልያን፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን (18/04/2024)

ቅልዕቲ መልእኽቲ ናብ ኣምባሳደር ፍስሓጽዮን ጰጥሮስ መንግስቱ፡

ዝኸበርካ ኣምባሳደር፣ ሰላምን ጥዕናን ምሳኻ ይኹን።

እቲ ኣብ ዕለት 13፡ ኣብ ንኡስ ምምሕዳር ሚላኖ "ኤርትራ – ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ዝነብር ህዝቢ" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ዓለምለኻዊ ይኣክልን ጥልያንን፡ ብምትሓባባር ሰልፊ ዲሞክራሲ ሚላኖን ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ንኸይካየድ ብዕለት 12 ምያዝያ 2024፡ ናብ ኣመሓዳሪ ከተማ ሚላኖ ዝጸሓፍካዮ ደብዳቤ በጺሑናስ ብምግራም ኣንቢብናዮ።

እቲ ሰሚናር ኣብ ናይ ምጽላም ዘመተን ኣብ ምዕናውን ዝተዋፈረ ወይ ዝተኣሳሰረ ጉጅለ ዝተመደበ ዘይኮነ "ብምንቅስቓስ ይኣክል" ዝበሃል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ዝተወደበ ምዃኑ ኣፍልጦኻ ንምስፋሕ ክንሕብረካ ንደሊ። ከምቲ ዝሓሰብካዮ ክሰልጥ ከምዘይከኣለ ትርደኦ ተኸውን። እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን፡ ንስኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጥልያን ዝዓበኻን፡ ፍርቂ ሂወትካ ኣብዚ ዘሎኻዮ ቦታ ዝነበርካን ክነስኻ፡ እቲ ናይ ኣዛዝን ተኣዛዝን ኣሰራርሓን ናይ ምፍርራሕን ባህሪ ወኒንካ ክትነብር ምምራጽካ ኣዝዩ ዘገርም ኢዩ።

ኣብ ከተማ ሚላኖ ዕውት ዲፕሎማሲያዊ ሰሚናር ተኻይዱ
ኣብ ከተማ ሚላኖ ዕውት ዲፕሎማሲያዊ ሰሚናር ተኻይዱ

ትሕዝቶ ናይቲ ሰሚናር፡ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ኣካላዊ፡ ስነኣምሮኣውን ማሕበራዊን ማእሰርትን ፖለቲካዊ ጭቆናን፣ ግህሰት ሰብኣዊን ስቪላዊን መሰላት፡ ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ቁጠባዊ ምድስካልን ምንቁልቋልን፣ ኣብ ፈቖዶ ኩናት ዝሃልቁ ዘለውን ኣብ ገደብ ኣልቦ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ዝበልዩ ዘለውን ደቅናን፣ ካልእ ብዙሕ ዝርዝራትን ዘካተተ ምንባሩ ክንሕብረካ ንፎቱ። ኤርትራ ሃገርና ብዘይ ቅዋምን መንግስታዊ ትካላትን፣ ብዘይ ሓጋጊን ፈራድን ኣካላት ትምሓደር ሃገር ምዃና ጽቡቕ ጌርካ ትፈልጥ ኢኻ። ኤርትራ፡ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳወሓዱ ዝኸዱ ዘለዉ ገለ ዕሱባቱን ተወኒና ትነብር ዘላ ሃገር ምዃና፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንስኻ ትፈልጥ። እዚ ዘለናዮ ኩነተ-ህላወ፡ ንስኻን ከማኻ ዝኣመሰሉን፣ ኣብ ክንዲ ህዝቦምን ሃገሮምን ንምድሓን ዝቃለሱ፡ ንሓደ መላኺ ውልቀስብ ከገልግሉ ዝመረጹ፡ ጸለመን ሓሶትን ኮይኑ ክረኣየኩም ይኽእል ይኸውን። እቲ ሓቅታት ግን ንሱ ምዃኑ ክትሕዶ ፍጹም ኣይትኽእልን ኢኻ።

እቶም ብምዕግርጋርን ብምዕናውን፡ "ጉጅለታት" ኢልካ ትጠቕሶም ዘለኻ ኤርትራውያን፡ ከምቶም ንስኻ ተዋፍሮም ሰለይትን ሓሰውትን፣ ሓንሳብ ብስም “ሓደ ልቢ”፡ ሓንሳብ ብስም “4ይ ግንባር” ሓንሳብ ድማ ብስም “ሻዕብያ" እትውድቦም ናይ ፕሮፖጋንዳ መሳርሒ ኣይኮኑን። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ንስኻ ህዝቢ ንምክፍፋል እትውድቦ ናይ ሓሶት ፈስቲቫላት፣ ኮንፈረንስትታትን ባህላዊ ምርኢታትን" ንምፍሻል "ሰማያዊ ሰውራ" ዘካይዱ ዘለዉ፡ ብግፍዒ እቲ ንስኻ ትውክሎ መንግስቲ ሰኪሖም ንስደት ሃጽ ዝበሉ ኤርትራውያን መንእሰያት ኢዮም።

ኣብቲ ንኸይካየድ ከተኸልክሎ ዝፈተንካ ሰሚናር ድማ፡ ነዚ ኩነታት'ዚ ንምሕባርን ኰነታት ኤርትራ ንዜጋታት ጥልያን ንምፍላጥን ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ። ናትካን ናይቲ ኣዛዚኻን ጭፍራ ከምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጸልሚትኩም ሒዝኩሞ ዘለኹም፣ ንህዝቢ ዓለምውን ኣደንቁርኩም ክትቅጽሉ መደብኩም ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። እዚ እከይ ተግባራትኩም ግን ኩሉ መንእሰይ ነቒሕሉን ፈሊጥዎን ስለዘሎ ኣብ ብርቱዕ ሻቕሎት ኣቲኹም ከምዘለኹም ብዙሕ ምልክታት ክረአ ጀሚሩ ኣሎ።

ክቡር ኣምባሳደር! ኤርትራ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ናይ ምዕባለን ናይ ሰላም ሃዋሁን ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ተካይድ ከምዘላ" ክትሕሱ ፈቲንካ። ኩነታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ህዉኽ ኩነታት ይቕጽል ከምዘሎ፡ ሜድያታት ዓለም ምሉእ ዘቃልሕኦ ዘለዋ ሓበሬታ ክነሱ፣ ኤርትራ ናይ ሰላምን ምዕባሌን ሃዋሁ ክትፈጥር ትጽዕር ኣላ ኢልካ ክትጽሕፍ ወይ ኣብ ሕልሚ ኣለኻ ወይ ድማ ግበር ተባሂልካ ኢኻ። እዚ ኩሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዋት፡ ጭፍራ ኢሳያስ ኢዱ ዘይሓወሰሉ ከምዘየለን ነዚ ናይ ብደዐን ናይ ኩናትን ፖሊሲ ንምዕጋት ተደጋጋሚ እገዳ ከምዝተወስደሉን ዝዘንጋዕካዮ ትመስል። ዓለም ዝፈልጦን ዝተዛረበሉን ስለዝኾነ ግን ክሕባእ ዝኽእል ኣይኮነን። ትማሊ ትማሊ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ኩናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ፡ ዕሸላት ኤርትራውያን ከምዝጠፍኡን፡ ኣዴታት ኤርትራ ከብደን ሓቑፈን ኩነታት ደቀን ክፈልጣን ክቐብጻን ይጽበያ ከም ዘለዋ መን ኣሎ ዘይፈልጥ።

ንስደተኛታት ህዝቢ ሱዳን ትገብርዎ ዘለኹም ኣቀባብላ፡ ከም ሓደ ዓቢ ዕማም ጠቒስካ፡ ነቲ ብዙሕ ካልእ ውድቀታትካ መሸፈኒ ክትጥቀመሉ ፈቲንካ። ካብዚ ዝዓቢ ንድየት ናይ ሕልና ከኣ የለን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድሚ ናጽነት ካብ ጭኮናን ግፍዕን መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ነጻነት ድማ፡ ካብቲ ዝሃነጽኩሞ ቤት ማእስርትታትን ጭውያን ጉጅለ ኢሳያስ ከምልጥ፡ ኣብታ ኩሉ እትጸውር ሱዳን እምበር ኣብታ ገሃነም ጌርኩማ ዘለኹም ኤርትራ ኣይተዓቑበን። ህዝቢ ሱዳን ንህዝቢ ኤርትራ ዝገበረሉ ውዕለት ብኣጋ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ምስዚ ንስኻ "ኣብነታዊ ኣቀባብላ" ኢልካ ትገልጾ ዘሎኻ ተነጻጺሩ፡ ገና ንህዝቢ ሱዳን ዝኽፈል ብዙሕ ዕዳ ከምዘለና ምዝካር ከድሊ ኢዩ።

ዝኸበርካ ኣምባሳደር ፍስሓጽዮን ጰጥሮስ መንግስቱ፡ ኣገልጋሊ ናይዚ ስርዓት'ዚ ኮንካ ክትነብር ምርጫኻ ኢዩ። ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ከተጽናሓሎም እትደሊ ውርሻ ሕጂ ክትሓስበሉ ግን ንላበወካ። ነዊሑ ሓጺሩ እዚ ስርዓት'ዚ፡ ከም ኩሎም ውልቀ-ምልካዊ ስርዓታት ክሓልፍ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ሎሚ ዘሕልፎ ዘሎ ሂወት ናይ ስደትን ስቓይን ተገላጊሉ ኣብ ሃገሩ ብሓድነትን ሰላምን ክነብር ከምዝኾነ ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ምስ ሕልናኻ ተላዘብ። እዚ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ፈስቲቫላትን ኮንፈረንስታትን ብጠቓዒትን ብዓጀባን ዝቕበለካ ዘሎ ለዋህ ህዝቢ፡ ጽባሕ፡ እዚ ጋሪድዎ ዘሎ ደበና ምስ ተቐንጠጠ፡ እንታይ ከምዝብል ከሎ ገና ክትርደኦ ፈትን።

ምስ ሰላምታ

ምንቅስቓስ ይኣክል ሃገረ ጥልያን

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን

18/04/2024


ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሮማ፡ ፍሰሓጽዮን ጴጥሮስ:
ናብ ከንቲባ (ኣመሓዳሪ) ከተማ ሚላኖ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሮማ፡ ፍሰሓጽዮን ጴጥሮስ
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሮማ፡ ፍሰሓጽዮን ጴጥሮስ

Ref AM-YO/040-24

Roma, 12 Aprile 2024

ዝኸበርኩም ከንቲባ (ኣመሓዳሪ) ጁሰፐ ሳላ

ብዛዕባ ኣብ ዕለት 13 ምያዝያ ኣብ ኣዳራሽ ሳላ ጋሊ፡ ንኡስ ምምሕዳር3፡ ብሓደ ኣብ ኤውሮጳ ዕሉል ናይ ምጽላም ዘመተን ዕንወትን ኮይኑ ዝተዋፈረ ጉጅለ ዝካየድ ዘሎ መደብ ኣመልኪተ ክጽሕፈልካ ከለኹ፡ ዝስምዓኒ ስክፍታ ወሰን የብሉን።

እዚ ፍጻሜ'ዚ ብሓደ ትካላዊ ምምሕዳርን ፖለቲካዊ ሰልፊ ጥልያንን ማዕሪጉ ክካየድ ምርኣየይ ዓሚቕ ሓዘን ተሰሚዑኒ። እዚ ፍጻሜ'ዚ ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ፡ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተፈጥረ ድልዱል ምሕዝነታዊ ዝምድናን ምትሕብባርን ዝግህስ ኢዩ።

ነዚ ተግባር`ዚ ዘካይድ ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ሃገርና ትገብሮ ዘላ ናይ ምዕባለን ሰላምን ሃዋሁ ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ኣተኩሩ፡ ዘይምርግጋእን ምድንጋርን ንምፍጣር ዝዓዪ ዘሎ ኢዩ። ከምቲ (ንስኻ) ትፈልጦ፡ እዚ ጻዕርታት'ዚ ኣገዳሲ ምንባሩን፣ ሎሚ'ውን ኣብ ምርግጋእን ምምዕባልን ናይዚ ዞባ ብኣድማዕን ጭቡጥን ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ኢዩ። ገለ ኣብነት ንምጥቃስ፡ ኤርትራ ዶባታ ከፊታ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ሱዳናውያን ብኣብነታዊ ኣቀባብላ ተአንግድ ከምዘላ፡ በቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ኣህጉራውያን ማሕበራት ዝምስከር ዘሎ ኢዩ። ስለዚ፡ እቲ ምምሕዳር ከተማ ነዚ ጉጅለ እዚ ብምድጋፉ ናይ ሃገርና ክብሪ ንምንእኣስ ዝዓለመ ምዃኑ ብዓቢ ጣዕሳ ንርእዮ።

ኤርትራ እታ ሓንቲ ናይ ሰላምን ምርግጋእን ዋልታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃና ከስምረሉ ይደሊ። ኣብ ኩሉ ቀጸላታት ዘካየደቶም ግስጋሰታት ብሩሃትን (ርኡያት)፡ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ኣብነት ክቑጸሩ ዝኽእሉ ምዃኖምን፡ በቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣህጉራውያን ማሕበራት ይረጋገጽ ኣሎ።

እዚ ብምምሕዳር ከተማ (ሚላኖ) ዝማዕረገ ፍጻሜ'ዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ጽልኢ ተግባር መርኣያ ምዃኑ ንወስዶ። ከምኡውን ነቲ ክልቲአን ሃገራት ዝከላኸላሉ (ዝኣምናሉ) ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ክብርታት ዝጻባእ ኢዩ።

(ካብዚ ብምብጋስ) እቲ ምምሕዳር ከተማ ነዚ ፍጻሜ'ዚ ንምድጋፍ ወሲድዎ ዘሎ ውሳኔ ብጥንቃቐ ዳግመ ግምት ክገብረሉን፣ ኣብቲ ኣዳራሽን ብናትኩም ደገፍን ንከይካየድ ዘድሊ ስጉምቲ ክትውስን ይሓትት።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኣወንታውን ሃናጽን ዝምድና ክሕሎ (ክቕጽል) ከምትጽዕር ይተኣማመን። ናይ ክልቲኡ ሃገራት ረብሓታት ዝሕልዉ ፍታሓትን ምትሕባብርን ንምምዕባል፡ ዘድሊ ዘተ ንምክያድ ቅሩባት ኢና።

መልሲ እንዳተጸበኹ ኣኽብሮታዊ ሰላምታ ይብጻሕካ

ማሕተም ኤምባሲ ኤርትራ ሮማ

ፍሰሓጽዮን ጰጥሮስ መንግስቱ

ትርጉም ብይኣክል ሃገረ ጥልያን




See also related
ምስዚ ዝተእሳሰር ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: