ቃንጥሻ ዓሶ INEDIBLE MUSHROOMS

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

22/05/2020 18:20 PM

ቃንጥሻ ዓሶ
INEDIBLE MUSHROOMS

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) - May 19/2020

ቃንጥሻ ዓሶ INEDIBLE MUSHROOMS

ቃንጥሻ ዓሶ INEDIBLE MUSHROOMS
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) - May 19/2020

እዚ ጽሑፍ’ዚ ብተመሳሳሊ ትሕዝትኡ፡ ኣብ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ይኣክል ከም ኣቕርቦት ናይ ጋሻ መጠን ብገለጻን ቃለ-ምሓትትን ኣቐዲመ ዘቕረብኩዎ ኰይኑ ፡ ከም ሰነድ ክዝርጋሕ ስለ ዝደለኹዎ ግን፡ ምስ ገለ ምውሳኽን ምጒዳልን፡ እንሆ ሎሚ ብድምጽን ብጽሑፍን የቕርቦ’ለኹ። ቅድሚ ኹሉ ግን ግዜኡ ግዜ ለበዳ ኰረና ስለዝዀነ፡ ካብ ሰሪ ምዓቱ ክንድሕን ምኽሪ ዝምልከቶም ሊቃውንቲ ንስማዕ ብማለት ለበዋይ የመሓላልፍ። ብምቕጻል ክኣ፦

መጀመርያ ምሰቲ ኣርእስተይ ንምልላይ ዝኣክል ነቶም ምስ ፍረ መሮር ብዙሕ ሌላ ዘይብልኩም፡ ንቃንጥሻ ኣብ ዕዳጋ ግዳማዊ ዓለም ጥራይ እትፈልጥዎ፡ ቍሩብ ምስ ናይ ሃገርና ቃንጥሻ ከላልየኩም እየ። ኣብ ሃገርና ካብ ዘይምምዕባልና ዝኣክል ንቓንጥሻ ከም ዘራእቲ ኣብ ሕርሻ ኣይነፍርዮን ኢና። ኣብ በረኻ ዝጸንሓና ግን ቀንጢብና ኣብ ጸብሒ ተሰሪሑ ንጥቀመሉ ኢና። ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ግን ከም ሕርሻዊ ማእቶት ኣብ ዕዳጋ ንመሸጣ ይወርድ ኢዩ።

ኣብ ሃገርና ቃንጥሻ ክልተ ዓይነት’ዩ። ዝብላዕ ኣሎ፡ ዘይብላዕ ክኣ ኣሎ። እቲ ዝብላዕ ቃንጥሻና፡ እቲ ዘይብላዕ ክኣ ቃንጥሻ ዓሶ ይብሃል። እዚ እቲ በዘልማድ ህዝብና ዘዘውትሮ እዩ። ብሳይንሳዊ መንገዲ ግን ንዝምልከቶም ተመራመርቲ ክገድፎ እየ። እቲ ቃንጥሻ ዓሶ ብዙሕ ሱር ዘይብሉ ኲርዕም-ኲርዕም ኢሉ ዝወድቕ’ዩ። እቲ ቃንጥሻና ዝብሃል ግን ሱር ዘለዎ ትርር ዝበለ ከም መርዓት ይጸንሕ’ሞ፡ ጽንሕ ኢሉ ግዜ ምስ ወሰደ ጎላዕ-ላዕ ዝብል’ዩ። ጎላዕ-ላዕ ምስ በለ ስለዝሕስኽ ህዝብና ብመርዓቱ ከሎ ኢዩ ዝቀዳደመሉ።
ብእንግልዝኛ ብተዛማዲ ንመረዳእታ ክዀነኒ ክብላዕ ዘይብሉ ንማለት ዝኣክል inedible mushrooms ኢለዮ ኣለኹ። ኣበሃህላይ ብኸምዚ ኣቐሚጠዮ ዘለኹ ክትርድኡኒ እላበወኩም። ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ተጠቒመሉ ዘለኹ ነዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ዘለናዮ ሃለዋት ንምግላጽ ክጥቀመሉ ስለዝደለኹ’ዩ።

ዘለናዮ ፖለቲካዊ ሃለዋት ብሰንኪ ስንፍናና ሃለዋት ኣይኰነን ክበሃል ይክኣል። ኣገባብ ኣቀላልሳና ምኣዝኑ ስሒቱ ልዓትነት (relevance) ስኢኑ ከም ቃንጥሻ ፈቖድኡ ተጫጪሕና’ለና። ቃንጥሻ ብቓንጥሽኡ ክኣ ከም ቃንጥሻ ዓሶ ዘይብላዕ ፍረ ኰንና ንርከብ። ማእለያ ዘይብሉ ንጥፈታት ምስ መለሳ ዘይበሉ ብዙሕ ዘይረሓሓቕ ሰነዳት፡ ጨርሒ ናይ ተመነውቲ ምንቅስቓሳት (monotonous movements) ኣለዋና ክበሃል ይክኣል።

ብዂምራ ምሁራት ተኸቢብና ከነብቅዕ፡ ነቲ ቀጥዒ-አልቦ ምርባሕ ውድባትና ኣብ ሓደ ዕላማ እንዳሃለና ምስ ህዝባዊ ዕግበት ከነዛምዶ ካብ ዘይምኽኣል፡ ናብ ዕጹው ውልቀ-ውድባዊ ፖለቲካዊ ስርዓታት (closed political systems) ተሓጺርና ንርከብ። ዘይንዓቕ ትምህርታዊ ዓቕምታት ኤርትራውያን ንኣገባብ ኣቀላልሳና ምጥርጣር’ምበር ነብሰ ተኣማንነት ክፈጥረሉ ኣይክኣለን። ተመላኽን ሰዳዕን ገድላዊ ተመኲሮና ቀይዱና ብምህላዉ፡ ናይ ሓድነት ውደባ ክንፈጥር ኣይበቓዕናን። ከም ኣፍ ፈለግ (mouth of a river or delta) ናብ ባሕሪ ተፈናጪልና ክንፈስስ ንህቅን ኣለና።

ናይ ፖለቲካ ዕሸላዊ ትሕዝቶና ንሕጽረታትና ንምልላይ ዓጊቱ ሒዙና፡ ንቕዲሚት ፍሕት ዘየብል፡ ናብ ናይ ወረቐት ኣናብር ለዊጡና ይርከብ። ህዝብና ብቐሊሉ ክርድኦ ዘይክእል ኣገባብ ቃልሲ ሒዝና ብምህላውና፡ ንመሃር ኣይንመሃር፡ ንሞኰር ኣይንሞኰር ሸውሃት ህዝቢ ክንከፍት ኣይክኣልናን። በዚ ምኽንያት’ዚ ክኣ ዕጹው ዝመጽሓፉ ውደባታት (closed book organizations) ከካብ ዘለናዮ ምንቕ ምባል ከሊኡና’ሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተባተኽ ስዓታት ናብ ዓወት ዘሰጋግር ሓሳባት ከነማዕብል ወይ ክንልቃሕ ምተገብአ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነታት ክኣ ኢዩ ራኢ (vision) ኣድላይነት ዝህልዎ። ራኢ ናይ ርሑቕን ቀረባን ኰይኑ ብቐደምትነት ክስራዕ ኣለዎ። ራኢ ናይ ዝዀነ ይኹን ዓውዲ ፍልጠት፡ ኣብ ኣገባብ ቃልሲ እንተዘይ ተሰሪዑ፡ ግዜ ስለ ዝሰርቀካ ትርጒም የብሉን። ስኣን ወረቓቕቲ ዘይኰነስ፡ ስኣን ኣሰራርዓ ውደባ ናይ ራኢ ከም ግዳም-ሓደር ድንሽ መልክዕናን ትሕዝቶናን ተበሊሉ ይርከብ።

ንእግረ-መንገደይ ትርጒም ተባተኽ ነቶም ዘይትፈልጥዎ ምናልባት መንእሰያት ብፍላይ፡ ኣብ ግዜ ክራማት ሓረስታይ ተረፍ ዘርኢ ለቒሙ ምስ ወድአን፡ ግዜ ቀውዒ ክኣ ከየርከበን ዘሎ ወርሒ ካብ ሃብታማት ዝልቅሓሉ ግዜ ኢዩ። ገለ-ገለ’ውን ሓምለ ብሓምሊ፡ ንሃሰ ብዓቕሊ፡ መስከረም ክኣ ናብ እኽሊ፡ ኢሎም ይምስልዎ ኢዮም። ኣብ ክውንነት ቃልስና ከነዛምዶ ከለና፡ ንኣተሃላልዋና ምስ እንመዝኖ ተሪርን ወሳንን ግዜ ስለዝዀነ፡ ንድሕነት ህዝብና፡ ሓሳባት እነማዕብለሉ ወይ እንልቅሓሉ ናይ ተባተኽ ግዜ በጺሕና ከም ዘለና ከነስተብህላሉ ይግባእ፡ ንማለት’የ ነቲ ቃል ተጠቒመሉ።

እዚ ኢዩ ክኣ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መደረይ ዝበልክዎ፡ ምስ ኣድላይነት እንኸይድ ልዓታውያን ከብለና ዝኽእል። ምናልባት እዚ ግዜ’ዚ ናይ መደረ ግዜ ኣይኰኑን ዝብሉ ህንጡያት ይህልዉ ይዀኑ። መደረ ግን ኣብ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ናይ ግዜ ገደብ የብሉን። ካብ ዝተሓተ ናብ ዝለዓለ ክኣ ልክዕ ከም ደሞክራሲ ብተወዳደርቲ ሓሳባት ይዓቢ ወይ ይምዕብል። ባይቶታት ወይ ሓገግቲ ትካላት ማለት ፓርላማታት ብሳይንሳዊ መደረ ኣቢለን ኢየን ናብ ዝተፈላለየ መትንታት ዕብየት ሃገርን ማእቶትን ዝሰጋገራ። ልዓትነት ወይ ምዕሩይ ኣገባብ ኣቀላልሳ ብዘይ ሳይንሳዊ መደረ ከተለልዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንመደረ (ንክለሳ-ሓሰብ) ሰጊርካ ናብ ተግባር ክትሰጋገር ዝከኣል ኣይኰነን፡ ሚዛን ብዘለዎ መንገዲ ክኽየድ ግን ብብቕዓት ክስነ ይግባእ።

ልዓትነት ማለት (relevance) ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ፈቲሽና ዘይረኸብናዮ ዘለና፡ መልእኽትና ኹሉ ልዓታዊ ክኸውን ከም ዝግብኦ ምዝንጋዕና ኢዩ። ፈላጣት ክኢላታት ብፍላይ ክኣ ስነኪነታውያንን ፖለቲካውያንን ጽሓፍትን መደርትን፡ እቲ ኣዚዩ ዘሸግሮምን ዝጭነቕሉን ልዓታዊ ዝዀነ ትሕዝቶ ወይ መልእኽቲ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን’ዩ። ብሩህ ምእንቲ ክኸውን እቲ ዝብልዎ ኩሉ ምስ ጠለብ ናይቲ ህሉው ኲነታት ዝኸይድ ምኻኑን ዘይምዃኑን ምልላይ ማለት’ዩ። እዚ ምስ ኣድላይነት (necessity) ናይቲ ዝድለ ዕማም ዝተተሓሓዘ ጒዳይ ስለዝዀነ ዓሚቝ ጥንቃቐ ዘድልዮ ኢዩ።

ልዓታዊ ክበሃል ከሎ “ዘረባ ኣብ ብልዕቱ፡ ምሳር ክኣ ኣብ ልዓቱ” ክብሉ ከለዉ ኣቦታትና፡ ምሰቲ ግዜ ማለት ከም እዋኑ ክኽየድ ከም ዝግባእ ክገልጹ ከለዉ ኢዩ ዘረድኣና። እቶም ትከታተሉኒ፡ ብዙሕ ግዜ “ኣባት ነገር ወይ ጭብጢ የጫብጥ ማእሲ የጋላብጥ፡ ወይ’ውን ጭብጢ ዘይብሉ ዘረባ ጥፉእ ማሕለኻ ዘይበሉ ጸባ ክኣ ድፉእ” ኢለ ክጠቅስ፡ ሓያለይ ግዜ ኣብ ጽሑፋተይን መደረታተይን ሰሚዕኩም ትዀኑ። ዝብላዕ ዘረባ ተዛረቡ፡ ቃንጥሻ ዓሶ ዘይኰነስ፡ ቃንጥሻና ምረጹ፡ ማለተይ ኢየ።

ሓደ ነገር ልዓታዊ (relevant) ዝኸውን ምሰቲ ዝድለ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻን ኣብ ኢድካን ዘሎ ጠለብ ክሳዕ ክንደይ ዝተማዓራረየን፡ ዝተኣሳሰረን ምስ ዝኸውን’ዩ። ልዓታዊ ነገር ኣዚዩ ጠቓምን ሓጋዝን ትርጒም ዘለዎ ትሕዝቶ ኢዩ። ልዓታዊ ንኽትከውን ግን ነቲ ግዚ ከተንብቦ የድልየካ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኢየ፡ ንዂነታት ክመዝን ዘይክእል ክመርሕ ወይ ክምራሕ ኣይክእልን ኢዩ፡ ክብል ደጋጊመ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይን መደረታተይን ዝጠቐስኩ። ሓደ ሰብ ክዛረብ ከሎ መንገዲ ስሒቱ ናብ ካልኡ ዓጀው-ጀው ክብል ከሎ እንታይ ኢዩ ዝብል ዘሎ ዋላ-ዋላ ምርዳእ እኮ ስኢንናዮ ክንብል ንብዙሓት ገጢሙና ይኸውን ኢዩ። እንታይ ፈሊጥና ኢልኩሙና ዋሎ’ዩ ዋሎ እውን ንብል ኢና። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ሕልኽልኻዊ፡ ትሕዝትኡ ዘይልዓታዊ ወይ (irrelevant) ስለዝዀነ ትርጒም ሰለዘይህብ፡ ብነባሮ፡ ብኣሬባ ወይ ብሰማዕቲ ኣድህቦ ወይ ትርጒም ይስእን።

እምብኣር ኣርእስተይ ቃንጥሻ ዓሶ፡ ዘይብላዕ፡ ዘይልዓታዊ ክብል ከለኹ በሪሁልኩም ኣሎ ኢለ ስለዝግምት ናብቲ ዘለናዮ ሃለዋት ክሰግር’የ። ቍሩብ ንድሕሪት ምልስ ኢለ ጒዕዞ ሰውራና ክዝክር እንተድኣ ኰይነ፡ ሰውራና ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደሉ ምኽንያት፡ ዘይልዓታውያን ንዀነሉ ግዝያት ከም ሕማም ደግሲ ይመላለሰና ስለ ዝነበረ ኢዩ። እቲ ግዜ ንኽንሰምር ክጠልበና ኸሎ፡ ብተግባር ክንምልሶ ኣይንበቅዕን፡ እቲ ግዜ ናትካን ዘይናትካን ኣለሊ ክብለና ኸሎ ምኣዝንና ንስሕት፡ኣዲኣ ገዲፋ ሓትንኣ ትናፍቕ ንገብሮ፡ እቲ ግዜ ንልዝብ ካብ ገዛኻ ካብ ማይ ቤትካ ጀምር ክብለና ኸሎ፡ ተመጣጢርና ማዕዶ-ማዕዶ ንጥምት።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ካብቲ ብዙሕ ሒደት ኰይኑ ሳዕቤኑ ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ ኲነታት ኣውዲቑና። ሕጂ’ውን ዝተረዳእናዮ ኣይንመስልን። ዳርጋ ንክልተ ትውልዲ ዝኣክል እንሆ ጻላኢናን ፈታዊናን ከየለለና፡ ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን በተ-ሰብ ናይ ቃልሲ ተደናጊሮሙና ምብዛሕትኡ ወርቃዊ ግዜና ብኸንቱ ይባኽን ኣሎ። ለባማት ምሁራት ዓበይቲ፡ ኢልካ እትግምቶም ባእታታት፡ ንዝሓለፈ ታሪኽና ክግምግሙ ከለዉ፡ ንዲሞክራሲያዊ ልምምድ ዳሕራይ ነርክበሉ ኢሎም ክሓልፍዎ ከለዉ ብጣዕሚ ዘሕፍር ኢዩ። ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ክመዝኑዎ ከለዉ፡ ናይ ሜዳ ተመኲርኡ ኣቃሊሎም ኣብ ኣስመራ ከም እሳተ ጎመራ ከም ዝነተጐ ጌሮም ክገልጽዎ ከለዉ ንመስደመም ኰይኑ፡ ትምህርታውን ተሞኩራውን ደረጅኦም ከም ዝብረዝ ይኸውን። በዝን ወድ ኸምዝን ድኹም ትሕዝቶኦም ክኣ፡ ህንጡያት ሰዳዕቲ’ምበር፡ ንቑሓት ስዓብቲ ክረኽቡ ስለ ዘሸግሮም ህዝባዊ ተኣማንነት ከማዕብሉ (trust building) ስለ ዘይክእሉ፡ ህዝባዊ ኣድህቦ ከምዝርሕቆም ይኸውን። ከም ቃንጥሻ ዓሶ ክኣ ንሓሳባቶም ዝምእርር ይስእኑ።

እዚ ኩሉ ሕጽረታት ከቢቡና ስለ ዝርከብ፡ ካብ ስደት ናብ ዓዲ ክንዲ ንጥምት፡ ካብ ውድብ ናብ ውድብ ክንካላበት መዋእላት ኣሕሊፍና፡ ንሱ ክምኖ ምስ ጀመረ ክኣ እንደገና ካብ መድያ ናብ መድያ፡ ኣብ የላኻ ሸው የብላኻ ምብህሃል፡ ኣቲና’ለና። ወዮም ታሪኻውያን ተጻባእቲ ክኣ መፍትኦም ወዲኦም ኣጀንዳና ከስሕቱና ከለዉ ክርድኣና ኣይክኣለን። እዚ’ውን ዘይልዓታውያን ኰንና ካብ ቃንጥሻና ቃንጥሻ ዓሶ ንመርጽ ምህላውና ኢዩ ዘረጋግጽ።

ጠለብ ህዝቢ፡ ኣብ ሃገርና ውራይና፡ ኣጀንዳና፡ ጭብጥና፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምህናጽ፡ ምትካል እንዳዀነ ኸሎ፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘበነ ደገዝማትን ዘበነ ራእስን ሸንኰለል ንብል ኣለና። ምናልባት እዚ ኣጀንዳ’ዚ ንኻልኦት ይምልከቶም ወይ የገድሶም ይኸውን። እንተ ናዓና ንኤርትራውያን ግን እንተውሓደ ብመባእታዊ ደረጃ፡ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ታሪኽና ብተግባር ዝኣተናዮ (ዝሓለፍናዮ) ደረጃ ምዕባለ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንታሪኽና ከም መንሃርያ (potential) ክንጥቀመሉ ኣይክኣልናን። ንኣብነት ደረጃ ወሪስናዮ ዝነበርና ምዕባሌ ንፍልልይ ሓረገ-ትውልድን ንሃገራዊ ኣምርን ፍልልያቱ ተገንዚብና ኣወዳድባና ከነምዓራሪ ኣይበቓዕናን።

ሓረገ ትውልድን መንነታዊ ሃገርን ክልተ ዝተፈላለየ ኣምር ኢዩ። ኣብዛ ህልውቲ ዘበናዊት ዓለም፡ ሃገር ብሓረገ ትውልዲ ደቂ ሰባት ክትሰርሓ እንተድኣ ኰንካ፡ ከምዚ ሎሚ መጺኡ ዘሎ ፐንደሚክ (pandemic) ኮሮና ቫይረስ ዓለም ለኻዊ ውግእ ክላበስ ኣለዎ ማለት’ዩ። ናብ ሃገራዊ ስምረት ዘይኰነስ፡ ናብ ሃገራዊ ፋሕ ጭንግራሕ፡ ስለ ዝደፋፍኣካ፡ ካብዚ ኣብ ከባቢና ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ክንድሕን ነቲ ውድዓዊ ኲነታት ዝርዳእ ኣእምሮ ከነማዕበል ይግባእ።

ከም ታሪኽ ዝሃበና ክንርእዮ ከለና፡ ወዲ ሰብ ማለት ከም ፍጥረተ-ሰብ ሓደ ክኸውን ከሎ፡ ከም ሃገር ክኣ ፍሉይ መለለይ ኣለዎ፡ ንሱ ድማ ዜጋ ወይ ዜግነት ካብ ዝመጻእካ ምጻእ ብዘየገድስ፡ ከም ፈልሲ ካብ ሓደ መደብ ኣፍሊስካ ናብ ካልእ መደብ ወይ ግራት እተፍልሶ፡ ወዲ ሰብ’ውን ካብ ሓደ መሬት ናብ ካልእ መሬት ወይ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ከከም ኲነታቱ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክፈልስ ይኽእል ኢዩ። እቲ ምኽንያታት ወይ ጠንቂ ክኣ፡ ባዕሉ ወድ ሰብ፡ ወይ ባህሪ ዝመበቆሉ ክኸውን ይኽእል።

ንመረዳእታ ውግእ፡ ማለት ወረራ ሓያላን ኣብ ርእሲ ድኹማን ዝካየድ ክኸውን ከሎ፡ ስደት ከም ናቱ ውጽኢት ክንወስዶ ንኽእል። እዚ ወዲ ሰብ ዘምጽኦ ኢዩ። እሳተ-ጐመራ፡ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ሓያል ማዕበል’ውን ከም ባህርያዊ ብርሰት ስደት ወይ ፍልሰተ-ፍጥረት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናብ ርሑቕን ቀረባን ከከም ኲነታቱ ከስዕቡ ይኽእሉ። እዚ ኸኣ ባህሪ ዘምጽኦ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነታት ወድ-ሰብ ዝነበረ ሓረገ ትውልዱ ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ ኰይኑ፡ ምስ ሓድሽ ሓረገ-ትውልዲ ክተሓናፈጽ፡ ክዳቐል ወይ ክዛመድ ይኽእል። ምስ ምዕባለ ሕብረተሰብ ክኣ፡ መውስቦ ደቂ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ መውስቦ ልምድታትን ባህልታትን ከም ውጽኢት ኣገባብ ማእቶትን ማለት ቍጠባዊ ለውጥን ኣገባብ ምምሕዳራቱን (cross cultural exchange and administrative or governmental power shell) የንጸባርቕ።

ነዚ ኹሉ ንኽትርዳእ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ካብ መባእታ ክሳብ’ዚ ዘለናዮ ደረጃ ኣነባባር ወድሰብ ምርድኡን መጽናዕቲ ክትወስደሉን ይግባእ። ኣዚዩ ዓቢ መጽናዕቲ ስለዝዀነ ግን ኣብ ሓደ ዓንቀጽ ከተገባድዶ ዝክኣል ኣይኰነን። ስለዝዀነ ድማ፡ ብሓጺር መረዳእታ ሓሊፈዮ ኣለኹ።

ነቲ ነዊሕ ከነሕጽሮ ንኹሉ ገዲፍና ናብቲ ናትና ክንመጽእ፡ ኤርትራ ናይ መግዛእቲ ውጽኢት ምዃና ናይ ቀረባ ታሪኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብሩህ ኢዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዓለም-ለኻዊ ተፈላጥነት ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ክኣ ኤርትራውያን ኣብ’ዚ እዋን እዚ መጐተና መጎተ ሃገርን ዘይሃገርን ዘይኰነስ፡ ልዓታውያን እንተድኣ ኰንና፡ መጎተና፡ ካብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሓራ ብምዃን ናብ ደሞክራሲያዊ ስርዓተ-ምዕባለ ምስግጋር’ዩ። ካብ’ዚ ጭብጢ’ዚ የማን ጸጋም ዘብለና ኣተሓሳስባ ምስ ዝመጽእ፡ ሓንቲ ክልኢት’ውን ትኹን ግዜ ከነባኽነሉ የብልናን።

ኣብ ጎረባብትና ዘሎ ዓንቃፊ ኣተሓሳስባ ብሓረገ ትውልዲ ዝመጻና ናይ ሕውነት ኣተሓሳስባ፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገርነት ዘራኽብ ስለዘይብሉ፡ መኣዝኑ ስሒቱ ዶብ ሰጊሩ ናብ ሃገራዊ ሃስያ ዝኣቱ እንተድኣ ኰይኑ፡ ዝተሳዕረ ታሪኽ ክደግም ስለዝፍትን፡ እንተሳዕሪሩ ጽልእን ሕንፍሽፍሽን እምበር ፍቕሪ ዝወልድ ኣይኰነን። ብተግባር ክኣ ድሮ ጽልኢ ወሊዱስ፡ ኢትዮጲያዊ ሕንፍሽፍሽ ዘይብላዕ ትሕዝቶ ቃንጥሻ ዓሶ ፈጢሩ ይርከብ ምህላዉ፡ብተግባር ንርኢ’ለና።

ጥበብ ወረርቲ ብዙሕን በብዓይነቱን ኢዩ። ቅድሚ ሓይሊ ምዝውታሮም፡ ምዓርን ወለላን ኰይኖም’ዮም ዝመጹኻ፡ ቀሽን ፈላስን፡ ሸኽን ሙብትን ኰይኖም ይመጹ’ሞ፡ ኣመንቲ ስለዝዀንና ኣሕዋት ኢና ይብሉኻ፡ ጽንሕ ኢሎም ምስላጥ እንተ ኣብዩዎም እግሪ እንዳተኸሉ ምስከዱ ብሓይሊ ይድህኩኻ።

ናይ ምዕራባውያን ተሞኲሮና ንሱ’ዩ። ናይ መንግስቲ ኢትዮጲያ’ውን መቦቆሉ ምዕራባዊ ጥጅእ ስለ ዝዀነ፡ ካብኡ ዝፍለ ኣይነበረን። ዘበነ ተረንሸዋ’ኮ ህጻውንቲ ከለና ብዓል ኣነ ዘርከብናሉ ሰላማዊ ሰላሕታ፡ ባይታ ናይ ጎነጻዊ ጎበጣ ኢዩ ነይሩ። ተረንሸዋ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ እንዳማርያም ኣስመራ’ኮ ብህጻውንትና ነቲ ፖለቲካዊ ጥበብ ኣየናይ ኢልናዮ፡ ከም ብዓል ኣነ ቅርሺ ጃንሆይ ዝተዓደልና ኣብዛ ዓለም ብዙሓት ኣለና። ጽንሕ ኢሉ ክኣ ሰላሕታዊ ናይ ምትዕሽሻው ፖለቲካዊ ወረራ ግዳማውያን፡ ካብ ተረንሸዋን ቅርሽን ናብ ብረት ተቐይሩ፡ ናብ ዘበነ ገድሊ መስዋእቲ ኤርትራውያን ክኣ ኣሰጋጊሩና።

ሕጂ ኤርትራውያን ካብ ታሪኽ ዝተመሃርናዮ ነገር ብዙሕ ስለዝዀነ፡ ዘይተመሃርናዮ እንተሎ ኣብ ቅድሜና ክንርእዮ ኢና። ካብቲ ዝተመሃርናዮ ዓውዲ ትምህርቲ ተፈቲንና ክንተርፍ ግን ኣዚዩ ዘሕፍር ስለዝዀነ፡ ምስ ግዜ ክንከይድ ማለት ልዓታውያን ወይ ዘበናውያን ክንከውን ግድን ክኸውን ኣለዎ። ብዓይኒ ታሪኻዊ ምዕባሌ ክርአ ከሎ ክኣ፡ መስፍናዊ ትሕዝቶ ነቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ምዕቡል ስርዓተ ምዕባሌ ከደናግሮ ከሎ፡ ግምጡል ኣከዳድና ስለዝዀነ ታሪኻውን ሃገራውን ሃለዋትና ብመሳፍንታዊ ኣተሓሳስባ ክሽመት ከሎ፡ ስቕ ኢልና ክንዕዘም ኣይግብኣናን። ህዝቢ ኤርትራ ተባላሓቲ ኢዩ፡ ወይ ጻዕረኛ ኢዩ ዝብል ትምክሕታዊ ኣዘራርባ ግን፡ ግጉይ ጭርሖ ስለ ዝዀነ፡ ክንጥቀመሉ የብልናን። ፍሉይነት ናይ ዝዀነ ይኹን ህዝቢ፡ ብፍጥረቱ ዘይኰነስ፡ ካብ ታሪኽ ዝተረከቦ ዓቐናዊ ወይ ዓይነታዊ ምዕባለ ኢዩ ዝምዘን።

ከም ዘለዎ ከቐምጦ፦ ገለ ውልቀሳባት ተጋሩ፡ ተራ ይዂኑ ወይ መራሕቲ ብዘየገድስ፡ ኣሕዋት ኢና ምስ ኤርትራውያን፡ ክብሉ ይስምዑ ኢዮም፡ ኣጋእዝያን፡ ትግራይ ትግርኝ ዝብል ስያሜታት’ውን ኣለዎም። ንሕና ኤርትራውያን ብሕውነት እንተድኣ ኰይኑ፡ ምስ ተጋሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዋላ ምስ ኣምሓሩ ወይ’ውን ምስ ካልኦት ኢትዮጲያውያን ከምኡ’ውን ጐረባብቲ ሃገራት ዝቐረቡን ዝረሓቑን፡ ታሪኽ ዝወለዶ ምቅርራባት ኣለና። ተወሊድናን ተወላሊድናን ከም ምዃንና መጠን ክኣ ንሕውነትና ዝሓኮ የለን። እዚ ታሪኻዊ ክውንነት’ዚ ግን፡ ነቲ ዘለና ካልእ ታሪኻዊ ሃገራዊ ኣተሃላልዋና፡ ብሽርጥጥ ማለት ብሒል ጎቦ ኣትዩ፡ ምድንጋር ክፈጥረሉ የብሉን።

ስነ-መጽናዕታውያን ናይ ወድ ሰብ (anthropologists) ከም ዝጠቐስዎ እቲ ዝነውሐ ኣሰር ወዲ ሰብ ዝተረኽበ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢትዮጲያ ኢዩ ዝበሃል ሓበሬታ ኣሎ። ወይ ውን ብድሕሪ ሕጂ ብዝመጽእ መጽናዕቲ ኣብ ካልእ ሃገር ክኸውን ይኽእል። እዚ ግን ንታሪኻዊ ምዕባሌ ሃገራት ጥሒሱ፡ ንመነባብሮ ደቂ ሰባት ናብ ምኣዝኑ ዝሰሓተ ኣገባብ ቃልስን ትርጒም ደሞክራስን ከወስደና የብሉን። ደሞክራስያዊ ኣምር ናይ ምምዕርራይ ናብራን መሰልን ኣጀንዳ’ምበር፡ ናይ ዓጽመ-ስጋ ሻራ ኣይኰነን።

ናይ ደም ኣሕዋት ኣብ ቀረባ ይኹን ኣብ ርሑቕ ክርከቡ ይኽእሉ ኢዮም። ንኽውንነት ምዕባሌ ወድ-ሰብ ግን ብዝተበጽሐ ፍልልይ ክትርድኦን፡ ንዕኡ ዝመስል ምዕቡልን ዘበናውን ሕውነት ክትፈጥረሉን ይግባእ። ብሄረ-ሰብ ኦሮሞ ምስ ማዳጋስካር ኣሕዋት’ዮም ይብሃል። ዋላ ክሳብ ሕጂ ቋንቍኦም ተመሳሳሊ ኢዩ። እንተዀነ ግን ታሪኽ ኣብ በበይኑ ሃገራት ኣቐሚጡዎም ይርከብ። ብኡ ደረጃ ክኣ ዘበናውነቶም ክርድኣና ይግባእ። ናይ ኬንያ ወደብ ሞምባሳ “ሆሪ ጎባሳ” ኢዩ ዝብሃል ኔይሩ ይብልዎ። ከብቶቹን ንዳ፡ (ነቶም እንስሳታት ኣሳግሮም) ማለት ኢዩ ክብለኒ ሓደ ኦሮሞ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዝከረኒ። ምስ’ቲ መሳርሕተይ ብሓባር፡ ኣብ ካምቦ ሎጆ ኣዲስ ኣበባ ጋንታ ኲዕሶ ናይ ማዳጋስካር መጺኣ ነይራ፡ ሓቢርና ክንርኢ ከለና፡ ገለ ካብቲ እቶም ጋንታ ማዳጋስካር ዝዛረብዎ ዝነበሩ ክርዳእ ስለዝኻአለ ሓረገ ትውልዱ ክዝክር ከሎ፡ ኣብ ኢትዮጲያውነቱ ኲድጭ ኢሉ ዝበለኒ ኢዩ።

ከምቲ እቲ መሳርሕተይ ወዲ ኣሩሲ ዘዕለለኒ፡ ኦሮሞ ኢትዮጵያውያን ኰይኖም መበቆሎም ግን ምስ ማዳጋስካር ከይተረፈ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ንምሕባር ዝኣክል’የ ነዚ መረዳእታ ዘምጽኦ ዘለኹ። እዚ ግን ነቲ ብድሕሪኡ ዝማዕበለ ሃገራዊ ክውንነት ወይ ታሪኻዊ ህንጸተ ሃገር፡ ኣይዓገቶን ወይ ኣይዘባረቖን። ስለ’ዚ እቶም ምስ ዓሌትን ወገንን፡ ሓረገ ትውልድን ከምኡ’ውን እምነትን ኰለል ክንብል ግዜና እነባኽን ካብ ታሪኽ እንተተመሃርና እምበር ኣብ ታሪኽ እንተደረቕና ጸረ ረብሓና ስለዝዀነ፡ ኣብ ምርዳእ ምዕብልና እንተድሃብና ይሓይሽ።

ታሪኽ ሕጂ’ውን ካልእ ክውንነት ክወልድ ይኽእል ኢዩ። እቲ ክውንነት በሲሉ ምስ ኣንጸባረቐ ክኣ ነቲ ክውንነት ብንዕኡ ዝመስል ብዓል ቤታዊ ዓቕሚ ወይ ተረድኦ ክንምእዘዞ እቲ ዝመጽእ ግዜ ክጠልበና ኢዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ልዓታውነትና ወይ ክውንነታዊ ግንዛቤና ኣብ ፈተነ ክኣቱ ኢዩ። ንኣብነት ኣፍሪቃ ከም ሓንቲ ሃገር ክትምሓደር (Pan-African) ከም ፍልስፍና ነዊሕ ጌሩ፡ ከም ተግባር ግን ኣይበሰለን። ስለዚ ኣፍሪቃውያን ዋላ ብዘርኢ ርኽክብ ይሃልዎም ታሪኽ ብዘረከቦም መሰረት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ኣተሃላልዋ ክርከቡ ግድን ኰይኑ’ሎ።

እቲ መስርሕ ከም ሕብረት ኣፍሪቃ (AU) ከም ትካል ይኸይድ ኣሎ፡ ከም ተግባር ግን ብደርጃ ረቛሒታት ናይ ነብሲ ወከፍ ሃገር ክርአ ከሎ ኣዚዩ ርሑቕን ተመጣጢርካ ብቐሊሉ ዘይብጻሕን ጥርቀ’ዩ። ይትረፍ ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ከም ሓንቲ ሃገር ክትናበን ክትመሓደርንሲ፡ ሓንቲ ውልቀ-ሃገር’ውን ማሕበራዊ ሂደታ መናህናህ ዝበለ ፈትሊ ኰይና’ላ። ነዚ ክውንነት’ዚ ክንርድኦ እምብኣር ልዓታውያን ወይ ዘበናውያን ክንከውን ይግብኣና። እዚ ማለት መስርሕ ምዕባሌ ሓድነት ክንጥሕስ የብልናን። ብዝተረፈ፦ “ዘበን ውቤ ዝጸመመስ ዝባን ውቤ ክብል ነበረ፡” ዝብል ምስላ ንዓና ክኸውን’ዩ።

እዚ ኩሉ ዝብሎ ዘለኹ ሓረጋዊ ትውልድታትና ከይተኻሕደ፡ ሃገራዊ ሂወትና ክኣ ብድሕሪኡ ከም ’ተወልደ ክንርዳእ’ሞ፡ ተገዲስና ክኣ ንዕኡ ዝመስል ዝምድና ክንህንድሰሉ ከምዝግብኣና ንምሕባር ዝኣክል ኢየ። ገለ-ገለ ውልቀ-ሰባት ወይ መራሕቲ ናይ ትግራይ፡ ወይ’ውን ናብ ናይ ትግራይ ትግርኝ ኣተሓሳስባ ዝዛዝዉ ወይ ዝውጥጡ ኤርትራውያን፡ እቲ ትምኒትኩም ክሳራ’ምበር መኽሰብ የብሉን። የግዳስ ናብ ወረራ ከይዛዙ’ሞ ኣሉታዊ ታሪኽ ከይድገም፡ ኣዕሙቝ ኣቢልኩም ንኣተሓሳስባኹም እንተኸለስኩሞ ይሓይሽ ብሃላይ’የ።

ተጋሩ ብኹሉ መንገዲ ብሃገር ዋላ ብትውልዲ ብታሪኻዊ ኣነባባር ክሳብ ሕጂ ካብ ኤርትራ ኢትዮጲያ ትቐርበኩም። መን’ዩ ልዕሊ ትግራዋይ ኢትዮጲያዊ ክኸውን’ሞ ሃዲምኩሙሉ ኤርትራውያን ክትኰኑ ዝግድደኩም? ከምዚ ’ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ካብ ኣእምሮ ዝሰሓተ ዝቦቍል ዘይፍታሕ ሕልሚ ጥራይ ኢዩ። ሕልሚ ይፍታሕ ኢዩ። ግን ነጸብራቕ ናይ ዝዀነን ወይ ክኸውን ዝኽእልን እንተድኣ ኰይኑ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ፡ ኤርትራ ክትጠቕመኩምን ክትጠቕሙዋን እንተድኣ ዀይኑ ሕልምኹም፡ ንኢትዮጲያ ሃገርኩም ብኽልተ ሰናቡኣ ከም እተተንፍስ ክተገብሩዋ እንተ ኽኢልኩም ጥራይ ኢዩ።

ተጋሩ ካብ ቃልሲ ኢትዮጲያዊ ጽንዓት እንተሃዲምኩም፡ ሃገር ኣልቦ፡ ዘላን ካብዚ ሕጂ ኤርትራ ዘላቶ ኲነታት ናብ ዝኸፍአ ክትወድቁ ትኽእሉ ኢኹም። ተጋሩ ንነብስኹም ከየድሓንኩም ንኤርትራ ከተድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ማዕረማዕሪኡ ንሕና ኤርትራውያን’ውን ንነብስና ከየድሓንና ንዓኻትኩም ከነድሕን ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ማለት፡ ውረድ ደይብ ዘይብላ አዒንቲ ኩላትና ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ፡ ከምኡ ድማ ናይ ኢትዮጲያውያን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ዘተኲራ ጥራይ’ዩ፡ እቲ ዝምድና ኣፍራያይ ዝኸውን።

እቲ ሽግር ክልተ መለኽቲ ኣብ ኢትዮጲያን ኤርትራን ምህላዎም’ዩ፡ ጸላእትና ምዃኖም ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጣበቕቲ ደሞክራሲ እንተድኣ ኰንና፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብትብዓት ክንፍርመሉ ኣለና። ኢትዮጲያውያን ምድርቤትኩም ኰስትሩ፡ ንሕና ኤርትራውያን ክኣ ምድርቤትና ክንኲስትር ኢና። ብድሕሪኡ ጽሓይ ምስ በረቐን ማይ ምስ ዛረየን፡ ዘራኸበ ከራኽበና ኢዩ። ህዝቢ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንስለ ደሞክራሲ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ዝቃለሰሉ እዋን፡ ዝተዓረቕን ዘይተዓረቕን ግርጭት ንምልላይ ስነፍልጠታዊ ኣፍልጦ ክህልዎ ይግባእ።

ኣብ ጒዳይ ዕርቂ፡ ብፍላይ ናብ ሃገርና ኤርትራ ከተኲር እንተድኣ ኰይነ፡ ኣብ ቃልሲ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንመሰረታዊ ለውጢ ንደሞክራሲያዊትን ሕጋዊትን (ቅዋማዊት) ሃገር ንምትካል ክንቃለስ ከለና፡ ትርጒም ዕርቅን ሕድገትን እንታይ ምዃኑ ክተሓዋወሰና የብሉን። ቃልስና ናይ ካንሸሎ ቆየቛ፡ ወይ ናይ ቤት መስተ ባእሲ፡ ኰይኑ፡ ብዓርከይ ዓርክኻ፡ ብሕደጎ-ሕደጎ ዝፍታሕ ኣይኰነን።

ሽግርና ናብ ታሕቲ ወሪዱ ፖለቲካዊ ትርጒም ክስእን የብሉን። ፖለቲካዊ ትርጒም ናይ ህዝባዊ ክሕደትን ህዝባዊ ውክልናን ክርድኣና ኣለዎ። ብህግደፋዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝኣክል ዝወረደና ጽንተት ህዝብና፡ ብሱር ነቀል ስርዓተ ለውጢ’ምበር ብምጽንጻል ገለ ኣጻብዕ ህግደፍ ዝፍታሕ ኣይኰነን። ቃልስና ንዝተዀራረዩ ህግደፋውያን ምትዕራቕ ዘይኰነስ፡ ንኣገባብ ቃልሲ ዝጠፍኦም ምሓውራት ደምበ ፍትሒ ምትዕራቕ’ዩ። ደምበ ፍትሒ ብመንጽር ኣገባብ ቃልሲ ጸረ ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ክዕቀን ከሎ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዕሸልነት ኣትዩ ከም ዘሎ፡ ዘለለናዮ ኣይንመስልን። ተተሓሒዝናዮ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ ብቍጽራዊ ፎርሙላ ፡ ብሓደ ’ጽሕፍ ሓደ ’ጸንሓለይ፡ ብቝንጣሮ ከሲስካ ትቐስነሉ ጒዳይ ኣይኰነን። ሓመድ ዘይፈሰሶ ዓጽምን ደምን ስዉአትና፡ ዝተገፍዐን ዝተሰደን ህዝብና ክኸብደና ኣለዎ።

ብተወሳኺ ቃልስና ብጒጅላውያንን፡ ዘይእዋናውያንን ብውድባዊ ፍቕሪ ዝተጠላቐዩ፡ ንዑ ናባና እተዉ፡ ምስ ውድብና ተቓለሱ፡ እቲ ዘለኹሞ ህዝባዊ መስመር ኒየው በልዎ፡ እንዳተባህለ፡ ካብ ነብሰ-ምእራም (ነብሰ-ነቐፌታ) ዘይተበገሰ፡ ድሕሪ ኹሉ ተፈጢሩ ቅድሚ ኹሉ ነብሱ ዝሰርዕ፡ ህልኻዊ፡ ዕድመ ዘይብሉ ናይ ተብ-ተብ ፖለቲካዊ ዕጥራን የሳቕዮ ስለ ዘሎ፡ ኲላትና ብተለኻኸም ተሃሲና ስለንርከብ፡ ንመቃልስትና ዋጋ ውሃብቲ (considerate) እንዀነሉ ብልሓት ከድልየና’ዩ። ዕርቂ ክበሃል ከሎ፡ ንኹሉ ግርጭታት ከከም ክብደቱን፡ ጽፍሕታቱን ወይ ብርክታቱን ናይ ምትዕራቕ ስተራተጅን ስልትን ክናደየሉ ይግባእ። ዕርቂ ብጅምላ፡ ንሃገር ናብ ታኼላ ዘእቱ ምዃኑ፡ ኣብ ቀረባ ካብ ተመኲሮ ዶ/ኣቢይ ክንመሃር ዘይንኽእለሉ ምኽንያት የለን። ብወገነይ ነዝን ወድ ከምዝን ንምፍታሕ’የ፡ ንምዕባለ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ኣገዳስነቱ ዘስምረሉን ብኹሉ ረቛሒታት ንቕድሚት ክምርሽ ዝደፍኣሉን።

ካልእ ነጥቢ ኣብ ደምበ ፍትሒ ከስተባህለሉ እንተድኣ ኰይነ፡ ምሁራውን ስነፍልጠታውን ሞያ ዘየሰነዮ ጋዜጣዊ ገልጠምጠም ለበዳዊ ሕማም ደምበ ተቓውሞ ኰይኑ ብምህላዉ፡ ብሱል ወድዓዊ ክውንነትና ብብዓል ቤታዊ ድኽነት ተጠቒዑ ይርከብ። ጋዜጠኝነት ስነፍልጠታዊ ዓውዲ ፍልጠት ኰይኑ፡ ብዙሕ መሓውራት ዘለዎ’ምበር፡ ዘርከበ ለይትን ምዓልትን ዝዕንድረሉ መደበር ልሳን (organ) ኣይኰነን። ዘይምሁር፡ ሓረስታይ፡ ይኹን ሸቃላይ፡ ኣዚዩ ግዙፍ ናይ ቃልሲ ሓይሊ’ኳ እንተዀነ፡ ናይ መሰረታዊ ለውጢ መሪሕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ተመኲሮ’ዚ ኣብ ሰውራና ዝተመኰርናዮ ስለዝዀነ ውጽኢቱ ክርሳዕ የብሉን።

ማዕረ-ማዕሪኡ ሃብቲ ወይ ገንዘብ’ውን ንትምህርቲ ዝትክእ ኣይኰነን። ምሁር ግን ብገንዘብ ክታለል ስለ ዝኽእል ናይ ስልጣን ብዕልግና ክወልድ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ብቕዓት ብኹሉ መዐቀኒታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነዚ ኹሉ ረቛሒታት ኣብ ተመኲሮ ሰውራና ሃሰስ ምስ እንብሎ፡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክተኽለልና ዘይክኣለ ምዃኑ ህልዊ ኲነታት ክምህረና ይግባእ። ገድላዊ ታሪኽና ኣብ ሓሞታዊ ጅግንነት ተሓጺሩ ሃገራዊ ነጻነት ኣረኪቡና ከብቅዕ፡ ደሞክራሲያዊ መሰልና ከምንጠል ካብ ዝገበረ ዓቢ ግናዕ ካብ ኣሉታዊ ሳዕቤናትና ከም ምዃኑ መጠን ኣብ መዛግብ ታሪኽና ንትምህርቲ ክውረቕ ኣለዎ።

ስለዚ ክኣየ ንዕርቂ ትርጒም ክህልዎ ኣለዎ ዘበለኒ። ኣብዚ እዋን’ዚ ይቕረ በሉለይ ክብሉ ዘይግብኦም ኣይ ብኢዶም ኣይ ብእግሮም ዘረባ ጠፊኡና ኢሎም ንጹሃት ይቕረ በሉለይ ክብሉ ከለዉ፡ ንይቕረ በሉለይ ዘይበሉን ብገበኖም ቅጭጭ ዘይብሎምን ክኣ ሕድገት፡ ዕርቂ፡ ይቕረ ይኹንኩም ምባል፡ ኣብ ጒዕዞ መሰረታዊ ለውጢ ቦታ የብሉን። መቸም ደምቤና ከምቲ ንሱ እንተገምጊምናዮ፡ ቍጽሪ ዘይብልና ውልቀ-ሰባት ጒጅለታትን፡ ድሮ በብመንገድና መንግሰቲ መስሪትና፡ ግደ ሃገራዊ ፓርላማ፡ ግደ ፈጻሚ ኣካል፡ ፈራዲ ኣካል ተማቒልናዮ፡ ቃሕ ዝበለና ውሳኔ ከነመሓላልፍ ጀሚርና ኣለና። ወያ ቅዋማዊት ሃገር ንማለቱ ክንዝክራን ከም ኣጋጣሚ ክንጠቓቕሳን ምሃነና ኣጥፊእናላ ከም ዘለናስ ይፍለጠና ደዀን ይዀውን።

ከምዚ ዘለናዮ እንተድኣ ቀጺልና፡ ውጽኢት ቃልስና ቅድድም ምቅብባል ምርኲስ (relay race with a walking cane) ክኸውን ምዃኑ፡ ዘይተርፍ ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ብዙሕ ሕታማተይ ከም ዝጠቐስክዎ “ወንጮ እንተገምጠልካዮ ወንጮ” ወይ ክኣ ምቅይያር ስርዓት ዘይኰነስ፡ ምቅይያር ሰባት ከጋጥመና ይኽእል ኢዩ ኢለ ነይረ። ሕጂ’ውን ትሕተ-ባይታዊ ትሒምሒምን፡ ጒጅላዊ ህልኻዊ ውጥም-ቅልቅልን ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ዝወልደልና የብሉን። ከም መቐጸልታ ናይ ኣፍሪቃዊ ምንግስታት ደናኒቶ ምርኲሰኛ ጽግዕተኛ መንግሰቲ ኣብ ኤርትራ ክትከል ጠጡሕ ባይታ ክፍጠር ዕድል ክኽፈት ከም ዝኽእል ብእዋኑ ከነለልዮ ይግብኣና።

ብብቕዓት ብመንፍዓት ብቕንዕና ብዘይ ተሰፋ ምቝራጽ ክንቃለስ እንተደሊና ክኣ፡ ሓደ ነቕ ዘይበል፡ ዓዲ ዘእቱ፡ ግን ክኣ ቃልስን ምክንኻንን ዝጠልብ፡ ህዝባዊ ሓይሊ ይኣክለ-ፈንቅል፡ ነብሪ ጎልጎል ከምዘለና እንተድኣ አሚና፡ ኤርትራዊ መረዳእታ ኣብ ኣፍሪቃዊ መስርሕ ቃልሲ ክንከውን፡ ንኽእል ኢና። ይኣክለ-ፈንቅል ግን ኢድካ ሰዲድካ ብጥራዩ ዝብላዕ ቅሩብ ምኣዲ ጠላማትን መናሸውትን መቋናጸብትን፡ ኣይኰነን።

ተቓላሳይ ጥራዩ ጸኒሑ ዳሕራይ ዝኽደን ልሉይ ፍጥረት ወኪል ውጹዕ ህዝቢ’ዩ፡ ከዳዕ ክኣ ተኸዲኑ ጸኒሑ ዳሕራይ ጥራዩ ዝወጽእ ጠበቓ ውልቀ-ሰባት ሕፍረት ሃገር’ዩ። ካብዘን ክልትኤን ሓድአን ኣብ መስርሕ ናይ ቃልስና ክርኣያ ኢየን። ጀጋኑ ብዙሕ ግዜ ንዓወት ኣየርክብሉን’ዮም። እቲ ጽንዓቶም ግን ንወለዶታት ናይ ቃልሲ መርሓ-ገበይ (road map) ስለዝዀነ ጀጋኑና ክንርስዖም የብልናን።

ንይኣክል ተሪር ለበዋን መጠንቀቕታን ከየመሓላለፍኩ ክዛዝም ስለዘይደሊ፡ ይኣክል ውሽጣዊ ሕማምካን ግዳማዊ መሰነይትኡን ብኣራሚ መንፈስ ሃሰስ ክትብሎ ከድልየካ እዩ። ብዝተረፈ ብቕደም ተኸተል ተመኲሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን (ተ.ሓ.ኤ)ን ህዝባዊ ግንባርን (ህ.ግ.) ደሞክራስያዊ ጽምኣትካ ከምዝዂለፍ ክኸውን’ዩ። ብሓጺር ኣበሃህላ፡ መንሽሮ ናይ ውዲታዊ ሞት፡ ብውሽጣውን ግዳማውን ህንደሳ (cancer of death by design) ከጋጥመካ ይኽእል ኢዩ።

ኣብ ህዝባዊ ይኣክል ዘለኒ ደገፌታይን ተስፋይን፡ ካብ ምዓሙቝ ልበይ ንመግላጽ ዝኣክል ክኣ ባዛ እትስዕብ ናይ ኣድናቖት መዝሙር ወይ ደርፊ ክትከውን እትኽእል ወፈያ ገይረያ ዘሎኹ ግጥሚ፡ ናይ ሎሚ መልእኽተይ ክዛዝም ኢየ። ኣርእሰቲ ግጥመይ ፍቕያ ህዝቢ እትብል ኢያ። ንምሕባር ዝኣክል፡ ፍቕያ፡ በሪኽ ቦታ ወይ ኲጀት ጓሶት ጥሪቶም ዘማዕድውሉ ኢዩ።

ፍቕያ ህዝቢ

ኣንታ በሪኽ ቦታ ፍቕያ ህዝቢ-ንጸላእቱ ደቒቕ ዘየጸቢ
ዕንባባ ገደና ምጽምጸ - ምዓር ጎዶ ንህቢ ዝተመርጸ

መማዕደዊ ኢኻ በሪኽ ፍቕያ
ሃንድሶ’ምበር ናይ ዓወት ጽርግያ
እልል ክብላ ወየን ዝጽበያ
   መንእሰይ ሃገረይ በሪኽ ዋላ
   ሰብ ዝሕሉ ምስናይ መሸላ
   ብሰላም ክትነብር ወዳ ጓላ

ኣዝማች...አንታ በሪኽ ቦታ ፍቕያ ህዝቢ…

እወ ዋላ ትርጒሙ እራራ
ሓለዋ ሃገሩ ፍረ ሰውራ
ትኸሎ’ምበር ባይቶ ናይ ኤርትራ
   ተዓጢቑ ዝቃለስ ንቕዋም
   ንሸፋቱ ክገብረሎም ልጓም
   ሰረቶም ክጠፍእ ብዓል ሰራም

ኣዝማች…ኣንታ በሪኽ ቦታ ፍቕያ ህዝቢ….

መስርቶ ባይቶኻ ልዳት ’ከፈት
ትኸሎ ቤት ፍርዲ ጀምር መጐት
ምስ ጠበቓይ ኢልካ ዳኛ ሕተት
   በሪኽ እወ! ኤርትራዊ ፎርቶ
   ብዓል ፎርማ ርግቢተ-ባሪቶ
   ኣይትኰለፍ ውፈር ድሓን እቶ

ኣዝማች…ኣንታ በሪኽ ቦታ ፍቕያ ህዝቢ…..

ርሑስ ብዓል ነጻነት፡
ዓወት ክኣ ንይኣክለ-ፈንቅልን ተቓላሳይ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን እንዳተመነኹ፡
ክሳዕ ተመሊስና አንራኸብ፡
ሰናይ ቅነ፡፡

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ። Read in PDF.


Share with friends:

See also recent Articles by Redi Kifle ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ’ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) (Snitna Archives):-


ቃንጥሻ ዓሶ INEDIBLE MUSHROOMS - by Redi Kifle Bashay (Snitna 22-May-2020)

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: