Placeholder Picture
Placeholder Picture
ስዉእ ኣሕመድ ናስር ሒዝዎ እተቐብረ ዓቢ ሃገራዊ ምስጢር

17/04/2023 18:35 PM

ስዉእ ኣሕመድ ናስር ሒዝዎ እተቐብረ
ዓቢ ሃገራዊ ምስጢር

A Secret that ELFs Ahmed Nasser was buried with.

ብ'ወልደየሱስ ዓማርን፡ ግርማይ ዘሚካኤልን። (By W/Ammar and G/Zemichael)

ስዉእ ኣሕመድ ናስር ሒዝዎ እተቐብረ ዓቢ ሃገራዊ ምስጢር።
ስዉእ ኣሕመድ ናስርን ዓብደላ ስሌማንን ብ1979 ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትታት፡ ናይ ውድቦም መርገጻት ኣናኣነጸሩ።


ስዉእ ኣሕመድ ናስር ሒዝዎ እተቐብረ ዓቢ ሃገራዊ ምስጢር
(ብወ/ዓማርን፡ ግ/ዘሚካኤልን)

ዝኽሪ 9ይ ዓመት መስዋእቲ ኣሕመድ ናስር ብብዙሓት ኣዕሩኹን፡ ቤተ-ዘመድን ናይ ቀደም ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን (ተሓኤ) ክዝከረሉ ኣብ ዝቐነየ እዚ ቀረባ ሰሙናት፡ ሓደ ኣዝዩ እሙን ምንጪ ሓበረታ ንሓደ ምስ ኣሕመድ ናስር እተቐብረ ዓቢ ምስጢር ንህዝቢ ክገልጽ መሪጹ።

እቲ እተሓስበ መደብ፡ ብ1979 ንተሓኤ ክብ ዝበለ ወተሃደራዊ ሓገዝ ሂብካ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ምሕቃቕ ነበረ። እቲ ዘገርም ከኣ፡ እቶም ኣለምቲ መደብ ናይ ሽዑ መሓዙት ሶቭየት ሕብረትን ወተሃደራዊ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያምን ዝኾኑ ገስገስቲ ሓይልታት ዓረብ ነበሩ። ብዝኾነ፡ ስዉእ ኣሕመድ ናስርን ናይ ወጻኢ ጒዳይ ተሓኤ ሓላፊ ዝነበረ ብጻዩ ዓብደላ ሱሌማንን ነቲ ጒዳይ ንብጾቶም እኳ ከየካፈሉ ነጺጎሞ። ንዝቐረበሎም መደብ ብዓቢ ሓልዮት ሃገርን ህዝብን ብምንጻግ ከም ዘምከንዎን፡ እቲ ሰናይ ተግባሮም ንህዝቢ ኤርትራ ከይተገልጸን ንኣስታት 45 ዓመታት ምጽንሑ ዘየገርም ኣይኰነን።

ኣንባባይከ፡ እቲ ንኻልእ ሃገራዊ ውድብ ናይ ምሕቃቕ ሓደገኛ መደብ ንሓላፊ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቀሪብሉ እንተዝኸውን መልሱ እንታይ ምዀነ ኢልካ ትሓስብ/ትሓስቢ? (ጽንሕ ኢልና እንምለሶ ሕቶ ኢዩ።)

ስዉእ ኣሕመድ ናስር ሒዝዎ እተቐብረ ዓቢ ሃገራዊ ምስጢር።

ዝርዝራት ናይዚ ንነዊሕ ዓመታት ዘይተነግረ ምስጢር፡ ዓብደላ ሱሌማን ኣብቲ ምስ ሰላም ሚድያ እተባህለ ትካል ኣብ ዝገበሮ ነዊሕ ቃለ መሕትታት ገሊጽዎ ይርከብ። (ግርማይ ዘሚካኤል ነቲ ብዓረብ እተገብረ ቃለ መሕትታት ናብ ትግርኛ ኣብ ምትርጓም ተሓባቢሩ።) ኣካያዲ መስኮት ኣዳል ናይ ሰላም ሚድያ ዝኾነ ኢብራሂም እድሪስ፡ ገለ ጽንጽንታ ናይቲ ምስጢር ሰሚዑ ብምንባሩ፡ ንዓብደላ ሱሌማን ብዛዕባ'ቲ ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ መደብ ብዝከኣሎ ሓበረታ ክህቦ ሓቲትዎ። ኣብ መልሱ፡ ዓብደላ ሱሌማን ከምዝ ዝስዕብ ኢሉ፡-

“እወ እዚ ሐሳብዚ ቀሪቡልና ኢዩ። ግና ካብ ማሕበራዊ ደምበ ዘይኮነ ብቀዳማይ ሚኒስተር ደቡብ የመን፡ ዓሊ ናስር መሐመድ ኢዩ ቀሪቡ። ብ1979 ብዝገበረለይ መጸዋዕታ፡ ምስ ናይ የመን ሓላፊ ቤት ጽሕፈትና ተጋዳላይ ኢድሪስ ሕመዳይ ኮይነ ተራኺበዮ። አብቲ ዘቕረበልና ጽሟቕ ሐሳብ ከምዚ ይብል፡ ‘ህዝባዊ ግምባር ነዚ ዞባን፣ ንገስገስቲ ሐይልታትን፣ ንዓኹምን ሐደገኛ ውድብ ኢዩ። ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ምምኽኻር ተገይሩ፡ እቲ እንኮ ፍታሕ ምእላዩ ኮይኑ ተረኺቡ። ነዚ ንምትግባር ድማ ንሕና ዘድልየኩም እኹል ዓይነታዊ ብረትን ስንቅን ዓቕምና ዝፈቕዶ ገንዘባዊ ሐገዝን ክንህበኩም ቅሩባት ኢና። ተቐላጢፍኩም ዝርዝር ዘድልየኩም ኣጽዋር ንአምበሳደርና ኣብ ሱዳን ሃብዎ። እንተደአ ተሰማሚዕኩም ድማ፡ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ስታፍ ከነራኽበኩም ንኽእል ኢና' ኢሉ። ኣነ እቲ ዝቐረበ ሐሳብ ስለ ዘይተቐበልኩዎ፡ ‘እዚ ጉዳይ ቐሊል አይኮነን፣ ልክዕ'ዩ ንሕና ናይ ዓቕሚ ሰብ ጸብለልታ፡ ስጋብ 35,000 ዝበጽሕ ዕጡቕ ህዝባዊ ማሊሽያ አሎና’። እንተኾነ ግና እቲ ኣብ መንጎናን መንጎኦምን ዘሎ ፍልልይ ዓቢ አይኮነን። ካልአይ፡ ብዙሐት ሰዓብቲ ዘለውዎ ውድብ ኢዩ’ ኢለ መሊሰሉ። መልሰይ ደስ ስለዘይበሎ፡ ‘ኣዚ ቐሪቡ ዘሎ ሐሳብ ምስ መሪሕነትካ ተዘራረበሉ’ ኢሉኒ። እወ ክዘራረበሉ ኢየ ኢለዮ ንካርቱም ተመሊሰ።

“ንኣምበሳደር ድቡብ የመን ኣብ ሱዳን ረኺበዮ። ንሱውን ብወገኑ ‘እዚ ዕድል'ዚ ከምልጠኩም የብሉን፡ ቀልጢፍኩም ዝርዝር ናይ ዘድልየኩም ኣጽዋር ልኣኹለይ’ ኢሉኒ። ብድሕርዚ ብቐጥታ ንሜዳ አትየ። ግና እዚ ሓደገኛ ሕእሳብ'ዚ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል መሪሕነት ክዝረበሉ ኣለዎ ኢለ ወሲነ። ምስ አቦ መንበር አሕመድ ናስር ተራኺበ ሐቢረዮ። ብርእይቶይ ከም ዘይድግፎ ገሊጸሉ። ብወገኑ ‘ንሕና ሎሚ ነቲ ምሳና ኮይኑ ጸላኢ ዝወቅዕ ዘሎ ንህዝባዊ ግምባር ክንአልየሎም፡ ጽባሕ ድማ ንሳቶም ንዓና ክኣልዩና ማለት ኢዩ’ ተበሃሂልና። ከይተጋወሔ ክንዓብጦ ወሲንና። ተዓቢጡ ድማ ተሪፉ።”

ብወገን ሰላም ሚድያ፡ ‘ስለምንታይ ነቲ ጒዳይ ንኣቦ መንበር ሰልፊ ዕዮ ዝነበረ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ እኳ ክትሕብር ዘይደለኻ?’ ትባሂሉ ምስ ተሓተ፡ መልሲ ሓው ዓብደላ ሱሌማን ከምዚ ነይሩ፡- “ከምቲ ደጋጊመ ዝገለጽኩዎ፡ እቲ ጉዳይ ቀሊል ጉዳይ አይነበረን። ሓደገኛ ስለ ዝነበረ ክቃላዕ አይደለኹን። ካልአይ ድማ ንመላእ ውድብ ዝምልከት ስለ ዝኾነ ናብ ሰልፊ ከቕርቦ አይተራእየንን። በዚ ምኽንያት ንኣቦ-መንበር ውድብ ጥራይ ሐቢረ።

ከምዚ ኢሉ ኸኣ እቲ መደብ “ገስገስቲ” ሓይልታት ዓረብ ብክልተ ላዕለዎት መራሕቲ ተሓኤ ንበይኖም ንመሪሕነት ውድብ (ሰውራዊ ባይቶ) ኰነ ንመሰረታት ከይሓበሩ ነጺጎሞን ንነዊ ጊዜ ሓቢኦሞን። እቲ ተዓቢጡ ምትራፉ ግን ዝያዳ ንህዝባዊ ግንባር ዝጠቐመ ንተሓኤ ግን ዝጐድኤ ይመስል።

ናብ ጒዳይ ኢሳያስ ክንምለስ፣
ብ1979 “ገስገስቲ” ሓይልታት ዓረብ፡ ንተሓኤ ናይ ምሕቅቕ መደብ ንኢሳያስ ኣቕሪቦምሉ እንተዝነብሩ እንታይ ምገበረ? ብርእይቶ ጸሓፊ ናይዛ ዓንቀጽ፣ ምናልባት’ውን ሎሚ ብርእይቶ መጠነኛ ፖለቲካዊ ንቕሓት ናይ ዝውንኑ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኢሳያስ ነቲ ንካልእ ሃገራዊ ሓይሊ ናይ ምህራም መደብ ብሓጐስ ምተቐበሎ። ብዘይ ምኽርን ፍቃድን ብጾቱ ከኣ ከተግብሮ ምተበገሰ።

ብርግጽ ከኣ፡ ታሪኻዊ ሰነዳት ከም ዝምስክሮ፡ ኢሳያስ ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ ንተሓኤ ናይ ምሕቃቕ ሕልሚ ነይሩዎ። ኣብ መወዳእትኡ ነዚ ሕልሚ’ዚ ብምትብባዕን ሓገዝን ናይ ገለ መንግስታት ዞባን ኢትዮጵያዊ ሓይልን ኰይኑ ብ1980 ኣተግቢርዎ እዩ። ብዙሓት ከም ዝምስክርዎ ኸኣ፡ ቀቅድሚ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ምውሳዱ፡ ነቲ ባይታ ብዘይተገብረ ሓጥያት ተሓኤ በኪልዎ። ንኣብነት፡ ናታ ንሓማታ ከም ዝበሃል፡ ተሓኤ ንስምምዕ 20 ጥቅምቲ ጠሊማ፣ ንሃገራዊ ሕቶ ኤርትራ ክሒዳ ብዝብል ስይጠና፡ ንሜዳ ቃልሲ ዓብሊቑዎ። ቀስ ኢሉ ዝገሃድ ዘሎ ሓቅታት ከም ዘርእዮ ግን፡ እቲ ጥልመት ኣብቲ ናይ ከሳሲ ሸነኽ ምንባሩ እዩ።

ብመሰረት ስምምዕ 20 ጥቅምትን ዝሰዓቦ ሰነዳትን፡ ክልቲኤን ውድባት ብሓባር ኰይነን እንተዘይኰይኑ፡ ብተናጸል ምስ ጸላኢ ዘተ ይኹን ስምምዕ ክገብራ ኮፍ ከምዘይብላ ውዱእ ውሳኔ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግን፡ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝወጽእ ዘሎ ሕዙእ ዝነበረ ናይ ምስራቕ ጀርመን ይኹን ናይ ሶቭየት ሕብረት ሰነዳትን ከም ዝምስክሮ፡ ዓብደላ ሱሌማን እውን ኣብ ቃለ መሕትታቱ ከም ዝገለጾ፡ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር እዩ ነቲ ኹሉ ግህሰታትን ጥልማንን ዝገበረ። እቲ ሰነዳት ከም ዘርእዮ፡ ስምምዕ 20 ጥቅምቲ ተፈሪሙ ክልተ ወርሒ ከይገበረ እንከሎ፡ ልኡኽ ህዝባዊ ግንባር ብታህሳስ 1977 ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ በርሊን ዘተ ኣካይዱ። እንደገና ብወርሒ ጥርን ወርሒ መጋቢት 1978፡ ኢሳያስ ዝመርሖ ልኡኽ ህዝባዊ ግንባርን ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክሳዕ መራሒ ምስራቕ ጀርመን ዝነበረ ኤሪክ ሆነከር እተኻፈሎ ኣኼባታት ተኻይዱ። በዚ ጊዜ’ዚ ኸኣ’ዩ ኢሳያስ በቲ ምስ በዓል ብርሃኑ ባዩ፡ ምኒስትር ወጻኢ ጒዳይ ኢትዮጵያን ብጾቱን ዝገብሮ ንዝነበረ ኣኼባታት ዘዂርዕን ታሪኻውን ኢሉ ዝገለጾ። ህዝባዊ ግንባር፡ ቅድመ ኲነት ይኹን ካልእ ንኡስ ሕቶታት ብምልዓል ዕንቅፋት ፍታሕ ኣይትኸውንን እናበለ ንኤሪክ ሆነከር ዘሕጒስ ቃላት ኢሳያስ እተዘርበ እውን ኣብዚ እተጠቕሰ፡ እሞ ካብ መሪሕነት ተሓኤ እተሓብኤ ርክባት ኢዩ ነይሩ።

ዶ/ር ጋይም ክብረኣብ ኣብዚ ሰነዳት’ዚ ተመርኲሱ ኣብ ዝጸሓፎ ሓዲሽ መጽሓፍ ከም ዝጠቐሶ፡ ኤሪክ ሆነከር ኣብ ሜዳ ኤርትራ ህዝባዊ ግንባር ንበይና ከምዘየላ ኣሚትሉ። መልሲ ኢሳያስ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ፡- “ሓቂዩ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንሕና ጥራይ ኣይኰናን ዘሎና። እዚ ግን ከም ጸገም ዝርኤ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኸኣ ጽልዋናን ወተሃደራዊ ዓቕምናን ግዙፍ ብምዃኑ ክንዕወት ኢና። እተን ክልተ ውድባት ከኣ ምስ ሃጸይነትን ናይ ዓረብ ምድሕርሓርን እተኣሳሰራ እየን።” ኢስያስ ንሆነከር ዝነገሮ ግን እዚ ጥራይ ኣይነበረን። ነቲ ዘካይድዎ ዝነበሩ ምስጢራዊ ርክብ ብዝገልጽ ኣገባብ እውን ከምዚ ኢሉ መሊሹሉ፡- “ኤርትራ ሓያለይ ናይ ውሽጥን ናይ ግዳምን ጸላእቲ ኣለውዋ፤ ነዚ እነካይዶ ዘቴታት እንተሰሚዖም ከኣ ብዙሕ ጸገማት ክህልወና ኢዩ። ብዝኾነ ግን ንዳለወሉ ኣሎና” ኢሉ። እቲ ምድላዋት ምናልባት ነቲ ሓያል ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተን ቀጺሉ ኣብ ክፍላ 1980 እተወልዐ ውግእ ሓድሕድን ዝኣመተ ነይሩ ይኸውን።

ዝያዳ ካብ ቃለ መሕትታት ሰላም ሚድያ፣
ዓብደላ ሱሌማን ብዛዕባ ዑደት ልኡኽ ተሓኤ ንምስራቕ ጀርመን ምስ ተሓተ፡ እቲ ዑደት ሃንደበታውን ኣብ መደብ እቶም ዓደምቲ ዘይነበረን ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ንተሓኤ ዝቐረበ ዕድሜ፡ ኢሳያስን ሮመዳን መሓመድ ኑርን ዝርከብዎ ልኡኽ ህዝባዊ ግንባር ኣብ በርሊን ምስ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለስተ መዓልቲ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዶም እዩ ተሓሲቡሉ። ዓብደላ ሱሌማን ብኸምዚ ዝስዕብ የብርሆ፡-

“አብ ደማስቆ ከለኹ ናይ ካርቱም ቤት ጽሕፈትና ሐላፊ ስዉእ ኢዮብ ብስራት፡ ደዊሉ ሐደ አገዳሲ ሰብ ከረኽበካ ስለ ዝሐተተ ንካርቱም ክመጽእ ሓቢሩኒ፡ ንጽባሒቱ ንካርቱም ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተ ድቀ በጺሔ፡ እቲ ዝደልየኒ ዘሎ ሰብ መምህር ዓባስ ዘኪ አብ ሱዳን ናይ ውድብ ሐርነት ፈለስጢን ቤት ጽሕፈት ሐላፊ ምዃኑ ኸኣ ፈሊጠ። ተደዊልሉ ግዜ ከይወሰደ ኣብ ቤት ጽሕፈትና መጺኡ ረኺቡኒ፡ ዝደልየካ ዘለኹ አነ አይኮንኩን፡ ናይ ምብራቕ ጀርመን ኣምበሳደር ኢዩ ኢሉና፡ ተተሐሒዝና ናብ ኢምባሲ ምብራቕ ጀርመን ከይደ ተራኺበዮ። ኣብ በርሊን ዘተ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግምባርን መንግስቲ ኢትዮጵያን ይካየድ ስለ ዘሎ አብቲ ዘተ ክትሳተፉ ንደልየኩም አሎና ኢሉኒ። መልሰይ፡ ኣብ ዘይንፈልጦ ንሳልስቲ ዝአክል ዝተካየድ ዘሎ ዘተ ክንሳተፍ ድልዋት አይኮናን፡ በንጻሩ ብስምምዕ 20 ጥቅምቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘተ ብናይ ሐባር ናይ ዘተ ሸማግለ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፣ ብዝኾነ ኣብ መደብ ዝተታሕዘ ምስ ደሳዊ ሰልፊ ምብራቕ ጀርመን ንምርኻብ ምብጻሕ ስለ ዘሎኒ ክኽይድ ምዃነይ ሐቢረዮ ንደማስቆ ተመሊሰ። በአይ ዝምራሕ አል-ዜን ያሲን፣ ሳልሕ ኢያይ፣ ዮሐንስ ዘርእማርያም ዝሐቖፈ ልኡኽ አዳልየ ንጀርመን ኬድና፡ ምሸት በርሊን አቲና። ብኡ ንቡኡ፡ ረመዳን ምሐመድ ኑር ናብቲ ኣዕሪፍናሉ ዝነበርና ሆቴል መጺኡ፡ ‘እዚ’ዩ እቲ ንኢትዮጵያውያን ዘቕረብናሎም ሓሳብ’ ኢሉ፡ 58 ገጽ ዝሓዘ ጽሑፍ ሂቡና፡ ይብገሱ ክምዘለዉ ደማ ሓቢሩና። ብድሕሪኦም ድሕሪ ሐደ ሰዓት አቢሉ ይኸውን፡ ጀርመናውያን መጺኦሙና። ህ.ግ. ንዘተ ዘቕረብዎ ሓሳብ ኢሎም ከኣ 68 ገጽ ዝሓዘ ጽሑፍ ሂቦሙና። ምስ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማለት ብአቶ ብርሃኑ ባዩ ናይ ኢህአፓ (ሰውራዊ ሰልፊ ሕዝቢ ኢትዮጵያ) ናይ ወጻኢ ዝምድና ሓላፊ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ህላውየኦም ክንራኸብ ሓቲቶሙና። ሕቶኦም ተቕቢልናዮ። አኼባ ብመጥቃዕቲ ዝመስል ዘረባ ብርሃኑ ባዩ ተጀሚሩ። አብ ዘረብኡ 9 ነጥቢ ዝሐዘ ፍታሕ ከም ዘቕረቡ፡ ብአና ከምተነጽገ፡ ዝምድናና ምስ አድሓርሓርቲ ሓይልታትን አሜርካን ከይተረፈት (ከም ዝኾነ) ገሊጹ ዘረብኡ ዓጽዩ። ብወገና፡ ቀዳማይ ነገር ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ከም ዘይኮነት፣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ፍትሐውን ሕጋውን ከም ዝኾነ ገሊጽና። እቲ አኼባ ብኸምዚ ተዓጽዩ ካብዚ ንንየው ምርኻብና ምስ ጀርመናውያን እውን አይተኻየደን። ንጽባሒቱ ንደማስቆ ተመሊስና።”

ቀጺሉ ሓው ዓብደላ ሱሌማን፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ በርሊን ንማእከላይ ምስራቕ (ንሊባኖን) ምስ ተመልሰ እንታይ ከም ዝገበረ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጹዎ፡-

“ኢሳያስ ብቐጥታ ንቤሩት ከይዱ ብቤት ጽሕፈት ወድብ ሐርነት ፈለስጢን ኣቢሉ ንያስር ዓረፋት ክረክብ ፈቲኑ። ንሱ ስራሕ ስለ ዝነበሮ፡ ንፋሩቕ ቐዱሚ ሰዲዱሉ። (ኢሳያስ ከኣ)፡‘ንያስር ዓረፋት ዝደለኹሉ ምኽንያት፡ ዘተ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንበይንና ስለ ዘካየድና ተሓኤ አብ ኩኔተ ተጠንቀቕ ክህልዉ ኢዮም። ስለዚ ኣብ ዘየድሊ ጎንጺ ከይንአቱ ሞንጎኛ ኰንኩም ከተሰማምዑና ኢሉዎ።’ ካብ ያስር ዓረፋት እተዋህበ መልሲ ከኣ፡ ‘እዚ ዓቢ ጉዳይ ኢዩ፣ ካብ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዝኾነ፡ ንየመናውያን ክንሓቶምን፡ ክንተሐባበሮምን ይከአል ኢዩ’ ኢሉ (ነቲ ጒዳይ) ናብ የመናውያን መሪሕዎ። የመናውያን ፍቓደኛታት ኮይኖም። ኣብ ዓደን ኩሎም ላዕለዎት መራሕቲ፡ ማለት ፕረሲደንት ሳልሚን ሩበይዕ ዓሊ፣ ዓሊ ናስር መሐመድ፣ ኣቦ-መንበር ማሕበራዊ ሰልፊ የመን ዓደልፈታሕ እስማዒል ዘተረኽብዎ አኼባ ምስ ክልተና (ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን) ተኻይዱ። ናብ ስምምዕ 20 ጥቅምቲ ክንምለስን ብእኡ ክንምእዘዝን ኣሰማሚዖሙና።… ቅድሚ አኼባ ምጅማርና ቀዳማይ ሚኒስተር የመን (ምስ ኢትዮጵያውያን) ዘተ ተኻይዱ ድዩ ኢሉ ሐቲቱና። አሕመድ ናስር ከኣ ንሕና (ብዕሊ) ንፈልጦ ዝተኻየደ ዘተ የሎን’ ኢሉ መሊሱሉ።”

ስዉእ ኣሕመድ ናስር ሒዝዎ እተቐብረ ዓቢ ሃገራዊ ምስጢር።
ኣቦ መንበር ተሓኤ ነበር ኣሕመድ መሓመድ ናስር ብ26.03.2014 ኣብ ሽወዴን ዓሪፉ። ናይ ወጻኢ ጉዳይ ተሓኤ ነበር ዓብደላ ሱሌማን ሎሚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ይቕመጥ።




See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: