ሮማዲ`የ!

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

28/04/2020 23:15 PM

ሮማዲ`የ!

ብ`ጸጋይ ነጋሽ

ሮማዲ`የ!

ሮማዲ`የ!
ብ`ጸጋይ ነጋሽ

ኣብ ጊዜኡ፡ በብወቕቱ
ኣብ እዋኑ፡ ከከም መኣዝናቱ፡
ኣብ ሕሉፍ፡ ከከም መዋእላቱ፡
ጸኒሐ፡ ነይረ፡ ኣለኹ፡ ኢሂናይ ድኣ!
ወዲ ታሪኽ እንድየ.. ሓዘለይ ኣብኣ!
ኣብ`ቲ ክብሪታታ፡ ኣብ`ቲ ሰንደቕ ግምጃኣ።

እወ፡ ባይታ ሒዘ ይራመድ
ሮማዲ እንድየ፡ ከመይ ዘይራመድ?
ኣብ ስቡሕ መሬት፡ ኣብ`ቲ ልሙዕ ሓመድ።
ንላዕሊ የንቃዕር፡ ንጎኒ ይሰፍሕ
ሱረይ ይቕጽል፡ ባይታይ ይገፍሕ
ሰውሒ`የ ሓረግ፡ ንደርቂ ዝሽንድሕ።
ሱሮይ ይጫልድ፡ ይዛመድ፡ ይዋሰብ
ይዋለድ ይፈሪ፡ ይፋለጥ፡ ይዋሰብ
ሓረግ ወለዶ`ዩ፡ ዝዝርጋሕ ዝእከብ።

ወለዶ ከም ሮማዲ፡ ይወፍር-ይሳግም
ይወልድ ይዋለድ፡ ይቕጽል-ይስጉም
ዝነበረ ዘሎ`ዩ፡ ካብ ጥንቲ ካብ ቀደም።
ከም ሓረግ ከም ተሓግ- ሮማዲ
ኣንፈቱ ናብ ዝመርሖ፡ ወትሩ ተራማዲ
ታሪኽ ወለዶታት`ዩ- ዝገደፍዎ ኣሰር ዝሓለፍዎ መገዲ።
ከም ሮማዲ-ተሓግ፡ ዘሳፈሐ ኣብ ባይታ
ዝተጠናነገ ሓረግ፡ ታሪኻዊ ዛንታ
ኣብ ከውሒ፡ ኣብ በዓቲ ዝገደፈ ምልክታ።
ሕጂ ግን ........
ቅድመ-ሃገርነት፡ ምዕራፉ ኣኸቲሙ
ብዘበናዊ ሃገርነት ተተኪኡ ዛዚሙ
ከተመ.... ከተመ... ዓሪፉ ከቲሙ።

ልዑላዊት ሃገረ- ኤርትራ ብድምቕታ..
ኣይትምቀል፡ ኣይትራባሕ፡ ኣይትጎድል፡
ሰንደቕ`ያ፡ ብምልእታ
ሎሚ`ሞ ከኣ ጎሕ ቀዲዱ`ሎ፡ ብማዕጾ-መሳኹታ።
ሕሰማ፡ ሕሰመይ፡ ራህዋኣ፡ ተስፋይ
ዕምበባ ሕዮባ`ያ፡ ህያብ ስዉኣተይ
ዝኽሮም ኒያተይ፡ ሕድሮም ፈጽመይ።
ኤርትራዊ ሮማዲ`የ፡ ተራማዳይ
ኣነነተይ፡ ሃገርነተይ፡ ሕላገተይ
ኤርትራውነት`ዩ መለለዩ መንነተይ።

ኤርትራ ወይ ሞት!!

ጸጋይ ነጋሽ
ሚያዝያ 26፡ 2020

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ 
Click here ኣብዚ ጠውቑ



See also recent articles and Seminars by Mr. Tzegai Negash
ካልኦት ብ'ጸጋይ ነጋሽ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-


Share with friends:


ዕላል ምስ ኣቶ ግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ፡
ደራሲ ሓዳስ መጽሓፍ “ሌላ ምስ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ”


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: