Placeholder Picture
Placeholder Picture
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)፡ 6 መስከረም 2023

07/09/2023 23:45 PM

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)፡

Organization of Eritrean Unity (OEU): Press Release (in Tigrinya).

06 September 2023

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)፡ 6 መስከረም 2023።

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)፡ 6 መስከረም 2023።
Organization of Eritrean Unity (OEU) - Press Release.

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን

ኣብ ምቅላዕ ሽርሒታት ስርዓት ህግደፍን፣ መንእሰያት ኣብ ምሉእ ዓለም ዘረጋገጽዎ ድርብ ዓወታትን: ሲዒቡ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ውጹእ ሓሶትን ጸለመን፣ ዝኸበርካ ደላይ ሰላም ብዓል ራኢ ህዝብና !!!

እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ከይተሓለልካ ዝተኸልካዮ ናይ ሰላምን ዲሞክራስን ቃልሲ እንሆ ሎሚ ብተካእቲ ወለዶ ዝኾኑ መንእሰያት ደቅኻ ዓንቢቡ ናብ ተጨባጢ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዓወታት ይሰጋገር ኣሎ’ሞ ባህ ይበልካ። 1 መስከረም ብ2 መስከረም ማሚቓ ዳግም ታሪኽ ኣመዝጊባ ሓሊፋ ኣላ።

ብመኽንያት 1 መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝብል ምስምስ መቐጸልታ ናይ ጃህራን ፈኸራን ፈስቲቫላት 4ይ ግንባር ስርዓት ህግደፍ ብኣዝዩ ዘስካሕክሕ ደማዊ ግጭት ፈሺሉ ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ እዚ ግንባር እዚ ዝወጠኖም ናይ ታህዲድን መናውራን ጽንብላት፣ ኣብ ኖርወይ ከተማ በርገን ከሙኡ’ውን ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪክ ፈቲኑ ግን ኣይሰለጦን። 4ይ ግንባር ብኣጸዋውዓ ስርዓት ህግደፍ ኤርትራ ኣብ ኣርባዕተ ግንባራት ወይ ወተሃደራዊ እዝታት ማለት እቶም ሰለስተ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክኾኑ ከለው እቲ 4ይ ድማ ኣብ ወጻኢ/ዲያስፖራ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ነቲ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዕርቃኑ ዝወጽአ ውርደት፣ ኣብ እስራኤል ዘሎ ናይ ስደተኛታት ጸገማት ብምምዝማዝ ዓንቲሩ ክርአ መዲቡ። ሃንደስቲ ስለያ ጠዓመ ገብረሃንስ (መቀለ)ን ጋይም ተስፋንኪኤልን በቢ መርበቦም ብስውር ሓያል ምድላዋት ገይሮም። ንመላእ ደጋፊ እቲ ስርዓት በቢ 1700 ሸከል (450 ዶላር) ከዋጽኡ ተነጊሮም። ኣብ ሓደ መስከረም ካብ 25 ዶላር ዝሓልፍ ወጻኢ ገይሮም ኣይፈልጡን። ማዕረ 20 ዕጽፊ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምድላዋት ብምግባር ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ብዕለት 2 መስከረም 2023 ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ፈስቲቫሎም ከካይዱ መደቡ። እዚ ዝኾነሉ መኽንያት ድማ እስራኤል ከም ዕርዲ ቆጺሮም ትንሳአ መንእሰያት ኤርትራ ከም መምለሲ(turning point) ክገብርዋ ተዳልዮም። ነቲ ቅድሚ 4 ዓመታት ዝነበረ ግጭት ብልቦና ደለይቲ ፍትሒ ጠጠው ዝበለ ብሓይሎም ጠጠው ዘበልዎ ኮይኑ ተሰሚዑዎም ነብሶም ኣዐሽዮም። ጃህራን ፈኸራን ብስእልን ሓይለ-ቃልን “ኣይትሓዙና ኣይትምከሩና ፣ ካራን ሸጓጉጥን ኣለና” ኢሎም።

ነዚ ዝሰምዐ ደላዪ ፍትሒ ነባሪ እስራኤል፣ ብስም ብርገድ ንሓመዱ ተሲኡ ብዝሃቦ ተባዕ ጅግንነታዊ ግብረመልሲ ውጥናት ማሓውራት ስርዓት ህግደፍ ፈሺሉ ኣሎ። ኮይኑ ግን ፖሊስ እስራኤል ብዝወሰድዎ ዘይተመጣጠነን፣ ዘይሓላፍነታዊን ስጉምቲ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ ግዳይ መቑሰልትን፣ ስንክልናን፣ ኮይኖም ኣለው። እዚ ተግባር’ዚ ንሰለማውያን፣ ንሕጋዊ ፍቓድ ኣውጺኡ ሰልፊ ዘካይድ ህዝቢ ብጥይትን ቦምባ ትክን ዝተወስደ ስጉምቲ ብፍጹም ዝግባእ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ደላይ-ፍትሒ ህዝብና ብድምጹን ብሰለማዊ ሰልፍን ክዂንኖ ንጽውዕ። ኣብ’ዚ ዘስካሕክሕ ደማዊ ግጭት ልዕሊ 150 ፈኲስን ከቢድን ጉድኣት በጺሑ ኣሎ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ደገፍቲ ምልኪ ድሕሪ ዝበጽሖም ስዕረት ኣብ ውልቀ ስራሖም ከም ጥምቀት ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ድግሳት ንዝጸንሑ ቆልዓ - ሰበይትን ኣብ ጎደና ንዝጸንሑ ውልቀ-ሰባትን ብኣዝዩ ጨካን ተግባር ጨፍጪፎሞም። እዚ ከይኣክል ኣብ ሆስፒታላት ብምኻድ’ውን ብኻራ ሰብ ክቀትሉ ፈቲኖም። እዚ ፍጹም ኣረመንነት ኢዩ። ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ከተማ ተል ኣቪቭ ኣብ ታሪኻ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጸልማት ውዒላ።

ድሕሪ እዚ ዝሰዓበ ናይ ማስ-መድያን ፖለቲካውያንን ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ እስራኤል ዓቢ ስንባደን ክትዕን ፈጢሩስ፣ ቀዳማይ ሚንስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ፍሉይ ኣኼባ ካቢነ ብምጽዋዕ ሓያል ዝኾነ ውሳነታት ኣሕሊፉ ኣሎ። ዓመጽ ዝፈጠሩ ክእሰሩን፣ ደገፍቲ ምልኪ ድማ ክጥረዙን ተወሲኑ ኣሎ። እዚ ድማ ሓያል ዓወት ናይ ደላይ ፍትሒ ኮይኑ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ እቲ ብሓያል ምድላዋት ዝወጠኖ ናይ ታህዲድ ፕሮፖጋንዳ ስለዝፈሸሎ ሕጂ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊኡዎ ኣሎ። ነዚ ሓርነት ጸሚኡ ኣብ ሓደ ግዜ ብዓውታ ዝተስአ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ “ኤርትራውያን ኣይኮኑን ተጋሩ ኢዮም” ክብል ናይ ሕስረት መግለጺ ሂቡ ኣሎ። እዚ ናይ ክሕደት (selfdenial) ልምዲ ሕጂ ኣይኮነን ጀሚሩዎ። ንዓና ህሉዋት ጥራይ ዘይኮነ ንኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 359 ዜጋታትና “ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ብምባል ኪሒዱዎምስ ገና ሓመድ ኣዳም ከይለበሱን ኣብ ስደት ኣብ ሳንዱቕ ኣለዉ። እዞም ሕጂ ብሂወቶም ዝከሓዱ ዘለው ድማ ኣሕዎት እቶም ገና ኣብ ሰናዱቕ ዘለዉ ግዳያት ኢዮም። እዚ ሕሱር ክሕደት እዚ ንቃልስና ነዳዲ ወሲኹ ዘሐርነና እምበር ሓንቲ ስድሪ’ውን ትኹን ንድሕሪት ዝመልሰና ኣይኮነን። ናይ ክሕደት ቁማር ኣብቂዑ ኢዩ።

ብተወሳኺ’ውን ሕሱር ስርዓት ህግደፍ፣ ንጉዳይ ባድመ ንኣስታት ርብዒ ዘመን ብምኽንያት ወያነን ኣመሪካን እናበለ ንህዝብና ዝረገጾ ሕጂ ድማ ናይ ምዕራብ ናይ ስለያ ትካላት ብፍላይ ድማ ናይ እስራኤል ናይ ወጻኢ ስለላ ትካል (ሞሳድ) ብድሕሪት ኮይኑ ዝወጠኖ ኢዩ ክብል ናይ ጥቕራን መግለጺ ሂቡ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ናይ ስርዓት ህግደፍ ውጹእ ሓሶትን፣ ሕሱር ጸለመን ግደፍ ክዕድጎስ ክሰምዖ’ውን ኣፈንፊኑዎ ኣሎ። ኣብ መደምደምታ፣ ህዝብና ከነስምረሉ ዝግባእ እዋናዊ መልእኽትና፦

• “እዚኦም ኤርትራውያን ኣይኮኑን ተጋሩ ኢዮም” ዝብል ውጹእ ሓሶት ህግደፍ ሓደ ዜጋና’ውን ይኹን ክደናገር የብሉን። እዚ መናውሒ ዕድመ መቋመሪ ካርታ ኢሰያስ፣ ህዝብና ክነቕሓሉ ይግባእ።

• እዚ ህዝባዊ ማዕበል እዚ ብቀንዱ ቁጠዐ መንእሰያት ኣንጻር ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ዘበገሶን ብዙሓት ምሁራትን፣ ሰብ ተመኩሮ ተቓለስቲን፣ ውድባትን ዘሰነይዎ ዝገንፈለ ህዝባዊ ማዕበል ድኣ’ምበር ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሃገራት ናይ ስለያ ትካል ከበግስዎስ ይትረፍ ኣይፈልጥዎን’ውን። ውዳበታትና ኣደልዲልና ንሕና ደቅኻ ናይ ገዛእ ርእስና መርበባት ኣብ ምህናጽ ንርከብ። ቀንዲ መርበብና ድማ ናብ ውሽጢ ሃገርና ድኣምበር መሳርሒ ናይ ዝኾነ ይኹን ናይ ወጻኢ ረብሓ ዝሕልዉ ናይ ስለያ ትካላት ኣይኮናን።

• ንዝቖሰሉ ኣሕዋትና ምሕጋዝን፣ ንዝተኣስሩ ዝፍትሕሉ መገዲ ምጽዓርን፣ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ዕዮ ህዝብና ስለዝኾነ ኩሉ ህዝብና ኢደይ ኢድካ ክብል ንጽውዕ።

• ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምትታት ፖሊስ እስራኤል ብኸቢድን ፈኲስን ዝቖሰሉ መንእሰያትና ፍትሒ ንኽረኽቡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት እስራኤል ተወጢኑ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት ኩሉ ህዝብና ድምጹ ከስምዕ ደጊምና ንጽውዕ።

• ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምውድቑ ደረጃ በጺሑ ኣብ ዘዕገርግረሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ኣብ ትኣምነሉ ውዳበታት ክትውደብ መድረኹ ኢዩ። ውዳበ ሓይልን ውሕስነት ጸትታን ሰላምን ሃገር ኢዩ። ተወደብ ንውሑስ ለውጢ።

ንቁስላትና ቅልጡፍ ሕውየት ንዝተኣስሩ ድማ ምሕረት ንምነ! ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!

ፈጻሚ ኣካል ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
6 መስከረም 2023

Read in PDF: ብ'PDF ንምንባብ፡ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፡-

Statement of the Organization of Eritrean Unity (OEU), 06 September 2023.

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)፡ 6 መስከረም 2023። (PDF)



Erena: Eritrean new interview with Tesfay Alem. 'ባእሲ ብርጌድ ንሓመዱን ደገፍቲ ህግደፍን ኣብ እስራኤልን፤ ውጽኢቱን


SHUT DOWN ERITREAN EMBASSY IN ISRAEL | SIGAL KOOK AVIVI : ISRAELI HUMAN RIGHTS ACTIVIST.



See also more articles by Organization of Eritrean Unity (OEU):

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: