መልቀስ፡ ድሓን ኩን!! መምህር ብርሃነ ወልደገብሪኤል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

03/11/2018 17:15 PM

መልቀስ

ድሓን ኩን!!!!!!!!!!!!!
መምህር ብርሃነ ወልደገብሪኤል

ብ`ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
ዘብሄር ሰራየ!!!!! ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና፡

መልቀስ፡ ድሓን ኩን!!!!!!!!!!!!! መምህር ብርሃነ ወልደገብሪኤል

መልቀስ

ድሓን ኩን!!!!!!!!!!!!!

መምህር ብርሃነ ወልደገብሪኤል

Berhane Woldegabriel
ነፍስሔር ብርሃነ ወልደገብሪኤል SUDAN NOW

ወየ!!!ወየ!!!ወየ!!!

ወየ ኣነ!!!!!ወየ ኣነ!!!ወየኣነ!!!

መምህር ብርሃነ አንታይ ረኸቦ
ወዲ መኳንንቲ ብዓል ኣደጎልቦ
“ወዲ ኣባደርብ ብዓል ወርቂ ዘቦ
ንዝቐረበ ብሕጊ ዘልዝቦ
ንዝረሓቐ ብጥይት ዘቕርቦ
ጎይታ ዓጓ ጸባ ጎይታ ኣጅቦ
ንሱ ኣንበሳ ጥይቱ ዋሊቦ
ሓላው ወሰን መጋረጃ ኣድያቦ።


ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!

ቆልዓ ቆሓይን ጋንዝይን ደማስን
ቆልዓ ቖላ ዘሙይን ድቡስን
ለባም ናይ ለባማት ሰፊሕን
ኣብ ኩሉ ዝርከብ ሓጺርን ነዊሕን
ምስኩሉዝላዘብ ዓቢንና ንኡስን
ብዙሓት ዝኽበርዎ፡ ፈቃር ትሕቱን
እዚ ሓወይ ለዋህን ሰሓቕን
ዓለም ኣርኪባቶ፡ ኣይግድን ኣይግድን
ከይዱ ገዲፉና ሓወይን ዓርከይን።


ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!

እዚ ቆሓይናይ፡ ዕባይ ናይ ኣስመራ
ብሃገር ዝሓስብ ኤርትራ ኤርትራ
ንሓድነት ዝጽዕር ንኹላቶም ሰውራ
ድቃስ ኣይረኸብ ብጉዳይ ኤርትራ
ኣብ ዝኸዶ! ኸይዱ ይረክብ መፈንጥራ
ቀሪቡ ነይሩ፡ ንኸብርሃ ጩራ
ኣብ ምቕራቡ ንኹላ ኽኣስራ
ልቢ ግበሩ ህዝቢ ኤርትራ።


ወየ!!!ወየ!!! ወየ!!!!

መምህር ብርሃነ ወዲ ትልንቲ
ወዲ ኣድከመ ምልጋእ ብዓልጉልቲ
ብዓል መርየት ብዓል ርስቲ
ወለድኻ ነበሩ ሓገግቲ ሰራዕቲ
ኣብ ቃሎም ዝጸንዑ ዘይ!! ወቀርቲ
ተቐበልቲ ጋሻ ሽሻይውን ቀረብቲ
ሰብ ኩናት ሰብ ዋልታ ተላዘብቲ
ኣመንትን፡ ንሕጊ ኣኽበርቲ
ብእምነቶም ጽኑዓት ዘይ!!ጠለምቲ።


ወየ!!!ወየ!!!ወየ!!!!

ብርሃነ ሓወይ፡ እዚ መላዝብተይ
መምህረይዶ! ክብለካስ ወላ ዓርከይ
ፍሽኽታ ዝኣመሉ መሳሕቕተይ
ክኣምኖ ኣይከኣለ ልበይ ቀልበይ
ከመይ ገረ ከውጽኦ ካብዛ ልበይ
ብሓደ ክንስሕቕ፡ ነበረ ትምኒተይ
መልሲ ምስ ሰኣንኩ፡ ጀመረ ጥርጣረይ
ዘይተርፍ ካብ መጸ ተቐበል ኣእምሮይ።


ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!

መምህር ሓወይ ካብ ከድካ
ዳሕራይ ዘይርከብ እቲ ልቦናኻ
ዝግበር ገርካ ቅር ኣይበልካ
ንህዝብኻ ደኺምካ ሰሪሕካ
ጽቡቕ ስም ገዲፋካ ኣብ ንደቅኻ
ለውሃትካን ሓልዮትካ ብዙሕ ኣዛሪብካ
ኣብ መርየት ዝግበር ሰናይ ትሕዝቶኻ
ንሕና ተንኸውን ብዙሕ መጽናሕናካ
ዓለም ኣይጥዑም ብድሕረኻ
ዘይካኣል ኮይኑ ኣምላካ ጸዊዕኳ


በል ብሰላም ዕረፍ ኣምላክ ይቀበልካ
ጽንዓት ይሃብ፡ ንስድራኻ! ኮኑ ፈተዉኻ
ዘይርሳዕ እዩ፡ ፍሽኽታ ስሓቕካ
ጂግንነት፡ ልዝብን ከምቶም ወለድኻ።


ተኻፋሊ ሓዘን

ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
ዘብሄር ሰራየ!!!!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና፡ 1 ሕዳር 20120


ክቡር ተቓላሳይን ጋዜጠኛን ብርሃነ ወልደገብርኤል SUDAN NOW ትማሊ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2020 ዓሪፉ (AAN Media 27-Oct-2020)

ዝርርብ ምስ ነብሲሄር ነባር ጋዜጠኛ፡ ኣክቲቪስት ዕርቅን ስኒትን ብርሃነ ወ/ገብሪኤል - ሓምለ 2017 ዝተኻየደ (መዘኻኸሪ ንገለ ካብ ኣበርክቶኡ) (ATV: 27-Oct-2020)



Share with friends:

See also recent Articles by By Haile-G-Tensae / ካልእ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ`ኣቶ ሃይለ ገብረ ትንሳኤ: ኢንዲያና

See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ናይ ሓዘን መልእኽቲ ንስድራቤት ነፍስሔር ብርሃነ ወልደገብሪኤል ካብ ዮውሃንስ ጸጋይ (መርበብ ሓበሬታ ስኒትና)

ገዲም ጋዜጠኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራዊ ብርሃነ ወልደገብሪኤል ዓሪፉ (BBC ትግርኛ 27-Oct-2020)

Obituary: Berhane Woldegabriel: A noble universal human being (Hedgait 27-Oct-2020)

ክቡር ተቓላሳይን ጋዜጠኛን ብርሃነ ወልደገብርኤል SUDAN NOW ትማሊ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2020 ዓሪፉ (AAN Media 27-Oct-2020)

ዝርርብ ምስ ነብሲሄር ነባር ጋዜጠኛ፡ ኣክቲቪስት ዕርቅን ስኒትን ብርሃነ ወ/ገብሪኤል - ሓምለ 2017 ዝተኻየደ (መዘኻኸሪ ንገለ ካብ ኣበርክቶኡ) (ATV: 27-Oct-2020)

A Message of Condolence, From GI – Global Initiative to Empower Eritrean Grassroots Movement

ናይ ሓዘን መልእኽቲ ንስድራቤት ነፍስሔር ብርሃነ ወልደገብሪኤል ካብ ወ/ሮ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ባዓታይ

ቃል መሪር ሓዘን ብምኽንያት ዕርፍቲ ሃገራዊ ጋዜጠኛ ብርሃነ ወልደገብርኤል (ሱዳን ናው)፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ 30 ጥቅምቲ 2020



Share with friends: