ሃገር ትብጻሕካ ተባሂላ፡ ምርጫ ድዩ ወይስ ዕጫ?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

18/10/2020 17:55 PM

ሃገር ትብጻሕካ ተባሂላ፡
ምርጫ ድዩ ወይስ ዕጫ?

ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ - by Solomon Yohannes

ሃገር ትብጻሕካ ተባሂላ፡ ምርጫ ድዩ ወይስ ዕጫ?

ሃገር ትብጻሕካ ተባሂላ፡ ምርጫ ድዩ ወይስ ዕጫ?
ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ by Solomon Yohannes

ሎሚ ዓለምና ብኮቪድ-19 ገልጠምጠም እናበለት እናተሓመሰት መዕረፊ እተሰኣነሉ ወቕቲ ምኻኑ እዩ። ምስ ዚ ዘሎ ሃዋሁ ንፖለቲካዊ ቁርቁስ ስልጣኖም ንምጭባጥ ዝረአ ዘሎ፡ ፍሕፍሐ ንምጉዕጻጻ መሰል ምርጫ ህዝቢ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይንዎም ’ን ኣሎ። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ጥራይ እውን ኣይተሓጽረን። ከም ኣብነት ንክልተ ሃገር ብምጥቃስ ናብቲ ዋና ጽሑፈይ ክሓልፍ እየ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መበል 46 ምርጭኦም ንምክያድ ብምምሕዳር ህልው ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተራእዩ ዘይፈልጥ ክንደይ ገልጠምጠም ይባሃል ኣሎ። ኣብ ኣህጉርና ድማ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ምርጮኦም ብምኽንያት ምስምስ ኮቪድ-19 ምዱንጋይ ምኽሪ ኮቪድ-91 ኢሰያስ ክትኣጓጎል ኪኢሉ ኣሎ። እንተ ኾነ እቲ ናይ ክልል ትግራይ ግን ብጽንዓት ህዝቦም ዕውት ምርጮኦም ኣካይዶም ድርብ ዓወት ተዓዊቶም ኣለው። እዚ ድርብ ዓወት ኣብ ልዕሊ ኮተቴ ውልቐ መላኺ 1ይ ሚ/ ዶር ኣቢይ ኣሕመድን ሃፀይ ልጅ ኢሰያስን እዩ። ኣብዚ ሓደ ነገር ከስምረሉ ዝደሊ፡ “ዘይቐንእ ኣይወለድ ድዩ” እተባህለ፧ ጉዳይ ምግሃስ መሰል ምርጫና ኸ ማኣስ እዩ ዘብቅዕ፧ ኣብ ታሪኽና ሃብታም ተሞኩሮና ኮቪድ-91 ንውጹዕ ህዝብና ብዘይ መረጽናዮ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ መሰልና ተገፊፉ ኣሎ። ኣብ ገዛእ ሃገርና ከም ስደተኛ ኣይንመርጽ ኣይንምረጽ ኮይና ብሰንኪ ስንፍናና ምኻኑ ድማ ሕሜታ ኣይኮነን። እዚ ድማ መፍቶ ጓሓላሉ ኮቪድ-91 ህግደፍ ኮይና ሃገር።

ናብ ’ቲ ዋና ኣርእስቲ ጽሑፈይ ክኣቱ፡

ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘይንቡር ኣካይዳ ከም ዘሎ፡ ብጀካ ነቶም ብጸቢብነት ስነ-ልቦናኦም ዝዓወሩን ገለ ድማ ብማሕለኻ ፍርሒ ተኣሲሮም እናተሸቑረሩ ንሓቂ ከም ዓርበ ሮቡዕ እናጸሙ ዝነብሩ ኣሕዋትና ድኣ ሞ ንመን እንታይን ኢና ክንብሎም፧

ብፍርሒ መንፈስ ሕልንኦም ተዓቢሱ ምህላዎም እዩ። መን እዮም እቶም ዓባሳት፧ ኣብ ድያስፖራ ሩሑቅ ቦታ ሰፊሮም ጥልዕ ጉንብሕ ዝብሉ ስቃይ ውጽዕ ህዝብና ዝመቆሮም ንሕና ንሱ ዝብሉ ብዓል YPFDJ እዮም። ብገዛእ ፍቃዶም ካብዚ ግፍዐኛ ስርዓት ህግደፍ ፈሊኻ ክንደየናይ ምሕረት ከይርከበሎም። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኸ ብዓል መን ድኣሎም ዘለው ’ዩ እቲ መልእቲ ጽሑፈይ፧ እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶና ኸ፧ ሕቶ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ፡ መልሱ ምስ ምእሳር ጉጂለ 15 ብ18/09/2001 እዩ ኣብቂዑ። እነሀለ ሎሚ 20 ዓመት የቁጽር ኣሎ።

ናይ ዚ ውጺኢት ድማ ብስቃይ ህዝብና ዝኾርዕ፡ ዓወት ናይቲ ደመኛ ጸላኢና ዝኾነ ሃፀይ ልጅ ኢስያስ ኮይኑ ኣሎ።

*ጽልውኡ ኸ እንታይ ኮነ፧

ዘምጽኦ ጽልዋ ድማ ኣብ እቶም ንልዕሊ ፍርቂ ዕድምኦም ዝተቃለሱን ዝተጋደሉን ጀጋኑ፡ ሰዓቢ ሲኢኖም ጅግንነቶም ሎሚ ነበር ኮይኑ፡ ህዝብን ሃገርን ይሕመስን ይርመስን ኣሎ። ከም 2ይ ውጺኢቱ ድማ እቶም ንዓመታት ብተወፋይነቶምን ጅግንነቶምን ንፈልጥም ዝነበርናን ሎሚ ግን፡ ዓባሳት ሚነስተራት ካቢነ ናይ ኢሰያስ ኣብ “ኤሪ ቲቪ” ውሪሕሪ ክብሉ እንከለው ንሪኦም ዝነበርና ሎሚ ንምብዛሕትና ትዝታና ሃሲሱ እዩ ዘሎ። በንጻሩ ድማ መንፈስ ሓረግ ኢትዮጵያውነት ንክናፈስ ጎደናታት ይጽረግ ኣሎ።

ሚኒስተራት ኢሳያስ ናበይ ኣበሉ፧

ሎሚ ካብ ገጽ ሞስኮት መራኸቢታት ካብ ዝኸወሉ ነዊሕ ግዜ ኣቁጺሮም ይርከቡ። እታ ናይ መጨረሽታ ኣኼባ ብዕለት 28/09/2018 እያ ዝነበረት።

- “ብኸምዚ ዝስዕብ ጽማቑ ሓቢራ ድማ ተሰናቢታ። ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝገጠምዋ ብዶሆታት ምዕዋታ ዘዛኻኸረ ፕረሲደንት ኢስያስ፡ ሓድሽ ዘመን ንሃገርን ህዝብን ዝጠቅም ዝተዋሃሃደ ጻዕሪ ይጽበየና ኣሎ ኢሉ።
- ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ንዘውጽኦም ፖሮግራም ልምዓት ተግባራዊ ንምግባር ወሽጣዊ ዓቅሙን ንምሕያል ጽዑቅ ምይይጥ ብምክያድ ናይ ፍርቂ ማዓልቲ ኣኼብኡ ዛዚሙ።”

ሚኒስተራት ኣኼቦኦሞ ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣካይዶም ተባሂሉ። እዛ ድሕሪ ቀትሪ ከም ትቅጽል ዝኣንፈተት ዜና እኳ እንተ ኣቅረበት፡ እሳ ዝኣፎም ብኣ ተሸሪቦም ኣለው። እሞ ድኣ እንታይ ነበረት እታ ጉዳይ ኣኼባ እዩ እቲ ሕቶ፧ ሎሚ ግዜ ከም ዝምልሶ ዞሎ፡ ንበይኖም እዞም ካቢኒ ሚነስተራት ብኮቪድ-18 ተለኺፎም ኣብ ገዝኦም ካብ 01/10/2018 ዝጀመረ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣኬቦኦም ተወሽቦም ኣለው። ክሳብ ዝጽውዓኩም ኣኼባ የለን ምስ ሙሉእ ደሞዝኩም ኣብ ገዛኹም ጽንሑ እዮም ተባሂሎም።

እሞ ድኣ እታ ምጽውዖም ካብ ዘይተረኽበት፡ እንታይ እዩ ጉዱ ምባል ክሳብ ሎሚ፧ ነዚ ሕቶ ግን ሓርበኛ ሕዩር ብርሃነ በርሀ ኪዳነ ኣብ መጽሓፉ መሊስዎ ኣሎ። “እዚ ተንኮነኛ ሃፀይ ኢሰያስ ንሕዋቱ ኢትዮጵያውያን እንበር ንኤርትርውያን መጋድልቱ “ብጸቱ” እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ዝፈልጦ የለን።” ዝብል ሰማዒ ዝስኣነ መልእኽቲ ገዲፉ እዩ ትሓይሩ ዘሎ። እሞ ድኣ እንታይ ጉዶም ንኽልተ ዓመት መመላእታ ብዘይ ኣኼባ ናይ ገምጋም መደብ ስራሕ፧ ሎሚ ግን ምስ ግዜ ዝተነጸረ ነገር ኣሎ፡፡ እሱ ድማ ብዘይ ወግዓዊ መንገዲ ንግዜ ተሞርኪስካ ጥሮትኦም እተኸበረሎም እዩ ምባል ግን ጌጋ የብሉን፡ ኣብ ዘብል መደምደምታ ትበጽሕ። እሞ እቲ ሕቶ ንዕኦም ዝኽተሉ መን ድኣሎም፧ ሰብ ስግር ኣሕዋቱ ዶ ወይስ ኤርትራውያን ’ብጾቱ’፧ ሕጂ ንስተውዕል! እንድዒ ገለ ሙላቕ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዜሮን ሳትረብን ግን ብሽም ሓድሽ ውዑይ ደም ንኣብርሃም ኣፍወርቂ ተኸቲሎም ምስ ቶም ደቂ ማይ ቤቱ ሓዊሱ፡ ነዞም ዓባሳት ሚኒስተራት ኣይተድልዩንን ኢኹም፡ ዶሞዝኩም እናወሰድኩም ኣብ ገዛኹም ድኣ ኮፍ በሉ ናብ ዚ ካይትምለሱ ኣብ ምባል ጸለለል ዘብል ሕርያ ኣትዩ ኣሎ። ኣብዚ ክንጽር ዘለዎ ኩነታት ናይ ኢትዮጵያ ንሕልሙ ትንፋስ ምሃብ ምኻን ተሪፉ ንህላዊኡ ትንፋስ ዘሕጽር እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ኣብዚ ካብ ተበጽሐ ንሕሉፉ ታሪኽ ንወከስ። ካብ ኣሕዋታ ዝነወሐት መሸላ ሓደው ንዑፍ ሓደው ንወንጪፍ እዩ። ኣይኮነን ድማ ነባሪ ታሪኽ ጅግንነት ሓቢርካን ሰሪሕካን ከም ናይ ሓርበኛ ብርሃነ በርሀ ናብ ማሕዩር እዩ። እንተ ኸፈአ ድማ ኣይረድ! ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቃ ከይከውን ነገሩ። እዚ ማለተይ ድማ ከም ናይ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ሓላዊ ሱጡሕ ከይትኾኑ፡ ካብ “ሄሮ ናብ ዜሮ” እያ ትኸውን እታ ዕጫኹም ኣስተውዕሉ ጅግንነትኩም ከይትብልሉ። ኣይዝክረኩምን ዶ ጉዕዞ ተጋድሎ ቃልስኹም ዝነበረ፧ ካብ ተኾርሚኻ ሞት ኣሳፊሕካ ሞት ንዓናይ ንሳሕል ንሓደ ዓመተ ይባሃለልኩም ነይሩ ቐደም። ግዜ ደው ኣይብልን እዩ። ሎሚ ድማ ብውልቐ መላኺ ሃፀይ ኢሰያስ ተባህዲልካን ተማህሊልካን ሞት ምጽባይ ግን እዝስ ክልተ ሞት እዩ።

እስከ ንትዝታ ብዓል መን ድኣሎም እዞም ድሕሪ ብጾቶም ዝተረፉ፧ ኣሸበሸብ ሃገር ካብ ምጥፍኣ ሕንዃኽ ኣሰሓኮ ዝተረፎም ሃገር ንምድሓን ተስፋ ሕጅ ’ን ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ።

ዝርዝር ኣስማቶም ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

ሚ/ወጻኢ ጉዳያት ዑስማን ሳልሕ
ሚ/ዞ ምም ወልደንኪኤል ኣብርሃ
ሚ/ሕርሻ ኣረፋይነ በርሀ (ወዲ ዓሸራ)
ሚ/መሬየትን ማይን ተስፋይ ገብረስላሰ
ሚ/ማዕድን ጀነራል ስብሓት ኤፍረም
ሚ/ሃገራዊ ልማዓት ዶር ገርግሽ ተኽለሚካኤል
ሚ/ሃብቲ ባሕርን ዓሳን ተወልደ ቀላቲ
ሚ/ፋይናንስ ብርሃነ ሃብተማርያም
ሚ/ንግድን ኢንዳስትሪን ነስረዲን በኺት
ሚ/ዕ/ሰባኣዊ ድሕነት ልኡል ገብርኣብ
ሚ/ፍትሒ ፎዝያ ሃሽም
ሚ/ትምህርቲ ኣንባሳደር ሰመረ ርእሶም
ሚ/ ጥዕና ኣምና ኑር ሑሽን
ሚ/ዜና የማነ ገብረመስቀል
ሚ/መጓዓዝያን መራኸቢታትን ተስፋስላሴ ብርሃነ
ሚ/ህንጻ ኣብርሃ ኣስፋሃ (ብዝሃኖጾ ዘይኮነስ ብዘፍሮሶ ህንጻታት እዩ ዝዝከር)

ካብ ዚአን እተን ሰለስተ ሚኒስትሪታት፡ ሚኒስተራት የብለንን፤
1. ሚ/ማዕድን ጽዓትን ብምኽንያት ጥዕንኡ ካብ ስርሑ ምስ ቦኾረ ኣይተኾኦን። እዚ ማለት ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ጀነራል ስብሓት ኤፍረም እተገብረ ፉሹል ፈተነ ቕንጸላ ብሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ዝወረዶ ስንክልና እዩ።
2. ሚ/ትምህርቲ ብምኽንያት ተዳራቢ ስራሕ ናይ ኣንባሳደር ሰመረ ርእሶም ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ። እሞ እዝስ ሕጽረት ናይ ዓቅሚ ሰብ ድዩ፧ ኣይኮነን እንታይ ድኣ፧ ብሃፀይ ልጂ ኢሰያስ ዝኣምኖ ኤርትራዊ ስለዘያሎ እዩ።
3. ኣብ ሚ/ምክልኻል እተመደበ ሰብ የሎን። ንልዕሊ 50 ዓመት ተመኩሮ ምክልኻል ዝነበረ ማይ ኮይኑ ተሪፉ ብዕላማ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ኣሳሳይነት ህግደፍ።

ሓልቃ ስታፍ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ኣሎ። ውሽጣዊ ጉዳያት ብደረጃ ሚንስትሪ ዝቆመ ኣይኮነን። ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ተማእኪሉ ኣብ ትሕቲኡ ዘለው፡

ብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል (ውሽጣዊ ጸጥታ)
ኮነሬል ጋይም ተስፋሚካኤል (ወጻኢ ስለያ)
ብ/ጀነራል መሓሪ ጸጋይ ኣዛዚ (ፖሊስ)
ብ/ጀነራል ግርማይ መሓሪ (ዱጋና)
ተወሳኺ ድማ ብጀነራል ፍሊጶስ ዝመርሓ
ብ/ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቀለ) *
ኮሬኔል ተስፋልደትን ተስፋስላሴ፡
ኮነሬል ወልደዝጊ ባህታ፡
ኮነሬል የማነ ሓድሽ
ኮነሬል እድሪስ ማንጁስን

ነዚኦምን ካልኦት ዘይተጠቅሱን የዋሃህድ ኣሎ። እዚኦም ብሃግራዊ ድሕነት ጉልባብ ይጠቀሱ ድኣ እንበር፤ ስርሖምስ ሃገራዊ ክሕደት እዩ። ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ በዛ ዳሕረወይቲ እዩ ዝኣስር፡ ዝምሕር፡ ምሕረት ’ን ዝኸልእን ዘሎ። እንተ ኾነ ሎምስ እዛ ዳሕረውይቲ ጉጅለ መሳሪሒቱ ’ን ግዚኣ ኣብቂዓ ንገለ ተዃሉ ብ ብ/ጀነራል ጠዓመ ጎይቶኦም (መቀለ) ጀሚራ ናብ ሌ/ኮነሬል ሓድሽ ዓንዶም (ወዲ ወለላ) ክትቦልዖም ጀሚራ ኣላ። ብ/ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦ ኣብ ውሽጥ ሃገርን ወጻእ ሃገር ከሳብ ኣብ ኣፍሪቃን ኤስያን ንምልኺ ተማእዚዙ ዕውት ስራሕ እዃ እንተ ዘይሰረሐ፡ ኣብ ጸይቂ ብገንዘብ ህዝብን ሃገርን ምጽዋትስ ግን ኣይሓመቀን። ብፍላይ ኣብቶም ኣብ ልዕሊኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣብ ምእሳር ዓቢ ግደ ዝተጻወተ እዩ። ሌ/ኮነሬል ሓድሽ ዓንዶም (ወዲ ወለላ) ኣብዚ ንሃገራዊ ክሕደት ኣብ ምስሳይ ካብ 18/ምስክረም 2001 ክሳብ ሎብዘመን ምስከረም ከላግጽ ጽኒሑ። ንዝርዝሩ ድማ ኣብዚ ጠውቁ። https://youtu.be/5BydQ0xC4i0 ናይ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ተጠቂምካ ምድርባይ ኣብ ዚኦም ጥራይ ’ን ደው ኣይትብልን እያ። ስለዚ ውሕጅ ከይመጸኩም መንገዲ ውሕጅ ጽረጉ። እንተ ዘይኮነ ምርጫኹም ነብስኺምን ህዝብኹምን ምጥፋእ ከይከውን። ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ሕልሙ ንኸሳሲ ንወዱ ኣብርሃም ኣፍወርቂ ወራሲ ዘውዱ ዘኽውን መንገዲ ብምጽራግ የጣጥሓሉ እዩ ዘሎ። ምኽንያቱ ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ዝገበሮ ፈተነ እንታይ ከም ዝነበረ እሞ ንዘክሮ። ሎሚ “ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ከመርሓና ውክልና ሂበዮ ኣልኹ እዚ ድማ ንቀልዓለም ኣይኮንኩን ብልበይ እየ ዝብለካ ዘለኹ” እናበለ ክፍክር እንኮሎ ዝቃወሞ ካቢነ ሚኒስተራት ኮነ ሓይልታት ምክልኻል ኣይረኸበን። እሞ ኸ ዘራጊቶ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ዝማኾሮ ምስ ሰብ ስግርና ዶ፧ ወይስ ምስ መጋድልቱ ’ብጾቱ’ ኤርትራውያን ሚኒስተራቱን ወትሃደራዊ ሞኮነናቱን፧ ኣብ ትሕቲ ወዱ ኣብርሃም ምኡዙዛት ዝብሎም መንእሰያትን (ብውዑይ ደም) ንምምጻእ ይሰርሕ ኣሎ። ሕጂ ናብ ቅድሚት ዘምጽኦም ዘሎ ነባራት መኮነናት ግን ኩነታት ጥዕኖኦም ዘዕርፍሉ እንበር ንሃገራዊ ሰራዊት ክመርሑ ዘፍቅደሎም ኣይኮነን። እሞ ድኣ ራኢኡ ዘዕረፈ ናበይ ገጹ እዩ ክመርሓና፧ መልሱ ድማ ካብ ዕንወትን ጥፍኣትን ኣይሓልፍን እዩ። ጉልሻ ብምቅያር ዝምቅር ጸብሒ የሎን። እሞ ድኣ ህዝብና ዘድልዮ ዘሎ ፍትሕን ሰላምን ካብ ኮነ፡ ምስ ስርዓት ህግደፍ ግን ዘይሕሰብ እዩ። ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ቀዳሞት ሰብ ሳትረብን ሰብ ዜሮን ሕልናን ራኢን ነይሩናን ኣሎናት ዝብሉ ድኣ ኣበይ ኣለው፧ ኣብ መደምደምታ ጽሑፈይ ንቡዙሕ ነገራት ብሕቶ መልክዕን ኣንፈት መልስን ምቅራበይ ዓቅሊ ገይሩ ዘንበቦ ሰብ ኣስተባሂሉ ኣሎ።

እንተ ዘይኾነ ድማ ንዓሻ ደርጓሓሉ እዩ ነገሩ። ሕጂ ኸ ከምቲ ልኡኽ ህግደፍ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያ ዑስማን ሳልሕ ንሓርበኛታትና ኣርካናትና ኣብ ጉድጓድ ቀቢሩ ንስግር ማዕዶ ክይዱ ለባማት ከናዲ። እዋይ! ከምዚ ምስ ተረኽበ ዶ ኣይኮነን ምስ ተስታይ ነርካስ ምስ ኣብታይ ዝተባህለ። ሕንከት ኣልቦ ልኡኽ ሓሊቦ ጉዳይ ሃገር ምኻን ገዲፉ፡ ሕድሪ ሰማእታትና ተጸይፉ እንዳማቱ ላባማት ዘንብሃቁ መጋበሪ ስርዓት ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ እንታይ እዩ ዝበለ፧ ምቁሉል መራሒና ረኺብና ብምባል ዝጀመረ፤ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ዝብል ድማ ብሕልማዊ ዘውዲ ዝዓበደ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ሲዒቡ። እሞ ሃገር ትብጻሕካ ተባሂላ፡ ምርጫ ድዩ ወይስ ዕጫ፧ ንመን ነቲ ኣብ ስግር ጎዶቦ እተረኽበ “ለባም መራሒ” ኮተቴ ውልቀ መላኺ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዶ ወይስ ነቲ ኣብ ውሽጢ እተደጎለ ወራሲ ዓራት ኣብርሃም ኣፍወርቂ፧

ስለዚ ሕጂ እውን እንታይ ’ዩ እቲ ፍታሕ፧ መቸም ሕቶይ ክፉት ክሳብ ዝኾነ፡ መልሱ ቡዙሕ እዩ፡ ኣይብልን እየ። ካብ ሓደ ምንብርካኽ ዝለመደ ሰብ፡ “ ካብ ዘይንፈልጦ ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ ሚ/ ዶር ኣቢይ ኣሕመድን ፍሹል ፍልስፍና “ተዳምረናል” ትትረፈና። ንሕና ’ን ፍትሓውያን ደቂ ሃገር ኢና፡ ወዲ እቲ ንፈልጦን ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ዝኾነ ኮተቴና ኣብርሃም ይሓይሽ ዝብሉ ጸልማት ድነ ስርዓት ህግደፍ ዝለበሱ ምንብርክኽ ዝመቐሮም እሺ እንተበሉ ክገርመና የብሉን። ኣቤት ጣቛ እዝስ ንድሃይ ፍትሒ ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይ ጨባ ምኻኑ እዩ። ከምቲ ሕዩር ሓርብኛ ቢተው ዝበሎ “ሕጊ እንበር ሰብ ከይገዝኣና” ዝበሎ ሕጊ ቅዋምና እሞ ንወከስ፡

9. ሃገርዊ ባይቶ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 41 (6) (ሀ)ን (ለ)ን (ሐ)ን ብኽልተ ሲሶ ድምጺ ንፕረዚደንት ቅድሚ ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ምእካሉ ካብ ስልጣን ከውርዶ ወይ ክውርዶን ክኸሶን ይኽእል።
10. ሃገራዊ ባይቶ፡ ብመሰረት እዚ ቅዋም እዚ ሽመት የጽድቕ።

ሃገራዊ ባይቶና ካብ ዝጥሓስን ዝጠፍእ 20 ዓመት ገይሩ ኣሎ። እቶም ሚኒስተራት ካቢነ ካብ ኣኼባ ካብ ዝውሸቡ 2 ዓመት ገይሮም ኣለዉ። እሞ ድኣ መን ’ዩ ተሪፉ ዓገብ ኢሉ ዋሕስ ዘተክል ንዓንዳሪ ሕልሚ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ፧

ስለዚ ኣንታ ደላይ ፍትሒ በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ እንዳ ተጠምጠመ እንታይ ኢኻ ክትጽበ። ቅዋም ሕልሚ ውልቀ መላኺ ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ድማ ሎሚ ንወዱ ኣብርሃም ናብ ስልጣን ሚኒስተር ንምምጻእ ናቱ ተማእዘዝቲ መኮነናት እዩ ዝቅርም ዘሎ። እሞ እንታይ እዩ እቲ ነገር፧ ይርሓሰና ድዩ እቲ ምርጭኹም ወይስ እሱ እዩ እቲ ዕጫ ህዝብና መስኹም፧ እቲ ቅዋም ናይ ሃገርናን ህዝብናን ግን ንዓማጽን መላኽን ዘሳሲ ኣይኮነን። ኣብኡን ንዕኡ ንምትግባር ድኣ ንሞርኮስ።

ኣብ መደምደምታ ጽሑፈይ በዛ ናይ ጓል 13 ዝዕድሜኣ ሜላት ስማ ዘቀረበትለይ ሕቶ ክዓጹ። ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዚ ብዙሓት መንእሰያት ሕቶ ናጽነት ክምልሱ ንሜዳ ዝወፍሩ እናዘከርኩ፡ ስማዕ ሕቶ ኣሎኒ ተባሂለ እዝነይ ጸለኹ። ጽብቅ ዓቅመይ እንተ ኾይኑ ድኣ ይምልሰልኺ እወ። እንታይ እዩ ሕቶኺ፧ እወ ኣብ ኤርትራ ነቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኖም ንኮቪድ-19 ዝሰርሑ ሓካይምን ነርሳትን እንታይ ምትብባዕ ይግበረሎም፧ ብሕቶኣ ኣዝየ ተገሪመ ዝን ምስ በልኩ፡ እወ ሕቶይ ኣይተረዳኣካን መስለኒ። ከብርሃልካ ከምዚ ኣብ ዚ ንገብሮ ንኣባላት ሕክምና (nsh staff) ሓሙስ ሓምስ ምሸት ስዓት 8፡00 ንሓደ ደቂቅ ነጣቅዓሎም ዝነበርና፡ ኣብ ኤርትራ ኸ ከምኡ ዓይነት እንታይ ይግበር እየ ዝብለካ ዘለኹ። ሕጂ ሕቶይ ተረዲኡካ ዶ፧ እወ ዓንተወይ ተረዲኡኒ እዩ።እዚ ሕቶኺ ኣብ ኤርትራ መልሲ የብሉን። እወ ኣነኾ ኣብ ጎግል ኣትየ ፈቲሽ ከምዘየሎ ኣረጋጊጸ እየ። እንተ ኾነ ግን ትሕሱን ኣይትሕሱን ክፈልጥ ደልየ እየ በለትኒ። ኣንቲ ሜላት ኣነ ድኣ ሞ ህግደፍ ምኣስ ኮይነ ኣብ ኤርትራ ዘየሎ ኣሎ ኢለ ዝሕስወልኺ። ”It is very shameful why not support them.” ሓደ ነገር ግን ክነግረኺ ኣብ ኤርትራ ዘተባብዕ ስርዓርት የሎን፡ እንተዝህሉ ነይሩ እስኺ ተሓዚልኪ ኣይምተሰደድክን ነርኪ። እዚ ኮቪ-19 ካብ ዝርአ ክስብ ሕጂ እታ ስማዊት ሚኒስተር ወ/ሮ ኣምና ኑርሑሸን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺኣ ሓንቲ ምዓልቲ ዝተዋህባ ሓላፍነት ተሰሚዕዋ መግለጺ ኣይሃበት። ብደረጃ ሚኒስተር ሓላፍነት ዘለዎ ዝሕተት ሰብ የብላን ሃገርና። ኣነ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ሓደ ሰብ ሚነስተር ጥዕና ዝብሎ ግን ኣሎ። እሱ ድማ ዮናስ ማይናስ እዩ። ትዝክርዮ ብኣምሆእ ኣብ ዩ-ቱብ (YouTube) ሰላም ሰላም ኣብ ዛ ልበይ ዝሰፈርኩም፡ ሓካይመይ ከመይ ኣሎኹም ዓስብኹም ርኸብዎ ካብ ህዝብኹም፡ ከመይ ኣሎኹም ሰራዊትና ለይትን ቀትርን ከይድቀስኩም ምእንታና፡ ኣለኪ ዶ ኣለኻ ዶ ሰፍለልናኩም ብማዕዶ ኮፎ ኣለኹም ብማዕዶ…….እናበለ ንህዝብን ሓካይምን ዘተባብዕን ዘዘናገዐን። በዚ ኣጋጣሚ ሕቶ ናይ ሜላት ድማ ንሚኒስተር ጥዕና ዮናስ ማይናስን መሳርሕቱን እናኣመስገንኩ ነቶም ዝደቀሱ ገለ ጃምፐር (jumper) ኮይና እንተ ኣተሰአቶም ተስፋ እገብር። ከም እውን ነዞም ኣብ ክሊ ዕድመ ሜላት ዘለው ድቅና ካብ ሕጂ ሽግር ህዝብን ሃገርን ብጉቡእ እንተ ተረድኦም፡ እዚ ሎሚ ዘሎ ሕጽረት ሚኒስተራትን ብቅዓትን ኣብ ምምላእ ዓቢግደ ይጽበዮም ኣሎ። ኣብ ትምህርቶ ዕውታት ኮይኖም ቆላሕታ ህዝብን ሃገርን ክዕርፉ ተስፋ እገብር።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ

ሰሎሞን የውሃንስ
ዓባይ ብሪጣንያ<


Share with friends:

See also past articles Mr. Solomon Yohannes.
ካልኦት ብ' ኣቶ ሰሎሞን ዮውሃንስ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድሕሪ ሰላም ኤርትራ ኢትዮ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ካብ ዘይራኸቡ ካልኣይ ዓመቱ ኣቅጺሩ ይርኸብ ሓጸርቲ ዜናታትን



Share with friends: