ስዒርናዮም ኢና!

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

21/02/2020 23:26 PM

ስዒርናዮም ኢና!
We have defeated them!

ግጥሚ - ብ`መሲናስ
Poem by Mesinas

ስዒርናዮም ኢና!

ስዒርናዮም ኢና!

ናታቶም ክሃንጹ ናህና ከፍሩሱልና
ንሳቶም ክጸግቡ ንሕና እናጠመና
ብሕሰም መከራ ናብኦም ተሰዲድና
መዓስከር ሰሪሖም እናኣዕቈቡና
ናብ ዓዶም ምእታዎም ካብቲ ዓዲ ጓና
ዓወት ተቘጺሩስ ስዒርናዮም ኢና!?

ሃንደበት ገፊፍካ ካብ ጐደና
ብዘይሕግን ፍርድን ስለ ዝተኣሰርና
ንሳቶም ከሳፍሑ ንሕና ተኾርሚና
ብውሽጥን ብደገን ሓታቲ ዘይብልና
ኣብ መዓሙቕ ጉድጓድ ስለ ዝሰፈርና
ዓወት ተቘጺሩስ ስዒርናዮም ኢና!?

ኣደታቶም ብሓጐስ ዙርያ ክሸንሸና
ኣደታትና ብሓዘን *ከሊ እናተኸድና *ጸሊም ክዳን ሓዘን
ወላድ መኻን ኮይነን ጠዋሪ ምስ ሰኣና
ጉልባበን ቀሊዐን ወትሩ እናለመና
ዓወት ተቘጺሩስ ስዒርናዮም ኢና!?

ቅዋምና ብንዕቀት ሞይቱ’ዩ ኢሎሙና
ብራዕድን ሽበራን ስለ ዝተገዛእና
ንወፍርን ህንጸትን ስለ ዝተኸልከልና
ኣብ ጸሓይን ቁርን ስለ ዝሰፈርና
ዓወት ተቘጺሩስ ስዒርናዮም ኢና!?

እንኮ ዩኒቨርስቲ ምስተ ተዓጽወትና
ኣብ ሳዋ ብራዕዲ ስለ ዝደንቈርና
ብሽምዓን ብጋዝን ደንበርበር እናበልና
በራሚል ምስ ፊስቶ እናተሰከምና
ናብ ማይ ክንጓየ ፈቐዶ ጐደና
ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ምሉእ መዋእልና
ብግፍዕታት ምልኪ ኣብ ሕሰም ከለና
ዓወት ተቘጺሩስ ስዒርናዮም ኢና!?

ዓድታት ባዲመን ተቐይረን ዑና
ብሕሱም *ደማሒ እናተሰደድና *መላኺ
ኩሊትና እናተሸጠ ጠቢሕካ ኣካልና
ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ክጓሓፍ ሬሳና
ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ እናተዓመጽና
ብውርደት ኣብ ስደት ስለ ዝተሳቐና
ዓወት ተቘጺሩስ ስዒርናዮም ኢና!?

ከምዘን ደቂ ዛግራ ፋሕጭንግራሕ ኢልና
ናብ ዘመነ ኦሪት ድሕሪት ተመሊስና
ብዓድን ወረዳን እናተቛዮቕና
ውሑዳት ሰብ ረብሓ ንውልቃዊ ዝና
ብጅባኦም ዓቂኖም ንቀዳድ ጁባና
ብከብዶም መዚኖም ንጥሙይ ከብድና
ንሳቶም እንተጉስዑ ንሕና እናኣምባሃቚና
ዓወት ተቘጺሩስ ስዒርናዮም ኢና!?

ዕውራት ኣዒንቶም ሽዩጣት ሕልና
ብልምዓትን ዕብየትን ንሕምበብ ኣለና
ኢሎም እንተወደሱ ንጥፍኣት ህዝብና
ንኣእዛንና ክንኣምን ክሒድና ኣዒንትና
ንጸሊም ከም ጻዕዳ ንቕበል እንተሎና
ናይ ሰብ ንኽንሓስብ ናይ ጥሪት ሓዲግና
እቲ ልዑል ፈጣሪ *ኣብሪምና ይኽፈተልና! *ልብና

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 12/02/2020


Share with friends:



ዝሓለፉ ጽሑፋት ብ`መሲናስ፡

ዝሓለፉ ጽሑፋት ብ`መሲናስ፡ ኣብዚ ጠውቑ፡-

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን! 1 - 39 ክፋል


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: