ሓጸርቲ እዋናዊ ዜናታት - ስኒትና

21/07/2018 16:36 PM

ሓጸርቲ እዋናዊ ዜናታት - ስኒትና

snitna - news brief

21 July 2018

snitna - news brief

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብጽሒት ብርኪ ንምርካብ ኣብ ምውዕዓል ከምዝርከብ፡ ሮይተርስ ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።

ብተማሳሳሊ ኣገባብ፡ በዓል መዚ ማሪታይም (መጓዓዝያ ባሕሪ) ኢትዮጵያ እውን፡ ዕለት 20 ሓምለ 2018 ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኢትዮጵያ፡ ወደብ ዓሰብ ብሓባር ብምልማዕ ወይ ድማ ኣገልግሎት ብምዕዳግ፡ ንምጥቃም ዘኽእላ፡ መራሒ መደብ ስራሕ ኣውጺኣ ምህላዋን ኣብ ሓጺር እዋን ድማ ናብ ምትግባሩ ከምዝኣቱን ገሊጹ። ክሳብ ኩሉ ዝጻፈፍ፡ በቲ ህሉው ዓቕሚ ናይ ወደብ ዓሰብ ክንጥቀም ንኽእል ኢና፡ እዚ ድማ ንኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ክልቲአን ሃገራት ጠቓሚ ከምዝኸውን፡ ነቲ ኣብ ሸነኽ ጅቡቲ ዝጸንሐ ጽቕጥቅጥ ናይ ወደብ ከምዘቃልልን ንኢትዮጵያ ድማ ተወሳኺ ኣማራጺታት ከምዝኸፍተላን ሓቢሩ። እዚ ካብ ዓሰብ ሓሊፉ ናብ ወደብ ምጽዋዕ ምስ ዝሰጋገር፡ እቲ ዝርከብ ሓባራዊ ረብሓ ዓቢ ከምዝኸውን እውን ገሊጹ። እዚ ገለ ካብቲ እቲ በዓል ስልጣን ማሪታይም ኢትዮጵያ ዝሃቦ ሰፊሕ ሓበሬታ ኢዩ።

ኣብ ካልእ ዜና ምስ አንሰግር ድማ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ማይስርዋ ብሰንኪ እምነቶም ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ዓሰርተታት ሰባት ከምዝተፈትሑ ኣብ ማዕከናት ዜና ቢቢሲ ኣከምእውን ራድዮ ኤረና ተሓቢሩ፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ቤተሰብ ናይቶም ዝተለቅቁ ነዚ እኳ እንተረጋገጹዎ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ (ኣቶ የማነ ገብረመስቀል) ትማሊ ዕለት 20 ሓምለ 2018 ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ብዛዕባ'ዚ ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ መሊሱ።

እዞም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበሩ ዘለዉ ውዕላት ብፍላይ ከኣ ቁጠባውን ንግዳውን ውዕላት፡ ክሳብ ክንደይ ንዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ብማዕረ ኣርባሕቲ ክኾኑ ይኽእሉ ዝብል ጉዳይ ሓደ ካብቲ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘሻቕል ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ንክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለየ ማእዝናት ክንጥምተን ከሎና፡- ኢትዮጵያ ከም ሃገር፡ ዋላ'ኳ ዝተፈላለየ መንቀሊ ዘለዎም ህዝባዊ ምልዕዓላት እንተጸንሑን እንተለዉን፡ ከም ሃገር ግን ብቅዋምን ፓርላማን እትምራሕ፡ ኩሉ ውሳኔታት ንትካላዊ ኣሰራርሓታት ምርኩስ ገይሩ ዝኸይድን ምቁጽጻር ዘለዎን፡ ምስ ዓለምለኻዊ መለክዒታት ብቐረባ ዝዛመድን ስርዓተ-ቁጠባ ኢዩ ጸኒሑዋን ዘለዋን። ብመንጽር'ዚ ኤርትራ ክትጥመት ከላ ግን ብኣንጻሩ ኢዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ኤርትራ፡ ባይቶ ይኹን ቅዋማዊ መንግስቲ የብላን። ህዝቢ ውሕስነቱ ዘራጋግጸሉን ጠለባቱ ዝገልጸሉን ኣሳታፊ ስርዓተ-ምሕደራ የብላን። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሓደ ለይቲ ብቢልዮናት ዶላራት ወፍሪ ክገብሩ ዝኽእሉ ሰብ ዋኒን ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ተፈጢሮም ኢዮም። ኣብ ኤርትራ ብኣንጻሩ፡ ብዘይካ ትካላት ህግደፍ፡ እቲ ብሕታዊ ክፋል ቁጠባ ወይ ኣውፈርቲ ጠፊኦም ወይ ናብ ፈቐዶ ስደት ተባታቲኖም ኢዮም። ሓደ ወፍሪ ወይ ምንቅስቓስ ክግበር እንተኾይኑ፡ ናጽነት ናይ ምንቅስቓስ ናይ ዜጋታት ከምኡውን ናጽነት ናይ ምውናን ርእሰማልን ምንቅስቓስ ገንዘብን ወሳኒ ኢዩ። ብመንጽር ዚ ክርአ ኸሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዜጋታት ናጻ ምንቅስቓስ ኣሎ፡ ፋይናንሲያዊ ትካላት ኢትዮጵያ ምስ ኣህጉራዊ ፋይናንሳዊ መርበባት ዝተኣሳሰረን ምስ ዓለማዊ ዕዳጋታት ክብን ለጠቕን ዝብል ምጣኔ ሸርፊ ባጤራ ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ብኣንጻሩ፡ ዜጋታት ናጽነት ናይ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ይኹን ካብ ሃገሮም ወጻኢ የብሎምን (ብፍሉይ ምኽንያታት ወይ ካብ ልዕሊ 70 ዓመት ዕድመ እንተዘይኮይኖም)። ኣብ ፋይናንሲያዊ ትካላት (ባንክታት) እንተመጻእና ድማ ኣዝዩ ድኹም ዝርግሐን መሳለጥያን ኢዩ ዘለወን። ስለዚ፡ እቲ ዝግበር ንግዳዊ ኾነ ቁጠባዊ ውዕላት፡ ንብሕታዊ ክፋል ቁጠባ ኤርትራ ዘምጽኣሉ ረብሓ ኣብዚ ሓጺር እዋን ኣሎ ንምባል ኣጸጋሚ ኢዩ። እቲ እንኮ ተረባሒ ናይዚ ከምዚ ዓይነት ህዉኽ ውዕላት እንተሃልዩ፡ እቲ ተወዲቡን ንኹሉ ቁጠባ ኤርትራ ብሒቱ ዝጸንሐን ትካላት ህግደፍ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። እዚ ትካላት ዚ ክሳብ ክንደይ ግሉጽነትን ህዝባዊ ተሓታትነትን ኣለዎ ኢልና ምስ እንሓትት ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ቅዋማዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ከይቆመ፡ ግብራዊ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ንለዚ ንምጥቕላል፡ እቲ ካብዚ ውዕላት እዚ ዝርከብ ረብሓ ብዓቢኡ ንሸነኽ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያን ነጋዶን ከምዝኸውን ኣየጠራጥርን።

እዚ ዝገርም፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ ዘይመልእ እዋን፡ ብናህሪ እናተሓምበበ ዝኸይድ ምቅይያራትን ምዕባለታትን ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኩሉ'ቲ ዝግበር ዘሎ ውዕላትን ስምምዓትን ግን፡ ህዝብና ብመራኸቢ ብዙሓኑ ወይ ብመንግስቱ ንክከታተሎ ኣይከኣለን ሓበሬታ ስለዘየለ። እቲ ዝርካቡ ሓበሬታ፡ ብኻልኦት ማዕከናትን ብማዕከናት ሓበሬታ ኢትዮጵያን ዝወጽእ ዘሎ ጥራይ ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ብኸምዚ ኣገባብ ብዘይግሉጽነት እቲ ጉዳያት ክተሓዝ ተደልዩ፡ ንህዝቢ ኣብ ጸልማት ምእታው ከ እንታይ ፋይዳ ስለዘለዎ ኢዩ? እዚን ካልእን ሕቶታት፡ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ።

ብ’ስኒትና by www.snitna.com


Share with friends:

Asmarino | Eritrea: ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ - ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ - OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS (ብ G-15 ዕለት 24 March 2001)



Share with friends: