ን`ኢሳይያስ ጎበጨረ፡ ዓቢ ሓዉ ተረኺቡ

14/11/2018 20:38 PM

ን`ኢሳይያስ ጎበጨረ፡

ዓቢ ሓዉ ተረኺቡ

ብ'ልዕመት


ን`ኢሳይያስ ጎበጨረ፡ ዓቢ ሓዉ ተረኺቡ


ን`ኢሳይያስ ጎበጨረ፡ ዓቢ ሓዉ ተረኺቡ
ብ'ልዕመት

ምስ ኢለሪ (Eleri) ኣብ ምብጻሕ እንዳ ሓዘን ኢና በጋጣሚ ተራኺብና። ብዕድመ ክወልዳ ዝኽእል`ኳ እንተኾንኩ፡ ከም ዝተዓዘብኩዋ ምስ ኩሉ ናይ ምልጋብ ጽቡቕ ተውህቦ ስለ ዘለዋ`ያ ቀልጢፋ ዝተላልያትኒ። እዛ ሓታቲት ዑቕባ ዝኾነት ኣልባንያዊት፡ ምስ ብዙሓት ዝኸምኣ ኤርትራውያን ስለ ትራኸብ ንኹሉ ፖለትካዊ ጸገማትና፡ ባህልና፡ ኣነባብራናን ጠባያትናን ዘጽናዓትና`ያ ትመስል።

“ስመይ ኢለሪ ይበሃል ትርግሙ ናጽነት ማለት`ዩ፡ ኣብ ሃገርና ከኣ ግኑን ስም እዩ፡ ንስዂም`ከ ትጥቀምሉዶ?” በለትኒ ፍሽኽታኣ ኣሰንያ። ብወገነይ ኣጋውለኣ ተዓዚበ ንመዛረቢ ዘምጸኣቶ`ምበር ትፈልጦ ከም ዘለዋ ንምግምጋም ግዜ ኣይወሰደለይን። “እወ ባህጊ ናጽነት ዘለዎ ህዝቢ ናጽነት ዝብል ስም ከውጽእ ባህርያዊ እዩ” ኢለ ዕጽቕ ዝበለ መልሲ ደርበዂላ። ኢለሪ ገበታ ድሕሪ ምትንፋስ “ኤርትራውያን ክትኣምኖ ዘጸግም ሽግራት ሰጊርኩም ኢኹም ናብዚ ትመጹ። ኣብ ዓድኹም ዘሎ ኣደራዕ ግን ካብቲ ናይ ዓድና ዝነበረ ሕሰም ይሓይሽ” ኢላ ዝጋናሕ ጠመተኣ ፈነወትለይ። ከመይ ኢሉ ኢለ ክሓታ ዕድል ከይሃበትኒ “ብውሑዱ ሃዲምኩም ናይ ምውጻእ ዕድል ስለ ዘለኩም፡ ኣብ ደገ ተወዳዲብኩም ናይ ምቅላስ ባይታኹም ንጹፍ ስለ ዝኾነ” ብምባል ሕቖይ ጎዘዘትኒ።

እዛ ሰብ ብቐረባ ኣይትገድፈንን እያ ኢለ ኮፍ መበልየይ ኣጣጣሕኩ`ሞ “ከመይ ድዩ ነይሩ ናትኩም?” ኢለ ተወከስኩዋ። “ሃገርና ኣዝያ ንእሽቶ 11 ሽሕ ስኴር ኪሎ ሜተር ጥራይ ዝስፍሓታ፡ ህዝባ ከኣ ካብ 2 ሚልዮን ኣይበዝሕን ነይሩ፡ ሕጂ`ኳ 2.9 ሚልዮን በጺሕና ኣለና። እቲ ጨካን መራሒ ኢንቨር ሆጃ (Enver Hoxha) ካብታ ሃገር ሰብ ከይወጽእን ከይኣቱን ንኹሉ ዶባት ብናይ ኳሬንቲ ገመድ ሓጺርዎ። እዚ ሓጹር`ዚ ብዝኾነ ምስ ዝትንከፍ ኤለትሪክ ምሓዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ መብራህቲ ይውልዕ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ (alarm) ይገብር። ሽዑ እቶም ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ዕሱባት ብፈጣናት ተሽከርከርቲ መጺኦም ንዝቕተል ይቐትሉ ንዝተሓዝ ይሕዙ። ቅድሚ እቲ ሓጹር ዘሎ ቦታ ንሓለዋ ክጥዕም ብግቡእ ተቖጥቚጡ ከም ዝምድመድ ስለ ዝተገብረ ዝኾነ ተንከስ ኢሉ ክወጽእ ዕድል ኣይነበሮን” ብምባል ንኣድራጋ ዘረበኣ ገቲኣ ብስያፍ ጠመተትኒ።

ሃመይን ቀልበይ ናብቲ `ኪድ ኣይትበሎ ከም ዝኸይድ ግበሮ` ሜላ ናይ ስርዓት ህግደፍ፡ ንዂሉ መንእሰይ ሃጽ ኢሉ ዓዱ ከም ዝገድፍ መህደሚ ዘጣጥሕሉ፡ ባዕሎም ብመካይኖም ዶላራት እናኽፈሉ ዘስገርዎ፡ ናብ ራሻይዳ ዝሸጥዎ፡ ስግረዶብ ኢሎም ዝረሸንዎ ተዓዝረ። እቲ ደድሕረና ስዒቡ ብመገዲ ወይጦታቱ ገይሩ መርዚ ናይ ምፍልላይ ዝነዝሓልና ተቐጀለኒ። ስምዒ ኢለሪ “ብላዕሊ ክትርእዮ ከለኻ ሓቅኺ ኣለኺ ዝተሓጽረ ዶብ የብልናን፡ ግዳ ካብቲ ናይ ኤለትሪክ ሓጹር ናትኩም ዝገድድ፡ ኢሳይያስ ብመርዚ ምፍልላይ ስለ ዝሰመመና ተሰማሚዕና ክንቃለስ ኣይከኣልናን” በልኩዋ።

ጓልያት`ሞ ትዓግብ ድያ፡ “ንሆጃ ትፈልጦዶ?” ክትብል እንደገና ሓተተትኒ። ነግ ፈረግ ድሕሪ ምባል “ብዙሕ ኣፍልጦ የብለይን፡ ተኸታሊ ኮሙኒስት መራሒ ናይ ኣልባንያ ምንባሩ ግን ይዝክር” በልኩዋ። ሓዝ በል ብዘስምዕ ቃና “እዚ ሰብ`ዚ ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኣትሒዙ ኣብ በረኻታት ዓድና መራሒ ነይሩ። ድሕሪ ምስዓር ናይ ፋሽሽቲ ሓይልታት ናጽነት ረኺብና። ካብ 1944 ዓ/ም ክሳዕ ዕለተ ሞቱ 1985 ዓ/ም ባዕሉ ኣብ ስልጣን ደይቡ ከም ሕሱም ጨፍጨፉና። መግዛእቲ ከም ናቱ ገይሩ ኣይቀተለ፡ ኣይኣሰረ፡ ኣየብረሰ፡ ኣይጨቆነ” ኢላ ብትካዘ ናብ መሬት ድንን በለት።

“እዞም ንናጽነት፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሕን ካልእ መህረፍቲ መሰላትን ተጋዲልና እናበሉ ካብ በረኻ ዝኣትዉ ታሪኾም እንተ ገንጺልካዮስ ጓለይ ኩሎም ካብ ሓድሕድ ዝገደዱ እዮም” በልኩዋ። ከምኡ ክብል ዘኽኣለኒ ምኽንያት፥ ነታ ኣብ The New York Review, Who Killed More: Hitler, Stalin, Or Mao? ትብል ብዕለት 5/2/18 Ian Johnson ዝጸሓፋ ዓንቀጽ ዘኪረ እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኣሃዝ`ኳ ልብኻ ዘስቱኽ እንተኾነ፡ ካብኡ ናብኡ ግን ናትካ ስለ ዝሕመካ፡ ነቲ ዘርከብኩሉ ይኹን ብወረ ዝፈልጦ ኣብ ኩናት ሓድሕድ ጀብሃን ሽዕብያን ዝሃለቚ ንጹሃን ተጋደልቲ፡ እቶም ዲሞክራስያዊ ሕቶ ስለ ዘልዓሉ ዝተቐንጸሉ ፍትሓውያን ባእታታት፡ ኣብ መቓቕሮ ማይ ሓባር ዝተረሸኑ ስንኩላን፡ ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም ጥራይ ዝተሰወሩ ዜጋታት፡ ሕጊ ተኸቲሎም ሞያዊ ሓላፍነቶም ኣብ ምትግባር ዝተዳጐኑ ጋዜጠኛታት፡ ኮታ ንኹሉ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ዘኪረ ኣብ ምንቲ ምንታይ እዩ ኢለ ባዕለይ ንውሽጠይ ሓተትኩ። ከም ሓቂ ንስልጣን ምዃኑ ጠፊኡኒ ኣይኮነን፡ ግን ፈጺሙ ስለ ዘይወሓጠልካ`ዩ መስለኒ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓንጎልካ ውትፍ ውትፍ እናበለ ዘጨንቐካ።

ኢለሪ “ብዛዕባ ሆጃ ክነግረካ ትደሊ?” ኢላ ትወከሰትኒ። ዕላልና ነቶም ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሓዘንተኛታት ከየሰልቹ ተሰኪፈ እናተማታእኩ ከለኹ ትንታነኣ ጀመረት። “ሆጃ ኣብ ወዲ 35 ዓመት ዕድምኡ ዝሓዞ ስልጣን ክሳዕ ወዲ 78 ዓመት ዝኸውን ንኣልባንያን ህዝባን ልክዕ ከምዚ ንዑኡ ኢላ ዝተፈጥረት ከም ድሌቱ ይገብራ ነይሩ። እቲ ብዘይካ ሓደ ሰልፊ ካልእ ክህሉ ዘየፍቅድ ሕጊ፡ ድሌት ናይ ሆጃ ንኸተግብር ዝቈመ ኮይኑ፤ ሕልና፡ ሃይማኖት፡ ሕውነት፡ ባህሊ፡ ምፍታው፡ ምትእምማን ኣድላዪ ኣይኮነን ኣብ ዝብል መትከል ዝተሰረተ እዩ ነይሩ። ንህዝቢ ኣልባንያ ልዕሊ ኩሉ ዝበደሎ፤ ባህሉ፡ ሃይማኖቱ፡ ስድራ-ቤታዊ ምትእስሳሩን ሕጊ ዓደብኡ ምድምሳሱን እዩ። ንሱ`ዩ ድማ ክሳዕ ሕጂ ሰለሉኡ ምውጻእ ኣብዩና ኣልባንያ እታ ዝደሓረት ሃገር ናይ ኤውሮጳ ኮይና ተሪፋ ዘለ” በለትኒ።

እዛ `ሆጃ ናይ ህዝቢ ኣልባንያ ሃይማኖቱ፡ ባህሉ፡ ስድራቤታዊ ምትእስሳሩ፡ ሕጊ ዓደብኡ ደምሲስዎ` ትብል ዘረባ ናይ ኢለሪ ልዕሊ ዝኾነ ንኣእምሮይ ዝወግኣቶ ነጥቢ ስለ ዝነበረት፡ ኣማስያይ ገዛ ምስ ተመለስኩ ኢንተርነት ከፊተ ዊክፐድያ ብዛዕባ ሆጃ ዝዓቀቦ ፋይል እንተሎ ፈተሽኩ`ሞ ክትኣምኖ ዘይከኣል ኣበጉዱር ጸንሓኒ።

ሆጃ መበቆላዊ እምነቱ ተኸታሊ ምስልምና`ኳ እንተነበረ፡ ኣንጻር ሃይማኖት ብዝነበሮ ተሪር መርገጺ ኣብ 1960 ዓ/ም ንሃይማኖት ዝእግድ ሕጊ ኣዊጁ። ንኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ሉኡኻት ናይ ወጻኢ ጸላእትና እዮም ኢሉ ወንጂልዎም። ሃይማኖት ካብ ምስባኽ ኣይቊጠቡን እዮም ኢሉ ዝጥርጠሮም፡ ጳጳስ ወሲኽካ 80 ናይ ካቶሊክ ኣቕሽሽትን 60 መሻይኽን ረሺንዎም። ከም መሳጊድን ኣብያተ-ክርስትያናትን ዝኣመሳሰሉ ኣመንቲ ዝግልገልሎም ህንጻታት ተወሪሶም ኣብያተ ጽሕፈት ናይ ስለያን ሰልፍን ኮይኖም ንገሊኦም ከኣ ኣፍሪስዎም። ሃይማኖታዊ ጠቀስ ዝኾኑ ኣስማት ዘይሕጋውያን ተባሂሎም ተኸልኪሎም። ኣምሳያኦም ወለዲ ንደቆም ከውጽእሎም ዘለዎም ኣስማት 3000 ዝኣኽሉ ዝርዝር ኣብ መዝገበ ቃላት ሰፊሮም። ንክልሰሓሳብ ማርክስነት ኣብ ምቕባል ዘዕጠጥዩ ተኣሲሮም። ኣብ ማህደረ ትምህርቲ፡ ሃይማኖት ከንቱን ረብሓ ዘይብሉን ምዃኑ ዝገልጽ curriculum ኣእትዩ።

ከምቲ ኢሳይያስ ዩኒቨርስቲ ክመሃር ጀሚሩ ዝነበረ፡ ሆጃ`ውን ኣብ ናይ ፈረንሳ ዩኒቨርስቲ ኣትዩ ነይሩ ግን ኣይወደኦን። ቋንቋታት፤ ፈረንሳ፡ ኩርኤሻ፡ ኢጣልያን ራሻን ይፈልጥ። እዚ ናህና ጎበጨረ`ውን ናይ ቋንቋን ተንኮልን ርእሲስ ኣለዎ። ሆጃ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ቀንዲ መሓዛ ናይ ዩጎዝላቪያ መራሒ ቲቶ እዩ ነይሩ፡ ምስኡ ዝነበሮ ዕርክነት ናብ ክዕረቕ ዘይክእል ባእሲ ምስ ተቐየረ ንህልኽ ቲቶ ምስቲ ኣብቲ ግዜ`ቲ ጽርዲ ቲቶ ዝነበረ ስታሊን ዓሚቕ ሽርክነት መስረተ`ሞ ማእለያ ዘይብሉ ጉንዖ ረኸበ። ድሕሪ ሞት ስታሊን ንቦትኡ ዝተከአ ኩሩቾቭ፡ ንኣረሜናዊ ተግባራቱ ኣቃሊዑ ንኩሉ ሕማቕ ፖሊሲታቱ ሰረዞ። ሆጃ ነቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ሶቬት ሕብረትን ዝነበረ ተጻባኢ ዝምድና መዝሚዙ ናብ ማኦ ተጎዝጊዙ ዘድልዮ ደገፋት ክረክብ ከኣለ። መንግስቲ ቻይና ምስ ናይ ኣመሪካ መራሒ ኒክሰን ክዛተ ምስ ጀመረ፡ ኣይግዳዱ ሆጃ ንቻይና ወገዛ። እቲ ብቊጠባ ቅድም ኣብ እንግድዓ ሶቬት ድሓር ኣብ ቻይና ተጸይሩ ዝነበረ ስርዓት ሆጃ ጥራሕ ኢዱ ተረፈ።

ካብ ሕጂ ንደሓር ናይ ወጻኢ ለቓሕ ይዂን ሓገዝ ኣየድልን እዩ፡ ርእስኻ ናይ ምኽኣል ውጥን ኣውጺእና ኣለና ብኡ ኢና ንምራሕ ብምባል፡ ናይ ደገ ለቓሕን ወፍርን ዝኽልክል ሕጊ ኣጽደቐ። ከፊኡና ተሸጊርና ዝበለ ከም ሓንኳሊ ምዕባለ ተቘጺሩ ብገበን ከም ዝንጥልጠል ተገብረ። ብኣንጻሩ ንሆጃን ምምሕዳሩን ምድናቕ ኮነ ምምስጋን ከም መርኣያ ጽንዓትን ተኣማንነትን ተወስደ። እዚ ኣካይዳ`ዚ፡ ንኣልባንያ ካብ ዓለም ነጺሉ ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ሸመማ። ልክዕ ከምዚ ናይ ኤርትራ ድማ እተን ቀደም ትሕቲኣ ዝነበራ ሃገራት ብምዕባለ ሓዲገንኣ ብምውንጫፍ ተረሚሳ ተረፈት።

ሆጃ፡ ንሰልፍናን ህዝብናን ርእሰማላውያንን ተሓባበርቶምን ይጸልኡና እዮም። እቲ ምኽንያት ህዝብና ርእሱ ንምኽኣል ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቆራጽነትን ዘመዝግቦ ዘሎ ምዕባለን ዓይኖም ደም ስለ ዝመልኦም እዩ። ንሶም ብምዕባለ ክንወዳደሮም ኣይደልዩን እዮም፡ ወትሩ ናቶም ተመጽወቲ ኴንና ክነብር እዮም ዝደልዩ፡ እናበለ ኣብ ቃለ መጠይቓትን መደረታትን ዓዘፍ ይብል ነበረ። እቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ መስዋእትን ዝተኻየደ ጀግንነት ናይ ህዝቢ ኣልባንያ፡ ብሳልኡ ከም ዝተፈጸመ ገይረን ዝዋጥያን ንበረልና እናበላ ዝዝይማ ናይ ስነጥበብ ጒጅለታት ኣጫጭሐ። እዚ ሻራን ኣንቆራን እናውጻእካ ካብቲ ሓደ ናብቲ ካልእ ምልኻዕ፡ ምስ ዘይመላዕልትኻ እናተማደርካ ባዕልኻ ጸላእቲ ናይ ምፍጣር ጠባይስ ኢሳይያስ`ውን ዝገደደ እዩ። ቃለ-መጠይቚ `ቃለ ሸንኮለል` ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ፡ ሰብ ምስማዕ ካብ ዝገድፎን መጫረቒ ካብ ዝገብሮን`ሞ ነዊሕ እዩ ኮይኑ። ውጥን ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ዓለም ካባና ክትመሃር እያ ዝብል መምርሒኡ ኣብ ምዕባለ ናይ 18 ክፍለ ዘመን ተሓጺርና ከም ንተርፍ ገይሩና ኣሎ። ብስም ስነጥበባውያን ዝጽውዑ ነቲ ሞያ ዘራኽሱ ሓሰር ንፋያት`ኳ ናህና ይበዝሑ። እቲ ብርሰት ሕብረተሰብ`ሞ ልዕሊ ዘረባ`ታ ኣልባንያዊት እዩ ዝሓቕየካ። ምኽንያቱ፥ ኢሳይያስ ከም ዘይንጥጥዕ ካብ ሱርና ስለ ዝመሓወና።

ስለያዊ ትካል ሆጃ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ዝተመስረተ ኮይኑ፡ መጸውዒኡ ስጉርሚ (Sgurmi) ይበሃል። ነዚ ትካል`ዚ ዝወደቦን ቅርጺ ዘትሓዞን ባዕሉ ሆጃ እዩ፡ ናይ ከይጅቢ ቅዲ ከም ዝኽተል ገይር ድማ ሃኒጽዎ። ቀንዲ ስርሑ ንስልጣኑ ምሕላው ኮይኑ፡ በቲ ደረት ዘይብሉ ሓላፍነቱ ተጠቒሙ ንዝጥርጠሮ ክኣስርን ክቐትልን ዝኽተሎ መስርሕን ዘጥፈኦ ግዜን ኣይነበሮን። እንተደልዩ`ውን ንመቕጻዕቲ ናይ ዝጠርጠሮም ሰባት ክሳብ ስድራቤቶም ስለ ዝሰግር ሓሞቶም ተጀሊሑ ነበረ። ተለፎን ምጥላፍ፡ ደብዳበ ምፍታሽ፡ ኣባይቲ ምጒርጓር፡ ሰብ ምጭዋይን ንብረት ምህጋርን ንኣባል ስጉርሚ ዝቐለለ ስራሕ ስለ ዝኾነ ሓላፊ ምውካስ ኣየድልዮን። እዚ ስለያዊ ትካል`ዚ ክሳብ 30 ሽሕ ዝኣኽሉ ኣባላት ነይሮሞ፡ ካብዚኦም ክሳብ 7500 ዝኾኑ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ዝተጸፍዩ ኮይኖም ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ከይተረፈ ዘንፈጥፍጡ እዮም። ሆጃ ካብ እዋን ቃልሲ ኣትሒዙ ንዝወዳደርዎ፡ ዝቃወምዎ፡ ዝበልጽዎን ዝጥርጥሮምን ዘበሉ፡ ብንግህኡ ብዚ ትካልዚ ገይሩ እናቐንጸለ`ዩ ስልጣኑ ኣጣጢሑ።

እቶም ቀንዲ ደቀ-መዛምርቱ ኮይኖም ናብ ስልጣን ዘምጽእዎ ኣማኸርቱን ፈጸምቲ ትእዛዛቱን`ውን እንተኾነ ግዳዩ ካብ ምዃን ኣየምልጡን። እቲ ምኽንያት ነብሱ ስለ ዘይኣምን ኩሉ ግዜ ኣብ ጥርጣረታት ስለ ዝነብር እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ዝፈጸሞ ጒድለታት ናብኦም ኣላጊቡ መስገር መድረኽ ስለ ዝጥቀመሎምን ዝፈልጥዎ ምስጢር ሒዘሞ ንኽቅበሩን እዩ። ነቲ ካብ እዋን ቃልሲ ኣትሒዙ ጽቡቕ ምሕዝነት ዝነበሮን ድሕሪ ሆጃ ብቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ክሳዕ 1981 ኣብ ትሕቲኡ ከም ቀዳማይ ምኒስተር ኮይኑ ዘገልገሎ መህመት ሸሁ (Mehmet Shehu) ዕርክነቶም ኣየድሓኖን። ኣብ ገዝኡ ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ተባሂሉ ብሽጉጥ ተሃሪሙ ጸንሐ፡ ሰበይቱን ደቁን ድማ ኣብ ማሕቡስ ተዳጎኑ። ድሓር ግን ኣብ መዝገብ ናይ ሆጃ፡ መህመት ሸሁ ሰላይ ናይ ዩጎዝላቭያን ሲኣኤን ተባሂሉ ሰፊሩ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ቀንዲ ሜላ ኣቀታትላ ሆጃ፤ ምስማም፡ ሓደጋ መኪናን ናይ ርእሰ ቅትለት ምኽንያትን እዮም ነይሮም።

ናይ ስጉርሚ ኣባል ንምዃን ክትምልመል ብሓብሬታ ኣባላት ሰልፊ ትሕጸ፡ ፖለትካዊ ኣረኣእያን ተኣማንነትን ዝለዓለ መገምገሚ እዩ፡ ዓሚቕ መጽናዕትን ምክትታልን ከኣ ይግበረሉ። ሓንሳብ ኣባል ምስ ኮነ ምእንቲ ብተኣማንነት ከገልግል ንውኑኡን ቀልቡን ዝደፍኑ ረብሓታት ይውሕዘሉ። ካብ ናይ ኣልባንያውያን ተራ ህዝቢ ዝበለጸን ዝመቸአ ናብራ ስለ ዘሕልፉ፡ ንናይ ሆጃ መንግስቲ ካብ ምድጋፍን ምሕላውን ድሕር ኣይብሉን። ንወጽዓ ህዝቦም ክዕዘቡ`ውን ግዜ ኣይረኽቡን።

ስጉርሚ ንመላእ ህዝቢ ኣልባንያ ብምርዓድ ንሆጃ ዝምጒስ መዝሙር ክዝምር ገደዶ፡ ሆጃ ንዘለኣለም ይንበር ክሳብ ዝብል ብምድሃል ኣደንቈሮ። ኣብ ሓድሕዱ ዘይምትእምማን ብምፍጣር ብራዕድን ጽልእን ተወጢሩ ከም ዝነብር ገበሮ። ሓደ ኣብ ልዕሊ ካልእ ምስላይ፡ ሓበሬታ ምሕላፍን ምውንጃልን ናይ ህይወት መንገዲ ከም ዝኸውን ገይሩ ሰርዖ። ኣብ እዋን ስርዓት ሆጃ፡ ሓደ ሲሶ ካብ መላእ ህዝቢ ብስጉርሚ ዘይተኣስረ ወይ ዘይተመርመረ ኣይነበረን። ሓካይም፡ ዳያኑ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ መማህራን ዩኒቨርስቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሓረስቶት ኮነ ስነ ጥበባውያን ቀቀንዶም ተመሪጾም ተቀቲሎም ተኣሲሮም ሃለዋቶም ከም ዝጠፍእ ኮይኖም። ብጠቕላላ 170 ዝኣኽሉ ናይ ፖለቲካ ሰበ-ስልጣናት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ተረሺኖም። ካብ ኩሉ ወገን ልዕሊ 5000 ተቐቲሎም፡ ክሳብ 70 ሽሕ ተኣሲሮም፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ሃለዋቶም ጠፊኡ።

ንሆጃን ኢሳያስን ከም ኰረይትን ተቐየምትን ጌርካ ክግለጹ`ኳ እንተ ተኻእለ፡ `ኣብ ፖለቲካ ፈታውን ጸላእን የሎን` ዝብል መትከል`ዩ መርገጺኦም። ብተንኮል መወዳድርቲ ዘይርከቦም፡ ብጽልኢ ዝኸሓኑ፡ ከም ጠቢብ ብፈተውቶም ዝጅምሩ፡ ጨካናት ናይ ደም ጽምኦም ዘይረዊ፡ ናይ ስልጣን ስስዐኦም ደረት ዘይብሉ፡ ዘመውቲ፡ ጃጀውትን ምስሉያትን ኮይኖም፡ ኣርሒቖም ዝጥምቱ፡ ኣዝዮም ጐራሓት፡ ቅልጡፋትን ዘይቅደሙን ግዜን ቦታን ዝፈላለዮም ዓብን ንእሽቶን ኣሕዋት`ምበር ተመሳሳልነት ኣለዎም ኢልካ ተራሓሕቖም ሰባት ኣይኮኑን።

ልዕመት
ካብ ማንቸስተር


Share with friends:


See also recent Articles by Author:


Top 10 EVIL Dictators That Killed The MOST People



See also Related:


Share with friends: