ሓጺር ታሪኽ ጉዕዞ ሂወት ኣልሓጅ ኣሕመድ እድሪስ ነስረዲን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

28/05/2021 20:58 PM

ሓርበኛ ኣይነብርን እዩ ታሪኹ እዩ ዝነብር፡
ኣያና ኣልሓጅ ኣሕመድ እድሪስ ነስረዲን
ኣብ መበል 98 ዓመት ናይ ጸጋ ዕድመ
ብዕለት 21 May 2021 ዓሪፉ

ሓጺር ታሪኽ ጉዕዞ ሂወት ኣልሓጅ ኣሕመድ እድሪስ ነስረዲን። ጽሑፍ ብ`ብገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ።

life history of martyr Al-haj Ahmed Idris Nesredin, by veteran Mohammed Berhan Blata

life history of martyr Al-haj Ahmed Idris Nesredin

ሓጺር ታሪኽ ጉዕዞ ሂወት ኣልሓጅ ኣሕመድ እድሪስ ነስረዲን ከመይ ይመስል፡

ብገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡

1. ኣልሓጅ ኣሕመድ እድሪስ ነስረዲን ካብ ወላዲኡ ኢድሪስ ነስረዲን ካብ ውላዲቱ መብራት ደጊያት ኣደም ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣውራጃ ሰራየ ኣብዚ ግዜ’ዚ ብዞባ ደቡብ ዝፍለጥ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣቦ ሹዱሽተ ኣርባዐተ ደቂ ታባዕትዮ ክልተ ኸኣ ደቀንስትዮ እዮም።

ኣልሓጅ ኣሕመድ ኢድሪስ ነስረዲን ካብ ንኡስ ዕድሜኡ ኣትሒዙ ትኩር ኣዝዩ ትምህርቲ ዝፈቱ ደላይ ጽቡቕ ጻዕረኛ ስለ ዝነበረ ናይ ነዊሕን ሓጺርን ጉዕዞ ሂወቱ ብንጹር ጠመተኡ ክብገስ ከሎ፡ ካብዚ ክውንነት ተበጊሱ ልዑል ደረጃ ትምሃርቲ ወዲኡ ኣብ ቋንቋታት ዓረብ ጥልያን እንጊሊዝ ካልእን ምስ ቋንቃ ኣደ ትግርኛ ደሚርካ ብጉብእ ኣብ ምንባብን ምጽሓፍን ምዝራብን ኣዝዩ ዝነኣድ ዓቕሚ ብምውናን ኣብቲ ዝጀመሮ ንግዳዊ ንጥፌታቱ ብደረጃ ናይ ዓለም ክዋዳደር ከም ዝኽእል ብነፍሰ ምትእምማን ከም ዘረጋገጾ ውን ይፍለጥ።

እልሓጅ ኣሕመድ እድሪስ ንነፍስኻ ብኹሉ መዳያት ኣዕቢኻ ኣብ ሃገርን ሕብረተሰብን ኣወንታዊን ኣድማዕን ግደ ክህልወካ እንተኾይኑ ብቐዳምነት ብእትውንኖ ዓቕሚ ትምህርትን ዝምባሌኻን ቀንዲ ሮቛሒ ናይ መበገሲኻ ኮይኑ ኣብ ቁጠባ ኣተኲርካ ዕብየትካ ከተረጋግጽ ይግብእ ካብ ዝብሉ ዓሚቕ ሓሳቡን እምነቱን ተበጊሱ ካብ ንኡስ ዕድሜኡ ቀንዲ ኣድሁቦኡ ኣብ ዝተፋላለዩ ትካላት ምምስራት ክኸውን ከሎ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኣርባዓታት ሓምሳታት ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኣብ ዝተፋላለየ ናይ ንግዲ ንጥፌታት ዝዋፈሩ ብዙሓት ኣዕራብን ጥልያን ህንድን ስለ ዝነበሩ ካብቲ ንሳቶም ዘካይድዎ ንጥፌታት ብቐረባ ክከታተልን ክማሃርን ብምኽኣሉ ነዚ ከም መበገሱኡ ወሲዱ በቲ ዝሓንጽጾ ናይ ገዛእ ርእሱ መደብ ስራሓቱ ክጅምር ከሎ ካብ ምብጋሱ ኣትሒዙ ኣብ ኩሉ’ቲ ዘካይዶ ዝነበረ ብሓፈሽኡ እቲ ንግዳዊ ምንቅስቓሳቱ ቁልጡፍ ዕብየት ሃልቱዎ ዓወት መጓዕዝቱ ከም ዝነበረ ታሪኽ ሂወቱ ዘረጋግጾን ዝምስክሮን ሓቂ እዩ።

ሓጅ ኣሕመድ ኢድሪስ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ጎድኒ ወለዱ መርየት ረኹቡ ፍልይቲ ውቕብቲ መንበሪኡ ገዛ ክሰርሕ ከሎ ጸሓይ ትጽለወሉን መዛናግዕን ብበሎኮን ዝፍለጥ ስለ ዝነበሮ ንዓኣ ብዝተፋላለዩ ውቁባት መሰጥቲ ዕንባታት ብምትካል ብቐዳምነት ንስድርኡ ነቲ ክባቢ ይኹን ንሓላፍ መንገዲ ውን ነቶም ዝተፋላለዩ ሕብርታት ዝነበሮም ዕንባባታት ክጥምቶም ከሎ ዳርጋ ደውከይበለ ከይተገረመ ካብኣቶም ዝወጹ ጥዑም ሽታታት ከስተንፍስ ከሎ እቲ ሓጎስን ጥዕናዊ ስምዒትን ኣብ ነፍሰወከፍ ብኡ ዝሓልፍ ይረአ ከም ዝነበረ ብዙሕ ህዝቢ ከተማ መንደፈራ ዝምስክሮ ዘይሃስስ ሓቀኛ መግለጺኡ ከምዝነበረ ውን ይፍለጥ።

ሓጅ ኣሕመድ እድሪስ እቲ ቁጠባዊ ዕብየቱ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ከማዕብሎ ናይ መጀምርታ ፈተንኡ ድማ ናይ ስታይል ናይ ዓለባታት ምስራሕ ኮይኑ ንህዝቢ ዘድልዮን ብብዝሒ ዝጠልቦን ከም ዝኾነ ብዝገበሮ መጽናዕቲ ስለ ዝበጽሖ እቲ ትካል ኣብ ከተማ መንደፈራ ክገብሮ ፕላኑ ኣዳልዩ ንዕኡ ዝምልከት ካብ ዓዲ ጣልያን ማሽናት ገዚኡ ኣብ ምምስራቱ ምስ በጽሐ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ስርዓት ሃይለስላሴ ብምስምስ ፈደረሽን ኣብ ኤርትራ ክኣቱ ዕድል ምስ ረኸበ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ስለ ዘይነበሮ ናይ ነዊሕን ሓጺርን ስትራትጅኡ ሓንጺጹ፡ካብ ምብጋሱ ሓደ ካብቶም እከይ ተግባራቱ ንኤርትራዊያን ብፖሎቲካ ይኹን ቁጠባ ክዓብዩ ዝና ክረኽቡ ዘየፍቅድን ዘይቅብሎን ስለ ዝነበረ ብኣዝዮም ዝተራቐቑ ዕንቅፋታት ከዘውትር ምስ ጀመረ ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየሕድረንን ከም ዝበሃል፡ ሓጅ ኣሕመድ እድሪስ ብኣገኡ ስለ ዘስተባሃለሎም ንኸይጅምር ውን ስለ ዝዓንቅፉዎን ፡ ምስ ገለ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቱን መማኽርቱን ተላዚቡ እቲ ናይ ንግዲ ንጥፌታቱ ኣብ ዓዲ ጥልያን ክኸውን ኣብኡ ክተኽሎ ቁልጡፍ ውሳኔኡ ወሲዱ እቲ ናይ ፈለማ ስርሑ ኣብኡ ከም ዝጀመሮ ይፍለጥ።

ሓጅ ኣሕመድ ኢድሪስ እቲ ዝጀመሮ ንግዳዊ ንጥፌታቱ ኣብ ሃገር ጣልያን ከይተሓጽረ ካብቲ ምስ ዝተፋላለዩ ኣዕራብ ዝነበሮ ንግዳዊ ዝምድና ተበጊሱ ምስ ዝተፋላለያ ሃገራት እዕራብ ከም ኩወት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ካልኦትን ንግዳዊ ንጥፌታት ክጅምሮ ክሎ ኣብ ምስቲ ኣብ ስሳትት ብደረጃ ዓለምና ቁልጡፍ ናይ ንግዲ ምዕባሌ ዝኸይድ ዝነበረ ንሱ ክዓብን ክምዕብልን ዕድል ከም ዝረኸበ ውን ይፍለጥ።

ሓጅ ኣሕመድ እድሪስ ኣብ መላእ ስድራቤቱ ኣዝዩ ክግደስን ዘድሊ ሓገዛት ክገብርን ከም ሓላፍነት ወሲዱ ብተግባር ይሰርሓሉ ስለ ዝነበረ መላእ ስድራቤት እንዳ ነስረዲን ዝኾነ ዝረአ ጸጋማት ኣይነበሮምን ብወለዱን ኩሎም ኣሕዋቱን ስድራቤቱን መዋዳድርቲ ዘይብሉ ኣኽብሮት ስለ ዝነበሮ ኣብ መዓልታዊ ሂወቱ ሑጉስ ኮይኑ የሕልፎ ከም ዝነበረ ኩሎም ኣዕሩኽቱን መተዓብይቱን ዝምስክሩዎን ዘረጋግጽዎን ሓቂ ከም ዝነበረ ውን ይፍለጥ።

ሓጅ ኣሕመድ እድሪስ ንኽልተ ኣሕዋቱ ዓብድረሒም ኢድሪስ ነስረዲን፡ ምንኣሱ ሳልሕ እድሪስ ነስረዲን ብጉቡእ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽመሃሩ ስለ ዝሓገዞም፡ ትምህርቶም ምስ ወድኡ ሓድሽ ናይ ሂወት ጉዕዞኦም ናብ ዓዲ ጣልያን ኮይኑ ምስ ዓቢ ሓዎም ኮይኖም ሓንቲ ብ ናስ ( NAS ) ነስረዲን ማለት እዩ ትፍለጥ ንግዳዊት ማሕበር እቚሞም ሓባራዊ ቁጠባዊ ጉዕዞምኦም ክጅምሩዎ ከሎዉ፡ ናይ ሰለስቲኦም ዓቕምን ብቕዓቶምን ተደሚሩ ውጽኢቱ ብቑጡፍ ኣብ መሬት ክረእ ፍረ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳቶም ኣብ ሓንቲ ከተማ ከይተሓጽረ ኣብ ዓዲ ጣልያን፡ ኣብ ቱርክያ ኣብ ናጅርያ ኣብ ማረኮ ኣብ ኣመሪካ ትካላቶም ተዘርጊሑ ዕብየቱ እንዳረጋጋጸ ፍርያቱ እንዳማዕበለ ይኸይድ ከም ዝነበረ ንወነንቱ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝነበረ ኣብ ዕዳጋታት ናይ ዓለም ዝለዓለ ደረጃ ተፈላጥነት ሒዙ ይጓዓዝ ከም ዝነበረ ብብዙሕ ሸነኻት ዝተመስከረሉ ሓቂ ከም ዝነበረ ውን ይፍለጥ።

ሓጅ ኣሕመድ እድሪስ ካብ ዓሚቕ ኣፍልጦኡ ተበጊሱ ኣብ ምስልምናዊ ሃይማኖታዊ እምነቱ ጽኑዕ ስለ ዝነበረ ምስ ምንቅስቓስ ማሕበራት ምስልምና ብደረጃ ናይ ዓለም ስጡም ርኽክባት ሃልዩዎ ዘድሊ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ይገብር ከም ዝነበረ ብዙሓት ዝምስክሩዎ ሓቂ ክኸውን ከሎ ኣብኡ ከይተሓጽረ ካብቲ ንድኻታት ሓግዝ ካብ ኩሉ እትውንኖ ገንዘብካ ሃይማኖት ምስልምና ዝኣዘዞ ውሱን ሚእታዊት ገንዘብ ንጽጉማት ( ዘካት ) ክተውጽእ ክትሕግዝ ግዴታ ዝብል ናይ ኣላህ ትእዛዛት ተበጊሱ ከምኡ ውን ካብኡ ወጻኢ ብነጻ ድልየቱ ንቡዙሓት ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኤርትራዊያን ጽጉማት ብወኪሉ ኣብ ስዳን ዝነብር ዝነበረ ሼኽ ሓምድ ዓብደልሃዲ ኣቢሉ ንዓመታት ከም ዝሓገዘ ይፍለጥ። ኣብ ሃገር ግብጺ ብፍላይ ከተማ ካይሮ ብዙሓት ኤርትራዊያን ንኽመሃሩ ይኹዱ ስለ ዝነበሩ ገሊኦም ኣዝዮም ሽጉራት ስለ ዝነበሩ ንዐኦም ውን ብወኪሉ ኣቶ ክያር ሓሰን በያን ኣቢሉ ኣድላይ ሓገዛቱ ክገብር ከሎ ንሱ ይሕግዝ ከም ዘሎ ሽሙ ንኽጥቀስ ኣየፍቅድን እዩ ነይሩ ብገባር ሰናይ ጥራሕ ይግለጽ ከም ዝነበር ይፍለጥ።

እዚ ብጃካ`ቲ ኣብ ኤርትራ ብወኪሉ ስዒድ ያሲን ነስረዲን ኣቢሉ ንኣዝዮም ሽጉራት ዝህቦ ዝነበረ ሓገዛት ናይ ብሓቂ ኣብ ሂወት ቡዙሓት ናይ ምንባር ሽግራቶም የቃልል ከም ዝነበረ፡ ምስ ገለ ኣብ ኤርትራ ቆይመን ዝነበራ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ውን ንኣብነ ሓርበኛ ጅግና ስውእ ሙሳ መሓምድነር ዝመርሓ ዝነበረ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር፡ከምኡ ውን ኡስታዝ በሺር ዘማእክላ ዝነበረ ኮሜተ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ ብኣተን ኣቢሉ ዘድሊ ሓገዛት ብምውፋይ ነተን ማሕበራት ኣብ ኣስመራ ከይተሓጽረ ኣብ ብዙሕ ናይ ሃገርና ኤርትራ ቦታታት ኣብ ብዙሕ መዳያት ኣብ ምንቅስቓሳተን ዕዉት ስራሕ ከካይዳ ሓደ ካብቲ ዘኽኣለን ምኽንያት ናቱ ቀጻሊ ሓገዝ ምንባሩ ናይ ብሓቂ ውጺኢቱ ኣወንታዊ እዩ ነይሩ ክበሃል ይካእእል።

ሓጅ ኣሕመድ እድሪስ ኣብታ ዝነብረላን ቀንድን መንቀሳቓሲቱ ዝነበረት ከተማ ሚላኖን ካልኦት ከተማታትን ካብቲ ሃይማኖታዊ ምስልምናዊ ምንቅስቓስ ተበጊሱ ኣብቲ መንግስቲ ውን ተሰማዕነት ስለ ዝነበሮ` ካብ ዝተፋላልያ ሃገራት ንምንባር ንዓዲጣልያን ዝኣትዉ ዝነበሩ ኣመንቲ ምስልምና ኣዝዮም ብዙሓት ምንባሮ ንኹሎም ከእንግድ ዝኽእል ኣብ ሚላኖ ዓቢ መስጊድ ከም ዝሰረሐ ኣብኡ ጥራሕ ከይተሓጽረ በታ ንሱ ዘማእክላ ዝነበረ ዝተመስረተት እስላማዊት ማሕበር ግብረሰናይ ኣቢሉ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ይኹን ስዊሰርላንድን ካልኦትን ኣብ ኣውሮጳ ብሓፈሹኡ ኣብ ምስራሕ መሳጊድ ልዑል ሓገዛት ይገብር ከም ዝነበረ ብዙሓት ዝምስክሩዎን ዝኾርዑሉን ከም ዝኾነ ኣብ ዝተፋላለዩ ኣጋጣሚታት ዝገልጽዎ ሓቂ እዩ ክበሃል ይከኣል።

ሓጅ እሕመድ እድሪስ ምስቶም ዝተጠቕሱ ክልተ ኣሕዋቱ ዓብዱረሒምን ሳልሕን ክይኖም ኣነ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ዶክቶር ይሱፍ ብርሃኑ ሓላፊ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናይ ረድአት ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ከምኡ ውን ስውእ ናይ ሕጊ ዶክቶር ጣሃ መሓመድኑርን ናይ ዓይኒ መስከርቲ ኮይና ነረጋግጾ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ግዜ ብረተዊ ቃልሲ ብመጀመርታ ምስ ሃገራዊ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሰብዓታት፡ ደሓር ውን ሃገራዊ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት ድሓር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብእንዳ ኤራ ዝብል ስም ሒዙ ዝነበረ ናይ ረድኤት ማሕበር ኣቢሉ ኣብ ብዙሕ መዳያት ይተሓጋገዙ ክምዝነበሩ፡ ኣብኡ ክይተሓጽረ ኣብቲ ጽንኩር ኩነታት ምስ ጸላኢ ሓያል ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ኣብ ሰብዓታት ነቲ ክልቲኡ ሃገራዊ ውድብ ንዝውንኖ ዝነበረ ግዙፍ ሰራዊ ብፍላይ ኣብ ናይ ስንቂ ዝተጠቕሱ ውፉያት እንዳ ነስረዲን ብወኪሎም ኣብ ካርቱም ዝነብር ዝነበረ ሓሰን ከኪያ ኣቢሎም ሓንሳብ ዘይኮነ ብተድጋጋሚ ብዝንኣድ ሓገዛቶም የወፍዩ ከም ዝነበሩ እዚ ኣብቲ ሃገራዊ ቃልስና ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝነበሮ ታሪኽ ዝምስክሮ ንሕና ውን ነረጋግጾን ንኾርዓሉን ንሕበነሉን ከም ዝነበረ ካብ ተዘኩሮታተይ ኣይክወለንን።እዚ ክብል ከሎኹ ስድራቤት እንዳ ነስረዲን ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ሃገራዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብተግባር ዓቢ ግደ ከም ዝነበሮም ይፍለጥ።

2. ዓብዱረሒም እድሪስ ነስረዲን

ካብዚ ሓቅታት`ዚ ብምብጋስ እምበኣር፡ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1991 ሃገራዊ ናይጽነቱ ምስ ተጓናጸፈ ኤርትራዊ መንግስቲ ምስ ተኸለ፡ ኣነ መሓመድ ብርሃን ብላታ ካብ 1963 ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ሰውራ ክቃለስ ዝጸናሕኩ ድሕር ናጽነት ኣብታ ዝተወለድኩላ ከተማ መንደፈራ ናይ መጀመርታ ኣማሓዳሪ ኮይነ ክምደብ ከሎኹ፡ ኣብ ህላውነተይ ብዙሓት ኤርትራዊያን ሓጎሶም ክገልጹ ካብ ዝተፋላለያ ኩርናዓት ናይ ዓለምና ብብዝሒ ክውሕዙ ኣብ ዝጅመሩሉ ግዜ ሓደ ካብኣቶም ዓብዱረሒም ኢድሪስ ነስረዲን ከምኡ ውን ሳልሕ ኢድሪስ ነስረዲን ክልቲኦም ኣብ መንደፈራ ተወሊዶም ዝዓበዩ ንዓይ መዓብይተይ ስለ ዝኾኑ ኣማሓዳሪ ኮይነ ብኣካል ክቕበሎም ከሎኹ ናይ ብሓቂ ምስቲ ኣነ ዝፈልጦ ንሰውራ ኤርትራ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ሓገዛት ኣዛሚደ ክርእዮ ከሎኹ ንኹርዓተይን ሓበነይን መግለጺ ኣይረኽበሉን ኣንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

ኣብቲ ግዜ`ቲ ኣብ መጅመርታ ዓብዱረሒም ምስ መጸ ናብ ቤት ጽሕፈተይ ምምሕዳር ከተማ መንደፈራ ብኣካል መጺኡ ብምኽንያት ናጽነት ሓጎሱ ክገልጽ ብኡ ኣቢሉ ውን ቀንዲ መበገሲኡ ብሓፈሽኡ ህልዊ ኩነታት ክፈልጥ ስለ ዝነበረ ብወገነይ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ ሃገር ድሕሪ ምሃብ፡ ነታ ዝተወለደላ ከተማ መንደፈራ ከመይ ትመስል ከም ዘላ ኩነታታ ንምርኣይ መደባተይ ሰሪዐ ብቕዳምነ ናብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ከድና ክንርእያ ከሎና ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ጸኒሑና እታ ንፈልጣን ዝተማሃርናላን ቤት ትምህርቲና ንኽትገልጾ ዘጸግም ዕንወት እዩ ጸኒሒና ተማሃሮ ኣብ ዓሰርተ ሊትሮ ናይ ጻባ ታኒካ ኮፍ ኢሎም ንብርኮም ከም ሰደቓ ተጠቒሞም ክመሃሩ እዮም ረኺብናዮም ምኽንያቱ ነቲ ስርዓት ሃይለስልሴ ዘገልግሉ ዝነበሩ ጦር ሰራዊት ኩሉ ሰደቓታት ሰሌዳታት መናብርቲ ማዓጹ ከይተረፈ ወሲዶሞ መንደዲ ንመዳለዊ መግቦም ገይሮም ክብሉ እቶም ኣበኡ ዝጽንሑና ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሓለፍቲ ምስ ገለጹልና ናይ ብሓቂ ብውሽጣዊ ስምዒትና ኣዝዩ ኣሕዚኑና፡ ይኹን`ምበር ተግባራት ስርዓት ሃይለስላሴ ኣብ መላእ ኤርትራ ካብኡ ዝኸፍአ ዝገብሮ ዕንወት ስለ ንፈልጥ ኣየሐደሸናን ኣይገረመናን ውን።

ካብኡ ውን ንሆስፒታል ከተማ መንደፈራ ምስ ክደና ኣብኡ ዝጸንሓና ኸኣ ዝገደደ ኮይኑ ረኺብናዮ ዑደትን ዛዚማና ተመልስና። ንጽብሒቱ ክንራኸብ ስለ ዝነበርና ኣነ ኣቐዲመ ነታ ኣብ ከተማ መንደፈራ ካብ ህዝቢ ቆይማ ዝነበረት ናይ ልምዓትን ዕብየትን ሽማግለ ኣነ ከም እማሓዳሪ የማእክላ ስለ ዝነበርኩ ክጽውዕ ከሎኹ ንሳቶም ሸውዓተ እዮም ነይሮም ገለ ካብኣቶም ዝዝክሮም መሓመድ ኣማን ክያር፡ መምሃር ፍሰሃየ፡ ስዒድ ግራዝማች፡ መምህር እዮብን ካልኦትን እዮም ነይሮም ኣብቲ ምስ ኩቡር ጋሻና ዓብዱረሒም ኢድሪስ ነስረዲን ዝገበርናዮ ዝርርብና ሓፈሻዊ ኩነታት ናይታ ከተማ ክኸውን ከሎ እቶም ናይ ልምዓትን ዕብየትን ሽማግለ ንዓብዱረሒም እንኳዕ ብድሓን መጽእካ ድሕሪ ምባል ኣቦኻ ኣቦ ኩሉና ሓጅ ኢድሪስ ነስረዲን ሓሚሞም ኣብዛ ትማሊ ዝረኣናያ ሆስፒታል ከተማ መንደረራ ንሕክምና ተዓቚቦም ከሎዉ ሓውካ ክቡር ሓጂ ኣሕመድ ኤድሪስ ነስረዲን ብኣካል ካብ ዝነብረሉ ዓዲ ጥልያን መጺኡ ነዛ ኣዝያ ዝዓነወት ሆስፒታ ምስ ረአያ ናይ ብሓቂ ሓዚኑ ሓድሽ ሆስፒታል ከሰርሕ ኢሉ ቁልጥፍ ውሳኔኡ ወሲዱ በቲ ኣገባብ ናብ ኣማሓዳሪ ናይ ጠለቡ ጽሑፍ ኣቕረበ፡ እማሓዳሪ ናይ ኣውራጃ ሰራየ ባዕሉ ክውስን እቲ ሕጊ ስለ ዘየፍቅደሉ እቲ ጠለብ ናብ ላዕላዋይ ሓላፊ እንደራሴ ኣስራተ ካሳ ምስ ኣሕለፎ እንደራሴ ንኣሕመድ ኢድሪስ ብመሰረት እቲ ጠለቡ ጽዊዑ ሆስፒታል ከተስርሕ ደሊኻ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ከማኻ የብዘሖዮም ግን ኣበይ ተስርሖ ብድልየትካ ዘይኮነስ ንሕኖ ኢና ንውስኖ ኣብ ከታማ መንደፈራ ዘይኮነ፡ ኣብ ወሎ ወይ ጎጃም ከም ኣድላይነቱ ኢሉ ኪድ ኣይትበሎ ከም ዝኸይድ ግበሮ ምስ ኮነ እቲ መልሱ ሓጅ ኣሕመድ ኣይተቐበሎን ናብ ቦታኡ ተመሊሱ። እዚ ተግባር ናይ ስርዓት ሃይለስላሴ ኣብ መንደፈራን ምሉእ ሃገር ስለ ዝተሰምዐ እቲ ምዕንቃፍ ብዙሕ ኣሕዚኑዎ እዩ።

ሕጅ ግን ሃገርና ኤርትራ ነጻ ወጺኣ እቲ ውሳኔ ኣብ ኢድና ስለ ዝኾነ እቲ ዝተኾልፈ ምስራሕ ሆስፒታል ሕጂ እዩ ግዜኡ ኣሞ ሃየ ሓደራኻ እዚ ጠለብናን ምንዮትናን ናብ ዓቢ ሓውኻ ሓጅ ኣሕመድ ኣብጸሓልና ክብሉ ዘረብኦም ደምደሙ። ክቡር ዓብድረሒም ነስረዲን ብዛዕባ እዚ ትብሉዎ ዘሎኹም ንበይነይ ክውስኖ ስለ ዘይክእል ምስ ኣሕዋተይ ሓጂ ኣሕመድን ሳልሕን ክማኸር ዕድል ሃቡኒ ኢሉ ዘረብኡ ቅድሚ ምድምዳም እምበኣር ቅድሚ ምምላሰይ ንግዜኡ መጸገኒ ዝኸውን ንሆስፒትል 100,000 ምእቲ ሽሕ ብር ንቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ውን እንተዘይተጋግየ ሓድ 100.000 ሽሕ ከምኡ ውን ንውጉኣት ሓርነት መጸገኒ ዝኸውን ክልተ ሚእትን ሓምሳን 250.000 ሽሕ ብር ወፈያ ከቕርብ ከሎ ነዚ ዝተባህለ ገንዘብ ንምቕባል ኣብ ኣስመራ ኣብ ሆቴል እምባሳዶር ኣነ መሓመድ ብርሃን ብላታ ከም እማሓዳረ፡ ዶክቶር ኣሰፋው ተኸስተ ናይ ማሓብረዊ ጉዳይት ሓላፊ ናይዝጊ ክፍሉ ወኪል ናይ ላዕለዋይ መንግስቲ ኮይና ነቲ ዝተባህለ ገንዘብ ብኣካል ተረኸብና ክንቅበሎ ከሎና እቲ ንዓይ ዝምልከት እቲ ዝተቐብልኩዎ ቼክ ነታ ናይ ልምዓት ሽማግለ ከም ዘረከብኩዎም ይፈልጥ። ኣብኡ ከሎና ክቡር ዓብዱረሒም ድሮ ምስ ኣሕዋቱ ተማኺሩ ነታ ዝተጠቕሰት ሆስፒታል ከተማ መንደፈራ ከነስረሓ ጠለብኩም ጠለብ ሃገር ስለ ዝኾነ ምስ ሰናይ ፍሽኽትኡ ዝተሓወሶ ተቐቢልናዮ ኣሎና ዝብል ቃሉ ምስ ኣበሰረና ብኡ ንብኡ ብስራት ንህዝቢ ተባሂሉ ብድምጺ ሓፋሽ ክግለጽ ከሎ ህዝቢ ብዝለዓለ ሓጎሱ ከምዝተቐብሎ ብቐጻሊ የዕልለሉ ከም ዝነበረ ክሳብ ሕጂ ካብ ተዘኩሮታተይ ኣይክወለንን።

3. ሳልሕ እድሪስ ነስረዲን

ብድሕረኡ ውን ምንኣሱ ሓዉ ሳልሕ ኢድሪስ ነስረዲን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብታ ዝተወለደላ ከተማ መንደፈራ መጺኡ ምስኡ ውን መተዓብይቲ ስለ ዝኾና ናይ ምልላይ ጸገም ኣይነበረናን፡ ብቕጥታ ምስኡ ውን ናብታ ክልቴና ዝተማሃርናላ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ኬድና ንሱ ውን ምስ ረአያ ብዙሕ ሰንበደ እቲ ዝረኣናዮ ኩነታት ናይታ ቤት ትምህርቲ ክጸሮ ኣይከኣልን ንብዓቱ ካብ ኣዒንቱ ከዛሪ ምስረአኹዎ ንዓይ ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሰይ ብስርዓት ሃይለ ስላሴ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ካብኡ ዝኸፍእ ስለ ዝረአኹ ቡዙሕ ኣየገረመንን።

ምስ ተመለስና እንታይ ክግበር ይከኣል ዝብል ሩኡይ ርህራሄ ዝተሓወሶ ንኸማኽሮ ሕቶኡ እቕረበለይ፡ መርሓባ ሓሲበ ክነግረካ ተባሂልና ተፋኒና፡ ንጽብሒቱ ሳልሕ ትፈልጥ ኢኻ ንሕና ክንማሃር ከሎና ናይ ቤት ትምህርቲ ዝጽገነሉን ናይ ጽርበት ዎርክሾፕ ( workshop ) ነይሩ እዩ ስለዚ እንተኺኢልካ ዘመናዊ ማሺን ገዚእካ ከተወፊ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ እዩ ካብቲ ናይ ቀደም ዝነበረትሉ ብዝማዕበለ ክንመልሳ ምደለኹ ምስ በልኩዎ ንሱ ውን ዕድል ሃበኒ መልሲ ክህበካ ምስ በለ ብተስፋ ኣብ ትጽቢት ኣቶኹ ግን እቲ ሃገራውነትን ሓቦን እንዳ ነስረዲን ኣጸቢቐ ስለ ዝፈልጦ ብኣወንታ ከም ዝመልሰለይ ብዘይ ጥርጥር ንነብሰይ ኣዕገብኩዋ ንሱውን ድሕሪ ሰልሰተ ማዓልቲ ተቐቢለዮ ኣሎኹ ሕጅ ከይደ ካብ ዓዲ ጣልያን ገዚአ ክሰዶ ከምዝኾንኩ የረጋግጽልካ ዝብል መልሱ ምስሃብኒ ናይ ብሓቂ ሓጎሰይ መግለጺ ኣይረኽበሉን፡ ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይ 300,000 ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ብር ዝዋግኡ ማሽናትን ንብዙሕ ከስርሕ ዝኽእል ሉሕ ልኢኹዎ እቲ መንግስቲ ባዕሉ ከም ዝተረከቦ ኣጽቢቐ ይፈልጥ።

እቲ ናይ ክቡር ሓውና ዓብደረሒም ኢድሪስ ንሆስፒታል ዝምልከት ዝተዋህበ ኣወንታዊ መልሱ ንምትግባሩ እምበኣር፡ ምስቶም ናይ ኣስመራ ናይ ተክኒክ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተራኺበ እቲ ዝደለ ክተሓባበሩኒ ምስ ገለጽኩሎም ብሓጎስ ተቐቢሎሞ ንካሌብ ዝተባህለ ክኢላ እንጅነሪ እቲ ዝድለ ናይታ ሆስፒታል ሓድሽ ፕላን ከዳሉ ሓላፍነት ምስ ሃቡዎ ንሱ ኣብ ኤውሮጳ ስለ ዝተማህረ ነቲ ዝድለ ፕሮጀክት ምዕቡል ዘመናዊ ንመንደፈራን ከባቢኣን ከእንግድ ዝኽእል ፕሮጅክት ከዳሉ ከሎ ኣቲ ግንዘብ ብ16,000,000 ብር ዝግመት እዩ ነይሩ፡ ናብ ክቡር ሓውና ዓብዱረሒም እድሪስ ምስ እቕረብኩሉ ከይተዋላወለ ወዲ ብላታ እዚ ገንዘብ ናይ ብሓቂ ብዙሕ እዩ ካብቲ ኣብ ግምተይ ዝጸንሐ ንላዕሊ ክይኑ ረኺበዮ፡ ይኹን ኣምበር ንሕና ኩሉ’ቲ እንውንኖ ንብረት ይኹን ሃብቲ ናትናን ናይ ሃገርን እዩ፡ ስለ ዝኾነ ኣዚ ዝተጠቕሰ ብዝሒ ገንዘብ ልዕሊ እቶም ክቡር ሂወቶም ምእንቲዛ ሃገር ዝሓለፉ ጀጋኑ ስውኣትና ልዕሊቶም ዝሰንከሉ ልዕሊ እቲ ዝተቓለሰ ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ብዝኾ መዕቀኒ ከምዘይከውን ክገልጸልካ ይደሊ ስለ’ዚ ከናስርሓ ኢና ዝብል ኣወንታውን ተባዕ መልሱ ምስ ሃበኒ እቲ ሽዑ ዝተሰማዓኒ ሓጎስ ዝሃበኒ ሞራል ክሳብዚ ዘሎኹዎ ግዜ ኣይክወለንን።

እምበኣር ዘመናዊ ናይ ዝስራሕ ሆስፒታል ፕላን ተዳሊዩ ሰፊሕ መሬት ኣብ ከባቢ ናይ ፎርቶ ብማዕዶ ንዝባን ዑናን በራኽን ዓደቀግነትን ዳንዴርን ዓቢዓድን ከምኡ ውን ብየማንካ ንዓዲ ወግርን ዓዲ ሓረን ዓዲ መንጎትን ብዘይ ስክፍታ ተማዕድወሉ ናይ ተኸላ ጥዕም ንፋስ ተስተንፍሰሉ ጸሓይ ኣብ ምብራቓን ምዕራባን ብርሃን ትዝርግሓሉ መሬት ብምምራጽና እቲ ሆስፒታ ቀልጢፉ ክስራሓልና ሕሙማትና ከነእንግደሉ ክንኽእል እዚ ውጽኢት ቃልሲ ናይቲ ሓቦኛ ህዝብና ዝለዝኾነ ንውሉድ ወሎዶ እንኾርዓሉን እንሕበነሉን ከኸውን ብምትእምማን ብትዕግስቲ ኣብ ኣብ ምክትታል ትጽቢትን ኣቶና።

ኣነ ኣብ 1993 ካብ መንደፈራ ናብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ክቕየር ከሎኹ ንቕያረ ኣቶ ድራጊን ሃይለ ሞሎኮት ብምሉኡ ኣብትሕቲ ምምሕዳረይ ዝነበረ ብጉብእ ኣረኪበ ስለ ዝኸድኩ እቲ ዝዓበየ ትምኒተይ ሆስፒታል ደው ኢለ ምስቶም ዘስረሑዋ ስድራቤት ነስረዲን ምስ ኩሉ ህዝቢ ኣብ ጽንብላ ክሳተፍ እቲ ዝዓበየ ትጽቢተይን ትምኒተይን እዩ ነይሪ ክበሃል ይከኣል።

እቲ ፕላን ተዳልዩ ሰፍሕን ብቑዕ መሬት ተታሕዙ ናይ መስሪሒኡ ብምሉኡ ገንዘብ ተቐሪቡ ከሎ ንምስራሕ ሆስፒታል ኣይተጀመረን ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ብጻይና ኣማሓዳሪ ከተማ መንድፈራ ብሃንደበት ናባይ ናብ ዓዲ ቀይሕ ብኣካል መጺኡ ንዓ ወዲ ብላታ እዛ ብርኩታ ገለ ኣላታ ናይዚጊ ክፍሉ ክዓናቕፎ ይርኢ ኣሎኹ`ሞ ከምቲ ዝጀመርካዮ ገለ ግበር ክብል ኣማኸረኒ፡ ብወገነይ ኣነ ኣማሓዳሪ ናይ ዓዲ ቐይሕ እየ ምትእትታዉ ኣይፍቀድን እዩ እቶ ናይዝጊ ዝህበኒ መልሲ ኻኣ ካብኡ ኣይሓልፍን እዩ ናይዝጊ ኸኣ ኣብ መንደፍራ ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ ሳጉኡ ብዕሽር እዩ ዝጽዋዕ ነይሩ እዚ ማለት ከኣ ዕሽር ሽይጣን እዩ ኣነ ኸኣ ምስ ሸይጣን ክቋየቕ ኣይደልን እየ ግን ኣላህ እንተ ተቐቢሉኒ ንዓኻ እንተ ሰለጠካ ደጋጊመ ጸሎት ክገብረልካ እየ ኢለ ኣፋነኹዎ።

ኩቡር ኣንባቢ ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ሃገራዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓት ውፉያት ሓርበኛታት ኤርትራዊያን ንምዕዋት ቃልስና ዝገበሩዎ ሰናይ ደገፍ ብቐሊል ዝረአ ኣይኮነን ጌና ዘይተገልጹ ዘሎዉ ብዙሓት እዮም ኩሉ ህልዊ ኤርትራዊ በብዝፈልቶ ክገልጽ ተስፋ ይገብር።

ናይ ሓጅ ኣሕመድ እድሪስን ውፉያት ዝተጠቕሱ ኣሕዋቱን ብቐዳምነት ንሃገሮም ኤርታራ ከምኡ ንሽጉር ሰብ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ዝገበሩዎ መዋዳድርቲ ዘይብሉ ሓገዝ ቀንዲ መለለይኦም ኮይኑ ከምዚኦም ዝኣምሰሉ ስድራቤት ክህልውና ናይ ብሓቂ ኣዝዩ ኩርዓትን ሓበንን ይስመዓና።

ሓጅ እሕመድ እድሪስ ወላ ብኣካል እንተ ተፈለየና በቲ ኣብ ምሉእ ዕድሚኡ ዝገብሮ ኣዝዩ ዝምስገን ሓገዝ እንዳመስገና፡ ሓጂ ኣሕመድ ወላ ብኣካል እንተ ተፈለየና በቲ ጽቡቕ ተግባሩ ግን ንውሉድ ወሎዶና ዘይሃስስ ተዘኩሮታት ኮይኑ ኣብ ነብሰ ወከፍ ልቢ ኤርትራዊ ክዝከር ክነብር እዩ።

ንኣያና ሓጂ ኣሕመድ እድሪስ ኣላህ ኣብቲ ሰፊሕ ዳሩ( ኣልጅና )ይቀበሎ ራሕሲ ንስድራቤቱን ሃገርን ይግደፍ ንምሉእ ስድራቤት ጽንዓት ይሃቦም ኣብዚ ይድምድም።

ዝተማልአ ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ።

ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ።



Share with friends:

ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይን መራሒን፡ መሓመድ ብርሃን ብላታ።
Mohammed Berhan Belata, Shares his experience.


1ይ ክፋል (21 April 2012)፡   2ይ ክፋል (22 April 2012)፡   3ይ ክፋል (5 may 2012)፡   4ይ ክፋል (6 may 2012)፡   5ይ ክፋል (19 may 2012)፡   6ይ ክፋል (20 May 2012)፡   7ይ ክፋል (17 Jun 2012)፡   8ይ ክፋል (09 Feb 2013)፡   9ይ ክፋል (23 Feb 2013)፡   10ይ ክፋል (9 March 2013)፡   11 ክፋል (15 June 2013)፡   12 ክፋል (22 June 2013)፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: