Placeholder Picture
Placeholder Picture
ክብሪ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2023!

08/03/2023 02:04 AM

ክብሪ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2023!

Glory to International Women's Day 2023!

መልእኽትታትን ኣስተንትኖታትን። Messages and Reflections.

Glory to International Women's Day 2023!

ክብሪ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2023!
Glory to International Women's Day 2023!

ናይ 2023 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ቴማ፡ "ፍትሒ ምቕባል - Embrace Equity" ዝብል ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ኣብ ሞንጎ 'ፍትሒ'ን 'ማዕርነት'ን (Equity and Equality) ዝብሉ ኣምራት ዘሎ ፍልልይ ንምርዳእን ንምምርማርን ዝድርኽ ኢዩ። ማዕርነት፡ ዝብል ኣምር፡ ንሓደ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ ማዕረ ዕድላት ወይ ጸጋታት ናይ ምርካብ መሰል ዘመልክት ኢዩ። ፍትሒ፡ ክበሃል ከሎ ግን፡ ነፍሲወከፍ ሰብ ናቱ ፍሉይ ኩነታት ከምዘለዎ ብምእማን፡ ምስ ናቱ ፍሉይ ኩነታት ዝሳነ ጸጋታትን ዕድላትን ከምዝማቓራሓሉ ብምግባር፡ ናብ ምዕሩይ ዝኾነ ውጽኢት ከምዝበጽሕ ምርግጋጽ ማለት ኢዩ።

Equity and Equality ('ፍትሒ'ን 'ማዕርነት'ን)

ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ፡
መጋቢት 8፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ።

ጓለ’ንስተይቲ፡ (ኣደ)፡ ስድራቤት ካብ እትፍጠርን ክብቲ ፍልማዊ ደረጃ ምዕባለ ሕብረተሰብን ኣትሒዛ፡ ኣብ ህይወት ስድራቤትን ኮምን፡ ዕዙዝን ክቡርን ቦታ ከምዝነበራ፡ ተረኽቲ ጽሑፋት ይነግሩና። ኣብ ሕብረተሰብና እንተኾነ`ውን፡ ጓለ`ኣንስተይቲ፡ ክብርቲ ኢያ።

እንተኾነ ግን፡ ደረጃ ምዕባለ ሕብረተሰብ እናማዕበለ ኣብ ዝኸደሉ፡ ልዕልና ተባዕታይ እናሳዕረረ መጺኡ፡ ማዕርነትን መሰልን ጓለ`ንስተይቲ ክገሃስ ተራእዩ። ብፍላይ ዓለምና ብኲናት ክትሽመም ኣብ ዝጀመረትሉ መዋእል፡ እቲ ምረት ናይ ጥፍኣት ደቂ-ሰብ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ናብራ ዘስዓቦ ምንቁልቋል፡ ደቀንስትዮ ብትብዓት ንሰላምን ንማዕርነታዊ መሰለንን ክለዓላ ቀሲቡወን። ነዚ ኸኣ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ደቀንስትዮ ዓለም፡ ከቢድ መስዋእቲ ከምዝኸፈላሉ ታሪኽ ይምህረና።

ንኣብነት፡ ኣብ HISTORY OF INTERNATIONAL WOMEN'S DAY ዝተባህለ ወብሳይት ዝሰፈረ ታሪኻዊ ሓቅታት ከምዝሕብሮ፡ ታሪኽ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ዋላ`ኳ ብተዛማዲ ዕድመኡ ሓጺር እንተኾነ፡ ከምተን ኣበገስቱ፡ ተባዕን ድሙቕን ኢዩ።

ቅድሚ`ቲ ውዕዉዕ ናይ 1960ታት ምንቅስቓስ ደቀንስትዮ ምምጽኡ፡ መበቆሉ ናብ ለካቲት 28, 1909 ዝኸይድ ኮይኑ፡ ኣብ ኒውዮርክ ሕ.መ.ኣ.፡ ብዛዕባ መሰል ደቀንስትዮ ትኹረት ተዋሂቡዎ ምንባሩ ይንገር። መበገሲ ናይዚ ኸኣ፡ እቲ ብ “ሃገራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ” ዝፍለጥ፡ ብ`ቴረዛ ማልኬል (Theresa Malkiel) ዝተበገሰ ትንግርታዊ እማመ ዘንቀሎ፡ ኣብ መጋቢት 08, 1857 ከተማ ኒውዮርክ ዝነበረ ናይ ፋብሪካ ዓለባ ሸቃሎ ምንቅስቓስ፡ ንምዝካር ኢዩ።

ብ`ቴረዛ ማልኬል (Theresa Malkiel)ን ካልኦት ኣመሪካውያን ተንቃሳቐስትን ከምኡ`ውን ሉዊስ ዘትስ (Luise Zietz) ናይ ጀርመን ማሕበርነታዊ ምንቅስቓስ ዓመታዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ክካየድ ሓሳብ ብምቕራቡ፡ ብኡንብኡ ከኣ ብ`ክላራ ዘትኪን (Clara Zetkin) ከምኡ`ውን ብ` ኬይት ዳንከር (Kate Duncker) ደገፍ ረኺቡ። ብኸምዚ ኸኣ ሚእቲ ወከልቲ ደቀንስትዮ ናይ 17 ሃገራት ኣብ ዝተረኽባሉ፡ ንመሰላት ደቀንስትዮ (The Rights of Women)፡ ከምኡ`ውን ንናይ ደቀንስትዮ ናይ ምድማጽ መሰል (Suffrage) ዝብል ጠለብ ከዋዓውዕኦ ተሰማምዓ።

ኣብ 19 መጋቢት 1911፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ብወግዒ ንመጀመርታ ግዜ ብዒሉ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ጽምብል ኣብ፦ ኣውስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመን፡ ከምኡ`ውን ስዊዘርላንድ ተኻይዱ። ደቀንስትዮ፡ ናይ ምድማጽ መሰል ክወሃበን ጠሊበን፡ ኣብ ስራሕ ዝግበር ጾታዊ ኣድልዎ ንክውገድ`ውን ክቃለሳኦ ወሲነን።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ 1913፡ ንፋልማይ እዋን ኣብ ሩስያ፡ ተፈላጥነት ረኺቡ። እዚ ብግዲኡ ነቲ ናይ 1917 ሰውራ ሩስያ፡ ድርኺት ከምዝሃቦ ይንገረሉ። ኣብቲ እዋን`ቲ ኣብ ከተማ ቅዱስ ፒተርስበርግ፡ "ንሕብስቲን ንሰላምን (Bread and Peace)" ዝተሰምየ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብደቀንስትዮ ተኻየደ። ዕላምኡ ኸኣ፡ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ደው ክብል፡ ከምኡ`ውን ኣብ ትሕቲ ጻራዊ ስርዓት ሩስያ ገኒኑ ዝነበረ ሕጽረት መግቢ ከብቅዕ፡ ዝጠልብ ነበረ። ኣብዛ ዕለት`ዚኣ (ኣብ መጋቢት 8) ሸቃሎ ካብ መላእ ፋብሪካታት ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ገበሩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ኒኮላስ 2ይ ናይ መወዳእታ ንጉስ ስርዓት-ጻር፡ ድሕሪ`ቲ ምንቅስቓስ ተቐትለ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ደቀንስትዮ ሩስያ፡ ናይ ምድማጽ መሰል፡ ረኸባ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ደቀንስትዮ ሩስያ ዘርኣያኦ ሃገራዊ ጅግንነትን ተወፋይነትን፡ ተወሲኹዎ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ወግዓዊት ናይ ዕረፍቲ በዓል ክትከውን ተኣወጀት።

ብመጀመሪያ፡ ኣብተን ማሕበርነታዊያን (ኮሙኒስት) ሃገራት ዝነበሩ ወደብቲ ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ተሰንያ በዚ መንፈስ`ዚ ተባዕለት። ኣብ 1922 ከኣ እዚ ምልዕዓል`ዚ ናብ ቻይና ሰጊሩ፡ ካብ 1949 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር፡ “ፍርቂ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዕረፍቲ (half-day of work)”፡ ንደቀንስትዮ ተኣወጀለን።

ንመሰል ደቀንስትዮ ዝጠልብ ሕቶ እናዓበየ ቀጺሉ፡ ዓቢ ደገፍ`ውን እናረኸበ ስለዝኸደ፡ ኣዝየን ብዙሓት ደቀንስትዮ ዝነብራኦ ዝነበራ ሕሱም ኩነታት ዕዙዝ ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ ግድን ኮነ። ኣብ 1967፡ እተን ሓደስቲ ወለዶ ናይዚ ምንቅስቓስ (Feminist movement)፡ ነቲ ` መሰላት ደቀንስትዮ ` ዝብል ኣምር ብምስፋሕ፡ ማዕርነት ኣብ ደሞዝ/መሃያ፡ ኣብ ቁጠባዊ ዕድላት፡ ኣብ ሕጋዊ መሰላት፡ ኣብ መሰላት ወሊድ (ጥንሲን ሕርሲን)፡ መሰል ድጎማ ንክንክን ህጻንን፡ ውሕስና ጓላንስተይቲ ካብ ዘቤታዊ ዓመጽን፡ ዝብል ጠለባት ወሰኻሉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ኣብ 1975 ከብዕሎ ጀሚሩ። በዚ መሰረት እታ ዓመት`ቲኣ፡ "ኣህጉራዊ ዓመት ደቀንስትዮ (International Women’s Year)" ተባሂላ ተሰይማ። ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 1977፡ ኣባል ሃገራት ብምዕዳም፡ መጋቢት 8፡ ከም ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዓልቲ፡ መሰላት ደቀንስትዮን ዓለማዊ ሰላምን ኮይና ክትበዓል ኣዊጁ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሎሚ ኸኣ፡ ንመጋቢት 8፡ ከም ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ብዓለም ደረጃ ነብዕላ ኣሎና።

•   ብዛዕባ ዝርዝር ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ባይታን ናይዚ ዕለት`ዚ፡ ኣብ ዊኪፐድያ፡ https://en.wikipedia.org/wiki/International_Women%27s_Day ከተንብቡ ትኽእሉ።

ናይ ሎሚ ዓመት (2023) ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ቴማ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN)፡ "DigitALL: ምህዞን ቴክኖሎጅን ንጾታዊ ማዕርነት (DigitALL: Innovation and technology for gender equality)” ዝብል ኢዩ። ኣብዚ መዋእል'ዚ፡ ዳርጋ ንኹሉ ዕለታዊ ተግባራትናን ጠለባት ህይወትናን፡ ኣዝዩ ምስ ተክኖሎጂ እተኣሳሰረን ኣብኡ ዝምርኮስን ኢዩ። ይኹን እምበር፡ 37% ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም፡ ጸጋታት ኢንተርኔት ኣይጥቀማሉን እየን። ቀጽረን ዳርጋ ፍርቂ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እኳ እንተኾኑ፡ ቁጽሪ ናይተን ኢንተርነት ዝጥቀማ ደቀንስትዮ፡ ብ259 ሚልዮን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ይውሕድ። ብሰንኪ እዚ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ኢንተርነት ወጺአን ክጥቀማ፡ ውሕስነት ዘለዎ ኮይኑ ኣይስምዐንን ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ምስቲ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለ ተክኖሎጂ ዝሓትት ሞያታት ንከይስጉማ ሓደ ካብቲ ጸገማት ኮይኑ ይርከብ። ደቀንስትዮ ኣብዚ መዳይ እዚ ከምዝሳተፋ ምርግጋጽ ማለት ከኣ፡ ኣብ ምሞብዕባል ተክኖሎጂ ዘለወን ዕቑር መሃዝነት ዕድል ዝኸፍትን ማዕርነት ጓለንስተይቲ ዘረጋግጽን ኢዩ።


መጋቢት 8፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ልቢ ኤርትራውያን ዘለዋ ረዚን ቦታ፡

ብዛዕባ መጋቢት ሸሞንተን ትርጉማ ንኤርትራውያንን፡ ብመንጽር ኣብ ታሪኽና ዝሓለፍናዮ ነዊሕን ገድልን፡ ብሰፊሑ ኣብ ታሕቲ ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ዝተዋህበ ገምጋማትን ምስክርነታትን እኳ ቀሪቡ እንተሎ፡ ጽሙቕ ብዝበለ ንመእተዊ መርኣያ ክኾነና ግን፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ክንገልጾ ይከኣል፦

ናብቲ ጥንታዊ ክቡር ባህሊን ልምዲን ሕብረተሰብና ተመሊስና ኣንተጠሚትና፡ ኣደ፡ ከም፦ ሓብሓቢትን ሓቛፊትን ስድራ፡ ቦቕቧቕ፡ ብርሃንን ግርማን ናይ ገዛ፡ ኣማኻሪት ሰብኣያ፡ ንነብሳ ጸኒዓ ንሰብኣያ እተጽንዕ፡ ጻዕረኛ፡ መማዕረጊት ውራያትን ጽምብላትን ዓዲ፡ ኣማሓላላፊትን ኣውራሲትን ባህሊ ሕብረተሰብ፡ ኣርማ ናይ ዕርቂን ሰላምን፡ ወዘተ ኮይና ኢያ እትግለጽ። ኣብ ሓጎስ ይኹን ሓዘን፡ ተራን ተሳትፎን ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ልሉይ ኢዩ። ናብ 15 ክፍለ-ዘመን ንታሪኽ ኤርትራ ተመሊስና እንተተመልከትና፡ ደቀንስትዮ ኣርባዕተ ዓድታት ናይ ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ ነቲ ብሰንኪ ዘይምስናይ ሰብኡተን ኣብ ዓድታተን ዝወርድ ዝነበረ ዘረፋን ግፍዕታትን ደው ንምባል፡ ብሓባር ዘትየን፡ ንሰብኡተን ብምስማር፡ ናይ ኣርባዕተ-ኣስመራ ጸጥታ ከምዘውሓሳ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ኣሎ። ደቀንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዕርቂን ሰላምን ሕብረተሰብ ዝነበረን ተራ ኸኣ የመልክተልና። ደቀንስትዮ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዕርቅን ስኒትን ዝጻወትኦ ተራ ቀሊል ኣይኮነን። ካብ ኣብ መብዛሕትኡ ሕግታት እንዳባ (ሕብረተሰብ ኤርትራ)፡ ንቦታን መሰልን ጓል ኣንስተይቲ ዘኽብርን ዝከላኸልን ዓንቀጻት ከምዘለዎ ንዕዘብ። ንኣብነት፡ ወዲን ጓልን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ገይሩ ይርኢን ይቐጽዕን። ኣብ ልዕሊ ጓለንስተይቲ ዝወርድ ግፍዒ እውን ይከላኸል (ጓለንስተይቲ ኣፋ ምስክራ፡ ኣደ ዝሃበቶ ውሁብ፡ ወዘተ ክንጠቅስ ንኽእል)። ዳርጋ ኩሉ ሕግታት እንዳባ፡ በዚ መንጽር`ዚ ይመሳሰል ኢዩ።

ይኹን`ምበር፡ ንመሰል ጓለንስተይቲ ዝደቁስ ጎዳኢ ባህልታትን ምስላታትን ከምዝነበረ እውን ንዕዘብ ኢና። ንኣብነት፦ ጓል ዝወለደን ጨው ዝነገደን ሓደ፡ ዝዓበየት ጓልካ ንዝብኢ ሃባ፡ ጓል ምውላድ ጉድ ምውላድ፡ ወዘተ ክንጠቅስ ንኽእል። ብዘይካ`ዚ፡ ንባህሪያዊ ጾታዊ ዕግበት ጓለንስተይቲ ዝደቁስ፡ ከም ምግራዝን ክሽቦን ምኹላልን ደቀንስትዮ፡ ኣብ መላእ ሕብረተሰብና ምንባሩ ፍሉጥ ኢዩ።

መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ምስ ጎበጣን፡ ምስ ምጅማር ሰውራ ኤርትራን፡ ኣበርክቶን ተራን ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝድነቕ፡ ኣብ ዘበናዊ መዋእል ዓለምና ዝተፈጸመ መስተንክራት ኢዩ ነይሩ። ንደቀን መሪቐን ንቃልሲ ኣፋንየን፡ ጋሻ ጸላምን ብርሃንን ኣዐንጊለን፡ ሚስጢርን ንብረትን ሰውራ ኣብ ጉብጥሽን ውሻጠን ዓቂበን፡ ኣብ ግንባራትን ደጀናትን ንተጋደልትን ውጉኣትን ኣልየን፡ በጃ ህዝበንን ሰውራአንን፡ ሚስጢራት ከየሕለፋ ኣብ ትሕቲ ኣስካሕካሒ መርመራን መግረፍቲን ኣብያተ-ማእሰርቲ ጸላእቲ፡ ህይወተን ኣሕሊፈን። ኣብ መላእ ዓለም ተሰዲደን ዝነበራ ደቀንስትዮ፡ ነብሰን ረሲዐን፡ “ሃገረይ ስልማተይ!” ብምባል፡ ገንዘበንን ንብረተንን ንሰውራ ወፍየን፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ መብዛሕትአን ብዘይ ሓድግን ንብረትን ተሪፈን። እዚ ብሓፈሻ ናይተን ብረት ዘይዓጠቓ ኣደታትን ደቀንስትዮን ኤርትራ ዝምልከት ክኸውን ከሎ፡ እተን ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብረት ተሓንጊጠን ዝተሰለፋ ኸኣ፡ መስተንክር ጅግንነት ፈጺመን። ልዕሊ ሓደ-ሲሶ ካብ ቁጽሪ ተጋደልቲ ብምሽፋን፡ ንሰውራ ኣሟሚቐን። ንነብሰን ጸኒዐን፡ ንብጾተን ከኣ ኣጽኒዐን።

ከም ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ንመሰላተንን ንሓርነት ሕብረተሰብን፡ ድርብ ቃልሲ ኢየን ኣካይደን። ንባህሪያዊ ጸገማት በዲሀን፡ ብግብራዊ ተሳታፍነት ንማዕርነተንን መሰላተንን ተቓሊሰን። ኣብ እዋን ሰውራ ኣብ ኩሉ ዓውድታት (ደጀንን ግንባርን) ማዕረ ተባዕትዮ ብጾተን ዕዉት ስራሕ ሰሪሐን። ኣብ ሰማይ ጠቀስ ዝኾኑ ጎቦታትን ኣጽምእ ጎላጉልን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ግጥማት ብተኣምራታዊ ጅግንነት ተዋጊአንን ንብጾተን መሪሐንን ዓወታት ኣመዝጊበን። ብሓፈሻ፡ ቃልሲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ሓደ ካብቲ ጸሓፍቲ ታሪኽ ብኣድናቖት ዝጥምትዎን ዝመዝገቡዎን ብምዃኑ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ንኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኸኣ ብፍላይ፡ ክንኮርዓሉ ዝግባኣና ኢዩ።

ሕጂ ደቀንስትዮና ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከባ ኣለዋ?

ኣብ ዝኾነ ኲናትን ውግእን፡ ጓል-ኣንስተይቲን ቆልዑን፡ ቀዳሞት ግዳያት ኢዮም። ንኤርትራ ሃገርና ዘጋጠማን ክሳብ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ውግእን ወረ-ውግእን ኩነታት፡ እተን ቀንዲ ግዳያት፡ ኣዴታትና፡ ኣሓትናን ደቅናን ኢዮም። ክንዲ ኣቦን ኣደን ኮይነን ዘኽታማት ቆልዑ ዘዕብያ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሰብኡተን ተፈልየን ኪዳነን ክሕልዋ ተሓሪመን ዝነብራ፡ ብሃለዋት ሰብኡተንን ደቀንን ዝጭነቓን ዝሻቐላን፡ ብሓለንጊ ጥሜትን ዓጸቦን ዝሳቐዩ ደቀን እናረኣያ፡ ክሳብ ኣዒንተን ዝቑልዕ ዝነብዓ፡ ንሰን ኢየን።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ`ቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ምሕደራ፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። ይኹን`ምበር፡ ኤርትራዊያን ደቀንስትዮ ኸኣ፡ እተን ኣዝየን በዚ ሳዕቤን`ዚ ዝተተንከፋን ተሰከምቲ ናይዚ ከቢድ ወጽዓን ኢየን። ብሰንኪ`ቲ ኣብ ፈቐዶ ሰሃራን ባሕሪን ዝሃልቕ ዘሎ ውላደን፡ ኣብ ኲናት ዝተሰውኡ ሰብኡተንን ደቀንን፡ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ንብዓኣትን ዝነብራ ዘለዋ ንሳተን ኢየን። ውሉዳተን ብንኡሳቶም ካብ ኢደን ተመንጢለን፡ ናብ ሳዋ ይውሰዱ። ብዙሓት ደቀንስትዮና፡ ኣብቲ ደረት-ኣልቦ-ጊልያነት ዝኾነ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”፡ ደቀንስትዮና፡ ካብ ሳዋ ጀሚረን ክሳብቲ ዝምደባሉ ኣሃዱታት፡ ግዳይ ጾታዊ-ዓመጻት ከምዝኾና ካብ ኣእዛንናን ኣዒንትናን ዝተኸወለ ኣይኮነን። ካብዚ ግዱድ ዕስክርና ንምግልጋል፡ ብዙሓት መንእሰያት ደቀንስትዮ፡ ዕድል ናይ ትምህርተን ኣቋሪጸን፡ ኣብ ኣዝዩ ንኡስ ዕድመአን ኣብ ሓዳር ተቖሪነን፡ መጻኢ ዕድለን ክቑጸ ንርኢ ኣሎና። እዚ ብግዲኡ፡ ንደቀንስትዮና፡ ብትምህርቲ ንከይስልጥና፡ በዚ ኣቢለን ንመሰለንን ህይወተንን ብንቕሓት ንኸይቃለሳን ዝዕንቅፍ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዓቢ ኣደራዕ ኮይኑ ይርከብ።

ልዕሊ ኹሉ ኸኣ፡ ንዕላማ መስዋእቲ ኤርትራዊያን ደቀንስትዮ ዝጻረር በቲ ምልካዊ ስርዓት ዝተፈጸመ ክሕደት፡ ነተን ብጅግንነት ዘዋግኣን ዝመርሓን ደቀንስትዮ ብስም ምጥያስ ኣመዛቢልካ ኣብ ኣዝዩ ከርፋሕ ህይወት ንክነብራ ምግባር፡ ሓደ ካብቲ ዝተፈጸመ ገበን ኢዩ። ብዙሓት ተጋደልቲ ደቀንስትዮ፡ ናይ ምውላድ ዕድለን ብሰንኪ ገድሊ ሰዊአን፡ ዘዕልል ቆልዓ ዘይብለን ዝተረፋ ጀጋኑ፡ ብዙሓት ኢየን። እዚ ኹሉ ኸኣ፡ ዓቢ ሕብረተሰባዊ ጸገም ኢዩ።

ጓል ኣንስተይቲ ምሉእ-ብምሉእ ዘይትሳተፈሉ ሕብረተሰብ፡ ምዕባለ ኣሎ ኢልካ ክሕሰብ ዘይከኣል ኢዩ። ስልጥንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ዓንዲ ማእከል ምዕብልቲ ስድራቤት ኢያ። ምዕብልቲ ስድራቤ ከኣ፡ መሰረት ስልጡን ሕብረተ-ሰብ ኢያ። ስለዝኾነ፡ ንምዕባለ ጓል ኣንስተይቲ ዝጻባእ ፖሊሲ፡ ኩልና ክንኩንኖ ይግባእ። ነቲ ንምዕባለ ደቀንስትዮና ዝሕግዝ ስጉምትታት ከኣ፡ ክንጣበቐሉን ክንድግፎን ይግባእ።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ሽግርን ጸበባን ዘንቀሎ ስደት ኤርትራውያን፡ ዋላ`ኳ ንኹሉ ዕድመታትን ጾታን ዝጸለወ እንተኾነ፡ ብፍላይ ንደቀንስትዮ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥመን ግፍዕታት ንክትሰምዖ ዘስካሕክሕ ኢዩ። ብሰንኩ ኣብ ልዕሊአን ዝሓደረ ስነኣእሙሮኣዊ በሰላ እውን ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ብግዲኡ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ደቀንስትዮ ዝፈጥሮ ዕንቅፋታት እውን ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ሳዕቤን`ዚ ንምፍዃስ፡ ናይ ኩሉ ግዱስን በዓል ሞያን ኣቓልቦን ደገፍን የድሊ።

ኣብ ስደት ዘሎ ኣሻቓሊ ጉዳይ፡ ብሰንኪ ንመንእሰያትና ኣብ ሓዳር ዘጋጥም ምግርጫው፡ ዝርአ ዘሎ ሓድሕድ ምቅትታል ኢዩ። እዚ ንኹሎም መንእሰያትና ግዳይ ዝገብር እኳ እንተኾነ፡ እተን ቀንዲ ግዳያት ግን፡ ደቀንስትዮ ኢየን። እቲ ሱር ጠንቂ ናይዚ ኹሉ፡ መንእሰያት ሃገርና፡ ማሕበራዊ ክብርታት ወለዶምን ሕብረተሰቦምን ከይፈለጡን ከይጸገቡን፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ተመንጢሎም ናብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ምስ ተወስዱ፡ ንመዋእል ኣብኡ ስለዝበልዩን ኢዩ። እቶም ናብ ስደት ዘምርሑ ተባዕትዮን ኣንስትዮን፡ ነዚ ኩነታት ዘይተጻወሩዎ ኢዮም። በቲ ክብሪ ናይ ሕብረተሰብና ስለዘይዓበዩ፡ ንሱ ዘስዓቦ በሰላን ዘይቅሳነትን ኢዩ ኸኣ ናብ ዘይምጽውዋር ዘብጽሖም። እዚ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኩነታት ንምልዋጥ፡ ናይ መላእ ዲያስፖራ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብፍሉይነት ከኣ ሰብ ሞያ፡ ዕቱብ ኣቓልቦን መፍትሒ ምንዳይን ይጠልብ።

ጓል ኣንስተይቲ ዓለም፡ ንመሰላ፡ ባዕላ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ደው እንተዘይ ኢላ፡ ብምጽወታ ካልኦት መሰላ ክረጋገጸላ ኣይከኣልን ኢዩ። ዝነቕሐት ጓል ኣንስተይቲ፡ ዋሕስ ናይ ምርግጋጽ መሰል ደቀንስትዮ ስለእትኸውን፡ ደቀንስትዮ፡ ንቕሓት ኣብ ምብራኽ፡ ዘይተሓለለ ቃልሲን ተሳትፎን ከርእያ ግድን ኣድላዪ ይኸውን። እዚ ክረጋገጽ ዝከኣል ከኣ፡ ጓል ኣንስተይቲ፡ ነዚ ንምዕዋት ዘኽእል፡ ሓያል ናጻ ውዳበ ናይ ደቀንስትዮ፡ ምስዝህሉ ኢዩ።

ቃንዛኽን ቃንዛና ኢዩ። እቲ ቃልስን ዓወትን ከኣ ናይ ሓባር ኢዩ።

ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዳርጋ ሓደ ሲሶ፡ ኣብ ስደት ክሰፍር ኢዩ ተገዲዱ ዘሎ። ካብተን ዕድል ረኺበን ኣብ ስደት ዝርከባ ደቀንስትዮና፡ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመታት፡ ብዙሓት ምሁራትን ምኩራትን ኣጥሪና ምህላውና፡ ነዚ ኣቐዲሙ ክግለጽ ዝጸንሐ ዕማም ኣብ ምስልሳል፡ ኣገዳሲ እጃም ክህልወን ይግባእ። በቲ ዛጊት ዝፍትንኦ ዘለዋ ስጉምትታት ከኣ፡ ክብርን ሞጎስን ይብጻሓየን።

ብዘይ ሓርነት ደቀንስትዮ፡ ሙሉእ ሓርነት ናይ ሕብረተሰብ የለን። ሽግርና መሊኣ ንኽትቅንጠጥ ምምዕባልን ምሕያልን ጓለንስተይቲ፡ ሕመረት ናይ ዓወትና ኢዩ። እዚ ንኽማላእ፡ ጓላንስተይቲ፡ ንመሰላ ርእሳ ኣቕኒዓ ደው ከምእትብልን ከምእትጣበቕን ንምርግጋጽ ዝካየድ ቃልሲ፡ ኩልና ክንድግፎን ከነተባብዖን የድሊ። ጓለንስተይቲ ኣብ ቦታ መሪሕነት ናይ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ውዳበታትና ከምእትድይብ ምግባር፡ ይጽናሓለይ ዘይባሃሎ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ማለት፡ ንሕና ተባዕትዮ፡ ኣብ ወጽዓን ሽግርን ኣሓትና ዘሎና ሌላን ርድኢትን ንምምዕባል፡ ሓያል ጻዕሪን ጎስጓስን ከነካይድ ይግባኣና። ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ውዳበታትና፡ ኣብ ሕብረሰብና ክመጽእ ናይ እንደልዮ ለውጢ መቃለሲና ስለዝኾኑ፡ ኣብዚ መዳይዚ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ክንከይድ ይግባእ።

ሙሉእ ዓወት ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ 8ተ መጋቢት!

ኤርትራዊት ኣደ፡ ካብ ዘሎ ምልካዊ ኣደራዕን ሓሳር ዝመልኦ ናብራን፡ ሓራ እትወጽሉ እዋን ቀረባ ኢዩ።
እዚ ናይ ሓርነትን ማዕርነትን ጉዕዞ፡ ብሓባራዊ ቃልስና ክዕወት'ዩ።

ስኒትና.ኮም
08/03/2023


ኣስዒብና ኣብ ታሕቲ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት፡ ውድባት፡ ከምኡ`ውን መራኸቢ ብዙሓን፡ ነዚ ዕለት`ዚ ዘንጸባርቑ ዝኽርታትን ጽሑፋትን፡ ከነቕርበልኩም ኢና። እዚ ገጽ እዚ፡ ብቐጻሊ ዝውሰኽ ትሕዝቶ ስለዝህልዎ፡ ብቐጻሊ ክትበጽሑዎ ንላቦ። ነዚ ገጽ እዚ ዘሀብትም ትሕዝቶ ምስ ዝህልወኩም ከኣ ክትሰዱልና ወይ ክትሕብሩና ንላቦ። ኣብዚ ጠውቑ

ጽምብላት፡ ገምጋማትን ዝኽርታትን።
Celebrations, Analysis and Reflections.
الاحتفالات والتحليل والتأملات.


DigitALL: Innovation and technology for gender equality - UN Observance of International Women's Day 2023


Rtie Media ርትዒ ሜድያ፡
ምስ ወ/ሮ ሓረጉ ኣስፋሃ ብምኽንያት ዝሓለገ 8 መገባት ኣህጉራዊ ማዕልቲ ደቂ ኣንስትዮ


A special seminar on the occasion of International Women's Day
ፍሉይ ሰሚናር ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ።
ندوه خاصة بمناسبة يوم المرأة العالمي
The importance of Eritrean women's participation in change.
أهمية مشاركة المرأة الإرترية في التغيير.
ኣገዳስነት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ለውጢ
አጋይሽና ضيوفنا
ተጋ/ ጀውሃራ መሓመድ ዓብደላ المناضلة / جوهرة محمد عبد الله
ዶክተር/ አስያ ዓብደልቃደር الدكتور/ اسيا عبد القادر
ወይዘሮ/ ካዲጃ ዓሊ መሓመድ ኑር الأستاذة / خديجة علي محمد نور


New year 2023 message by Dr. Tesfa G. Gebremedhin.

ስለ ክብሪ ኣዴታት ኣሓትና
ብዶ/ር ተስፋይ ገ/መድህን

ልዑል ኣምላኽና ካብ ሰማይ ወረደ
ንህዝቢ ዓለም ከድሕን ሓደ በብሓደ
ኣረጊት ሽማግለ ዋላ ህጻን ትማል ዝተወለደ
መድሓኔ ዓለም ምኻኑ ብመለኮቱ ዘግሃደ
ንኣዴታት ውክልና ሃበን እቲ ካብ ኩሉ ዝከበደ
ንሕዝቢ ዓለም ከምሓድራ ከምቲ ዝተለምደ
ስነ ምግባረን ለውሃተን ወትሩ ዝተነኣደ
ንኣቦታት ብፍላይ ብትሪ ገኒሑ ዝመዓደ
ሓጥያቶም ደምሰሰ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ
ካብ ኣቦና ኣዳም ዝተወረሰ ሓጥያት ሱር ዝሰደደ
ኣብ ሕድሕድና ምትፍናን ነዲሩ መንነትና ዘዋረደ
ኣብ ሕድሕድ ምጉዝዛይ ብኢሱ እንታይነትና ዘፋረደ
ብሰንኩ ሓዳር ይፈርስ ኣሎ ከም ዝዓበደ
ፍትሕ ብጣዕሚ ገኒኑ ንብዙሕ ሰብ ዘሰንበደ
ቃል ኪዳን ተረጊጻ ብትዕቢት ዝሰወደ
ቆልዑ ተሃሰዩ ብሰንኪ ግርጭት ኣቦ ምስ ኣደ
ገሊኡ ኣብ ዕጸ-ፋርስ ይነብር ንዝተኽበሉ እንዳ ሰገደ
ገሊኡ ብሰንኪ ጭንቀት ዘመድ ይቀትል ብረቱ እንዳ ጻወደ
ገሊኡ ናብ ቤት ማእሰርቱ ይማላለስ ጸገማቱ ዝኸሐደ
ገሊኡ ካብ ቤተ ክርስትያን ይሃድም መጽሓፍ ኩነኔ ዝሸምደደ
ገሊኡ ካብ ቤት ትምህርቲ ይቦኩር ዓይነ-ልቦንኡ ዝጋረደ
ገሊኡ ዝኣልዮ ስድራ ቤት ዝሰኣነ ኣብ መቆቢ ሰፈር ዝተኣገደ
ዘይኑቡር ተርእዮታት ንዕዘብ ምስ ባህልና ዘይተዛመደ
መዓስ ኢና ንፍጽም ናይ ነፍስ ወከፍና ግደ
ግቡእና ክንገብር ኩነታት ደቅና ከይገደደ
ደቅና ክንእክብ ክንሓቁፍ ክንኣሊ ግዜ ከይከደ
ሰብኣይ ናብ ቤቱ ደቁ ክምለስ ካብ ሓዳሩ ዝሓንገደ
ሓላፍነትና ነተግብር ፍረ ዓስብና ካብ ኣምላኽ ብግቡእ ክንፍደ
ሓድነትና ነትርር ብስነ ምግባርና ዝተዋደደ
ሰናይ ሂወት ከነሕልፍ ብፍቅሪን ሰላምን ዝተዋሃሃደ
ጸጋ ኣምላኽና ኣይፈለየና ዝዓበየ ዝረጎደ

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላክና
ክብረትን ሞጎስን ንኣዴታት ኣሓትና
ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላትና።
ዝከበረት መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ይግበረልና።


ብእዋና ዝተዳለወ መደብ፡ 8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊ ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳማይ ክፋል።


ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ነበርቲ ዓባይ ብርጣንያ 8 መጋቢት ኣብዒለን።


ባህግና Bahgna 117፣ ምስ ህልው ኩነታት ኤርትራውያን ደኣ 8 መጋቢት ክነብዕል የምሕረልናዶ!


ATV: ዘተ ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ምስ ኣሓት ተቓለስቲ ንፍትሒ - ትንሳኤ ሚድያ


ዘተ ምስ ገዲም ተጋዳሊት ፋጥማ ሳልሕ ዓብደላ: ብኣጋጣሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ 2022
International Women’s Day 2022: Discussion with veteran woman Fatuma Saleh Abdalla.


ግጥሚ፡ ብሓርበኛ ገዲም ተጋዳሊት ፍረወይኒ ባይረ!


12 March 2022: Eritrean Political Forces - International Women's Day Celebration.
ጽምብል ኣህጉራዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት: ብፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝተዳለወ ዝካየድ ዘሎ እዩ።


ERISAT:ቅንየት ንሓርነት


ATV: ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ሰሜን ኣመሪካ - ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት


RISAT:ወይዘሮ ኣበባ ባዓታይ ኣብ ሃገራዊ ምዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ


ATV: ኣምባሳደር ሕብረት በርሀ - ኣብ ጽምብል መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣመሪካ


ERISAT:ሳባ ኣብራሃም ኣብ ሃገራዊ ምዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ


ATV: ኣዴታት ኤርትራ ኣለኽን ዶ? - ብ ኤደን ኢያሱ / Eden Eyasu


ATV: ኣምባሳደር ሕብረት በርሀ - ኣብ ጽምብል መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣመሪካ


ERISAT:ፕሮፌሰር ኣልጋነሽ ኣስፋሃ ኣብ ሃገራዊ ምዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ


EPF: ቃለ ምሕትት ምስ ገዳይም ተጋደልቲ ኣዴታት ብምኽንያት 8 መጋቢት 1ይ ክፋል!


International Women's Day Celebrations I United Nations


Dehay Eritrea ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ተጋዳሊት ሰውራ ኤርትራ ራሕማ ሳልሕ " ኣነ ይጅምሮ አሕዋተይ ከኣ ክስዕባኒ እየን"


ATV: ዘተ ምስ ገዲም ተጋዳሊት ኣበባ ኣብርሃ - ብዛዕባ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ - ብ ምኽንያት 8 መጋቢት


Radio Erena. 10 March 2022. Daily News:- Eritrea, Ethiopia, Russia, Ukraine + ኩናት ቲ ዝሓሰመ ቫይረስ


#Radio-Simret:- እዋናዊ ግጥሚ #ኤርትራዊት-ኣደ!


ብምኽንያት 8 መጋቢት መዓልቲ ደቀንስትዮ: ዝተፈላለየ ዕላላትን ሰሚናራትን
Videos reflecting International Womens Day




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: