ዝሓቶ ሰብ ዘይረኸበ ናይ ኤርትራ ዕሉል ገበነኛ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

06/01/2019 03:28 AM

ዝሓቶ ሰብ ዘይረኸበ፡

ናይ ኤርትራ ዕሉል ገበነኛ።

ብ'በርሀ ደስታ


ዝሓቶ ሰብ ዘይረኸበ ናይ ኤርትራ ዕሉል ገበነኛ


ዝሓቶ ሰብ ዘይረኸበ ናይ ኤርትራ ዕሉል ገበነኛ።

እቲ ብ1965 ብመንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ናይ ኣመሪካ ጸጥታዊ ስለላ (CIA)ን: ነቲ ክካየድ ዝጸንሔ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍሻል ዝተላእከ፡ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ ዝተባህለ ዕሱብ ሰብ፡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ፡ ተቓላሲ ተመሲሉ ካብ ዝተሓወሰላ ዕለት ጀሚሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብገርሁ ከሎ፡ ክምክቱኒ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ንዝጠርጠሮም ብሉጻት ተጋደልቲ፡ ብኣብርሃም ተወልደ ጀሚሩ፡ ብርቱዕ ቅንጸላን፡ ኣዝዩ ሃሳዪ፡ ሃገራዊ ዕንወትን፡ ብስቱር ምስጢራት፡ ፈጺሙ እዩ። ኤርትራ ሃገርና ነጻነታ ቅድሚ 27 ዓመት ካብ ዝተጎናጸፈትሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ብዘይ ሕግን፡ ፍርድን፡ ሓታቲ ብዘይብሉ ኩነታት ፡ ንመላእ ሃገር ራዕዲ ብምእታው፡ ሕሱም ማእሰርትን፡ ቅትለትን፡ ጥሜትን ኣካይዱ። እቲ ቀንዲ ዝፈጸሞ በደል ከኣ፡ ባህልናን፡ አምነትናን፡ ምስ ኣስኣነና ፡ ንመሰልናን፡ ነጻነትናን፡ ክንሓተሉ ኣብ ዘይንኽእለሉ ኩነታት ኣውዲቑና ኣሎ። ኣብ መጨረሻ ከኣ፡ ሕፍር ከይበለ፡ኣነ፡ ኢትዮጵያዊ’ም’በር ኤራትራዊ ኣይኮንኩን፡ ብምባል፡ ክሕደቱ ገሊጹልና ክነሱ፡ ጌና ነታ ሃገር ብዘይ ሓንቲ ተሓታትነት፡ ምሉእ ሃብታ ንበይኑ ገቢቱ፡ ብንዕቀትን፡ ውርደትን፡ ዝዓብለሎ ኣሽካዕላልነት፡ ብዙሕ ይቕረ ዘየብል በደላት ፈጺሙን፡ ጌና’ውን ይቕጽሎን ኣሎ ። ብሕልፊ ከኣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና፡ ናይ ብዙሕ ዓመታት ባርነትን፡ ከርተትን ድሕሪ ምብያኑ፡ ካብ ብዙሕ ዕለታዊ ሽግራት ንምምላጥ፡ዶብ ክሰግሩ ኣብ ዝተረኽቡሉ ግዜ፡ ኮብሊልኩም ተባሂሎም ብጥይት ንኽርሸኑ ነቶም ኣዝዮም ጨካናትን፡ ብልሹዋትን፡ ናይ ላዕለዋይ ጸፍሒ ወተሃደራቱ፡ ትእዛዛት ኣተሓላሊፉ እዩ። ንሱ ከይኣኽሎ ከኣ፡ እቶም ብልሹዋት፡ ጀነራላትን ኮሎነላትን፡ ናብ በደዊን፡ ከም እንስሳ ብዶላራት ክሸጡዎምን፡ ከምኡ’ውን ብህይውቶም ከሎዉ፡ ኮላሊቶም ኣውጺኦም ክሸጡን ከሎዉ፡ ቅጭጭ ኣይበሎን ። ውልቀ-መላኺ አሳያስ፡ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ኣረመናዊ ስራሓት፡ ብቐጻሊ ክፍጽም ከሎ፡ ህዝቡ ስለ ዘይኮነ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ህዝቢ ካብ ዘይተጸበዮ ቂምን፡ በቐልን፡ ቅርሕንትን፡ ተላዒሉ፡ ነቲ ህዝቢ፡ ካብ’ታ ገዛእ መሬቱ፡ ብዝተፈላለየ ሜላታት፡ ሓግሒጉ ብምጥፋእ፡ ንውሉድ- ወሎድኡ፡ ነታ ሃገር ኣሰር መታን ከይገድፈላ ፡ ናይ ኑክሌር ሓተላ ቀቢሩላ ኣሎ። ኩሉ ስርሓቱ ብምስጢር ስለዝኾነ፡ ሕጂ’ውን ይቕጽሎ ምህላዉ መን ይፈልጥ?

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂኸ ካብ’ዚ ዝለዓለ በደል፡ እንታይ ኢኻ ክትጽበ ? ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ አንተኾነ፡ ብጀካ አከይ ተግባራት ካሊእ ስለ ዘይፈልጥ፡ ንምሉእ ሃብቲ’ታ ሃገር ብውሽጢ-ውሽጢ: ብዘይ ሓደ ተቖጻጻርነት፡ ሸይጡን፡ ለዊጡን፡ ናብ ናይ ግላዊ ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዓለም ባንክታት ዝርከብ ሕሳባቱ፡ ይድልቦ ኣሎ። እዚ ኩሉ እከይ ተግባራቱ ንብዙሕ ዓመታት ብዘይተሓታትነት ክፍጽም ዝኸኣለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ንሕና፡ አቶም ደቂ ሃገር (ኤርትራውያን) ስለ ዝፈቐድናሉ ጥራሕ አዩ።

ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ፡ ንኹሉ ነገር መጀመርታን፡ መወዳእታን ስለ ዘለዎ፡ ነዚ ኩሉ እከይ ተግባራት ኢሳያስ ኣፈዎርቂ፡ መወዳእታ ዝገብረሉ ኣካል፡ ንሕና፡ ኤርትራውያን ኢና። መዓስን፡ ብኸመይ ኣገባብን ደኣ ይተግበር፡ ንዝብል ሕቶ ንምምላሽ ከኣ፡ ኣብ’ዛ ዓመት’ዚኣ ዘይትሓልፍ ኮይና፡ ኣብ’ዛ ግዜ’ዚኣ፡ እቲ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፡ ሓዲሽ ለውጢ ንምምጻእ ዘኽእለና ሃዋህው፡ ፈጢሩልና ስለ ዘሎ፡ ነዚ ምቹእ ኩነታት ተጠቒምና ፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝብሃል ዕሉል ገበነኛ፡ ኣብ’ዛ ሓዳስ ዓመት፡ 2019፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘሎን ህዝብና፡ በተን ሕጂ ተጀሚረን ዘሎዋ፡ ናይ ሓጺር ማዕበል ራዲዮን፡ ተለቪጅንን፡ ከምኡ፡ ከኣ ፡ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ማዕከናት ብምጥቃም፡ ንስርዓት ኢሳያስ ኣፈዎርቂ፡ ካብ ሃገርና ብሓባር፡ ጸሪግና ብምውጻእ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይ ሓደ ፍልልይ፡ ብማዕርነት እትውክል ሓዳስ፡ ቅዋማዊት፡ ኤርትራ፡ ንምፍጣር፡ ናይ ኩልና፡ ሃገራዊን፡ ሞራላዊን ሓላፍነት ስለ ዝኾነ፡ ሃየ፡ ንልኡላውነት ሃገርናን፡ ሰብኣዊ መሰላትናን፡ መኪትና፡ ብግብሪ ንፈጽማ ? ኣዋጃዊ ተበግሶና ከኣ ፡ ካብ በቢከተምኡ ዝጀመረ ኣገባብ ህዝባዊ ጥርናፈ እዩ።

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት 2019፡ ከኣ ይግበረልና፡ ኣሜን።

በርሀ ደስታ ፡ ተቐማጢ ሲያትል፡ ዋሽንግቶን።

የቐንየለይ።


Share with friends:



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: