Placeholder Picture
Placeholder Picture
Eritrea Martyrs day, 20 June 2022: Reflections and Press Releases.

25/06/2022 05:32 AM Updated

Eritrea Martyrs day,
20 June 2022:
Reflections and Press Releases.
ዝኽርታትን መግለጺታትን፡
ብኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ 20 ሰነ 2022
يوم شهداء إريتريا 20 يونيو 2022: تأملات وبيانات صحفية.

Eritrea Martyrs day, 20 June 2022: Reflections and Press Releases.

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን!

እነሆ እምበኣር፡ ነቲ ሃገርና ዝኸፈለቶ ኣዝዩ ረዚን መስዋእቲ ሓርበኛታት ንምዝካር ዝቖመት መዓልቲ፡ 20 ሰነ፡ ኣቲናያ ንርከብ ኣሎና። ኣብዛ ወርሒ`ዚኣ፡ ነቶም ምሳና እናተቓለሱ ዝሓለፉ ሰማእታት እንዝክረላ፡ ንሶም ዝሓደጉልና ሕድሪን ለበዋን ገምጊምና፡ ነቲ ዘይተመልአ ናብ ሸቶኡ ንምብጻሕ መብጽዓና እነሓድሰላ ዕለት ኢያ።

ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ናይ መዋእል ቃልሲ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደምን ኣዕጽምትን ስዉኣትና እተኸፍለላ ኢያ። ስለዝኾነ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዕለት፡ ብስዉኣትና ክንሓስብን፡ ለበዋኦም ክንዝክርን፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ሃገራዊ ግቡእ ኢዩ። ስዉኣትና፡ እቲ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሸቶኡ ክዓልብ ምዃኑ፡ ሓንቲ ሰኬንድ እውን ትኹን ከይተጣራጠሩ፡ ክሳብ`ታ ናይ መወዳእታ ትንፋሶም፡ "ዓወት ንሓፋሽ!" እናድመጹ ኢዮም ሓሊፎም።

እወ፡ መላእ ህዝብና፡ ከይተሾቑረረ ብሙሉእ ኣእጋሩ መሬቱ ክረግጽ፡ ዝመሰሎ ክዛረብ፡ ጎይታ ሃገሩ ክኸውን፡ ደቅናን ደቂ-ደቅናን ብቕሳነት ክነብሩን ክዕምብቡን፡ ኣብ ሃገርና ሙሉእ ራህዋ ክሰፍንን ኢዮም፡ ጀጋኑና ሓሊፎም። ሳላ እተኸፍለልና መስዋእቲ፡ ከም ህዝቢ፡ ንጽቡቕ ከነቋምት፡ ሰናይ ክንምነ፡ ስድራቤትን ወለዲን ሰማእታትና ብዝግባእ ክንድብስ፡ ሃገርና ኤርትራ ኸኣ ናብ መሬታዊት ገነት ክንልውጣ፡ ናይ ኩልና ሕልሚ ኢዩ ዝነበረ።

ኤርትራ ሃገርና ግን፡ ድሕሪ 31 ዓመታት፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኢያ ዘላ? ይትረፍ`ዶ ነቲ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ከምጽእ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ነቲ ንስርዓተ-ምልኪ ዘገልግል ዘሎ ኤርትራዊ እውን ግሉጽ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጨካን ምልካዊ ስርዓተ-ምሕደራ እናተሾቑረረን ኣብ ትሕቲ ራዕዲን ይነብር ኣሎ። እልቢ ዘይብሎም ኣርካናትና፡ መንእሰያትና፡ ምእመናንናን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ብቓጻ ምስተጨውዩ፡ ብዘይ ፍትሒ፡ ኣብ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ቦታ ተሸሪቦም ኣለዉ። ንልዕሊ 25 ዓመታት፡ መንእሰያትና ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ተቖሪኖም፡ ካብ ትምህርቶም፡ ሓዳሮምን ተዛናቢሎም፡ ሕልሞም ተጎናዲቡን፡ ኣብ ትሕቲ ጊልያነት ክነብሩ ተገዲዶም ኣለዉ። ውግእን ወረ-ውግእን፡ ዘየቋርጽ ኮይኑ፡ ህይወት መንእሰያትና ካብ ዝበልዕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ኣብ ዘይምልከተና ኲናት ናይ ጎረባብትና እናኣተዉ ዝቕዘፉ ዘለዉ መንእሰያትና፡ ጽባሕ መርድእ ክሳብ ዝበጽሓና፡ ህዝብና ከብዱ ሓቚፉ ይርከብ ኣሎ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኹሉ፡ ካብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ንላዕሊ፡ መንእሰያትና ናብ እግሮም ዝመርሖም ክነፍጺ ተገዲዶም፡ ኣደዳ ህልቂት ምድረበዳን ባሕሪን ይኾኑ ኣለዉ።

ብሓደ ሓረግ፡ "ሕድሪ ሰማእታትና ተጠሊሙ!"

ሕድሪ ሰማእታትና መሊኡ ዝረጋገጽ፡ ሃገርና ዓዲ ቅዋም፡ ሕጊን ፍትሒን ምስ እትኸውን ኢዩ።
ስለዚ ዘይተመልአ መብጽዓ ሰማእታት ኣሎና።
ኣብ ክንዲ ዕለተ-ሰነ መጽአት ሽምዓ ብምውላዕ ጥራይ ክንሓዝን እንነብር፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ነቲ ንሕድሪ ሰማእታትና ዓጊቱ ኣብዚ ሑሉ ሕሰም ኣውዲቑና ዘሎ ናይ ሃገርና ጨካን ምልካዊ ስርዓት፡ ሓግሒግና ክንድርብዮ ኣሎና።
ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት (UN Universal declaration of hman rights) ከምዝድግፎ፡ ንሕና ከም ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና መሰልና ንምርግጋጽ እነካይዶ ቃልሲ ፍትሓዊን ድጉፍን ኢዩ። እዚ መሰል`ዚ፡ ስዉኣትና ዝኸፈልናሉ ዕላማ ስለዝኾነ፡ ነቲ ሕድሪ ዝያዳ ዕዙዝ ይገብሮ። ነዚ ጉዕዞ`ዚ፡ ተሳኒናን፡ ተሓባቢርናን ክንከዶን ከነዐውቶን ከኣ፡ ናይ ስዉኣትና ረዚን ሕድሪ ኣብ ዝባንና ኣሎ።

ሰማእታትና ወትሩ ክንዝክረኩም ኢና!

ሕድርኹም ንምትግባር ኣይክንሕለልን ኢና!

ስኒትና.ኮም


ካብ ሰነዳት፡-
ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተነበበ፡ ኣስማት ስዉኣት
(ካብ 1ይ ክፋል - 3ይ ክፋል)
Documentary: Martyrs names from Nakfa 1994
(Part 1 - Part 3)

1ይ ክፋል፡   2ይ ክፋል፡   3ይ ክፋል፡  


መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነሓሰ 1996

ELF Martyrs Register - መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ምልክታ
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ህይወት ወዲ ሰብ ክቡር ምዃኑ ካብ ዘለዋ ተረድኦን፡ ንስድራ ቤት ተጋደልቲ ካብ ኰለልን ድኻምን ሻቕሎትን ንምንጋፍ ካብ ዘለዋ ሓልዮት ተበጊሳ፡ ተጋዳላይ ኣብ እተሰውኣሉ እዋን ንስድራ ቤቱ ብኡ ንብኡ ምሕባር ከም ባህላ ገይራ ክትሰርሓሉ ጸኒሓ`ያ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ዓቕሚ ናይ ህዝብና ድኹም ምዃኑ ስለእትርዳእ`ውን፡ ንስድራ ቤት ስዉኣት ነጋይሽ መቐበሊ ክኸውን ብማለት ቁሩብ ደገፋት ከተበርክተሎም ምጽናሓ ዝዝከር`ዩ። ስለ`ዚ፡ መብዛሕትኦም ኣብዚ መዝገብ ናይ ስዉኣት ተጠቒሶም ዝርከቡ ተጋደልቲ ስድራቤቶም ብዕሊ መስዋእቶም ኣብ ግዚኡ ዝተሓበሮም ክዀኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ፡ እቲ ንተሓኤ ተጋጠመ ጽንኩር ኩነታት ስለዘየፍቀደ፡ መስዋእቲ ደቆም ብዕሊ በዚ መዝገብዚ ኣቢሎም ንመጀመርያ ግዜ ብዕሊ ይሕበሩ ምህላዎም ንግንዘብ ኢና። ካብዚ ብምብጋስ ድማ` ንስድራ ቤት ስዉኣት ጽንዓት ይሃብኩም እናበልና፡ ብመስዋእቲ ውላድኩም ኰርዓትን ሓበንን ክስምዓኩም ነማሕጽን። Read more


Eritrean Martyrs Day
መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ።


Eternal Glory be to our Martyrs!
ሃገርና፡ ዓዲ ቅዋም፡ ሕጊን ፍትሒን ብምግባር፡ ሕድርኹም ክንፍጽም ኢና!
We will fulfill your promise, by making our country a land of constitution, law and justice!
سنفي بوعدكم بجعل بلدنا أرض الدستور والقانون والعدالة!
(Snitna: 20th June 2022)


ብምቕጻል ኣምበአኣር፡ ኣብዚ ገጽ`ዚ፡ ብኣጋጣሚ ቅንያት 20 ሰነ 2022፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ዝኽርታት፡ ገምጋማትን መግለጺታትን ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ዝኣከብናዮ ከነቕርበልኩም ኢና። ትሕዝቶ ናይዚ ገጽ ዚ፡ ብቕንያቱ፡ ክውሰኾን ክህብትምን ስለዝኾነ፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ኸኣ ንላቦ።
ነዚ ዕለት`ዚ ዝምልከት ኣገዳሲ መግለጺ ወይ ገምጋም እንተሎኩም፡ ናብ snitna.com ክትሰዱልና ንላቦ።

Dear visitors, on this page, we will compile various memories, reflectins and press-releases, highlightig the Eritrea's Martyrs Day, 20 June 2022. We will update this page continuously, by adding more contents.
Please send us such information to snitna.com.


ዝኽረ ሰማእታት፡ ይኣክል ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት።
25 June 2022


  ቅዋማውነት ራኢ ሰማእታት
19 June 2022

ቅዋማውነት ራኢ ሰማእታት፡

ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠውቑ።


ሳላሳን ሓደን ዓመታት ናጽነት'ዶ ሳላሳን ሓደን ዓመታት ባርነት! (1ይ ክፋል)

1ይ ክፋል፡   2ይ ክፋል፡   3ይ ክፋል፡   4ይ ክፋል፡   5ይ ክፋል፡  


ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ 20 ሰነ 2022 ኣብ ለንደን።
Martyrs Day 20th June 2022, London UK.
(Part-1)


ባህግና፡ Bahgna 67፡ ዜናታት፡ ሕድሮም ዝተጠልመ ስዉኣት፡


ERISAT: መግለጺ ትንሳኤ ተጋደልቲ ንቅዋማዊ ስርዓት


Eri-Platform: ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!


TV-Meley: 20 ሰነ 2022
ዝኽሪ 20 ሰነ 2022 ብውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ዞባ እስራኤል ዝተዳለወ፡
"ሰማእታትና ወትሩ እናተዘከሩ ክነብሩ 'ዮም"


ERISAT: ፊቃዶ ዲማ እግል ሹውሃዳነ !!


Shama Baytona: ሰማእታትና ወትሩ ብግብርና ይደበሱ?


Hdri-Jeganuna: 20 ሰነ 2022
ፍሉይ መደብ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ስዉኣት 20 ሰነ 2022።
برنامج خاص بمناسبة يوم شهداء إريتريا 20 يونيو 2022.
Special program on the occasion of Eritrea's Martyrs Day 20th June 2022.
Guest speaker: Artist Zeresenay Ghirmay (Tezareb)
ጋሻና፦ ስነ-ጥበባዊ መንእሰይ ዘርእሰናይ ግርማይ (ተዛረብ)


Eritrean new clip 2019 Yirgalem Fisseha ከይደ'ለኹ!


ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ሰማእታት ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ
Martyr's Day Official wreath-laying ceremony
ERi-TV


ዝናር ጥበባት ማእከል 20 ሰነ 2022
zinar tibebat maekel Martyr's Day 2022 Special -
ERi-TV


ATV: ሕድሪ ስውኣት ጠሊምካ፡ ብስውኣትን ስድራቤቶምን ምዝራብ ዝኸፍአ ሓጥያት’ዩ -
ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ




ERITV Program 20 June 2020

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: