Eritrea Martyrs day - 20 June 2021, Reflections

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

20/06/2021 16:22 PM Updated

Eritrea Martyrs day, 20 June 2021: Reflections and Press Releases.
ዝኽርታትን መግለጺታትን፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ 20 ሰነ 2021
يوم شهداء إريتريا 20 يونيو 2021: تأملات وبيانات صحفية.
Events highlighting the Eritrea Martyrs day, 20 June 2021.

Eritrea Martyrs day, 20 June 2021: Reflections and Press Releases.

ዝኸበርኩም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን!

እነሆ እምበኣር፡ ነቲ ሃገርና ዝኸፈለቶ ኣዝዩ ረዚን መስዋእቲ ሓርበኛታት ንምዝካር ዝቖመት መዓልቲ፡ 20 ሰነ፡ ኣቲናያ ንርከብ ኣሎና። ኣብዛ ወርሒ`ዚኣ፡ ነቶም ምሳና እናተቓለሱ ዝሓለፉ ሰማእታት እንዝክረላ፡ ንሶም ዝሓደጉልና ሕድሪን ለበዋን ገምጊምና፡ ነቲ ዘይተመልአ ናብ ሸቶኡ ንምብጻሕ መብጽዓና እነሓድሰላ ዕለት ኢያ።

ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ናይ መዋእል ቃልሲ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደምን ኣዕጽምትን ስዉኣትና እናተኸፍለላ ኢያ፡ ናብ መዓልቲ ናጽነትና 24 ግንቦት 1991 ዘሰጋገረትና። ብድሕሪኡ ውን እንተኾነ፡ ኣብ ምውሓስ ልዑላውነት ሃገርና፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ናይ መንእሰይ ወለዶና ተኸፊሉ። ስዉኣት ሓርበኛታትና፡ እቲ ዕላማ ናይ ቃልሲ ኣብ ሸቶኡ ክዓልብ ምዃኑ፡ ሓንቲ ሰኬንድ እውን ትኹን ከይተጣራጠሩ፡ ክሳብ`ታ ናይ መወዳእታ ትንፋሶም፡ "ዓወት ንሓፋሽ!" እናድመጹ ኢዮም ሓሊፎም። ኩልና እቶም ብህይወት ዝተረፍና እውን፡ ነዚ እምንቶ`ዚ ሒዝና ኢና ተጋዲልና። ብናጽነት ሃገርና፡ ኩልና ተፈሲህና፡ ደጊም፡ ሕሱም ዘበን ንሓዋሩ ኣብቂዑ፡ ሃገርና ናጻ ኮይና፡ ህዝብና ከኣ ኣብ ገዛእ መሬቱን ጥዑም ኣየሩን፡ ተኣማሚኑ ክረግጽን ከስተንፍስን፡ ከምኡ`ውን እቲ ብሰንኪ ግፍዒ መግዛእቲ ናብ ፈቐዶ ስደት ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ህዝብና፡ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ቅሱን ህይወት ክሰፍን፡ ዘይተደረተ ባህግን ተስፋን፡ ሙሉእ እምነትን ኣሕዲርና። ኪኖ`ዚ ባህጊ`ዚ ካልእ ኣብቲ እዋን`ቲ ክሕለም እውን ኣይከኣልን። እቲ ኹሉ መስዋእቲ ናይ ብሉጻት ሓርበኛታታት ከፊልና፡ ንጽቡቕ ከነቋምት፡ ሰናይ ክንትምነ፡ ስድራቤትን ወለዲን ሰማእታትና ብዝግባእ ክንድብስ፡ ሃገርና ኤርትራ ናብ መሬታዊት ገነት ክንልውጣ፡ ናይ ኩልና ሕልሚ ኢዩ ዝነበረ።

ሕድሪ ሰማእታትና እንታይ ነይሩ? ኣብቲ መዓልታዊ ዕላላቶምን፡ ንኤርትራ እንታይ ይምነዩላን ይሓልሙላን ነይሮም? እቲ `ኣነ ክሓልፍ ንስኻ/ኺ ጽናሕ` ዘበሎም ከ፡ እንታይኮን ይኸውን? ንሕና`ኸ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ነቲ ንሶም ዝሓደጉልና ሕድሪ ናብ ሸቶኡ ከነብጽሖ፡ ቅሰኑ! ክንብሎም ዘኽእለና ግቡኣት`ዶ ንፍጽም ኣሎና? ዶ`ስ፡ ረሲዕናዮም ኢና ዘሎና? ኣብ ሕልናና፡ ብዛዕባ ስዉኣትና ዘሎ ስእሊ እንታይ ይመስል? ሕልናና`ኸ ቅሱን ድዩ? እሞ እንታይ ይገበር? ወዘተ.፡ ማእለያ ዘይብሎም ሕቶታት፡ ናይዚ ወርሒ`ዚ ብ`ሰማእታትና መልሲ ዝጽበዩና ዘለዉ፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዘለዉ ሕቶታት ኢዮም። "ክምብል በለ`ምበር ኣይተኻዕወን" ከምዝበሃል፡ ሕጂ ውን፡ እቲ ሓቀኛ ደበስን ዝኽርን ሰማእታትና፡ ነቲ ተጠሊሙ ዘሎ ሕድሮም፡ ናብ ቦትኡን ሸቶኡን ከነብጽሖ ይከኣል`ዩ። እሞ ኣይንተሓለል!
ነዚ ንምግባር ከኣ፡ ስምረትን ሓድነትን ይሓትት። ኩሉ-መዳያዊ ምጽውዋርን ምድግጋፍን፡ ይሓትት። ነዚ ከነማልእ ብንጹህ ሕልና እንተሰሪሕና፡ መስዋእቲን ሕድሪን ሰማእታትና ከነዐውቶ ንኽእል ኢና።

መብጽዓ ሰማእታትና ምስ እንትግብሮ ኢዩ ኸኣ፡ እቲ ሙሉእ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዝረጋገጽ፦

እዚ ማለት ከኣ፡ ከምቲ ናይ ገድሊ ራእይና፡ ካብ ሽቑረራን ራዕዲን ናጻ ዝኾነ ንቡር ህይወት ህዝብና፡ ህዝብና ብናጻ ወፊሩ ናብ ቤቱ ዝምለሰሉ ህይወት፡ ስድራቤት ስዉኣት፡ ግቡእ ደበስን ምሕብሓብን ምስዝረኽቡን፡ ስድራቤት ስዉኣት ብመስዋእቲ ኣባል ስድራ ዝሕበኑሉን ደቆምን ደቂ-ደቆምን ዝኸብሩሉ ኩነታት ምስዝፍጠርን፡ ደቅናን መንእሰያትናን ናብ ብሩህ መጻኢ ከማዕድዉ ምስዝኽእሉ፡ ህዝብና ዝባረኾ ባይቶን ቆጽሊ ዘንበርናሉ መንግስቲን ምስ እነቕዉም፡ በዚ ኸኣ ናይ ዜጋታት ሙሉእ ተሳትፎ፡ ፍትሒን ማዕርነትን ዘረጋግጽ ስርዓትን ምስ ዝህልወና፡ ብሓፈሻ፡ ኩሉ ኣውታራት ልምዓትን ፍልጠትን፡ ብዘይ ገደብ፡ ርሑው ማዕጾን ሜዳን ዝኸፍት ስርዓትን ሃገርን ክንሃንጽ ምኽኣል ማለት ኢዩ።
ናብዚ ንክንበጽሕ፡ ኣምላኽ እቲ ዝድለ ዓቕሚን ትብዓትን ይሃበና።

ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ!

ሕድርኹም ንምትግባር ወትሩ ኣይንሕለልን!

ስኒትና.ኮም

ብምቕጻል ኣምበአኣር፡ ኣብዚ ገጽ`ዚ፡ ብኣጋጣሚ ቅንያት 20 ሰነ 2021፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ዝኽርታት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት እናሓረና፡ ኣቕሪብናልኩም ኣሎና። ትሕዝቶ ናይዚ ገጽ ዚ፡ ብቅንያቱ፡ ክውሰኾን ክህብትምን ስለዝኾነ፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎ ንላቦ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽሪን ንሰማእታትና ይኹን!
المجد والخلود لشهدائنا
መርበብ ሓበሬታ፡ ስኒትና.ኮም

Dear visitors, on this page, we will compile various memories, highlightig the Eritrea's Martyrs Day, 20 June 2021. We will update this page continuously, by adding more contents.
Eternal Glory to our Martyrs!
www.snitna.com

عزيزي الزائر ، في هذه الصفحة ، سنقوم بتجميع ذكريات مختلفة ، وتسليط الضوء على يوم شهداء إريتريا ، 20 يونيو 2021. سنقوم بتحديث هذه الصفحة باستمرار ، بإضافة المزيد من المحتويات.
المجد الأبدي لشهدائنا!


መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ነሓሰ 1996

ELF Martyrs Register - መዝገብ ሰማእታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ምልክታ
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ህይወት ወዲ ሰብ ክቡር ምዃኑ ካብ ዘለዋ ተረድኦን፡ ንስድራ ቤት ተጋደልቲ ካብ ኰለልን ድኻምን ሻቕሎትን ንምንጋፍ ካብ ዘለዋ ሓልዮት ተበጊሳ፡ ተጋዳላይ ኣብ እተሰውኣሉ እዋን ንስድራ ቤቱ ብኡ ንብኡ ምሕባር ከም ባህላ ገይራ ክትሰርሓሉ ጸኒሓ`ያ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ዓቕሚ ናይ ህዝብና ድኹም ምዃኑ ስለእትርዳእ`ውን፡ ንስድራ ቤት ስዉኣት ነጋይሽ መቐበሊ ክኸውን ብማለት ቁሩብ ደገፋት ከተበርክተሎም ምጽናሓ ዝዝከር`ዩ። ስለ`ዚ፡ መብዛሕትኦም ኣብዚ መዝገብ ናይ ስዉኣት ተጠቒሶም ዝርከቡ ተጋደልቲ ስድራቤቶም ብዕሊ መስዋእቶም ኣብ ግዚኡ ዝተሓበሮም ክዀኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ፡ እቲ ንተሓኤ ተጋጠመ ጽንኩር ኩነታት ስለዘየፍቀደ፡ መስዋእቲ ደቆም ብዕሊ በዚ መዝገብዚ ኣቢሎም ንመጀመርያ ግዜ ብዕሊ ይሕበሩ ምህላዎም ንግንዘብ ኢና። ካብዚ ብምብጋስ ድማ` ንስድራ ቤት ስዉኣት ጽንዓት ይሃብኩም እናበልና፡ ብመስዋእቲ ውላድኩም ኰርዓትን ሓበንን ክስምዓኩም ነማሕጽን። Read more


Global Yiakl (20 June 2021):
ዝኽሪ 20 ሰነ 2021: መዓልቲ ስውኣት ኣብ ሎንዶን፡ ዓባይ ብርጣንያ ከምኡውን ኣብ ቶሮንቶ፡ ካናዳ።


Nidhnet Eritrea Media (20 June 2021):
ዘተ ብምኽንያት 20 ሰነ! ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ!!!
ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ።


Global Yiakl (20 June 2021):
ዝኽሪ ቀያሕቲ ዕምበባን ቤት ት/ቲ ሰውራን፥ ብምኽንያት 20 ሰነ ምስ ስነጥበባዉያን ቬሮኒካ ሰሎሞንን ጸጋይ ገብርሂወትን

Global Yiakl (20 June 2021) ዝኽሪ ቀያሕቲ ዕምበባን ቤት ትምህርቲ ሰውራን


Eritrean People's Sovereignty (20 June 2021):


Eritrea Hdri Jeganuna (20 June 2021): ሰማእታትና ንድብሶም ብምዝካር ዘይኮነስ ብተግባር ኢዩ
Our Martyrs can only be compensated when we take practical action.
ዕዱም ጋሻና፥ ኣቶ ሙሉጌታ ሃብቶም (ወዲ ሊያ) Mr. Mulugeta Habtom (wedi Liya).


EriSat & AAN Media Network (20 June 2021): ብምኽንያት 20 ሰነ ብ ፖለቲካውያን ሓይልታት ንዝክሪ ሰማእታት ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ዘሎ መደብ
A Joint Eritrean Political Forces Event, on the occasion of Eritrean Martyrs Day, 20th June 2021.


Bayto Yiakl Canada (19 June 2021): ዝክሪ 20 ሰነ ምስ ባይቶታት ይኣክል ኻናዳን ሕ.መ.

Bayto Yiakl Canada (19 June 2021) ዝክሪ 20 ሰነ ምስ ባይቶታት ይኣክል ኻናዳን ሕ.መ.


Bayto Yiakl Show (19 June 2021): Panel discussion with Chairman Luel Zewde and Dr. Hailemichael Yosief

Bayto Yiakl Show (19 June 2021) Panel discussion with Chairman Luel Zewde and Dr. Hailemichael Yosief


ERi-TV - Martyrs Day 2021 Events፡
ኤሪ-ቲቪ፦ ን`20 ሰነ 2021 ዘንጸባርቑ መደባት።

•   ዝናር ጥበባት ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ 2021- 1ይ ክፋል|Eritrea's Martyrs' Day Commemoration 2021- Part 1- ERi-TV

•   ዝናር ጥበባት ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ 2021- 2ይ ክፋል|Eritrea's Martyrs' Day Commemoration 2021- Part 2- ERi-TV
•   Midday News in Tigrinya for June 20, 2021 - ERi-TV, Eritrea
•   ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምንባር ዕምባባ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኤርትራ, ERi-TV
•   ብ ጉጅለ ባህሊ ዋልታ ዝቐረበ ናይ 20 ሰነ መደብ | Eritrea's Martyrs' Day Commemoration by Walta Band - ERi-TV፡
•   ብምኽንያት 20 ሰነ ብ ክፍለ ሰራዊት 59 ጉጅለ ባህሊ ቶኮር ዝቐረበ መደብ | Martyrs' Day Commemoration by Tokor Band - ERi-TV


RADIO ERENA (19 June 2021):
Open mic ፍሉይ መደብ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ።


RADIO ERENA ኣብ ግዜና፡ (18 June 2021):
“ናትና ሕመቕዩ ናብ ከምዚ ደረጃ ኣውዲቑና” ዕላል ምስ ኮ/ል ጸጉ ፍስሃየ


ESMNS (19 June 2021): ፍሉይ መደብ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ።


Fanus Network (11 June 2021):
"ንዓይ ዓጋመ ገሩ፡ ንኣቦይ ኤርትራዊ ዝገበር፡ ዓይነት ፍልስፍና እዩ ዘሎ"
በየነ ገረዝጊሄር (Wufuy)


ATV Asena (17 June 2021):
ATV:ዝርርብ ምስ ደቂ ስዉኣት ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ሓው ሰመረ ሃብተን ሓው ተስፋይ ገብረሊባኖስን


Part-1:   Part-2:   


EriSat (20 June 2021):
ብምኽንያት 20 ሰነ ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ዘሎ መደብ፡ ጋሻና ኪሮስ ኣስፍሃ ክምኡ'ውን ዛንታን ግጥምታትን

ብምኽንያት 20 ሰነ ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ዘሎ መደብ - ጋሻና ኪሮስ ኣስፍሃ ክምኡ'ውን ዛንታን ግጥምታትን


Yodit Adhanom (20 June 2021):
“20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት ብኸመይ ክዝከር ኣለዎ”
ዘተ ምስ ኣሕዋት ተስፋይ ገብረሊባኖስ፡ ዮሴፍ መሓሪ፡ ሰመረ ሃብተ፡ ጸጋዝጊ ገብረሚካኤልን ዘተ ኣለና። እዞም ኣሕዋት ከም ደቂ ስውኣትን፡ ተጋደልትን መጠን ሓሳባቶም ከካፉሉኒ ዓዲመዮም ኣለኹ


ምንጋር ኣስማት ስውኣት ዝምልከት
Negash Haile

Negash Haile

ቅድሚ 29 ዓመት ኣብ ዝተገብረ ንምንጋር ኣስማት ስውኣት ዝምልከት ቃለ-መጠይቕ ሓላፊ ምቁጽጻር ዓቕሚ ሰብ ተስፋሚካኤል ሓወልቲ( ነፍስሄር ) መብርሂ ሂቡ። ንሱ ኣስማቶም ዘይተነግረ ስውኣት ሓበሬታ ብምእካብ ተጻርዩ ከምዝንገርን እቲ ኣብ ምምዝጋብ ስውኣት ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማትን ዘርዚሩ። እንተኽዕነ ስለስተ ዓሰርተ ዓመት ቀሪቡ ዛጊት ስድራቤታ መስዋእቲ ደቀን ከይተነግራ ብጓሂ ተጨቢጠን ብዙሓት እውን ሓሊፈን። እቲ ሽዑ ዝቐረበ ሓተታ ድማ ሓወልቲ ንምስራሕ ኢሳያስ ኣብ ጨርሒ ኣባሻውል እምነመስረት ከምዘንበረን ኣስማት ኩሎም ስውኣት ዝሰፈሮ ቤተ-መዘክር ከምዝህነጽን ተጻሒፉ። መብጽዓታት ተጠሊሙ። ኣብ ክንዲ ሓወልቲ ስውኣት ሓወልቲ ሩስያዊ ፑሽኪን ተሃኒጹ። ሩስያ ነቲ ሓወልቲ ክስራሕ 10 ሚልዮን ዶላር ከምዝሃበት ጸብጻባት የመልክቱ። ካብ 1961-1991 ዝተሰውኡ 85,000 ሓርበኛታት ካብ ዶላር ሩስያ ሓሲሮም። ስውኣት ኤርትራ ዝኸብሩ እቲ ዝወደቑሉ ዕላማ ምህናጽ ዲሞክራስያን ፍትሕን ምስ ዝዕወት ኢዩ። ስድራ ስውኣት ዝኸብሩን ብመስዋእቲ ደቆም ዝሕበኑን ውልቀምልኪ ተወጊዱ ብህዝቢ ዝተመርጸ ስርዓት ምስ ዝትከል ኢዩ። Read more


'ዝተጋደልኩሉ ምኽንያት ሕልምታተይ ንክሰምሩለይ'ዩ ነይሩ'
ህብረት በርሀ

ህብረት በርሀ

"ዝተጋደልኩሉ ምኽንያት ሕልምታተይ ንክሰምሩለይ፡ ከም ኵሎም ብጾተይ ሕልምታት ነይሮምኒ፣ ዕላማይ ካብ'ቲ ዝነበርናዮ ዓዘቕቲ መግዛእቲ ወጺእና፡ ሓቢርና ብተምሳልና ሓንቲ ሓራን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ነበረ። እንተኾነ ድሕሪ'ቲ ኹሉ ጻዕርን መስዋእትን.... ካብ'ቲ ባዕልና ሓራ ዘውጻእናዮ ሃገር ርሒቕና ኣብ ግዳም ዑቝባ ሓቲትና ንነብር ኣሎና። ዘይተጸበናዮ ኣደራዕ'ዩ ወሪዱና። ካብ'ቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበርናሉ እዋን ዝኸፍእ እዋን መጺኡ። እቲ ዜሕዝን ፍጻሜ ኸኣ ደቅና ስለ ዝተለከሙ'ዩ። ናጽነት ተረኺቡ ክንቀስን ምተገብኣና፣ እቲ ክስዕብ ዝግብኦ ሓርነት ብዘይምርካብና ግን እንሆ ዓቢ ትራጀድያ … ንርኢ ኣሎና" ትብል ህብረት በርሀ። Read more


ሕድሪ ሰማእታትና፡ ዕዳ ኩልና እዩ!
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሕድሪ ሰማእታትና፡ ዕዳ ኩልና እዩ!

ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ምእንታኻ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ዝተሓተ ጽቡቕ ንዝወዓለልካ እውን ምምስጋንን ኣመስጊንካ ንኣመሰንገንቲ ምሃብን ግቡእ ስለ ዝኾነ ሰማእታትና ክንዝክሮም ግድን እዩ። ነቲ ምእንቲ ክብርኻ ዝሐለፈ፡ ኣበይን መዓስን ክትዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን ከኣ ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም ዝቃወም የለን። ምእንቲ እቲ ናይ ዝኽሪ ዕለት ኣብ ልቦና ኩሉ ዝሓድርን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ንዝተሰውኡ ዘማእክልን ንከኸውን፡ ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕሉ ምኽንያታዊ መዓልቲ ምግባሩ ከኣ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቅዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓደ ክኸውን ከኣ መተገበኦ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን ኣካይዳ ህግደፍ ከምቲ ኣብ ካልእ ጉዳያት መድረኽ እሂንምሂን ዘይተፈጥረ ኣብዚ’ውን ኣይተራእየን። Read more


ህጹጽ ጻዊዒት ንመንግስታት ዓለምና ንሂወት ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓም!!!
ሰማእታትና፣ ወርሒ ሰኔ ጥራይ ዘይኮነ ሙሉእ ዓመት ይዘከሩ!!!
ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ

ሰማእታትና፣ ወርሒ ሰኔ ጥራይ ዘይኮነ ሙሉእ ዓመት ይዘከሩ

እዚ ወርሒ እዚ ሰማእታትና ንዝክረሉ ወርሒ’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዝኽርና ግን ንህዝቢ ትግራይ ቐዳምነት ክንህቦ ወሲና። ሰማእታትና ኣዕኑድ ታሪኽና፣ ባና ጽባሕ ናጽነትና፣ ክብርናን ኩርዓትናን ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዘይኮነ መዓልታዊ ሕድሪ ናቶም እናፈጸምና’ና ክንዝክሮም’ዩ ዝግባኣና። ህዝቢ ኤርትራ ኣዋርቕ ደቑ ‘’ዓወት ንሓፋሽ’’ እናበሉ ዝወደቑሉ ሎሚ ኣብ ሲኦል ክነብር ምርኣይና ዝያዳ የሕርነና ኣሎ። ኣብ ዓዲ ሓቒ መቐለ ቆይማ ዘላ ሃዉልቲ ሰማእታት ህዝቢ ትግራይ ከኣ ካብ ቐደም ንላዕሊ ክደምቕ ሙዃና ንኣምን። ነቶም ምእንቲ ፍትሒ ኣብ ሞቑሕ ዘለዉ’ውን ብጥዕና ሓርነት ሃገሮም ክርእዩ ተዓጢቅና ክንቓለስ 20 ሰኔ ዳግም ቓልና ንሓድሰላ ዕለት ሙዃና ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ነዘኻኽር። Read more.


Sinit (19 June 2021): Live with Restream
ስዉኣትና፡ ዝኽርና ክብሮም፡ ግብርና ደበሶም።
ዘተ ወ/ሮ ገነት ብርሃነ ምስ ወ/ሮ ሓጎሳ ኢዮብ።


ERISAT (17 June 2021):: ኣብ 20 ሰነ ነቶም ብስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን ዝተቀትሉ ስቪል ሰማእታት'ውን ክንዝክሮም ይግብኣና እዩ
| ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንዶ


ዝኽሪ ስዉኣት - ሓይሊ ንህሉዋት፡ ኣጋ ወጋሕታ።
by Redi Kifle Bashay (Snitna 16-Jun-2021)
ደራሲ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) 1978 ግንባር ዲጋ ኣባርዳእ



Share with friends:


ካብ ሰነዳት፡-
ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተነበበ፡ ኣስማት ስዉኣት
(ካብ 1ይ ክፋል - 3ይ ክፋል)
Documentary: Martyrs names from Nakfa 1994
(Part 1 - Part 3)


1ይ ክፋል፡   2ይ ክፋል፡   3ይ ክፋል፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: