ምብጻሕ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ - ጎንደርሲ ኬድካ፡ እንታይ ሒዝካኸ ተመለስካ!

04/07/2018 19:38 PM

ምብጻሕ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ
ጎንደርሲ ኬድካ፡ እንታይ ሒዝካኸ ተመለስካ!

(ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኢል 01-07-2018)

ምብጻሕ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ

ምብጻሕ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ
ጎንደርሲ ኬድካ፡ እንታይ ሒዝካኸ ተመለስካ!
(ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኢል 01-07-2018)

ኣብዚ ቕንያት “ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይወግዓዊ መንግስቲ ኣብ ድርድር ከይኣቱ ክዕገት ኣሎዉ” (Prime Minister Abiy Ahmed of Ethiopia should be stopped from engaging with the illegitimate regime in Eritrea) ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ መርበባት ኣሰናን ስኒትናን ብሽመይ ዝወጸ ጽሑፍ ነይሩ። ምስኡ ተታሒዙውን “ምዕባለ ኤርትራ እግሪ ንምትካል ዘድሊ ዕጥቅን ቃልስን” ዘርእስቱ ኣብ ሓምለ 1991 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ዋዕላ/ጉባኤ ንኽቐርብ ዝተዳለወ ግንከ ብኣዳለውቲ አቲ ኣኼባ ዝተኸልከለ ኣገዳሲ ጽሑፍ ኣሎ፡፡ ኢለ ነይረ ምባል ዘይምዕሩይ ዘረባኳ እንተኾነ፡ ብድሕሪኡ ብዝሰዓበ ኩነታት ግና ሓቅነት ኣብቲ ዝተጠቐሰ ጽሑፍ ዝተላዕለ ነጥብታት ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡

1. ካብ ተሞክሮ ኤርትራ ብምብጋስ እዚ ዘሎ ዘይወግዓዊ ስርዓት ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘቐድም ጉዳይ ፍጹም ከምዘይገብር መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ነይሩ። ከይውዓለ ከይሓደር ከኣ እዚ ዝስዕብ መስደምም ተርእዮታት ኣጋጢሙ፡-

ሀ. ኣብ መዓልቲ ስዉኣት፡ ዓቢ ክብሪ ክውሃቦ ዝግባእ መዓልቲ፡ መራሒ ህግደፍ ነቲ ናይ ዶ/ር ኣቢይ ጻውዒት ኣመልኪቱ ንኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ክስደድ ምዃኑ ቅድሚ ምግላጹ፡ ብዕሸላውን ብድዐ ብዝመልኦ ኣዘራርባን “ሕቶ ወያነ ኣብቂዑ ኢዩ - game over” ብምባል ኣሽካዕሊሉ። ኣብቲ ናይ ዶ/ር ኣሕመድ ናይ ሰላም ጻውዒት ጥራሕ ኣብ ክንዲ ምድሃብ ኣብ ጓል መገዲ ብምእታውን ነቲ ምስ ወያነ ዘሎዎ ምትህልላኽ ከም ዝሰዓረ ኣምሲሉ ምዝራቡ ካብ ሓደ መራሒ ሃገር ኢየ ዝብል ሰብ ክትጽበዮ ዘይክኣል ዘረባ ኣምሊቑ። ዓሻ ምስ ዝጸልእ፡ ከመዓልካ ይኸልእ ከም ዝብሃል፣ ኣብ ክንዲ ጉዳይ ሃገር ብምቕዳም ናይ ዲፕሎማስያዊ ውርዙይነት ምርኣይ ንወያነ ዝትንክፍ ነውራም ዘረባስ እንታይ ኣምጽኦ!

ለ. ንኣዲስ ኣበባ ልኡኽሲ ተላኢኹ፡ ጎንደር ኬድካ - እንታይ ሒዝካ መጻእካ ከምዝብሃል ግና እንታይ ኣሳሊጡኸ ተመሊሱ? ህዝቢ ኤርትራ ብስራት ያኢ ካብዚ ዘይወግዓዊ ስርዓትዚ ክረክብ ሃረር ክብል ቀንዩ እኳ እንተነበረ ዋላ ሓንቲ ልቢ ዘርሕስ ነገር ግን ኣይረኸበን። ዘይሓልየሉ ገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ ብምብኻን ሰለስተ ሚእቲ ትጽዕን ጀት ኣይሮፕላን ንሰለስተ ሰበስልጣን ሒዛ ገረውረው እንዳበለት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዓለበት፡ ባዕሉ ዶ/ር ኣቢይ ተቐቢሉ ኢዩ ነቶም ልኡኻት ናብ ቤት ጽሕፈቱ ወሲዱዎም። እዚ ተግባርዚ ንባዕሉ ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ዝሓለወ ኣይነበረን፡፡ ኣቐዲሙ’ውን ዶ/ር ኣቢይ ነቶም ልኡኻት “ከም ኢትዮጵያውያን ጌርና ኢና ንቕበሎም” ኢሉ ስለዝነበረ ናይ “ሰምና ወርቅ” ኣዘራርባ ከይከውን ጥንቃቐ መድለዮ ነይሩ። ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ድራር እንግዶትውን “ኤርትራውያን ምስ እሕዋትኩም ኢትዮጵያውያን ተደሚርኩም” ዘስምዑ ቃላትውን ዶ/ር ኣቢይ ተጠቒሙ ኢዩ። መሊቑዎ ብግርህነት ዝበሎም ድዮም ወይስ ካልእ ምስጢር ሓዘል ነገር ኣሎዎም? እቲ ቀንዲ ጉዳይ ዶብ እኮ ፈጺሙ ኣይተላዕለን። እኳድኣ፡ ገዛእቲ መንግስታት ዝሓንጸጽዎ ‘ኣርቲፊሻል’ ዶባት ኣገዳስነት ከምዘየብሎም ዶ/ር ኣቢይ ገሊጹ ኢዩ። ከምኡ መበሊኡ ነዚ ኣሽሓት መንእሰይ ኤርትራ ዘህለቐ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግምት ብምእታው ዶኾን ይኸውን? ዋላኳ ዶ/ር ኣቢይ መስተውዓሊ ሰብ እንተዀነ ኣብ መስርሕ ዲፕሎማሲ ግና ኣጠቓቕማ ቃላት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዑስማን ሳልሕ’ኳ ኣብዘይ ዓቕሙ ስለዝኣተወ ኣይተሓዘሉን ይኸውን እምበር ከቢድ ናይ ዘረባ ደርገፍገፍ ገይሩ ኢዩ። ን’ዶ/ር ኣቢይ ኣመልኪቱ “ምቕሉል መራሒ ከምዘሎና ተረዲእና” ብማለት ነቲ ብዶ/ር ኣቢይ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ገሊጽዎ።

ንምንታይ ድኣ ልኡኽ ኤርትራ ብዘይ ሓደ ፍረ ተመሊሱ ንዝብል ሕቶ ገለ ግምታት ክግበሮሎም ዝኽእሉ ነገራት ኣሎዉ። ሓንቲ ምስ ስርዓት ህግደፍ ርከብ ዘሎዋ ኣመሪካዊት ኣብ ሓደ ፍሉጥ ጋዜጣ ኣብ ዘውጽኣቱ ጽሑፍ “ኤርትራ ትህቦ ቀዳምነት ምርግጋእ ናይ ኢትዮጵያ’ምበር ናይ ዶብ ሕቶ ኣይኮነን” ምባላ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣቲኻ ሓዊ ንምስዋር ከምዘኾነ ክግመት ይክኣል። እሞኸ ልኡኽ ኤርትራ ካብ መራሒ ህግደፍ ንዶ/ር ኣቢይ ዝውሃብ ተሸኪምዎ ዝኸደ ደብዳበ ትሕዝትኡ እንታይኮን ይኸውን? እዛ ኣመሪካዎት ዝበለቶኮ ኣንፈት ሂቡና ኢዩ። እንታይ ቁምነገር ከይህልዎ ብጀካ ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ትሑት ሓሳብ፡ “ንሕና ኣብ ኢትዮጵያ ተተኣታትውዎ ዝሎኹም ጎስጓስ ንድግፎ ኢና ... ወያነ ከተደናቕፈኩም ክትፍትን ኢያ... ንሕና ኣጸቢቕና ስለንፈልጣ ከኣ ምትሕብባርና ከምዘይፍለየኩም ነረጋግጸልኩም ... “። ጉድ እኮ ኢዩ - ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዘሎ ናይ ኲናት ሃዋህው ክልዓለሉ እንዳተጸበየ እንከሎስ ኣብ ካልእ ሓሸውየ ተኣትዩ። በዝን ወዲ ኸምዝን ምኽንያታት ከኣ ኢዩ ርክብ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሓጺር ጊዜ ብዘይ ሓደ ፍረ ዝተወድአ።

2. ጻውዒት ሰላም ዶ/ር ኣቢይ ብቐዳምነት ኣብ ጥቕሚ ኢትዮጵያ ዝተኮረ ከምዝኾነ ምግላጽ ዘድልዮውን ኣይኮነን፡፡ ብመንጽር ጉዕዞ ኣልቦ ልኡኽ ኤርትራ እሞ ገና ናይ ዶብ ዘረባውን ከይተጀመረ እንከሎ ኢትዮጵያ ብዙሕ ፖለቲካዊ ረብሓታት ኢያ ተጓናጺፋ። ብወረ ክንከታተሎ ከምዝቐነና ኩሎም እቶም ኤርትራ ተዕጥቖም ዝነበረት ተቓዎምቲ ገሊኦም ኣቐዲሞም ንሃገሮም ተመሊሶም እቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ቀንዲ ተቓዋሚ ውድብ’ውን ነቲ ናይ ዶ/ር ኣቢይ ጻውዒት ከምተቐበሎን ብረታዊ ቃልሱ ከምዘቋሮጾን ብወግዒ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኢትዮጵያ እዚ ኩሉ ረብሓታት ክትረክብ ከላ መሽክን ህዝቢ ኤርትራ ግና ናይ ዶ/ር ኣቢይ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ኩይኑዎ ይርከብ።

3. ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ጽሑፍ ሓደ ብትሪ ዝተጸቕጠሉ ጉዳይ ተራ ናይ ኤርትራውያን ውድባት ኣብዚ ናይ ዶ/ር ኣቢይ ናይ ሰላም ጻውዒት ኢዩ። ባህርያት ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይወግዓዊ መንግስቲ ብምዝንጋዕ ገለ ተቓወምቲ ውድባት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብዘየድሊ ሃንቀውታ ብዘእቱ ኣገባብ ብዙሕ ተዛሪበንን ጽሒፈንን ኢየን። ገሊአን እሞኽኣ ወግዓውነት ነይዚ ዘይወግዓዊ መንግስቲ ብዝድግፍ ዓይነት። ብኸምዚ ክግለጽ ከሎ ግና ብግርህነት ድኣምበር ኮነ ኢልካ ንጉድኣት ተባሂሉ ከምዘይግበርሲ ቀዪዱ ዝሕዝ ኤርትራዊ ኒሕ እኮ ኣሎ። ኣብ ወዲ ሰብ ጌጋ ምግባር ንቡር ኢዩ እቲ ዝይንቡር ዝኸውን ግና ካብ ጌጋኻ ዘይምምሃር ኢዩ። እሞ ሕጂኸ፣ ነዚ ምብጻሕ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብኸመይ ኮን መዚነንኦ ወይ ገምጊመንኦ ይኾና?

ፈትሊ እንተዝሓብራ ኣንበሳ ምኣሰራ ዝብል ምስላ ነዞም ሕጂ ፋሕ ጭንግራሕ ኣትዩዎም ዘሎ ተቓወምቲ ውዱባት ኤርትራ ጽቡቕ መመልከቲ ኢዩ። ልቦና ጌረን ሓቢረን እንተዝዀና ኔረንኮ እዚ ዘሎ ስርዓት ክሳብ ክንድዚ ዕድመ ኣይምረኸበን ነይሩ። ሕጂውን እንተዀነ፡ ዝሓለፈስ ሓለፈ ንዝመጽእ ንዛተ ከምተባህለ ኣብ ምጥርናፍ (ምድማር!) ኣትየን ኣድማዒ ስራሕ ከከናውና ህዝቢ ኤርትራ ብሃረርታ ዝጽበዮ ዘሎ ትግባረ ኢዩ።

ዶ/ር ኣቢይ በሊሕን ናይ ብሓቂ ደላይ ስላምን ይመስል። ንግዚኡ ‘ይመስል’ ጥራይ ኢና ክንብለ ንኽእል ንምንታይሲ ገና ናይ ሓሳባቱ ትግበራ ድሕሪ ሕጂ ኢዩ ክርአ። ርግጽ ኢዩ ሰላም ዝጸልእ ሰብ የለን። ውዑል ኣብ መንጎ ሃገራት ክግበር እንከሎ ግና ኣብ ጊዜኣዊ ስሚዒት ዝተሞርከሰ ክኸውን የብሉን፣ ንምንታይሲ ኣዕናዊ ናይ ኣታሓሳስባ መልክዕ ሒዙ ዝመጽእ መራሒ ክርከብ ስለዝኽእል።

ይኹን እንበር ንሕና ኤርትራውያን ካብ ዶ/ር ኣቢይ ብዙሕ ስነ ልቦና ክንሰንቕ ንኽእል ኢና። ክሳብ ተስዓ ካብ ሚእቲ ዝኸውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ን’ዶ/ር ኣቢይ ድጋፉ ይህብ ከምዘሎ ክቃላሕ ቀንዩ። ኣብዚ ሓጺር ናይ ስልጣን ዘበኑ ከምይ ገይሩ ክሳብ ክንድዚ ህቡብነት ክረክብ ክኢሉ? እዚ ንምፍላጥ ሳይንሳዊ ትንተና ዘድልዮ’ውን ኣይኮነን። ታሪኽ ኢትዮጵያ ብ’ኵናትን ጥምየትን ኢዩ ዝፍለጥ ስለዚ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ ይቕረ በሉለይ ስለዝብለ፣ ፍቕርን ሰላምን ንግበር ሓቢርና ኸኣ ሃገርና ነማዕብል፣ ካብ ምቅትታል ዝመጽእ ዋላሓንቲ ረብሓ የልቦን ስለዝበለ ኢዩ ዶ/ር ኣቢይ ክሳብ ክንድዚ ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ። እዛ ብዘይ ምቅትታል ትብል ስነ ልቦና ዶ/ር ኣቢይ ካብ ጋንዲ ዝብሃል ህንዳዊ ዝቐሰማ ኢያ። ጋንዲ ኣብ ጎንጽን ደም ምፍሳስን እምነት ዘይነበሮ ብሰላማዊ መገዲ ተጠቒሙ ናይ እዋኑ ሓያል ዝነበረ መንግስቲ እንግሊዝ ካብ ሃገሩ ከምዝወጽእ ዝገበረ ፣ ሃብቲ ብምሕራም ከም መብዛሕትኦም ህዝቢ ህንዲ ኣብ ሃዋህው ድኽነት ክነብር ዝመረጸ ዓቢ መራሒ ኢዩ ነይሩ።

ታሪኽ ኤርትራውን ካብ ታሪኽ ኢትዮጵያ እንተዘይ ገዲዱ ኣይሓይሽን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል መንግስቲ ኣምጽኣልና” ኢሉ ናብ ፈጣሪኡ ክምህለል ከሎ “ካልእሲ ይትረፈኒ ናይ ዕለት እንጀራይ ግና ኣይትኽልኣኒ” ማለቱ ኢዩ። መሽክናይ ህዝቢ ኤርትራ ብመስዋእቲ ደቁ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ ዝርከብ መንግስቲ ግና ነዛ ዝተሓተት ንእሽቶ ‘ጠለቡኳ’ ከማልኣሉ ኣይከኣለን።

ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ንእሽቶ ለበዋ ካብ ጽሓፊ፡-

ነዞም ከምዚ ኸማይ ብዕድመ ዝደፋእኩም ኤርትራውያ፡ ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ ምእታው ድልየት ኮነ ባህጊ ዘይብልኩም፡ ንዝተጋገየ ያዕ ምባል ጽቡቕ ንዝገበረ ኸኣ ኣጆኻ ምባል ናትና ተራ ስለዝኾነ ብጥርናፈ ግቡእና ከነበርክት ካብ ኣቦታትና ዝወረስናዮ ክቡር ባህሊ ኣሎናሞ ብኣድማዕነት ክንጥቀመሉ ብትሕትና ከዘኻኽረኩም እፈቱ። ገሌና ሓደ ዓውዲ ዘተ (Eritrean Council of Elders) ከነዳሉ መደብ ሰለዘሎና፡ ክጽንበረና ዝደሊ ኣዛውንቲ (ልዕሊ 75 ዝዕድሚኡ - ጸወታ ብዘይፈሊ) በዚ ስዒቡ ዘሎ ናይ ‘ኢመይል’ ኣድራሻ ክራኸበና ከምዝኽእል እሕብር ፡- ercoel2018@gmail.com

(ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኢል 01-07-2018


Share with friends:

See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ASSENNA NEWS: ርእይቶታት - ቀይሕ መስመር ከይስገር -ብተስፋይ ተኽለ - ጎንደር ኬድካ እንታይ ኣምጻእካ - ዶር ብርሃነ ወ/ሚካኤል 04 07 18


See also Recent Articles by Dr. Berhane Woldemichael / ኣቐዲሞም ብ’ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል ዝወጹ ጽሑፋት፡-


Share with friends: