ህልቂት ህዝቢ ድግሳን ዕዱማትናን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

19/06/2019 01:15 AM

ህልቂት ህዝቢ ድግሳን ዕዱማትናን፡
ሰንበት 9 ሓምለ 1978 ዓ.ም።

ብኣጋጣሚ 20 ሰነ 2019።
1ይ ክፋል

ብ'ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም ዓባይ ብሪጣንያ)

ህልቂት ህዝቢ ድግሳን ዕዱማትናን፡

ህልቂት ህዝቢ ድግሳን ዕዱማትናን፡ ሰንበት 9 ሓምለ 1978 ዓ.ም። ብኣጋጣሚ 20 ሰነ 2019።
ጽሑፍ ብ'ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም ዓባይ ብሪጣንያ)

ሎሚ ኩሉ ሓሊፉ፡ ጸላእትና ተሳዒሮም ድምጺ ተኹሲ ካብ ምድሪ፡ ኣየርን ባሕርን ኤርትራ ምስ ተኣልየ፡ ብዛዕባ ሓድነትን ሕውነትን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዙሕ ክበሃል ንሰምዕ ኣለና። ጽልእን ምቅትታልን ታሪኽ ኮይኑ; እዋኑ ምስ ኣኸለ ከኣ ብፍቕርን ሰናይ ጉርብትናን ክትካእ ግቡእ ጥራይ ዘይኮነ ተመራጺ’ውን ኢዩ። ዝሓለፍካዮ ረሲዕካ ናብ መጻኢ ጥራይ ምጥማት ግን ብማዕሪኡ ጌጋ ኢዩ። ቀደም ዘሕለፍካዮ ጸገም መልክዑን ሕብሩን ቀይሩ ግዜ ዓዲጉ ከይምለሰካ ምጥንቃቕ ስለ ዘድሊ። ጽባሕ - ናይ ትማልን ሎምን ውላድ ኢያ’ሞ፡ መጻኢ ታሪኽና ንህሉውን ሕሉፍን ህይወትና መሰረት ገይሩ፡ ኣምኒ ምስ እምኒ ደሪቡ ብውሕልነትን ትዕግስትን ኢዩ ክንደቕ ዘለዎ።

ኣብቲ ን30 ዓመታት ንስለ ሃገራዊ ናጽነትና ዘካየድናዮ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ብዙሕ - ኣዝዩ ብዙሕ ኤርትራዊ ህይወት ኢዩ ጠፊኡ። ኣብተን ዝነበራ ክልተ ውድባት፡ ብኣባልነት ተሰሊፉ ኣብ ኲናት ዝተሰውአ ተጋዳላይ፡ ከባቢ 65 ሽሕ ምዃኑ ብወግዒ ተገሊጹ ኢዩ። እቲ “ምስ ተጋደልቲ ትደናገጽ ኢኻ፡ ጽሑፍ ሒዝካ ጸኒሕካ፡ ንስኻ’ውን ምስ ዓበኻ ክትውንብድ ኢኻ” ወዘተ ተባሂሉ ብውልቅን ብጉጅለን ዝጠፍአ ሰብ፡ ካብን ናብን ኣብ መገሽኡ ከሎ - ዘይተጸበዮ ወፍሪ ጦር-ሰራዊት ጸኒሑዎ ንሓዋሩ ዝተሰወረ፡ ከምቲ “ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት” ዝበሃል ኣብ ውግእ ምስ ከሰሩ ንእግረ መንገዶም ዝቐተልዎ ኤርትራዊ ዜጋ (ጓል ይኹን ወዲ) ማእለያ የብሉን።

ብጥርኑፍ “ተጋደልቲ ትዕንግላ ኢኽን” ተባሂለን ብኣልማማ ሰበን ዝተቐዝፈ ዓድታት ኤርትራ’ውን ብዙሓት ኢየን። ንኣብነት ኣብ ኦምሓጀር፡ ሽዕብ፡ ዓይለት፡ ጎምሆት፡ ወኪድባ፡ ዖና፡ ዓድ-ዑመር ወዘተ ዝተፈጸመ ህልቂት ገና ካብ ዝኽርታት ህዝብና ኣይሃሰሰን። ኣብ ዓድታት ኤርትራ ዝተፈጸመ ህልቂት ቆልዓ ሰበይቲ፡ ብዘመን ኣምጽኦ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ስለ ዘይተሰነደ፡ ኣብቶም ኣብቲ ፍጻሜ ዘይነበርና ሰባት ዝህልዎ ጽልዋን ዝኽርን ትሕት ክብል ይኽእል ኢዩ። ኣብቶም ኣቦታቶምን ኣደታቶምን ስለ ዝሞትዎም ዝዘኽተሙ፡ ኣሕዋቶም ምስ ጠፍኡዎም በይኖም ዝተረፉ፡ ካብ ምሉእ ስድራ፡ ብገለ ዝደሓኑ’ሞ ብጽምዋ፡ ብዘይስድራ-ቤት ዝዓበዩ ሰባት ግን ብህይወት ክሳብ ዘለዉ፡ እቲ ፍጻሜ ህያው ኮይኑ ኢዩ ዝነብር። ንሳቶም ዓብዮም ምስ ሓለፉ ግን ኣፈ-ታሪኽ ኮይኑ ክተርፍ ኢዩ። በዚ ከኣ ኢየ ኣነ’ውን ኣብ ምጅማር ናይ ንእስነት ዕድመይ ንዘጋጠመ፡ ብዓይነይ ንዝረኣኹዎ መቕዘፍቲ ብኣጋጣሚ ናይ ሎም-ዘመን 20 ሰነ፡ ብዛዕባ ሓጺር ተምኩሮይ ከዘንቱ ዝደለኹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሓውዜን (ትግራይ) ብደብዳብ ነፈርቲ ዝፈጸምዎ ሰብኣዊ መቕዘፍቲ፡ ብወግዒ - ብመንግስቲ ደረጃ ይቕረታ ከም ዝሓተትሉ ሰሚዐ ኣለኹ። ነቲ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ሰብኣዊ ህልቂትን መቕዘፍትን ግን ኣፍልጦ ክህብዎስ ይትረፍ፡ ክለዓል’ውን ዝደልዩዎ ኣይኮኑን። ናብ ኤርትራ ንምምላስ ዘለዎም ትምኒት’ውን ካብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝተቐብጸ ኣይመስልን። ናብ ኤርትራ ገጽካ ምጥማት ማለት ከኣ፡ ካልእ ዝዓበየ ህልቂትን መቕዘፍትን፡ ካልእ ኲናትን ዕግርግርን ምቱኽታኽ ማለት ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ነቲ ንኡስ ኤርትራዊ ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንፈተውቲ ሰላም ኢትዮጵያውያን’ውን ንዝሓለፍናዮ ታሪኽ ከነካፍሎም ሓጋዚ ኢዩ። ዘውደ ረታ’ውን ኣብታ “የኤርትራ ጉዳይ” ትብል መጽሓፉ (ገጽ 10) “ኤርትራውያን ኣዲኦም ካብ ዝነበረት ኢትዮጵያ ንምፍላይ ብዛዕባ ዝገበርዎ ነዊሕ ጉዕዞን፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ብኸመይ ናጽነቶም ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ታሪኾም ጽሒፎም ከቕርቡልና ንሓትት ኣሎና” ክብል ሓቲቱና ኢዩ ሓሊፉ። እዛ ሎሚ ብኣጋጣሚ 20 ሰነ ዘቕርባ ዘለኹ ፍጻሜ ከኣ፡ ንጣብ ናይቲ ሰፊሕ ታሪኽ ኢያ’ሞ፡ ንሰማዕትን ኣንበብቲ መጽሓፉን መልሲ ትኹኖም።

“ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ” ዝብል ዘረባ ኢሳያስ ኣፎርቂ፡ “ኣንድ እኮ ነን” ትብል ደጋጊመ ዝሰማዕኩዋ ዘረባ ናይቶም ንዳግማይ ውህደት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝማጎቱ ኢትዮጵያውያን ክሰምዕ ከለኹ፡ ልዕሊ ኩሉ ቅጅል ትብለኒ፡ እታ ኣብ ማእከል ቅርዓት ናይታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ዓዲ፡ ጻዕዳ ክዳን ተኸዲኑ፡ ብንጹህ ልቡን ግሩህ ሕልናን ኣብ ኣኼባ ከሎ፡ ብናይ ፋክረስ ጠያይቲ ክቕዘፍ ዝረኣኹዎ ህዝቢ ኢዩ። እዛ ሎሚ ዘዘንትዋ ፍጻሜ ከኣ ንኹሎም’ቶም ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ኣብ ፈቐዶ ዓድታትን ከባቢታትን ዝተቐዝፉ ኤርትራውያን መዘከርታ ትኹነለይ።

እቲ ኣብ ሰገነይትን ድግሳን ዝነበረ 8ይ ሻለቃ ናይ 6ይ ብርጌድ (ናይ 2ይ ክ/ጦር ኢትዮጵያ)፡ ኣብ ዕለታት 3ን 5ን ናይ ወርሒ ነሓሰ 1977 ዓ.ም ብሓይልታት ህዝባዊ ግምባር ተደምሲሱ። እዚ ፍጻሜ’ዚ ምስ ምሕራር ከተማ ደቀምሓረ (6 ሓምለ 1977 ዓ.ም) ተኣሳሲሩ፡ ካብ ብሎኮታት ጎዳይፍ ክሳብ ዓዲ ቀይሕ ዝነበረ ዓድታት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ስርዓት ኢትዮጵያ ኣይነበረን። ሰማያት ኤርትራ ግን ብድምጸን ካብ ዝድህላን ሓዊ ተፊአን ሰብ ካብ ዝቐዝፋን ነፈርቲ ኣይተገላገለን። ጉዕዞ ሰውራ ግን ናህሩ ዘቋርጽ ወይ ዝተዓናቐፍ ኣይኮነን።

በቲ ናይ ሽዑ ኣገላልጻ “ሰውራ” ማለት፡ መግዛእቲ ተባሪሩ፡ ኤርትራ ናብ ዋናታታ እትምለሰሉ፡ ድሑር ‘መስፍናዊ’ ምምሕዳር፡ ብምዕቡል ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዝትክኣሉ፡ ማሪት - ብስነ-ፍልጠት፡ ድኽነት - ብሃብቲ፡ ድሕረት - ብዘመናውነት ዝትክእ መስርሕ ኢዩ ዝብል ትርጉም ኢዩ ዝነበሮ። ህዝባዊ ግምባር ኣብቲ ሓራ ዘውጽኦ ዓድታትን ከተማታትን ነቲ ዝጸንሐ፡ ብጭቃታትን ብሚስለኔታትን ዝውዳእ ፍርዳውን ምምሕዳራውን ስራሕ፡ ህዝቢ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብዝመረጾም ወከልቲ ዝቐውም፡ ብህዝባዊ ባይቶ ንምትካእ ክስርሓሉ ጸኒሑ ኢዩ። ህዝባዊ ባይቶ ካብ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ካብ ሓረስቶት፡ ሞያውያን፡ ሸቃሎ ወዘተ፡ ብምርጫ ብዝተወከሉ 12 ሰባት ዝቐውም፡ ንፖለቲካውን ምምሕዳራውን ኩነታት ናይታ ዓዲ ወይ ከተማ ዝከታተል ምምሕዳራዊ ትካል ኢዩ።

እዚ ብደረጅኡ ‘ዝሓሸ ኢዩ’ ዝተባህለ ናይ ባይቶኣዊ ስርዓተ ምምሕዳር ኣብ ዓድና (ድግሳ) ንምትካሉ ምድላዋት ክግበርሉን ክጉስጎሰሉን ጸኒሑ ኢዩ። ንኣገባቡ ብዝምልከት ተመኩሮ ንምውሳድ ናብተን ቀዲመን ባይቶ ዘቖማ ዓድታትን ከተማታትን በጺሕናን ርኢናን ኢና። ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ብውሑዱ ኣብ ከተማ ደቀምሓረን፡ ውጡሕ እትበሃል ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ንእስ ዝበለት ዓድን ቅድሜና እቲ ምዕቡል ዝበሃል ህዝባዊ ባይቶ ተኺለን ነይረን ኢየን። ኣብቲ ኣብ ውጡሕ ዝተገብረ ጽምብል ህዝባዊ ባይቶ፡ ኣነ ንባዕለይ ንመንእሰያት ደቂ ዓደይ ወኪለ ተሳቲፈን ጸንቢለን ኢየ።

ኣብታ ተወሊደ፡ ሓመዳ ቊሒመ፡ ብጽሩይ ማያ ረውየ ዝዓበኹላ ዓዲ እውን፡ ንሰንበት 9 ሓምለ 1978 ዓ.ም ህዝብዊ ባይቶ ክትከል መደብ ካብ ዝተሓዝ ሓያሎ ሰሙናት ሓሊፉን ንዝምልከቶም ዕድመ ተላኢኹሎምን ነይሩ ኢዩ። እቲ ከባቢ ካብ ወፍሪ ኣጋር ጦር-ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮነ ደብዳብ ተወንጨፍቲ ሮኬታት ስግኣት ኣይነበሮን። ሰማያት ሃገርና ግን ውሑስ ኣይኮነን። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ፡ እቲ ዝግበር ኣኼባ፡ ካብ ማእከል ዓዲ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ጽዑቕ ቀላሚጦሳት ዘለዎ ቦታ ክግበር ቀጻሊ ጠለብ ዝቐርብ ዝነበረ። እቲ ጠለብ’ውን ተቐባልነት ዝነበሮ እመስለኒ። እንተኾነ በዚ መጺኡ ዘይበሃል ጻዕዳ ግመ፡ ንጉሆ ምድሪ ንምልእቲ ዓዲ ሽፍን ኣበላ።

ድግሳ ካብቲ ከባቢ ዝዓበየት ዓዲ ብምዃና፡ ኣብ ድግሳ ዝግበር ለውጢ’ውን ኣብ ዝበዝሐ ህዝቢ ጽልዋ ከሕድር ስለ ዝተደልየ ኢዩ መስለኒ፡ ካብቲ ከባቢ ብዙሕ ሰብ ተዓዲሙ ነይሩ። ኣብ ጽምብል ህዝባዊ ባይቶ ክሳተፉ ዝመጹ ኣጋይሽ፡ ገና ብንጉሁኡ ኢዮም ብኹሉ ሸነኽ ክመጹ ጀሚሮም። ካብ ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲ፡ ኣኽሩር ዝመጹ ቀያሕቲ ዕምባባ ጥርኑፋት ዕዱማትና ነይሮም። ቀያሕቲ ዕምባባ ከተማ ደቀምሓረ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኲናት ዝተታሕዛ፡ ብጫን ሰማያውን ዝሕብረን ዓበይቲ ኣውቶቡሳት ሓጂ ዓብዱ ተሰቒሎም እናዘመሩ ድሕሪ ምምጻእ፡ ኣብ ማእከል ቅርዓት ናይቲ ዓዲ ተራገፉ።

ኣርዑትን ነዊትን ዝተሰከሙ ወከልቲ ሓረስቶት፡ ኮምብላስዮኒ ተኸዲኖም ፒንሳን ማርተሎን ዝሓዙ ወከልቲ ሸቃሎ፡ ናይቲ ሽዑ ዝነበረ “ኪዳነ ሸቃሎን ገባሮን ይደልድል” ዝብል ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝውክሉ ኢዮም። መራሕቲ ናይቲ ሰልፊ፡ ዲኖን ዋልታን ዝዓጠቁ ደበልቲ ኮይኖም፡ ንዕኦም ተኸቲሎም ከኣ እዞም ምስሊ ሸቃሎን ገባሮን ዝሓዙ ሰባት ኢዮም። ምስኦም ልግብ ኢሎም ከኣ፡ ጻዕዳ ባርኔጣ ኣብ ርእሶም፡ ጻዓዱ ነጸላን ሽወሽ ክዳውንትን ለቢሶም፡ ኣብ ኢዶም ንዝሓዝዎ ጭራ ወስ እናበሉ ዝስጉሙ ኳዕናናት፡ ጻዕዳ ጋማ ኣሲሮም “ስ. .ቦ ለጋው . .ስቦ!!” ዝብሉ ሰብ ማእከላይ ዕድመ፡ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ቅርዓት ናይቲ ዓዲ ከም ኣካል ናይቲ ሰልፊ ክጭድሩን ክድብሉን ይረኣዩ። ኣብ ጥቕኦም ምስኦም ልግብ ኢለን፡ ብሒናን ዘመን ኣምጽኦ ቁኖን ዝማዕረጋ፡ ብነንበይኑ ሕብርታት ዘለዎ ክዳውንቲ ዘጌጻ ኣንስትን፡ ሕፍር-ፍር ዝብላ ገና ዘይተመርዓዋ ጎራዙን ብልዑል ስምዒት ከበሮ እናደሰቓ ይደርፋን ይስዕስዓን።

ካብ ጎዶቦ ዓድታት መጺኦም፡ ኣኼባ ክሳብ ዝጅመር ዑግታ ዑግታ ኮይኖም ዝጽበዩ ኣጋይሽ ፋሕ ኢሎም ይረኣዩ። ምስ ስድርኦም መጺኦም ኣብቲ ገፊሕ ቅርዓት ተፈንዎም ንሓድሕዶም ዝጻውቱን ዝጓየዩን ቆልዑ ማእለያ የብሎምን። እቶም ዝርካብና መንእሰያት፡ ካብን ናብን ክንወናጨፍ፡ ኣብ ምልእኣኽን ኣብ ምስሳይን ስለ ዝነበርና፡ ተኻፈልቲ ናይቲ ኩሉ ሓጎስን ጨፈራን ክንከውን ዝነበርና ዕድል ውሑድ ኢዩ። ኩነታት ብከምዚ እናቐጸለ ከሎ፡ ሓንቲ ሀሊኮፕተር ኢትዮጵያ፡ ክብ ኢላ ብወገን ምዕራብ ናይቲ እኩብ ህዝቢ፡ ካብ ኣስመራ ናብ ዓዲ ቀይሕ ትሓልፍ። ኣብቲ ዝነበረ ደስታን ፈንጠዝያን ከኣ ገለ ስኽፍታ ፈጠረት። መደብ ግን ኣየቋረጸን። ቀጸለ ድኣ።

ተሸፊኑ ዝነበረ ግመ ነዊሕ ከይጸንሐ ኢዩ ተቐንጢጡ። ጸሓይ ሓምለ ነቶም ክዳውንቶም ኣርጉድ ዘበሉ ክትፈታተኖም ጀሚራ ነይራ። እቲ ብሸነኽ ደቡብ ዝነበረ ሰልፊ፡ በቶም ጻዕዳ ሻሽ (ጋማ) ኣሲሮም ዝድብሉ ዝነብሩ ሰብኡት ተመሪሑ፡ ኣብቲ ናይ ኣኼባ ቦታ በጽሐ። ክሳብ ዝከኣለን ዝጸበቓን ዝመልክዓን ኣንስትን ጎራዙን ከኣ ምስኦም ልግብ ኢለን ቦትአን ሓዛ። እታ ገፋሕ ቅርዓት ዓድና፡ ብዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘገጹ ክዳውንቲ ብዝተኸድኑ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ብዝጻወቱ ቆልዑን ሕጻውንትን ዓቕላ ጸበባ። እቶም ካብ ከተማ ደቀምሓረ፡ ሰገነይትን ኣኹሩርን ዝመጹ ቀያሕቲ ዕምባባ፡ ነናይ ባዕሎም ዲቪዛ (ዩኒፎርም) ለቢሶም፡ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ምስሊ ብረት ኣብ መንኩቦም ኣደጊፎም ብወታደራዊ ሰልፊ (ማርሽን)፡ እናዘመሩን እናተወዛወዙን በብተራ ናብ ማእከል’ቲ ኣኼባ ይኣትዉ። ቀያሕቲ ዕምባባ ድግሳ’ውን “ዋናታት’ኮ ንሕና ኢና” ብዘስምዕ ቃና ኣዛይዶም ይዝምሩን ይወዛወዙን። ኩሉ’ቲ ምውህሃድ ኣብ ሓንጎል ነብሲ ወከፍ ተሳታፊ ዝፈጠሮ ስምዒት፡ ደስታን ሓጎስን ኣብ ገጽ ነብሲ ወከፍ ሰብ ከተንብቦ ዘጸግም ኣይነበረን።

ቀያሕቲ ዕምባባ በቦትኦም ሒዞም ይዝምሩ። ዓበይቲ ይድብሉ ይወዛወዙ። ኩሉ - ኣብቲ ክፉት ቅርዓት። ዳስ እንተ ዝሕሰብ’ውን ነቲ ዝነበረ ብዝሒ ዝሰትር ካበይ ክመጽእ። ነዊሕ ከይጸንሐት እታ ናብ ዓዲ ቀይሕ ዝሓለፈት ሀሊኮፕተር፡ እንደገና ብልዕሊ’ቲ እኩብ ህዝቢ ክብ ኢላ፡ ናብ ኣስመራ ገጻ ክትምለስ ትረአ። ዝያዳ ስኽፍታ፣ ዝያዳ ሻቕሎት!!! ኣብ ኩሉ’ቲ ከመዛዝን ዝኽእል ሰብ ዝነበረ ስኽፍታ ኣጸቢቑ ዓበየ። ነቲ ብርቱዕ ልባዊ ሓጎስ፡ ብኡ ንብኡ ስኽፍታን ምጥርጣርን ክትክኦ ጀመረ። ገለ ዓበይቲ ዓዲ፡ እቲ መደብ ተቛሪጹ ሰብ ነናብ ገዝኡ ክፋኖ ንዝምልከቶም ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር ይሓቱ። ገለ ነብሶም ዝጠርጠሩ ከኣ መሞሊቖም ክኸዱ ይጅምሩ። መደብ ግን ኣይተቛረጸን። እቲ ሸቐልቀልን ስኽፍታን ግን ካብቲ ኣኼባኛ ሓሊፉ፡ ኣብቶም ኣለይቲ ናይቲ መደብ ዝነበሩ ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር ከይተረፈ ብንጹር ይረአ ነይሩ ኢዩ። ሽዑ ንሽዑ ከኣ እቲ ምርጫ ቀልጢፉ ክካየድ’ሞ ሰብ ነናብ ገዝኡ ክፋኖ ስለ ዝተደልየ ኢዩ እመስለኒ፡ እቲ ጓይላ እናቀጸለ ከሎ “ሕጹያት ብቕልጡፍ ቦታኹም ሓዙ!!” ዝብል መምርሒ ተዋህበ። እቲ ፈንጠዝያ ናብ ርኡይ ሸቐልቀል ኢዩ ተቐይሩ። በዚ ዘይተሻቐሉ እንተ ነይሮም፡ እቶም ኣብ ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ዝጻወቱን ዝጓየዩን ዝነበሩ ቆልዑ ጥራይ ክኾኑ ኣለዎም።

ኣብቲ፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት ዝተገብረ ናይ በይንና ናይ መንእሰያት ኣኼባ፡ ንመንእሰያት ወኪልና ንምርጫ ከም ሕጹያት ተዳሊና ዝነበርና ሰለስተ ሰባት ኢና። ንሳቶም፡ ስዉእ - መምህር ኪዳነ ገብረገርግስ (ባናና)፡ ንጉሰ ገብረዝግኣብሀርን ኣነ (ታደሰ ኪዳነን) ኢና። ካብ ሰለስተና ንመንእሰያት ወኪሉ ኣባል ባይቶ ዝምረጽ ሓደ ሰብ ጥራይ ኢዩ። ሽዑ ኣብቲ ናይ ሸቐልቀል እዋን፡ ካብቲ ቤት-ትምህርቲ ሰደቓታት ኣውጺእና ኣብ ክፉት ኩሉ ህዝቢ ዝርእዩ ናይ ምርጫ ቦታ ኮፍ ክንብልን፡ ሰማያት ዓድና ብደሃሊ ድምጺ ነፈርቲ ክናወጽን ሓደ ኮነ። ድነ ሞት ኣብ ልዕሊ’ቲ ኩሉ ኣኼበኛ ከንጸላሉ ጀመረ።

ካብ ሑቕፊ ኣዲኡ ተፈልዩ ምስ መዛንኡ ዝጻወት ዝነበረ ሕጻን ኣብ ዝነበሮ ኢዩ ዘሎ። ኣብቲ ቅርዓት ዝጓየዩ ዝነብሩ ቆልዑ፡ በቲ ድምጺ ተዳሂሎም እምበር እቲ ዝተፈጥረ ሓድሽ ናይ ሞት ኩነታት ዝርድኦም ኣይነበረን። ደቃ ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣደ፡ ኣብ መንጎ ውላዳ ምድላይን ንነብሳ ምድሓንን ተቐርቀርት። “ወደይ! . . ጓለይ . .” ኢላ ውላዳ ክትደሊ እንተ ወሰነት’ውን ኣበይ ኢያ ክትረኽቦ። ፍጹም ሕንፍሽፍሽ ኢዩ ኮይኑ። እታ ሓንቲ ምርጫ፡ ነብስኻ ንምድሓን “ተድሕነኒ ኢያ! . . ከውሊ ኣለዋ” ናብ ትብላ ቦታ ምጉያይ ጥራይ ኢያ። ኣውያተን ዝድርጉሓ ኣንስቲ፡ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ - ሰብ ረጊጹ ዝበርር ጎበዝ . . . በቃ ፍጹም ድብልቕልቕ ኢዩ ኮይኑ።

ነፈርቲ ግዜ ኣየጥፍኣን። ቀዳመይቲ ዕላማአን እታ ኣብ ጫፍ ደቡባዊ ምብራቕ ናይቲ ቅርዓት፡ ኣብ ጸግዒ ሓደ ዑና-ገዛ ተጸጊዓ፡ ብላዕሊ ንኹሉ ቤትሮታታ ዘይሽፍን ቴንዳ ዘው ዝበላ፡ ነዋሕ ኣውቶቡስ ኮነ። ገለ ሰለስተ ግዜ ይኸውን ተተበራርየን ብፋክረስ ምስ ተሳሃላኣ፡ ኣብ ናይ ውሑድ ደቓይቕ ፍልልይ፡ ብጸሊም ትኪ ዝተሰነየ ሃልሃልታኣ፡ ንሰማይ ይውርወር። ኣውቶቡስ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ተስምዕ ዘላ ክትመስል፡ ሃልሃልታኣን ካብ ከርሳ ዝወጽእ ጸሊም ትክን ንዓስርተታት ሜትሮታት ናብ ሰማይ ዓረገ።

ነፈርቲ ኢትዮጵያ፡ ቀዳመይቲ ታርጌተን ብልክዕ ሃሪመን ኢየን። ሕጂ ተሪፉወን ዘሎ እቲ ኣብቲ ቅርዓትን ከባቢኡን ዝተራመስ ዘሎ ቆልዓን ሰበይትን - ሽማግለን ሕጻንን ኢዩ። ብዙሕ ካብቲ ክበርር ዝኽእል ጎበዝ፡ ኣብተን ውሑዳት ኣውቶቡስ ክሳብ ትቃጸል ዝነበራ ደቃይቕ እግሩ ናብ ዝመርሖ በሪሩ ኢዩ። ገሊኦም ናብቲ ሽዑ ከስግን ጀሚሩ ዝነበረ ዕፉን ገደና ተሸርቡ። ገለ ነፊጾም ካብቲ ቦታ ኣጸቢቖም ረሓቑ። ናብቲ ማዓጹኡ ክፉት ዝነበረ ክፍልታት ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ዝኣተዉ ሽማግለታትን ኣንስትን፡ “ዚንጎ ካብ ፋክረስ ኣየድሕንን ኢዩ” ኢሎም ብመሳኹቲ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ እናነጠሩ ካብቲ ክፍልታት ዝወጹ ሰባትን ቁጽሪ የብሎምን። ናብ ዘዝቐርቦም ናይቲ ከባቢ ገዛውቲ ዝኣትዉ’ውን ብዙሓት ኢዮም። እቶም ነዚ ኩሉ ዘይፈለጡ ኣብቲ ቅርዓት ዝጓየዩ ዝነበሩ ቆልዑ ግን፡ ኣብ ዘዝነበርዎ ኣብ ጸግዒ ናይቲ መናድቕ ዑግታ ዑግታ ኮይኖም ኮፍ በሉ። ኩሉ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ትርኢትን ምቁጽጻርን ናይተን ንጥፍኣትና ዝተላእካ፡ ኣብ ልዕሌና ዝዝምብያ ዝነበራ፡ ነፈርቲ ስርዓት ኢትዮጵያ ኢዩ።

ኮነ ከኣ። ጸግዒ መናድቕ ብፋክረስ ተሓርሰ። ክፍልታት ቤት ትምህርቲ ብኣድራጋ ተዘብጠ። ‘ሰብ ይሕበኣሉ ኢዩ’ ዝተባህለ ቦታ፡ እግሪ እግሪ ዝሃድምን ዝንቀሳቐስን ሰብ እና ሰዓባ ሓዊ ከዓዋሉ። ነፈርቲ ሒዘናኦ ዝመጻ ተተኳሲ ተወዲኡ፡ ኣብ ሰማይ ዝጸንሓሉ ግዜ ኣኺሉ ናብ ዝመጽኦ ክሳብ ዝኸዳ፡ ክቐትለኦ ዝኽእላ ክቐትላ፡ ክቐዝፈኦ ዝኽእላ ክቐዝፋ ተተሓሒዘንኦ ኢየን። ብልክዕ ንምዝራብ፡ ዘወርተን - ብጽልኢ ዝኸሓኑ፡ ዝበኪ ቆልዓን እትነብዕ በዓልቲ እንዳን ዘይፈልጡ፡ ሰብኣዊ ፍጡር ዘይብሎም ግናያት ፍጥረት ክኾኑ ኣለዎም። ቅዝፈት፡ ዓቢ ሰብኣዊ ህልቂት፡ ኣብ ማእከል ቅርዓት ዓድና፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ለዋህ ዘዕበየና ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ተፈጸመ። ክንቅይሮ ይኹን ክንብድሆ ግን ዓቕሚ ኣይነበረናን።

ንምርጫ ኮፍ ኢልና እምበር፡ ምርጫ ከም ዘየካየድና ገሊጸ ኣለኹ። ኣነ ቀዳመይቲ ጥይት ፋክረስ ኣብ ዝባን ናይታ ኣውቶቡስ ምስ ዓለበት፡ ብኡ ንብኡ ኢየ ካብቲ ቦታ ንምርሓቕ - ጉያ ተተሓሒዘዮ። ኣብ መንጎ መንደቕ ቤት-ትምህርትን መንበሪ ገዛ እንዳቦይ ባሻይ ዘርኣይን፡ ገለ ሰለስተ ሜትሮ ዝግፍሓ መሕለፊት ቦታ ኣላ። ኣነ ካብቲ ኮፍ ኢለሉ ዝነበርኩ ሰደቓ ቅድሚ ምትንስአይ፡ መዕቆብን መኸወልን ብዝደልዩ፡ ብቖልዓን ሰበይትን መሊኣ - መሕለፊ ኣይነበራን። ኣብ ጸግዒ መንደቅ ቤት ትምህርቲ ዝነበረት ተኽሊ ፍዮሪ’ውን፡ ኣብ ሽዑ በጺሓ ንገለ ካብቲ ቦታ ተቓጺጻ ሒዛቶ ነይራ። ካብቲ ቦታ ቀልጢፈ ክርሕቕ ነይሩኒ። እታ ዝቐረበት መውጽኢት ቦታ፡ እታ ቆልዓን ሰበይትን ብጽቕጥቅጥ ተዓቊቦሙላ ዝነበሩ ጸባብ ቦታ ኢያ። ንገለ ብመንጎ ኣእጋሮም፡ ንገለ ብጎድኖም ደፋፊአ፡ ነቲ ጽቕጥቅጥ ሓሊፈ ናብ ሸነኽ ሰሜን ናብቲ ክፉት ቦታ ተቐልቀልኩ። ኣነ ካብቲ ቦታ ክርሕቕ - ክጎዪ፡ ነፋሪት ለጥ ኢላ ክትሽከል፡ ፊት ንፊት ተጋጠምና። ኣዒንተይ ኣፍጢጠን ክርእያኣን ብቕድሚኣ ናይ ተኹሲ ብልጭታ ክርእን ሓደ ነይሩ፡ ፋክረስ ናይታ ነፋሪት ኣብ ኣፍ-ልበይ ክዓልብ ተራእየኒ። “በቃ፡ ንእስነተይ ኣብቂዓ ኢያ! ! . .” ዝብል ሓሳብ ኣብ ሓንጎለይ ቁልጭ በለኒ። ኣነን ሞትን ኣብ ናይ ካልኢታት ፍልልይ ዝበጻሕና ኮይኑ ተሰማዓኒ።

መወዳእታኡ ኣብ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል

ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ኣብዚ ርአ


Share with friends:


See also recent articles by Mr. Tadese Kidane
ካልኦት ብ'ኣቶ ታደሰ ኪዳነ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: