ስዉእ ሓርበኛ ሓበን ሃገር፡

09/08/2017 19:20 PM

ስዉእ ሓርበኛ ሓበን ሃገር፡

ብ'ሻምላ

ሓርበኛታት አርትራ

ስዉእ ሓርበኛ ሓበን ሃገር፡

ብዙሕ ታሪኽ ኣሎ ብኣኻ ዝንገር፡
ኣብ መቓብር ኮንካ ህዝብኻ ክምሃር፣
ንብዓት ኣደ.ታትና ካብ ዓይነን ክወርር፡
ምንቃጽ ኣብዩ ደምካ ንምረት ክስዕር፡

ናጽነት ከይጠፍእ ከንቶ ከይኸዉን ጻዕርኻ፡
ሽግር ውሒጥና ጸልሚታ ቀንደልካ፡
ኣይወርድንዩ ጾርና ክሳብ ንፍጽም ሕልምኻ፡
ቃል ንኣቱ ኣሎና ወረስቲ ሕድርኻ፡

ዘዉረስካና ሓበን ንሱዩ ጽንዓትና፡
ብ5ተ ንሓሰ ሓርበኛታት ክቲትና፡
ለምለም ክንቅይሮ መቓብር ናይ ጅግና፡
ጻዕዳ ክትክደንያ እታ ዉዓሮ ኣደና፡

ኣብ ባሕሪ ኣብ ሲናይ ትጠፍኡ ዘለኹም፡
ህ.ግ.ዲ.ፍ እኮ እዩ ጠንቂ ናይ ስደትኩም፡
ክነኽብሮ ኢና ክቡር መስዋእትኹም፡
ሓሊፎም ኣለዉ ሓርበኛታት ብጾትኩም፡

ኣንቲ ባሕሪ ኣንቲ ሲናይ ተዛረቢ፡
መንእሰይ ውሒጥኪ ዘይትጸግቢ፡
ስምኩም ዘይተጻሕፎ ናይ ደም ነጥቢ፡
ኣምላኽ(ረቢ)ንሽግርና ይግበረሉ መዕለቢ፡

እታ ዉዓሮ ኣደ በጽቢጻ እንጣጢዕ፡
ዘሊላ ትኣቱ ናብ ኩናት ናብ ድፋዕ፡
ደቃ እተዓ.ንግል ቆቆሪሳ ግናዕ፡
ብእልልታ ሞራል ትብለና ኣገናዕ፡

ብደንጎላ ገጢሙ መንእሰይ ከተማ፡
ንዓፋኝ ምስ ነቪ ደሪቡ ንቃርማ፡
ነታ ወዛም ሓብተይ እወ ዓሚጾማ፡
ሕነ ሓፍቱ ፈድዩ ጅግና ብዓል ግርማ፡

ስመሩ ይብላኹም ወራዙ ኣደታት፡
ገጸን ክበርሃልና ካብ ማዳ ካብ ጸልማት፡
ግደፉ ይብላኹም ናብ ስልጣን ምቑማት፡
ጻዕዳ ተኽዲነን ክወጻ ካብ ጸልማት፡

እንቱም ሰብ ፓላሶ ሰብ ጽሩራ፡
ንህዝብና ከፊእኩሞ ካብ ግዝኣት ኣምሓራ፡
ከመይ ይወርደልኩም ናይ ገበን እንጀራ፡
ትመጸኩም ኣላ ናይ ዉጹዕ ጭማራ፡

ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረኽበ ዓወት፡
ህዝቢ ይጠፍእ ኣሎ ይብተን ናብ ስደት፡
ህዛባዊ ሰራዊት ኣነጽጻር ጨምት፡
ንህ.ግ.ዲ.ፍ.መንጥል ምስ ህዝብኻ ክተት፡

ሻ  ም  ላ።

Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ሓገዝ ንኣካለ-ጽጉማን (ውጉኣት) ሓርነት (ጨንፈር-ከሰላ ሱዳን) Fundraising Call for ELF Disabled Veterans - in Kassalla- Sudan.b>

ጉዳይ ጀጋኑ ስንኩላን ኤርትራውያን

Eritrean Veterans Day website መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንምዝካር ዝቖመ ወብሳይት: