September 18, 2018 Worldwide Demonstration

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

07/09/2018 23:34 PM

September 18, 2018
Worldwide Demonstration
against enforced disappearances of Eritreans

18 መስከረም 2018
ዓለምለኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ
ኣንጻር ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ምስዋርን ኤርትራውያን

Eritrean prisoners

ፍትሒ፡ ንኹሎም ፍጡራት ደቂ-ኣዳም ዘይንፈግ ባህሪያዊ መሰላቶም ምዃኑ ኣብቲ ኣዋድ ኣድማሳዊ መሰላት ደቂ-ሰብ (Universal Declaration of Human Rights) ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1948 ዝጸደቐን ዝወጽአን ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ኣዋጅ እዚ ከኽብር ግዴታ ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ብዘይ-ፍርዲን ፍትሒን፡ ንልዕሊ 10 ወይ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲን ማሕዩርን ዝርከቡ ኤርትራውያን ምህላዎም ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ።

እሞ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ፡ ጻውዒትኩም ሰሚዑ ተማሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ፡ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ስኒትና.ኮም እውን ሓቢራ ጻውዒታ ተቕርብ። እዚ መሰል ዚ ንኹሉ ፍጡር ዝምልከት፡ ንዓና ንኤርትራውያን ድማ፡ "እሱራትና ይፈትሑ! መሰልን ፍትሒን እሱራት ይከበር!" ኢልካ ምጽዋዕ፡ ብፖለቲካ ክፈላልየና ዘይግባእ ቅዱስ ተግባር ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ምእንቲ ፍትሒ ደቂ-ሰብ ደው ክንብልን፡ ሓቢርና ንመሰል እሱራትና ደው ክንብልን ግዴታ ኣሎና። ኣብዚ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ጻውዒት'ዚ፡ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ከምኡ'ውን መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናንን ክሳተፉዎን ድምጾም ከስምዑን ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ድምጺን ቃንዛን ቤተሰብ እሱራት ክሰምዕ ዘይከኣለ መንግስቲ ኤርትራ ድማ፡ ናይ ጎረቤቱ ሃገር ኢትዮጵያ ኣብነት ይኹኖ፡ ናብ ልቡ ክምለስን እሱራት ክፈትሕን፡ ስኒትና.ኮም ትምሕጸን።

ዓለምለኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ምስዋርን ኤርትራውያን (on 18 September 2018)


Share with friends:

See also Related / ተመሳሰልቲ ምዕዶን ሓበሬታታትን፡-



Share with friends: