|
|
21/06/2016 17:25 PM
መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡
ኣብ ጉዳይ ኤርትራ -
ሰፋሕቲ ናይ ደገፍን ተቓውሞን ሰላማዊ ሰልፍታት
COI-
Massive Demonstrations by Eritreans
21 -
ሎሚ መዓልቲ፡ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብን ርእይቶን ኣባል ሃገራት፡ ኣብ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት፡ ክስማዕ ውዒሉ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዝወዓለ ጸብጻብን ርእይቶ ሃገራትን ኣመልኪቱ፡ ራድዮ ኤረና 21 ሰነ 2016 ሓበሬታ ኣወጺኡ ኣሎ። ካብቶም ኣብቲ መጋባእያ፡ ከም ተሳተፍቲን ተዓዘብቲን ዝወዓሉ ኤርትራውያን፡ ብመንገዲ ፌስቡክ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ሓጸርቲ ጸብጻባት ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ይመስል፡-
ኣብዚ ናይ ሎም መዓልቲ ኣኼባ’ዚ፡-
ኣቦ መንበር መርማሪ ኮሚሽን፡
ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ካብ 1991 ኣትሒዞም ስርዓቶም ንምርግጋእ ንሃገር ብራዕዲ ዓፊኖም ንዜጋታት ከም ዝኣስሩ ከም ዝስውሩ፡ ኣብቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጊላዊ ኣስገዳድ ዕዮ ከምዘካይዱ፡ ደቀንስትዮ ጾታዊ ግህሰት ከምዝፍጸመን፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰባዊ መሰላት ዜጋታቱ ንኸመሓይሽ ብተደጋጋሚ እኳ እንተተነግሮ ከምዘየመሓይሸ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንኤርትራ ዝበጽሑ ሰባት ኤርትራ ተመሓይሽ ከምዘላ እኳ እንተገለጹ፡ ኣብ ኤርትራ ናጻ ጋዜጠታት ብቑዕ ስርዓተ ፍርዲ፡ ሃገራዊ ባይቶ፡ ልዕልና ሕግን ተማእዛዝነት ንሕግን ከምኡ እውን ተሓታትነት ስለዘየለ መንግስቲ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ደምዲሙ።
የማነ ገብረኣብ፡-
ኣብ ጽባሕ 20 ሰነ ሰማእታትና እንዝክረላን መብጽዓና እነሐድሰላን ዕለት ሎሚ እውን ኣሻሓት ዜጋታት ንርኽበት መርማሪ ኮሚሽን ክቃወሙ ተሰሊፎም ኣለው። መርማሪ ኮሚሽን ግን ነዚ ኩሉ ሸለል ኢሉ፡ ንኻልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከቐርብ ይጽዕር ኣሎ። ኤርትራ ተመሓይሽ ኣላ፡ ቁጠባኣ ይበራበር ኣሎ። ዝተጠቕመሉ ኣገባብ መጽናዕቲ ቅቡል ከምዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታታ ዘየኽበረት ዘይተኸሰት ኤርትራ ክትክሰስ ኣይግበኣን እዩ።
ርእይቶ ኣባላት ሃገራት፧-
ሰበስልጣን ኤርትራ ብዝፈጸምዎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክሕተቱን ኤርትራ ከኣ ሰበኣዊ መሰላት ከተመሓይሽን ይጽውዕ።
ስዊዘርላንድ፡-
ስዊዘርላንድ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ኤርትራ መርማሪ ኮሚሽን ንኤርትራ ንኽትበጽሕ ከፍቅዱላ ይጽውዕ።
ኩባ፡-
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳይ ሃገራት ክትኣቱ ኣይትድግፍን እያ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ብቐጥታ ኮነ ብመገዲ ሳልሳይ ኣካል ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንምዝታይ ክሕለል የብሉን።
ዓባይ ብሪጣንያ፡-
ንኮሚሽን ተመስግን፡-
ፓኪስታን
ኤርትራ፡-
ፖርቱጋል፡
መንግስቲ ኤርትራ ንጸዋዒት መርማሪት ኮሚሽን ብተደጋግሚ ምንጻጉ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ምምሕያሽ ናይቲ ዝፍጸም ግህሰት ስለዘይተራእየ መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ እጽውዕ።
ፍራንስ፡-
ንርእይቶ ኤውሮጳዊ ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ከምዘለዎ ይድግፎ። ፍራንስ መንግስቲ ኤርትራ ንመርማሪ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ንኸየጽንዕ ፍቓድ ዘይምሃቦም እናተሓሳሰባ ንእማመ እቲ ኮሚሽን ትድግፍ።
ጂቡቲ፡-
ገበን ዝፈጸሙ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ትጽውዑ። ኣብ ኩናት ማሪኻቶም ንዘላ ጂቡታውያን ብምሉኦም ክትለቆም ንጽውዕ።
ቬንዝወላ፡-
እዚ መርማሪ ኮሚሽን ፖለቲካዊ ድፍኢት ስለዘለዎ በዚ መገዲ እዚ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ክረጋገጽ ስለዘይከኣል ካልእ መገዲ ክጽናዕ ኣለዎ።
ኣመሪካ፡-
ሕቡራት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሺን እናተቐበለ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ ዝፍጽሞ ግህሰት ከመሓይሽን ንመርማሪ ኮሚሽንን ፍልይቲ ልእኽትን ንኤርትራ ኣትያ ስርሓ ንኸተካይድ ክፈቕደሎምን ይጽውዕ።
ስፐይን
ንርእይቶ ኤውሮጳዊ ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ከምዘለዎ እናደገፍና ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ነባሪ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ። ስፐይን መንግስቲ ኤርትራ ንመርማሪ ኮሚሽንን ፍልይቲ ልእኽትን ኣብ ኤርትራ ኣትዮም ስርሖም ከሳልጡ ይጽውዑ።
ጋና፡-
ቅዋም 1997 ክትግበር ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ
ቦትስዋና፡-
ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሾን ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካዊ መሰል ናይ ምእካብ መሰል ናይ ኣምልኾ ግህሰትን ዓመጽን ከምዝፍጸም ኣረዲኡ ኣሎ። እዚ ገዛ ከኣ ጸብጻብን እማመን ኮሚሽን ክግንዘቦን ክድግፎን ንጽውዕ። ኤርትራ ከኣ ግዴታኣ ክትፍጽምን ንመርማሪ ኮሚሽን ማዕጾኣ ክትከፍትን ንምሕጸን።
ሶማሊያ፡-
ንጸብጻብን እማመን ብምድጋፍ ንመርማሪት ኮሚሽን ምሉእ ደገፋ ትገልጽ።
ዩክረይን፡-
ኣብ ኤርትራ ብዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ኣዝዩ የተሓሳስባ። ስለዚ ንጸብጻብን እማመን መርማሪ ኮሚሽን ትድግፍ።
ኒካራግዋ፡-
ዘተን ልዝብን እዩ ነገራት ዘመሓይሽ ኢልና ስለእንሓስብ ምስ ኤርትራ በዚ መገዲ እዚ ክስራሕ ንጽውዕ።
ኬንያ፡
ብግዝኣተ ሕጊ ከምእትኣምን ሃገር ብመንግስቲ ኤርትራ ተፈጺሙ ተባሂሉ ብመርማሪት ኮሚሽን ተጸብጺቡ ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ግቡእ ኣቓልቦ ክወሃቦን እማመ መርማሪት ኮሚሽን ክትግበርን ንጽውዕ።
ቤልጂም፡-
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝባ እትፍጽሞ ግህሰት ከተቃርጾን ምስ መርማሪ ኮሚሽን ክትተሓባበር ንጽውዕ።
ሱዳን፡-
እቲ ኮሚሽን ንኤርትራ ከይበጽሐ እዚ ጸብጻብ ምቕራቡ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ኢልና ኢና ንኣምን።
ኢትዮጵያ፡-
መርማሪ ኮሚሽን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ገበናት ኣንጻር ሰብኣወት ከምዝፍጽም ንዝሰነዶ ጸብጻብ ብምድጋፍ ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክጽውዑ ኣሚሙ ኣሎ። ስለዚ አዒንቲ ግዳያት ናብዚ ባይቶ እዚ እየን ዘማዕድዋ ዘለዋ እሞ እዚ ባይቶ እዚ ግዳይት ፍትሒ ንኽረኽቡ ክጽዕር ንጽውዕ።
ኣየርላንድ፡-
ንጸብጻብን እማመን መርማሪ ኮሚሽን ትድግፍ።
ሰላማዊ ሰልፊ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራውያን -
Demonstration by Pro-
ብኣንጻር ናይዚ ዝተጠቕሰ፡ ብወገን ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ውዒሉ ኣሎ። ቀንዲ ዕላማኡ ድማ፡ ነቲ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ንምኹናንን ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽን ኢዩ። ብዛዕባ'ዚ፡ ሓደ ካብቶም ወደብቲ ናይዚ ሰልፊ'ዚ ዝኾነ፡ ኣቶ ሲራክ ባህልቢ፡ ምስ ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሮ ቃለ-
ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን -
Demonstration by Eritrean Justice-
ዕለት 23 ሰነ 2016፡ ብወገን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተወደበ፡ ካብ መላእ ኤውሮጳን ካልኦት ከባቢታት ዓለምን ዝጽምበሩዎ፡ ንመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ (COI-
ጎኒ-
ካብ ፌስቡክ-
01/07/2016 16፡23 PM
እቲ ብጅቡቲን ሶማልያን ዝቐረበ እማመ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ሎሚ 01 ሓምለ 2016፡ ብዘይ ድምጺ ምሃብ ማለት ብዓብላሊ ስምምዕ ሓሊፉ። The Draft Resolution submitted by Djibouti and Somalia Adopted without vote, by the UN-
The Draft Resolution submitted by Djibouti and Somalia Adopted without a vote as only Five countries (Russia, Cuba, Bolivia, China and Ecuador) from the whole room disassociated themselves from the consensus on Article 17 of the Draft resolution which calls the case should be submitted to the Security Council.
እቲ ብጅቡቲን ሶማልያን ዝቐረበ እማመ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ብዘይ ድምጺ ምሃብ ማለት ብዓብላሊ ስምምዕ ሓሊፉ። ሓሙሽተ ሃገራት ማለት፡-
See Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-