Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

21/06/2016 17:25 PM

መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ - 21 ሰነ 2016

ሰፋሕቲ ናይ ደገፍን ተቓውሞን ሰላማዊ ሰልፍታት

COI-Eritrea Report:

Massive Demonstrations by Eritreans  

21 - 23 June 2016


ሎሚ መዓልቲ፡ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብን ርእይቶን ኣባል ሃገራት፡ ኣብ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት፡ ክስማዕ ውዒሉ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዝወዓለ ጸብጻብን ርእይቶ ሃገራትን ኣመልኪቱ፡ ራድዮ ኤረና 21 ሰነ 2016 ሓበሬታ ኣወጺኡ ኣሎ። ካብቶም ኣብቲ መጋባእያ፡ ከም ተሳተፍቲን ተዓዘብቲን ዝወዓሉ ኤርትራውያን፡ ብመንገዲ ፌስቡክ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ሓጸርቲ ጸብጻባት ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ይመስል፡-


ኣብዚ ናይ ሎም መዓልቲ ኣኼባ’ዚ፡- ኣባላት መርማሪት ኮሚሽን፡ ብየማነ ገብረኣብ ዝተመርሐ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፡ ከምኡ እውን ደለይቲ ፍትሒ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡  እውን ተሳቲፎም ውዒሎም።

ኣቦ መንበር መርማሪ ኮሚሽን፡

 ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ካብ 1991 ኣትሒዞም ስርዓቶም ንምርግጋእ ንሃገር ብራዕዲ ዓፊኖም ንዜጋታት ከም ዝኣስሩ ከም ዝስውሩ፡ ኣብቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጊላዊ ኣስገዳድ ዕዮ ከምዘካይዱ፡ ደቀንስትዮ ጾታዊ ግህሰት ከምዝፍጸመን፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰባዊ መሰላት ዜጋታቱ ንኸመሓይሽ ብተደጋጋሚ እኳ እንተተነግሮ ከምዘየመሓይሸ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንኤርትራ ዝበጽሑ ሰባት ኤርትራ ተመሓይሽ ከምዘላ እኳ እንተገለጹ፡ ኣብ ኤርትራ ናጻ ጋዜጠታት ብቑዕ ስርዓተ ፍርዲ፡ ሃገራዊ ባይቶ፡ ልዕልና ሕግን ተማእዛዝነት ንሕግን ከምኡ እውን ተሓታትነት ስለዘየለ መንግስቲ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ደምዲሙ።

የማነ ገብረኣብ፡-

 ኣብ ጽባሕ 20 ሰነ ሰማእታትና እንዝክረላን መብጽዓና እነሐድሰላን ዕለት ሎሚ እውን ኣሻሓት ዜጋታት ንርኽበት መርማሪ ኮሚሽን ክቃወሙ ተሰሊፎም ኣለው። መርማሪ ኮሚሽን ግን ነዚ ኩሉ ሸለል ኢሉ፡ ንኻልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከቐርብ ይጽዕር ኣሎ። ኤርትራ ተመሓይሽ ኣላ፡ ቁጠባኣ ይበራበር ኣሎ። ዝተጠቕመሉ ኣገባብ መጽናዕቲ ቅቡል ከምዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታታ ዘየኽበረት ዘይተኸሰት ኤርትራ ክትክሰስ ኣይግበኣን እዩ።

ርእይቶ ኣባላት ሃገራት፧-

 ሰበስልጣን ኤርትራ ብዝፈጸምዎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክሕተቱን ኤርትራ ከኣ ሰበኣዊ መሰላት ከተመሓይሽን ይጽውዕ።

ስዊዘርላንድ፡-

 ስዊዘርላንድ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ኤርትራ መርማሪ ኮሚሽን ንኤርትራ ንኽትበጽሕ ከፍቅዱላ ይጽውዕ።

ኩባ፡-

 ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳይ ሃገራት ክትኣቱ ኣይትድግፍን እያ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ብቐጥታ ኮነ ብመገዲ ሳልሳይ ኣካል ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንምዝታይ ክሕለል የብሉን።

ዓባይ ብሪጣንያ፡-

 ንኮሚሽን ተመስግን፡- ኣብ ኤርትራ ሕጽረት ልዕልና ሕጊ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ኣገልግሎትን ማእሰርትን ምስዋርን ከምዘሎ ትርዳእ እያ። ስለዝኾነ ኤርትራ ምስዚ ኮሚሽን ክትተሓባበርን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ትድግፍ። መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኮሚሽንን ፍልይቲ ልእኽትን ተሓባቢሩ ሰብኣዊ መሰላት ዝመሓየሸሉ ኩነታት ክጽዕር ይጽውዕ።

ፓኪስታን

 ኤርትራ፡- ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ሃናጺ ዘተን ልዝብን ክካየድ ኣለዎ። ኤርትራ ኣብ ምምዕባል ከም እትርከብ ሃገር ሕጽረታት ንኸተመሓይሽ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክድግፋ ትጽውዕ።

ፖርቱጋል፡

 መንግስቲ ኤርትራ ንጸዋዒት መርማሪት ኮሚሽን ብተደጋግሚ ምንጻጉ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ምምሕያሽ ናይቲ ዝፍጸም ግህሰት ስለዘይተራእየ መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ እጽውዕ።

ፍራንስ፡-

 ንርእይቶ ኤውሮጳዊ ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ከምዘለዎ ይድግፎ። ፍራንስ መንግስቲ ኤርትራ ንመርማሪ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ንኸየጽንዕ ፍቓድ ዘይምሃቦም እናተሓሳሰባ ንእማመ እቲ ኮሚሽን ትድግፍ።

ጂቡቲ፡-

 ገበን ዝፈጸሙ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ትጽውዑ። ኣብ ኩናት ማሪኻቶም ንዘላ ጂቡታውያን ብምሉኦም ክትለቆም ንጽውዕ።

 ቬንዝወላ፡-

 እዚ መርማሪ ኮሚሽን ፖለቲካዊ ድፍኢት ስለዘለዎ በዚ መገዲ እዚ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ክረጋገጽ ስለዘይከኣል ካልእ መገዲ ክጽናዕ ኣለዎ።

 ኣመሪካ፡-

 ሕቡራት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሺን እናተቐበለ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ ዝፍጽሞ ግህሰት ከመሓይሽን ንመርማሪ ኮሚሽንን ፍልይቲ ልእኽትን ንኤርትራ ኣትያ ስርሓ ንኸተካይድ ክፈቕደሎምን ይጽውዕ።

ስፐይን

 ንርእይቶ ኤውሮጳዊ ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ከምዘለዎ እናደገፍና ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ነባሪ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ። ስፐይን መንግስቲ ኤርትራ ንመርማሪ ኮሚሽንን ፍልይቲ ልእኽትን ኣብ ኤርትራ ኣትዮም ስርሖም ከሳልጡ ይጽውዑ።

ጋና፡-

 ቅዋም 1997 ክትግበር ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ

ቦትስዋና፡-

 ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሾን ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካዊ መሰል ናይ ምእካብ መሰል ናይ ኣምልኾ ግህሰትን ዓመጽን ከምዝፍጸም ኣረዲኡ ኣሎ። እዚ ገዛ ከኣ ጸብጻብን እማመን ኮሚሽን ክግንዘቦን ክድግፎን ንጽውዕ። ኤርትራ ከኣ ግዴታኣ ክትፍጽምን ንመርማሪ ኮሚሽን ማዕጾኣ ክትከፍትን ንምሕጸን።

ሶማሊያ፡-

 ንጸብጻብን እማመን ብምድጋፍ ንመርማሪት ኮሚሽን ምሉእ ደገፋ ትገልጽ።

ዩክረይን፡-

 ኣብ ኤርትራ ብዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ኣዝዩ የተሓሳስባ። ስለዚ ንጸብጻብን እማመን መርማሪ ኮሚሽን ትድግፍ።

 ኒካራግዋ፡-

 ዘተን ልዝብን እዩ ነገራት ዘመሓይሽ ኢልና ስለእንሓስብ ምስ ኤርትራ በዚ መገዲ እዚ ክስራሕ ንጽውዕ።

ኬንያ፡

 ብግዝኣተ ሕጊ ከምእትኣምን ሃገር ብመንግስቲ ኤርትራ ተፈጺሙ ተባሂሉ ብመርማሪት ኮሚሽን ተጸብጺቡ ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ግቡእ ኣቓልቦ ክወሃቦን እማመ መርማሪት ኮሚሽን ክትግበርን ንጽውዕ።

ቤልጂም፡-

 መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝባ እትፍጽሞ ግህሰት ከተቃርጾን ምስ መርማሪ ኮሚሽን ክትተሓባበር ንጽውዕ።

 ሱዳን፡-

 እቲ ኮሚሽን ንኤርትራ ከይበጽሐ እዚ ጸብጻብ ምቕራቡ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ኢልና ኢና ንኣምን።

ኢትዮጵያ፡-

 መርማሪ ኮሚሽን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ገበናት ኣንጻር ሰብኣወት ከምዝፍጽም ንዝሰነዶ ጸብጻብ ብምድጋፍ ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክጽውዑ ኣሚሙ ኣሎ። ስለዚ አዒንቲ ግዳያት ናብዚ ባይቶ እዚ እየን ዘማዕድዋ ዘለዋ እሞ እዚ ባይቶ እዚ ግዳይት ፍትሒ ንኽረኽቡ ክጽዕር ንጽውዕ።

ኣየርላንድ፡-

 ንጸብጻብን እማመን መርማሪ ኮሚሽን ትድግፍ።


ሰላማዊ ሰልፊ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራውያን - ተቓውሞ ንመርማሪት ኮሚሽን - ዕለት 21 ሰነ 2016፡

Demonstration by Pro-Government Eritreans in opposition to the COI-Eritrea, on 21st June 2016

ብኣንጻር ናይዚ ዝተጠቕሰ፡ ብወገን ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ውዒሉ ኣሎ። ቀንዲ ዕላማኡ ድማ፡ ነቲ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ንምኹናንን ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽን ኢዩ። ብዛዕባ'ዚ፡ ሓደ ካብቶም ወደብቲ ናይዚ ሰልፊ'ዚ ዝኾነ፡ ኣቶ ሲራክ ባህልቢ፡ ምስ ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ኣብዚ ጠውቑ። ናይቲ ብደገፍቲ መንግስቲ ኣንጻር ውሳኔ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዕለት 21 ሰነ 2016 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኢዩ፡-


ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን - ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን - ዕለት 23 ሰነ 2016፡

Demonstration by Eritrean Justice-seekers in support of the COI-Eritrea, on 21st and 23rd June 2016

ዕለት 23 ሰነ 2016፡ ብወገን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተወደበ፡ ካብ መላእ ኤውሮጳን ካልኦት ከባቢታት ዓለምን ዝጽምበሩዎ፡  ንመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ (COI-Eritrea) ዝድግፍ ሰፊሕ ናይ ደገፍ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ከተማ ጀነቫ (ስዊዘርላንድ) ተኻይዱ። ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቪድዮታት፡ ገለ ካብቲ ብውልቀ ካሜራታት ዝተሳእለን፡ ካብ ፌስቡክ ዝተረኽበን ከፊላዊ ስእሊ ንምሃብ ዝሕግዝ ኢዩ፡-


ጎኒ-ጎኒ’ቲ ኣብ ጀነቫ ብደገፍቲ መንግስቲ ኣንጻር ውሳኔ መርማሪት ኮሚሽን ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ተቐማጦ እስራኤል፡ ንውሳኔ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብምድጋፍ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እዚ ቀንዲ ዕላማኡ፡ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ጸብጻብ ንምድጋፍ ክኸውን ከሎ፡ ንኤውሮጳዊ ሕብረትን ካልኦት ኣካላትን፡ ኣብዚ ጉዳይዚ ደገፎም ከርእዩ ጸዊዑ። ብወገን ድምጺ ኣመሪካ ዝቐረበ ሓጺር ቪድዮ ኣብዚ ተመልከቱ


ካብ ፌስቡክ- ዝተረኽበ ብቀጥታ ዝተማሓላለፈ ሓጸርቲ ናይ ውልቀሰባት ቪድዮታት፡-

Video-1

Video-2

Video-3



Video-4


Video-5

Video-6


Video-7


01/07/2016 16፡23 PM

እቲ ብጅቡቲን ሶማልያን ዝቐረበ እማመ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ሎሚ 01 ሓምለ 2016፡ ብዘይ ድምጺ ምሃብ ማለት ብዓብላሊ ስምምዕ ሓሊፉ። The Draft Resolution submitted by Djibouti and Somalia Adopted without vote, by the UN-HRC, on 01 July 2016.


The Draft Resolution submitted by Djibouti and Somalia Adopted without a vote as only Five countries (Russia, Cuba, Bolivia, China and Ecuador) from the whole room disassociated themselves from the consensus on Article 17 of the Draft resolution which calls the case should be submitted to the Security Council.


እቲ ብጅቡቲን ሶማልያን ዝቐረበ እማመ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ብዘይ ድምጺ ምሃብ ማለት ብዓብላሊ ስምምዕ ሓሊፉ። ሓሙሽተ ሃገራት ማለት፡- ሩስያ፡ ኩባ፡ ቻይና፡ ቦሊቭያን ኢኳዶርን ጥራይ ኣብ ዓንቀጽ 17 ማለት እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ክምራሕ ኣለዎ ንዝብል ዓንቀጽ ብምቅዋም ካብቲ ስምምዕ ብምስሓብ ድምጸን ክህባ ኣይመረጻን። ስለዚ ብዓብላሊ ስምምዕ ብዘይ ድምጺ ምሃብ በተን ልዕሊ ኣርባዓ (ልዕሊ 40) ዝኾና ሃገራት ናይቲ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (Human Rights Council) ቅቡል ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ ማለት'ዩ።



See Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-