ሰኣን ሓደ ሬሳ!

22/12/2017 13:43 PM

ሰኣን ሓደ ሬሳ!

ግጥሚ ብ'መሲናስ


ደቂ ባሕሪ ነገስታት

 

ሰኣን ሓደ ሬሳ!

ዕድመ እንተ ሂቡዎ'ዚ ዕቡይ መላኺ
ኤርትራ ሃገርና ጉድ ክትርእዪ ኢኺ
ብኹሉ እናኣጥፍኦም ዕሸላት ደቅኺ
ክሳዕ መዓስ ኮን'ዩ ኪጸሮ ዓቕልኺ
ይኣክል ዘይትብሊ ወላዲት እንዲኺ!

እዚ ሕሱር ስርዓት ሕሰም ሕላገቱ
ከተማን ገጠርን ቅርዓትኪ ጸልሚቱ
ንደቅኺ ከም *ራውያ እናሃደነ ኣጽኒቱ *ገዚፍ ኣሞራ
ኣዒንትኺ ከም *ምነት ክዛሪ ንብዓቱ *ዓይኒ ማይ
ክሳዕ መዓስ'ዩ ትም ኣፍኪ ተለኺቱ!?

ሰኣን ነዚ ሰኽራም ዝንቡል ሽማግለ
ይኣኽለካ ኢልካ ካብ ስልጣን ዚእለ
ብመሬትን ባሕርን እናጠፍአ *ኣፍለ *ጎበዝ፡ በጽሒ
ዕዳዶ ኣሎዎ'ዩ ልቃሕ ዘይተኸፍለ
ብምልኪ ዚሳቐ ምንም ከይበደለ!

ሰኣን ሓደ ሬሳ’ወ ናብ መቓብር ምውሳድ
ብለይትን ብቐትርን ብጃምላ ምስዳድ
ሕሰምኪ ዚኣሊ ስኢንኪ’ምበር ውላድ
እኽሊ ንኸፍሪ ክትጽበ ንኽርዳድ
ክትስፎ ከሪምካ ኣብ ቀውዒ ምስንባድ
ማይ ባሕሪዶ ይስተ'ዩ ዝተነግሐ ብባድ!

ሕማምካ ፈዊስካ ሚልዮናት ከይቀስኑ
ህዝቢ ብምልኡ ግዳይ ዓመጽ ኮይኑ
እቲ ገበነኛ ኪሕሉ ስልጣኑ
ብስም ድሕነት ሃገር ድርዒ ተኸዲኑ
ህዝቢ የጥፍእ ኣሎ ብምልኪ ኣማሲኑ!

ምእንቲ ናጽነት ተጋዲለ ዚብል
ንምዝራብ'ኳ ሓርነት ዚኽልክል
ነዚ ገበል ሃገር ርእሱ ከይትምንጥል
ብጓሂ ኪትቑዝም ኣብ ክንዲ ትዕልል
ሬሳ ዘየብሉ ዳስ ሓዘን ኪትተክል
ኣንታ ውጹዕ ህዝቢ ክትብደል ንመዋእል!

ኣንታ ሓየት ህዝቢ ትሰምዕዶ ኣለኻ
ክሓተካ ደልየስ ትፈቕደለይ ዲኻ?
ኣብዚ ርብዒ ዘመን ናይ *እልበት ጉዕዞኻ *ሓሳረ መከራ
ካብዚ ስርዓት ባልዋ ኣራዊት በረኻ
እስከ ንገረኒ እንታይ ኪትረክብ ኢኻ
ትም ኢልካ ትርኢ ኪጠፍኡ ደቅኻ!

ጾምካ እናወዓልካ ብጉልባብ *ኣውታርኪ *ርእስኻ ምኽኣል
ፍረ ጻማ ዘይብሉ ምህርቲ ኣልቦ ሃልኪ
ብተስፋ ኪትጽበ ፍጹም ዘይትስልኪ
ሽግርካ ኪቑለል ኣብ ክንዲ ዝንኪ
ቅሳነት ስኢንካ ብምሕደራ ምልኪ
ክሳዕ መዓስ ኮን’ዩ ኪትሓዝን ኪትበኪ!?
ሃየ’ባ ኣንበድብዶ ኪባራዕ እቲ ትኪ!

2018 ዓመተ ምሕረት ሓመድ ድበ መላኺ’ያ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 21/12/2017

Share with friends:



ጻውዒት ንመንእሰይ ኤርትራ


See also recent articles by Mesinas. ካልእ ናይ ቀረባ እዋን ጽሑፋት ብ'መሲናስ፡-

See more ተወሳኺ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ርአ፡-