ንሕና'ውን ንሕበር ንደመር ህዝብና ይበራበር፥

20/07/2018 01:45 AM

ንሕና'ውን ንሕበር ንደመር

ህዝብና ይበራበር፥

ንካብ ኢድና ከይትሞልቀና እዛ ሃገር

ህዝብና ይበራበር

ንሕና'ውን ንሕበር ንደመር ህዝብና ይበራበር፥
ካብ ኢድና ከይትሞልቀና እዛ ሃገር

እቲ ካብ ወርሒ ግንቦት 1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም.ፈ. ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ መሪር ኩናትን ካብ 2000 ክሳብ ሎሚ ጉልባብ ኮይኑ ዝጸንሐ ናይ "ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት" ሃውሁን ኣብ ህዝብና ዘውረዶ ሰብኣዊ፥ ቁጠባዊን ማሕበራውን ቅልውላውን ዘንበሮ ብርቱዕ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ዓቕሚ ሰብ ክሰከሞ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ኮይኑ ጸኒሑ ኢዩ ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኩነታት'ዚ ክጻወሮ ዝተገደደ ነታ ብመስዋእቲን ስንክልናን ዘይተኣደነ ተወፋይነትን ናይ ዝፈትዎም ደቁ ዝመጸት ሃገር፡ ልዑላውነታን ነጻነታን ተኸቢሩ ክነብር ዶባታ ከይድፈር ካብ ዘለዎ ጽኑዕ ድልየት ምዃኑ ሓተታ ዘድልዮ ኣይኮነን። ዕሸላት ደቁ ኣብ ገደብ ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ተሸሚሞም ኣብ ጎቦን ሽንጥሮን እንዳነብሩ፥ ነዚ ኩነታት'ዚ ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ድማ "ተኾርሚኻ ሞትዬ ኣሳፊሕካ ሞትዬ . . . . . " ካብ ዝብል ጭንቀት ተበጊሶም ኣብ ፈቖዶ ምድረበዳ ኣደዳ ሞትን ኣደዳ ነጋዶ ኣካላት ደቅሰብን ክኾኑ እንዳረዩ፥ ኣብ ፎቖዶ ባሕርታት መግቢ ዓሳ ኮይኖም ክተርፉ እንዳሰምዐን እንዳረኣየን "ሃገር ቅድሚ ኩሉ" ኢሉ ኣሚኑ ነቲ ኩሉ ስቅያት ክጽመሞን ክጻወሮን ጸኒሑ ኢዩ። ኣረግቶት ወለዲ ጠዋሪ ስኢኖም፥ ኣዴታት ደቀንን ሰብኡተንን ተሓሪመን ጽልሙት ሂወት ከሕልፉ ከለዉ ሓንቲ መዓልቲኳ ብሕርቃንን ብጓህን ኣይተተኮሱን። ኣይበጽሐን'ምበር መርገም ግን ምስ ንብዓቱኳ ደኣ። እቲ ኩነታት ኣብ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝገደፎ ስባዊን ነገራውን ከቢድ ክሳራን ቁስልን ውሒጥዎ ክነብር'ምበር ክርስዖ ከምዘይኮነ ግን ብሩህ ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ መሪርን ከቢድን ኩነታት ተሰጊሩ ሰላም ክመጽእ'ዮ ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ ስቓዩን መሪር ሂወቱን ኣጸጊዑ ብዕልልታን ጠቓዒትን ከምዝተቐበሎ ብግብሪ ኣርእይዎ ኢዩ።

ንምዃኑ እዚ ናይ ሰላም መስርሕ'ዚ ከመይ ኢዩ ተበጊሱ ናበይ ገጹ'ኸ የምርሕ ኣሎ?

እቲ ናይ ለውጢ ነፋስ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ዝጅምር'ኳ እንተኾነ ብመሰረቱ ግን ካብ 3- 4 ዓመታት ጀሚሩ ህዝቢ ኢትዮጵያ (ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኦሮሞን ህዝቢ ኣምሓራን) ዘካየዶ መሪር ቃልሲን ዝኸፈሎ መስዋእትን ዝደፍኦ ከምዝኾነ ክርሳዕ ዝግበኦ ኣይኮነን።

ዶክቶር ኣብይ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ኣብ ሓጺር እዋን ዝወሰዶም ተበዓት ስጉምታታት፡ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ኮነ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ብርቱዕ ተቐባልነትን ደገፍን ክረኽቡ ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ናይ ለውጢ ነፋስ'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ከይተዓግተ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካብኡ ወጻኢን ዘለዉ ሃገራት'ውን ጽልውኡ ከንጸባርቕ ጀሚሩ ኣሎ። ሓንቲ ካብተን በዚ ናይ ለውጢ ነፋስ ትጽሎን ክትጽሎ ዘለዋን ሃገር ኤርትራን ህዝባን ክኸውን ባህርያዊ ኢዩ። እቲ ምኽንያታት ብዙሕ ሓተታ ዘድልዮ ኣይኮነን፣ ኣብ ኣሉታን ኣወንታን ዝተመርኮሰ ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ጉርብትና ዝምድናን ብፍላይ ድማ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም ዝተኻየደ ኩናትን ድሕሪኡ ከም ደበና ጠልጠል ኢሉ ዝተረፈ ናይ "ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት" ሃውሁን ብቐጥታ ምስ ሃገርናን ህዝብናን ዝተኣሳሰር ብምዃኑ ኢዩ። እዚ ናይ ለውጢ መስርሕ'ዚ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ብርቱዕ ከምዝኾነ ካብቲ ኣብ ሓጺር እዋን ዝተራእየ ምንቅስቓሳት ምግንዛብ ተኻኢሉ ኣሎ፣ ድሮ ናይ ክልቲኡ ሃገራት መራሕቲ ወግዓዊ ምብጽጻሕ ምግባር ጥራይ ዘይኮነ ውዑላት ምፍርራምን ገለ ካብቲ ውዕላት ድማ ግብራዊ ኮይኑ ናይ ተለፎን መስመር ተኸፊቱ ፥ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስርሑ ጀሚሩ፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ምብራር ጀሚራ ኣላ።

እቲ ካልእ ስምምዓት ድማ ኣብ ግብሪ ንምትርጓሙ ዘድሊ መጽናዕቲ ይግበረሉ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ብህዝባዊ መራኸቢታት ናይ ኢትዮጵያ ተደጋጊሙ ክውዓዋዕ ይስማዕ ኣሎ። እቲ ዝገርም ግን ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ስምምዓትን ኣብ ግብሪ ዝትርጎም ዘሎ ውሳኔታትን ዝምልከት ማዕከናት ዜና ኤርትራ ብስቕታ ተዋሒጠን ምህላወን ኢዩ።

መራሒ ሃገረ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ ንዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብስም ኤርትራ ክዛረብን ክንቀሳቐስን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ከምዝሾሞ ተሓቢርና፥ ኣብ ሃዋሳ ድማ "ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ክመርሓና ስልጣን ሂበዮ ኣሎኹ" ኢሉ ባዕሉ ኢሳያስ ብወግዒ ነጊሩና። ኢትዮጵያ ምጥቃም ወደብ ዓሰብ ክትጅምር፥ እቲ ዘድሊ ናይ መገዲ ምጽራግን ምትዕርራይን ካልእ ዘድሊ ምቅርራብን እትከታተል ናይ ክኢላታት ኮሚተ ቆይማ ስራሓ ጀሚራ ከምዘላ፥ ብኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ጠቕላይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ብወግዒ ተኣዊጁ።

ምስቲ ኣብ ሓጺር እዋን ዝተፈጥረ ዝምድና ዝርአ ዘሎ ብምትሕቑቛፍን ደጋጊምካ ብምስዕዓምን ዝግለጽ ሓዱሽ ፍቕሪ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኢሳያስን ዶክተር ኣብይን ነቲ "ምድማር" ዝብል መዝሙር ናይ ትርጉሙ እንታይ ማለት ምዃኑ ክርድኦ ኣጸጊምዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ኢዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምድንጋርን ስግኣትን ንኩሉ ብልዑላውነት ሃገር ዝግደስ ኤርትራዊ ዜጋ (ደጋፊ ይኹን ተቓዋሚ ብዘየገድስ) ዝምልከት ጉዳይ ኮይኑ ይረአ ኣሎ።

እዚ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ንህዝቢ ኤርትራ ይምልከቶ ዲዩ ኣይምልከቶን? ዝምልከቶ እንተኮይኑኸ ክዝትየሉን ርእይቶኡ ክህበሉን'ዶ ኣይግበኦን ኢዩ? እንተወሓደ ሓበሬታ ክወሃቦኸ ኣይግባእን ዲዩ? ከጣቕዕን ክዕልልን ጥራይ ዲዩ ዝድለ ወይስ ኣብ መሬቱን መሰሉን'ውን ክሳተፍ መሰል ክህልዎ ኣለዎ? ዝብል ሕቶታት ኣብ ኣእምሮ ኩሉ ኤርትራዊ ዝዘውር ዘሎ ሓሳብ ኢዩ።

እቲ ንዕስራ ዓመታት ዝኣክል ህዝብን መንእሰያትን ጀሆ ተታሒዙሉ ዝጸንሐ ናይ ዶብ ጉዳይ ብዘይካ ክትገበር ኢዩ ዝብል ቅንጣብ ሓረግ መኣስን ከመይን ከምዝትግበር ህጥም ኢሉ ተሪፉ። ካብ መሬትና ከይወጹ ኣብ ዝርርብ ኣይነኣቱን ይበሃል ከምዘይነበረ ሎሚ ግን ካብ መሬትና ስድሪ ከይገደፉ ወደብ ዓሰብ'ውን ክጥቀምሉ ውዱእ ኮይኑ ኣሎ።

ብህዝቢ ዝጸደቐ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከይውዕል ሃገር ኣብ ኩናት ከላ!!! መንእሰያት ከይመሃሩ ከይሓርሱ ስድራኦም ከይጥውሩን ከይኣልዩን ሃገር ኣብ ኩናት ከላ !!!! ኣሽሓት ዜጋታት ብዘይ ሕግን ብዘይ ፍርድን ኣብ ፈቖዶ ኮንተይነራትን ትሕቲ መሬትን ተዳጉኖም እንዳተሳቐዩ ተረሲዖም እዚ ኩሉ ሸብዳዕዳዕ ክትርኢ ከሎኻ ሕልና ዘናውጽ ስምዒት ዘይዝስምዖ ኤርትራዊ ኣሎ ምግማት ኣጸጋሚ ኢዩ።

ሎሚ ስቕታ ገበን ኢዩ

1. ዶብና መረጋገጺ ናይቲ ብመስዋእትን ስንክልናን ዘይሕለል ቃልስን ኤርትራውያን ዝመጸ ልዑላውነት ሃገርና ስለዝኾነ ብብቑዕ ሓበሬታ ዝተሰነየ ግሉጽ መስርሕ ክካየድ ንጥለብ። ሃገረ ኤርትራ ዋናታት ህዝቢ'ምበር ኢሳያስን ወሑዳት ሰዓብቱን ኣይኮኑን። ሃገርና ሓደ ውልቀ ሰብ ክፋቐረላን ክጻላኣላን ስቕ ኢልና ኣይንርአን ኣይንስማዕን።

2. ኩሎም ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ብዘ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ዓው ኢልና ብሓባር ድምጽና ነስምዕ፣

3. እቲ ኣብ 1997 ብወከልቲ ህዝቢ ዝጸደቐ ቅዋም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ንእሽቶ ምስ ዓብዪ ደጋፊ ምስ ተቓዋሚ ብሓደ ድምጺ ይንባሕ፥

4. መንእሰያት ኤርትራ ንዓመታት ጀሆ ሒዙ ዘሎ ብስም 'ሃገራዊ ኣገልግሎት" ዝፍለጥ ካብ ባርነት ዘይትሕት ዕስክርናን ይወዳእ፡ ዕጥቂ ምልሻ ይውረድ፡ ኣቦታትን ኣደታትን ናብ ንቡር ሂወቶም ይመለሱ።

ሃገርና ክዝመት'ዶ ዓይንኻ ይዕመት!!! እቲ ጉልባብ ኮይኑ ዝጸንሐ መመጻደቒ መጋረጃ ተቐንጢጡ ኣሎ። ናይ ፍርሒ ግዙኣት ኮይና ኣይንንበር፡ ኣይፋልን ምባል ንጀምር።

ሎሚ ስቕታ ገበን ኢዩ

ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራሲን ኤርትራውያን ሚላኖ


Share with friends:

ንሃገረይ ኢለ ምስንካለይ ክሳብ ሎሚ ሕብንቲ ነይረ፣ በዚ ዝፍጠር ዘሎ ኩነታት ግና ተሰሚዑኒ።

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ - OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS (ብ G-15 ዕለት 24 March 2001)



Share with friends: